ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ብ11 መጋቢት 2026 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ብስልኪ ከም ዘዘራረቦ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምክትል ወሃቢ ቃል ቶሚ ፒጎት ኣፍሊጡ። ኣብ ዝርርቦም ብዛዕባ ዞናዊ ምርግጋእን ምውሓስ ዘተኣማምን ጸጥታን፡ ምቅላስ ኣንጻር ምፍጣር ራዕድን ቁጠባዊ ምትሕብባር ምቕጻልን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዘልዓሉ’ውን ቶሚ ሓቢሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይቲ ናይ ስልኪ ርክብ ቀንዲ ዓላማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ምስ ኤርትራ ናብ ዘይተደልየ ጐንጺ ንከይኣቱን ብጀነራል ደጋሎ ንዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ካብ ምሕጋዝ ክቑጠብን፡ መልእኽቲ ዋሽንግተን ንምትሕልላፍ ምንባሩ ድማ፡ ኦል ኣፍሪካ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝተኻየደ፡ መራሕቲ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ከተማ ጅቡቲ ኣብ ኣኼባ ኣብ ዝነበርሉ እዩ። ናይቲ ኣኼባ መራሕቲ ሰለስቴን ጉረባብቲ ሃገራት ዕላማ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ምትሕብባር ንምቕጻልን ምንባሩ ከኣ፡ “ሆርን ዲፕሎማት” ዝተባህለ ኣካል ጠቒሱ።
ተዓዘብቲ ናይቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ብወገኖም፡ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕረን ክትጥቀም እትደልየን ዘላ ሃገራትን ዝረአ ዘሎ ምትፍናን ንምህዳእ እዩ ይብልዎ። ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ኣሰር እስራኤል ተኸቲላ፡ ንሶማሊላንድ ልኡላዊ ኣልጦ ክትህባ ትኽእል እያ ዝብል ግምት ከም ዝተዘራረቡ’ውን ተሓቢሩ።
ብዛዕባቲ ርክብ ኣሚሪካዊ ማርኮ ሩብዮን ኣብይ ኣሕመድን ኣኼባ መራሕቲ ኣብ ጅቡትን ብወገን ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።
ኢራን ኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለምና ኣዛራቢት ኣጀንዳ ኮይና ዘላ፡ ኣብ ክፍለዓለም ኤስያ ካብ ዘለዋ 48 ሃገራት ሓንቲ እያ። ኢራን ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ኣሜሪካን እስራኤልን ብሓባር ኣብ ልዕሊኣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ወሰዳ፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ወተሃደራዊ መደበራት ኣሜሪካን እንግሊዝን ዘለወን ጐረባብታ ሃገራት ብዝወሰደቶ ግብረ-መልሲ ኣብ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ሓደገኛ ውግእ ስለ ዘላ እያ።
ኢራን ኣስታት 1,648,195 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዋ ኮይና 5,894 ኪሎሜተር መሬታዊ ወሰን ኣለዋ። ብዝሒ ህዝባድ 92,417,681 እዩ። ወዲ-ሰብ ብቐዳምነት ምንባር ካብ ዝጀመረለን ጥንታውያን ሃገራት ኮይና እትጥቀስ እውን እያ።
ብመሬት ዘዋስነኣ ሃገራት 7 ኮይነን ንሳተን ከኣ፡ ዒራቕ፡ ቱርኪ፡ ኣዘርባጃን፡ ኣርመኒያ፡ ቱርክመኒስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን እየን። ንወገን ደቡባዊ ምዕራብ ወሽመጥ ፐርሺያ ሰጊርካ ድማ ስዑድ ዓረቢያ፡ ኮየት፡ ባህሬን፡ ቀጠር፡ ኢማራትን ዖማንን ይርከባ።
ንወሽመጣት ፐርሺያን ዑማንን ከምኡ እውን ቀላይ ዓረብ ዘራኽብ 193 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መጻብቦ ሆርሙዝ ኢራን እያ እትቆጻጸሮ። እዚ መጻብቦ ኣብቲ ዝጸበበ ክፋሉ ጐኑ 38 ኪለሜትር ኮይኑ፡ ካብ ናይ ዓለም ነዳዲ 20% ዝኸውን ዝመሓላለፈሉን እዩ ይበሃል።
ዋና ከተማ ኢራን ትሄራን ኮይና፡ ኣስታት 8.7 ሚልዮን ህዝቢ ይነብራ። ካለኦት ዓበይቲ ከተማታት ኢራን ድማ፡ ኢስፋሃን፡ ካራጅ፡ ኣህፋዝ፡ ማሽሃድን ቆምን ይበሃላ። ነባሪ ህዝቢ ከተማ ትሄራን ካብ ህዝቢ ናይታ ሃገር ኣስታት 11% እዩ።
ኢራን ልዕሊ 20 ምምሕዳራዊ ክፍልታት ዘለዋ ኮይና፡ ካብኣተን፡ ምብራቕ ኣዘርባጃን፡ ምዕራብ ኣዘርባጃን፡ ኣርዳቢል፡ ኢስፋሃን፡ ኢላም፡ ቦሸህር፡ ቻማሃል-ባክቲያሪ፡ ኮሮሳን፡ ከውሰስታን፡ ዛንጃን፡ ሰማን፡ ሲስታን፡ ፋርስ፡ጋዝቪን፡ ግሆም፡ ኮርደስታን፡ከርማንን ከማንሳእን ይርከበአን።
