ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እንተተመሊስና ከይነውሓና፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምኽታሙ፡ ኣብ ከባቢና ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተቐላቐለ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እዚ ተመሓዝዮም ዝጸንሑ ዝፋትሕሉ፡ ዝጠማመቱ ዝነበሩ ከኣ ሓድሽ  ኪዳን ዝምስርትሉ ኩነታት ይፍጠር ምህላዉ ዘመልክት እዩ። እዚ ክትረግሞ ንዝጸንሓካ ብምምራቕ፡ ክትምርቖ ንዝጸናሕካ ከኣ ብምርጋም ብዝተቓነየ ፖሮፓጋንዳ ዝተሰነየ ምዃኑ ንሪኦን ንሰምዖን ኣለና። እቲ ዝጸንሐ ኮነ  ክፍጠር ዝባሃል ዘሎ ዝምድናታት  ናይቶም ተሰለፍቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ክቱር ህርፋን  ዝማእከሉ እምበር፡ ኣርሒቑ ዝጥምት “ረብሓን ባህግን ህዝብታት” ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዘይኮነ ብፍላይ ንኤርትራውያን ብሩህ’ዩ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ብ1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ተረእዮ ምእንቲ ፍትሕን ረብሓን ህዝብታት ዘይኮነን ቀጻሊ መፍትሒ ዘየምጽእን ብምንባሩ “ኣይፋልኩምን፡ መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ከይጸንቀቕኩም ውግእን ዓመጽን ኣይተቐድሙ” ዝብል ስምዕታ፡ ብሓፈሻ ናይ ብዙሓት መንግስታት ብፍላይ ከኣ ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ነይሩ። እንተኾነ እቶም ውግእ ዝመረጹ መንቀድቲ፡ ነቲ ምግማቱ ዘጸግም ንዓለም ዘስደመመ ህይወትን ንብረት ዘህለቐ ውግእ ቀጺለምዎ። ኣንጻር እቶም ናይ ጥፍኣት መንገዶም ዘይተቐበሉ ኣካላት ከኣ ኣጸያፊ ጸለምታትን ጠቐነታትን ኣካይዶም።

በቲ ውግእ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሎም ዕድል ሓደጋ ምዃኑ ምስተረድኡ ግና፡ ብፍላይ ብወገን ህግደፍ ናብ ኣልጀርስ ኣምሪሖም ናይቲ ቅድም ዝተሓሰምዎ “ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ” ተቐበልትን ሰበኽትን ኮይኖም፡ ካባ ስዕረት ተጐምጒሞም ንዋራ ዝደሓንሉ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብሰንኮም ህይወት ደቁ ዝሰኣነን ንብረቱ በሪሱ ዝተመዛበለን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከኣ “ማይ ዕሚኹ”ተሪፉስ” ክሳብ ሎሚ ይቕንዞ’ሎ። ኣብ መጻኢ ከይድገም ተማሂርሉ ክኸውን ዝነበረ ተስፋ ከኣ፡ እንደጋና ጽልእን ቅርሕንትን ብምውላዱ እነሆ እቲ ህውከት ቀጻሊ ኮይኑ ።

እቶም ካብ ቅድም ነቲ  ናይ ውግእ ምርጫ ዝተቓወሙ ወገናት፡ ነቶም ውግእ መሪጾም ዘይሰለጦም፡ ኣላሽ  ዝበሉ፡ “ማንቲለሲ ዘሊላ ዘሊላ ናብ ምድራ” ከም ዝበሃል፡ “ንሕናኮ ነጊርናኩም ኔርና ኢና” ኢሎም ኣይተመክሕሎምን። ብኣንጻሩ ናብ ልቦም ተመሊሶም ልዝብን ምድምማጽን  ስለ ዝመረጹ፡ እሞ እቲ ተግባር ንረብሓን ደሕንነትን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሓሳቦም ተቐቢለምዎ። ይኹን እምበር ድሕር’ዚ ጥፍኣትን ህልቂትን ዘኸትል ውግእ’ውን፡ ብህግደፍ ከም ክድገም ዝገመቱ ነይሮም እዮም። ግምቶም ከኣ ግምት ኮይኑ ኣይተረፈን።

ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ድንግርግር ዓመታት ፡ ከምቲ ሓደ ፖለቲከኛ “ተኲሲ ናይ ዘይስምዓሉ ውግእ ግዜ” ዝበሎ፡ ኣብ 2018 በዚ መጸ ዘይተባህለን ታህዋኽ ዝደፍኦን፡ ኣብ መንጎ’ተን “ዓይንን ሓመድን” ኮይነን ዝጸንሓ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ሰላም ተመሊሱ፡ ዶባት ተኸፊቱ” ምስ ተባህለ፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮነ። እቶም ብጉርሒ ዝጐዓዙ ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ከኣ፡ ገለን ተመስጊነምሉ ገሊኦም ድማ ናይ ሰላም ኖበል ተሸሊመምሉ፡ ገለ ድማ ካብ እገዳ ተናጊፈምሉ። “ንኢትዮጵያ በታቲንና ኢና ክንገዝኣ እንኽእል” ዝብላ ዝነበራ ልሳናት ህግደፍ ድማ “ዕላማና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ምሕላውን፣ ወያነ ዳግም ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርራ’ዩ” ክብላ ተሰሚዐን። በቲ ክስተት ተገሪሞም፡ “እንቀዓ መሻላ ዘይውደኣ ይመላ” ዝበሉ ጠርጠርቲ ከኣ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ብዘደንጹ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናምበልበሉ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዖም “ተደሚርና ኢና”  ዝብሉ ደድሕሪ ህግደፍ ዝሰኸሩ ኤርትራውያን ድማ ተራእዮም።

ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርበሐ ህግደፍ፡፡ በዓል ጽቡቖም ክኸውን ዝተመነዩ ስምዒታውያን ኢትዮጵያውያን ከኣ ንዲክታተር ኢሳያስ ዝመጉስ መዛሙር እናስምዑ ክዘሉ ተራእዮም።  ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና እቲ ሓደ “ተኾሊፍና” ዘርእስቱ ናይ እንጽርጽሮት ዜማ ክስምዕ፡ እቲ ካልእ ከኣ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ክንከውን ኢና” ኢሉ ክጭድር ተሰሚዖም። እቲ ክስተት ንህዝቢ ኤርትራ ጥልመት  ህግደፍን መራሒኡን ሓድሽ ካምዘይኮንዎ ርዱእ’ዩ።

ህግደፍ ንመጻኢ’ውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ “ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ ዝማእከሉ ሓሸውየ” ኣይክወጽእን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ከምቲ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሃል መልእኽትና ናብኡ ዘቕነዐ ኣይኮነን። ነቶም ህግደፍ በብግዜኡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርማ ተሰከሙ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜማ ኣቃልሑ” ክብሎም ዝጸንሐ “ናብ ልብኹም እንዶ ተመለሱ’ሞ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኩኑ” ዝብል መጸዋዕታ ከነቕርብ ግና ግድን’ዩ።

እቶም ንህግደፍ ኣሚኖም፡ ዘይኤርትራዊ ባንደራን ኣርማን ክቐያይሩ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ድማ ካልእ ዝሕብሩ ባንዴራ ናይ ምጉምጓም ግደታ ዝጽበዮም ዘሎ ዝመስል፡ ከምቲ ንዝኾነ ነገር ደረት ዘለዎ፡ “ሎሚኸ ምስመን  ኢኹም ከተትዓራርኹና ትደልዩ ዘለኹም?” ክብሉ ድዮም ኣይፋሎምን፡ ንሳቶም ክምለስዎ ዝግበኦም’ዩ። ካብ’ዞም ደድሕሪ ህግደፍ ሸለውለው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራውያን፡ “መብዛሕቶም ብውሽጦም ኣይድግፍዎን እዮም” ክበሃል ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ውሽጦም ኣሎ ዝበሃል ሓቀኛ እምነቶም ካብ ሎሚ ዝጥዕም ደኣ ንመዓስ’ዮም ከውጽእዎ?  ዝበል ሕቶ ዘኸትል’ዩ።

