ዝተወደበ ኣካል ይኹን ባእታ፡ ካብ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ፈሊኻ ምርኣዩን ምምዛኑን የጸግም’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኽተል ጉጅለ ይኹን ውልቀሰብ ብፍላይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጻ ሃዋህው ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ተኸኣኢልካ ምንባር ኣጸጋሚ እዩ። እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ምርሕሓቕ ከኣ ኣካልነት ወይ ሰብነት ዘይኮነ፡ ኣተሓሳስባ ዝፈጥሮ ፍልልይ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ንክንቃለስ ዝድርኾ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይቶም ኣብኡ ተጸፍዮም ዘለዉ ከም ሰባት ዘይኮነ፡ እቲ ዝኽተልዎ ተጻባኢ ኣተሓሳስባ እዩ። ግና ድማ እቲ ኣተሓሳስባ ብዘይቲ ዘንቀሳቕሶ ኣካል ድዩ ጉጅለ ግብራዊ ህልውና ስለ ዘየብሉ፡ ምስቲ ዘተግብሮ ኣካል ኣብ ምርሕሓቕን ምስሕሓብን ክእቶ ግድን እዩ። ብፍላይ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብናጻነት ምንጽብራቕ ዘኽእል ሕጋውን ዲሞክራስያውን ባይታ ኣብ ዘየብሉ፡ እቲ ፍልልይ ከምዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ኪኖ ብኣተሓሳስባ ምርሕሓቕ፡ ኣብ መንጎቶም ብሓሳብ ዝፈላለዩ ጽልእን ምጥፋእን ከም ከጋጥም ኤርትራውያን ንነብሮ ዘለና እዩ።
ሓደ ኣካል ምስ ግዜን ምዕብልናን ኣተሓሳስባኡ ክቕይር ይኽእል’ዩ ኢልካ’ ምግማት ይከኣል’ዩ። ካብዚ ነቒሉ ምስቶም ኣንጻሩ ዝጸንሑ ናይ ምስላፍ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ ዘገርም ኣይኮነን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣካል ግና ካብቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡ ንድሕሪት ክምለስ ኣብ ዘይክእለሉ ዝጠሓለ ስለ ዝኾነ፡ ካብ መዓሙቕ ድርቅና ወጺኡ፡ ወገን ህዝቢ ኮይኑ ክስለፍ እትጽበዮ ኣይኮነን።
ንሓደ ኣካል ካብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡቡ ወጻኢ፡ ምኽኑይ ብዘይኮነ መዕቀኒ ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣዩ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ግምት ከይሃካ፡ ብዓዲ፡ ጾታ፡ እምነትን ካልእን ምስ ዝፍለየካ ምጽላእ’ውን ከምኡ ናብ ግጉይ ናይ ቃልሲ መንገዲ ዝመርሕ እዩ። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መሰላት ህዝቢ ዝዕምጽጽ፡ ነብሱ ልዕሊ ህዝቢ ዝሰርዕ፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ምቕታልን ምስዋርን ዝመርጽ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ውግእ ዝወልፍ፡ ኮታ ህዝቢ ኣብ ሃገሩን ጸጋታታን ወሳኒ ከይከውን ዝኸልእ ጨካን ምዃኑ፡ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ዲክታተር እንተዘይከውን፡ ከም ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዝኾነ ጥራይ ኣይመተጸልአን። ስለዚ ናብዚ ዘለዎ ዝተጸልኣ ደረጃ ዘውደቖ ኣተሓሳስባኡ እዩ። ህዝብናን ውድባቱን ኣንጻር’ቲ ጉጅለ ዲክታተር ዝቃለሱ ዘለዉ’ውን ንኢሳያስ ከም ሰብ ስለ ዝጸላእዎ ዘይኮኑ፡ ብሰንክቲ ዝዓበየሉን ክሳብ ሕጂ ዘይገደፎን ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲን ዕቤትን ኣተሓሳስባኡን ተግባሩን እዮም።
ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝዕወት፡ እዞም ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ መራሕቲ ከም ሰባትን ተኣኪበምሉ ዘለዉ ጉጅለን ክውገዱ እንከለዉ ጥራይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሰብ እንተኸደ ሰብ ከም ዝመጽእ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ። ዝኸደ ምስ ከደ እቲ ዝትክእ ሓድሽ ኣካል፡ ነቲ ዝነበረ መርዛም ዘወግድ ኣተሓሳስባ ሰኒቑ፡ ሓቀኛ ወገን ህዝቢ ምስ ዝኸውን ቅቡልን ውጽኢታውን ይኸውን። እቲ ብህዝቢ ዝተፈንፈነን ዝኣረገን ኣተሓሳስባ ብሓድሽ ሰብ ይኹን ጉጅለ ተመላኺዑ ምምጻእ ግና ተቐባልነት ኣይረክብን።
ቅድሚ 6ተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን፡ “ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሞይቱ” ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ተነዚሑ ነይሩ። ህግደፍ ከኣ ባዕሉ ዝመሃዞ ስለ ዝነበረ፡ ኣጽቂጡ ይከታተሎ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ምናልባት ተቐባልነት ኢሳያስ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝነበረ ንምርዳእ ዝተማህዘ እዩ ነይሩ ዝብልዎ ነይሮም። እቲ ኩነታት ኣፍካ መሊእካ “ክትኣምኖ ወይ ክትክሕዶ” ኣጸጋሚ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ እንተ ተመርኲሱ “ሕራይ ኢሳያስስ ከይዱ ንበል ኣተሓሳስባኡኸ?” ብዝብል ርእሰ ዓንቀጽ ጽሒፉ፡ እቲ መፍትሒ ናይ ሰባት ምኻድን ምምጻእን ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእን ዘይምምጻእን ምዃኑ ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እዚ ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ዝንዛሕ ወረ ኣዘንጊዑ ድሕሪ ዝተወሰነ ወቕቲ ዝመጽእ እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ ሰሙናት ድማ “ህግደፍ ድሕሪ 30 ዓመታት ጉባአ ከካይድ እዩ። ኣብዚ ጉባአ ከኣ ኢስያስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ መዚ ናይቲ ግንባርን ሓለፍቲ ዞባታትን ኣሰናቢቱ ብመንእሰያት ክትክኦም እዩ። ንዓኣቶም ዝትክኡ መንእሰያ ድማ ብኣምሳሉ ቀሪጹ ቀሪብዎም ኣሎ”፣ ዝብል ወረ፡ ብኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ይገማዳሕ ኣሎ። እዚ ወረ’ዚ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ዕጽዋን ናይቲ ግንባር ዘይግሉጽነትን፡ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ተኣማሚንካ “ክኸውንዩ ወይ ኣይከውንን እዩ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። “እንተ ዝኸውንከ?” ኣብ ዝብል “እንተ” ተመርኲስካ ሚዛን ምንባር ግና ይከኣል።
ብመሰረቱ እቶም ተካእቲ “ኢስያስ መልሚሉ ዘቕረቦም መንእሰያት እዮም” ዝብል ወረ ብዙሕ ሕቶታት ዝምልስ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን፡ ነቶም ኣብ ስልጣን እንከለዉ’ውን ዘየስርሖም ክጉሕፎም ምምዳቡ ምስቲ ኣካይድኡ ደንጉዩ’ኳ ዘብል እምበር፡ ሓድሽ ኣይመኾነን። እቶም ዝትክኡ ከኣ ብዕድመ እምበር፡ ብኣተሓሳስባ ኢሳያስ ዝተጠመቑ ካብ ኮኑ፡ ህዝብና ዝተጸበዮም መንእሰያት ኣይክኾኑን እዮም። ምኽንያቱ ኢሳያስ ካብ ብኣምሳሉ ሓሊፉ፡ ብዝሓሸን ጸዋዒት ህዝቢ ብዝሰምዕን ኣተሓሳስባ ዝቐረጾም እዮም ኢልካ ምጽባይ ሕልሚ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ነቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ዘብለጭልጭ ሕብርታት ይቐብኦን ብናይ ዕድመ ንእስነት የጸባብቖን ይኸውን። እዚ ከኣ ንህዝብና ካብ ወጽዓ ዘላቕቖ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ሓድሽ ወጻዒ ዘውድቖ እዩ።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ለውጢ እምበር፡’ ብናይ ሰባት ምቅይያር ኣይምለስን እዩ። ብርግጽ መንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነቱ ክርከብ ኩልና እንብህጎን እንቃለሰሉን እዩ። እቲ ሓላፍነት ክርከብ እንብህጎን እንጽውዖን መንእሰይ ግና ኢስያስ ብኣምሳሉ ዝቐረጾ ዘይኮነ፡ ወጽዓ ህዝቡ ተረዲኡ ቃልሲ ሓርነት ናይ ምዕዋት ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝስከም እዩ።
መንእሰይ ሓላፍነት ንክርከብ ዝጽዋዕ፡ ብዕድመ ንኡስ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዕድሚኡን ዘመናውነቱን ዝምጥን፡ ነዚ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ “ወጊድ” ኢሉ፡ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ክስለፍ ትጽቢት ስለ ዝግበረሉ እዩ። ብዕድሚኡ ዝነኣሰ ብኢሳያስ ተመልሚሉ፡ ንዲክታተርያዊ ኣተሓሳስባ ብዓቕሚ ንእስነቱ ከተግብር ዝንቀሳቐስ ግና፡ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክምዘን እንከሎ፡ እቲ ብንእሱ ዝኣረገ ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ። እቲ ሓቀኛ መንእሰይ፡ ብንኡስ ዕድመኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ የማነ-ጸጋም ኣመዛዚኑ ናብ ለውጢ ዘማዕዱ ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ኣይዘንግዕ። ስለዚ ንሓደ ኣካል ክንድግፍ ኮነ ክንቃወም፡ ክንጸልእ ኮነ ክንፈቱ፡ መዕቀኒና ናይ ሰባት ዕድመ፡ ጾታ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ኣውራጃን ካልእ ናይ መንነት መግለጽን ዘይኮነ፡ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይግበኦ።
ህዝቢ ኤርትራ ተግባራት ህግደፍ ተረዲኡ፡ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ክስሕብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ካብ ህግደፍ ተስፋ ናይ ምቑራጹ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ትካል ኮነ ከም መራሒኡ ንዝኣተውዎ ቃል ዘየኽብሩ ምዃኖም እቲ ቀንዲ እዩ። ኣብ ዝኣተኻዮ ቃል ዘይምጽናዕ፡ ናይቲ ጉጅለ ባህሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብብዙሕ መልከዓትን ኣገባባትን ዝግለጽ’ውን እዩ።
ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ከም ዝትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ተኸቢርሉ ናይ ጸጋታቱ ማዕረ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን ዝምስረት ዝምድና፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት፡ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተሰረተ ከም ዝኸውን ክግበር፡ ኮታ ክሳብ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝብል ትስፉው ዝመስል፡ ግና ዘይትግበር ቃል ዝኣቱ ዝነበረ ጉጅለ እዩ።
