ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ኣብ ክልሉ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዘተ ንምፍታሕ የኽእል ዝበሎ መግለጺ ብ11 መስከረም 2022 ኣውጺኡ። ኣብቲ ብመንገዲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ድምጺ ጥይት ዘይሰምዓሉ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣድላይ ዘበለ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ቀረብን ዘይስእነሉ  ኩነታት ክፍጠርን ተዛማዲ ሕሰማትን ስቓይን ክውገደሉን ጽኑዕ እምነቱ ምዃኑ ኣስፊሩ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡  ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ዘተኣማምን መስርሕ ሰላም ክቕጽል ከም ዝድግፍ ጠቒሱ፡ ሓባራዊ ህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ምባል  ክካየድን በዚ ኣቢልካ ምቹእ ናይ ዘተ ሰላም ኩነታት ንምፍጠርን ብወገን ክልል ትግራይ ቅሩብነት  ከምዘሎ ሓቢሩ። ምሉእ ብምሉእ ነቲ ጸገም ብሰላም ናብ ምፍታሑ ክብጻሕ ደጋጊሙ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ በይናዊ መግለጺ ምውጻእ ቀንዲ ዕላማ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ምርግጋጽ ምኹኑ ድማ ኣስፊሩ።

መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ “ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ውጽኢታዊ መስርሕ ንጽበ ኢና” ምስ በለ፡ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ርእሲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ተቐባልነት ዝረኸቡ ኣዛተይቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ኣብ ምህናጽን ዝተበጽሓ ስምምዓት ኣብ ምትግብራርን ዝሕግዙ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ከም ዝህልዉ ሓቢሩ። ኣብ ምውህሃድ እቲ መስርሕ ዝሕግዙ  ኣማኸርቲ ከም ዝህልዉ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ቀጻሊ፡ መፍትሒ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም  ብመንገዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝመጽእ ንተኣማመን ኢና እውን ኢሉ።

ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ቀጺሉ ዘሎ ናብ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጻሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዘሎ ጸገም ብፖለቲካዊ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ናብ ምፍታሕ ከም ዝብጻሕ ኣስፊሩ። ክልል ትግራይ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳአን ብእባልነት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ኣዳልዩ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።

ብወገን ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ መግለጺ የለን። እንተኾነ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይቅድመ ኩነታት ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ ክገልጽ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘውጸኦ መግለጺ ነዚ ናይ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘይቅድመ ኩነት ብኣላይነት ሕብረ ኣፍሪቃ ክዛተ ድልዊ ምዃኑ ደጊፍዎ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንመርገጽ ክልል ትግራይ ደጊፉ፡ ከምቲ ልሙድ ንሓድነት ኢትዮጵያ ከም ዝከላኸል ኣነጺሩ። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ነዚ ናይ ክልል ትግራይ መገልጺ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኤርትራን ካለኦት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘጋድዱ  ወገናትን ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገን ክልል ትግራይኳ ተቐውሞ የጋጥሞም እንተሃለወ፡ ዕድመ ሓላፍነት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወዲ 85 ዓመት፡ ናይ ቅድም መራሒ ናጀርያ ኦሊሰጎ  ኦባሳንጆ ከም ዘናወሐ ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ኣቦመንበር ሙሳ ፋቒ መሃማት ከም ዝሓበሩ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር ኣፍሊጣ። 

ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ ነዚ ዘፍለጡ ኣቐዲሞም ምስቶም ፍሉይ ልኡኽ ተዘራሪቦም ብ10 መስከረም 2022 ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ምዃኑ ተፈሊጡ። ሙሳ ፋቒ ኣብቲ መግለጺኦም ሕጂ እውን ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎም ጠቒሶም።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝገብርዎ ልዝብ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ሓላፍነቶም፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከካይድዎ ንዝጸንሑ ስረሓት ንኢዶም። ኣብ መጻኢ ድማ ምስ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣካላት እናተሓባበሩ ስረሖም ክቕጽሉ ከም ዘተባብዕዎም እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናጀርያዊ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሕ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብተደጋጋሚ ክመላለሱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እውን እቲ ጉዕዞ ሰላም ዘገምታዊ ኮይኑ፡ ናይ ምዕዋት ዕድል ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮ። እንተኾነ ከምቲ ትጽቢቶም ኣይኮነን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብፍላይ ብወገን ትግራይ ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ኮነ ኣብቲ ዝመዘዞም ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከም ዘየብሉ ክገልጽን ናብ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘዳልዉ ክኸሶምን ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ብወገን ክልል ትግራይ እቲ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ኣብ ክንዲ ብፍሉይ ልኡኽ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓላፍነቶም ብምርጫ ንዝተዓወቱ ብዘረከቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር እሁሩ ከኒያታ ክምራሕ እሞ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ዓረብ ኢመረትን  ድማ ክሳተፍዎ  መጸዋዕታ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብሰላም ክፍታሕ ዝነበሮ ተስፋ ተኾሊፉ፡ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ይቕጽል ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ  ድማ ከምቲ ቀደሙ ብብዙሕ ኩርነዓት ብምሉእ ዓቕሙ ተሳትፎኡ ኣብቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ። ምስዚ ግና ሕጂ እውን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ናይ ምቅርራብ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። እንተኾነ  ብወገን መንግስቲ ኣሚሪካ ኮነ፡  በቶም ኣብቲ ሓያል ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ  ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ነዚ ብዝምልከት  ዝተዋህበ  መግለጺ አየለን።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ8 መስከረም 2022 ብደቂ ኣንስትዮ ዝተወደበን ንሰላም ዝጽውዕን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።  እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ  ዘቤታዊ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያውያን ነቲ  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ብሰላም ክፍታሕ ዝጠልብን ተበግሶታት  ተወሳኺ ዓቕሚ ከም ዝኸውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደባ ኢትዮጵያውያን ትካላት፡ መርበብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ እስትራተጅያዊ ተበግሶ ደቂ ኣንስትዮ ቅርኒ ኣፍሪቃን ቲምራን ዝተባህለት ማሕበርን እየን። እዚ በዘን 3ተ ናሕበራት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድላይነት ሰላም፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ብሰንኪ ውግእ ዝኽተል ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዘንጸባርቑ ጭረሓኦታት ሒዙ ከም ዝወጸ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ካብቲ ጭረሖታት “ ብውግእ ዝፍታሕ ዘይምርድዳእ የለን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓውዲ ውግእ ኣይኮናን፡ ውግእ መሳርሒ ዕቤት ዘይኮነ፡ ጠንቂ ጥሜት፡ ስደትን ዕንወትን እዩ” ዝብሉ ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መጸዋዕታ ሰላም፡ ምስቲ 35 ኢትዮጵያውያን  ሲቪል ማሕበራት ብ7 መስከረም 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣክይደን ብዘውጸአኦ መግለጺ ዘቕረበኦ ተመሳሳሊ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ካለኣይ ተበግሶ እዩ። እተን 35 ሲቪል ማሕበራት  ብደረጃ ኣኼባ ኣብ ዘንጸባረቐኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሰላም ንክሰፍን ውግእ ጠጠው ክብል፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሩ ዘሎ መሰረታዊ ቀረባት ናብ ንቡር ክምለስን ኣብቲ ዓሌታዊ ውግኣት ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ዝብሉ ህጹጻት ጠለባት ተንጸባሪቖም እዮም።  

እዚ ተበግሶታት ሰላም ኢትዮጵያውያን  ዝረአ ዘሎ፡ ነቲ  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጠጠው ኣቢልካ ናብ መስርሕ ሰላም ንምእታው፡  ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃን ካለኦት ዲፕሎማትን ምስ ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ጽዑቕ ርክባት የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዩ።

ኣቦ-መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንዝፈጸመቶ ገበን ብወግዒ ይቕረታ ክትሓታ ብ6 መስከረም 2022 ከም ዝጸውዑ ሬድዮ ድባንጋ/ DBANGA ኣቃሊሓ።  እቶም ጀነራል ኣብዚ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ብምክትል ፕረሲደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰዳን  ጀነራል መሓመድ ሀመቲ ዳጋሎ ዝእዘዝ ሓይልታት ህጹጽ ረዲአትን ሕድሕዶም ክዋግኡ እዮም ዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሮም።

