ሓርበኛታት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን

ሃገራት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ተማቒለን ተፈጥሮኣዊ ሃብታን ሓይሊ ሳባን ንምምዝማዝ፡ ብ1884 ኣብ ኮንፈረንስ በርሊን ወሲነን።  ድሕሪ’ቲ ውሳነ ኢጣልያ ካብተን ናብ ኣፍሪቃ ዝወረራ 7 ሃገራት ኢውሮጳ ሓንቲ ኮይና፡ ንኤርትራ፡ ሊቢያን ሶማሊላንድን ጐቢጣተን። ነቲ ሩባቲኖ ዝተባህለት ኢጣልያዊት ኩባንያ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ብ1869 መሬት ብምግዛእ ዝጀመረቶ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ተኸቲላ ብ1890 ንኤርትራ፡ ምስዚ ሒዛቶ ዘላ እሞ ብዝተፈላለዩ ውዕላት’ውን ክጸንዕ ዝጸንሐ፡ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን ገማግም ቀይሕ ባሕራን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣወጀት። ኣብ ኤርትራ እግሪ ብምትካል ድማ ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕማ ኣዕበየት።

ኤርትራ ምስ ኣዝዩ ውረድ ደይብ ዝመለኦ ኩለ-መዳያዊ ምረት መግዛእቲ፡ ክሳብ መወዳእታ 2ይ ውግእ ዓለም 1941 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ጸኒሓ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ናይተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳያን ዝጸንሓ ኣስታት 22 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነጻ ሃገራት ኮይነን ክቕጽላ  ክውስን እንከሎ፡ ብሓፈሻ ናይተን ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ዝጸንሐ ሊቢያን ሶማሊያላንድን ብፍላይ ከኣ ናይ ኤርትራ መጻኢ ዕድል ኣከራኻሪ ኮይኑ ቀሪበ። እቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ’ታ ንኢጣልያ ዝሰዓረት  ብሪጣንያ ብሕድሪ ክትጸንሕ ሕቡራት ሃገራት፡ ወሰነ። በዚ ከኣ ኤርትራ ካብ 1890 ክሳብ 1941 ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መግዛእቲ ኢጣልያ፡  ክሳብ 1950 ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንያን  ጸንሐት። እቲ መግዛእታዊ ቅርጽን ዶብን ሃገራት ኣፍሪቃ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ እውን ኣብ’ቲ  ካብ 17-21 ሓምለ 1964 ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ  ኣኼባኡ ኣጽዲቕዎ’።

ኤርትራ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት፡ ብቐጥታ ነጻ ዘይኮነትሉ ምኽንያት፡ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ቅድመ-ውራር ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ዝነበረ መስፍናዊ ወራር ከም ምኽንያት ፈጢሩ፡ ኤርትራ “ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ዝብል ጥርዓ ብምቕራቡን  ምስቲ እቲ ንጉሰ ምስ ኣሜሪካን ካለኦት ሓያላት ሃገራት ዝነበሮ ዝምድናን ብምምዝማዝ ብዝፈጠሮ ዕንቅፋት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ሓደ ወገን እቲ ርኡይ ዝነበረ ታሪኻዊ ክውንነት ኤርትራን ናይ ህዝባ “ነጻነተይ ይከበረለይ” ዝብል መርገጽን፡  ናይ ኢትዮጵያ ገባቲ ሕቶን ካብ ዘጋጠሞ ወጥሪ ዘውጽኦ መፍትሒ ንምርካብ፡  ብዙሕ ፈተነታትን ውረድ ደይብን ኣካይዱ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ሻራነት  ኤርትራ ነጻ ክትከውን ኣይከኣለት። 

ድሕሪዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ስርዓት ሃይለስላሰ ብምድላው፡ ኣብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ዘይነበረ፡ ብ2 ታሕሳስ ኣብ 1950፡ 390 (V) ብዝፍለጥ ውሳነ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደረሽን ክቑረናን ድሕሪ 10 ዓመታት ድማ ኣብ ኤርትራ ረፈረንዱም ክካየድ” ኣፍለጠ። መስርሕ ፈደረሽን ቅድሚ ምትግባሩ፡ ኤርትራ ናታ ቅዋምን ዝተመርጸ መንግስትን ክህልዋ ስለ ዝነበሮ፡ ብ11 መስከረም 1952፡ 99 ዓንቀጻት ዝነበሮ ሕገመንግስቲ ኤርትራ ተዳለወ። እቲ ብ10 ሓምለ 1952 ዝተመርጸ 68 ዝኣባላቱ ባይቶ ኤርትራ ከኣ፡ ነቲ ዝተዳለወ ሕገመንግስቲ ብ11 ነሃሰ 1952 ኣጽዲቕዎ።