ፐርሺያ ኣብ ኢራን 63.3% ዝሽፍን ቋንቋ ኮይኑ፡ ኣዘሪ ቱርኪክ 13%፡ ኩርዲሽ 7%፡ ጊላኪ 3.6%፡ ማዛንዳሪ 3%፡ ዓረብ 1.8%፡ ዝሽፍኑን ካለኦት ንኡሳንን ቋንቋታት ይዝረቡ። ከም ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ድማ እንግልዘኛ፡ ራሻኛን ፈረንሳይኛን ይዝውተሩ። ፐርሺያን ኩርድን ከኣ ዓብላልነት ዘለዎም ዓሌታት እዮም።
ኢራን ሓውሲ ምእኩል ፖሊሲ ኤኮኖሚ እትኽተል ኮይና፡ ብሕታዊ ጽላት ብዝለዓለ ዝዋሰኣላ እያ። ሃይድሮካርቦን፡ ሕርሻ፡ ዝተፈኣለዩ ኣገልግሎታት፡ መፍረይ ኢንዱስትሪታትን ገንዘባውን ትካላትን ከኣ ብሰፊኡ ይዝውተሩ። ብዓብይኡ ድማ ኣብ መዓልቲ 3.3 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳድን 1.3 ሚልዮን በርሚል ፈሳሲ ጋዝን ናብ ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ኣለዋ። ኣብ መዓልቲ 2.6 ሚልዮን ነዳዲ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ዘለዎ ትካል ከኣ ትውንን።
በዚ መሰረት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ናይ ዝፈሪ ነዳዲ ሓደ ርብዒ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ 12% ናይ ኢራን ምዃኑ ይሕበር። ምስዚ ኩሉ ግና ብሰንኪ ተደራራቢ እገዳታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ናይ ምቕራብ ዕድላ ድሩት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ምስዚ ኩሉ 80% ነዳዲ ኢራን ቻይና እያ እትዕድጎ።
ግብጺ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህባ’ያ ተባሂሉ ዝተወርየ ሓሶት’ዩ ኢላቶ
Thursday, 26 February 2026 12:02 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዕለታዊ ጋዜጣ ግብጺ ኣህራም፡ ኣብ ናይ 24 ለካቲት 2026 ሕታማ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ግብጺ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢኢትዮጵያ ተዓጻጻፍነት እንተርእያ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ንክትረክብ ክትድግፋ’ያ ዝተባህለ ሓሶት ምዃኑ ኣፍሊጣ።
እታ ጋዜጣ ናይቲ ብመንግስቲ ግብጺ ዝተነጽገ ዜና መንቀሊ ሓሶት ምንባሩ ጠቒሳ፡ መርገጺ ግብጺ ኣብ ማያዊ ጸጥታን ኣካይዳ ኢትዮጵያን መርገጻ ከምዘይተቐየረ ገሊጻ። እቲ ነቲ ናይ ሓሶት ወረ ዝዘርገሐ ኣካል፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዘይቅየድን ሓባራዊ ተጠቃምነት ዘይረዳእን ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ናይተን ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ሩባ ኒል ዘለዋ ክልተ ሃገራት መሰል ዘይገሃስ ምዃኑ ኣብቲ ሕታማ ኣስፊራ።
ንጋዜጣ ኣህራም ሓበሬታ ዝሃበ ላዕለዋይ በዓል መዚ ግብጺ፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣካል እስትራተጅያዊ ናይቲ ማያዊ መተሓላለፊ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ናይተን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ድሕንነት ዝተሓሓዝ እዩ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ። ካብኡ ወጻኢ ዝኾነት ሃገር ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ተሳትፎ ኣይህልዋን ኢሉ።
እዚ ናይ ግብጺ ምንጻግ ዝመጸ ዘ ናሽናል ዝተባህለት ናይ ኢማራት ጋዜጣ፡ “ካብ ካይሮ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል፡ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያን ዋሽንግተንን ምስ ናይ ሕበረት ኣፍሪቃ መሳርሕታ ኮይና ንኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ንምህናጽ ዘኽእል እማመ ኣቕሪባ ዝብል ዜና ስለ ዝዘርግሐት ምዃኑ ከኣ ጋዜጣ ኣህራም ኣፍሊጣ።
