እዚ ዘለናሉ ዘበን  ዓለማውነት (globalization)፡ ዓለምና ከም ሓንቲ ስድራቤት ተቐራሪባ ከም ዘላ ዘርኢ ምዕባለ እዩ። ነቲ ዝጸንሐ ምርሕሓቕ ኣብ ምቅርራብ ግደ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ክሳብ ክንደይ ዝለዓለ ምዃኑ ንነብረሉ ዘለና ህይወት’ዩ። እዚ ዕቤት ብመስርሕ ዝመጸን እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ዘለዉዎን ተርእዮ እዩ። “ምፍጣር ሓደ ሕብረተሰብ፡ ንናይ ሓባር ጸገም ናይ ሓባር መፍትሒ ኣስተዋጸኦ ምብርካት፡ ናይ ሃገራት ሃናጺ ውድድር ንማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት ምትብባዕ …..ወዘተ” ካብቶም ብእወንታ ዝግለጹ ገጻት እዮም።  “ምትብባዕ ቁጠባዊ ገባትነትን በሓትነትን፡ ምድኻም ትካላዊ ኣሰራርሓን    …..ወዘተ” ከኣ ኣሉታዊ ጐኒ ናይቲ ተርእዮ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ እዮም።

ጽልዋ ዓለማውነት ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንኹሉ መልክዓት እዩ ዝጸልው። እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ጽልዋኡ ግና ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካን  ተክኖሎጂካዊ ዕቤትን ዝንጸባረቕ እዩ። ናይዚ ግብራዊ መግለጺ ካብ ዝኾኑ ከኣ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ዝምዕብሉ ዘለዉ ውድድራት እዮም።  በመንጽር’ዚ ከምቲ ሓንቲ ሃገር በይና  ቁጠባዊ ዕቤት ከተመዝግብን ጸጥተኣ ከተውሕስን ዘይትኽእል፡ በይና እተካይዶ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን’ውን ኣይረአን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ምስሕሓብ ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብተን ቀጥታዊ ሰብ ዋኒን ዝኾና ሃገራት ዝድረት ዘይኮነ፡ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፈን ዝሰለፉ፡ ነናቶም  ሕሳባት ዘለዎም ሓይልታት እውን ዘሰንይዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይረአ ኣብ ዘሎ ምውጣጥ ዘሰልፍዎም ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታትን ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ባህርን ተልእኮን የብሉን።

ብዛዕባ ህልዊ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ ዝያዳ ካብ ዝዝውተሩ ሕቶታት “ነፍሲ ወከፎም ንመን ኣብ ጐኖም ኣሰሊፎም ኣለዉ?” ዝብል ምዃኑ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ምስዚ ብዝተዛመደ፡ ኣስማተን ካብ ዝለዓል ጸለውቲ ትካላትን ሃገራትን፡ ሩሲያ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ህንዲ፡ ህብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን እንዳበልካ ዝቐርብ ሓፈሻዊ ዝርዝር ኣሎ። ብፍላይ  ግብጺ፡ ሱዕድያን ሱዳንን ደገፍቲ ኤርትራ፡  ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ፡ ደጋፊት ኢትዮጵያ ጌርካ ምጥቃስ እምብዛ ልሙድን ርኡይን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እተን ዝድግፋ ኮና ዝቃወማ ሃገራት፡ ነናተን ረብሓ ዘማዕድዋ ኮይነን፡ እቲ ውግእ ኣብ ሜዳአን ኣብ ክንዲ ዝካየድ፡ ስግረ-ዶባዊ መልክዕ ንምትሓዝ፡ ንኻለኦት ዘዕጥቓን ዘስንቓን እምበር፡ ንህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝሓልያ  ዘይምዃነን ብተመኩሮታት ዘረጋገጾ እዩ።

ግብጺ ኣብ ጐኒ ኤርትራ እትስለፈሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኒል ዘለዋ ነዊሕ ዝዕድመኡ ምስሕሓብ ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ሱዕድ ዓረቢያ ከኣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ብዘለዋ ሕዱር ናይ ውድድር ኣጀንዳ እያ ላዕልን ታሕትን እትብል። ሱዳን ከኣ ኣብቲ ካብ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእ ሕድሕድ ናይ ኤርትራ ሓገዝ ክፍለያ ስለ ዘይትደሊ እያ።