እቲ ዘይትግበር መብጸዓታት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ክሰርሖን ክፍንጠሖን ዝጸንሐ ዘይርጡብ ርክባት ናይ ዘይተኣማንነቱ ኣብነት እዩ። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ተመኩሮ ዝምድናኡ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ክልል ትግራይ ክኸዶ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ዝያዳ ኣስተብህሎ ዘድልዮን “ኣየናይ ክከሓድ ኣየናይከ ክእመን” ዘብልን እዩ። ምልስ ኢልካ ሓጺር ዳህሳስ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ተበላጺ ፍቕሪ መስሪቶም፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ጸረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጸምዎ በደል፡ ከም ታሪኽ ተመዝጊቡ ክዝከር ዝነብር እዩ።
ክልቲኦም ውድባት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንዝተወሰነ ዓመታት ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዓት’ኳ እንተነበሮም፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክተፋነኑን ክካሰሱን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣዝዩ መሪርን ዓለም ዘሰንበደን ኣጽናቲ ውግእ ኣትዮም፡ እዚ ዘይባሃል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣውሪዶም። እቲ ዘሕዝን ከኣ ደሓር’ውን ነዚ ኣሉታዊ ተመኩሮን ክሳራን ኣብ ክንዲ ዝመሃርሉ ብኻልእ መልክዕ ምቕጻሎም እዩ።
ኣብ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብሓፈሻ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ’ኳ ብሩህ እንተነ በረ፡ ብፍላይ ኣንጻር’ቲ ኣብ ትግራይ ገዛኢ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ዘቕነዐ ምንባሩ ግና ምልክታት ነይሮም እዮም። ኢሳያስ እቲ “ወያነ ደጊም ጸወታ ተወዲኡ (WEYANE GAME OVER)” ዝበሎ ጭረሖ ኣቃሊሑ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣምረሐ፡ ፈታዊ ብልጽግናን ጸላኢን ህወሓትን ኮይኑ ክስለፍ ከም ዝወሰነ ርኡይ ነይሩ። በቲ ኣብ ኣደባባይ ዘስመዖ ቃል ከም ዝጸንዕን ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተዎ ቃል ንሓዋሩ ከም ዘይዕጸፍን ገይሮም ዝተረድእዎ ውሑዳት ኣይነበሩን። ነቲ ናይ ቅድሚኡ “ኣሚንካ ናይ ምኽሓድ” ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ዘይዘንግዑ ወገናት ግና፡ “ኢሳያሲ ካብ መዓስ እዩ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ዝፈልጥ?” ዝብል ምልክታኦም ዘንጸባረቑን ኣንጻር’ቲ ሐደገኛ ኣካይድኡ ብሰልፍታት ብሰልፊ ከይተረፈ ተቓውመኦም ዝገለጹን ወገናት’ውን ነይሮም።
ነዚ ሓጺር ዝዕድሚኡ መብጸዓ ኢሳያስ ንምርጓድን ምምዕራግን ዝተዛረቡ ናይ ቀረባ ልኡኻቱ’ውን ነይሮም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብታ ናይ መጀመርያ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከም ናይ ምሳኻ ኢና ዘለና መልእኽቱ መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ምቕሉል መራሒ ረኺባና’ለና” ዝበለሉ ኣጋጣሚ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘስደመመ ኣዛራቢ ተረኽቦ ነይሩ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ “ኣነ ኢትዮጵያ ከይተበታተን ከይትገማማዕን ውያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስን እየ ዝድግፍ” ዝበለሉ ኣጋጣሚ ከኣ ካልእ መስደመም ነይሩ።
ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ኩሉ’ቲ ንኢትዮጵያ ከም ሃገርን ንመራሒኣን ብህግደፍ ክወሃብ ዝጸንሐ ክብርን ናእዳን ክጥለም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ንትግራይ ዘጸልም ዝነበረ ቃላት ይዕረ ከም ዘሎ ዘመላኽት፡ “ኣየናይ ክካሓድ፡ ኣየናይ ክእመን፡ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕንቅርቢት ተመን” ዝብል ዜማ ወዲ ገብሩ፡ ዘዘኻኽር ሃቐነታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ህግደፍ ሓሳቡ ከንጸባርቓሉ ብዘዋፍረን መድያታት፡ “ምስ ህዝቢ ትግራይ ጸገም የብልናን፡ ውግእ ምስ ትግራይ ንረብሓና ኣይኮነን…… ወዘተ” ዝበሃል ዘሎ ተዓዚቦም፡ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብሉ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። “እቲ ቅድሚ ሕጂ ንህዝቢ ትግራይ ተዘራርዮም ድከቱ ዘስትይዎ ደኣ እንታይ ጽልኢ ስለዝነበሮም እዮም?” ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ከም ዝኸውን እንድዒ።
ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ክጸሉ ይኽእል እዩ ዝበልዎ ኣቶ ሰለሙን ድራር ኣዋፊሮም፡ “ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ጐኒ ትግራይ ኢና፡ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ዝገሃስ እንተኮይኑ፡ ከምቲ መጀመርያ ወያነ ብረታዊ ቃልሲ ክትጅምር እንከላ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ድሓር እውን ህዝባዊ ግንባር ምስ ኮነ መሊሱ፡ ዝገበሮ ኣበርክቶ እቲ ኣጠማምታ ከምኡ እዩ ክኸውን ዝግበኦ፡ ከምኡ እዩ ከኣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ። ሕጂ እውን ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ቆልዓ ናብ ካልእ ጌጋ ከይወስዳ ክትጥንቀቕ ይግባእ፡” ይብል። እቲ ኣብ “ኣራት ኪሎ” ዘሎ ቆልዓ” ዝበሃል ዘሎ፡ ትማሊ ብኢሳያስ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ” ዝተባህለ፡ ታሕጓሱ ንምግላጽ ድማ፡ “ሓደ ሓደ ግዜ ብስም ኤርትራ እንተተዛረብኩ ኣይትሰንብዱ፡ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ እዩ” እናበለ ዘኽመስምስ ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምዃኑ እዩ።
ብወገን ትግራይ’ውን፡ ካብ መራሕቲ ህወሓት ጀሚርካ፡ ክሳብ ደገፍቶም ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታት ምስ ህግደፍ ይራኸቡ ከም ዘለዉ ብምእማን፡ ናብቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ውግእ ዘርዚርካ ብዘይውዳእን ክሳብ ብናይ “ጽንተት/GONECIDE/ ገበናት ዝኸስዎ ዝነበሩ ጉጅለ ህግደፍ ዘመዓድዉ ዘለዉ ይመስሉ። ዋላ’ኳ ከምቲ “ክበልዕዎ ንዝደለዩ ኣባጉንባሕሲ ዛግራ ይብልዎ” ከም ዝበሃል፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ምፍጣር ጸገም የብሉን” ብዝብል ከጎልብብዎ እንተፈተኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህግደፍ ምስኣቶም ክዛመድ ከምዘይክእል ዝስሕትዎ ኣይኮኑን። ክሳብ እቲ “ህግደፍ ዝወገኣና ብኣብይ ኣሕመድ ተዓዲሙ እዩ፡ ስለዚ እቲ ገበነኛ እቲ ዓዳማይ እምበር፡ እቲ ተዓዳማይ ኣይኮነን” ምባል በጺሖም፡ ንህግደፍ ካብ ገበን ከንጽህዎ ዝደናደኑ ከም ዘለዉ’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይዚ ምግልባጥ ትርጉም፡ ነቲ ህግደፍን ብልጽግናን ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ዘካየድዎ ውግእ፡ ናብ ህግደፍን ህወሓትን ሓቢርካ፡ ኣንጻር ብልጽግና ምስላፍ ምቕያሩ እዩ። ስለዚ እቲ ብናይ ክሳብ ሕጂ ዘይቅዱስ ዝምድናን ቃልን ህግደፍ ዘይረብሓ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ዝእለም ዘሎ ሓድሽ ውዲት’ውን ንረብሓኡ ከምዘይከውን ተረዲኡ ክበራበር ንጽውዕ።
ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ምዕራፍት ቃልሲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዓለምና ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ ናይ ዓወት ወሳኒ ዝነበረ፡ ነቲ ብቓልሱ ዘመዝገቦ ዓወት ብዝምጥን ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ሓደ ገጽ ናይ ተመኩሮኡ እዩ። ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ነዚ ህዝብና ዘለዎ ዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።
ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ በቲ ዝተጸበናዮ ኣገባብ ኣብቲ ዝተለምናዮ እዋን ቀልጢፉ ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያታት ካብ ዝበሃሉ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝብና ከምቲ ዝድለ ተቢዑ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዘይምዕሳሉ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝጥቀስ እዩ። ብግብሪ’ውን ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሜዳ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንህልዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራን ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ብቐረባ ዝተገንዘቡ፡ ወገናት ድማ፡ “ስለምታይ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ወጻዒኡ ህግደፍ ይኸውን?” ንዝብል ሕቶኦም፡ ነቲ ህዝቢ ብምንእኣስ ደጋጊሞም ክዛረብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ኣብ ናጽነት ዘብጸሐ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብልሑን ትብዓቱን ነኪዩ ርእሱ ከም ዘድነነ እቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምህላዉ ንክሕዶ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ቀንዲ ውጹዕን ብስዕረት ህግደፍ ዝጥቀምን ንሱ እናሃለወ ምዃኑ ከኣ ኣባና ኣብቶም ኣብቲ ቃልሲ ዘለና ከይተረፈ ኣገራሚ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቶም ኣበይ ይሃሉ ብዘየገዳስ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብግቡእ ዘይርድእዎ ነቲ ህዝቢ ክሳብ “ንወጽዓን ባርነትን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ” ብዝብል ዘይቅቡል ስነመጎት ክገልጽዎን ከነኣእስዎን ይህቅኑ እዮም።
እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ስቕታኡ፡ ብመጀመርያ ለውጢ ካብ ዘይምብሃግ ዝነቅል ዘይምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ነባሪ ደኣ ኣይክኸውንን እዩ እምበር፡ ለውጥን ዓወትን እናበሃገ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣዝዩ ጽንዑን ጨካንን ኣብ ሓደ ስድራቤት ከይተረፈ ምትእምማን ዘጥፍእ፡ መርበባዊ መቑሕ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ” ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብዘይካቲ ነባር፡ ስሩዕን ግሉጽን ተቓውሞ፡ ከም በርሊን ማኒፈቶ፡ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ዝኣመሰሉን፡ ገሊኦም በላሕቲ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተረኽበታትን ካለኦት ደሃዮም ዘይተሰምዑን ምኽሳቶም፡ እቲ ዝድለ ለውጢ’ኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግዜኡ ሓልዩ ዝነቱግ ህዝባዊ ናይ ለውጢ እሳተ-ጐመራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ እሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክናበብ ዝግበኦ ዝተፈላለየ መልክዓት ዝሓዘ ናይ ቃልሲ ውዳበታት፡ ነቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘነሃህር እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ “ኣነ እንተዘይሓሰብኩልካ” ብዝብል ግጉይ ፈሊጥን ሸፈጥን ንግደ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘውጽእ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንባብ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ኣድማዒ ንክኸውን ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤ (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ክወድቕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክወድቕ ዝኽእል፡ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ካብቲ ስርዓት ተሰዊሩ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ተቓውሞ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ቃለበት ክድልድል ኣለዎ። ንውሽጢ ኤርትራ ከኣ እቲ ቀንዲ ዓውዲ ተቓውሞ ክንገብሮ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዘየንጸባረቐ ተቓውሞ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ” ዝበሎ፡ “ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ተገዲስና ክንምልሶን ናይ ግድን እዩ።
እቲ ምስ ህዝቢ ዝግበር ምትእስሳርን ምንባብን ንክዕወት፡፡ ናይቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ማዕረ ቅሩብነትን ተገዳነስትን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ምውዳብ ክረዳእን ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መድረኽ ስለ ዝተነፍገ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ውድባታትን ህዝባዊ ማዕበላትን ኣካይዳ ብተገዳስነት ክቋመቶ ይግበኦ። ነቲ በብግዜኡ ብህግደፍ ኣብ ድርኩዂቱ ዝእለም ረቂቕ ተንኮላትን እውን ከስተብህለሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ እምበር፡ ተጸባዪ ለውጥን ተዓዛብን ከምዘይኮነ’ውን ክግንዘብ ይግበኦ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ፡ ሕድሕድ ንምንባብ ውሽጥን ውጻኢን ከምቲ ዝድለ ዘይጥዕም ምዃኑ’ኳ ርኡይ እንተኾነ፡ ህዝቢ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ነቲ ብማሕበራዊ መራኽብታት ዝዝርጋሕ ደሃይ “ስረሐይ” ኢሉ ክከታተሎ ይግበኦ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ህይወት ዝድህስስ፡ ንሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝምጥን ዘመላኽትን ብሩህ መጻኢ ዘርእን ክኸውን ተመራጺ ምዃኑ ክስሕት ኣይግበኦን።
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካኣዊ ውዳበታት ህዝቢ ዝቕበሎ፡ን “ይገልጸኒ እዩ” ዝብሎን፡ ግሉጽን ንጹርን ሓሳብ ከመሓላልፍ ይግበኦ። እቲ ካልእ ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ለውጢ፡ ዋና ሃገሩን ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ መስርሑን ምስኮነ፡ ሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ስሩዕን ናጻን መድረኽ ክውስኖም ዝግበኦም ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ግደኡ መንዚዕካ ኣብ ዘይህላወኡ ወሳኒ ኮይንካ ካብ ምቕራብ ምዕቃብ’ውን ህዝቢ እምነቱ ከንብረልካ፡ ሓጋዚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ስለዚ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝብህግ ህዝቢ፡ ምንባብን ተጸባይ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምሕጋዙን ምጽዓት ወሳኒ እዩ። ንሱ ዘየሰነዮ ቃልሲ፡ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ምስኡ ተዋሃሂድና ብሓባር እንስጉመሉ መድረኽ ምፍጣር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዋናውን ወሳንን እዩ።
ህዝቢ፡ ሃገርን መንግስትን ሓቢሮም ናይ ሓንቲ ሃገር ህልውና ምሉእነት ካብ ዘረጋግጹ ባእታታት እዮም። ካብዚኣቶም ናይ ሓደ ምብኳር ወይ ብግቡእ ዘይምስራሕ፡ ነቲ ህልውና ምሉእ ኣይገብሮን። ኣብዚ “እቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት እዩ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ “መንግስቲ እየ” ዝብል ነቲ ህልውና ምሉኡን ህያውን ስለ ዘይገብሮ። ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ናይቲ መንግስቲ ኣመጻጽኣ ኣብ ግምት ምእታው ገላጺ ገደ ኣለዎ።
“እንታይ ዓይነት መንግስቲ?” ዝብል ሕቶ ዝለዓል፡ ብመንጽር ክሳብ ክንደይ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዋጋ ንክኸፍል ዘለዎ ድልውነት፡ ንምርኣይ ስለ ዘኽእል እዩ። መንግስቲ ናብ ህልውና ዝበቕዓሎም ዓመጽን ዕልዋን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። እቲ ሓቀኛ መንግስቲ ኩለ-መዳያዊ ናይ ህዝብን ሃገርን ባህጊ ልምዓትን ደሕነትን ክምልስ ዝበቅዕ ክኸውን እንከሎ ምዃኑ ንብዙሓት ዘረዳድእ እዩ። መንግስቲ ናብዚ ንክበጽሕ ብምርጫ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን ኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ከኣ ምቅብባል ስልጣን ሰላማውን ሕጋውን ክኸውን ኣሚኑ ብእኡ ዝግዛእ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓይሊ ዝተጻዕነ ስለዝኾነ፡ ናብ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ገጹ ዝቐርብ ኣመጻጽኣ ኮነ ባህሪ የብሉን።
መንግስቲ ጥዑይ ምሉእነት ንክህልዎ ነናቶም ሓላፍነትን ናይ ስልጣን ደረትን ብዘለዎም ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካላት ዝቐውምን ንጹር ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ደረት ተሓታትነትን ዝቕበልን ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ኤርትራ እዚ ናይ ስልጣን ኣካላት የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ሓላፍነታት ተጠቕሊሉ ብሓደ ውልቀ ዲክታተር ዝተባሕተ እዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ሰላም ዝዕቅበሎም ትካላት፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ካለኦትን ይህልዉዎ። ሰራዊት ከኣ ካብቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ሰፊሕ ግደን ዓሚቕ ሓላፍነትን ዘለዎ ሓላው ሃገር እዩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ብፍላይ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ከይድፈር ንምክልኻል ድልዊ ኮይኑ ዶባት ዝሕሉ እዩ። ሰራዊት ናይ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ልኡላውት ምውሓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ካብ ሃገር ተፈልዩ ዘይርአ ህዝቢ ልኡላውነትን ክብርን ዝዕቅብ እውን እዩ። ህዝብን ሃገርን ንሓደ ካብቲ ካልእ ፈሊኻ መግለጺ ልኡላውነት ዝኾኑ ዘይኮኑ፡ ናይቲ ሓደ ልኡላውነት ብዘይካ ናይቲ ካልእ ጐደሎ እዩ ዝኸውን። ግደ ሰራዊት እምበኣር፡ ኣመጻጽእኡን ባህሪኡን ብዘየገድስ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ህልውናን ቀጻልነትን ምውሓስ’ውን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዓመጽቲ ዘይህዝባዊ መንግስታት ከይተረፉ ብእኡ ዝሕለው እዮም።
