ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምምስራት ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንመድምድ
Sunday, 08 December 2024 11:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤርእሰ-ዓንቀጽ
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብ1987 ዓ.ም ዘካየዶ ካልኣይ ጉባኤኡ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተከል ምዃኑ ኢዩ ወሲኑ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ግን፡ ንመብጻዓኡን ቃል-ኪዳኑን ብምኽሓድ "ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን፤ ብስም ውድባት ምጥቛስ ከቢድ ገበን እዩ ዝቑጸር'' ክብል ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ስዒቡ ድማ ህግደፍ ዝኾነ ሰልፊ ካልእ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝውንን ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይጸውር ኣፍለጠ።
ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ውን እንተዀነ፡ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምልኪ ንምስፋን፡ ነተን ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዘቖመን ናይ ሓፋሽ ውድባትን ሕብእቲ ሰልፍን ኣፍረሰን። ንመንእሰያት ኤርትራ ከኣ፡ ካብ ናይ ትምህርትን ስራሕን መኣዲ ብምኹላፍ፡ ኣብ ናይ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ውግኣት ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ጸመዶም። ንመራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ብጥቕምን ድሑር ናይ ምክፍፋል ስልትን ብምግዝዛዕ ኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን ዝቆጻጸርዋ ውድብ ህግዲፍ መስሪቱ። እዚ ኩሉ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኰነስ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤርትራ ንምብሓት ምስ ህወሓት ተማሓዝዩ ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1980-81 ዓመት ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ህግደፍ ካብ ወጋሕትኡ ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ ገባቲ ስርዓት መስሪቱ ንዝሓለፈ ሰላሳን ሰለስተን ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጭቆና ከውርድ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ እውን ርእይዎ ብዘይፈልጥ ሓላንጊ ናይ ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ስደትን ምብትታንን ይግረፍ ኣሎ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ስለ ዘይብሉ፡ ደለይቲ ለውጢ ዝዀኑ ኤርትራውያን ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ግንባራትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣን ብምእላይ፡ ኣምሳይኡ ከኣ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምምስራት ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምምድማድ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝብል ስያመ ሰፊሕ ጽላል መስሪቶም ብሓባር ክቃለሱ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሰፊሕ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መቐጸልታን መግለጽን ናይ’ቶም ካብ መወዳእታ ተስዓታት ኣትሒዞም ዝተመስረቱ ጽላላት ወይ ድማ ግንባራት ምዃኑ ይኣምን። ሓባራዊ ጽላልና፡ ንህሉው ክውንነት ሃገርናን ህዝብናን ብዕምቆት ብምግምጋም፡ ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ካብ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ ብርሰት ብህጹጽ ንምድሓን፡ ካብ ሕሉፍ ጉድለታቱ ንዘረጋገጾ እወንታታት ብምዕቃብ ንሕጽረታቱን ኣሉታዊ ተመኩሮታቱን ድማ ብምእራም፡ ዓቕምታት ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣወሃሂዱ፡ ንገባቲ/መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክቃለስ ተበጊሱ ኣሎ።
እዚ ጽላል’ዚ በዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ መቖምያታት ኢዩ ተበጊሱ።
1. ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ/ገባቲ ስርዓት ምውዳቕን ብቅዋማዊ፡ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ፥
2. ንልዑላውነት ናይ ሃገረ ኤርትራ ምዕቃብን ምክልኻልን፥
3. ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር፥
4. ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምሕላው።
ነዞም መቆምያታት እዚኣቶም ተቐቢሎም ኣብ’ቲ ብ6 ነሓሰ 2023 ዝተቃንዐ ዋዕላ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ሓባር ቻርተር፡ ህንጻ-ሕግን ኣጽዲቖም ብሓባር ክጉዓዙ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፦
1. ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ/ደ.ው.ዓ.ቀ.ባ
2. ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር/ኤ.ስ.ሃ.ግ
3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ/ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኢዮም።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ፡ ኣብ መስርሕ ምቛም ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ብኣካል ተሳቲፉን ብዙሕ ኣበርክቶን ገይሩ ኢዩ። ኣብ’ቲ ብዋዕላ ዝተዛዘመ መስርሕ ግን ብውሽጣዊ ውድባዊ ኩነታቱ ክሳተፍ ኣይከኣለን።
ከምኡ’ውን፡ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ል.ደ.ለ ዝተባህለ ብ2 ውድባትን 9 ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝቆመ ልፍንቲ ዝሰፍሐ ጽላል ንምምስራት መኣዲ ዘተ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ኣብ’ዞም ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ሓይልታት ከይተሓጽረ ንኻልኦት በቲ መቖምያታት ዝኣምኑ ኣካላት እናሓወሰ ክዓቢ ጻዕርታቱ ቀጻሊ ምዃኑ ውን ከነረጋግጽ ንፈቱ።
ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ
ዜና፦
ካልኣይ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)
ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ናይ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ፡ ሰለስተ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣቕሪቡ። እቶም ኣጀንዳታት እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።
1. ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዝቐርብ መደብ ዕዮታት ምምይያጥን ምጽዳቕን፥
2. ምምሕዳራት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛምን፥
3. ጉዳይ ኦዲትን ቁጽጽርን
ኣኼባ፡ ኣብ ኩሎም ዝቐረብሉ ኣጀንዳታት ተመያይጡ፡ ኣድላዪ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ከኣ ንሰለስቲኡ ኣጀንዳታት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።
ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈድራልን ክልል ትግራይ እናተኻየደ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ5 ታሕሳስ 2024 ምስ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ትግራይ ተዛትዩ። ኣብዚ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ መጻኢ ኣቕጣጫ ካብ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ክሳብ ኣብቲ ክልል ምርጫ ዝካየድ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝብል ከም ዝርከቦ ብተለቪዥን ፋና ብሮድካስት ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ።
ኣብዚ ኣኼባ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ብደረጃ ዞባ ዝረአ ዘሎ ስትራተጅያዊ ብደሆታት ሓቢርካ ምምካት ዝብል ምርድዳእ ከም ዝርከቦ’ውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣዚ ጉዳይ ብፍላይ ንናይ ሓባር ዕቤት ጥጡሕ ጸጥታዊ ምርግጋእን ምዕሩይ ምምሕዳርን ዘንጸባርቕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ከኣ ተሓቢሩ።
እቲ ዜና ካልእ ኣገዳሲ ዝበሎ ዝተላዕለ ዛዕባ፡ ምምልሳ ተመዛበልቲ ናብ ናይ ቅድም መረበቶምን ምምላስ ዕጡቓት ዝነበሩ ናብ ሕብረተሰብን ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንሃብቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝምልከት፡ ሕጋውን ስሩዕን መስርሕን ምዕሩይ ተጠቃምነትን ክልልን ሃገርን ብዘረጋግጽ ክምራሕ ኣብ ዝበል ምስምምዖም እዩ። ከምኡ እው ንኣገዳስነት ምሃብ ኣገዳሲ መንግስታዊ ኣገልግሎትን ብዝሓሸ ምምላስ ሕቶ ህዝብን ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዝተረዳድኡ ተጠቒሱ።
እዚ ከም ዘሎ እንከሎ፡ ውጽኢት ኣኼባ ኣዲስ ኣበባ፡ ብምውራድ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት ክዛዘም ትጽቢት ኣብ ዝነበሮም ወገናት ዘይዕግበት ከም ዝፈጠረን፡ ብዙሓት ከኣ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላውሲ በዚዶ ይፍታሕ ይኸውን?” ዝብል ስክፍታ ከም ዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ይንጸባረቕ ኣሎ።
ኣምበሳደር ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል
ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዮሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምስ ዩትብ-መዲያ ኤምባሲ ኤርትራ ለንደን፡ ብ26 ሕዳር 2024 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ከም ዝጠቐሰ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዝምድና ዘንቆልቆለ፡ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምቁራጹ ምዃኑ እውን ቢቢሲ ኣመልኪታ።