እቶም ጀነራል ነዚ ዝገለጹ መበል 124 ዓመት ዝኽሪ  ኣብ መንጎ ሱዳናዊ ሓይልታት ማህድን ሰራዊት ዓባይ ብሪታንያን ዝተኻየደ  ውግእ ካራሪ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዃኑ እታ ዘይመንግስታዊ ሬድዮ ሓቢራ። ኣል ቡርሃን ንናይ ሽዑ ተግባር ብሪታንያ፡ ዘሕትትን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ገብንን እዩ ኢለሞ። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ እዋንቲ     “ሓይልታት ብሪታይን፡ ድሕሪቲ ውግእ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ቀጻሊ ቅትለትን ማሕረድትን እዮም ፈጺሞም” ክብሉ ገሊጸሞ። እቲ ተግባር  ማዕረ ህልቂትን ምጽናት ዘርእን ከም ዝረአ ድማ ኣብቲ መደረኦም ገሊጾም። ውግእ ካረሪ ብ2 መስከረም 1898 ካብ ከተማ እምዱርማን ንወገን ሰሜን ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ እዩ።

ብ2008 በቶም ሎሚ ካብ ስልጣን ወሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ንዝፈጸመኦ ጨፍጫፍ  ይቕረታ ክሓታን ሽዑ ዝሰረቐኦ ንብረት ከመልሳን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ብውገን ዓባይ ብሪታንያ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ መልሲ የለን።

መኣዛ መሓመድን ጐበዘ ሲሳይን ዝተባህሉ ኣብ ዘይመንግስታዊ መድያታት ዝነጥፉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ ብ7 መስከረም 2022 ከም ዝተኣስሩ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። መኣዛ መሓመድ ጋዜጠኛን ኣመሓዳሪትን “ሮሃ መዲያ” ዝተባህለ ማዕከን ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽሮ ሜዳ ኣብ ዝተባህለ ዕዳጋ ከም ዝተኣስረት ኢትዮጵያን ኢንሳኢደር/ETHIOPIAN INSIDER፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ክትእሰር እንከላ ምስኣ ዝነበረት መሓዛኣን መሳርሕታን ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ እቶም ዝኣሰርዋ ናይ ቤት ፍርዲ መእዘዚ ወረቐት ዘይነበሮም ኣባላት ፈደራት ፖሊስ እዮም።

እዛ ኣብ ኣየናይ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተኣስረት ዘይተፈልጠት፡ መኣዛ መሓመድ ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ ንሳልሳይ ግዜ እያ ተኣሲራ። መኣዛ ዝተኣስረትሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባኳ እንተዘይተገልጸ፡ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ዝተመዛበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ኣዘራሪባ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ቦታ ዝካየደ ዘሎ ዓሌታዊ ምቅትታል ከመይ ከም ዝመስል ዘርኢ ሰፊሕ መደብ ኣውጺኣ ስለ ዘቃለዐት ምዃና ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ወገናት ገሊጾም።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡  ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ጐበዘ ሲሳስይ፡ ህዝቢ ሰሜን ወሎ “ነዓና ብልጽግናን ሓይልታት ትግራይን ኩሎም ሓደ እዮም” ከም ዝበለ ዝሕብር መደብ ስለ ዘቕረበ እዩ። ብዘይካዚ ጐበዘ ሲሳይ ናይ ወሎ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ኣብ ግዜ ውግእ ብድሕሪኡ ብሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝውቃዕ ስለ ዘቃለዐ እዩ ተኣሲሩ ዝብሉ እውን ኣለዉ።

 ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ 9 ጋዜጠኛታት ብምእሳር፡  ብደረጃ ዓለም 3ይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፡ ቻይና 50፡ ግብጺ 25 ኤርትራ ድማ 16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር  ቅድሚኣ ዝስረዓ ምዃነን ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ይሕብር። 

ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝነበሩ፡ ስተቨ ዎከር “እቲ ሕሱም ወጻዒ ምሳና ኣሎ”  ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብ5 መስከረም 2022 ዘኣትላንቲክ/THE ATLANTIC ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘስፈርዎ ሓተታ፡ “ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብኣሰንባዲ ደረጃ ዝገሃሰላ ሃገር እያ” ዝብል ምስክርነቶም ኣሕዲሶም።