.እቲ ብኣህራም ዝተዘርግሐ ዜና፡ ግብጺ ብዘለዋ ዞናዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓቕሚ፡ ኢትዮጵያ ናብ ውደባት ስዑዲ ዓረብ፡ ሶማሊያን ጅቡትን ዝህልዋ ሕቶ ንምድራት’ውን ከም እትሰርሕ ጠቒሱ። ብምትሕሓዝ ድማ ነዚ ዝምልከት እማመ ናብ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ከም ዝቐረበትን ብዛዕባቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ሓጽቢ ሕዳሰ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ዘተ እትቐረብ በዚ መንፈስ’ዚ ከም ዝኸውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸብጻባት ከቕርቡ ንዝጸንሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዝነበሮም ኣፍልጦ ከም ዘቋረጸ ማዕከል ዜና ኤኤፍፒ ኣፍሊጣ። በዚ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት መበል 39 ምዱብ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 14ን 15 ለካትቲት 2026 ናብ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ ተፈሊጡ።
እቶም ኢትዮጵያውያን ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛታት ዝተኣገዱ፡ ኢማራት ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን (RSF)፡ ንምሕጋዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ከም ዝመስረተት ብምስልታት ኣሰንዮም ስለ ኣቃልዑ ምዃኑ ተገሊጹ። እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ መደበር ታዕሊም ዝምልከት ጸብጻብ ዘውጽኡ ኣስታት 15 ምንጭታት ብምጥቃስን ብብዙሕ ምስልታት ብምስናይ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብወገና ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ጋዜጠኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ንወሃቢ ቃል ሮይተርስ ሓቲታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ሓቂ ምዃኑ መረጋገጺ ከም ዝረኸበት ኣስፊራ። ወሃቢ ቃል ሮይተርስ ብዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ ጋዜጠኛታት ማዕከን ዜና ሮይተር ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ምዕባለታት እናተኸታተሉ፡ ብዘይ ሻራ ስረሖም ኣብ ኢትዮጵያ ክቕጽሉ እዮም።
ሮይተርስ ላዕለዎት ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ከይተረፉ፡ ኢማራት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ምምስራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ዘድሊ ቀረባት እውን ንሳ ከም እትኽእሎ ከም ዘረጋገጽሉ’ውን ይጠቅስዩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መደበር ታዕሊም ድሮናት ዝዋፈራሉ መደበራት እውን ከም ዘጠቓልል ጸብጻባት ሮይተር ዝውስኽ እዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብወገኖም ናይዚ መደበር ታዕሊም ኣብ ጥቓ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ምህናጹ፡ ሳዕቤኑ ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ኣይተረድኦምን ዝብል ግምቶም ከም ዝህቡ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ።
ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምእጋድ እቶም ጋዜጠኛታት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኢማራት ግና ንጸብጻብ ሮይተርስ ኣሉታ ሂባትሉ እያ።
በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ኣብ ልምዓት (IGAD ኢጋድ)፡ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ተሳታፍነቱን ኣባልነቱን ኣብቲ ትካል ንምሕዳስ ምውሳኑ በሓጐስ ከም ዝቕበሎ ብ9 ለካቲት 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ናይቲ ትካል ፈጻሚ ኣካል ጸሓፊ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ናይ ሱዳን ኣባልነት ምምላስ ናይ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምሕዝነትን መግለጺ እዩ ከም ዝጠቐሶ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብተን መስረቲ ናይ ኢጋድ ናይ ዝኾነት ሱዳን ኣባልነት ናብ ንቡር ምምላስ፡ ናይት ኢጋድ ሓድነት፡ ጽልዋን ቀዳምነታት ሰሪዕካ ምዕዋትን ከም ዘሕይል ኣፍሊጡ።
እቲ ጸሓፊ ኢጋድ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፕረሲደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ ከም እውናዊ ኣቦመንበር ኢጋድ፡ ኣብ መስርሕ ንዘርኣዮ ብቑዕ ኣመራርሓን ሃናጺ ተሳትፎን ኣመስጊንዎ። ከምኡ እውን ኣብ ኣገዳስነት ዘተን ዞባዊ ውህግደትን ንዘርኣዮ ውሕልነት ንኢድዎ።
ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ከም ጸሓፊ ምስ መንግስቲ ረፑብሊክ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብደሆታት ኣብ ምፍታሕ፡ ተቐራሪቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ኮነ ብሰፊሑ ኣብቲ ዞባ ውሑስን ምዕቡልን መጻኢ ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝጽዕር ቃል ምእታዉ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ኤርትራ ብወገና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣባልነታ ኣብ ኢጋድ ከም ዝሰሓበት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን እየን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶር ካሚል ኢድሪስ ካብ መገሻኡ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘሎ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ጸዊዑ ብዛዕባ ንመጻኢ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ከም ዘዘራረቦ ተሓቢሩ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን፡ ሻያ ሙህሰን ኣል ዚንዳኒ
ብራሺድ ኣል ኣሚኒ ዝምራሕ ባይቶ የመን፡ ሻያ ሙህሰን ኣል ዚንዳኒ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝመርሖ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዝመስረተ ኣገልግሎት ዜና ሳባ (Saba News Agency) ኣፍሊጣ። እቲ ሓዲሽ መንግስቲ 34 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ 3 ደቀ ኣንስትዮ ባኣባላነት ከም ዝርከቦ’ውን ተገሊጹ። እቲ ዝተመዘ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ደሪቡ ከም ዝሕዝ ከኣ ተሓቢሩ።
ካብቶም ኣባላት ካቢነት፡ ማማር ሞታሃር ኣል ኢሪያኒ ሚኒስተ ዜና፡ ጀነራል ኢብራሂም ዓሊ ኣሕመድ ሃኢዳን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ጀነራል ጣሂር ዓሊ ኦበይዳህ ኣል ኦቈሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣፍራሕ ዓብደልዓዚዝ ኣል ዘውባ ሚኒስተር ትልምን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን፡ ኣሓድ መሓመድ ሰላም ሚኒስተር ሃገራዊ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ኢሽራቅ ፋድል ኣል መርቃኒ ሚኒስተር ፍትሕን ኮይነን ከም ዝተመዛ ተመልኪቱ።
ምምስራት ናይዚ ሓደሽ መንግስቲ የመን፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ናይታ ሃገር፡ ተበግሶ ባይቶ ሃገራት ወሽመጥን ንኣተገባብራ ብዝምልከት ኣብ 2011ከምኡ እውን ኣብ 2022 ዝተወሰነ ፕረሲደንታዊ ስልጣን ናብ ፕረሲደንታዊ መሪሕነት ምስግጋር ዝምልከት ሕጊ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።
እቲ ባይቶ ሓድሽ መንግስቲ ንክምስረት ዝወሰነ ናይታ ሃገር ረብሓ ንምሕላው ምዃኑ ምፍላጡ ከኣ ተሓቢሩ። እዚ ስጉምቲ ናይ ቅድም ቀደማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ኣዋድ፡ ብ3 ጉንበት 2025 ብድሌቱ ካብ ስልጣን ምልቃቕ ተኸቲሉ ዝተወስደ እዩ።
ምምስራት ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሪያድ ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ዘሎ መሰጋገሪ ባይቶን ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ ክካየድ ዝጸንሐ ምምኽኻር ስዒቡ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ጐንጽታት መመሊሱ ይዓርግ ኣብ ዘለወሉ፡ ናብቲ ክልል ተቘጻጻሪ ጉጅለ ከም ዝለኣኸ ብ5 ለካቲት 2026 ዘውጸኦ መግለጺ ብምጥቃ፡ መጽሐት ዘሪፖርተር ኣፍሊጣ።
ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ተቖጻጻሪ ጋንታ ኣብ ትሕቲ ኣፍሪቃዊ መስርሕ፡ ክኢላዊ ምቁጽጻር፡ ምጽራይን ምዕዛብን ብዚ መግለጺ ዝወጸሉ ዕለትዩ ኣብ ከተማ መቐለ ኣትዩ። እዚ ዝተረጋገጸ ናይቲ ሕብረት ክፍሊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ጉዳያት ብዝሃቦ መረጋገጺ እዩ።