ድሕሪኡ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ15 መስከረም 1952 ብወግዒ ክትግበር ጀሚሩ። በቲ ቅዋም መሰረት ፓርላማ ኤርትራ ኣብቲ ወርሒ ንኣቶ ተድላ ባይሩ ከም ቀዳማይ ፈጻሚ ጉዳይ ኤርትራ ክመርጽ እንከሎ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ  ብወገኑ ነቲ ፈደረሽን ከም ዝተቐበሎ ብምጥቃስ፡  ብ30 መስከረም 1952 ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ፍርዳዊ መስርሕ ናይ መወዳእታ ብይን ዝረክብ ኣብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝሕብር   ኣዋጅ ኣውጺኡ። 

ባይቶ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ናይ ሃይለስላሴ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ኤርትራ ኢድ ምእታዉ ንዘመልክት ኣዋጅ ብምቅዋም፡ ብ22 ጉንበት 1954 መግለጺ ኣውጺኡ። ስርዓት ሃይለስላሴ ንስምምዕ ፈደረሽን ናይ ምጥሓስ ተግባሩ ንምቕጻል፡ ውዲታት ብምእላም፡ ኣቶ ተድላ ባይሩ ካብ ስልጣኑ ናይ ምስንባት ሕቶ ንከቕርብ  ብምግዳድ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1955 ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝለቅቕ ገይሩ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሃሰ ከኣ ቢትወደድ ኣስፈሃ ወልደሚካኤል ብኢድ ኣእታውነት እቲ ንጉሰ፡ ንኣቶ ተድላ ባይሩ ተከኦ። እዚ ኢድ ኣእታውነት ናይ’ቲ ንጉስ፡  እቲ ፈደረሽን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ዘግሃደ ኮነ። ሳዕቤን ናይቲ ጥሕሰት ሓደገኛ ምዃኑ ብምርዳእ ዝተቓወምዎ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ምንባሮም’ውን ታሪኽ ይምስክር።   

ጐኒ ንጐኒ ናይቲ ጥሕሰት፡ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ንኤርትራ መሊኡ ናብ ምጉባጥ ይመጣጠር ከም ዝነበረ ዝተረድኡ ኤርትራውያን ንቀጻሊ ቃልሲ ምድላው ጀመሩ።  ምምስራት “ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ” ብ1958 ኣብ ፖርት ሱዳን፡  ናይዚ ሓደ መርኣያ ነይሩ። በዓል ኣቶ ወልደኣብ ው/ማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ክሳብ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቦም ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረብዎ  ስምዕታ’ውን ታሪኽ ዝመዝገቦ ዲፕሎማሲያዊ ተጋድሎ እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ብ1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳራ፡ ብ1960 ኣብ ካይሮ ምምስራታ’ውን ተወሳኺ መርእያ ህዝቢ ኤርትራ ፈደረሽን ከምዘይቅጽል ተረዲኡ፡ ካልእ ምርጫ ክወስድ ምውሳኑ ዘመልክት ኮነ።

ፈደረሽን ን10 ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ፡  ረፈረንዱም ከይካየድ’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ከይእውጅ፡ ክሰግእ ዝጸንሐ ንጉሳዊ ቤት ምኽሪ  ሃይለስላሰ፡  ብ14 ሕዳር 1962 ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ወሰነ እሞ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ከኣ ንኤርትራ መበል 14 ጠቕላይ  ግዝኣቱ ክትከውን ከም ዝጓዕጸጻ ብወግዒ ኣወጀ። በዚ ከኣ ኤርትራን ህዝባን ብመንገዲ ፈደረሽን ክረኺብዎ ጀሚሮም ዝነበሩ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ተጠልመ። እዚ ጥለምት ንውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ዝምልከት ክነሱ፡ ።  እቲ ባይቶ ንውሳነኡ’ውን ኣይተኸላኸለን።    