ኢማራት ንኢትዮጵያ ትሕዝግዘሉ ዘላ ነብሱ ዝኸኣለ፡ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዲኣ ንምዕዛዝ ምስ ጅቡቲ ስምምዕ ገይራ ነይራ። እንተኾነ ብዙሕ ከይቀጸለ ስለ ዝፈረሰ  ኣይቀሰነትን። ድሕሪኡ ምስ ኤርትራ ተሰማሚዓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መደበር ሃኒጻ ከተብቅዕ ኣይቀጸለን። ሎሚ ከኣ ንኢትዮጵያ ደጊፋ  ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከም እትውንን ከተኽላ እሞ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ  ካልእ መዋስኢ ቦታ ክትረክብ  ሃሰስ ትብል ከም ዘላ ናይ ብዙሓት ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ሚዛን ኮይኑ’ሎ።

 ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታት፡ እንተደኣ ውግእ ተኸፊቱ፡ ናይ “መን ኮን ይስዕር ምናልባታት?” ክለዓል ይስማዕ እዩ። እቶም ምናልባታት ኣብ ህልዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ደገፋትን ብዝሒ ህዝብን ወሰንቲ ኮይኖም ክቐርቡ ይስምዑ እዮም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምዕዋተይ ዋሕስ ኢሉ ደጋጊሙ ካብ ዘቕርቦም እውን እዞም ዝተጠቕሱ ቅድሚት ዝሰርዑ እዮም። እቲ ወሳኒ ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ሃገራውነት ዝተሰረተሉ ጽኑዕ ዕርዲ፡ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ክነሱ፡ ክጥሕስዎ ዝደናደኑ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚርካ ዝስርዑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ክሳራ ደኣ የኸትል ይኸውን እምበር፡ ዝመጸ እንተመጸ፡ “ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ”፡ ሕግን ስርዓትን ኣጽኒዕካ ብምሓዝ ቀጻልነት ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ሰዓራይ ከም ዝኸውን ናይ ግድን እዩ።

እዚ ብኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ፡ “ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ኣይትፈልጥን ወይ ንዓሰብ ብዘይኣገባብ ኢና ስኢናያ” ዝማእከሉ ስንኩፍ  ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል ሎሚ ናይ መጀመርታኡ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተፈቲኑ ዝፈሸለ እዩ።  እቲ እዋንን እቶም ተሰለፍትን ደኣ ተቐይሮም እምበር፡ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብኢትዮጵያ ዝንዛሕ ዝነበረ ሓሶት እውን ብትሕዝቶኡ ካብዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ዝተፈልየ ኣይነበረን። እዚ ሎሚ “ኽንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ሒዝና፡ ከመይ ኢልና ኣፍደገ ባሕሪ ንስእን?” ዝበሃል ዘሎ ጸላዕላዕ፡ ብትሕዝቶኡ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ “ኢትዮጵያ ብዘይኤርትራ ክሳዳ ከምዝተቆርጸት’ያ”፡  ዝበሃል ዝነበረ ግጉይ  ጐስጓስ ካብቲ  “ታሪኽሲ ንገዛእ ርእሱ ይደግም” ዝበሃል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

 “ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ውግእ ብግብሪ ክካየድ ድዩ?”  ዝብል ሕቶ ጋና ዕቱብ መልሲ ዘይረኸበ፡ የማነ ጸጋም ዝወናጨ ዘሎ ግምት እዩ። እቶም ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝተሃንጸሉ መሰረት፡ ብክቱር ህርፋን ደፊእካ ከምዘይድፈር ዝርድኡ “ውግእ ዝካየደሉ ምኽኑይ መጎት ዘየለ” ዝብል ተረድኦ ኣለዎም። ነቲ መሰረት ዘየብሉ ኣብ ዘይጭበጥ ሃዋህው ዝሕንብስ ፈኸራን ዳንኬራን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓቂ ዝወስዱ ግና፡  ውግእ ከም ዘይተርፍ” እዮም ዝእምቱ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውግእ ክሳራን ዕንወትን ብምኳኑ፡ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ብሓቂ ንልምዓትን ረብሓን ህዝቢ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ብኣህጉራዊ ሕግን ውዑላትን ክኽምታእ ከምዝኽእል ተገንዚቡ፡  ናይ ውግእን ሳዕቤኑን ግዳይ ንኸይከውን ይኣክል ክብል ይግባእ። 

