ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ ሲሪያ

Friday, 13 December 2024 15:04 Written by

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ኮይና ዘላ ሲርያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም ኢስያ እትርከብ፡ ኣስታት 185,180 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ ሃገር እያ። ዓረብ ረፐብሊክ ሲርያ፡ ብሰሜን ምስ ቱርኪ፡ ብምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ምስ ዒራቕ፡ ብደቡብ ምስ ዮርዳኖስ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ እስራኤል ብምዕራብ ምስ ሊባኖስን ባሕሪ መዲተራንያንን ትዳወብ።

ሲሪያ 14 ምምሕዳራዊ ክልታት ክህልዋ እንከሎ፡ እታ ዝዓበየት ናይታ ሃገር ዋና ከተማ ድማ፡ ደማስቆስ እያ። ምስቲ ኩነታት ኣሃዛት ኣብ ሲሪያ ዝቀያየሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ደማስቆስ ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 2,685,000 ነባሪ ህዝብን  105 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓትን ከም ዘለዋ ይንገረላ።

ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሲሪያ ኣብ 2024 ኣስታት 24,672,760 እዩ። ካብዚ 16.7 ሚልዮን ዝኸውን ካብ ህዝባ ብሰንክቲ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ውግእ ዝተመዛበለ ኮይኑ፡ ካብኡ እቲ 6.7 ሚልዮን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ዝተመዝገበ እዩ።  ካብተን ሲርያውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ዝተዓቑቡለን ሃገራት፡  ቱርኪ፡ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ጐረባብታ ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤውሮጳ ድማ ጀርመን ምዃና ይንገረላ። ናብ ቱርኪ ስተሰዱ  ጥራይ ክሳብ 3.2 ሚልዮን ይበጽሑ። ናብ ጀርመን ድማ 1.3 ሚልዮን።

ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ በሺር ኣል ኣሳድ፡ ቅድም ኣባል ኣልቃዒዳ ከም ዝነበረ ብዝንገረሉ  መሓመድ ኣል-ጀላኒ ዝምራሕ ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም ዝበሃል ጉጅለ ዝለዐለ ኢድ ዘለዎ  ኣካል ስልጣን ኣብ ምድልዳል ይርከብ። ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ በሺር ኣልኣሳድ ክግበር ዝጸንሐ ቃልሲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘመሓድር ዝነበረ ተቓዋሚ፡ መሓመድ ኣልበሺር ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ብመሓመድ ኣል-ጀላኒ ተመዚዙ ኣሎ። እዚ መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ  ክሳብ መጋቢት 2025 ዝጸንሕ ኮይኑ ቀዳምነታቱ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ምስፋንን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ምዃኡ ከኣ ኣዊጁሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሶሪያ ዝተፈጥረ ኩነታት ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ወገናት ተስፋ ዝህብ እዩ። እንተኾነ  ምስቲ ኣብታ ሃገር ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን መንግስታትን ኢድ ኣእታውነት ምጽንሑን ምህላዉን፡  ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን ኣዝዩ ሓያል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ብ11 ታሕሳስ 2024 ኣብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ፡ ብመንጎኝነት ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ጠይብ ኤዶጋን ናይ ሓባር መግለጺ ስምምዕ ምኽታሞም ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢራ።

ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ብመሰረት  ዓለም ለኻዊ ሕግታትን መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣኽቢሮም ክሕልዉን ድሉዋት ምዃኖም በቲ ስምምዖም ኣረጋጊጾም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ካብ ናብን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ዝነቅል ኩለ መዳያዊ ረብሓ፡ ልኡላውነት ፈደራል ረፐብሊክ ሶማሊያ ብዝዕቅብ ክረጋገጽ ምርድደኦም ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።   ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ንድሕሪት ገዲፎም ኣብ መጻኢ ናይ ክልቲኦም ረብሓ ናብ ዘረጋግጽ ከተኩሩ ምርድድኦም ተጠቒሱ።

ነቲ ዝተሰማምዕሉ መግለጺ ብዝምልከት፡ ካብ 25 ለካቲት 2025 ጀሚሩ ኣብ 4ተ ኣዋርሕ ዝፍጸም፡ በቲ ሓደ ወገን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናይ ሶማሊያ ልኡላውነት ዝዕቀበሉ መስርሕ ንምዝርጋሕ ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ። እቲ መግለጺ፡ ንኣበርክቶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም  ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ንዘለዎ ኣበርክቶ ኣፍሎጦ ክወሃቦ ድማ ተሰማሚዖም ተባሂሉ።

ብዘይካዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መዳይ ንግዲ፡ ናይ መሬት ክራይን ዝኣመሰለን ዘጠቓልል፡ ሓቢሮም ዝረብሕሉ መስርሕ ከመዓራርዩ ምስምመዖም ተጠቒሱ። እዚ ስምምዕም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላውነት ሶማሊያ ብዘውሕስ፡ ዘተኣማምን፡ ውሑስን ቀጻልን  ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሉ ኩነታት ክፍጠር ዘኽእል ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ምስፋሩ ተፈሊጡ።

ክልቲኦም ወገናት ፕረሲደንት ቱርኪ ጠይፕ ኤርዶጋን ኣቀራሪቡ ናብቲ ብደረጃ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ዞባ’ውን  ምርግጋዝ ኣብ ምስፋን ክሕግዝዩ ዝተባህለ ስምምዕ ሰለ ዘብጽሖም ኣመስጊኖም፡  ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ደገፉ ከይፍለዮም ምጽወዖም’ውን ኣብቲ ዝተሰማምዕሉ መግለጺ ምስፋሩ ተመልኪቱ። ፕረሲደንት ኤርደጋን ብወገኑ፡ ነቲ ስምምዕ ናብ ሕድሽ ምዕራፍ ዘእትው ሓድሽ ተበግሶ ከም ዝበሎ ተነጊሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተሰማምዕሉ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ 1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ መረዳድኢ ሓሳባት (MEMERANDUM OF UNDERSTANDIG) እሞ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንክኣትዋ ጠንቂ ዝኾነ ሰነድ ዝምልከት ብቐጥታ ኣይተጠቕሰን።

ካብቶም ካብ 3 ክሳብ 6 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣኼባ ኢንተበ ዝተሳተፉ ሱዳናውያን ብኸፊል

ሕብረት ሲቪል ሱዳናውያን፡ መንግስቲ ኣብ ስደት ንምምስረት ብዝምልከት ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 6 ታሕሳስ 2024 ዝተኻየደ ኣኼባ ንዝቐረበ እማመ ከም ዝነጸገ፡ ሬድዮ ደባንጋ ኣፍሊጣ። ነቲ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ዘቕረቦ እማመ፡ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን ብዝተባህለ ኣባል እቲ ሕብረት ዝኾነ ሱዳናዊ ውዳበ እዩ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።

መራሒ ሓይልታት ሱዳን ንነጻነትን ለውጥን ሃዲ እድሪስ፡ ነቲ ተቓውሞ ዘቃልሐ ክኸውን እንከሎ፡  ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሱዳን፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ዛዕባ፡ ሃገራዊ ሰልፊ ዑማን፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳንን ካለኦት ናይቲ ሕብረት ኣባል ውዳበታት እውን ነቲ እማመ ዘይተቐበልዎ ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ሸሃብ ኢብራሂም ዝተባህለ መራሒ ሓይልታት ንለውጢ ብወገኑ፡ እቲ እማመ ኣብ ሱዳናውያን ምክፍፋል ዘስዕብ ስለ ዝኾነ ድሕሪ ሕጂ ከምዘይለዓል ዝተዓጽወ ፋይል እዩ ኢልዎ።

መሓመድ ኢስማት፡ መራሒ ሰልፊ ፈደራል ሕብረት ብወገኑ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ንምምስራት ዝቐረበ እማመ ብምድጋፍ፡ እቲ ኣድላይነት መንግስቲ ኣብ ስደት፡ ብመንጽር መዳይ ቁጠባ፡ ምምሕዳርን ዓለም ለኻዊ ዝምድናን ዝህልዎ ረብሓ ብክኢላታት ክረኣይ ይግበኦ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝምስረት መንግስቲ፡ ብመንጽርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ነበር ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝመረሖ ሰውራ ታሕሳስ ክምዘን  ይግበኦ ምባሉ ተሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ነቲ እማመ ከም መመከቲ ነቲ ከኣፋፋሊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ክውሰድ ይግበኦ ምባሉ ተፈሊጡ።