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝተሓላለኸ መስርሕ፡ ዝተጠልመ ኤርትራዊ ሃገርነቱ ብቃልሲ ካብ ምምላስ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ 1961 ክሳብ 1991  ብዘካየዶ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ  መግዛእቲ ብምስዓር ተዓዊቱ። ብ1993 ድማ ኣብ ህላወ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ብዘካየዶ ረፈረንዱም፡ ኤርትራ ዝተጠልመ ነጻነታ ኣምሊሳ፡ ልኡላዊት ሃገር ኮይና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ተመዝጊባ።

ስለዚ እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ታሪኻዊ መስርሕ ቃልስን ዓወትን ህዝባ ብምዝንጋዕ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተገንጸለት ገይሮም ዝወስድዋ፡ ተረድኦኦም ግጉይን መሰረት ዝሰሓተን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ብመሰረት’ቲ ብ1995 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡  ብዓንቀጽ 39 ዝተፈልየት፡ ከምኡ እውን ብጽቡቕ ድሌት ኢህወደግን መራሕቱን ልኡላዊት ሃገር ከም ዝኾነት ኣምሲሎም ከረድኡ ዝፍትኑ፡ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ኤርትራውያ፡ “ግጉይ ውሳነ ምእራም” ብዝብል ስምዒት ንድሕሪት ክመልስዎ ዝሕልኑ ምህላዎምን ከኣ ዘደንጹ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘስደምም ከኣ ኣመጻጽኣ ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን  ቀሊልን ስንኩፍን ኣምሲሎም የቕርብዎ’ሞ፡  ንድሕሪት  ምምላሱ’ውን ቀሊል  ገይሮም ዝርድእዎ ወገናት ምህላዎም እዩ። ነዚኣቶም ኢና ከኣ “ኣይፋልኩምን መንገድኹም ግጉይ’ዩ”   እንብሎም ዘለና።

ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዝላንድን ብ27 ሓምለ 2025 ተኻይዱ። ነቲ  ብኣላይነት ሓብቲ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝወደበ፡ ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ።  ኣብዚ ኣኼባ፡ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ፖሓኤ ዘካየዶም ስረሓትን  ኣሰናዳዊት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 03 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025ን ዝተበጽሔ ምቅርራብን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይድሉ።

ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ናይ 27 ሓምለ 2025 ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን  እውን ይካየድ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣብቲ መብርሂኡ፡ ዕላማታት ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ብዝርዝር ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ ንጥፈታት ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን ኣብሪሁ።  ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም  መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝዕመም ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡  ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሓሰ 2025 ዝካየድ  ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡  ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ  መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ንዓወት እቲ ፈስቲቫል ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ንዝገበሩ ወገናት ኣመስጊኑ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ከኣ ህልዊ ምዕባለ ኣብ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ንመጻኢ ፈስቲቫላት ንምዕዋት ትኹርት ክግበረሉ ኣለዎ ዝብልዎ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ለበዋታትን መተሓሳስባታትን ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።

ኣብ መጠረስታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ቅርዓት ፍጻመ ዘሎ ፈስቲቫል 2025 መሊኡ ንኽዕወት ብዘለዎ ሓልዮትን መርኣያ ተሳትፍኦምን፡ ብወገኖም እውን ሓያል ናይ ገንዘብ ወፍያታት ኣበርኪቶም ኣኼባ ብትስፉው መንፈስን ናይ ቃልሲ ኒሕን  ተደምዲሙ።

ኣብ 19 ሓምለ 2025 እውን ምስ ካብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድ ወጻኢ ዘለዉ ዞባታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተመሳሳሊ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

“ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘሎ ወጥሪ  ንምውጻእን ንዝሓሸ መጻኢን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰፊሕ ጽሑፍ “ሆርን (HORN)” ኣብ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ25 ሓምለ 2025 ተዘርጊሑ’ሎ። እቲ ጽሑፍ ብስም ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ መራሒ ኮሚተ ዲፕሎማሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ምስ ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ጽሑፍ ነብሱ ዝኸኣለ ትካል እምበር፡ ብውልቀሰብ ዝተዳለወ ኣይመስልን።

እቲ ጽሑፍ ንኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ፈረንሳን ጀርመንን ሓደ እዋን ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ዝፈተሓሉ ኣገባብ የመሳስሎ። ብዘይካዚ እቲ ጽሑፍ ኤርትራን ገማግም ባሕርን ካብ ግዝኣት ቱርኪ ጀሚሩ ክሳብ ምምጻእ ኢጣልያ ዝሓለፎ  ብምዝርዛር ይጅምር።