ሰሙናዊት መጽሐት ዘኢኮነምሲ (The weekl Economist)፡ ኣብ ናይዚ ሰሙንዚ ሕታማ፡ ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ መስሊ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓጺር ዳህሳስ ኣቕሪባ። ኣብቲ ዳህሳሳ ድማ “ሓደጋ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊራ። ኣተሓሒዛ ከኣ እቲ ብሳላ ውዕል ፕሪቶርያ 2022 ተረኺቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ስግኣት’ዩ ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።

ብገምጋም እታ መጽሐት፡ ዋላ’ኳ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣሎ ዝበሃል እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝጸንሐ ዝምድና ቅልጡፍ ወጥሪ ይምዕብል ኣሎ ኢላ። ህወሓት ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምጥሓስ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዝነበሮ ገንዘባዊ በጀት ጠጠው ብምባልን ብወተሃደዊ ምፍርራሕን ከም ዝኸሶ እታ መጽሐት ጥቒሳ።

እቲ ምክሳስ ብኽልቲኡ ወገናት ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ዘኢኮኖሚስት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ፡ ውግእ ከምዘይድግፍ ገሊጹ ከብቅዕ፡ ውግእ እንተጀሚርና ግና ጠጠው ከብለና ዝኽእል ሓይሊ የለን ከም ዝበለ ኣስፊራ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኣይንረክብን ኢና” ምባሉ ጠቒሳ። ኣተሓሒዛ ከኣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሕድሕድ ምክፍፋላት ዝምልከት  ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ኣስፊራ።

.

መጽሐት ዘኢኮኖሚስት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዝምድና እናኸፈአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድሕርን ወደብን ምልዓላ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘራኽብ ዶባት  ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘርእዩ ምስልታት ይወጹ ከም ዘለዉ ጸብጺባ። እዚ ምዕባለዚ ኣብ ንህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ገለ ሓይልታት ሱዳንን ዝምልከት ኣሰላልፋ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ዝሃለወሉ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዜናዊ  ጸብጻባ ተጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰዓብተንን ኢድ ኣዙራዊ  ውግእ ክባራዕ ከም ዝኽእል ስግኣታ ብምጥቃ ኣጠንቂቓ።

መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐ መግለጺ ኣውጺኣ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያ ብወገኑ ዜጋታቱ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስዎ ብዛዕባ ዘይግበኦም ከባብታት ዝምልከት መተሓሳሰቢ ምውጽኡ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝለዓለ  ጸጥታዊ ስግኣትን ዘይምርግጋእን  ከምኡ እውን ብሰንክቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ጂንካ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ምንቅስቓሶም ከዘውትርዎም ዘይግበኦም ቦታታት ዘርዚራ። ካብቶም ከይንቀሳቐስዎም ዘጠንቀቐቶም ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ሲዳማን፡ ከምኡ ድማ ዝተወሰና ዞባታት ክልል ኦሮሞ፡ ሰሜን ሽዋ፡ ምዕራብ፡ ምብራቕ ወሎ፡ ወለጋ ቀሌምን ሆሮ ጉድሩን ኣብቲ መጠንቀቕታ ተዘርዚረን።

እቲ ብ14 ሕዳር 2025 ዝወጸ ናይ ካናዳ መጠንቀቕታ ኣብተን ዝጠቐሰን ክልላትን ዞባታትን፡ ውግእ፡ ሲቪላዊ ምምዝባላትን ዝተፈላለዩ ገበናትን ይገዱ ምህላዎም ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ካልእ ቦታታት ብምርእኣይ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትርከብ ጠቒሱ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘውጽኡ ሰብ መዚ ካናዳ ኣብተን ደሓን ዝበሃላ ከተማታት እውን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣብቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም።  ብፍላይ ድማ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉልን ኣብ ቀደማይ ደረጃ ስግኣት ዝስረዓ እየን ኢልወን።

