ክሳብ ሎሚ  ዘይተዓወተ፡  ጽባሕ  ኣይዕወትን ማለት ኣይኮነን

2024-07-09 20:56:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 930 times

ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራስን መሰልን ነካይዶ ዘለና ዝተናውሐ ቃልሲ፡ ብብዙሓት ብድሆታት ዝተኸበ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብቲ ብድሆታት ገሊኡ ውሽጣዊ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ከኣ ግዳማዊ እዩ። እቲ ከቢቡና ዘሎ ወድዓዊ ብደሆታት ተጽዕኖኡ’ኳ ቀሊል እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግና እቲ  በዓል ቤታዊ ብድሆ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

በብግዜኡ መልክዑ እናቐያየረ ኣብዚ ከባቢና ክፍጠር ዝጸንሐን ዘሎን ዞባውን ኣህጉራውን ፖለቲካውን እስትራተጅያውን ምግልባጣት መግለጺ ናይቲ ዘጋጥመና ዘሎ ወድዓዊ ተጽዕኖ እዩ። እዚ ግዳማዊ ምዕባለታት ብሕሳብ ናይቶም ወጠንቱን ዝቕየስ ስለ ዝኾነ፡ ንሓንሳብ ንረብሓ ደለይቲ ለውጢ ንሓንሳብ ድማ መሰወዲ ጉጅለ ህግደፍ ዝውዕል መሲሉ ከም ዝኽሰት እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ንረብሓ ህግደፍ ምውዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ናይ ለውጢ ቃልስን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዕቅፋታት ክፈጥር’ውን ጸኒሑ እዩ። እቲ ቅልጡፍ ተገላባጢ ማዕበል ናይዞም ሓይልታት ኣብ መጻኢ እውን ሓቢሩና ዝቕጽል እዩ። ኣብቲ ንረብሓና ዝዛዝወሉ ኣጋጣሚ ክንጥቀመሉ ዘይምኽኣልና ከኣ፡ ንበዓል ቤታዊ ድኽመትና  ካብ ዘርእዩ  እዩ።

ህግደፍ በብግዜኡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝውገዘሉን ብእገዳታት ዝስንብደሉ ኣጋጣምታት ክፍጠር ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻሩ ናይታ ኣስታት 120 ሺሕ ኪሎ ሜተር ትርብዒት ስፍሓት መሬት፡ 55 ሺሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ማይ ምስ ልዕሊ 300 ደሴታትን ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኪሎሜተር ገማግም ባሕርን እትውንን ኤርትራ መዝሚዞም ንህግደፍ ከም ቀላሲ  ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከምስልዎ ዝደልዩ ላኣኽቲ ከም ዘለዉዎ’ውን ተገንዚብናዮ ኣለና። ከም ሩሲያን ቻይናን ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ሓድሽ ኣሰላልፋ ክፈጥሩ ዝጽዕቱ ዘለዉ ሓይልታት ምስ ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ምቅርራባት ኣብቲ ንሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘለዎ ወድዓዊ ተጽዕኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ኣሎ። በቲ ካብ ምቁጽጻርና ወጻኢ ብናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ ዝመጽእን ዝኸይድን ወድዓዊ ተጽዕኖ፡ ንሕና ኣብዚ እዋንዚ ብዘለና ደረጃ ኣተሃላልዋ  ናብ ረብሓና ከነውዕሎ ዘይንኽእል፡ ዞባውን ኣህጉራውን ተጽዕኖ ዝውስኖ’ዩ።

በዓል ቤታዊ ጸገምና ወጊንና ንዝፍጠር ምዕባለ  ናብ ናይ ገዛእ ርእስና ረብሓ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ናብ ካልእ ኣካል ኣላጊብና ንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ብቃልሲ ክንውግኖ ይግበኣና። እዚ በዓል ቤታዊ ጸገምና ዝተፈላለዩ መልከዓት ሒዙ ዝቐርብን ምስ ኩነታት ዝለዋወጥን እዩ። ደረጃ ተጽዕኖታቱ ከኣ ከከም ክብደቱ ይፈላለ። እቲ  “ክሳብ ሎሚ  ዘይተዓወተ፡  ጽባሕ  ኣይዕወትን ማለት ኣይኮነን” ንብሎ ዘለና ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ “ኣብቲ ዘሰማመዓና ኣትኪልና፡ ነቲ ዝፈላልየና ግዜን ዕድልን ሂብና ብሓባር ንቃለሰሉ ዘተኣማምን መድረኽ”  ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ንምዝኽኻር እዩ። ነዚ ቀዳምነት ሂብና ምጥቃስና፡ በዓል ቤታዊ ድኽመትና ዝንጸባረቐሉ፡  መሰረታዊ ሕጽረትና ዘርኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኹልና ዝምልከትን  ናይ ኩሉ ጸገማት መንቀልን ስለ ዝኾነን እዩ።

ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣንጻር ህግደፍ ተቓሊስና ንክንስዕር፡ “ዝተበተነ ዓቕምና ጠርኒፍና ሃገራዊ ሓይሊ ብምፍጣር ንቃለሰሉ ናይ ሓባር መድረኽ ይሃልወና”  ዝብል ጭረሖ፡ ብራኸኡ ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ። ክሳብ ክንድዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቀዋሚ ጭርሖና ኮይኑ ምቕጻሉ ወሳንነቱ ዘይስገር ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ክንድቲ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ብናይ ኩልና ሓላፍነታዊ ቃልሲ ዝረጋገጽ እምበር ሓደን ተቓላሲ እቲ ካልእ ከኣ ተዓዛቢ ኮይና እንስለፈሉ፡ ወይ’ውን ሓደ ለማኒ እቲ ካልእ ድማ ተለማኢ እንኾነሉ ኣይኮነን። እቲ “ናይ ሓቢርና ንቃለስ” ጻውዒት መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ተመሳሳሊ ኩይኑ፡ “ኣብኡ ንምብጻሕ ኣየናይ መንገዲ ንሓዝ?” ኣብ ዝብል ግና ፍልልያት ጸኒሑና እዩ ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጻእናን። እቲ ዝሓየለ ቃልሲ ከኣ ነዚ ፍልልያት ኣቀራሪብካ ምትዕራቑ እዩ።

ኣብ በበይኑ መድረኻት እንሰምዖም ዘለና “ሓደ ዜግነት ተኮር ዝኾነ ሃገራዊ ሓይሊ ምፍጣር፡ ኣውራጃዊ ውክልና ዝመሰረቱ መንግስቲ ኣብ ስደት ምምስራት፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ሓባር ጽላል ምፍጣር…..ውዘተ” ካብቶም ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ንክምልሱ ብውዕዉዕ ዝስምዑ ዘለዉ ድምጽታት እዮም። እዚ እማመታት ማዕረ መዋጸኦ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ተቐራሪብካ ብምምይያጥን ምርድዳእን ግና  ነቲ መዋጸኦ ምርካቡ  ይከኣል እዩ።

ብዛዕባ ናይ ሓባር መቃለሲ መድርኽ ክንሓስብ እንከለና፡ “ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳሳ ዝተሰረተ ውደባ ሓይሊ እዩ፡ ብዙሕነት ከኣ መግለጺ ዲሞክራሲ እዩ” ዝብሉ ኣምርራት ከይንዝንግዕ ምጥንቃቕ የድልየና። ንኣብነት  “ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ጥራይ ክህልወና ኣለዎ”  ምባል፡ ኣንጻርቲ ንቃለሰሉ ዘለና ብዙሕነት፡ ኣብ ምልኪ ሓደ  ውድብ ከውድቐና ከም ዝኽእል ምስትብሃል የድሊ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ብፍላይ ምስቲ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ፡ ደቂ ሓንቲ ኣውራጃ ተራኺቦም ወከልቶም ናብ መንግስቲ ኣብ ስደት ይመርጹ ምባል፡ ኣብቲ ተክኒካዊ ኣተገባብራኡ’ውን ርኡይ ጸገም ከም ዘኸትል ፍሉጥ እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ኣጸጋሚ ኣተሃላልወኦም፡ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ስለ ዝኾኑ፡ ተመሳሳሊ ድልየትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ክህልዎም ከምዘይክእል ኣብ ግምት ምእታው’ውን የድሊ። ስለዚ ዘይሩዘይሩ እቲ ምርጫ ናይቲ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ መጽናዕቲ ዘትከለ፡ ብምክእኣል፡ ምጽውዋርን ሓላፍነትን ዝቕለስ ሓቢርካ እትስይሞ ጽላል ምፍጣር እዩ ዝኸውን። እዚ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይ ኣተሓሳስባ  ብዙሕነት፡ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት ዘድመዐ  እዩ።

እዚ ናይ ውድባት ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት ከም መዋጸኦ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝወድቕ ዘሎ ቅድሚ ሕጂ ብደረጃ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ተፈቲኑ ዘይምዕዋቱ ዝፈጠሮ ስኽፍታ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እወ እቲ ጽላላት ክሳብ ሎሚ ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ጠንቂ ከኣ ናይተን ውዳበታት ወይ ብኣአተን ዝቖመ ጽላላት ጸገም ዘይኮነ፡ ናይቶም ነቲ ውድባት ኮነ ነቲ ጽላላት ከንቀሳቕስዎ ዝጸንሑ ኣካላት በዓል ቤታዊ ሕጽረታትን ከባብያዊ ተጽዕኖን ምዃኑ ኣብ ክንዲ ንሃድመሉ  ተኣሚና ከነእርሞ ዝግበኣና እዩ።

ነቲ ክሳብ ሎሚ ከሳቕየና ዝጸንሐ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ጸገም ብቃልሲ ንክንስዕሮ እምበኣር፡ ነንገዛእ ርእስና ኮነ፡ ነቲ ብኣባልነት እንቃለሰሉ ውዳበታትና ንሓቢርካ ምቅላስ ከነዳልዎ ይግበኣና። ናይ ሓባር መንገዲ  ቃልሲ መሪጽና ጉዕዞ ምስ ጀመርና፡ ዕንቅፋት ከጋጥመና እንከሎ፡ መንገዲ ምቕያር ዘይኮነ፡ ነቲ ዘጋጠመና ዕንቅፋት ጸሪግና እንቕጽለሉ ብልሓት ክንቅይስ ይግበኣና። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ምርጫ፡ ክሳብ ሎሚ  ዘይተዓወተ፡  ጽባሕ  ኣይዕወትን ማለት ኣይኮነን ኢልካ ንናይ ክሳብ ሎሚ ዕንቅፋታት ኣሊኻ ክትቅጽል ምብቃዕ’ዩ በሃልቲ ኢና።

Last modified on Tuesday, 09 July 2024 22:59