ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራኡ ናብን ካብን ኣስመራ ከቋርጽ ወሲኑ

2024-07-24 14:44:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 298 times

በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ፡ “ንኩሎም ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ” ብዝብል  ኣብ ዘውጸኦ ምልክታ፡ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብን ካብን ኤርትራ ዘካይዶ በረራ ንክቋረጽ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እቲ ምልክታ ከም ምኽንያት ንምቁርጽ በረራ፡  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ  ካብን ናብን ኤርትራ ኢሉ ከም ዝዘርዘሮ  “ኣብ ልዕሊ ገያሾ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኣሉታዊ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናውን ምጥፋእን ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ጉድለታቱ ከእርምን ንዝተበደሉ ካሕሳ ክኸፍልን ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዕሽስ ክብሎ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዕለታዊ ክሳብ ሰለስተ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረራ ኤርትራውያን ገያሾ ከማርሩ ከም ዝጸንሑ ኣቐዲሙ ዝፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ሕጂ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግና ምኽንያቱ ንሱ ጥራይ ኣይክኸውንን እዩ። ምኽንያቱ ምምሕዳር ህግደፍ ናቱ ምኽንያትን ሕሳብን እንተዘይሃልይዎ፡ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ሓዲርዎ ኣይመወሰዶን።

መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድም ብሰንክቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ኣቋሪጽዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ስምዒት እምበር ኣብ ኣርሒቕካ ምጥማት ዘይተመስረተ ሓድሽ ስምምዕ ተፈጢሩ ምስ ተባህለ እዩ ካብ 18 ሰነ 2018 እንደጋና ጀሚሩ ክቕጽል  ጸኒሑ።

ምስቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን መመሊሱ ዝሕርፍፍ ዘሎ ዝምድና፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ብቕጻሉ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 24 July 2024 16:53