እዚ ከምዚሉ እነሎ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዜጋታቱ  ናይ ምንቅስቓስ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ፡ ካብ ዶባት ኣብ ክሊ 25 ኪሎ ሜተር ንከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።

ነዚ መጠንቀቕታ ከውጽእ ዘገደዶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ዝበሎ ምትፍናን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ብሃንደበት ክቀያየር ይኽእል እዩ እውን ኢሉ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ብሪጣንያ ሓድሽ ነገር እንተ ተፈጢሩ፡ ካብኡ ምውጻእ ስለ ዘጸግም፡ ዜጋታቱ መሰረታዊ ነገራት ገዚኦም ክቕረቡ ይግበኦም ክብል እውን ኣዘኻኺሩ።

ጋዜጣኛን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ባዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ፖለቲካን ማርቲን ፕላውት፡ ብ16 ሕዳር 2025 ኣብ ናይ X ገጹ  ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር ጽሑፍ፡ ንኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ናብ ከንቲባነት ዝተቐየረ” ክብል ገሊጽዎ። ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ጽሑፉ ሓደ እዋን ንሓቛፊ ለውጥን ምትዕርራይን ዝተላዕለ ኣብይ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብብዙሓ ከባብታት ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዝሰኣነ ኮይኑ’ሎ ክብል ገሊጽዎ።

ማርቲን ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብይ ብፕረሲደንትነት ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ሃገራዊ ዝርጋሐ ኣለኒ ዝብል’ኳ   እንተኾነ፡ ብግብሪ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ጥራይ ተደሪቱ ኣሎ ሰልፊ እዩ ዝብል ገምጋሙ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብይ ኣብ ክንዲ ምምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብደረጃ ከንቲባ ናብ ምምሕዳር  ወሪዱ ኣሎ ኢልዎ።

እቲ ተመራማሪ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ኣብ መስርሕ በዂሩ  ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ክቱር ምእኩል ምቁጽጻር፡ ወተሃደራዊ ዕብለላን ህዝባዊ ዘይቅቡልነትን ኣራሚ ስጉምቲ  ዘይምውሳድ ዝተዋህለለ ድኽመታት ዝፈጠሮ እዩ ኢሉ ገሊጽዎ።

ብዘይካዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈጥሩ ፖለቲካዊ ጸገማትን ምስኣን ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብቲ ውግኣት ዝካየደሉ ቦታታትን ፈደራላዊ መንግስታዊ ህልውና ስኢኑ፡ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ቅልውላው ከም ዝኣተወ  ኣስፊሩ። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝግበሩ መደረታትን ናይ መመረቕታ ጽንብላትን ክሽፈን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከም ዝበጸሕ ብምጥቃስ ድማ፡ ናይቲ መንግስቲ ፖለቲካውን ጀኦግራፊያውን ህልዊ ኩነታት ክምዘን እንከሎ፡ ኣብ ዝጭበጥ ግብራዊ ስራሕ ዘይኮነ፡ ናብ ምስላዊ ህልውና ወሪዱ ዘሎ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብ ኩለን ክልላዊ ምምሕዳራት ዝተፈላለዩ መልኽ ዘለዎም ውግኣትን ጐንጽታትን ይረኣዩ ኣለዉ።

Sunday, 16 November 2025 10:15

Dimtsi Harnnet Sweden 15.11.2025

Written by
Friday, 14 November 2025 20:32

   يوم الحداد الوطني

Written by

                                 

في مثل هذا اليوم , الربع عشر من نوفمبر من 1962 , شهد المقر التاريخي الكائن وسط مدينة اسمرا حدثا مفصليا في تاريخ الشعب الارتري .هذا المبنى كان في العهد الايطالي مقرا للحزب الفاشي , يقع على شارع واسع تصطف على جانبيه اشجار النخيل , وهو الشارع الذي تغير اسمه اكثر من مرة في الحقب المختلقة .