ሰራዊት ሓቀኛ ረብሓ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ዝሕሉ ንክኸውን፡ ኣመጻጽእኡ፡ ኣመላምልኡን እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ዝኣትዉ ረቛሕታት እዮም። ብመንጽርዚ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይድሌቱ ካብ ዓውዲ ትምህርትን ካልእ ሞያን ተገዲዱ ዝተሰለፈ፡ ኣብቲ ዝስልጥነሉ መደበራት ንሓደ ፍሉይ ጉጅለ ጥራይ ዘመጉስ ዝንቡዕ ጽልዋ ከም ዝሓድሮ ዝተገብረ፡ “ስለምንንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት፡ ህዝቡ እናተበደለ ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ከም ዝኾነ፡ ናይቲ በዚ መስርሕ ዝሓልፍ ዘሎ ሰራዊት ኣባላት ዝነበሩ፡ ካብኡ ወጺኦም ሓሳቦም ብናጻ ዝገልጽሉ ዕድል ምስ ዝረኸቡ ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ዝተወደበን ሓቢሩ መሪር ህይወት ዘሕልፍ ዘሎን ከገድደሉ ዝኽእል ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ብምዃኑ፡ ናይ ህዝቢ ድምጺ ሰሚዑ በጃ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቱን ፖለቲካዊ መራሕቲ ኢና በሃልትን፡ ዝጥምትሉ ቀይናን ኣረኣእያን ወጺኡ ዋልታ ህዝቢ ናይ ምዃን ዝነበሮ ሓላፍነት ኣይተግበረን። “ተኣዚዘ እየ” ዝብል ዘይቅቡል መህደሚኳ እንተለዎ፣ ባዕሉ ኣሳርን ዓማጽን ኮይኑ ብምውሳእ’ውን ህዝቡ ዘቐይም ዘሎ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፍላይ ንዕኡ፡ ብሓፈሻ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ናይ ዘእቱ ተንኮላትን ብህግደፍ ዝህንደሱ ውግኣትን ኣሳሳይን ተግባርን ኮይኑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን።
እዚ ሰራዊት ብሰንክ’ዚ ተግባሩ ብውሕዱ “ናይ ውግእ ገበነኛ” ተባሂሉ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ዝኽሰስ ዘሎ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዘኽብድሉ ወገናት’ውን ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክሰማመዓሉስ ዘይፈልጦ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን እናበልካ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ውግኣት፡ ክንቆት ብምጽንሑ ብወረራን ዓማጽን ክግለጽ ዝጸንሐ ሰራዊት እውን እዩ። ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ናብ ንቡር ስለ ዘይተመልሰ፡ “መርወዪ ህርፋን ውግእ፡ መራሒ ህግደፍን መጋበርያታቱን” ዝብል ቅጽል ካብ ዝወሃቦ ነዊሕ ኮይኑ’ሎ። እንተ ህግደፍ ሎሚ እውን ብውግእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዘመዓዱ ዘሎ ይመስል።
ካብ ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕትኡ እቲ ሰራዊት መሳርሒ ናይቲ ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉጅለ እምበር፡ ረብሓታቱ ዝሕልወሉ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ እምነቱ ኣብ ዝስሕበሉ ደረጃ በጺሑ’ዩ። ኣብ ዘይምልከቶ ኣዘዝቱ ጸጋታቶም ዘኻዕብትሉ ውግኣት ተጠቢሱ ክሃልቕ እንከሎ፡ ወለዱ ኮኑ ስድራ ቤቱ ኣብ ክንዲ ብኣኡ ዝጥወሩ፡ ብሞቱን ብዝኽትምና ደቁን ኣይነብዑን ኣይሓዝኑን ማለት ግና ኣይኮነን። እቲ ሰራዊት’ውን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ገጽ ይኸልኦን ይቕየሞን ከም ዘሎ ዘይርደኦ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ከም ትካል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ህዝቢ ናይ ምድሓን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ነብስኻ ኣግሊልካ ንውልቅኻ ምድሓን እዩ። እዚ ናይቶም ነቲ ስጉምቲ ዝወስዱ መንእሰያት መሰረታዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ በብኹርናዑ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ንዕዘቦ ዘለና።
ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህዝቡ ሓባሲ ንብዓትን ሓብሓብን ክኾነሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ ከባኽኖ ከም ዝጸንሐ፡ ርኡይ እዩ። ግና ድማ ከምቲ “ናይ ትማሊ ግጉይ ተግባርካ ናይ ሎሚኻን ጽባሕካን ከየበላሽወልካ ኣስተብህል” ዝበሃል፡ ኮንደኾን “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” እዩ’ሞ፡ ንገዛእ ርእሱን ህዝቡን ናብ ምድሓን ኣይምለስን ኢሎም ዝትስፈዉ ወገናት ኣለዉ። እዚኣቶም “ከም ኣፍኩም ይግበረልኩም” ዝበሃሉ እዮም። እቲ ሰራዊትከ “ሎምስ በዚሑ ናብ ቀልበይን ህዝበይን ክምለስ” ዶ ይብል ይኸውን? እዚ ባዕሉ ግቡእ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ እቲ ዝበረኸ መልእኽቱ ምርግጋጽ ዲሞክራሲን ምምላስ ሓርነቱን እዩ። እዚ ቃልሲ ክንድ’ቲ ወሳንን መሰረታውን ምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ በብዓይነቶም ብደሆታት ጸኒሐሞን ኣለዉዎን። እቲ ቀንዲ ብደሆ ንጭቆና ህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ኣብ ውሽጦም ክካይድዎ ዝግበኦ ብደሆታት ከም ዘለዉዎም እውን ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ንምዕዋት ከምቲ “ሕሉፍካ ኣይትረስዕ፡ መጻኢኻ ከይጠፍኣካ” ዝበሃል፡ ጸረ ዲሞክራሲ ባህርያት ህግደፍ ክብዳህ እንከሎ፡ ጉዳይ ሃገርን ልኡላውነትን ንምዕዋት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተጠርየ ልምድን ተመኩሮን ንህልዊ ኩነታት ብዝምጥን ኣብ ልዕሊኡ እትምለኣሉን እተሕድሶን እምበር፡ ጠንጢንካዮ እትሓልፍ ዓቕሚ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
“ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ዘይራኣኻስ፡ ኣብ ዓይኒ ካልኦት” ዝብል ኣበሃህላ ትሕዝቶኡ ረዚን እዩ። ካብቲ መልእኽቱ፡ ሓደ ዕማም ወጢንካ ከተዕውት ክትነቅል እንከለኻ፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምጅማር ዘይስገር ወሳኒ ምዃኑ ንምግንዛብ ዝጥቀስ እዩ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲያውን ሓርነታውን መሰሉ ከይለብስ፡ ዓጊትዎ ዘሎ ቀንዲ ናይ ህግደፍ ጸሊም መጋረጃ ጭቆና እዩ። መፍትሒኡ ድማ ነዚ ጸሊም መጋረጃ ቀንጢጥካ ብርሃን ክትርኢ ምብቃዕ እዩ። ነዚ ንከተረጋግጽ ህግደፍ ምውጋድ ድማ ዘይስገር መሰረታዊ ዕላማን ብደሆን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ እቲ መሰረታዊ ለውጢ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምዃን ንክበቅዕ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክብደሆም ዝግበኦ ሕጽረታት ከም ዘለዉዎ ኣሚኑ፡ ንቃልሲ ክተግህ ኣገዳሲ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ህግደፍ ዘወግድ መተካእታ ዘየብሉ ወሳኒ ዓቕሙ ኣብ ግብሪ ንከውዕል፡ እቲ ጉጅለ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ናይ ሓባር ጸላኢኡ ምዃኑ ምርዳእ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ካብ ዘለዉ ብደሆታ ሓደ እዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ናይ ሃይማኖት፡ ከበሳን መታሕትን፡ ኣውራጃን ካልእ ዘረሓሕቕ ጸቢብ ስምዒታትን ኣወጊዱ ንፋስ ህግደፍ ዘየነቓንቖ ናይ ቃልሲ ሓድነቱ ኣብ ምድልዳል ንዝዕንቅፉ ብደሆታት ክስዕር ክበቅዕ ይግበኦ። ነዚ ንምዕዋት ዓቕምኻ ክትውድብን ሓሳብካ ብናጽነት ክትገልጽን እትኽእለሉ ኩነታት ምጥጣሕ ወሳኒ እዩ። ህግደፍ ሓልዩ ዘይኮነ፡ ብናይ ህዝቢ ምትፍናን፡ ዕድመኡ ዘናውሕ ተንኮላት ስለ ዝፍሕስ፡ “ንገሌኻ ኣጆኻ ንገሌኻ ድማ ወይለኻ” ዝብል ክፋፋሊ ውዲቱ ተቐባልነት ንከይረክብ ግድን ብህዝቢ ክብዳህ ኣለዎ። እዚ ዝተጠቕሰን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብህዝቢ ክዕመም ዝግበኦ ብደሆታት ከየዕወትካን ናትካ ሕጽረት ሓቢእካን ኣጻብዕትኻ ናብ ካልእ ኣካል ብምቕሳር ጥራይ፡ ናብቲ እትጽበዮ ዓወት ክትበጽሕ ምጽባይ ውጽኢታዊ ኣይኮነን።
እዚ ቅድም ውሽጥኻ ናይ ዘይምርኣይ ብደሆ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። በቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ፖለቲካዊ ወገናት ኤርትራ እውን ግቡእ ክብደትን ኣቓልቦን ክወሃቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ።“ህግደፍ ካብ ብብርታዐኡ ዝያዳ፡ ብድኽመት ተቓወምቱን ስቕታ ህዝብን እናተዓንገለ እዩ ዝነብር” ዝብል፡ ኣገላልጻ ብዙሓት ዝረዳድእሉ ሓቂ እዩ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጦም ክብድህዎ ዝግበኦም ዘይምብዳህ፡ ዝዘንግዕዎ ጉዳይ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ። ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ዛዕባታትን ኣገባብ ኣፈጻጽማን ስለ ዝተፈላለኻ ውድባት ናይ ምርባሕ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ነቲ ጨቋኒ ጉጅለ ንምስዓር ዘለዎ ዓንቃፊ ብጽሒት ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝጸንሐን ዘሎን ሕጽረት እዩ።
ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ክብደትን ትሕዝቶን፡ ኣብ ብዝሒ ውዳበታት ምትኳር እውን ከምኡ ክምከት ይግበኦ። ብቐንዱ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝዓበየን ቅድሚት ዝስራዕን ምዃኑ ኣሚኑ ዘተግብር ልቦናን ግንዛበን ዘንጊዕካ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ንናይ ሓባር ረብሓ ተኸኣኢልካ ኣብ ትሕቲ “ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል” ክትቃለስ ዘይምትባዕ መርኣያ ዕንቅፋታት ክትብድህ ዘይምኽኣል እዩ። እዚ ብሓባር ምቅላስ፡ ናይ ዓወት መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት፡ ስለ ዝኾነ፡ “ከምዚ ነይሩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ዘይኮነ ንምዕዋቱ ቃልሲ ዝሓትት ኣጀንዳ ኮይኑ ዝቕጽል እዩ።
ነዚ ኣብዚ ዘለናሉ ምዕራፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ምዕራፋት ቃልስና ዘይምትእስሳር፡ ኣብ ክንድኡ “ነቲ ናይ ቀደም ረስዕዎ” ኢልካ ክትጓስዮ ምፍታን፡ ካልእ ኣብ ዘይናበብ ጉዕዞ ንከይትወድቕ ክብዳህ ዝግበኦ እዩ። ኣብዚ ግደ መንእሰይ ኤርትራን ውዳበታቱን ኣዝዩ ዕዝዙ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ናይ ዝሓለፈ ምዕራፍ ቃልስና ቀዳምነት ምውሓስ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይኑ፡ ነዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ናይ ዲሞክራሲን ሓርነትን ቃልስና እውን ኣብ ግምት ዘእቱ ከም ዝነበረ፡ “ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር እንታይ ጥቕሙ፡ ተረዲእኩምዶ ተላይ ትርጉሙ” ዝብል ዝነበረ መዝሙርን፡ ዝካየዱ ዝነበሩ ህዝባዊ ስርዒታትን ናይ ቅድመ-ምድላው ኣመልከቲ እዮም።
ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ባህሪኡ ዘርእን ንድሕሪት ዘይምለሰሉን ብምዃኑ፡ ንትጽቢት ህዝብና ዝምጥን ብኣኡ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘይህሉ ርዱእ ክኸውን ይግበኦ።
ስለዚ እቲ ንህግደፍን ጨቋኒ ኣተሓሳስብኡን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ብደሆ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ሓባር ቀጻሊ ኣጀንዳና ምዃኑ፡ ሎሚ እውን ኣብ ቦትኡ ዘሎ እዩ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ብምንባብ ብሓባር ክስዕርዎ ዝግበኦም ብድሆ ምዃኑ ኣሚንካ፡ ክሕሰበሉን ክስረሓሉን ከም ዝግባእን ብኣኡ መሰረት ምንቅስቓስን መተካእታ ከም ዘየብሉ ብምግንዛብ ሎሚ ዝዕመም እምበር፡ ይጽነሓለይ ዘይበሃል ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ እንታይ ይጽበ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ሕቶዚ ካብ ዘንቀሉ መሰረታዊ ምኽንያታት ሓደ፡ ባህርን ተንኮለኛ ኣካይዳን መሪሕነት ህግሓኤ ዘይምርዳእ ሓደ መንቀሊ ነይሩ። ኣብ ባህሪ ናይቲ ህግደፍ ዝተጠምቐ ጉጅለ ጥርጠራ ዝሓደሮም ኤርትራዊ ኣካላት እውን ከሎ ጋና “ኣካይዳና ቅኑዕ የለን፡ ስለዚ ከይሳዕረረ ብዓንተቦ ዝግበር ንግበር” ዝበልሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከምቲ “ናበይ ከም እትኸይድ ከይጠፍኣካ ዝሓለፍካዮ ኣይትረስዕ” ዝበሃል፡ ብዘሓለፈ ዓመጸኛ ተግባራት መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሰኪፍዎም፡ ተወዲቦም ንዘጠንቀቑ ወገናት ዘይምልከት ክስን ጸለመን ይቐርቦም ነይሩ። ቅድም “5ይ መስርዕ” ደሓር ከኣ “ወያነ” ዝብሉ ቃላት በቲ ጉጀል ንጸለመ ዝተመርጹ ኣብዘይመዓላኦም ዝውዓሉ ናይ ቅንጸላ ቅጽላት ነይሮም።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ምትካል ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ምኽባር ኩሉምዳያዊ መሰላት፡ ብህዝቢ ብዝተመርጸ መሪሕነትን ረብሓ ህዝቢ ብዘማእክሉ ሕግታት ዝግዛእ ምምሕዳር ምርካብን ዝኣመሰሉን ነይሮም። ሓቀኛ ትርጉም ሰላምን ልምዓትን ምውሓስ’ውን ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብዝሓቁፍ ንምግላጹ እቲ ሕቶ “ናይ ዝተማለአ ዲሞክራሲ ባህጊ” እዩ ነይሩ። ህግደፍ ነዚ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዘፍርሖን ዕድመ ምልኩ ዘሕጽርን ጠለብ ንዘይምምላስ ክሳብ ሎሚ ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ እውን መልክዓቱ ደኣ ይቀያየር እምበር፡ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ካብቲ መደናገሪ መንገዱ ኣይወጸን። “ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ግዜኡ ዝሓለወ ጥለብ ኣይኮነን” ዝብል ከኣ፡ ካብቲ መህደሚ ብሂላት ሓደ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ነዚ ሕቶዚ ከቕርብ ዝምጥን ደረጃ ንቕሓትን ግንዛበን የብሉን ክበሃል’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይቲ ጉጅለ ሸፈጥ ንምድማቕ፡ ኤርትራዊ ቅድሚ ናብ ዲሞክራሲ ምምጥጣሩ ክምለስሉ ዝግበኦም ካለኦት ጠለባት ኣለዉዎ ዝብሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ኣይተሳእኑን። ህግደፍ ቅድሚ ምትእትታው ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ካለኦት ሕቶታት ንክመስል ቃል ክኣቱን ደሓር ናብቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ተመሊሱ ከደናግር ኢና ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ናይ 1997 ሕገመንስቲ ምጽዳቑን ተገልቢጡ “ከይተተግበረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ምሕጫጩ ብመጽርዚ ዝረአ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ካልእ መዳህለሊኡ ከኣ ብዘይቅቡል ምኽንያት ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብኣኡ ኣሳቢቡ ናይ ልኡላውነት ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ፡ “ኣብ ምሕላው ሃገር እምበር ኣብ ምምላስ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮናን ዘለና” እናበለ ብምጉብዕባዕ ካብ ምምላስ ሕቶ ህዝቢ መህደሚ መንገዲ ይፈጥር። “ሃገር ኣብ እገዳ እያ ዘላ” ንዝብል ጉልባብ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓሸሸሉ ከኣ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ወደኽደኽ ምስ ካይሮን መቃድሾን እውን ናይቲ ዘይምኽኑይ ህድማኡ መቐጸልታ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰላትን ከልዕል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ምንእኣስ ከኣ፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ግደ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ስልጡን ኣንፈት ተመንዚዑ ንድሕሪት ዝተመልሰ ህዝቢ እዩ። ኣብ 40ታት ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምውዳብ፡ ትርጉም ሕገመንግስትን ምርጫን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅዋምን ተኸኣኢልካ ፍልልያትካ ምሕብሓብን ኮታ ብዛዕባ ኣምር ዲሞክራሲ መባእታዊ ግንዘባ ዝነበሮ ምዃኑ ከም በዓል ዘውደ ረታ ዝኣመሰሉ ዘይኤርትራውያን ደርስቲ ከይተረፉ ዝምስክርዎ’ዩ። ካብ 1946 ጀሚረን መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስና በብግዜኡ ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ምንባረን ድማ ናይዚ መረጋገጺ እየን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃብታም ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ህዝቢ “ብዛዕባ ዘይርደኦ ኣምር ዲሞክራሲ እዩ ዝሓትት ዘሎ” ኢልካ ከተነኣእሶ ምፍታን፡ ካብ ብደዐ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋላ’ኳ ውጽኢት መግዛእቲ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ምስ ዘመናዊ ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንዕኡ ዝምጥን ቁጠባዊ ምዕባለን ካብ ዝተላለዩ ህዝብታት ሓደ ምንባሩ ዝተመስከረሉ እዩ። ነቲ ዲሞክራስያዊ ተረድኦን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይቲ ህዝቢ ዝጸልዋ ዝነበራ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰረን ከምዘየሎ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ሓታታይ ኮይኑ ክቐርብ ወትሩ ምስማዕ ዝስማዕ እዩ። እተኾነ መተካእተአን ዘምጸኦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲሞክራስን ዘመናዊ ቁጠባዊ ኣምርን ሓድሽ ተመሃራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ብህግደፍ “ዝነበሮ ስኢኑ ንድሕሪት ዝተመልሰ” እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባን ምምሕዳርን፡ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉዎ። እዞም ጸገማት ንክፍትሕሉ ከኣ ናይ ወትሩ ምሕጽንታኡ እዩ። እቲ ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥን በቲ ጉጅለ ንሸፈጥ ዝቐርብ ዕባራ ምኽያት ከኣ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ኣጐልቢብካዮ ምህዳም እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ምትእትታው ዲሞክራሲ ነዞም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝምልስ መሰረታዊ መሳርሒ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። እዚ ሸፈጥ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ብቃልሱ ዝምልሶ እምበር፡ ብህግደፍ ዝትኮበሉ ከምዘይኮነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ህግደፍን ጨቋኒ ምምሕዳሩን ተወጊዶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታቱን ማእከሉ ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፡ ኣብ ህላወ እቲ ጉጅለ ዝፍትሑ ኣይኮኑን። ስለዚ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይለዓል ምባል፡ ትርጉሙ ህግደፍ ምስ ኩሉ’ቲ ኣበሳኡ “ይንበረልና ጥራይ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ዘይግዜኡ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ጉጀለ መልሲ ዝደንጎዮ እዩ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዋድቆ ኢልካ ዝጓሰ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዘተኣማምን መልሲ ዝረክብ ብቃልሲ ክድፈኣሉ ዝግበኦ እዩ። ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ግድን ክሳብ ዓወት ቀጻሊ ክኸውን ዘገድዶ ከኣ ንሱ እዩ።
ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብቋንቋ ዳኣ ይፈላለ’በር ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ዓለም ልሙድ እዩ። ትርጎሙ ከኣ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዝርከብ ብርኩት እቶትን ሓቢርካ ኣብ ምቅላስ ዝሕፈስ ኣድማዒ ዓወትን ምምልካት እዩ።