ከምቲ ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዘነጽሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋጸኦ፡ ልኡላውነቱ ዝዓቀበ፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዝተሰረተን ኢድ ኣእታውነት ዘይቕበልን ዝምድና፡ ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ወገናት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ጐረባብቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ።  ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ባህላዊ፡ ታሪኻዊ፡ ቋንቋዊ፡ ንግዳውን ዝኣመሰሉን ዝምድናን ተመሳሳልነትን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስዚ ግና ነናቱ ልኡላዊ ሃገርን ዜግነትን ዘለዎ፡ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኑ ዘውደኽደኸ እንተውደኽደኸ ዘይቅይሮ ቀይሕ መስመር እዩ። ነቲ ዝምድና ዝያዳ ንምድልዳሉ እንተኾይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ሰነዳት ሰዲህኤ ተወሪቑ ሰፊሩ እንረኽቦ፡ “ብፖሊሲ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ምዕቃቡ’ዩ። እዚ ኣተሃላልዋ ኣብ መንጎ ኣብ ዶባተን ዝመሳሰል ነባሪ ዘለወን ሃገራት ዓለም ዝረአ እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጥራይ  ዘሎ ኣይኮነን።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰዲህኤ፡ ቅድም  ውግኣት ከይካየድ፡ ደሓር ከኣ ህዝቢ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ተማሂሩ ንከይድገም “ኣይፋልኩምን” ንክብል ክጽዕቱ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደባታት ሓደ እዩ። ብመንጽርዚ ኣድላይነት ሰላማዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ነባርን ቀጻልን ምዃኑ ዘኽብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍቕሪ ህግደፍ ብዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ውዒሎም ብዝሓድሩ ልኡኻት ዝቕየስ ኣይኮነን። “ተባኢስናያ ጸኒሕና’ሞ ክንዕረቕ ኢና” ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”  ወይ “ገ እናበሉኻዶ ትጋገ”ዝበሃል፡ ዘይንሕናስ ኣይትበኣሱ ኢና ዝበልና፡  ካብ ምባሎም ሓሊፍና ካልእ ንብሎም የብልናን። ምስዚ ኩሉ ግና “ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንካልእ ህዝቢ ክኸውን  ከምዘይክእል”  ነቶም ምስ ህግደፍ ክመሓዘዉ ዝመጣጠሩ ከየተንባህና ኣይንሓልፍን።

ናይ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝርከብአን 14 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበረን ኤምባሲታት፡ ብዛዕባ  ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ነጻነት ፕረስ ብዝሓደረን ስኽፍታ፡ “ኣገዳሲ ተጽዕኖ ምሕዳር” ዝበልኦ ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጸኣ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ኤምባሲታት ኣተሓሒዘን ነጻነት ጋዜጠኛታት  ንክሕሎ ኣብቲ መጸዋዕታ ከም ዝጠቐሳ እውን ተሓቢሩ።

እተን ብ3 ጉንበት 2025 ዝተዘርገሐ ናይ ሓባር መግለጺ ዘውጽኣ ኤምባሲታት፡ ናይ በልጅም፡ ደንማርክ፡ ኣየርለንድ፡ ስፐይን፡ ፈረንሳ፡ ሉግዘምበርግ፡ ኔዘርላንድስ፡ ኦስትርያ፡ ስሎቨንያ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደን፡ ነርወይ፡ ነውዘላንድን እንግሊዝን ምዃነን ተፈሊጡ። እተን ኤምባሲታት ኣብቲ መግለጺአን ነጻን ውሑስን ጋዜጠኝነት ንምዕባይ ንከበርክታ፡ ዳግማይ ቅሩብነተን ከም ዘረጋገጻ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።  

እተን እምባሲታት ኣብቲ መግለጺአን፡ ነጻ ማሕበረሰብ ንምህናጽ ኣድላይነት ውሑስ ጋዜጠኝነትን ነጻ ፕረስን ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ጠቒሰን። ሕብረት ኤውሮጳ እውን ብወገኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብግቡእ ዝተሓበረ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ዲሞክራስን ሓቛፊ ሕብረተሰብን ኣድማዒ ምዃኑ ን3 ጉንበት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ኣመልኪቱ ከም ዝገለጸ ተሓቢሩ። ነጻነት ፕረስ ኣብ ዝበኾረሉ፡ እኹል ሓበሬታ ምስናድን ምሕሳብን ክረጋገጽ ከምዘይክእል መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ምጥቃሱ ተፈሊጡ።