ገለ ናይቲ ሰፊሕ ሕብረት ሲቪል ሱዳናውያን መራሕቲ፡ እቶም ምምስራት መንግስቲ ኣብ ስደት ዝድግፉ ወገናት መርገጾም እንተዘይቀይሮም ካብቲ ሕብረት ንክወጹ ከም ዝሓተቱ ከኣ ተፈሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ነቲ እማመ ንከጽንዕ ኣቐዲሙ በቲ ሕብረት ተመዚዙ ዝነበረ ኣካል ብወገኑ ኣይተቐበሎን።

ብኻልእ ወገን ድማ ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐረሊዮ፡ ምምስራት መንግስቲ  ኣብ ስደት ካብ ሱዳን ሓሊፉ ብደረጃ ዞባ’ውን ዘይምርግጋ ዘኸትል ስለ ዝኾነ ከይትግበር ኣተሓሳሲቡ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ርእሰ-ዓንቀጽ 

ህዝባዊ ግንባር  ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብ1987 ዓ.ም ዘካየዶ ካልኣይ ጉባኤኡ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ፡  ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተከል ምዃኑ ኢዩ ወሲኑ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ግን፡  ንመብጻዓኡን ቃል-ኪዳኑን ብምኽሓድ  "ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን፤ ብስም ውድባት ምጥቛስ ከቢድ ገበን እዩ ዝቑጸር'' ክብል ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ስዒቡ ድማ ህግደፍ ዝኾነ ሰልፊ ካልእ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝውንን ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይጸውር ኣፍለጠ።

ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ውን እንተዀነ፡ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምልኪ ንምስፋን፡ ነተን ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዘቖመን ናይ ሓፋሽ ውድባትን ሕብእቲ ሰልፍን ኣፍረሰን። ንመንእሰያት ኤርትራ ከኣ፡ ካብ ናይ ትምህርትን ስራሕን መኣዲ ብምኹላፍ፡ ኣብ ናይ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ውግኣት ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ጸመዶም። ንመራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ብጥቕምን ድሑር ናይ ምክፍፋል ስልትን ብምግዝዛዕ ኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን ዝቆጻጸርዋ ውድብ ህግዲፍ መስሪቱ። እዚ ኩሉ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኰነስ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤርትራ ንምብሓት ምስ ህወሓት ተማሓዝዩ ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1980-81 ዓመት ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ህግደፍ ካብ ወጋሕትኡ ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ ገባቲ ስርዓት መስሪቱ ንዝሓለፈ ሰላሳን ሰለስተን ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጭቆና ከውርድ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ እውን ርእይዎ ብዘይፈልጥ ሓላንጊ ናይ ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ስደትን ምብትታንን ይግረፍ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ስለ ዘይብሉ፡ ደለይቲ ለውጢ ዝዀኑ ኤርትራውያን ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ግንባራትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣን ብምእላይ፡ ኣምሳይኡ ከኣ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምምስራት ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምምድማድ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝብል ስያመ ሰፊሕ ጽላል መስሪቶም ብሓባር ክቃለሱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሰፊሕ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መቐጸልታን መግለጽን ናይ’ቶም ካብ መወዳእታ ተስዓታት ኣትሒዞም ዝተመስረቱ ጽላላት ወይ ድማ ግንባራት ምዃኑ ይኣምን።  ሓባራዊ ጽላልና፡ ንህሉው ክውንነት ሃገርናን ህዝብናን ብዕምቆት ብምግምጋም፡ ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ካብ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ ብርሰት ብህጹጽ ንምድሓን፡ ካብ ሕሉፍ ጉድለታቱ ንዘረጋገጾ እወንታታት ብምዕቃብ ንሕጽረታቱን ኣሉታዊ ተመኩሮታቱን ድማ ብምእራም፡ ዓቕምታት ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣወሃሂዱ፡ ንገባቲ/መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክቃለስ ተበጊሱ ኣሎ።

እዚ ጽላል’ዚ በዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ መቖምያታት ኢዩ ተበጊሱ።

1. ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ/ገባቲ ስርዓት ምውዳቕን ብቅዋማዊ፡ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ፥

2. ንልዑላውነት ናይ ሃገረ ኤርትራ ምዕቃብን ምክልኻልን፥

3.  ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር፥

4. ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምሕላው።

ነዞም መቆምያታት እዚኣቶም ተቐቢሎም ኣብ’ቲ ብ6 ነሓሰ 2023 ዝተቃንዐ ዋዕላ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ሓባር ቻርተር፡ ህንጻ-ሕግን ኣጽዲቖም ብሓባር ክጉዓዙ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፦

1. ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ/ደ.ው.ዓ.ቀ.ባ

2. ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር/ኤ.ስ.ሃ.ግ

3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ/ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኢዮም።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ፡ ኣብ መስርሕ ምቛም ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ብኣካል ተሳቲፉን ብዙሕ ኣበርክቶን ገይሩ ኢዩ። ኣብ’ቲ ብዋዕላ ዝተዛዘመ መስርሕ ግን ብውሽጣዊ ውድባዊ ኩነታቱ ክሳተፍ ኣይከኣለን።

ከምኡ’ውን፡ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ል.ደ.ለ ዝተባህለ ብ2 ውድባትን 9 ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝቆመ ልፍንቲ ዝሰፍሐ ጽላል ንምምስራት መኣዲ ዘተ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ኣብ’ዞም ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ሓይልታት ከይተሓጽረ ንኻልኦት በቲ መቖምያታት ዝኣምኑ ኣካላት እናሓወሰ ክዓቢ ጻዕርታቱ ቀጻሊ ምዃኑ ውን ከነረጋግጽ ንፈቱ።

ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ

ዜና፦

ካልኣይ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)

ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ናይ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ፡ ሰለስተ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣቕሪቡ። እቶም ኣጀንዳታት እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።

1.  ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዝቐርብ መደብ ዕዮታት ምምይያጥን ምጽዳቕን፥

2. ምምሕዳራት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛምን፥

3. ጉዳይ ኦዲትን ቁጽጽርን 

ኣኼባ፡ ኣብ ኩሎም ዝቐረብሉ ኣጀንዳታት ተመያይጡ፡ ኣድላዪ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ከኣ ንሰለስቲኡ ኣጀንዳታት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈድራልን ክልል ትግራይ እናተኻየደ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ5 ታሕሳስ 2024 ምስ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍትን  ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ትግራይ ተዛትዩ። ኣብዚ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ መጻኢ ኣቕጣጫ ካብ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ክሳብ ኣብቲ ክልል ምርጫ ዝካየድ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝብል ከም ዝርከቦ ብተለቪዥን ፋና ብሮድካስት ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ።

ኣብዚ ኣኼባ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ  ብደረጃ ዞባ ዝረአ ዘሎ ስትራተጅያዊ ብደሆታት ሓቢርካ ምምካት ዝብል ምርድዳእ ከም ዝርከቦ’ውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣዚ ጉዳይ ብፍላይ ንናይ ሓባር ዕቤት ጥጡሕ ጸጥታዊ ምርግጋእን ምዕሩይ ምምሕዳርን ዘንጸባርቕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ከኣ  ተሓቢሩ።

እቲ ዜና ካልእ ኣገዳሲ ዝበሎ ዝተላዕለ ዛዕባ፡ ምምልሳ ተመዛበልቲ ናብ ናይ ቅድም መረበቶምን ምምላስ ዕጡቓት ዝነበሩ ናብ ሕብረተሰብን ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡  ንሃብቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝምልከት፡ ሕጋውን ስሩዕን መስርሕን ምዕሩይ ተጠቃምነትን ክልልን ሃገርን ብዘረጋግጽ ክምራሕ ኣብ ዝበል ምስምምዖም እዩ። ከምኡ እው ንኣገዳስነት ምሃብ ኣገዳሲ መንግስታዊ ኣገልግሎትን ብዝሓሸ ምምላስ ሕቶ ህዝብን ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዝተረዳድኡ ተጠቒሱ።

እዚ ከም ዘሎ እንከሎ፡ ውጽኢት ኣኼባ ኣዲስ ኣበባ፡ ብምውራድ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት ክዛዘም ትጽቢት  ኣብ ዝነበሮም ወገናት ዘይዕግበት ከም ዝፈጠረን፡ ብዙሓት ከኣ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላውሲ በዚዶ ይፍታሕ ይኸውን?” ዝብል ስክፍታ ከም ዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ይንጸባረቕ ኣሎ።

ኣምበሳደር ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል

ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዮሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምስ ዩትብ-መዲያ ኤምባሲ ኤርትራ  ለንደን፡  ብ26 ሕዳር 2024 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ከም ዝጠቐሰ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዝምድና ዘንቆልቆለ፡ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምቁራጹ ምዃኑ እውን ቢቢሲ ኣመልኪታ።