ካብዚ ሓሊፉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ ኣብ ፈደረሽን ከም ዝወደቐ ይጠቅስ። እንተኾነ ናይ ሽዑ ናይ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ሕገመንግስትን ምስቲ ንጉሳዊ ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ዘይሰማማዕ ምንባሩ’ውን ይሕብር።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራን ትግራይን ማዕረመዕረ ሰሪዑ እናገለጸ ክሳብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ይበጽሕ እሞ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ከምቲ ዝበሃሎ ዝነበረ ናይ ባድመ ወይ ዶብ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ናይ መን ዓብለለ ውድድር ገይሩ ይገልጾ። ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ነጻነት ኢትዮጵያውያን ናይ ምዝኽታም ስምዒት ከም ዝሓደሮም ድማ የስፍር። ነቲ ውግእ ኣለዓዒሎም ካብ ዝብሎም ከኣ ነቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዝነበረት ቁጠባዊ ምዝመዛ ንምግታእ በቲ ሓደ ወገን ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ ምትእትታው በቲ ካልእ ወገ ከኣ ኣብ ትግራይ ናይ ቀረጽን ግብርን ስርዓት ምሕያል ኢሉ ይጠቕሶ። እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንልዕሊ 18 ዓመታት ኩነተ-ኣይሰካም ኣይውግእ ከም ዘኸተለ ድማ ይዝርዝር።

እቲ ነዊሕ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ሓድሽ ዝምድና፡ ብዛዕባ ውግእ ትግራይን ውዕል ፕሪቶርያን ምስ ተንተነ፡ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡ ጸጥታን ምክልኻልን ከምኡ ድማ ቱሪዝምን ባህልን ምውህሃድ ክፍጠር ኣለዎ ይብል እሞ ብዛዕባ ነፍሲ እዞም 4ተ ሰክተራት ከኣ ሰፊሕ ትንተና የቕርብ። ብፍላይ ንወደ ዓሰብ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘስፈሮ፡ ናይ ሓባር ላዕለዋይ ኣካል ይቐውም ይብል እሞ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምምዕባልን ናይ ምምሕዳርን መሰል ይህልዋ ዝብል ሓሳብ የስፍር። ነዚ ንምትግባር ከኣ ግደ ዓለምለኻዊ ትካላትን ኣካላትን ዕዙዝ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኣብቲ ጽሑፍ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት፡ ክትግበ ኣብ ዘሎ ተኽእሎ ስግኣቶም ይገልጹ። እዚ ጽሑፍዚ ኣብ መጎ ኢልቲኦም ወገናት ናይ ምዝታይ ዕድል እንተተረኺቡ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ዝቐርብ እማመ መበገሲ ከም ዘመልክት እውን ይግምቱ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ

ሶማሊያ ኣብ ገማግም ባሕራ ንክካየደ ተመዲቡ ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ዝሳተፈኦ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ ንክትሳትፍ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ “ምጥሓስ ናይ ዓለምን ሶማሊያን ሕጊ ማያዊ ልኡላውነት እዩ፡”  ብዝብል ከም ዝነጸገቶ “ሂራን ኦንላይን (HIRAAN ONLINE)”  ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ20 ሓምለ 2025 ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጠባባቒ ሓይሊ ኣዘዝቲ ኮንፈረንስ እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ፡ መንግስቲ ሶማሊ ነዚ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብቲ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ዝነጽግ መገግለጺ ዘውጽኤ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ተሳትፎ ሕቶ ምስ ኣቕረበት ምዃኑ ሓቢሩ። ቃል ብቓል ከኣ “ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ማያዊ ግዝኣትና ሓይሊ ባሕሪ ከተንቀሳቕስ ኣይንፈቅድን ኢና። ምኽንያቱ ሶማሊያ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ልኡላውነታ ስለ እትዕቅብ ናይ ኢትዮጵያ ምስታፍ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጥሕስ ስለ ዝኾነ”  ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ መግለጺ ናይቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኢትዮጵያ ኣብ መቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ኣኼባ፡ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም ሶማሊያ ሓይሊ ባሕራ ከተሳትፍ ዘቕረበቶ ርኢቶ፡ ምስቲ ብ1 ጥሪ 2024 ሓይሊ ባሕሪ እተስፍረሉ ገምገም ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሃሳብ ዝተሓሓዝ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ማያት ሶማሊያ ክንቀሳቕሶ ዘኽእል ዝኾነ ይኹንናይ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ኮነ ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዘየለ ብሰፊሑ ምጥቃሱ እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።

ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምሕርፋፍ ጠንቂ፡ ኢትዮጵያ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ መቃድሾ ምስ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምስምመዓ እሞ፡ መቃድሾ ከኣ ነቲ ተግባር ምግሃስ ልኡላውነተይ እዩ ብዝብል ብኣዋጅ መልክዕ ብምስራዝ ስለ ዝተቖጠዐት ምዃኑ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝካየድ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ማያዊ ልኡላውነት ሶማሊያ ንምድልዳል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተንጸባሪቑ።

ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ዘማእክሎ ሰፊሕ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ19 ሓምለ 2025 ተኻይዱ።  ኣብቲ ብኣላይነት ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ፖሓኤ ዝተኻየደ  ኣኼባ፡ ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ዘካየዶም ስረሓትን ብዛዕባ  ኣሰናዳዊት ሽማግለ ፈስቲቫል  ኤርትራ ፍራንክፎርት 2025ን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ምይይጥ ተኻይዱ።

ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ዞባታት፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳ፡ ሱዳን፡ ኣወስትራሊያን ኢትዮጵያን ይካየድ ከም ዘሎን ኣብ ትሕቲ እተን ዞባታት ከኣ ጨናፍር ከም ዝህልዋ ኣብሪሁ።

ካብ ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ሕድሕድ ናይተን ፖሓኤ  መስሪተን ዘለዋ ኣካላት ግቡእ ምልላይን ስጥመትን ክህሉ ምግባር፡ ኣባላት ኣብ ዘዘለዉዎ ከባቢ  ህዝባውን ማሕበራውን ባይታ ዘጣጥሕሉ ኩነታት ምፍጣር፡ ምስ ኣብያተ-ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ተቐራሪብካ ምስራሕን ናይ ኩለን ኣባላት ኣብ ዘየብሉ ከባቢ እቶም ዘለዉ ናይ ፖሓኤ ውክልና ዝወስድሉ ኣሰራርሓ  ምሕያልን ዝብሉ ከም ዝርከብዎ’ውን ሓው ተስፋይ ኣስፊሑ  ገሊጹ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣብ ኩለን ዞባታት ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ብዝምልከት  ዝበጸሖ ጸብጻባት ብምጥቃስ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ምምሕዳራት ናይተን ዞባታት ከኣ ተወሰኽቲ መብርህታት ሂቦም። ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም  መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዞባ ዝስራሕ ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡  ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሃሰ 2025 ዝካየድ  ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡  ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ  መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት ዘይበርሃሎም ጉዳያት ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ሓሳባት ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።

Saturday, 19 July 2025 10:14

Exemplary Kindness of Youth Rahel Araia

Written by

A 26-year-old Eritrean American, Rahel Araia, had recently hosted her own birthday party. Out of the box thinking, she took the opportunity to fundraise for a righteous cause, independence war disabled and for young girls at Wadi-Sherifoy refugee school in the Sudan. The reportage we received from the USA confirmed, Ms. Araia split the funds she raised, 40% for the disabled and 60% to the young girls in Wadi-Sherifoy school.

Rahel came to learn about the above-mentioned recipients through her parents. When she shared the background information about the disabled and young school girls via a narrative video with her close friends and invited guested, they were touched and said they were very proud to participate in such righteous cause.

Rahel’s kindness won’t be measured by monetary contributions only. It is also measure by the lasting impressions of humanitarian and exemplary message it leaves with the Eritrean youth and their families.

In conclusion, giving to the needy parts of our community should not be about the quantities or qualities of the offer. It rather should be about the message it sends to the recipient. By recognizing the needy part of our community, we want to remind all to follow Rahel’s exemplary work of kindness.