ኣምበሳደር ዮሃንስ ሃይለሚካኤል ናይቲ ምንቁልቋል ዝምድና ተሓታቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና “ቀቲሉ ይቐብሮ ኣሎ” ከም ዝበለ እውን ቢቢሲ ነቲ ቃለ መጣይቕ ብምጥቃስ ኣስፊራ።
እቲ ኣምበሳደር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትግበር ሕልሚ ዝሓልም እዩ ዝነብር ከም ዝበለን ኣብቲ ኣገላልጻኡ ዘይእሩም ቃላት ከም ዝተጠቕመን እውን እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዙ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይረጋጋእ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ግደ ትጻወት ኣላ ከም ዝበለከኣ ጠቒሳ። ቢቢሲ ናይቲ ኣምበሳደር ቃለ መጠይቕ፡ ምኽንያቱ ብዘይተሓበረ ድሕሪ ውሱን ግዜ ከም ዝተኣለየ ብምጥቃስ፡ ነቲ ቃለ መጠይቕ ብዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ርኢቶ ከምዘየለ ድማ ኣስፊራ።
ነብያት ጌታቸው ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ኤርትራ ዝተፈጥረ ጸገም የለን ከም ዝበለ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ግና ምስቲ ጠጠው ምባል በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵይን ምቁራጽ ርክብ ተለፎንን ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራትን ኣተሓሒዝካ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም መንግስታት መግለጺ ኣይሃቦ እምበር እቲ ዝምድና ጽቡቕ ከም ዘየለን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም ዘለዉን ኣመልኪታ።
ቃለ መጠይቕ ኣምበሳደር ዮሃነስ ሃይለሚካኤል ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ከም መንግስታዊ ሓላፊ ኣብ ህልዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝተዛረበ ቀዳማይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ቃለ መጠይቕ ብቕልጡፍ ካብቲ መዲያ ከም ዝእለ ምግባሩ እዩ።
ኣብ ትግራይ ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያን ብ12 ሕዳር 2024 ኣብ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኡ ወገናት ዝተኸተመ ዝርዝር ኣትገባብራን’ መስርሕ ትግባረ፡ ምውራድ ዕጥቂ፡ ካብ ሰራዊት ምስንባትን ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን (DDR) ሰራዊት ትግራይ፡ ብ21 ሕዳር 2024 ከም ዝተጀመረ ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ኣፍሊጠን።
ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ዘካይዶ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ተሃድሶን ምስ ምምሕዳር ትግራይን ብምትሕብባርን ምስ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት እዩ። ኣብዚ ካብ ከተማ መቐለ ውጽኢ ኢልካ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምውራድ ዕጥቂ፡ ምክትል ሓላፊ ናይቲ ኮሚሽን፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ተዓዛብት ኣጻረይትን ሕብረት ኣፍሪቃን ተረኺቦም። ኣብዚ 3 ኣዋርሕ ዝፍጸም ቀዳማይ ዙርያ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን፡ ካብቶም ናይቲ ፕሮግራም ኣካል ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ልዕሊ 250 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብዚ መጀመርታ መብዛሕትኦም ውቑዓት ዝኾኑ 75 ሺሕ ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ።
እቲ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ናብ ሕብረተሰብ ምፍናው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝውሰን ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ 7 ክልላት ብጠቕላላ 371 ሺሕ ዕጡቓት ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑን ዘድሊ በጀት ድማ 760 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ከኣ: ካብ ተሓባበርቲ 60 ሚልዮን ዶላር: ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ 1 ቢልዮን ብር ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ኣብ ውቕሮ፡ መቐለን ዓድዋን ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ መጽንሒ መደበራት ኣትዮም፡ ን4ተ መዓልታት መባእታዊ ትምህርቲ ተዋሂቦም ምስተመዝገቡ፡ ፍሉይ መለለይ መንነትን ንመትከል እግሪ ዝተመደበሎም ገንዘብን ተዋሂዎም ከም ዝፋነዉ ናይቲ ኮሚሽን ኣካላት ሓቢሮም።
እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትሕቲ መልሻ ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ መሬት ትግራይ ከይተመለሰ ይትግበር ብምህላዉ፡ ሓያሎ ተጋሩ ዘይዕግበቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ምስሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያን
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ኣብ መጀመርታ 2025 ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሓድሽ ሰራዊት ተልእኮን ምርግጋእ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይከውን ከም ዝወሰነ፡ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት እናተቐያየረ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ካብ ሃገሩ ክወጸሉ ከም ዝደሊ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ናይዚ ውሳነ ቀንዲ ተንቂ፡ እቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብሓደ ወገን ምርካብ ገምገም ባሕሪ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደን ምካብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ዛዕባ ምኽታመን እዩ። ምኽታም እዚ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ ሶማሊያ ብኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ልኡላውነተይ ዝግህስ እዩ ዝብል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።
እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ዝተኸተመሉ ግዜ ብብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት እውን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። በዚ መሰረትን ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ክትግበርኳ ትጽቢት እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን።
ማዕከን ዜና ሶማሊያ ሶና (SONA) ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር ምኽልኻል ሶማሊያ፡ ዓብደልቃድር መሓመድ ብ9 ሕዳር 2024 ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃ፡ እቲ ሓድሽ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝጸንሐ ተኪኡ ሓላፍነት ዝርከብ፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ 2025 ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይዚ ሓድሽ ዓቃብ ሰላም ኣካል ኮይኑ ንከይቅጽል እዩ እቲ ውሳነ። እቲ ሚኒስተር ናይተን ሰራዊት ዘዋጸኣ ሃገራት ዝርዝር ኣብዚ ቀረባ ከም ዝግለጽ ብምጥቃስ ካብተን ክሳብ ሎሚ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝጸንሓ ዘይትሳተፍ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ከም ዝበለ’ውን ሶና ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰራዊታ ካብ ሶማሊያ ዘይተፈልየን ኣብዚ እዋን ድማ ገሊኡ ነብሱ ክኢሉ ዝዋፈር ገሊኡ ድማ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተሰለፈ ኣብታ ሃገር ኣስታት 15 ሺሕ ሰራዊት ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ መጻኢ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሰራዊ “ክግለል የብለይን” ዝብል መጎት ተቕርብ ኣላ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ናብ ሶማሊያ ሰራዊተን ዝዋፍራ ሃገራት፡ ኣብ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ዝኣምና ክኾና ከም ዝግበአን ብምንጻር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ወጥሪ ብዘተ ናይ ምፍሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩሲያን ካብ 9 ክሳብ 10 ሕዳር 2024 ሱቺ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ሩሲያ ከም ዝካየድ ሩሲያ ኣፍሊጣ። ዕላማ እቲ ዋዕላ እቲ ኣብ 2023 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩሲያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባርን ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ንምስፋሕ ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሩሲያ ኣንቶን ኣኮቢያኮቭ ብዛዕባቲ ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ንቐጻሊ ናይ ሓባር ዕቤትን ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ዋዕላ ብዛዕባ ዝርዝር ኣተገባብራ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምልዛብ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ኣብዚ ዋዕላ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝምልከቶም ሚኒስተራት፡ ኣወሃሃድቲ ዓበይቲ ትካላት፡ ወከልቲ ኣብያተ-ስራሕ፡ ሳይነሳዊ ትካላትን ለኣኽትን ኣምጻእትን ነጋዶን ክሳተፍዎ እዮም። እቲ ርክብን ዘተን ጉዳይ ንግድን ቁጠባዊ ዕቤትን፡ ምትእስሳር ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ሓቢርካ ምስራሕን፡ ጸጥታ ምትሕግጋዝን፡ ምስፋሕ ምትሕግጋዝ ኣብ ኣባል ሃገራት ብሪክስን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከተኩር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሩሲያ ላቭሮቭ ክልተኣዊ ርክባት ንከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ኣብ ምድላው እዚ ዋዕላ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሚሃይል ቦግዳኖቭ፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ትካላት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩሲያ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ናይተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ወከልቲ ኣብ ሞስኮ ርክባት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ። ኣብዚ ርክባቱ ሓቢሮም ብዛዕባ ተክኒካዊ ኣካይዳ ናይቲ ዋዕላን ዝርዝር ኣጀንዳኡን ከም ዝተረዳድኡ ተሓቢሩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ጠቕላላ 538 መምረጺ ነጥብታት 294 ብምርካብ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሚሪካ ኮይኑ ምምራጹ ምስ ተፈለጠ፡ ኢድ ካብ ዝነኣሱ መራሕቲ ሃገራት ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ካብቶም ቀዳሞት ኮይኖም። ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብመንገዲ የማነ ገ/መስቀል ብመስመር X ዝለኣኾ፡ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓካ” መልእኽቱ፡ “ናትካ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሜሪካ ክትከውን ተመሪጽካ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምላስ ናይ ዓለም ሰላም ምርግጋእ ኣዝዩ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉአ ወሳኒ ግዜ ዘጋጠመ ክስተት እዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ኣብ መጻኢ ሓቢሮም ክሰርሑ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “እንኳዕ ዳግማይ ናብ ቤተመግስቲ ኣሜሪካ (white house) ተመለስካ” ኢሉ፡ ከምቲ ናይ ኢሳያስ “ኣብ መጻኢ ሓቢርና ንክንሰርሕ እምነ” ኢሉ።
ዶላንድ ትራፕ፡ ኣብ ናይ መበል 45 ፕረሲደንት ግዜኡ፡ ንኢሳያስ ካብ ክባ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ማዕቀባት ከም ዘልዓለሉ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ንኣብይ ኣሕመድ ዳማ ንስልጣኑ መሪቑ፡ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ምስክርነት ንክቕበል ከም ዘብቀዖ ባዕሉ ኣብቲ እዋኑ ገሊጽዎ እዩ። ሓቢሮም ናብ ውግእ ትግራይ ንክወፍሩ ከም ዝመረቐሎም’ውን ዝዝከር እዩ።
ሕጂኸ ከምቲ ናይ ቅድም በብወገኖም ክዕንድሩን ህውከት ክፈጥሩን ክተሓጋገዞም ድዩ ኣይፋሉን፡ ኣብ መጻኢ መስርሕ ዝረአ ክኸውን እዩ።
ሮናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ዙር ምርጫ ተሳዒሩ ክነሱ፡ ዳግማይ ተወዳዲሩ ምስዓሩን ኣብ ክልቲኡ ውድድራቱ ዝሰዓረን ተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ካብቲ ብፍሉይነት ዘርእዮ ረቛሕታት ኮይኑ ኣሎ።
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ንሓደ ካብ ምልክትላቱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝወከሎ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ውክልና ደብዳበ ነቲ ስጉምቲ ንክወስድ ደሪኹኒ ዝበሎ ምኽንያት ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብ ደብዳበኡ “ናብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ስለ ዝወጽእ፡ ኣብልዕሊ ናይቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ናይ ስራሕ መደብ ደሪብኩም ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ንክትሰርሑ ዝተወከልኩም ምዃንኩም ኣፍልጥ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።
ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝተዘርግሐ፡ ክታሙን ማሕተምን ዘስፈረ ደብዳበ ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ዘርጊሕዎ።
ገለ ወገናት ነቲ ስጉምቲ ከምቲ ብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ክሳብ ዝምለስ ዝሰርሕ “ውክልና እዩ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ ብምስጢር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ናይ መወዳእታ ናይ ኣቶ ጌታቸው ካብ ሓላፍነት ምውራድ እዩ ይብልዎ ኣለዉ።
ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ውክልና ከኣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምርጫ ዝጸንሕ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ እቲ ውክልና ዘሕልፎ መልእኽቲ እናተባህለ ዝጥቀስ ዘሎ ድማ “ፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ካብቶም ክዋጠጡ ዝጸንሑ ክልተ ኣካላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣውጺእካ ንመንጎኛ ጀነራል ንምሃብ ዝቐረበ መፍትሒ ንክኸውን፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ብምልዛብ ዝተበጽሐ ፍታሕ ምዃኑ’ውን ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ይወድቕ’ሎ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ተጋሩ ምሃዎም እውን ይግለጽ ኣሎ።
ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ብ26ን 27ን ጥቅምቲ 2024 ምስ መሰረታት ሰልፊ ርክብ ኣካይዱ። ናይዚ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ካብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ኣብቲ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ብምኽንያት ናይ ሰዓታት ፍልልላይ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ምስ ዝርከቡ ዘካየዶ ርክብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ምዕባለታት ሓበሬታ ምሃብን ርኢቶ ተሳተፍቲ ምስማዕን ከምኡ ድማ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝግበኦም ስረሓት ምእማትን እዩ።
ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ኣብቲ ሓበሬታኡ ብዛዕብ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት፡ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዜናዊ ልሳናት ዝካየዱ ንጥፈታን ምስ ካለኦት መድያታት ብዛዕባ ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባትን ጠቒሱ። ንመጻኢ እውን ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማገለ መደባተን ተሊመን ተበጊሰን ከም ዘለዋ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዛዕባ ዘካየዶ ቀዳማይ ዋዕላን ናይ ሓባር ፈስቲቫልን ከኣ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ድሕሪቲ ቀዳማይ ዋዕላ ምስላጡ ነብሱ ወዲቡን መደባቱ ሓንጺጹን ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከም ዘሎ ከምኡ እውን ምስ ካላኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት ንምቕጻል ድልዊ ምህላዉን ኣገንዚቡ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ህዱእን ውዱብን መስርሕ ቃልሲ ተስፋ ከም ዝህብ ከኣ ጠቒሱ።
ኣብ ኤርትራ ብዘይካቲ ጭቆና ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቀያየረ ይቕጽል ምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ከም ልማዱ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባታት ንምህዳም ናብ ደገደገ የመዓዱ ምህላዉን ሓድሽ ነገር ከምዘየለን ኣረዲኡ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ክሳብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ኣካይዳ ክኽተል ጸኒሑ ክነሱ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ስልጣን ይቕጽል ምህላዉ ከም ዘተሓሳስብን ህዝቢ ኤርትራ ሕሳቡ ክገብር ጸዊዑን።
ኣተሓሒዙ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ንኤርትራ እውን ክጸልው ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ምቅይያራትን ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣብዚ መብርሂኡ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ውዑይ ዘሎ ኩነታት ሩስያን ዩኩረይንን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዘስግእ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።
ኣብ ቀረባና ብደረጃ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻትን ቅልውላውን ከመይ ይምዕብል ከምዘሎ፡ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብዛዕባቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝመስረተኦ ኪዳን (AXIS)ን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብዝምልኸጥ ኣገንዚቡ። ብወገን ኢትዮጵያውያን በብግዜኡ ብምስምስ ኣፍደገ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ዝቐርብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ተርእዮታት ብምጥቃስ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብዚ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ተግባር ክእደቡ ኣዘኻኺሩ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብቲ ዝቐረበ መግለጺ፡ ዝያዳ ክበርሃሎ ብዛዕባ ዝደልይዎም ነጥብታት ዝምልከቱ ብዙሓት ሕቶታት ኣቕሪቦም። ብኣቦመንበርን ካለኦት ኣባላት መሪሕነትን ከኣ ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ሰፊሕ መብርህታት ሂቦም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ መሪሕነት ኣብ ምድልዳል ሰልፋዊ ዓቕምታትን ምሕያል ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ሓይልታት ለውጥን ዘድሃቡ ለበዋታት ኣቕሪቦም፡ ብመሪሕነት ዝወጹ መደባት ኣብ ምዕዋት ድማ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ከምዚ ዝኣመሰለ መላእ ኣባላት ዝሳተፍዎ ሰፋሕቲ ኣኼባታት ቀጸልነት ንክህልዎም ከኣ ተብላዮም።