እቶም ኣንበሳድር ኣብ 2019 ናብ ኤርትራ ምስተመደቡ፡ በቲ ብቕዲ ኢጣልያ ዝተቐርጸ ህንጻታትን ኩነታት ኣየርን ኣስመራ ተመሲጦም ከም ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ፖለቲካዊ ኰነታት ኤርትራ ምስ ተረድኡ ዘሰንብድ  ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣብቲ ጽሑፎም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ተቓውሞን ዘይፍቀዳ፡ ናይ ፕረስ ናጽነት ዘየብላ፡ ዜጋታታ ደረትን ግሉጽነትን ናብ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ክኣትዉ ዝግደዱላ፡ ምርጫ ዝበሃል ዘይረኣየት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባ ቀጻሊ ጃምላዊ መእሰርቲ ዝካየዳን ብሰንኪዚ ኣብ ሽቑርርታ ዝነብርን ሃገር እያ ዝብል ዝርዝር ምስክርነቶም  ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ዘኣትላንቲክ ዝወጸ ጽሑፎም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳደር ኣብቲ ሓተታኦም “ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ ሕሱም ምልኪ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ኣሎ” ምስ በሉ፡ ንህዝባ ዘየርብሕ ክነሱ፡ “ስለምንታይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን ተሰሊፋ?” ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ቤላሩስ፡ ሶርያን ሰሜን ኮርያን  ኣንጻር ዩክረይን ክስለፋ እነለዋ ምናልባት ዝረኽበኦ ረብሓ ይህልወን ምስ በሉ፡ ናይ ኤርትራ ምኽንያት ግና ካብ ምድጋፍ ምልካዊ ምምሕዳር ዝነቅል  እዩ ኢሎም።

ስተቨ ዎከር፡ ናይ ሓደ ሰልፊ በሓቲ ምምሕዳር፡ ብመሰረቱ ኣዕናዊ እዩ ምስ በሉ፡  ብሰንክዚ ፖለቲካዊ በሓትነት ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ኮነ ካብ ሃገሮም ናብ ወጻኢ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት ዘየብሎም ምዃኖም መርኣያ ምልክን ዕብለላን እዩ ኢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኤርትራ ብድሕረትን ስእነትን ቁጠባ እትሰቐዮ ዘላ ከይኣኽላ፡ ዜጋታታ ብገዛእ ገንዘቦም ካብ ባንክ ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከውኡ ዘይክእሉላ፡ ብኢንተርኔት ዝተሓገዘ ዘመናዊ ናይ ባንክ ኣጠቓቕማ ዘየተኣታተወት፡ ሃገር እያ ኢለሙዋ።

ኣብ ኤርትራ ዝምደቡ ኣንበሳድራት ከካብ ሃገሮም ሒዘምዎ ዝመጹ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕግዝ መደባት ምትግባሩ ከምዘይክእሉ  ጠቒሶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓታት ንዝኣመሰሉ ምምሕዳራት ብኹሎም ወገናት ክምከቱን ክቃልዑን ከም ዝግባእ ኣብቲ ንህልዊ ኩነታት ዝምልከት ትንተናኦም ኣስፊሮም።

ኣንበሳደር ስተቨን ወከር ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርሉ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም፡ ናብ ሲንፖዚየም ኤሪሳት 2022፡ ብዘመሓላለፍዊ ሰፊሕ መልእኽቲ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ብምቅላዕ ኣገዳሲ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ብዙሓት ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ምሰረት ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዛዕባ’ ዞም ዝተወሰኑ ዛዕባታት እዚ ዝስዕብ መብርሂ ይህብ።

1) ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት መደባት ፈስትቫላት ምምሕዳር ህግደፍ ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምፍሻሎም ዘበስሩ ስርሒታት ክንከታተል ቀኒና። እዚ ተረኽቦታት ብዙሕ ፖለቲካዊ ትርጉማት ዘለዎ እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ ብዘይተጸብዮ ኣገባብ ብህዝባዊ ናዕቢ ይሰዓር ከምዘሎ ሓደ ካብቲ ትርጉማቱ እዩ። ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ከኣ ወጽዓ ህግደፍ ዝመረሮም መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሐ በደላት ከም ዝተቖጥዑ እሞ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ከምዘይምለሱ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ  እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እተን ነቲ  ጽልኢ ናይ ምንዛሕ፡ ተቓውሞ ኤርትራ ናይ  ምንእኣስን ካብ ህዝቡ ናይ ምንጻልን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድኻምን  መደባት ህግደፍ ዝፈሸለለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተገንዚበን ደጊም ክቕጽል ከም ዘይግበኦ ከም ዝዓገባን ኣብ ምውጋዱ ከም ዝተሓባበራን ቅሩብነተን ዘርኣያሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ።