ኣምበሳደር ዮሃንስ ሃይለሚካኤል ናይቲ ምንቁልቋል ዝምድና ተሓታቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና “ቀቲሉ ይቐብሮ ኣሎ” ከም ዝበለ እውን ቢቢሲ ነቲ ቃለ መጣይቕ ብምጥቃስ ኣስፊራ።

እቲ ኣምበሳደር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትግበር ሕልሚ ዝሓልም እዩ ዝነብር ከም ዝበለን ኣብቲ ኣገላልጻኡ ዘይእሩም ቃላት ከም ዝተጠቕመን እውን እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዙ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይረጋጋእ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ግደ ትጻወት ኣላ ከም ዝበለከኣ ጠቒሳ። ቢቢሲ ናይቲ ኣምበሳደር ቃለ መጠይቕ፡ ምኽንያቱ ብዘይተሓበረ ድሕሪ ውሱን ግዜ ከም ዝተኣለየ ብምጥቃስ፡ ነቲ ቃለ መጠይቕ ብዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ርኢቶ ከምዘየለ ድማ ኣስፊራ።

ነብያት ጌታቸው ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ኤርትራ ዝተፈጥረ ጸገም የለን ከም ዝበለ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግና ምስቲ ጠጠው ምባል በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵይን ምቁራጽ ርክብ ተለፎንን ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራትን ኣተሓሒዝካ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም መንግስታት መግለጺ ኣይሃቦ እምበር እቲ ዝምድና ጽቡቕ ከም ዘየለን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም ዘለዉን ኣመልኪታ።

ቃለ መጠይቕ ኣምበሳደር ዮሃነስ ሃይለሚካኤል ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ከም መንግስታዊ ሓላፊ ኣብ ህልዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝተዛረበ ቀዳማይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ብቕልጡፍ ካብቲ መዲያ ከም ዝእለ ምግባሩ እዩ።

ኣብ ትግራይ ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያን ብ12 ሕዳር 2024 ኣብ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኡ ወገናት ዝተኸተመ ዝርዝር ኣትገባብራን’ መስርሕ ትግባረ፡ ምውራድ ዕጥቂ፡ ካብ ሰራዊት ምስንባትን ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን (DDR) ሰራዊት ትግራይ፡ ብ21 ሕዳር 2024 ከም ዝተጀመረ ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ኣፍሊጠን።

ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ዘካይዶ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ተሃድሶን ምስ ምምሕዳር ትግራይን ብምትሕብባርን ምስ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት እዩ። ኣብዚ ካብ ከተማ መቐለ ውጽኢ ኢልካ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምውራድ ዕጥቂ፡ ምክትል ሓላፊ ናይቲ ኮሚሽን፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ተዓዛብት ኣጻረይትን  ሕብረት ኣፍሪቃን ተረኺቦም። ኣብዚ 3 ኣዋርሕ ዝፍጸም ቀዳማይ ዙርያ ምፍታሕ ዕጥቅን  ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን፡ ካብቶም ናይቲ ፕሮግራም ኣካል ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ልዕሊ 250 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብዚ መጀመርታ መብዛሕትኦም ውቑዓት ዝኾኑ 75 ሺሕ ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ።

እቲ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ናብ ሕብረተሰብ ምፍናው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝውሰን ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ 7 ክልላት ብጠቕላላ 371 ሺሕ ዕጡቓት ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑን ዘድሊ በጀት ድማ 760 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ከኣ: ካብ ተሓባበርቲ 60 ሚልዮን ዶላር:  ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ድማ 1 ቢልዮን ብር ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

እቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ኣብ ውቕሮ፡ መቐለን ዓድዋን ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ መጽንሒ መደበራት ኣትዮም፡ ን4ተ መዓልታት መባእታዊ ትምህርቲ ተዋሂቦም ምስተመዝገቡ፡ ፍሉይ መለለይ መንነትን ንመትከል እግሪ ዝተመደበሎም ገንዘብን ተዋሂዎም ከም ዝፋነዉ ናይቲ ኮሚሽን  ኣካላት ሓቢሮም።

እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትሕቲ መልሻ ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ መሬት ትግራይ ከይተመለሰ ይትግበር ብምህላዉ፡ ሓያሎ ተጋሩ ዘይዕግበቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ምስሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያን

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ኣብ መጀመርታ 2025 ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር  ሓድሽ ሰራዊት  ተልእኮን ምርግጋእ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይከውን ከም ዝወሰነ፡ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት እናተቐያየረ ኣብታ ሃገር  ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ካብ ሃገሩ ክወጸሉ ከም ዝደሊ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

ናይዚ ውሳነ ቀንዲ ተንቂ፡  እቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብሓደ ወገን  ምርካብ ገምገም ባሕሪ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደን ምካብ፡  በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ዛዕባ ምኽታመን እዩ። ምኽታም እዚ መረዳድኢ ሓሳብ፡  ኣብ ሶማሊያ  ብኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ  ልኡላውነተይ ዝግህስ እዩ ዝብል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።

እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ዝተኸተመሉ ግዜ ብብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት እውን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። በዚ መሰረትን ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ክትግበርኳ ትጽቢት እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን።

ማዕከን ዜና ሶማሊያ ሶና (SONA) ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር ምኽልኻል ሶማሊያ፡ ዓብደልቃድር መሓመድ ብ9 ሕዳር 2024 ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃ፡ እቲ ሓድሽ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝጸንሐ ተኪኡ ሓላፍነት ዝርከብ፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ 2025 ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይዚ ሓድሽ ዓቃብ ሰላም ኣካል ኮይኑ ንከይቅጽል እዩ እቲ ውሳነ። እቲ ሚኒስተር ናይተን ሰራዊት ዘዋጸኣ ሃገራት ዝርዝር ኣብዚ ቀረባ  ከም ዝግለጽ ብምጥቃስ ካብተን ክሳብ ሎሚ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝጸንሓ ዘይትሳተፍ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ከም ዝበለ’ውን ሶና ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰራዊታ ካብ ሶማሊያ ዘይተፈልየን ኣብዚ እዋን ድማ ገሊኡ ነብሱ ክኢሉ ዝዋፈር ገሊኡ ድማ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተሰለፈ ኣብታ ሃገር ኣስታት 15 ሺሕ ሰራዊት ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ መጻኢ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሰራዊ ክግለል የብለይን” ዝብል መጎት ተቕርብ ኣላ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ናብ ሶማሊያ ሰራዊተን ዝዋፍራ ሃገራት፡ ኣብ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ዝኣምና ክኾና ከም ዝግበአን ብምንጻር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ  ዘሎ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ  ወጥሪ ብዘተ ናይ ምፍሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩሲያን ካብ  9 ክሳብ 10 ሕዳር 2024 ሱቺ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ሩሲያ ከም ዝካየድ ሩሲያ ኣፍሊጣ። ዕላማ እቲ ዋዕላ እቲ ኣብ 2023 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩሲያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባርን ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ንምስፋሕ ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሩሲያ ኣንቶን ኣኮቢያኮቭ ብዛዕባቲ ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ንቐጻሊ ናይ ሓባር ዕቤትን ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ዋዕላ ብዛዕባ ዝርዝር ኣተገባብራ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምልዛብ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

ኣብዚ ዋዕላ ካብ ክልቲኡ ወገናት  ዝምልከቶም ሚኒስተራት፡ ኣወሃሃድቲ ዓበይቲ ትካላት፡ ወከልቲ ኣብያተ-ስራሕ፡  ሳይነሳዊ ትካላትን ለኣኽትን ኣምጻእትን ነጋዶን ክሳተፍዎ እዮም። እቲ ርክብን ዘተን ጉዳይ ንግድን ቁጠባዊ ዕቤትን፡ ምትእስሳር ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ሓቢርካ ምስራሕን፡ ጸጥታ ምትሕግጋዝን፡ ምስፋሕ ምትሕግጋዝ ኣብ ኣባል ሃገራት ብሪክስን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከተኩር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሩሲያ ላቭሮቭ ክልተኣዊ ርክባት ንከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ምድላው እዚ ዋዕላ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሚሃይል ቦግዳኖቭ፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ትካላት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩሲያ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ናይተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ወከልቲ ኣብ ሞስኮ ርክባት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ። ኣብዚ ርክባቱ ሓቢሮም ብዛዕባ ተክኒካዊ ኣካይዳ ናይቲ ዋዕላን ዝርዝር ኣጀንዳኡን ከም ዝተረዳድኡ ተሓቢሩ።