ኤርትራውያን ናይ ሓባር ጸገም ሓቢርካ ብምቅላስ ጥራይ ከም ዝፍታሕ፡ ካብ ቀደም ዝርድእዎ ኣምር እምበር ከም ሓድሽ ዝንገሮም ኣይኮነን። ሓቢርካ ዘስርሕን ዘቃልስን ዘተኣማምን ባይታ ምጥጣሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እውን ካብ ተመኩሮኦም ዝግንዘብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ብደሆ ከከም ግዜኡን መድረኹን ባህሪ ናይቲ ትቃለሶ ጸላእን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ካብ 40ትታ ጀሚሩ ከሳቕዮም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ቅድሚ ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ንምስላፍ ወሳኒ ኣጀንዳ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና እውን ኣጀንዳ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክኽፈል ዝነበሮ ኣብ ሕድሕድና ዘኽፈለና ሃገራዊ ዋጋ ክድገም ዘይግበኦ ኣሉታዊ ስንብራት ኣካል ታሪኽና ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ጸላእትና እውን ስልትታቶም ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ካብ ቀደሙ ሓቢርና ምስላፍና ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ፡ ንምዝራግና ዘይተኹተኹዎ ከፋፋሊ፡ ስምዒትን ዘይኳሕኩሕዎ ማዕጾን ኣይነበረን። ሎሚ እውን ህግደፍ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ንምዝራግ፡ ጸጋ ሃገር ሰሊዑን ጐሓላሉ ኣዋፊሩን፡ ተንኮላት ኣብ ምእላምን ዕንቅፋታት ኣብ ምፍጣርን ተጸሚዱ ኣሎ። እንተኾነ ናትና ሕመቕ እንተዘይሓጊዝዎ ኩሉቲ ዝእለም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተመኮርናዮ ስለ ዝኾነ ኣይክዕወትን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብሰንኪ ውዲት ጸላእቱ ሓድነቱ ተዘሪጉ ክንድቲ ዝሓስብዎ መፍቶኦም ኣይኮነን እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ ንምፍልላይን ምርሕሓቕን በዲሁ፡ ጸረ ሓድነቱ ሓይልታት ተስፋ ቆሪጾም ኢደ-እግሮም ኣብ ዝእክብሉ ደረጃ ስለ ዘየብጽሖም ንሓድነት ዝግበር ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሎሚ እውን “ሓቢርካ ምቅላስ ሰለምናይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ካብ ምቕራብ ዓዲ ዘይውዕል ዘሎ። ነዚ ክንሓትት እንድረኽ እምበኣር፡ ኣንጻር ፈላላይ ተንኮላት ህግደፍ ዝምክት ዘተኣማምን ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከነውሕስ እነካይዶ ቃልሲ ጀሚርናዮ’በር ኣብቲ ዝድለ ዘተኣማምን ብራኸኡ ስለ ዘየብጻሕናዮ ኢና።
ህግደፍ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻሩ ዝቃለሱ ተቓወምቱ ሓይልታት፡ ናይቶም “ደገፍተይ እዮም” ዝብሎም ወገናት ሓድነት እውን ኣየቕስኖን እዩ። ዘራጊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝድረት ዘይኮነ ዶብ ሰገር እውን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ህግደፍ ኣንጻር ኩሎም “ሕብረትናን ሓድነትናን ነሕይል” ዝብሉ ወገናት በታኒ ሴፍ ካብ ምምላሕ ዓዲ ዘይውዕል። ናይቲ ጉጅለ ከምኡ ምዃን ካብቲ ኣመጻጽእኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ጥልመትን ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ናይቶም ብሓባር እንተዘይተቓሊስናዮ ኣደዳኡ ከም እንኸውን እንፈልጥ፡ ካብቲ መጻወድያኡ ዘይምውጻና ግና ዘተዓዛዝብ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ዘቃልሰና ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ከነደልድል ዘይምብቃዕና፡ ዓቕሚ ብምስኣና ዘይኮነ፡ ክንድቲ ንኽእሎ ክንገብር ቅሩባት ዘይምዃና ዘመልክት እዩ። ቅሩባት እንተንኸውን ምስቲ ዝሓለፍናዮ፡ ክመሃረሉ ንዝደሊ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ ናይ ምእካብን ምፍልላይን ተመኩሮና ክእለትን ኣፍልጦን ኣይምወሓደናን።
ዓቕምን ተመኩሮን ብቕሩብነትን ትግሃትን እንተዘይተሰንዩ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዘይቅርቡነት ሓቢርካ ተቃሊስካ ንክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ንክትከፍል ድልዊ ብዘይምዃን እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ወሳኒ ኣገዳስነት ውዳበ ምዕዛዝ፡ ሓላፍነትን ስልጣንን ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ ዘይምስራዕ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምኽባር፡ ክትስማዕን ክትሰምዕን ቅሩብ ምዃንን ዝኣመሰሉን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሕልና ድሉውነት እንተዘይኮይኑ፡ ቁጠባውን ካልእ ነገራውን ብደሆታት ዘስዕብ ኣይኮነን።
“ሓቢርካ ምቅላስ ስለምንታይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ መልሱ ቀሊል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ተደጋጊሙ ዝተመለሰ እዩ። ረብሓኡ ተመሳሳሊ ክነሱ፡ በበይኑ ዝስለፍ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ጠርኒፍካ “ጸዊዑ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ዓቕሚ ምፍጣር ዝብል ሓደ ካብቲ መልስታት እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካን ቀዳምነት ሰሪዕካን ምቅላስ ማለት እምበር፡ ምእንቲ ብዙሕነት እናተቓለስካ፡ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ መማረጺ ጸጋ ዘንጸባርቕ ፍልልያት ምውጋድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን መዓስ ነየናይ ቅድሚት ትሰርዕ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ብሓባር ምቅላስ ናይቲ ብምፍልላይናን ምርሕሓቕናን ክውሕጠና ዘንባሁቕ ጐረሮ ጸላኢ ምዕጻው ማለት እውን እዩ።
ንርከበሉ ዘለና ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ተሃዋኢ መድረኽ፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ለውጥን ጥራይ እንሻቐለሉ ዘይኮነ፡ ብዛዕባታ ብዓባያ ሃገረ ኤርትራ እውን ዝያዳ እንስከፈሉ እዩ። ከምቲ “ኩሉ ግዜ ደሓን ሓደ እዋን ግና ዘይደሓን” ዝበሃል፡ ዕንደራን ደገደገ ምምዕዳውን ህግደፍ “ናይ ቀደሙ እዩ” ኢልካ ትሓልፎ ኣይኮነን። ስለዚ “ህግደፍ ብኸመይ ይውደቕ፡ ምምሕዳር ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱኸ ከመይ ይኹን” ኣብ ዝብል ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ከ እንታይኮን የጋጥማ?” ንዝብል ስኽፍታ እውን ቆላሕታ ምሃብ ኣብ እንግደደሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ሓቢርካ ብምቅላስ እምበር በበይንኻ ብምውፋር ዝዕመም ከይምዘይኮነ ከቶ ክንዝንግዖ ዘይብልና እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራ ናይ ህዝባ እያ፡ ህዝባ ድማ ናታ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ህዝባን ዘሎ ዝምድና ካብቲ ንቡር ኣብ መንጎ ሃገርን ህዝብን ዝህሉ ዝምድና ዝያዳ ጥቡቕን ዝተፈልየን እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ንህዝባ ከም ማና ዝተዋህበት ዘይኮነት፡ ድሕሪ መሪር ቃልስን ክቡር ናይ ደምን ድምጽን ዋጋን ዝተዋሕሰት ህዝባ ከም ብሌን ዓይኑ ዝሕልዋ ስለ ዝኾነት።
ኣብ መንጎ ሃገርን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ዘይጭበጥ ሓሳባዊ ዘይኮነ፡ ብሓያሎ ግብራዊ መዕቀንን ረብሓታትን ዝግለጽ እዩ። ብመንጽር’ዚ “ኤርትራ ንህዝባ እንታይ ገይራትሉ ህዝባኸ እንታይ ገይሩላ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር ይኸውን። ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ምንባር ሓርቢትዎም ኣብ ዘለዉሉ እዋን ንሃገሮም “ብመንጽርቲ ንኽብራ ዝኸፍለናዮ ዋጋ እንታይ ጌራትልና?” ኢሎም ክሓቱ ንቡርን እትጽበዮን እዩ። ኤርትራው እውን ብውገና “ሰለምንታይ ደኣ እቲ ንናጽነትን ልኡላውነትን ዝኸፈልኩምዎ ዋጋ ንሓርነት ህዝቢ ዘየብቃዕኩምዎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝህልዋ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኮነን።
ኤርትራ ነቲ ደቃ ምእንተኣ ዝኸፈልዎ ዋጋ ስለ ዘይትዝንገዖ፡ ከምቲ ዝተጸበይዋ ከምዘይኮነትሎም እትኽሕዶ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራ ከምዚ ዘላቶ ዝኾነት፡ ብደቃ ስለ ዝጨከነት ዘይኮነስ ኣብ ኢድ ጸቢብ ዓመጸኛ ጉጅለ ስለ ዝወደቐት እሞ፡ ከምቲ “ዝሰኣነት ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ዝበሃል ስለ ዝኾና ምዃኑ ደቃ ክርድኡላ ይግበኦም ። ውዕለት ደቃ ናይ ዘይምኽፋላ ጠንቂ እቲ ንታሪኽ ጠማዚዙ “ኣነ በይነይ ሰለ ዘምጻእኩዋ” ብዝብል ጥልመትን ሸፈጥን፡ “ብጸጋታታ ዝጥቀምን ብስማ ዝሕበንን እውን በይነይ እየ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ክርድኡን “ኤርትራኮ ናይ ህዝባ እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓቛፊ ጽላል ክቃለስዎን ከም ዝግበኦምን ኤርትራ እትዝንገዖ ኣይኮነትን።
ንኤርትራ ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ኣውጺኡ፡ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ዝደፈኣላ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውሱናት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ጉጅለ ኣይኮነን። ግደ ውድባት፡ ግንባራት፡ ማሕበራትን ባእታታትን ድሕሪኡ እዩ ዝስራዕ እምበር፡ ኣበርክቶ ሓደ ግንባር ቅድሚ ግደ ህዝቢ ምስራዕ፡ ግጉይን ንታሪኻዊ ክውንነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይገልጽ ኣቀማምጣ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ተዋዳዳሪ ዘየብሉ ዋጋ ዝኸፈለላ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ክጽወዓላን ክፍክረላን ዘይኮነ፡ ኩለ-መዳያዊ ክብሩ ክዕቅበላ፡ ብዜግነቱ ክነብረላን ክርበሓላን እዩ። ኤርትራዊ ነዚ ዝበሃጎን ዝተቓለሰሉን ሓበን፡ ከተማለኣሉን ግና ኣብ ርእሲቲ ናጽነታን ልኡላውነታን፡ ሓርነት ዝሰፈና ናይ ምግባራ ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ብሓርነት ዘይተሰነየ ናጽናትን ልኡላውነትን ምሉእ ባህጊ ሓርነት ህዝቢ ከማላእ ስለ ዘይክእል።
ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናጽነቱ ብዘይዋጋ ዘይረኸባ፡ ንሓርነት ዝኽፈል ዋጋ ከም ዘለዎ እውን፡ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኮይኑ ከይተረፈ ዝተረደኦ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ርእሲቲ ዝካየድ ዝነበረ መሳርሒ ሓርነት ዝኾና ትካላትን ህዝባዊ ማሕበራትን ምውዳብ፡ “ኣሰይ ከጥዕመሎም ዕጥቂ ሰውራ፡ ሓርነት ከልብስዋ ንኤርትራ” ዝዝመር ዝነበረ ከኣ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን። ከምቲ “ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት” ዝበሃል፡ ጭቆና ብጓና ኮነ ብወዲ ሃገር ምረቱ ሓደ እዩ። እቲ ንምውጋዱ ዝኽፈል ዋጋ እውን ኣገባቡን መድረኹን ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ እቲ ንሓርነትን ንመሰረታዊ መሰላትን ዝኽፈል ዋጋ፣ ካብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝኽፈል ዋጋ እንተዘይልዒሉ ዝትሕት ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እንኳዕ ደኣ “ቋንቋና ዝዛረብ ወዲ ላምና ኮነ እምበር፡ ድላዩ ይግበር” ኢልካ ነቲ ንሓርነት ክግበር ዝግበኦ ውሁድ ቃልሲ ሸለል ምባሉ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝልለየሉ ተመኩሮ ቃልሲ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝምጥን ኣይኮነን።
እቲ ዝመረረ ወጽዓ ብዘይተጸበኻዮ ኣካልን ኣገባብን ዝፍጸም፡ እሞ ኣብ ስደት እውን ከይተረፈ እናሰዓበ ዘሳቕየካ፡ “ናተይ እዩ” ብእትብሎ ጉጅለ ወዲ ሃገር ክኸውን እንከሎ ምዃ ህዝቢ ኤርትራ ኣብኡ ይነብር ስለ ዘሎ ኣጸቢቑ ዝርደኦ እዩ። እቲ ህዝባዊ ሓርነት ንምርግጋጽ ክግበር ዝግበኦ ቃልሲ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ እንተላይ ኣብቶም ናብ ግዝያዊ ረብሓ ኣዳልዮም፡ “ደገፍቲ ጉጅለ ጸረ ሓርነት ኢና” ዝብሉ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዝህሉ ርዱእ እዩ። እቲ ፍልልይ ዝመጽእ በቲ ዝስመዓካ ውሽጣዊ ሓቦ ተተባቢዕካ፡ ጉልባብካ ቀሊዕካ ኣብ ምቅላሱን ብግዝያዊ ረብሓን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተጠቢርካን ርዒድካን ምስ ወጻዒኻ ምምስሳል እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓርነትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ንምውጻእ እዩ ከኣ “ኤርትራኮ ናይ ህዝባ እያ” ዝብል ሓቦ ብዓውታ ምቅላሕን ንግብራውነቱ ተቢዕካ ምቅላስን መሰረታዊ ተደላይነት ዝህልዎ።
እዚ መልእኽቲ ሕራነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ዝግበኦ፡ ክንድቲ ዝድለ ናብቶም “ኤርትራ ናይ ግንባርና እያ” ኢሎም ዝንየቱ ውሑዳት በጺሑ ናብ ነገራዊ ቀያሪ ዓቕሚ ከም ዝብርኽ ምኽኣሉ ግዜ ዘይህብ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ነቲ “ኤርትራኮ ናይ መላእ ህዝባ እያ” ዝብል ኒሕን ሓቦን ዝምጥን ስሙር ናይ ለውጢ ዓቕሚ ፈጢርካ ሓርነት ንምውሓስ ንቕድሚት ምስጓም ናይ ግድን ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ።
ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብፍላይ ድማ እቶም ስልጣን ዝሕዙ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ክዛረቡ እንከለዉ ኤርትራን ፖለቲከኣን ክጠቕሱ ዝተለመደ እዩ። ኤርትራውያን እውን ምረት መግዛእትን ኣንጻሩ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ክትርኹ እንከለዉ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይጠቕሱ እዮም። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት መንግስታቶም ከይተረፈ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዘልዕሉ ጌና ዘይተዓጽወ ፋይል ከም ዘለዎም ብምምሳል ልኡላውነታ ንድሕሪት ንምምላስ ዘለዎም ህርፋን ንምንጽብራቕ ዓሊሞም እዮም።
ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን፡ ኣንጻር ነጻነት ኤርትራ ኩሉ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ዓቕምታት ኣሰሊፎም ብሓያላት ደገፍቶም እናተገሓዙ ተዋጊኦም። እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ መሰረቱ ዝደልደለን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳዒሮም። መንግስቲ ኢህወደግ ዝመስረቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ህወሓት፡ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ፍትሓዊ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ተቐቢሎም እዮም። ደሓር እውን ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ልኡላውነታ ብመስርሕ ሪፈረንዶም ክጸንዕን ክድልድልን ከም ዝግበኦ ኣሚኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትግባረኡ ድማ ከም ዝተሓባበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ኣፍልጠኦምን ኣበርክተኦምን ከምቲ ገለ ወገናት ዝሓስብዎ፡ ንኤርትራ ዝተለገሰ ፍሉይ ግነዖት ዘይኮነ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓድሽ ናይ ሰላም፡ ሰናይ ጉርበትናን ናይ ሓባር ዕቤትን ምዕራፍ ዝወስድ ንሱ ጥራይ ስለ ዝነበረ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ተሳዒሮም እንተዘይኮይኖም፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ናይ ታሪኽ “ነበረያ ነበረ ዝነብሩ” ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ከም ዝነበሩን ከምዘለዉን ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ዝተሓልፈ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ምትህልላኽን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስዕረቶም ዘይቅበሉ ኣካላት ከጋጥሙ እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሉ ሕጋዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መስርሕ ሓሊፉ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ኤርትራ“ንድሕሪት ተመሊስካ ዝተዓጽወ ማዕጾ ምኩሕኳሕ” ናይ ጥዕና ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን።
ሓደ ጉዳይ ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድለየካ ክትውንኖ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ተደጋጊሙ ዝስማዕ፡ “ኢትዮጵያ ወደብ ስለ ዘድልያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክትውንን ይግበኣ” ዝብል ብሂል ብመንጽርዚ እዩ ዝረአ። “ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና ወደብ ክህልዋ እንከሎ፡ ከመይ ኢላ እያ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል ምስ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ሃገራት ዝጻባእን ኣብ ስነ መጎት ዘይተመርኮሰን ስምዒት እውን ይንጸባረቕ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ሰጥ-ለበጥ ኢሎም፡ ዝተሓትዎ ታሪፍ እናማልኡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናይ ዘለዋ ጅቡቲ ወደብ እናተጠቐሙ ዘቕርብዎ ዘለዉ ነብረያ ነበረ ምዃኑ እዩ።
ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን ኮነ ፖለቲካዊ መለክዒ ዘይምልከተካ ክትረክብ ምፍታን ናብ ትርጉም ሓይልን ምትፍናንን ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ብግብሪ ሓሓሊፉ ብኢትዮጵያውያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና ምጉብዕባዕ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ናይዚ ኣተሓሳስባ ኣንፈት ብመሰረቱ ግጉይን ዓመጸኛን ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈቲኑስ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዝተደምደመ እዩ። በቲ ዘየዐወተካ መንገዲ ክትቅጽል ምድላይ ከኣ ካልእ ስዕረት ዝዕድም እዩ።
ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክለዓል እንከሎ፡ ጐሊሖም ከብ ዝጥቀሱ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሕቶ እዩ። እዚ ብዝያዳ ንኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን (landlocked) ሃገራት ዘገድስ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብዚኣተን እተን 16 ካብ ኣፍሪቃ እየን። ካብተን 44 ሃገራት ብስፍሓት መሬት ዝዓበየት ካዛኪስታን ክትከውን እንከላ፡ ዝነኣሰት ድማ እታ ብከተማ ሮም ዝተኸበት ቫቲካን እያ። ኢትዮጵያ ድማ ብብዝሒ ህዝቢ ቅድሚት ትስራዕ።
ጸገም ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣቀማምጣኣ ተቐቢላ ብስምምዕ እምበር፡ ብሃተምተም ዝፍታሕ ኣይኮነን። እዚ ዛዕባዚ ብዓለም ደረጃ መፍትሒ ዝተቐመጠሉ እዩ። እቲ መፍትሒ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሕዝን ወደብ እትውንን ኣገልግሎት ወደብ እትደልን ሃገራት ሓቢረን ዝጥቀማሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ። ናይታ ዋና ወደብ ዝኾነት ሃገር ፈቓደኛ ምዃን ከኣ ዘይስገር ቀይሕ መስመር እዩ። ከምዚ ዝኣምሰለ ስምምዕ እቶም መንግስታት እንተዘይዓንቂፈምዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ዘይስረሓሉ ምኽንያት የለን። ነዚ ተሓሲምካ “ግድን ካብ ዝርዝር ኣፍደገ-ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት እንተዘይወጻእኩ” ምባል ግና፡ ኪኖ ልኡላውነት ሃገር ምግሃስ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ተመኩሮ ኢትዮጵያ መንግስታት ብውሽጣዊ ጸገም ሓድነቶም ሰንከልክል ኢሉ ክጭነቑ እንከለዉ ብጉልባብ “ሓድነት” ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከም መተኣኻከቢ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ምዃኖም ዘተሓሳስብ እዩ።
ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ኣብ ድልዱል ቦታ ተሰሪቱ እዩ። እንተኾነ ተደጋጊሙ ኣጀንዳ ክኸውን እንከሎ፡ ኣጽቂጥካ ምዕዛብ፡ ነቲ ወስታታት ከም ምቕባል ንከይውሰድ ኣድላይነቱ እናረኣኻ ምልዓሉን ምትራሩን ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ካብ ዝተመስረተሎም ኣዕኑድ ሓደ “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ” ዝብል ክኸውን ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቶም “ስለምንታይ እዋናዊ ኣብ ዘይኮነ፡ ኣጀንዳ ልኡላውነት ንሃልኽ ኣለና?” ዝብሉ ወገናት ከኣ ነቲ ኩነታት ብመጽርዚ ክርድእዎ ይግበኦም በሃልቲ ኢና።
ኣብዚ ኣከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ፡ እቲ ሓጥያት ንዘይቀበጹ ፖለቲከኛታትን መንግስትን ኢትዮጵያ ጥራይ ዝድርበይውን ኣይኮነን። ብወገን ኤርትራውያንከ ክሳብ ክንደይ ኢና ንከምዚ ዝኣመሰሉ ህሩፋት ዘተባብዕ ርኢቶታት ካብ ማሃብ ንጥቀቕ ዝብል ምርኣዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ንልኡላውነትና ዝጻባእ ሕቱኽቱኽ ገለ ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ከይሓፈረ፡ ኤርትራውያን ንናጽነቶም ዝኸፈልዎ ታሪኽ ዘይርሰዖ መስዋእቲ ብምንዓቕ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ተቐባልነትን ናእዳን ካብ ኢትዮጵያውያን ንምርካ ተጠሊዑ፡ ንመራሒ ኢትዮጵያ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ፡ ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ” ዝበሎ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ታሪኽ ብምቕይናን “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢብታት እዮም ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ”፡ ዝበሎኸ ክሳብ ክንደይ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘተባብዕ ንስሕቶ ኣይመስለናን።
ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተደጋጊሙ ብኢትዮጵያውያን ዝረአ ዘሎ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላውነትና ብትሪ እናተቓወምና፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህነት ንዓኣቶም ዘዕንግል ግጉይ ኣካይዳ ኤርትራውያን ‘ውን ክንቃለሶ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ነዊሕ ጉዕዞን ሎሚ ዝርከበሉ ዘሎ ሃለዋትን ባዕሉ ዝተዋሰኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ብኻልእ ኣካል ዝንገሮ ኣይኮነን። እቲ ዝሓለፎ መስርሕ በበይኑ መልከዓትን ትሕዝቶን ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ብሓደ ቃል “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትገልጾ የጸግም። “ህይወት ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን” ምባሉ ከኣ ሓደ ካብቲ ልሙድ ኣገላልጻ ናይ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዘርኣዮ፡ ተወፋይነት፡ ጽንዓትን ኣይንብርከኽን በሃልነትን ብፈተውቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጸላእቱ ከይተረፈ ዝተመስከረሉ እዩ። ብዙሓት ናይ ታሪኽ ይኹን ናይ ፖለቲካ ዓውዲ ተመራመርቲ ከኣ “ውሑድ ክነሱ፡ ኣንጻር ብዙሓት ገጢሙ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዕጥቂ ዝተዓወተ ህዝቢ” ኢሎም ንመስተንክራዊ ኣበርክቶኡ መስኪረምሉ እዮም። ህዝብና ነዚ መስተንክር ክሰርሕ እንከሎ፡ “ከምዝን ክንድዝን ነይሩ” ኢልካ ዓይነቱን ብዝሑን ምጽብጻቡ ዘጸገም ክቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከፊሉ እዩ። ኩሉ መሰረታዊ መሰላቱ እውን ተገፊፉ። ነዚ ኩሉ ጸገማት ተጻዊሩ ተስፋ ከይቆረጸ ነቲ ዋጋ ናይ ምኽፋሉ ምስጢር ከኣ፡ ዝርኣዮ ብርሃን ናጽነትን ሓርነትን ስለ ዝነበሮ እዩ።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ፡ ናጽነት ኤርትራ ወሊዱ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዑናታት መግዛእቲ ክድኮን ዝተቓለሰሉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራሲን ግና ኣይተረጋገጸን። ህዝብና ኣብ ጽባሕ ናጽነት እዩ፡ እቲ ዝተሓተ ከም ናጻ ዜጋ እግርኻ መሊእካ ናይ ምስጓምን፡ ኣፍካ መሊእካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል’ኳ ዝተነፍገ። ብኣንጻሩ ናይ 2ይ ዜጋ ዝመስል ኣስማትን ደረጃን እናተዋህቦ ርእሱ ከድንን ተገዲዱ። ኣብቲ እዋንቲ’ዩ ከኣ “ትርጉም መግዛእትን ናጽነትን ደኣ እንታይ እዩ ፍልልዩ? ዝብል ንደገ ዘይወጽእ ድምጺ ሕቶ ዘቃለሐ። መልሱ ድማ ብዓውታ ደኣ ናብቲ ጉጅለ ኣየብጻሕ እምበር፡ “ገዛኢ ተቐይሩ፡ ተግባራት መግዛእቲ ግና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ” ብዝብል ዝቕለስ፡ “ግዜ ደርጊ ይሕሸና፡ ድርጊ ብኣካል ወጺኡ ባህርያቱ ግና ኣሎ ጋና” ዝብል ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ መስዋእትነት ዘረጋገጾ ዓወት ተጠሊሙ፡ በቲ ጉጅለ ብኣዝዩ ከቢድ ምረትን ክብደትን ኣብ ዳግማይ ወጽዓ ክኣቱ እዩ ዝብል፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ትጽቢት ኣይነበረን። ብግብሪ ግና ምእማኑ ብዘጸግም ተራእዩ። እቲ ቅድሚ ናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ “ኣይንብርከኽን” ድምጹ ግና፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ካብ መዓስ እዩ ክሳብ ክንድዚ ወጽዓ ዝስከም እንግደዓ ኣጥሩ” ክሳብ ዝበሃል ክቱር ስቕታ ኣርእዩ። ብሰንክ’ቲ ስቓታኡ ድማ ብብዝሑ ኮነ ብዓይነቱ ምጽብጻቡ ዘጸግም ዘይተጸበዮ ዋጋ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን።
እቲ ስቕታ ኣብቲ መጀመርያ፡ ናይቲ ሕድሩ ዝጠለመ ኣካል ምፍርራሕን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተወሲኽዎ፡ ምኽንያታዊ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣካላት ነይሮም። እቲ በደል እንዳኸበደ፡ እቲ ግዜ እንዳነወሐን ህግደፍ ከኣ ከም ዝጠለመ ብተግባር እናርኣየን ምስ መጸ ግና፡ እቲ ክቱር ስቕታ ህዝቢ ምኽንያታዊ ዘይምንባሩ በሪሁ። ኣንጻር’ቲ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ስቕታን ኩራን “ጽቡቕ ኣለና፡ ካብዚ ዝዓቢ ናጻነት እንታይ ኣሎ? ዝብል ጠባሪ ድምጺ ዘስምዑ፡ ቅድሚ ጠቕሚ ህዝቢ ረብሓኦም ዘቐድሙ ኣዝዮም ውሑዳት ኣካላት ምስተኸሰቱ ከኣ እቲ ዘይምኽኑይ ስቕታ ሓፋሽ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ እዩ ዓዚምዎ” ኢሎም ዝሓቱ ወገናት በርኪቶም።
እቲ ኣብ ሃገርና ብዘይዝኾነ ህዝባዊ ኮነ ሕጋዊ ቅቡልነት፡ ብኢደወነኑ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ወጽዓ፡ ኣደዳ ጥሜት፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ መሰላት ምሕራምን ተደፊእካ ሃጽ ኢልካ ናብ ስደት ብምምራሕን ጥራይ ዝግለጽ ኣይነበረን። ንህዝብና ኣብ ብዙሓት ዘይምልከትዎ ውግኣት ብምጥባስ እውን ካብቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ ናብ ዝተዓጻጸፈ፡ ኩሉ ናይ ውግእ ሳዕቤናት ከእትዎ ጸኒሑ።
ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ብሰንኪቶም ትዕቢትን ብደዐን ህግደፍ ዝወለዶም ውግኣት ዝሓደሮ ቁስሊ ከየሓወየን ኣብኡ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ መርድእ እናተጸበየን ጌና ካብ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ደበና ኣይወጸን። እቲ ጉጅለ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ደው ምስ በለ፡ “ተኾሊፍና” ብዝብል ዘሕፍር ኣገላልጻ ህርፋኑ ስለ ዘየርወየ ከንባሁቕ ጸኒሑ። ሎሚ ድማ ኢስያስ ኣፈወርቂ ደሃይ ውግእን ዘይምርግጋእን ድምጺ ናብ ዝስመዖ ኩርነዓት መገሻታት የጽዕቕ ኣሎ። ዕላምኡ ከኣ ብውግእ ንዝደላለዩ መንግስታት ክዓርቕ ዘይኮነ፡ ጸግዒ ሒዙ ከሳውር ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና እምበር ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን” እናበለ ዝኣተዎ ውግእ ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተሓታቲ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወገናት ክኸስዎ ጸኒሖም እዮም። ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን ልኡላዊ መድያ ምስ ዝበሃል ዩቱብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ፋብሪካታት መሳርሒ ፈቲሑ ወሲዱ እዩ። ሰባት እውን ቀቲሉ። እቲ ተግባር ቅድም ናይቲ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ሰራዊት ስምዒታዊ ስጉምቲ ይመስለና ነይሩ። ደሓር ግና ኢድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝነበሮ ኣረጋግጽና። ብሰንክዚ ከኣ መንእሰይ ትግራይ ብብዝሒ ኣንጻርና ተሰሊፉ” ብዝበሎ ኣቃሊዕዎ። እዚ ንህግደፍ ከተሓሳስቦ መተገበአ። እንተኾነ ሓንሳብ ብደም ስለ ዝሰኸረ፡ ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራኸ ሎሚ’ውን ነዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ብስቕታ ክሓልፎ እዩ ማለት ድዩ?
ህግደፍ ሎሚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውግእን ህውከትን መኻይዲ ንምርካብ ሃሰው ይብል ኣሎ። ኣብቲ ዝእጐድ ሓዊ ግዳይ ዝኸውን ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መንእሰይ ኤርትራን ቤተሰቡን እዮም። “ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታሲ ክሳብ መዓስ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልስኸ፡ “ንሓዋሩ” ዝብል ድዩ ወይስ “ሎምስ በዚሑ ጉልባብና ቀሊዕና ደኣ ንቃለሶ” ዝብል ክኸውን እንጽበዮ እዩ።