እተን ኢምባሲታት መግለጺ ከውጸኣ ዝተገደዳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነጻ ፕረስ የንቆልቁል ብምህላዉ ምዃኑ  ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ትካል “ሪፖርተራት ብዘይዶብ” ብዘውጸኦ ጸብጻብ መሰረት ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ኣንቆልቊላ ካብ 180 ሃገራት ናብ መበል 145 ምውራዳ ምጥቃሱ እዩ።  ኣብ ነጻ ፕረስ ኢትዮጵያ ናብዚ ደረጃ ዝወረደት ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ምትእትታው፡ ቁጠባዊ ምንቁልቋልን ድሩትነት ኣብ ርእሰ-ዓንቀጽ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።

ኤርትራ ሪፖርተራት ብዘይ ዶብ (RSF)” ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ 3 ጉንበት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውጸኦ ዝርዝር ደረጃ ኤርትራ፡ ካብ 180 ሃገራት  ኣብ መበል 180 ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ። እዚ ንመጀመርታ ግዜኣ ዘይኮነ ንዝሓለፉ 8 ተኸታተልቲ ዓመታት ዝጸነሓቶ ጭራነት ምዃኑ እውን ጠቒሱ። ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ ዝተሰርዐት ካብ ሚእቲ  11.2 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ ክትከውን እንከላ፡ ቁሩብ ካብኣ ሕይሽ ኢለ ቅድሚኣ ካብ መበል 179 ክሳብ 175 ዝተመዝገባ ሃገራት ከኣ ደቡብ ኮርያ ብ12.64%፡ ቻይና ብ14.8%፡ ሲርያ ብ15.85%፡ ኢራን ብ16.22%ን ኣፍጋኒስታን ብ17.88% እየን።

ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ከኣ፡ ነርወይ ብ92%፡ ኢስቶኒያ ብ89.46%፡ ኔዘርላንድስ ብ88.64፡ ስዊደን 88.13ን ፊንላንድ 87.18ን ምዃነን ኣብቲ ምብኽንያት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ዝወጸ ጸብጻብ ተጠቒሱ’ሎ። ካለኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኡጋንዳ መበል 143፡ ኢትዮጵያ መበል 145፡ ሩዋንዳ  ድማ መበል 146፡ ኮይነን ሰፊረን። ብደረጃ  ኣፍሪቃ፡ በቲ ጸብጻብ መሰረት ኰነታት ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ኣብተን 40%  ሃገራት ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከብ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ 2024 ብደረጃ ዓለም ኣብ ሞያዊ ስረሖም እንከለዉ 104 ጋዜጠኛታት ክቕተሉ እንከለዉ ካብኣቶም 8 ኣፍሪቃውያን እዮም። ኣብ 2025 ዝተቐትሉ ከኣ 15 ምብጸሖም ተሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ንነጻነት ፕረስ ወይ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብጋዜጣ፡ መጺሐት፡ ተለቪዥንን ሬድዮን ዝኣመሰሉ መድያታትን፡ ዝኣመንካሉ  ኣተሓሳስባ ምንጽብራቕን ክሳብ ንመንግስትን ዝኣመሰሉ ትካላትን ምንቃፍ ዝበጽሕ መሰል  እዩ ክብል ጠቒስዎ።  ንኤርትራ ኣብ ጭራ ዝሰረዓ ከኣ እዚ ኩሉ መሰላት ብምብኳሩ  እዩ።

ብፍላይ ንኤርትራ ብዝምልልከት ኣብ ዘስፈሮ ከኣ፡ ነቲ ብኩራት ነጻነት ሓሳባካ ምግላጽ፡ ከም ጃማላዊ ማእሰርትን ምስዋርን ጋዜጠኛታት፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክውሰኾ እንከሎ ከም ዝግድድን እዚ ድማ ኣስታት  500 ዝኾኑ ሰባት መሰኻኽር ብምዝራብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት  ዝተጻረቶ ምዃኑ እቲ መገለጺ ኣስፊሩ።