እድሪስ ሑመድ ብዝተባህለ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ዝተሳእለ

ኣብ ክልል ዓፋር ኢርታለ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብ ቦታ፡  እሳተ-ጐመራ ብተኸታታሊ ይተፍእ ከም ዘሎ፡ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ናይ ክፍሊ ጂኦለጂ ሓላፊ፡ መምህርን ተመራማርን፡ ኖራ ያኒሚኦ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ነትጒ እሳተ-ጐመራ ተፈጢሩ ሓያል ጸሊም ደሮና ከም ዘኸተለን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእልን  ብምርግጋጽ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝመላለስሉ ኣዝዩ ተሃዋሲ ቦታ፡ እቲ ነትጒ ከጋጥም ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግና፡ ዝሓየለ ብምዃኑ ናብቲ ከባቢ ቀሪቦም ምስልታትን ቪድዮታት ዝቐርጹ ወገናት ጥንቃቐ ንክገብሩን ክዕገሱን እቲ ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባዚ ክስተት ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ክኢላታት ናይቲ ተረኽቦ ይወኻኸስሉ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ዜና  ተጠቒሱ።

እዚ ናይ 15 ሓምለ 2025 ክስተት፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምስንጣቕ መሬት ኣኸቲሉ ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣህጉራዊ ፕሮግራም ነትጒ መሬት ብወገኑ  ነቲ ተርእዮ ተኸታቲሉ ዝምዝግቦ ዘሎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ እዩ።

መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ብ16 ሓምለ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ  መቐለ ኣትዩ። ናይቲ ብፕረሲደንት እስላማዊ ጉባአ ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝተመርሐ ልኡኽ ተልእኮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቅድሚቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡  መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ዲፕሎማትን ምእንቲ ሰላም ጻዕሪ ንከካይዱ ብዘቕረብዎ መጸዋዕታ መሰረት፡ ሰላማዊ መፍትሒ ናይ ምርካብ ጻዕሪ ምክያድ  እዩ።

እዚ ልኡኽ ነቲ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ንምህዳእ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ሆቴል ፕላነት  ምስ ፕረሲደንት  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣባላት ካቢነኡን፡፡ ምስ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኡ ከኣ ምስ መራሕቲ ናይታ ሕጋውነታ ብናይ ምርጫ ኮምሽን ተሰሪዙ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ህወሓትን ተራኺቡ ተመያይጡ።

እቲ ልኡኽ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገስ እንከሎ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ጀሚሩ ክሳብ ኩሉ ኣኼባቱ ዝፍጽም ምንቅስቓሳቱ  ንመዲያ ዕጽዊ ክኾነሉ ስለ ዝተኻየደን  ብኩሎም ወገናት መግለጺ ስለ ዘይተዋህበን ዝርዝር ውጽኢት ናይቲ ዘካየዶ ርክባት ኣይተሓበረን።

ውሑዳት ወገናት’ኳ ካብቲ ርክባት ኣውንታዊ ውጽኢት ዝጽበዩ እንተኾኑ፡ ናይ ብዙሓት ግምት ግና፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየደ ዘሎ ናይ ቃላት ዝለዓለ ምስሕሓብ፡ እዚ ናይዞም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ጻዕሪ ካብ ዳግማይ ውግእ ከድሕንዩ ዝብል ተስፋ የብሎም።  

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ጽላል ዝተባህለ ብጉዳይ ተመዛበልቲ እትሕለቕ ሲቪላዊ ማሕበርን በብወገኖም  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ማርያ ሄማንደዝ ስፐይናዊት ክትከውን እንከላ ቴድሮስ ገብረማርያምን ዮሃንስ ሓለፎምን ከኣ ተጋሩ’ዮም

ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ብ24 ሰነ 2021 ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣባላቱ ዝምልከት መጽናዕቲ ዛዚሙ ከም ዝዘርግሐ ብዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ግዳይ ዝኾኑ ናይቲ ትካል ኣባላት፡ ማርያ ሄማንደዝ ጋል 35 ዓመት፡ ቴድሮስ ገብረማርያም ወዲ 32 ዓመትን ዮሃንስ ሓለፎም ወዲ 31 ዓመትን ዝተባህሉ ምዃኖም እውን ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ  ጠቒሱ።

እቲ ቅትለት እቶም ግዳያት ሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ምዃኖም እናተፈለጠ፡ ኣብ ማእከል መንገዲ  ኮነ   ኢልካ ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ፡ በቲ ቅትለት ዝሕተት ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

እቶም 3 ግዳያት ኣብቲ ዝተቐትልሉ እዋን ናይቲ ትካል ወግዓዊ ምልከት ብዝነበራ መኪና እናተጓዕዙ ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ  ኣብ ከባቢ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብውግእ ንዝተጐድኡ ሰባት ሕክምናዊ ረዲአት ክህቡ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ መኪናኦም ተዓጊታ ጠጠው ምስ በለት ከም ዝተቀትሉ እቲ ትካል በቲ መምርመራዊ መጽናዕቱ ኣቃሊዑ። ትካል ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል  ትግራይን ኣብቲ ምጽራይ ክሳተፉ’ኳ ብቐጻሊ ክጽዕር እንተጸንሐ ቃል ካብ ምእታው ሓሊፉ ዘዕግብ መልሲ ከምዘይረኸበ   ኣስፊሩ።