ስለዚ ሰዲህኤ፡ ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ ክቕጽል ዘተባብዕን ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ  ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ  ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን  ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጸዋዒትና ነቕርብ።

2) ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ውግእ ኢድ ብምእታዉ፡ ብብዙሓት ወገናት ክኹነን ከም ዝጸንሐ ይዝከር። እቲ ኩነኔን ካብቲ ዝኣተዎ  ንክወጽእ ዝቐርብ መሕጽንታታትን መጠንቀቕታን ሎሚ እውን ብብዙሓት ወገናት ብቐጻሊ ይቐርቦ ኣሎ። እንተኾነ ህግደፍ መሊሱ የግድዶ ኣሎ እምበር፡ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ሓዲርዎ ንድሕሪት ኣይበለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻሕታሪ ተግባሩ ዝመሃር፡ ሎሚ እውን ዘራይ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንሃገርና ኣራግጽ ናይቲ ናብ ትግራይ ዝወፍር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገብራ ኣሎ።

ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ብ21 ሕዳር 2020፡ ለዎ ራዊት ትዮጵያ ርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ምድርን ርን ሃገርና ትዩ ልዑላውነትና ሓደ እትዩዎ ይርከብ። ለዝኾነ ህዝ ኤርትራ፡ ርዓት ግደፍ ሃገርና ባዕዳውያን ሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን መሬትና ርከብ ዝኾ ይኹን ባዕዳዊ ይሊ ቕልጡፍ ኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ጽውዕ። …… ርዓት ግደፍ ንባዳውያን ይልታት መሬትና ከምዝኣትዉ ከይኣኽሎ፣ ራዊት ኤርትራውን ይድልየቱን እምነቱን ትግራይ ኢኹ ይምልከቶ ውግእ እትዩ ኸቢድ ቃሊዕዎ ይርከብ። ……  ማእከላይ ይቶ ኤ፡ ብሓ ገን ራዊት ባዕ ካብቲ ትዩዎ ይቅኑዕ ውግእ ከውጽእ ክጽዕር፣ ኻልእ ገን ማ፡ ህዝ ኤርትራ እዞም ይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ለዉ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከኣሎ ገድታት ክቃለስ ውዒትና ቕርብ።” ዝብሎ መርገጹ፡ ሎሚ እውን ህያው ምዃኑ ብምርግጋጽ የሕድሶ ኣሎ።

3) ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  በደል ካብ ዘውርደሎም መንገድታት ሓደ ብተኸታታሊ   ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ኣፈላላይ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታው እዩ። እዚ ብቐጻሊ ዝካየድ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ተግባር ሎሚ ድማ ኣዝዩ ብዝኸፈአ ደረጃ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ዝመረሮ ህዝቢ መኸታኡ የልዕል ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ናይዚ እዋንዚ ግፋ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሰ-ጾራት፡ ኣደ ቆልዑን ኣካለ ጐደሎን ከይተረፈ፡ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ሓደ መርኣያኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ስድራቤት ናይቶም  ሃዲኑ ዘይረኸቦም ንዓቕመ ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሑ፡ ዝወስዶ ዘሎ ጭካነ  እዩ።

ስለዚ ሰዲህኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጨካን ተግባራት ህግደፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጻቱ የወግዞ። ህዝቢ ኤርትራ  በዚ ዝወርዶ ዘሎ መዘና ዘየብሉ  በደላት፡ መሊሱ ክሓንን እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ቃልሱ ከምዘይበኩር ዘለዎ እምነት ጽኑዕ ምዃኑ የረጋግጽ። ህግደፍ ካብዚ ዘገብሮ ዘሎ ክቑጠብ፡ ኩሎም ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ተጽዕነኦም ከሕይሉ ይጽውዕ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ፈጻሚ ሽማግለ