Saturday, 03 May 2025 22:55

Dimtsi Harnnet Sweden 03.05.2025

Written by

ናይቲ ሓድሽ ሰልፊ ትሊዲፓ ንድፊ ኣርማ

ምክትል ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብዝነበረ ዝምራሕ ክፋል “ትግራይ ሊበራል ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ TLDPA” ናይ ምምስራት መስርሕ ከም ዝጀመረ ብዝተፈላለዩ መድያታት ይግለጽ ኣሎ። እተን መድያታት ንሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ካብቶም መስረቲ ጠቒሰን ከም ዘስፈረኦ፡ እቲ ምድላው ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብሄራዊ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ ዘየጽደቖኳ እንተኽዕነ መስርሕ ምጅማሩ ግና ኣፍልጦ ኣለዎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ  ብ30 ማዝያ 2025  ኣብ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ፡ እቲ መስርሕ ተጀሚሩ ኣብ ጉዕዞ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡  “ህልውናና ከም ብሄር ንምውሓስ: ሕዚ ገጢሞምና ዘለው ዝተሓላለኹ ሽግራት ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ንምፍታሕን በቲ 'ስልጣን ወይ ዕንወት' ብዝብል ጉጅለ ዝተበተነ ሓይሊ ንምእካብን ዓቕሚ ይፈጥር'? ንዘትየሉ ክብል ኣስፊሩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ፡ “ትግራይ መማረጽታት እምበር ብሕታዊ መማረጺ ኣየድልያን”  ኢሉ፡ ኣነ ድንገት በርደግ ኢለ ሊበራል ዴሞክራት' ዝብለሉ ምኽንያት የለን:: ንዘትዩሉ:: ተጋሩ ተኣኪብና ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ዝደሊ ኩሉ ይዘትየሉ::” ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ናብዚ ስጉምቲ ዝበጽሑ፡ ህወሓት ፍልልያቱ ኣወንዚፉ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዘካየዶ መበል  14 ጉባአ ሰሪዙ ሓድሽ ጉባአ ከካይዱ ዘቕረብዎ መጸዋዕታ ተቐባልነት ስለ ዝሰኣነ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

ትግራይ ሊበራል ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ብሄራዊ  ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምስተመዝገበ ቀልጢፉ ጉባአ ከም ዘካይድን ኣብ ቀጻሊ ምርጫ  ከም ዝሳተፍን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። ካብቶም መስረቲ እዚ ሓድሽ ሰልፊ  ኣቶ በየነ ምክሩን ፕሮፈሰር  ክንደያ ገብረህይወትን ዝተባህሉ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ዝነበሩ ከም ዝርከብዎም ከኣ  ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሒጂ እዋን እቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ፡ ካብ 13  ጉንበት 2025 ንደሓር ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ምሉእ ብምሉእ  ከይስረዝ ኣብ ስግኣት ዘል እዩ

Thursday, 01 May 2025 22:49

Dimtsi Harnnet Kassel 01.05.2025

Written by

UNHCR ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምልካት ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዝሓቦ ሓበሬታ

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕን ሓጺርን ግዜ ብዘይፍርዲ ኣብ ፈቐዶ መደበራት ፖሊስ ኣሲረዎም ዝጸንሐ ክሳብ 250 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ብ29 ማዝያ 2025 ብወገን ክልል ዓፋር ኣቢሎም ናብ ዓሰብ ከም ዝሰጐጉዎም ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ  ሓቢራ።

ናይቶም ግዳያት ቤተሰብ ከም ዝሓበርዎ፡ ካብዞም ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ዘለዉ፡ መብዛሕትኦም ብሰንክቲ ብ13 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ ሕድሕድ ህይወቶም ንምድሓን ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ እዮም። ብዘይካዚ ኣብቶም ዝተሰጉ ብኽንደይ ኣደራዕ ገንዘብ ከፊሎም ካብ ኤርትራ ተሳጊሮም ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 7 ዓመታት ዝጸንሑ ከም ዝርከብዎም’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

ሓደሓደ ወገናት ከም ዝሕብርዎ፡ ነቶም ኤርትራውያን ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንምፍታሕ ንዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝኽፈል ገንዘብ’ኳ እንተነበረ ኣይሰመረን። ኢትዮ-ፎርም ዝተማህለት ማሕበራዊ መድያ ብወገና ኣቐዲማ ኣስታት 224 ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ተባሂሎም ኣብ መደበራት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተዳጒኖም ምንባሮም ምሕባራ፡ ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ4 ታሕሳስ 2024 ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ምጥራዙ ምግላጹ  ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚ እንከሎሉ፡ ማይግረይሽን ፖሊሲ' ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ማዝያ 2025  ኣብ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ልዕሊ 683,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተመዝገቡ ንላዕለዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ምግላጻ ምፍሊጣ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግቡእ ስርሑ የካይድ የለን።

ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ግዳይ ምስጓጉን ካልኦት ጸገማት ዝኾኑ ዘለዉ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ እሞ ብብዙሓት ወገናት  ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘፍርሕ ዘሎ ወጥርን   ምትፍናንን እዩ።

ኣብ መስርሕ ናይዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መሰረታዊ ሸቶ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከም ዝራኽብ ዝሳሓት ኣይኮነን። ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መቓብር ዲክታተርነት ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካል፡ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታትን መሰረታዊ መሰላትን ምግጋጽን ምዕቃብን  ዝብሉ ናይቲ ሓባራዊ ሸቶ መርኣያ እዮም።

ናብዚ ዝተጠቕሰ ቅድሚት ዝስራዕ መባእታዊ ዘሰማምዕ ዓላማ ንምብጻሕ፡ ዓቕምና ንምእካብ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ኩልና ሓይልታት ለውጢ እምንቶ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ክሳብ ሎሚ ዝኸድናዮ ከኣ ክንድቲ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተዘይኮነ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተቐስመሉ፡ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ምንባሩን ምዃኑን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ እውን ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ፖለቲካዊ ባእታታትን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብዘውጽእዎ ኣዋጃትን ዘስምዕዎ መደረታትን ንወሳኒ ኣድላይነት ናይዚ ናይ ሓባር መድረኽ ከይጠቐሰ ዝሓልፍ የለን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጉዳይ ዝዕወት ስለ ዝመደርካሉ፡ ዝደገፍካዮን ዝበሃግካዮን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል ብቑዕን ቅሩብን ዓቕሚ ኰንካ ምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ዝተመሃርናሉ መስርሕ  እዩ።

ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡  “ስለምንታይ ዳኣ ክሳብ ክንድዚ ኩልና እንደልዮን  እንኽእሎን እንከሎ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወትናዮ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ዝኸውን። ነዚ ሕቶ መልሲ ክርከበሉ’ውን መተካእታ የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ሎሚ’ውን ከም ቀዋሚ ኣጀንዳና ወስዲና ንቃለሰሉ ዘለና። እቶም ኣብ ዙርያዚ መሰረታዊ ሕቶ እንዋሳእ ዘለና ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን፡ ኣወዳድባና በበይኑ እዩ፡ ገሌና ሰልፊ ገሌና ውድብ ከምኡ እውን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን። እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እውን ጐነጻዊዶ ዘይጐነጻዊ እናተባህለ  ከም ዝፈላለ ርኡይ እዩ።

በዚ ኮነ በቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ንወደብን፡ ዝኾነ ኣገባብ ንክተልን  ሸቶና ኣብ ኤርትራ ልዕልና ህዝብን  ፍትሓዊ ምሕደራን ዘረጋግጽ መሰረታዊ ለውጢ ኣምጺእካ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዘውሓሰት ኤርትራ ምግሃድ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣቐዲምካ ክረአ እንከሎ፡ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ቀዳምነታትካ ብጥንቃቐ ሰሪዕካን ዋላ ኣብ ዝወሓደ ነጥብታት  ኣብ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትስጉምን ፍልልያት ከተጽብብን ዘይምብቃዕ ዘርኢ፡ ካልእ ናይ “እናደለኻዮን እናከኣልካዮን” ናይ ዘይምዕዋቱ ኣብነት ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ  ንከይንዕወት ይዕንቅፉና ካብ ዘለዉ ቀንዲ ጠንቅታት፡ “ነቲ ዝፈላልየካ ዝያዳ’ቲ ዘሰማምዓካ ምትዕብባይን፡ ንፍልልያት ግዜ ሂብካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትፈትሖም ዘይምኽኣልን እዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይምጥራይ፡ ናብ ህዝቢ ሓቢርካ ዘይምቕራብ፡ ዕቱብ ገምጋም ዘይምክያድ፡ ንሓድሽ ምዕባለ ዝምጥን ሓሳብ ዘይምንጫው፡ እስትራተጅን ሜላን ምድብላቕ፡ ንብዙሕነት ውዳበታት ከም ሓደጋ ምርኣይ፡ ሓቀኛ ምትእምማን ዘይምጥራይን ዝኣመሰሉን እውን ቅድሚ ሕጂ ብውድባት ኤርትራ  ብሓባር ዝተገምገሙ ክድገሙ ዘይግበኦም ሕጽረታት እዮም።