ፓውላ ጊል ሊይቫ ፕረሲደንት ትካል ሓካይም ብዘይዶም፡ ዋላኳ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ውጽኢት መርመራ ንክወሃቦም ብተደጋጋሚ ቓል እንተ ተኣትዎሎም፡ ፖለቲካዊ ቅሩብነት ስለ ዘየለ እቲ ዝተጽበይዎ ከምዘይተረኸብዎ ጠቒሳ። ብሰንክዚ ምድንጓይ ንቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ኮነ ንኣባላት ናይቲ ትካል  ብቑዕን ወግዓውን መልሲ ምሃብ ከምዘይተኻእለ እውን ኣስፊራ። በዚ መሰረት እቲ ትካል ባዕሉ ዘካየዶ   መጽናዕቲ  ንክገልጽ ከም ዝተገደደ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ እቶም ግዳያታ ናይቲ ትካል ኣርማ ዘለዎ ጻዕዳ ክዳን ሰብ ሞያ ሕክምና  ለቢሶም ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እዚ እናረኣኻ ዝተኻየደ ቅትለት ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ከምዘብጸሖም እውን ተሓቢሩ። ደጋጊምካ ብምትኳስ ምቕታሎም ድማ  ብገርሂ ዘይኮነ ኮነ ኢልካ  ዘተፈጸመ ምዃኑ ዝያዳ ከም ዘረድእ በቲ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ ተባሂሉ።

ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ምክትል ሓላፊት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ኣንበሳደር ስዑድያ፡ ኣንበሳደር ኢማራት፡ ኣንበሳደር ግብጺ

ዝተወሰና ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ዝለዓለ ጉጅለ፡ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መጀምርያ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ዝጀመሮ መስርሕ ከም ዝተዓንቀፈ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ዕንቅፋት ዝተፈጥረ ግብጺ ኣብቲ ርክብ ወኪል ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ክሳተፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብምቕራባን ኣሜሪካ ከኣ ንርኢቶ ግብጺ  ብምንጻጋን  ምዃኑ ተሓቢሩ።

ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ብጉዳይ ሱዳን ዝተጋብአ ጉጅለ ኣባላት፡ ወከልቲ  ኣሜሪካ፡ ሳዑድ ዓረቢያ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን  ግብጽን ክኾኑ እንከለዉ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ከኣ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምርካብ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ፍሉይ መርገጺ ናይታ ንመንግስቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርትራን ሱዕድያን ኮይና ብቐረባ እትድግፍ ግብጺ፡ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ከምዘይከኣለ ሓደ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፈ  ዲፕሎማት ኣፍሊጡ።

ኣሜሪካ ብሰንክቲ ኣብ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ  ዘለዎም ኣሉታዊ ግደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተፈላለዩ እገዳታት ዝንበረትሉ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ መድረኽ ንክሳተፍ ዝቐረበ ናይ ግብጺ ርኢቶ ብትሪ እያ ተቓዊማቶ። ኣሜሪካ ኣብ ርእሲዚ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ጅነራል ኣልቡርሃን፡ ነቲ ብሰንኪ ናይ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሱዳን ዝተወገደ ሲቭላዊ መንግስቲ ወከልቲ ምዕዳም ከም ዝምረጽ’ውን  ሓሳብ ኣቕሪባ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ሲቪላውን ፖለቲካውን ሱዳን፡ ኣብ ካልእ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ኣፍሊጣ። እቶም ሲቪላውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብ ሱዳን ኣብቲ ርክቦም፡ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ክሳብ ምጽናት ዓሌት ዝበጽሕ ሜላዊ መጥቃዕትታት ዝሕብር ሰነድ ከም ዘቕረቡ ድማ ተፈሊጡ።

እዚ ኩነታት ዘመልክቶ፡ ሱዳናውያን ጉዳዮም ባዕላቶም ብሰንኪ ክፈትሑ ዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ኢድ ናይ ግዳም ሓይልታት ወዲቑ ይተሓላለኽ ምህላዉ እዩ።

Page 1 of 155