ففي فترة الحكم الايطالي , بالتحديد في عهد اول حاكم مدني لارتريا فيرديناندو مارتيني (Ferdinando Martini) اطلق عليه كورسو فيتوريو امانويل (Corso Vittorio Amanuele)  نسبة الى ملك ايطاليا . ثم تحول اسمه في عهد ايطاليا الفاشية الى فيالي موسوليني (Viale Mossolini) وبعد مجيء الادارة البريطانية اعيد تسميته كورسو ايطاليا (Corso Italia)  اما في عهد الاستعمار الاثيوبي فأصبح يعرف ب شارع هيلي سيلاسي  و بعد الاستقلال بعد عودة ارتريا الى اهلها اطلق عليه اسم شارع الحرية.

لقد تم احتلال ارتريا من قبل اثيوبيا , بعض فرض الاتحاد الفدرالي القسري بين الدولتيين , وهو الاتحاد الذي تم دون ارادة الشعب الارتري بتواطوء وضح من قوى دولية وجاء ذلك رغم ان المبعوث الاممي أنزي مااتنزو (Anze Matienzo) كان قد اعد الدستور الارتري الذي دخل حيز التنفيذ في عام 1952 بموجب قرار الجمعية العامة للأمم المتحدة رقم  390 (V) (A) الصادر بتاريخ ديسمبر 1950 .

ومع تصاعد الانتهاكات الاثيوبيا وتزايد التجاوزات ضد الكيان الارتري , ابلغ القنصل  البريطاتي في اسمرا حكومته في لندن بتدهور الاوضاع , كما عبر عنه رئيس الجمعية انذاك ألشيخ علي رادأي حين قال : “ لقد وضع الضبع مع العنرة , وكانت النتيجة واضحة . "

في ذلك اليوم الاسود من تاريخ ارتريا , استدعى الرئيس التنفيذي الارتري السيد اسفها ولدميكائيل البرلمان الارتري يوم الرابع عشر من نوفمبر 1962 , في سباق محموم قبل انعقاد الؤتمر التأسيسي لمنظمة الوحدة الافريقية في اديس أباباز وقد كان الهدف من الاجتماع الغاء الاتحاد الفدرالي  وتحويل ارتريا ألأقليم الرابع عشر لاثيوبيا بغية حرمانها من صفتها الدولة ذات كيان مستقل في اتحاد مع اثيوبيا في نظام فدرالي التي اقرته ألأمم ألمتحدة.

في اليوم الذي سبق ليوم الحداد , ساد جو غامض امتزج فيه الهدوء بالترقب المقلق , بينما نفذت القوات الاثيوبيا عرضا عسكريا في شوارع اسمرا رافعة شعارا يختصر برمته "رصاص لكل من يرفض.“

عندما استدعوا النواب الى الاجتماع ظن العديد منهم بسذاجة او حسن نية انهم دعوا الى الجلسة لمناقشة الميزانية , بينما كان اولئك ألأكثر اطلاعا يدركون تماما ماينتظرهم . حاول بعضهم التهرب من حضور الجلسة , فأدعى عدد منهم انهم في اجازة , وادحل اخرون انفسهم الى المستشفي متظاهرين بالمرض , في محاولة لحرمان الرئيس التنفيذي السيد اسفها من تحقيق النصاب القانوني لعقد الجلسة.

غير ان الشرطة اقتادتهم من منازلهم ومستشفياتهم و احتجزتهم طوال الليلو لمنعهم من مغادرة مدينة اسمرا .

وفي صباح ذللك اليوم الرابع عشر من نوفمبر 1962 , وقف السيد اسفها دون أي مقدمات , وقرأ بيانا قصيرا اعلن فيه مايلي :

“ ان ألأتحاد الفدرالي قد فرض على الارتريين كوسلة للتفريق والانقسام ولذلك نقر بالاجماع من هذه اللحظة ان الاتحاد , بكل ما يحمله من دلالات ومعاني قد الغي نهائيا من الان فصاعدا سنعيش في اتحاد كامل مع وطننا الام اثيوبيا.“ ساد القاعة الصمت لحظات من الذهول , قبل ان تنطلق تصفيقات محدودة من دون اجراء تصويت رسمي على القرار , لم يرغب الامبراطور هيلي سيلاسي ولا رئيس السلطة التنفيذية المخاطرة بعملية التصويت الغير مضمونة النتيجة المرجوة.

