ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብምህማም መሬት ልዕሊ 229 ሰባት ሞይቶም

2024-07-23 22:25:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 284 times

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጎፋ ኣብ ዝተባህለ ዞባ፡ ብ22 ሓምለ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ክሳብ 23 ሓምለ 2024 ምሸት 229 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ምድላይ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ቀጻሊ ከም ዘሎን መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ዝሞቱ 148 ደቂ ኣንስትዮን 81 ደቂ ተ ባዕትዮን ምዃኖም እውን ናይቲ ዞባ ክፍሊ ርክባት ብምጥቃሱ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ካብቶም ግዳያት ክኢላታት ጥዕና፡ መምሃራንን ሰራሕተኛታት ሕርሻን ከምኡ ድማ ናይ ከባቢ ኣመሕደርትን ከም ዝርከብዎም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ መሬት ከም ዝሃመመ ሰሚዖም ህይወት ከድሕኑ ካብ ዝመጹ በቲ ዘጋጠመ ተወሳኺ ምህማም ከም ዝሞቱ እውን ተፈሊጡ።

ናይቲ ዞባ ወኪል ኮሚሽን ሓደጋን ድልዉነትን  ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኮሚሽን ተወሳኺ  ህይወት ናይ ምድሓን ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከም ዘዋፈረ ኣፍሊጡ። ካልእ ብወለንታኡ ኣብቲ መስርሕ ምድሓን ህይወት ዝሳተፍ ዘሎ ባእታ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዝናብ ይዘንብ ስለ ዘሎ ነቲ ዳህሳስ ኮነ ጸጥታዊ ምክትታል ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ገሊጹ።

እቶም ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ዝፈልጥዎም ቤተሰብ ዘይረኸቡ ግዳያት ብመንግስቲ ይቕበሩ ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ ብዝተገብረ ጻዕሪ 10 ሰባት ጥራይ ብህይወት ተረኺቦም ናብ ሕክምና ከም ዝተላእኩ ኣመልኪቶም። ካብ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ጋና ብዙሓት በቲ ዝሃመመ መሬት ተደፊኖም ኣለዉ። ናይቲ ከባቢ ህዝብን ማሕበራትን ህይወት ከድሕኑ ናይ ምስታፍ ቅሩብነትኳ እንተለዎም፡ እንተኾነ መሳርሒ ማሽነሪ ስለ ዘየለ ክንድቲ ዘድለ ኣየድምዑን።

ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ከጋጥም ዝኽእል ምህማም መሬትን ዝኣመሰሉን ናይ ክረምቲ ሓደጋታት ዝምልከት መጠንቀቕታ ወጺኡ ዝነበረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ በቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ከም ዝገለጸ  ኣፍሊጣ።

Last modified on Wednesday, 24 July 2024 00:36