እቲ ካልእ ጐሊሑ ክረአ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ጉዳይ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሐ ኣውንታዊ ተመኩሮን ጥጡሕ ባይታን ብምውሳኽ  ዋጋ ብዝተኸፍሎ ናይ ተመክሮ ጸጋ ምጥቃም፡  ኩሉ ግዜ “ሓደ” ኢልካ ጀማሪ ናይ ምዃን ዝንባለ ምርኣይ ወትሩ ዝጥቀስ ክእረም ዝግበኦ ድኽመት እዩ። ኣብ መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ናይቶም ተዋሳእቲ ሰልፍታት ይኹን ውድባትን ማሕበራትን ውሽጣዊ ዓቕምታት ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ዝምስረት ጽላል ዓቕሚ እኩብ ድምር  ናይቶም ዘቑምዎ ኣካላት ዓቕሚ ስለ ዝኾውን። እቲ ቅኑዕ መዋጽኦ ከምኡ እናሃለወ፡ ኣብ ኣድላይነት ናይተን ኣብ መስርሕ ቃልስን ተስፋ ኣብ ዝህብ ፈተነታት ምምስራት ጽላልን ዝርከባ ውዳቤታት ዕቱብ ዘተባብዕ መርገጽ ዘይምሓዝ ዘይሩዘይሩ ኣብ ምምስራት ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ዘይሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ዝመልስ ዝንባለ’ውን እዩ።

ካብኡ ብዘይፍለ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይቶም ሰብ ጉዳይ ለውጢ ከተምጽእ ምጽዓት፡ ኣወዳድባታትን ኣሰያይማ ጽላላትን ኣተኲርካ  ለውጢ ከተምጽእ ምህቃን መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ስጉምቲ ሓላፍነት ወሲድካ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዝሕግዝ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከተተኣታቱ ምብቃዕ ምዃኑ፡ ካብ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ ምምስራት ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ካለኦት ንኡሳን ምሕዝነታትን   ምትሕንፋጻትን ዝተመኮርናዮ እዩ።

ሓቢርካ ምቅላስ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ  ናይ ለውጢ ቃልሲ ብጽሒቱ ወሳኒ ምዃኑ ንሕና እንርደኦ እቲ ብሓድነትና ዝርዕድ ህግደፍ’ውን ዝግንዘቦን ንከይዕወት ውዲታት ዝኣልመሉን እዩ። ብሓባር ምቅላስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ናይ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ምህላውናን ዘይምህላውናን እውን ወሳኒ እዩ።  “ተኸኣኢልኩም ብሓባር ተቓለሱ” ዝብል መጸዋዕታ ልዕሊ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕጽንታ ምዃኑ  ምስትውዓል’ውን  የድሊ።

 ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንኤትራዊ ልኡላውነት ዝደናደን ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ተርእዮ ክቕልቀል እንከሎ፡ ናይ “ኣይፋል ንዓመጽ እወ ንልኡላውነት” መልእኽትና ትርጉምን ዓቕምን ክህልዎ ሓቢርካ ምስላፍ ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳትና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንከተድምዑ ሓቢርኩም ዘይትንቀሳቐሱ” እንበሃሎ ከኣ ነዚ ዘምልክት እዩ። እቲ ካልእ ገዲፍና ኣብቲ ጐረባብትናን ዞባናን ዝኽሰት  ዘሎ  ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  ትርጉም ንክህልወና ነቲ ክሳብ ሎሚ እናኣመናሉን እናደለናዮን ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ምቅላስ ብሓድሽ መንፈስን ድሉውነትን ምትግባር  ሎሚ’ውን ምርጫ ዘይኮነ ግደታ እዩ።

Page 10 of 608