ويذكر العقيد داويت ولدقرقيش الذي كان حينذاك ضابط في الجيش الاثيوبي المتمركذ  في ارتريا ان قوات اثيوبيا مدججة بالسلاح كانت قد انتشرت حول مبنى البرلمان , لبث الرعب والخوف في نفوس النواب ومنع اي محاولة للمعارضة.

اما الصحافة الغربية, التي كانت قد غطت بأهتمام كبير اجتماعات الجمعية العامة للامم المتحدة السابقة بشأن مصير ارتريا و عملية الاتحاد الفدرالي , تجاهلت الى حد كبير هذا الحدث الجلل – ابتلاع ارتريا, حتى اولئك الذين افردوا صفحات مطبوعة واسعة للنقاشات سبقت الاتحاد , اكتفو بفقرتين او ثلاثة لتغطية عملية الغائه, والاغرب من كل ذلك احد المراسلين لصحافة غربية في اديس أبابا فقد قدم الخبر بصيغة يورجح انها مستمدة من وكالة الانباء الاثيوبيا عكست تماما الرواية الرسمية التي اراد الامبراطور هيلي سيلاسي تسويقها للغرب والتي مازال بعض الاكاديميين الاثيوبيين يكررونها حتى اليوم , ومفادها :- “ ان الجمعية الارتريا قد صوتت بالاجماع  لالغاء الاتحاد الفدرالي.“

وفي تقرير ذوصلة بعث به القنصل الامريكي في ارتريا الى واشنطن وصف ما جرى بقوله : “ ان التصويت بالتصفيق كان مسرحية هزيلة , بالكاد تخفي غياب الدعم حتى من جانب اعضاء الجمعية الارترية الذين اختارتهم الحكومة.

ومنز ذلك اليوم اطلق على هذه الذكرة اسم يوم الحداد الوطني في الذاكرة الجمعية للشعب الارتري , اذ مثلت بداية فقدان السيادة الوطنية وبداية عهد من القهر والنضال الطويل من اجل اعادتها.

تمسك الارترين الاحرار الرافضون للوحدة القسرية بالامل الاخير في الانقاذ, معتمدين على التعهد الرسمي الذي قطعه المبعوث الاممي انريمو تنزو ق, وهو الضمان الوارد في تقرير الامم المتحدة , الذي حاول مستشار الابراطور سبنسر (Spencer) ورئيس الوزراء الاثيوبي اكليلو هبتولد عبثا شطبه.

وقد نص ذلك الضمان بوضوخ على" ان الاتحاد بين ارتريا و اثيوبيا لا يمكن تعديله او الغائه  الا بعض الرجوع اولا الى الامم المتحدة التي انشأت الاتحاد  فهي واحدها من تملك سلطة الغائهه" لكن رغم هذا النص الصريح اقدمت اثيوبيا على الغاء الاتحاد من جانب واحد وهو تصرف لاتملك له اي شرعية قانونيا.

هذا الانتهاك الفاضح اشعل غضب الشعب الارتري وفجر ثروته , وفي العقد الثاني من الكفاح المسلح حين كانت المعارك على اشدها ضد القوات الاثيوبيا في تلال عدي قبرو  وعدي تخلاي قرب العاصمة اسمرا تقدم رجل مسن الى المناضلين وهو يستحضر في ذهنه الضمانة التي منحتها الجمعية العامة للامم المتحدة لارتريا قائلا لهم :

“ واصلو القتال اذا استمرت المعركة لمدة ثمان و اربعين ساعة فستتدخل الامم المتحدة لحل القضية الارترية .

لكن الامم المتحدة واعضاءها اللاعبون الرئيسيون كانوا قد اعطوا اشارتهم منز زمن بعيد بأنهم لايأخذون الاتحاد الفدرالي بين ارتريا و اثيوبيا على محمل الجد اكثر من هيلي سيلاسي .

وهكذا تم اغتصاب ارتريا وانتهاك سيادتها في ذلك اليوم المكروه الذي بقى قي ذاكرة الشعب الارتري بأسم يوم الحداد الوطني.

 

                                

Thursday, 13 November 2025 23:40

Dimtsi Harnnet Kassel 13.11.2025

Written by
Page 1 of 621