5 መስከረም 2022

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጹን ካብ 4 ክሳብ 15 መስከረም 2022 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየሪ ብወገነን ኣሜሪካ ንናይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ከም እትኹንን ምግላጸን መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።  

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ  ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተራኺቦም እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም ዘተ ንክጅመር ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣሜሪካ ከም ዘቕርቡ ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ኢትዮጵያ  ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መግስትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ባእታታትን ተራኺቦም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጸሉ ብዛዕባ ዝኽእል መንግዲ ከም ዝዛራረቡ ተሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልኡላውነትን ክሕለው ከም እትደሊ ተመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ወሃቢት ቃል ኣተሓሒዘን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ከብልን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ወጻኢ ዘካይድዎ ውግእ ከቋርጹን ጸዊዐን።

ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪታንያ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክትወጽእ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘሎ ቦታታት  ክስሕብን ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቕጽልን ተማሕጺነን።

 

ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ብ1 መስከረም 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ካብ ዝባራዕ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ንክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ብዘይካ ድኽነት፡ ምርሕሓቕን ታሪኻዊ ተሓታትነትን ካልእ ፋይዳ ከምዘይህልዎ በቲ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

.ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ከም ሓድሽ ዝጀመረ  ሓደገኛ ውግእ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። እቲ ጥምረት እቲ ውግእ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘኸትል በቲ መገልጺ ሓቢሩ።

ክልቲኡ ማሕበራት  ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአትን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብዘይዕንቅፋት ዝቕጽለሉ ኩነታት ክፍጠር ተማሕጺኖም። ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ብቐጻሊ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበራትን ጻዕሪ ከካይዱ ብፍላይ ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ  ጸዊዑ። ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ማሕበር መምሃራን ናይ ሰላም መጸዋዕታ ደጊምዎ።

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቱርክ፡  ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ወገናትን እውን በብዝምልከቶም ኣካላቶም ኣቢሎም ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክእተው ተደጋጋሚ መጸዋዕታ የቕርቡ ኣለዉ።

ነዚ ብ24 ነሃሰ 2022 ከም እንደጋና ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “መን ጀመሮ?” ኣብ ዝብል፡ ዝካሰስሉ ዘለዉ እዩ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንመጀመርያ ግዜ ብናጽነት  27 ነሃሰ 2022 መሪሕነቱ ከም ዝመረጸ ዝተፈላለያ መዲያታት ናይታ ሃገር ሓቢረን። ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ካለኦት በርገሳዊ ማሕበራት ተጸጊዑ ዝሰርሕ ብኣባልነት ደገፍቲ መንግስቲ ጥራይ ዝሓቁፍ ማሕበር ከም ዝነበረ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እቲ ተመስሪቱ መሪሕነቱ ዝመረጸ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ መሰል ኣባላቱ ኣብ ምሕላው ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብታ ብተደጋጋሚ ብወተሃደራት ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረስ ንዝፍጠር ተጽዕኖን ጸቕጥን እውን ክቃለሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ 1164 ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ኣብ ሮይተርስ ንዝሰርሕ ኣቡ እድሪስ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣቦመንበሩ ንክኸውን ከም ዝመረጾ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ጌና ምስ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ዝደናገጹ ዝተባህሉ ነባራት ጋዜጠኛታት፡ እቲ ናይ ቅድም ማሕበር ከይፈረሰ ኣብ ልዕሊኡ ካልእ ማሕበር ክምስረት የብሉን ብዝብል ንመስርሕ እቲ ምርጫ ጠጠው ከብልዎ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ ተጣበቕቲ ማሕበራዊ መሰላትን ናይቲ ምርጫ ተዓዘብትን እቲ መስርሕ ምርጫ ናጻን ርትዓውን ብምንባሩ ስለ ዝደገፍዎ ከም ዘይተዓናቐፈ ተፈሊጡ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብ ብሕታዊ መድያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ዝሳተፍዎ ማሕበር ክምስረት  እቲ ማሕበር ኮነ እቲ ናይ ግሊመድያ ከም ዘየለዉ ዝዝከር እዩ።

Page 2 of 109