እቲ ዳግማይ ተላኢኹ ዘሎ ተቘጻጻሪ ኣካል፡ ብምምሕዳራዊ ጉዳያት ስረሓቱ ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይጸገም መቐለ ከም ዝበጸሐን፡ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ኣብ ፕሮተርያ ዝተኸተመ ቀዋሚ ምቁራጽ ህውከት ከም ዝቕጽል እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዚ ተቘጻጻሪ ኣካል ውዕል ፕሪቶርያ፡ መጀመርያ ናብ ትግራይ ዝተመደበሉ ግዜ ድሕሪቲ ስምም ብ2022 ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2024 ንደሓር ከኣ ኣቋሪጹ ከም ዝጸንሐ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዚ ኣካል ዝተመደበሉ መሰረታዊ ዕማም፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን፡ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያ ወጻኢ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ዕጥዊ ምውራድ ምንባሩ ከኣ ከም ድሕረ ባይታ ናይቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
እዚ ጉጅለ ምቁጽጻር ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ዘሎ ግዜ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ሓይልታት ትግራይ ሓሓሊፉ ወተሃደራዊ ረጽሚ ይረኣየሉ ኣብ እዩ።
ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ግፍዒ ይገድዳ’ሎ
Monday, 02 February 2026 21:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸም፡ ቅሉዕ ማእሰርቲ፡ ካልእ ግህሰታትን ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስን እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ገሊጸን። እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ብቐጥታ ኣንጻርቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ሕግታት ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
በቲ ዜና መሰረት፡ ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ብቐጻሊ፡ ካብ ጐደናታት፡ ዕዳጋታትን ኣገልግሎት መጐዓዝያን ከምኡ እውን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተገፊፎም ይእሰሩ። እቶም ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት’ኳ እንተተመዝገቡ፡ ብሰበብ ዘይምርካብ መንበሪ ፈቓድ ቆጸራ እናሃለዎም ከይተረፈ ብቐጻሊ እዮም ዝእሰሩ። እዞም ስደተኛታት ግዳይ እዚ ዝተጠቕሰ ሕሰማት ዝኾኑ ዘለዉ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምምሕዳራዊ ቅልውላው ምዃኑ እውን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።
እቲ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶ ኣካል ዝህቦ ቆጸራታት ክሳብ 2 ዓመት ከም ዝበጽሕን ኣብቲ መንጎ ብዝፍጠር ብኩራት መንበሪ ፈቓድ ከም ዝእሰሩ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ፡ እዚ ከኣ ንዕለታዊ ማእሰርቲ የቃለዖም። እቶም ግዳያት ክሕተቱ እንከለዉ፡ ነቲ ናይ ቆጸራ ወረቐት ከርእዩ እንከለዉ በቶም ናይ ጸጥታ ኣካላት ኣፍልጦ ኣይወሃቦን። ኣብ መንጎቲ ናይ ምምዝጋብን ናይ ምጽራይ ግዜ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ነቶም ስደተኛታት ማህሰይቲ የጋጥሞም ኣሎ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብታ ብሰንኪ መወዳእታ ዘየብሉ ውትህድርና፡ ማእሰርትን ምስዋርን፡ ገዲፈምዋ ዝተሰዱ ኤርትራ ከም ዝምለሱ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ። እቲ ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ፡ ኣደታት፡ ህጻናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ከም ዘጠቓልል ከኣ ተጠቒሱ። ኣደታት ብዘይደቀን ዝስጐጓል ዘሕዝን ኣጋጣሚ ከም ዝፍጠር እውን ተገሊጹ።
ኣብ ርእሲዚ ብሰንክቲ ብጾታዊ ዓመጽ ካልእ ዘይሰብኣዊ በደላትን ኣእምሮኦም ዝህሰዩ ወገናት ከም ዘለዉን፡ እቶም ደሓን ዝበሃሉ ከኣ ናይ ምስራሕ፡ ናይ ትምህርትን ብዘይስግኣት ናይ ምንባርን መሰሎም ዘይውሑስ ኮይኑ፡ ኣብ ስግኣት ናይ ማእሰርትን ምስጓጉን ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ።