ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ብናይ ወጻኢ ጕዳያት ምጅማሩ ቅኑዕ ኰይኑ ስለዘይተሰምዓኒ፡ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ ሓተታይ ወቒሰ ምንባረይ ዝዝከር ኢዩ። ድሓር ግን፡ ኣብ ዘቤታዊ መዳይ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ምስ ሰማዕኩ ድማ፡ ሓቁ እባ’ዩ ብናይ ግዳም ክጅምር፡ ኣብ ዘቤታዊ ጕዳያት ደኣ እዚ ቍም-ነገር ገይረ ኢሉ ክዛረበሉ ዝኽእል ነገር ከምዘይብሉ ባዕሉ እንድዩ ዝነግረና ዘሎ ኢለ ዓጊበ። ኣብ መንጐ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብዪ ኣሕመድን ናይ ሰላም ውዕል ምስ ተፈረመ፡ ዓለም ብዓለማ ኣብ ኤርትራ ገለ ለውጥታት ክትርኢ ኢያ ተጸብያ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ’ቲ ንቡር ዓመትን መንፈቅን ክምለስ፡ መንእሰያት ናብ ትምህርትን ስራሕን ክዋፈሩ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፡ እቲ ብሓደ ሰብ ተዓብሊሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ ክሰፍሕ፡ ናይ ምውዳብ፡ ምዝራብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብ፡ ንዝደለኻዮ እምነት ምስዓብ ….ወዘተ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን መሰላት ክሕለዉን ክኽበሩንን …ወዘተ ኢዩ ሰበ ተጸብዩ።

ዘይብሉ ኣይህብን’ዩ

ዓረብ ክምስሉ ከለዉ “ዘይብሉ ኣይህብን ኢዩ” ይብሉ። ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ የለን፡ ጽዓት የለን፡ ፋብሪካ የለን፡ ትሕተ-ቅርጻ የለን፡ ምምሕዳር የለን፡ ዓቕሚ የለን ….የለን….የለን ኢሉ’ዩ ነቲ ክሕባእ ዘይክእል ሓቂ ካብ ገለጾ፡ ካብ ዝነደየን ዝጠፈሸን መራሒ እንታይ ክትጽበ ትኽእል። ድሕሪ የለን ኣይትሕተት ኢዩ እሞ፡ እቲ ኢሳያስ ቃለ-መ\ሓትት ክገብር ምምጽኡ ንህዝቢ ኤርትራ ከሀውትት እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ ከምዘይርከቦ ብኡንብኡ ኢዮም ንዓይን ይኹን ንብዙሓት ሰማዕቲ በሪሁልና።

ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳብ ምሓዝ

ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ቃለ-መሓትቱ “ክሳድ ምሓዝ” ትብል ቃል ደጋጊሙ ተጠቒሙላ ክነሱ ክሳድ ከይሓዘ ዕንክሊል ብምባል፡ ነተን ቅድሚ ሕጂ ዝሰማዕናየን …እዚ ገጂፍ ጕዳይ ኢዩ፣ ናብ ካልእ ክውጥጠና ኢዩ፣ ክሳብ ሕጂ እዚ ጌርና ክንብል ኣይንኽእልን ንዓመታ ንምጅማር ዘኽእለና ተመኵሮን ትምህርትን ግን ኣጥሪና ኣሎና፣ ኣነ’ኳ እዚ ናይ ስኳላታት፡ ሊቅነትን ፈሊጣውያንን መጽናዕቲ ኣሎና፡ ከም’ዚ እንተዀነ ከም’ዚ ክኸውን ኢዩ ዝብል ዘረባታት ኣየገድሰንን ኢዩ …ክብል፡ ክሳድ ከይሓዘ፡ ሓድሽ ነገር ከየምጽአ ከም ኵለን ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበረን ቃለ-መሓትታት ኣብ ዕንክሊል መሬት ዓሪባ።

ደሞዝ፡ መንበሪ ኣባይትን ትሕተ-ቅርጻን

ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተዛረበለን ሰለስተ ኣጀንዳታት ዘቤታዊ ጕዳያት ደሞዝ፡ መንበሪ ኣባይትን ትሕቲ ቅርጻን ዝብላ ኢየን። ፕረሲደንት ናይ ሃገር ዝኣክል ሰብ ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ዝርዝራትን ኣስተምህሮታትን ኣትዩ ኰለል ክብል ክትሰምዖ ከለኻ ስራሕ’ዶ የብሉን ኢዩ ዝብል ሕቶ ኢዩ ኣብ ኣእሙሮኻ ቅጅል ዝብለካ። ከምኡ’ውን፡ እቶም ሚኒስተራት ኢሉ ሸይምዎም ዘሎ ሓልፍቲ፡ ብዛዕባ’ዘን ኣጀንዳታት እዚኣተን ክዛረቡ ዘይክእሉ ሚኒስተራት ድዮም? ወይስ፡ ስለዘይኣምኖም ኢዩ?

ደሞዝ፡-

ብዛዕባ ደሞዝ ብጋዜጠኛታት ዝቐረበ ሕቶ፡ “ኵነታት ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትምልከት’ያ። ከምዝፍለጥ ኣብ 2016 ብዝተኣታተወ ሓድሽን ብዅሉ መዐቀኒታት ኣዕጋብን ተወዳዳርን ስርዓት ደሞዝ ኵሎም ኣብ ሰራዊት ዘለዉን ኣስታት 70% ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጠቐምቲ ኰይኖም ኢዮም። እንተዀነ፡ ኣብ’ዚ በብመድረኹ ዝትግበር መቃን ናይ ገዳይምን ትሕተ 12 ክፍሊ ዝደረጅኦም ሰራሕተኛታትን ምምሕያሽ ደሞዝ ዛጊት ኣይተጻፈፈን’ሞ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ነዚ ዝምልከት መደብ ናይ መንግስቲ እንታይ ኢዩ? ትብል ነበረት።

መልሲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ፡ እቲ መጽናዕቲ ብ2016 ከምዝተገብረ። ኣብ 2018 ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረ። እቲ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ደሞዝ 1,800 ናቕፋ፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ደሞዝ ድማ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ምሩቕ ናይ ዩኒቨርስቲ ኰይኑ 4,000 ናቕፋ ክኸውን ከምእተወሰነ ገሊጹ። ኣብ መንጐ’ዚ ደረጃታት’ዚ ድማ 3 ደረጃታት ምህላዎም፡ ማለት ኵሉ ኵሎም ሓሙሽተ መሳልላት ዘለዎ ስርዓት ናይ ደሞዝ ከም እተሰርዐ ገሊጹ። ነዚ ድማ ቅድም ብሰራዊትን በቶም ዝተሓተ መነባብሮ ዘለዎም ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሰራሕተኛታትን ክጅመር ተባሂሉ ኣብ 2018 ናይ ትግባረ መደብ ከምዝተገብረሉ ሓቢሩ። ኣብ’ቶም ናይ ከተማታት ሰራሕተኛታት ግን፡ ኣይተጀመረን። ንሶም ኣከናዊኖም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ርዱእ ኢዩ ኢሉ። ብንጹር ድማ ኣብ ሲቪል ሰርቪስ ደሞዝ ምሃብ ኣይተጀመረን ኢሉ።

ብሓጺሩ፡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ላዕለዎት ናይ ሰራዊት ሓለፍቲ፡ ኣብ ከተማታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣብ’ቲ ናይ ደሞዝ መቓን ኣይኣትዉን ዝብል ኢና በቶም ሓተቲ ይኹን በቲ መልሲ ዝህብ ዝነበረ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተገልጸልና። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ዋላ ገለ ካብ’ቶም 1800 ናቕፋ ክወስዱ ተወሲንሎም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ድማ ዝግብኦም ደሞዝ ክውሃቦም ስለዘይጸንሐ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ እቲ ዘይተዋህቦም ደሞዝ ክኽፈሎም ከምእተወሰነ ሓቢሩና። ስለምንታይ ኢዩ ዝተወሰነ ደሞዞም ክውሃቦም ዘይጸንሐ ንጹር መብርሂ ከይሃበ፡ ንሱ ከይፈለጦ ክኸይድ ዝጸንሐ፡ ካልኦት ዝፈጸምዎ ጕድለት ምዃኑ ከረድእ ፈቲኑ። እዚ እቲ ልሙድ ፈላሊኻ ግዛእ ኣብ ዝብል ፖሊሲኡ ዝተመርኰሰ ናይ ምድንጋር ስርሑ ኢዩ። ኢሳይስ እኳ ጥዑይ ኢየ፡ መሳርሕቲ ኢዩ ስኢኑ፡ ዝብል ንዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ መናፍሕ ብ03 ኣቢሉ ከምዘዋፍር ሎምስ ህዝብና ዝላደናሉ ስልቲ ኰይኑ’ዩ።

ቀጺሉ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብሰንኪ ናህሪ መነባብሮን ብሰንኪ’ቶም ብሕሱር ዋጋ ገዚኦም ብዝተዓጻጸፈ ዋጋ ዝሸጡ ኣዋቓዕትን (ኵሉ ዓመት ክኽሰሱ ንሰምዖም ነጋዶ ማለት ኢዩ) ሰራሕተኛታት በተን ዝውሃብኦም 1800 ናቕፋ ክነብሩ ከምዘይክእሉ ተኣሚኑ። ነዚ መፍትሒ ዝኸውን ድማ መንግስቲ ነዚ ናይ ምውቅቃዕ ቍጠባ ናይ ምልዛብ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ ክብል ተሰሚዑ። እዚ መዝሙር’ዚ ኣብ ኵሉ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ዝሰማዕናዮን ዝደጋገምን ምንጪ ጸገም ናይ መነባብሮ ኣነ ወይ ስርዓተይ ዘይኰነስ ኣዋቃዕቲ፡ ወያነን ኣመሪካን ዝፈጠርዎ ኢዩ ንምባል ዝግበር ሕሱር ምስምስ ኢዩ። ንሕና ጸገምኩም ንምፍታሕ ንጽዕር ኣሎና፡ ጸላእትና ግን ጌና ካብ ምዕንቃፍና ኣይዓረፉን እናበልካ ንፍሽለትካ ንኻልኦት ብምስካም ንህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ናይ “ግዳያት ኰና” ዝብል ስነ-ኣእሙሮ ንምቝራኑንን ንዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዝተማህዘ ሸርሒ ኢዩ።

ከም’ቲ ባዕሉ ዝበሎ፡ ብሓቂ ክሳድ ንምሓዝ እንተደኣኰይኑ ዝድለ ዘሎ፡ ንዅሉ ዕንክሊልን ኣስተምህሮን ናይ መላኽዒ ፕረሲደንት ገዲፍና፡ ኣብ ኤርትራ ደሞዝ ኢልካ ክትዛረበሉ ትኽእል ነገር የለን ኢዩ እቲ ጽሟቕ ቍም-ነገር ናይ’ቲ ቃለ-መሓትቱ። እትረፍ’ዶ ብ1800 ናቕፋ፡ ዋላ በተን ዝለዓለ ዝበለን 4000 ናቕፋ ንምንባር እውን ዘይከኣል ኢዩ። እቲ ህዝቢ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደቁ ብዝረኽቦ ሓገዝ ከምዝናበር ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሓገዝ’ዚ እውን፡ እቲ መንግስቲ ብዝተኣታተዎ ናይ ዘይተመጣጠነ ናይ ባጤራ ሸርፊ ኣብ ግዳም ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝልኣኽ ዝነበረ ገንዘብ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኢዩ።

መንበሪ ኣባይቲ፡-

ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ እንታይ ኢዩ እቲ መሰረታዊ ጸገም ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ሓንሳብ ምምሕዳርን ዓቕምን ኢዩ ኢሉ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ ማይ ኢዩ፡ ብዘይ ማይ ዝግበር የለን ክብል ተሰሚዑ። ኣብ’ዚ እውን ደው ኣይበለን ኣብ ጕዳይ ኣባይቲ ምስ በጽሐ ድማ፡ መንበሪ ኣባይቲ መሰረታዊ ኢዩ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኣድላይነት መንበሪ ኣባይቲ ኣስተምህሮ ክህብ ዘጥፍኦ ግዜ ዘስደምም ኢዩ።

“ዝዀነ ናይ ቍጠባ ናይ ልምዓት መደብ፡ ናይ እቶታውነት ናይ ማእቶት፡ ናይ ምህርቲ ምዕባይ ዝብሃል ብዘይ ናይ ኣባይቲ ሽግር ምፍታሕ ክፍታሕ ይከኣል’ዩ ዝብል ፈሊጥ እንተደኣ መጺኡኒ ካልእ ስራሕ እንተልዩ ኪድ ስራሕካ ስራሕ ክብሎ እኽእል ኢየ። እዚኣ ከይፈታሕካ ናይ መግቢ፡ ልብሲ፡ ልምዓት ዝብሃል ሽግር ክትፈትሕ ኣይትኽእልን ኢኻ” ዝብል መግለጺ ኣስሚዑና። መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ መብራህቲ መስመር፡ ናይ ማይ ቡምባታት፡ ናይ ሽቓቕ ቱቦታት፡ ናይ መራኸቢ ጽርግያታትን መስመራትን፡ ዕዳጋታት፡ ናይ ትምህርትን ሕክምናን ኣገልግሎታት ከምዘድልዮ እውን ወሲኹልና። ብዛዕባ ገነት እናዛረበ፡ ኣብ ገሃነም ዘንብረና ዘሎ ስርዓት ኢዩ። እዝስ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ንቕሓት ናይ ህዝቢ’ዶ ኣይኰነን!!!!?

ዝዀነ ኤርትራዊ፡ ዓቕሚ እንተልይዎ ኣብ ከተማ ናይ ገዛእ ርእሱ መንበሪ ኣባይቲ ክህልዎ ዘይደሊ የለን። ኣብ ክራይ ገዛ ክነብር ዝመርጽ ዝዀነ ሰብ የለን። እትረፍ’ዶ ኣብ ከተማ፡ ዋላ ኣብ’ታ እተወልደላ ቍሸት እውን ትኹን መረባዕ ክሃንጽ ዝምነ ህዝቢ እኳ ኢዩ እዚ ምዑት ተቓላሳይ ህዝቢ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ፡ ኣብ ግዳም ዝነብር ኤርትራዊ መንበሪ ዝዀኖ ኣባይቲ ክሰርሕ፡ ኣብ ሃገሩ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ናይ ምስናዕ ድዩ ናይ ንግዲ ትካላት ከቕውም ክጓየ ኢዩ ተራእዩ። እንተዀነ ግን፡ ግዝያዊ መሰጋግሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ፕሮጀክትታቶም ሰሪቑ፡ ኣብ ባንክታትን ፎንድታትን ዘእተዎ ገንዘብ ዘሚቱ፡ ንዝሃነጽዎ ኣባይትን ትካላትን ኣዕንዩን ብወደባት ዝኣቱ ንብረት ዘሪፉን ኣይብልዑ ኣይስተዩ ገይሩ ነናብ ዝመጽዎ ሃገር ከምዝምለሱ ምግባሩ ዝፍለጥ ኢዩ። ሃብታማት ኤርትራ ድማ፡ ወስ ቀስ ከምዘይብሉ ገይሩ ስለዝሓዞም ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ገንዘቦም ከዋፍሩ ተገዲዶም ኢዮም።

ንከተማታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንርእሰ-ከተማ ኤርትራ ዝዀነት ኣስመራ፡ ዝደወነ ስርዓት ብዛዕባ ኣባይቲ እንታይ ከመስሉ ኣለዎም ክዛረብ ክሓንኽ ኢዩ ዝግብኦ። ነዚ ዕንወት’ዚ ንምሽፋን ከኣ፡ ንሕና ኣብ ከተማታት ንዘሎ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ርሑቕ፡ ኣብ ገጠራት ዝነብር ኢና ንግደስ ክብል እውን ሰሚዕናዮ። ገጠራት ይኹና ከተማታት ኤርትራ ሎሚ ህዝበን ክነብረለን ናብ ዘይክእል ሲኦል ከምዝተቐየራ፡ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት እኹል ምስክርነት ኢዩ።

ትሕተ-ቅርጻ፡-

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሃገርና ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ዝብል ኣብ ኣገልግሎት (service) ምሃብ ዘትኰረ ናይ ቍጠባ ራእይ ኢዩ ነይሩ ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ። ክንደይ ሚኒስተራትን ሓለፍትን እውን ናብ ምብራቕ እስያ ዑደት ክገብሩ ተራእዮም። ሕጂ ድማ፡ ሓድሽ ኣብ ምፍብራኽ (industrialaization) ሰደድን (export) ዘቕንዐ ቍጠባ’ዩ ዘድልየና ዝብል ሓድሽ ራእይ ከናፍስ ይስማዕ ኣሎ። “…ኣብ ምምስራሕ ገጹ ዝኸይድ ኣብ ክብሪ ምውሳኽ (value adding) ዝኸይድ ቍጠባታት ክትፈጥር ክትክእል ኣሎካ። ናይ ውሽጢ ኣውፋሪ ናይ ደገ ኣውፋሪ ኣይኰነን እቲ ሕቶ ንሕና ዘድልየና እቲ ባይታን እቲ ሃዋህውን ከነዋድዶ ኣሎና…” ኢሉ ምግልባጥ ዘይእግሞ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ክምልስ ተሰሚዑ።

ሃብቲ ንምፍጣር ከኣ እቲ ትሕተ-ቅርጻ ክዋደድ ኣለዎ። ጽርግያታት፡ መዓልቦ ነፈርቲ፡ ናይ ባቡር መስመር፡ ናይ ኤለክትሪን ናይ ማይን ኣገልግሎት ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ክንቅርብ ክንክእል ኣሎና። ነዚ ንምግባር ብሽርክነት ምስ ዞባውያን ሓይልታት ክስርሓሉ ምዃኑ ድማ ኣሚቱ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ንወደባት ኤርትራ ብጽርግያታት ምስ ውሽጥን ጐረባብትን ሃገራት ምርኻብ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝርከባ ማርሳታት ድማ ነንሓድሕደንን ምስ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ከምዝተኣሳሰራ ምግባርን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝበጽሕ ጽርግያታት ምውዳድን ከምዘድሊ ተገሊጹ።

ኤርትራውያን ኣውፈርቲ እኳ ክሳብ ዝኣኽሎም ተዳሂኾም ስለዝዀነ ሕጂ በየናይ ዓቕሞም ምስ ዞባውያን ሃብታማት ሃገራትን ህዝብን ክወዳደሩ። እዛ ንገለ ኣዋርሕ ዶብ ዝተኸፍተትላ እዋን እንተዀነ እውን፡ ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ከወዳድሮም ዝኽእል ዓቕሚ፡ ናይ ትምህርቲ ድዩ ሃብቲ ድዩ …ወዘተ ከምዘይነበሮም ተመስኪሩ ኢዩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ እውን ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ዝብሃል የለን ካብ’ቶም ተመሃሮ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓልፉ 15% ኢዮም እቶም ዝተረፉ 85% ካብ 12 ክፍሊ ንታሕቲ ኢዩ ደረጃ ትምህርቶም ኢሉና።

ጩግራፍሲ ነብሳ ባዕላ ሃሪማ፡ ባዕላ ተእዊ

ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትእኽልን ኢኻ። ስርዓተ-ትምህርቲ ካብ ሱሩ ክቕየር (overhaul) ኣለዎ ክብል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ተሰሚዑ። ብቐዳምነት መን’ዩ፡ ነቲ ትምህርቲ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ኣውዲቕዎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ድዩስ ወይስ ከም’ቲ ኵሉ ግዜ ዝዝርግሖ ፕሮፕጋንዳ ወያነን ኣመሪካን ኢዮም ዝብል ሕቶ ኢዩ መጀመርያ ክምለስ ዘለዎ። ኣይድግፉንን ኢዮም ንዝብሎም መምህራን ሞያኦም ከየገደሶ ብፖለቲካዊ መርገጻቶም ዝጸልጸለ፡ ነታ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ ናብ ናይ ሞያ ኮለጃት ዝቐየረ፡ ንትምህርቲ ምስ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝቖረነ (ንትምህርቲ regimentalize ዝገበረ): መን’ዩ? ስርዓት ህግደፍ’ዶ ኣይኰነን። ኢሳያስ’ዶ ኣይኰነን።

ኢሳያስ፡ ዝሓለሞ ሕልምታት ንምርግጋጽ ንበይኑ ጐዩ ምውዳእ ምስ ኣበዮ፡ ሕጂ ብስም ሰደድ ዝተመስርሐ ኣቝሑ ንኤርትራ፡ መንሃርያ ናይ ወፍሪ ናይ’ቶም ሓደስቲ ጐይቶቱ ክገብራ ዝወጠነ’ዩ ዝመስል። … ኣነ ናይ ወጻኢ’ዶ ናይ ውሽጢ ኣውፈርቲ ዝብል ናይ ፈሊጥ ዘረባ ኣይርድኣንን’ዩ። ንሕና ምቹእ ሃዋህው ከነዋድድ’ዩ ዘድልየና። ሽዑ ናይ ውሽጢ ድዮም ናይ ግዳም ኣውፈርቲ ኣብኡ ክዋስኡ ይኽእሉ… ኢሉ። ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ፡ ንዓሻን ደርጕሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ ኢዩ ነገሩ። በጻብዕ ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘለዉና ንፈልጥ ኢና። እዚኦም ግን እኹላት ኣብ ርእሲ ዘይምዃኖም በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸሞ ጸቕጥታትን በደላትን ባህሪሮም ንሃገሮም ራሕሪሖም ዝኸዱ ስለዝዀኑ፡ ኣብ’ቲ ስርዓት ዘለዎም እምነት ተጸንቂቑ ኢዩ። ስለዝዀነ፡ ሕጂ ዝድለዩ ዘለዉ ኣውፈርቲ ካብ’ቶም መሻረኽተይ ዝብሎም ሃገራት ስዑድያ፡ ዓረብ ዓማራት፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝመጹ ክዀኑ ምዃኖም ምግማት ዘጸግም ኣይመስለን ኢዩ። ኤርትራውያን ግን፡ ከም’ቲ ኢሳያስ ዝበሎ፡ ኣውፈርቲ ዘይኰነስ፡ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወሲዶም ኣብ’ተን ብወጻእተኛታት ዝቖማ ናይ ወፍሪ ትካላት፡ ጽርግያታት፡ ወዘተ ሰራሕተኛታት ኰይኖም ጕልበቶም ሸይጦም ክነብሩ ዝተፈርዱ ኢዮም ዝመስሉ።

ኣብ መደምደምታ፡ ዕላማ ናይ ቃለ-መሓትት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንዓይ ከምዝተረድኣኒ ኣብ ሰለስተ ጕዳያት ዘትኰረ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ዕላማኡ፡ ኣብ ቅርሕንቲ ዝተመርኰሰ ኰይኑ ምስ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ብልጽግና ፓርቲ ጽምዶ ብምፍጣር ንህወሓት ኣብ መቓቕሮ ምእታውን ምድኻምን ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ዕላማኡ ድማ፡ ነቲ ”ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝኣምን ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ፣ ኣይከሰርናን፡ ኵሉ ዘጥፍኣናዮ መሊስናዮ ኢና፣ ዕድል ናይ ሰለስተ ወለዶታት ብዘይ ምኽንያት ባኺኑ፤ ኣብዪ ክትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ፡ ኣነ ድማ ክኽተለካ ኢየ …ወዘተ” ዝብል ብፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተዋሀበ መግለጺታት ዘስዓቦ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ (ናይ ይኣክልን ካልእ ናይ ውሽጡ ተቓውሞን) ንምክሕሓስ ወይ ንምሕዋይ ኢሉ ዝገበሮ ፈተነ ኢዩ። ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ሓተታይ ዝገለጽክዎ ብፕረሲደንት ዝተዋህብዎ መምርሒ መሰረት፡ እቶም ጋዜጠኛታት፡ “ክቡር ፕረሲደንት ካብኡ ከይወጻእና ተራ ወይ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት ማለት 80 ዓመታት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ከመይ ተንብቦ? ኣብ መጻኢ’ኸ ከመይ’ዩ ክኸውን”? ዝብል ሕቶ ዘቕረብሉ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ከኣ፡ ኵሉ ናይ ኤርትራ ሽግር ጠንቁ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸን ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈልን ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ክፍወስ ዘይከኣል ሸታሕታሕ ክፍውስ ፈቲኑ። እቲ ዝኸፍአ ደረጃ ድማ በታ ብኢህወደግ እትምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ብድሆታት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕጂ ኢዱ ኣጣሚሩ ከምዘይርእን ምስ መንግስቲ ሰልፊ ብልጽግና ብጽምዶ ክሰርሕ ምዃኑን ሕንኽ ከይበለ ናይ ኢድ ምትእትታው ዕላማታቱ በጨቕ ዘበለ።

እቲ ሳልሳይ ዕላማ ናይ’ቲ ቃለ-መሓትት ድማ፡ ምስ ዞባውያን ሓይልታት (ኢትዮጵያ፡ ስዑዲ ዓረብን ዓማራትን) ብምሽራኽ (ብ synergy ብምስራሕ) ኣብ 2021 ዝጅምር ናይ ልምዓት ወፍሪ ክህሉ ምዃኑ ንምእማትን ንህዝቢ ብተስፋ ከምዝጽበ ንምግባርን ኢዩ።

ተፈጸመ።

ጉዳያት ምሕባእ፡ ምናልባት እንተመለቑዎ ድማ ምኽሓድ ቀንዲ ባህርያት ጉጅለ ህግዲፍ እዩ። እዚ ሜላ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘርእዮ ጠባይ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብሰፊሑ ክንርእዮ ዝጸናሕና እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብዚ መዳይዚ ኣዝዩ ሕሙም ክነሱ፡ ጥዑይ መሲሉ ንምቕራብ ዝጥቀመሉ መንገዲ ከምቲ “ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ዝበሃል፡ ከም ቻይና፡ ቨንዝዋላ፡ ኩባን ራሻን ዝኣመሰሉ ተመሳሳሊ ኢንታ ዘለዎም መንግስታት መሰኻኽር ገይርካ ምቕራብ እዩ። ንሳቶም ከምዚ ኣብ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተራእየ፡ ዓይኖም ዓሚቶም ይምስክርሉ ንሱ እውን ከምኡ ንምስክርነት ደኣ ኣይበቅዕን እምበር ይምስክረሎም።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ብኩራት መስርሕ ፍትሒ፡ ምስዋርን ብዘይ ፍርዲ ምድጓንን እሱራት፡ ምግሃስ መሰላት እምነት፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምእካብን ….. ኢልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ግህሰታት ሓቢእካ ክሕባእ ስለ ዘይከኣለ፡ ህግዲፍ ብሓሳዊ ምስክርነት ደቂ መዛምሩ ክድሕን ኣይከኣለን።

እቲ ካልእ ህግደፍ ሓጥያቱ ንምኽዋል ዝጥቀመሉ መንገዲ፡ ብሓፈሻ ኣብዚ ዛዕባ ዝግደሱ ኣካላትን ባእታታትን ብፍላይ ድማ እተን ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ኤርትራ ክከታተላ ዝምዘዛ ሰብ መዚ ናብ ኤርትራ ከይኣትዋ ምኽልካል እዩ። ኢሳይስ ነዚ ከም መፍትሒ ዝወስድ ንሱ እምበር፡ ዓለምና ኣብ ናይ ዘመናዊ መራኸቢ ጸልማት ከምዘየላ ስለ ዘይርዳእ እዩ። ዋላ እቲ ንሱ ክሓብኦ ዝደሊ ኣብ ከምዚ ናይ ቀረባ መዓልታት መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እንተተነግሮ በቶም ናብ ግኡዝ ነገር ቀይሩ ዝልእኮም በዓል ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣቢሉ ዘይሕባእ ክሓብእ ይፍትን እሞ መስሓቕ ሸራፋት ይኸውን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ወገናትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ዓሚቕ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝምልከት፡ በብግዜኡ ዝቐርበሎም ውሳነታትን ለበዋታትን ከተግብር ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ዘሕምም ተጽዕኖ ብዘይምሕዳሮም ዕቃበና ከነንብር ጸኒሕና ኢና። ሕሉፍ ሓሊፎም ህግዲፍ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኣባል ክኸውን ምምዛዞም ከኣ ካብ ዕቃበ ሓሊፉ ዘቖጥዕ እዩ። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን ከምቲ “ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብርእሳ ትወጽእ” ዝበሃል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ዝበሃል፡ እቲ ሓቂ ሓቂ እቲ ሓሶት ከኣ ሓሶት ካብ ምዃኑ ከምዘይሓልፍ ፍሉጥ እዩ። እነሆኳ እተን ኣብዚ እዋንዚ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተላ ዘለዋ ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ኣብ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብዝምልከት ናይ ቃል ጸብጻብ ምስ ኣቕረባ፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዝተፈላልዩ ወገናት ሻቕለቶም ይገልጹ ኣለዉ።

“ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ደረት ዘየብሉን ቀንዲ ጠንቂ ስደት መንእሰያትን ኮይኑ ዘሎን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ካልእ ሲቪላዊ ምርጫ ስራሕ ዘይምህላው፡ ጾታ ዝመሰረቱ ግህሰት፡ ግዱድ ውትህድርና ደቂ ኣንስትዮ፡ ሃሳይ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝርከቦ ዝፍጸም ዘሎ ሓደገኛ ግህሰት መሰላት ሻቕሎትና ቀጻሊ እዩ።” (ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መበል 43 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል)

“ኤርትራ ብሩህ መጻኢ ከም ዘለዋ ንኣምን። ምሉእ መሰል ኣብ ዝኽበረሉ ኩነታት ምስ ህዝባ ምትሕግጋዝ ክህልወና እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና በቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግህሰት መሰላት ሻቕሎትና ዕዙዝ እዩ። ኣብ ምኽባር መሰረታዊ መሰል፡ ሓርነትን ድሕነትን ህዝቢ ለውጢ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ርትዓውን ማዕርነታውን ኣተሓሕዛ እሱራት መሰረታዊ እዩ። ኣብ ናጽነት ሃይማኖታዊ እምነት፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምእካብን ለውጢ ክረኣይ ኣዝዩ ኣድላይ እዩ።” (ልኡኽ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ መበል 43 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል)

እዞም ወገናት፡ እቲ ዘሻቕል ኢሎም ጠቒሰምዎ ዘለዉ ዝርዝር ብመለክዒ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ሃለዋት እኹል ኣይኮነን። ዝያዳ ክዓሙቕ ነይርዎ። ከምቲ ግቡእ ንጉጅለ ህግዲፍ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ብዘይሕገ-መንስቲ ዝገዝእ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዘየብሉ፡ ካብ ምርጫን ተሳትፎ ህዝብን ዝሃድም፡ ብናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ኢሎም ክጅምሩ መተገብኦም። እንተኾነ ኣብዚ ሎሚ በጺሐምዎ ዘለዉ ሻቕሎት ካብ በጽሑ፡ ናብቲ ንጽበዮ ንወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ ብግቡእ ዘንጸባርቕ መርገጽ ከም ዝምዕብሉ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ፡ ተስፋ ዝህብ እዩ። ብዓብዩ ከኣ ንዓና ዝምልከት እንድዩ ንሕና ሰብ ጉዳይ ንመለኣዮ።

እቲ ሻቕሎት እውን ንህግዲፍ ብግብሪ ቀጺዑ ብሰብኣዊ ሕግታት ከም ዝግዛእ ዝገብርን ካብ ግህሰት ዝእድብን ክኸውን መተገበአ። እንተኾነ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ንሳቶም ኣብዚ ካብ በጽሑ ንሕና ከኣ በዚ ተተባቢዕናን ስምዕታና መኺኑ ከም ዘይተረፈ ተገንዚብናን ህግዲፍ ሓሶቱ ጸንቂቑ ጥራዩ ኢዱ ክሳብ ዝተርፍ ክንቃለሶ ኣለና። ናይ መርገጽ ለውጢ ብሓደ ጸሓይ ገዚፍ ኮይኑ ዝመጽእ ዘይኮነ፡ ብመስርሕ በብንእሽቶይ ከም ዝውህለል ክንኣምን ይግበኣና። እንተ እቲ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ዝብል ኣብ ጉዕዞ ህግዲፍ እውን ክትግበር ምዃኑ ብዙሓት ምልክታት ንርኢ ኣለና።

ዜናዊ ዕዮ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ጀርመን

Frankfurt Seminar 4

ድሕረ-ባይታ፦ እዞም ድሒሩ ስሞም ዚጥቀስ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ድሕሪ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ክሊ ሓድነታዊ ዛዕባ ዚተኻየዱ ዝተፋለለዩ መድያዊ ኣኼባታትን ናይ ዕላማ ምድላዋትን፣ እንሆ ሎሚ ንኣባላት ናይዞም ብቚጽሪ 14 ዚበጽሑ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝነብሩ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ብኣካል ተራኺቦም ናይ ክልተ መዓልታት ዝወሰደ ሰሚናር ብምክያድ፣ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ተንጠልጢሉ ዘሎ ከቢድ ናይ ዕንወትን ፋሕብትንን ሓደጋታት ዘድሕን መዋጽኦ ንምፍታሽ ተጋቢኦም።

Frankfurt Seminar 5

ኣጀንዳታት ሰሚናር፦

  1. ተመክሮ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ንሓድነት ዝዓለመ ፈተናታትን ኣብ መዋእል ፖለቲካዊ ቃልስና እንታይ ይመስል ጸኒሑን ኣሎን
  2. ነዚ ዝሓለፍናዮ ተመክሮ - ብንጹር ፈሊጥናን ፈሊናን - ብምርኣይ፣ ቅኑዕ ገምጋም ኣብ ልዕሊኡ ከነቐምጥ፣ ብኡ መጠን ከኣ ንዝተጋገናዮ ከንእርም፣ ንዝተጎዳእናዮ ከኣ ከንፍውስ ይግብኣና። እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ምእንቲ …እንታይ ዓይነት ረቛሒታት ክማላእ ይግባእ? ካብ ዝጸናሕናዮ ጽልግልግ መዋእል ወጺእና ክንርእዮም ዘሎዉና ነገራት ምፍታሽ
  3. ኣብ’ዚ ዘሎናዮ መድረኽ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ በደላት መሪርዎ፣ ኣብ ክጻወሮም ዘይክእል ደረጃ ተሰጋጊሩ ከም ዘሎ ነፍሲ ወከፍና እንምስክሮ ሓቂ እዩ። ነዚ መበገሲ ዝገበረ ብውሽጥን ብደገን ንውልቀ-መላኺ ዝብድህ ናይ ተቓውሞ ማዕበል - ብ”ይኣክል” ዝልለ - ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም፣ ከምኡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ጀርመን ይካየድ ኣሎ። ነዚ ኣገዳሲ መድረኻዊ ክስተት’ዚ ዘሎና ሚዛን
  4. ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ሃገረ-ጀርመን ሜዳ ሓላፍነትን ድሩትነትን። መሰረታት ፖለቲካዊ ውድባት ክህልዎም ዝኽእል ስልጣን

Frankfurt Seminar 8

ክትዓት ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ቀዳማይ ዛዕባ

ሓይል ጎኒ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ

ሀ/ ብቀጻሊ ተወዲብካ ምቅላሱ

ለ/ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተነታትን ዓቕሊ ጽበትን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ሃገራዊ መስመርን ዘርኣዮ ቅኑዕ       ተኣማንነቱ

ድኹም ጎኒ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ

          ሀ/ ሓቢርካ ዘይምስራሕ፣ ጸላኢኻ ብግቡእ ኣለሊኻን ፈሊኻን ዘይምምካት

          ለ/ ቅድምያታት ሃገርን ህዝብን ምዝንጋዕ፣ ሕቶ ስልጣን ኣብ ዘይግዜኡን ቦታኡን ምትሕውዋስ

ሐ/ ክብሪ ሕድሕድካ ዝጥሓሰ ስነ-ግብርን ሞራልን ምዝውታር፣ ንሰባትን ንርእይቶኦምን ፈላሊኻ ዘይምርዳእ

ንሓቢርካ ምስራሕ ቀንዲ ዓንቀጽቲ እናተባህሉ ካብ ዝተጠቕሱ ነገራት፣ ከም ኣብነታት

  • ሕቶ ስልጣን ቅድሚ ሕቶ መትከል ስለ ዝርአ
  • ኣብ ዘይመሰረታውያን ኣገባባት ዘሎ ኮለላት፣ ብጎነጽ’ዶ ብሰላማዊ መንገዲ ንህላው ህግደፋዊ ምልኪ ካብ ሃገር ትኣልዮ
  • ነንውድብካን ነንመሪሕነትካን ጸቕጢ ብምግባር ካብ ጽጋብ-ኣሕዋት ክወጹ ከሎዉ ዓገብ ዘይምባል
  • ንህዝቢ ዘስርሕን ዘሳትፍን ኣገባብ ቃልሲ ዘይምኽታል፣ ንህዝቢ ዕዮ-ገዛኡ ክገብር ዘይምምራሕ። ሃገር ንኩሉ ወዲ ሃገር ስለ ዝዀነ፣ ህዝብናን ቅዋሙን ዝሃበና ክንከውን ምባል ብሓደ ሸነኽ፣ ኣበዮ ምግብኣት ብሕቶ ስልጣን ምውጣጥ በቲ ካልእ ነንባዕላቶም ተጻረርቲ ጕዳያት ምዃኖም
  • ሓደ ጠርናፊ ባይታ ወይ’ውን ባይቶ ኣቝምካ ከተብቅዕ ተመሊስካ ከኣ ናይ ኮታ -ናይ ካባናን ካባኹምን - እኽብካብ መሪሕነት ከተቑውም ዝርኣ ፍርቂ-ብሱል ዕዮታት
  • ንባህላዊ ያታና - ባይቶኣዊ ልምድታትን ሕጊ-እንዳባን - ምስ ህልዊ ጠላባት ሕቶ ስልጣን ከነዋስቦ ዘይምኽኣልና

Frankfurt Seminar 6

ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ካልኣይ ዛዕባ

ንፍረ ሰውራ-ኤርትራን ጻማ-ጻዕሪ ህዝብናን ከይነስተማቕር እቲ እንኮ ዕንቅፋት ህልውና ጕጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ምዃኑ ዝኾኑ ክልተ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ዘይፋላለይሉ ጉዳይ ኴይኑ’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኻድን ምስ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ምስጡር ስምምዓት ብምኽታሙን ሎሚ ዝርኣ ዘሎ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ፣ ንባሕርናን መሬት-ዓደቦናን ከኣ ዳግም ኣብ ረግጺ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዘእቱ መናውራት፣ መን’ዩ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ እንዳዀነ መጺኡ’ሎ። ምእንት’ዚ፣ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ቅድሚ ኣህጕራዊ ዲፕሎማስያ ብቑዕ መተካእታን ተግባሪ ዓቕሚን ንምጽዓድ ሓደ ሰፊሕ ግንባር ናይ ደለይቲ ፍትሒ ክቘዉም ኣለዎ። ቅድሚ ዝኣገረ ንቅድምያታት ልኡላዊት ሃገር ዘውሕስ ስጕምታት ክውሰዱ ከኣ ቆጸራ ዘይህብ ጕዳይ ኴይኑና ኣሎ። እቲ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ድሒሩ ከኣ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘጥፍኣ ጕጅለ፣ ሎሚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነናን ዕድሜናን ምስ ተረፍ-መረፍ ደርግን ሓይሊ ዶር. ኣቢይ ኣሕመድን ብምምሕዛው ታሪኽ ክድገም ንርእዮ ኣሎና። ናይ’ዚ እዋን ጠለብ

  • ብዘይ ውዓል ሕደር ንስርዓት ህግደፍን ውልቀ-መላኺ ኢሰያስን ምልጋስ
  • ናይ ስልጣን ሕቶ ምስ ምቛም ቅዋማዊት ሃገረ-ኤርትራ ጥራይ ከም ዝተኣሳሰርን ዝለዓልን ምፍላጥ
  • ሕቶ መሬትን፣ ሕቶ ቅዋምን፣ ሕቶ ባንዴራን፣ ናይ ህዝቢ ዋንነት ምዃኑ ክስመረሉ

 

ክትዓት ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ሳልሳይ ዛዕባ

  1. ስቪካዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን (ይኣክል) ዘይፋላለ ኣካል ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን እዮም።
  2. ንሕና ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣካል ዝተባህለ በርጌሳዊ ማሕበራት ጥራይ ዘይኮናስ፣ ቀንዲ ኣበገስቱ ኢና’ውን ክንብል ንኽእል ኢና።
  3. ዘሎናዮ መድረኽ ቃልሲ ጸረ-ህላወ ምልኪ ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ብፖለቲካ ዝተወደበን ብበርጌስ ዝተወደበ (ዘይፖለቲካው)ን ተባሂልካ ምፍልላይ ከብቅዕን፣ ኩሉ ትዅረት ቃልስና ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ከቕንዕን ኣለዎ!
  4. መንእሰያት ምጥርናፍን ምውሳእን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ። እዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ’ዚ ዝወረዶ ፍሉይ ማህሰይቲ ኣለሊኻ ምእላዩን ምትብብዑን ሎሚ’ውን ሓላፍነት ናይ’ቲ ምእንትኡ ኩሉሻብ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ደላይ-ፍትሒ ካብ ቀዳማይ ወለዱ ክመጽእ ይግብኦ። ምእንት’ዚ ብንቕሓት ምስ መንእሰያት ዝምድና ምንዳይ።
  5. ደቂ ኣንስትዮ ዘሎወን ግደ ኣብ ቃልሲ ትማልን ሎምን ብኣትክሮ ምስትብሃል። ኣዴታት ምስ’ቲ ኣብ ስድራ-ቤት ዘሎወን ዝያዳ ጾር፣ ናይ ሃገርን ህዝበን ጾር’ውን ከም ኵላትና ብጽሒተን ኣለወን። ምእንት’ዚ ንተደራራቢ ዕማማተንን ሸኸምን ኣብ ግምት ዘእቱ ምትብባዕን ደገፍን ክወሃበን ግቡእና’ዩ። ውጽኢት ፍረ ኣስተዋጽኦ ናታተን ከአ ተመሊሱ ነዚ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ጥቕምን መዓላን’ዩ።

ክትዓት ተጋባእቲ ሰሚናር፦ ኣብ ራብዓይ ዛዕባ

ተጋባእቲ ሰሚናር ኣባላት ዝተፋላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን እዮም። ስለዚ ናብ ወውድባቶም/ሰልፍታቶምን መራሕቶምን ዘሎዎም ታኣማንነት መርገጻዊ እምነትን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ይኹን እንበር ንሕሉፍ ናይ ምፍልላይ ተመክሮ ብዘየዳግም ብኣሉታ ሚዛኖም ስለ ዘቐመጡ፣ ኣብ ሃገር ጀርመን ብሓደ ክሰርሑን ናይ ሓበር ሰፊሕ ግንባር መታን ክፍጠር ብዘለዎም ዓቕምን ውድባዊ ጽልዋታትን ተጠቒሞም ናናብ ውድባቶምን መሪሕነታቶምን ጸቕጢ ክገብሩን ርእዮም።

  • ሓድነት ሓይሊ’ዩ
  • ብሰንኪ ፍልልያትና በዂሩ ዘሎ ዓቕሚ ውዱብ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ዳግም ክበራበር’ዩ
  • ብሰነኪ ምፍልላይ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ውዱብ ዓቕናምና ብሰብ፣ ብንዋት፣ ብንያት ብዝተዓጻጸፈ ክብርክት’ዩ
  • ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና በዚታት ተታባቢዑ ኣድላዪ ሓድሕዳዊ ምቅርራባትን ስጉምትን ክወስድ’ዩ
  • ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓንኬል ብሓደ ምምካት ንደላይ ፍትሒ ከም መተካእታ ሓይሊ ከጥምቶ’ዩ

Frankfurt Seminar 7

ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ፣ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ!

ኣባላት/ተሳተፍቲ ሰሚናር ዝነበሩ ውድባት ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

  1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
  2. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  3. ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
  4. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
  5. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  6. ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ/ሕድሪ
  7. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ (ሰደኤ)
  8. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
  9. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  10. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ
  11. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓደለ)
  12. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
  13. ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
  14. ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ውድባተን ሰልፍታትን ኣብ ጀርመን

ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ፡ ብመልክዕ ተቓውሞ ኣዕናዊ ገበናትን ተግባራትን ጃንዳ ህግደፍ ተሰሊፈን ዓገብ ካብ ዝብላ 29 ዓመታት ኣቝጺረን። ይኹንምበር ኣብ ልዕሊ ጕጅለ ኢሳያስ ዘሰንብር ዘሰክፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ መተካእታ ዝኸውን ናይ ተስፋ ሓይሊ ምዃነን ዘተኣማምን ምልክት ከርእያ ኣይከኣላን።

እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ፡ ኣብ ውሽጠን ሓደ መድሃኒት ዘይተረኽቦ ረማሲ ሕማም ምህላዉ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ከይፈወስካ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምዃን ዘይሕሰብ‘ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ እንሆ እታ ብክቡር መስዋእቲ ዝተረኽበት ልኡላውነት፡ እዚ ከዳዕ ውልቀ መላኺ ከም ናይ ውልቁ ንብረት ክጠላዓላ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ኣብዚ እዋን‘ዚ ብሂወት ከሎና ብሃገርናን ህዝብናን ዝላገጽ ኣይነፍቅድን ኢሉ ሓቢሩን ሓሪኑን ዘይለዓል ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ኣለኹ ምባሉ ትርጉም የብሉን። ትማልስ ልኡላውነት ሃገር ከም ህሉው ሓሲብና ቅዋም ይተግበር፡ ብቅዋም መሰረት ባይቶ ኣቚምና ዝጐደለ ንመልእ ካብ ዝብል እምነት ነቒልና ቅዋም ክትግበር፡ እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብ ሕቶ ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ነቕርብ ኔርና። እዚ ኣብ ሎሚ ኴንካ ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ካብ ምምህላል ዘይሓልፍ ልሙስ ወይ ምእዙዝ ዓይነት ሕቶምበር፡ ሕቶ ተቓወምቲ ሓይልታት ክኸውን ዝግባእ ኣይነበረን።

ናይ ብሓቂ ንለውጢ ዝቃለሳ ሓይልታት ክወስድኦ ዝነበረን መርገጽን መደብዕዮን፡ ኩሉ ዓቕመን ብሓደ ጸሚደን፡ ፍልልያት ወጊደን፡ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ገሃነማዊ ጨቋኒ ስርዓት ብሓይለን ክገላገላሉ ዝኽእላ ውልውል ዘየብሉ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ምውሳድ ጥራሕ‘ዩ። ነዚ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ሓድሕድ ክካሰሳን ከም ቀቓዊት ደርሆ ንግሆ ንግሆ ውድባት ክጫጭሓን መዋእለን ስለ ዘሕለፋ፡ እንሆ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉስ ናብታ ህዝብና ፈንፊኑን ኣንጻራ ተቓሊሱን ነጻ ዝወጸላ፡ ከም ጐረቤት እምበር ከም ኣደን ኣካልን ዘይቅበላ ኢትዮጵያ ንምሕዋስና ክጽዕር ንርኢ ኣሎና። እዚ ከኣ ከምቲ ሕማቕ ዋና ዘለወን ኣባጊዕ ወኻርያ ትጻወተለን ዝበሃል ምስላ፡ ደምበ ተቓውሞ ብርቱዕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘይኮነስ፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ክነውሕን ከዳዕ ኢሳያስ ድላዩ ክፍጽምን ርሒብ ዕድል ብምሃበን ነፍሰን ክወቕሳን ንህዝበን እቕሬታ ክሓታን ንምኽሓሱ ብሓደ ክብገሳን እዋኑ ሕጂ‘ዩ።

እዛ ዕድል‘ዚኣ ብኣውራጃ፡ ብወገን፡ ብስልጣን ክቈራቘሳ እንተኣምሊጣተን ግን፡ ብሃገራዊ ጥልመት ካብ ናይ ኢሳያስ ብዘይንእስ ተኸሰስቲ ምዃነን ክርድኣ ይግባእ። ኣብዚ ሃገርና ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ትሰሓገሉ ዘላ እዋን፡ ብዛዕባ ድሕሪ ምህላው ሃገር ክለዓል ዝግብኦ ኣጀንዳ ኣልዒልካ ምፍልላይ፡ ካብ ዘይብቕዓት ሓሊፉ ክሕደትን ጥልመትን ሰማእታት ዘመልክት‘ዩ። ብሓድነት ንጃንዳ ህግደፍ ምልጋስ ንበገስ ማለት፡ ወውድባትና ኣፍሪስና ኣብ ሓንቲ ንጠርነፍ ማለት ከም ዘይኮነ፡ ንባዕሉ እዛ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ድፋጭኡ ተስትዮ ዘላ ኣዕናዊት ውድብ ህግደፍ ህያው ምስክር‘ዩ። ሓደ ምዃን ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሃገር ናይ ምድሓንን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ነናትካ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ሃልዩካ፡ እታ ሃገር ምስ ደሓነት ኣብ ጽላል ሃገራዊ ቅዋምን ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ዓውድን ተወዳዲርካ ስዒርካ ክትመርሕ ተሳዒርካ ክትምራሕ ድሉው ምዃን‘ዩ።

እቲ ስልጣን ናይ ህዝቢዩ እናበልና ተሓቢእናሉ ዘሎና መጋረጃ ዝቕንጠጠሉ ኣገባብ ድማ እዚ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሕደግ ሎሚ ብከቢድ ስቓይ ተማሂሩስ ኣብቲ ኣብ ዘመን መግዛእቲ ዝነበረሉ እዋን‘ውን ባዕሉ ቈጽሊ ዘየውደቐሉ ክመርሖ ከም ዘይደሊ፡ ዝመርሖ ዝመርጸሉ ፍሉይ መለክዒ ዘለዎ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንመን ይመርጽ ዕድል ክወሃቦ ጥራሕ‘ዩ ዝግባእ።

ኣብዚ ብዘየወላውል ክንጸር ዝግባእ እንተልዩ፡ ከምቲ ላም ፍርቂ ጎና ሰቢሓ ፍርቂ ጎና ነይትዓብር ዝብልዎ ኣቦታትና፡ ሓንቲ ኣውራጃ ብዘይተን ካልኦት ኣውራጃታት፡ ሃይማኖት ምስልምና ብዘይ ሃይማኖት ክርስትና ወይውን ሃይማኖት ክርስትና ብዘይ ምስልምና ምልእቲ ወይ ስብሕቲ ኤርትራ ክትህሉ ዘይከኣል ምዃኑ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ‘ዛ ብኩሉ ዓይነታ ዝተማልአት ኤርትራ ዝርከቡ ንኣሽቱ መሰናኽላት ከኣ ኣብ ፍትሓዊ ባይቶ ዓደቦ ዘቲኻ ዝፍትሑን ዝስተኻኸሉን ምዃኖም ክንኣምን ይግባእ። ኣብዚ ክንበጽሕ ግን ናይ ሎሚ ዘሎ ቀሊል ዘይኮነ ሃገራዊ ብድሆ ክንምልስ ኣዝዩ ዘየገላብጥ ጸቢብ ግዜ ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣብ ተግባር ምውፋርን ሃገር ምድሓንን‘ዩ። እዚ ከኣ ምንቅስቓስ ይኣክል ምስ ኩለን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ብሓደ ንምስራሕ፡ ብፍላይ ውድባትን ሰልፍታትን ወይ ከዕግብኦ ወይ ክስዕብኦ መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ‘ዩ። እቲ ጉዳይ ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ዝፈላልየና የለን። ፍልልይ እንተልዩ ኣብ መን መርሐ ዝብል ሕቶ ኮይኑ ብህዝቢ ዝምለስ ዛዕባ‘ዩ።

ስለዚ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ከምቲ ሓጋዚታ ዝረኣየት ዓሻ ሰበይቲ መዲዳ ትሓብእ ዝበሃል ምስላ፡ ነዚ ብነድሪ ተበጊሱ ዘሎ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ጎኑ ተሰሊፈን ክሰርሓን ንባዕለን ኩሉ ዘየፍሪ ምትርማስ ኣወጊደን ህዝበን ንምኽሓስ ሃገረን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዓጸፋ ክሰርሓን ይግባእ። በዚ መሰረት ከኣ ነዞም ከዳዕ ኢሳያስ ብዝኸፈተሎም ዕድል ተጠቒሞም፡ ልኡላውነትና ረጊጾም ስኖም እናመወጹ ኣብ ሃገርና ኣትዮም ተጠቀምቲ ወደባትናን ጸጋታትናን ንምዃን ዘንባህቑ ዘለዉ በዓል ተኣምራት ነገራን መሰልቱን፡ ኤርትራ ከም ወትሩ ዋናታታ ከም ዘሎናያ ከነረጋግጸሎም ዝግበኣና ሎሚ‘ዩ። ኣብዚ መስርሕ‘ዚ ዓቕምን ሓላፍነትን ሓይልታት ምክልኻል ጎሲኻ ዘይሕለፍ ቀንዲ ሃገራዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ዋላ እቶም ብፍላጥ፡ ብጠቕሚ፡ ወይ ብግርህነት ሃገር ትከላኸሉ ዘለኹም መሲሉኩም ግን ንዕምሪ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩም ገበን ዝፈጸምኩም ከይተረፈ፡ ነዚ ኣብ ሃገርኩም ዝግበር ዘሎ ገበንን ምፍራስ ሃገራዊ ልኡላውነትን ተገንዚብኩም፡ ኣብ ጐድኒ ህዝብኹም ክትስለፉን ታሪኽኩም ከተሐድሱን እዋኑ ሕጂ‘ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሓዳግን እቕረበሃልን ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ምስ ትኽሕስዎ እቲ ቀደም ኣብ ልዕሌኹም ዝነበሮ ልዑል ኣኽብሮት ከም ዝመልሰልኩም ክትተኣማመኑ ይግባእ። ስለ ዝኾነ ኩሉ መሰናኽል ሰጊርኩም ብስርሒት ፈንቅል ንጸላኢ ደምሲስኩም ልኡላዊት ሃገር ክዉን ዝገበርኩም ጀጋኑ፡ ሎሚ እቲ ኣብ በዓቲ ፍልልይኩም ተሓቢኡ ሃገርና ዘዕኑን ፍረ ሰማእታትና ከንቱ ዝገብርን፡ ክብሪ ጀግንነትኩም ዝድውን ሕልና ኣልቦ ዝሩግ መዓንጣ ኢሳያስ ንምእላይ ትስእኑ ኢኹም ኢሉ ዝኣምን ኤርትራዊ ከም ዘየለ ክትርድኡ ይግባእ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንሕና ብደገ ንስኹም ብውሽጢ ዓቕምና ብምውህሃድ ሃገርና ካብ ዕንወት ህዝብና ካብ ስቓይ ከነድሕን ዘሎና ግዜ ሓጺር ምዃኑ ተረዲእና ንቀላጠፍ።

ብዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

22.02.2020

ኩልና ከም እንፈልጦ፥ ብዙሕ ዓይነት መንግስቲ ከምዘሎ ርዱእ እዩ። እዚ ዓይነታት መንግስቲ ድማ ኣብ ኣገባብ ኣመጻጽኣኡን ኣመሓድራኡን ዘፈላለ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ንኽሓጽረና ምእንቲ ኣብ ክልተ መቒልና እንተረኣናዮ ዝሓሸ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሱ ድማ ብህዝቢ ዝተመርጸን፥ ብኢደወነኑ መንግስትነት ዝሓዘን ኢልና ክንከፍሎ ንኽእል።

በቲ ህዝቢ ኣሚኑ ዘጽደቖ ወይ ዝሓንጸጾ ቅዋም መሰረት፡ ኣብ ምዱብ ግዜ ምርጫ ብምክያድ ዝምረጽ መንግስቲ ብባህሪኡ ኣገልጋሊ ህዝቢ እዩ። በዚ መልክዕ ዝቐውም መንግስቲ ተሓታትነቱ ነቲ ዝመረጾ ህዝቢ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ንሃገር ዝምልከት ውሳኔ ክወስድ ከሎ’ወን በቲ ህዝቢ ዝመረጾ ባይቶ ኣቢሉ ይኹን ወይ ህዝባዊ ወኸሳ ብምግባር እዩ ዘሰላስሎ እምበር ብኢደ ወነኑ ክውስን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ብግቡእ ምስዘየካይድ እቲ ህዝቢ ክውርዶ ምሉእ ሓላፍነት ኣለዎ። በዚ ኣገባብ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ነተን ኩንትራቱ ብዘይ ኣድልዎን ፍትሒ ከየጒደለን ንህዝቢ ብማዕረ ዘደላድል መስርሕ ክኽተል እዩ ዝጽዕር።

ልክዕ እዩ ኣብቲ መስርሕ ገለ ገለ ጉድለታት ኣይርከብን ማለት ኣይኮነን። ጉድለታት ክርከብ ንቡር እዩ። እዚ ኣብ ምምሕዳራዊ መስርሕ ዝርከብ ጉድለት በቲ ህዝቢ ዝመረጾ ባይቶ ኣቢሉ ቁጽጽር ስለዝግበረሉ፥ ብመሰረት እቲ ቅዋም መቕጻዕቱ ይቕበል። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓት ንህዝቢ ዘገልግል፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ውልቃዊ ረብሓታቱን ጠቕሙን ኣይዛዙን እዩ። ምኽንያቱ ንቀጻሊ ግዜ ንኽምረጽን፥ ስሙ ድማ ንኸይከፍእን ብማለት ኣብ ነፍሱ ሕልናዊ ወቐሳ ዘሕድር እዩ።

እቲ ካብዚ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፍልይ ዝበለ ምልካዊ ስርዓተ መንግስቲ ብመሰረቱ እቲ ቀዳምነታቱ ንናይ ዝናኡን ስልጣኑን እምበር ሓላይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ንረብሓኡን ጠቕሙን እንተዘይኮይኑ ናይ ካልእ ሽግርን፥ ስቓይን ፈጺሙ ኣይግደስን እዩ። ምናልባት ተመሓይሹ እንተተባህለ ነቶም ውሑዳት ዝጥቀመሎም ተማእዘዝቱን ኣምለኽቱን ወይ ኣገልገልቱ ሓለፋታት ይገብር።

ከምዚ ናይ ኢሳያስ ዓይነት ምልኪ፡ ምናልባት ኣብ ዓለም ኣይተራእየን እንተተባህለ ምጋናን ኣይኮነን። ብሓጺሩ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ነታ ሃገር ካብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ከም ኣብነት ኣስመራ ካልኣይቲ ሮማ (ሰኮንዶ ሮማ ) ትበሃል ከምዘይነበረት ሎሚ ጎዱፍ ኮይና ትሕቲ እተን ብድሕሪኣ ዝጥጥዓ ዘለዋ ሀገራት ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ። ህዝቢ እሞ ከኣ ግደፎ ካብቲ ዝነበሮ ፍልጠትን ምሃዝነትን ሓርኮትኮትን ናብ ደረጃ ተጸባይ ክቕየር ዝተረፎ የብሉን።

መንእሰይ ኤርትራ ይኹን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ሃገር ከምዘይብሉ ዝከላኸለሉን መሰሉ ዝሕልወሉን መንግስቲ ፈጺሙ የብሉን። ስርዓት ኢሳያስ ንመንእሰያት ኤርትራ ክንዲ ሓብሒቡ ዘማዕብሎም ኣደንቊሩ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡሉ እዩ ድሌቱ። ሃገሮም ጠንጢኖማ እንተዘይወጺኦም ውን ስራሕ-ኣልቦ ገይሩ ከም ዝሳቐዩን ባራዩ ኮይኖም ክነብሩ ድሌቱ እዩ ። ነዚ ሽግርን መከራን ኣደራዕን ዓቕሊ ክኢሎም ኣብ ሃገሮም እንተነበሩ ድማ ዘየድሊ ጎንጺ ፈጢሩ ኣብ ኲናት የእትዎም።

ናይዚ ምልክታት እቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፥ እታ ሓዊ መወልዒት ክትኮኖ ዘይተድሊ ጌም ኢዝ ኦቨር (game over) ዝበላ ክሳብ ሕጂ እናሓየኻ፥ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክመልስ ምዃኑ ሓቢሩ። ትርጉም ናይዚ ከኣ ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ኣትዩ ውዒሉ ሓዲሩ ህውከት ንምፍጣር ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ወያኔ ድማ ጣልቃ ምስ ዝእቱ ኢዱ ክንቆርጻ ኢና፥ ኣብኣ ትደኻ ዝዓይነቱ መደረ ውን ተሰሚዑ። ካብዚ ቃላትዚ ንላዕሊ ኲናት ምእዋጅ ጥራይ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ ይመስል።

ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ይኹን ናይ ጥይት ድምጺ ክስማዕ ኣይነፍቕድን። ሎሚ ድምጺ ጥይት ዘይኮነስ ድምጺ ሰላም ዝዝመረሉ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ብውዑል ኣልጀርስ ዝወጸ ብይን ዶብ ኣብ ተግባር ክውዕልን፥ ኣብቲ ንኤርትራ ዝተዋህበ መሬት ናይ ኢትዮጵያውያን ምስፋር ከኣ ነቲ ሓዊ በንዚን ምንስናስ እዩ ዘስምዕ። ስለዚ እዚ ብጉዳይ ዶብ ዝለዓል ምትህልላኻት ብሰላም ደው ክብልን ንህይወት መጻኢ መንእሰያት ክልቲኡ ሃገራት ክንሓስብን ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ዝጠፍእ እቲ ምስኪን ድኻ መንእሰይ እምበር እቶም ተበለጽትን ስልጣኖም እምበር ጉዳይ ህዝቢ ዘይግድሶም ኣይኮኑን። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዘሪጉ ንዘልኣለም ኣብ ተፋነን ዘንብረና መህለቒ ህዝብናን ስለ ዝኸውን ናብ ምርግጋእን ቅሳነትን ዝወስድ መንገዲ ክንሕዝ ይግበኣና።

ድራር መንታይ

ኣብ ክተማታት ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ካብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት፣ ብ16 ለካቲት 2020 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ሰፊሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ኣኼባ ኣካይዶም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳክራመንቶ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ናብቲ ብማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ማ.በ.ኤ.ደ.ለ) ዝተዳለወ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ ብ16 ለካቲት 2020 ኣብ ከተማ ኦክላንድ፣ ሰሜን ካሊፎርንያ ተኻይዱ።

ብሓልዮት ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል (ማ.በ.ኤ.ደ.ለ) ዝተዳለወ ኣኼባ፣ ግዱሳት ገዳይም ተቓለስቲ፣ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሳተፈ፣ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ፣ ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎ ምንባሩ ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ።

ካብ ጸጋም ንየማን ኣብ ስእሊ ዘለዉ ክቡራት ልኡኻት ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት፡ ፊልሞን ሓጎስ፣ ብኮሙኒከሽን-ተክኖሎጂ ዝነጥፍ፡ ዘካርያስ ገሪማ፣ ናይ መደባት ዳይረክተር፡ ዮኤል ኪሮስ ኣካያዲ ፋኑስ ስቱዲዮ፡ ዘካርያስ ክብረኣብ፣ ኣካያዲ ስቱድዮ መስትያት ቤትና እዮም። ተሳታፋይ ህዝቢ ንዩኤልን ዘካርያስ ክብረኣብን ኣብ ተለቪዥን ብዘቕርብዎ ዜናን ሓበሬታን፣ ሓተታን ቃለ-መሓትትን ተላልይዎም ነይሩ እዩ፡ ንሳቶም ግን ብኣካል ክራኸብዎን ምስኡ ኢሂን-ምሂን ክበሃሃሉን እዮም መጺኦም።

ኣርባዕቲኦም ልኡኻት በብተራ ዝተወልድሉን ዝዓበይሉን ድሕረ-ባይታ ብምሕባር፣ ገለ ካብኦም ኣብተን ናጻ ዘይመንግስታዊ ጋዜጣታት ምብርካት ጀሚሮም ምንባሮም፣ ሓደ ካብኦም’ውን ኣብ ክፍሊ ዜና ብሓላፍነት ናይ ሓደ መደብ ሓላፊ ኰይኑ ከምዘገልገለን ሓቢሮም። ኣብትሕቲ ግፍዓውን ምልካውን ስርዓት ክነብሩ ስለዘይመረጹ ግን፣ በብመንገዶም ብእግሮም ተጓዒዞም፣ ዶብ ሰጊሮም ክሳብ’ዚ ሕጂ ዝነብርሉ ዘለዉ ሃገራት ከምዝበጽሑ ንተሳተፍቲ ዝመሰጠ ተሞክሮታት ጕዕዞኦም ኣካፊሎም።

ኣመሰራርታ ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ክገልጹ ኸለዉ፤ መደብ ስርሖም ብሓሙሽተ ዝኣባላታ ቦርድ ድሕሪ ምቛም፤ ካብ ካሊፎርንያ ናይ መኽሰብ ኣልቦ ላይሰንስ ሕጋዊ ፍቓድ ብምውጻእ እዮም ተበጊሶም። ብውሑዳት ዝተጀመረ ዕማም፣ እናዓበየ ዝኸደ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ምሉእ ዓለም ዝሳተፉ ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ግዱሳት ኣበርከትን ተሓባበርትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሓቖፈት ምዃናን ብቐጻሊ ኣብ ምምዕባል ትርከብ ምህላዋን ብዝርዝር ኣብሪሆም።

ብኤሪሳት፡ ዝዳሎ ርእሰ ዓንቀጻት (ኤዲቶርያል) ኣብዘን ዝስዕባ መትከላት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ከብርሁ ከለዉ፡

- ህዝብናን ላኣላውነት ኤርትራን ዘኽብር

- ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኽተል

- ወገናዊ ኣጀንዳ ዘይብሉ ኰይኑ ዝዳሎ

- ጸላኢ ህዝብና ህግደፍ ምዃኑ ዝኣምነን እዩ ኢሎም።

መግለጺኦም ምስወድኡ፣ ኣብ በይ-ኤርያ ኣምባሳደር ኤሪሳት ዶክተር ነጋ ወልደሩፋኤል ንኣጋይሽ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም ብምባል ንዘካይድዎ ኣገልግሎት ሓበሬታን ምንቕቓሕን ንህዝብና ሞጐሱ ገሊጹ። ብዘይ ባጀት ዝዕወት መደብ ስለዘየለ፣ ምንጪ ባጀት ድማ ካብ ህዝቢ ስለዝዀነ፣ ዓቕምታትና ዘፍቅዶ ክንሕግዝ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ርእሲ’ቲ ንሱ ዘወፍዮ፣ ካብ ዘካይዶ ጎስጓስ፡ ከም ኣብነት ጠቒሱ፣ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዓርኩ ተኸታታሊ ኤሪሳት፣ ብኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ጭቆና ኩሉ ጊዜ ክሻቐል ዝሰምዓቶ ኣመሪካዊት በዓልቲ ቤቱ፣ ንሳ’ውን ከምኡ ኣብ ምሽቓል ኣትያ፡ ኤሪሳት ኣኼባ ከካይዱ መጺኦም ኣለዉ ኢለ ምስሓበርኩዎም፡ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ንምውዳቕ፣ ኤሪሳት ዓቢ ግደ ከምዝህልዋ ስለዝኣመኑ፣ ሓገዞም ናይ $1,000.00 ቸክ ሰዲዶምለይ ክብል ሓቢሩ። ስለዚ ኣኼባ እንዳተኻየደ ወፈያ ዝቕበሉን ዝምዝግቡን ተዳልዮም ስለዘለዉ ወፈያና ንጀምር ድሕሪ ምባሉ፣ በብተራ ወፈይቲ ወፈያኦም ብሽሕ፣ በማእትን ወፍዮም። ጠቕላላ ኣታዊ ድማ ልዕሊ $16,000.00 በጺሑ ይቕጽል’ውን ኣሎ። ዶክተር ነጋ ንዕለት 29 ለካቲት 2020 ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ካብ መሪሕነት ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ፍቕረ ጋይም ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ኦክላንድ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ ንዋታዊ ወፈያታት፣ ኣገዳሲ ርእይቶታት፣ ምትብባዕን ለበዋታትን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንልኡኻት ኤሪሳት ካብ ዝተለገሱ ሓሳባት፡

- ንሃገራዊ ጉዳያትና ቀዳምነት ሂብና ንስራሕ፡ በጃኹም ዘየድሊ ኣውራጃዊ ክትዓት ኣይተልዕሉ/ላ፡ “እታ ሃገር እንተዘየላ’ኮ እታ ኣውራጃ የላን” ዝብል ናብ ህዝቢ ዘቕንዐ ለበዋ ቀሪቡ

- ኣጆኻ ኣጆኺ እናበልና ኢና ናጽነት ኣምጺእናያ፡ ሕጂ ድማ ኣጆኹም ኣጆና እናበልና ፍትሓዊ ስርዓትና ከነምጽእ ንቃለስ፣ ይከኣል ድማ እዩ

- ዝተፈላለዩ ወለዶታትና ክምኡውን ዝተፈላለያ ፖሊቲካውን በርጌሳውን ውድባትና፣ ብሓባር ክሰርሓን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ክስዕራን፤ ኤሪሳት መላግቦን ብምውህሃድ ዘቃልስን ጎስጓስ ሚድያ ከተካይድ ንላቦ።

ድሕሪ ኣኼባ ንመዘከርታ ናይ ሓባር ስእሊ ተላዒልና። (ማ.በ.ኤ.ደ.ለ) ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኽብሪ ኣጋይሽ ዘዳለዎ ናይ ድራር ግብዣ ንዅሉ ተሳታፊ ኣኼባ ዓዲሙ፣ መብዝሕትና ድማ ኣብኡ ምስ ኣጋይሽ ከነዕልልን ክንላለን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምሸት ኣምሲና።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ !!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና !!!

(ማ.በ.ኤ.ደ.ለ)

ንሕና ኤርትራውያን ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ፡ ጭቆና ዝወለዶ ጸገማት ከም ዝጸንሓናን ከም ዘለናን ተገንዚብና ካብ እንዛረበሉን እንጽሕፈሉን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ገዲፍና፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ግዜናኳ እንተዳህሰስና ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ናይቲ ወጽዓ ስንብራት ኣብ ኩሉ ህይወት ህዝብናን ምስሊ ሃገርናን ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ንሕና ነቲ ጸገም ካብ ምርዳእ ሓሊፍና ምእንቲ እቲ ጸገም ተፈቲሑ ክርህወና፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተዛሪብና፡ ሓቲትና፡ ተማሕጺንና፡ ጠሪዕና፡ ተሰሊፍና ኮታ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንጭቆና ተቓዊምና ፍታሕ ጠሊብና ኢና። ኣብዚ መዳይዚ ዘካየድናዮ ጻዕርን ቃልስን መሪርን ከቢድን ክነሱ፡ ክሳብ ክንደይ ኣድሚዑ ግና ናይ ካልእ መብርሂ ዘይንሓተሉ ባዕልና ንርእዮ ዘለና እዩ። ብጥርኑፍ ኣገላልጻ ከኣ ፍረ ቃልስና ጌና ንባህግና ዝምጥን ኣይኮነን።

ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ንኣብነት ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንክቲ ዝመርሕ ዝነብረን ዘሎን ጉሒላ ጉጅለ “ዝተሃንደሰ ጸገም ኣሎ” ኢልካ ምዝራብ ነውሪ ነይሩ። ከምኡ ኢልካ ምንቃፍ ዳርጋ ከም ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ክሕደት ምፍጻም ዝውሰደሉ እውን ነይሩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ብተፈጥሮ ጭቆና ዝጸውር እንግደዓ ተዓዲልዎም ዘይኮነ፡ ንለውጢ ድምጽኻ ኣጥፊእካ ናይ ምጽባይ ዘይርትዓዊ ምርጫ ስለ ዝወሰዱ ክነቕፉ ቅሩባት ኣይነበሩን። ሎሚ ግና ንናይቶም ካብ ንግሆኡ ጀሚሮም ዝተቓወሙ ኣካላት ጻዕሪ፡ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ምዕልባጥን ኣከባብያዊ ምዕባለታትን ተወሲኽዎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ “ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ጸገም’ዮም ዘለዉ” ብዝብል ሓሳብ ኣብ ዝሰማምዓሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። እዚ ናይ ሓባር ድምጺ ካብ ጉጅለ ህግዲፍ ርሒቕካ ኣብ ውሑስ ዓዲ ጓና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና እሞ ድማ ብኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ “ሕማቕ ሕማም ካብ ሞቱ ነይሓልፍ” ከም ዝበሃል፡ ዓው ኢልካ ዝቃላሕ ዘሎ ድፍረት ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ እዩ። ህግዲፍ እውን እቲ ንዓኡ ንክነቅፍ ብጩቕ ዘዝበለ ናይ ምእሳርን ምስዋርን ጉልበቱ ተዳኺሙ፡ ኣብ እዝኑ “ንስኻ ኣይናትናን፡ ንሕና እውን ኣይናትካን” እናተባህሎ ኣብ ዘጽቅተሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ምስዚ ኩሉ፡ ብሓባር ንህግዲፍ እቲ ክንገሮ ዝግበኦ እንዳነገርናዮ ግና፡ ኣብቲ ጭቆና ተወጊዱ ክንድይቦ እንብህጎ በሪኽ ቦታ ኣይደየብናን። ምኽንያቱ ነቲ ጸገም ምድግጋሙን ምጽብጻቡን ጥራይ መፍትሒ ስለ ዘይኮነ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ መዋጸኦ ብዛዕባቲ ጸገም ደጋጊምካ ምዝራብ ዘይኮነ ምውጋዱ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ቃልስና ካብ ጸገማት ምጽብጻብ ናብ ግብራዊ ጸገማት ምውጋድ ካብ ምብራኹ ካልእ መተካእታ የብልናን። እዚ ከም ዝከኣል ከኣ ካብ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ብከምናትና ኩነታት ናይ ዝሓለፉ ተመኩሮ ምርድኡ ዝከኣል እዩ። ስለዚ ነቲ ዝከኣል ከምዘይከኣልናዮ ክንዝንግዕ የብልናን። ነዚ ዝከኣል ክነሱ ክሳብ ሕጂ ዘይከልናዮ ክንክእል ዘይስገር ወሳኒ ተግባር ወይ መፍትሕ ብሓባር ተሰሊፍካ ምቅላስ እዩ። እዚ እውን ከምቲ ኣብ ጸገም ምህላውና ናይ ሓባር ተረደኦና ኮይኑ ኣሎ ዝበልናዮ፡ ኣብ ወሳንነት ብሓባር ምቅላስ እውን፡ ካብ ክለሰ-ሓሳብ ናብ ግብሪ ኣብ ምስግጋሩ ደኣ ዓቐብ ኮይኑና ኣሎ እምበር፡ ከም ተረደኦስ ኩልና ኣብ ዘዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ከነኮማስዖ እንውዕል ዘለና እዩ።

ኣብ ድልዱል፡ ቀጻልን ትካላውን ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መንገዲ ክትጽመድ ዋጋ ምኽፋል የድሊ እዩ። እቲ ዋጋ ግና ኣብ ኢድና ዘሎን ክንከፍሎ እንኽእልን እምበር፡ ልዕሊ ዓቕምና ኣይኮነን። ኣብ ናይ ሓባር ራኢ ምጽናዕ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ምቕዳም፡ ምጽውዋር፡ ናይ ሕሉፍ እሱር ዘይምዃን፡ ኣብ መትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ምጽናዕ፡ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ብልቢ እንተርዒምና ንሱ እዩ እቲ ምእንቲ ብሓባር ተቓሊስና ህዝብን ሃገርን ከነድሕ ክንከፍሎ ዝጽበየና ዋጋ። እዚ ከኣ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ እምበር፡ ካብ ዝኾነ ዘይኤርትራዊ ሓያል ወይ ሃብታም እንምጽወቶ ኣይኮናን።

ኣብዚ እዋንዚ ገለ ከም በዓል ኢትዮጵያ፡ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትን ዝኣመሳላ ሃገራት ንዲክታቶር ኢሳያስ ክቋለብሉ እንከለዉ ተዕዚብና፡ “ነዚ ሰብኣይ እንታይ ርእየምሉ እዮም? ንሕና ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ ጸገም ኣሎ እንዳበልና፡ ንሳተን ከሰራስረኦ ከለዋ፡ ንሕና ዲና ወይስ ንሳተን እየን ተጋግየን?” ዝብል ሕቶ ነልዕል ኤርትራውያን ኣለና። ሓቂ እዩ ወዮ እንፈልጦ ሰይጣን መልኣኽ መሲሉ ክቐርብን መዳልያ ክስለምን እንከሎ ሕቶ ዘየልዕል ኣይኮነን። እቲ ምኽንያት ከኣ ንዲክታቶር ኢሳያስን ጉጅለኡን ከካብ ናትና ኩርናዕ ስለ እንርእዮም ዝፈጠሮ ፍልልይ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ቀንዲ መምዘኒና እቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሃገርናን ክብርን መሰልን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን በደልን እዩ። በመንጽርዚ ንዓናን ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ንዝሕለቑ ወገናትን፡ ኢሳያስ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ጭው ዝበል ዲክታተርን ጨቋንን እዩ። እዘን ዝጠቐናየን ሃገራት ብኣንጻሩ፡ ጉዳይ ህዝብና ቀዳምነተን ስለ ዘይኮነ፡ መምዘኒአን ኢሳያስ ኣብ ዞባዊ ረብሓአን ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ እስትራተጅካዊ ጸጋታት መዝሚዙ የገልግለን እዩ። ስለዚ እቲ ፍልልይ ኢሳያስ ብሓደ ጐኑ መልእኽ በቲ ካልእ ጐኑ ከኣ ሰይጣን ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ናይቶም ንኢሳያስ እንመዝን ኣካላት ናይ ረብሓን ሸቶን ፍልልይ ዝወለዶ እዩ። ኢሳያስ ብወገኑ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ፡ ንናይ ግዳም ሓይልታት (ብናቱ ቃል) ከዲሙ ጥራይ ኣብ ስልጣን ከም ዝቕጽል ተረዲኡ ይሰርሕ ምህላዉ፡ ነቲ ጉዳይ ናተይ ኢሉ፡ ቀሪቡ ኣድቂቑ ክርደኦ ንዘይክእል ኣካል ከደናግሮ ዝኽእል እዩ።

ስለዚ እቶም ቃንዛ ህዝብና ዘይቃንዛኦም፡ ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት መራሕቲ፡ ኣበይ ከም ዘብጸሖም እንድዒ ንኢሳያስ ከም ፈረስ ጽዒኖም የጋልብዎን የለፋልፍዎን ኣለዉ። ንሕና እቶም ቃንዛ ህዝብና ቃንዛና፡ ድፍረት ኤርትራዊ ልኢላውነትና ድፍረትና ዝኾነ ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ፡ ንጸገማትና ብምድግጋሞምን ብምቑዛምን ዘይኮነ፡ ብምውጋዶም ኣብ ዓወት ንምብጻሕ፡ ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ ናብ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ኣጽኒዕና ዘይምኽኑይ ግዜ ከይበላዕና ከተግብሮ ንንቀል።

FUNERAL SERVICE FOR Ms. ABEBA BERHE

Saturday, 22 February 2020 00:52 Written by

FUNERAL SERVICES FOR ABEBA BERHE

ቃል ምስጋና !!

Saturday, 22 February 2020 00:41 Written by

ብስመይን ብስም በዓልቲ ቤተይን ደቀይን፣ ከምኡ’ውን ብስም’ቶም ኣብ ኤርትራን ኣብ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ሽወደንን ዝረከቡ ኣሕዋተይን መቕርበይን፣ ብምኽንያት ዕርፍቲ ክብርቲ ወላዲትና ሓጅያ ሳዕድያ ሻፊ ሓጂ ሙሳ ልባዊ ምጽንናዕን ናይ ሓዘን ተኻፋልነትን ዝገልጽኩሙልና ኣሕዋትን ኣሓትን ክብ ዝበለ ምስጋና ብምቕራብ፣ ሕሰም ኣይተረክቦ ንብለኩም። ክብርቲ ወላዲትና ብሰሉስ ዕለት 18/02/2020 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊያትን፣ ኣብ ኣስመራ መቓብር ሸኽ ኣልኣሚን ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።

ንኽብርቲ ወላዲትና ረበል ዓለሚን ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ይቀበላ። ነቶም ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ብኣካል ዝተሳተፍኩም ይኹን ነቶም ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጻናናዕኩምናን፣ ካብ ዝተፈላለይ ኩርናዓት ዓለም ብስልኪ ይኹን ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ መረኸቢታት ኣተባባዕን ኣጸናናዕን ቃላትን መልእኽታትን ጽሑፋትን ዝለኣክሙልና፣ ካብ መዓሙቚ ልብና ዕዙዝ ሕውነታዊ ምስጋናና ከነቕርብ ደስ ይብለና። ዘርኣኹሞ ሕውነታውን ሰብኣውን መርገጽ፣ ነቲ ዝወረደና ከቢድ ናይ ወላዲት ምፍላይ ሓዘን ኣብ ምፍዃስ ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ብምግላጽ፣ ዝገደፈልና ስምዒት ንምግላጽ ቃላት ይሓጽረና።

ዲጊመ ብስም ኩሎም ኣሕዋተይን በዓልቲ ቤተይን ደቀይን መቕርበይን ልባዊ ምስጋናይ ብምቕራብ፣ ሕሰም ኣይትርከቡ ይብለኩም። ንኽብርቲ ወላዲትና ሳዕድያ ሻፊ ድማ ኣብ ሰፊሕ ጀንኡ ረቢ ይቀበላ።

ብስም ስድራ ቤት

ነጋሽ ዑስማን ኢብራሂም

21/02/2020

ፕረሲደንት ንዝገበሮ ሸትሕታሕ መፈወሲ ክምህዝ ፈቲኑ፡-

ብጋዜጠኛታት ኤሪ-ቲቪ ንኢሳያስ ካብ ዝቐርብሉ ሕቶታት ሓደ ከም’ዚ ዝስዕብ ዝብል ነበረ። ክቡር ፕረሲደንት ካብ’ዚ ከይወጻእና ተራ ወይ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ እዋን ሰለስተ ወለዶታት ማለት 80 ዓመታት ከመይ ተንብቦ? ኣብ መጻኢ’ኸ ከመይ’ዩ ክኸውን?

እዚ ሕቶ’ዚ ንምንታይ ኢዩ መጺኡ ኢልና ክንሓትት ይግብኣና። እዚ ሕቶ’ዚ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ንምቕታል ተባሂሉ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝተመርጸ ሕቶ ኢዩ። ብሓደ ሸነኽ፡ ነቲ ኣብ እዋን ዑደቱ ናብ ኢትዮጵያ ይኹን ድሕሪኡ ዝፈጸሞ ጌጋታት ወይ ሸታሕታሓት ንምእራም ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ልሙድ ጸላእቲ እናፈጠርካ ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ፖሊሲኡ ንምትግባር ኢዩ ነይሩ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ባህርዳር፡ ኣዋሳን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ኣይከሰርናን፡ ኵሉ ዝኸሰርናዮ መሊስናዮ ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ኣህዛብ ኢዮም ኢሉ ዝሓሰብ እቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ፡ ኣብዪ ወካልየይ ኢኻ፡ ምርሓና ኣነ ከኣ ክኽተለካ ኢየ፡ እዚ ንቐልዓለም ኢለ ዘይኰንኩስ ብልበይ ኢየ ….ወዘተ ክብል ከምዝተሰምዐ ዝዝከር ኢዩ። ብድሕር’ዚ እውን፡ ዕድል ናይ ሰለስተ ወለዶታት ብዘይምኽንያት ኢዩ ባኺኑ ዝብል: ነቲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝገበርናዮ ተጋድሎን ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ከም ምብኻን ወይ ዘይምኽኑይ ገይሩ ዝገልጽ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሐ ጥለመቱ ኣግሂዱልና። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ናይ ጥልመት መግለጺታት ምስ ሰምዐ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ፡ ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ናይ’ቲ ስርዓት፡ ነዲሩ ኢዩ ተላዒሉ። ቆፍኡ ከምዝተተንከፈ ንህቢ ይኣክል ኢሉ ተቓውሞኡ ገሊጹ። እቲ ዓው ኢሉ ክዛረብ ዘይክእል ድማ ብልቡ ካብ’ቲ ስርዓት ርሒቑ። ንጌጋታት ናይ ኢሳያስ ክኸላኸል ዝፈተነ ገለ ብጥቕሚ ይኹን ብጽልኢ ናይ ተቓወምቲ ዝተዘርዐ ውሑድ ቍጽሪ ነበረ።

በዚ ኵነታት’ዚ ዝተሰናበደ ፕረሲደንት ኢሳያስ ነቲ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንናይ እንግሊዝ ናይ ምምቕቓል ፖሊሲ ስጊርዎ፣ ናይ ሰውራ ኤርትራ ናይ ቀቢላ ምፍልላይን ናይ ሕድሕድ ውግእን ተመኲርዎ፣ ኣንጻር ደርጊ ዘካየዶ መኸተ ኣትሪርዎ፣ ኣብ ዝሓልፈ 20 ዓመታት ዝኸፍአ ተጻብኦታት (ካብ ህወሓት ማለት’ዩ) መጺእዎ ኢሉ። እዚ ኵሉ ዝኸፈሎ መስዋእትን ዝሓለፎ ጸገማትን ከም’ቲ ሓዊ ንሓጺን ዘትብዖ ድማ ንሓድነቱ ከምዘደልደሎ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት ጠንቂ ናይ ሓደጋታትና ኢትዮጵያ ኢያ ነይራ ብምባል፡ ነቲ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ኣይከሰርናን ወዘተ እናበለ ዝደጋግሞ ዝነበረ ቃል ክዓጽፍ ወይ ንጌጋታቱ ክፍውስ ወይ በቲ ናቱ ኣገላልጻ ከኒናታት ከናዲ ሃሰውሰው ክብል ተራእዩ።

እዚ ብሓደ ሸነኽ ንሸታሕታሑ ንምፍዋስ ዝገበሮ ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ጸላኢ እናፈጠረ ንዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኢዩ ፈቲኑ። ኣብኡ ጥራሕ እውን ኣይተሓጽረን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ እዚ ስነ-ሓሳብ ከልግስ ኣለዎ፡ እዚ ውድብ ክዳኸም ኣለዎ …ወዘተ ክሳብ ምባል እውን በጺሑ ኢዩ።

ጸላእቲ ምፍጣርን ኢድ ምትእትታውንን፡-

ኣብ መጻኢ’ ከመይ ክኽውን’ዩ ንዝብል ካልኣይ ኣካል ናይ’ቲ ሕቶ፡ ክምልስ ከሎ ከኣ፡

“እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ርኣዮ። እቲ ምትፍናን ኣብ ኤትኒክ’ዩ። እዚ ከኣ ናብ ዝደቐቐ ምክፍፋል ክሳብ ናብ እንዳታት’ዩ ዝኸይድ። ስለ’ዚ ነቲ ዝመረዘ ፖለቲካን ኣተሓሳስባኡን (ንወያነ ማለቱ ኢዩ) ክትኣልዮ ክትክእል ኣሎካ። ምርጫ ይካየድ ኣይካየድ ዝብል ሕቶ ኣድላዪ ኣይኰነን። ንምትፍናን ዘምርሕ ኢዩ። ኣብ ግዜኡ ይካየድ ኢልካ ምዝራብ ትርጕም የብሉን። ናብ ሓድሽ መገዲ ዝወስደካ ምርጫ ኣብኡ ምስራሕ። ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ዝወረሰቶ ባህሊ ክትወጽእ ክትክእል ኣለዋ” ኢሉ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ንወያነ ክገልጽ እንከሎ፡ “…ናይ ኢትዮጵያ ስምዒት ዘይብልካ” ብምባል ካብ ኢትዮጵያውያን ንላዕሊ ኢትዮጵያዊ ክኽወን ፈቲኑ። እዚ ኣብ ክንዲ ኢትዮጵያውያን ኰይኑ፡ ክሳብ ሓድሽ ስርዓት ምምራጽ ዘብጽሖ ድፍረት ዓይኑ ዘፍጠጠ ናይ ምትእትታዉ ስራሕ ኢዩ። ንኢትዮጵያውያን ዘለዎ ንዕቐት እውን ዝገልጽ ኢዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ምርጫ የድልዮ’ዶ ኣየድልዮን? ኤትኒካዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ድዩ ዝደሊ ወይስ ምእኩል መንግስቲ፡ ናይ ብልጽግና ፓርቲ ድዩ ዝደሊ ካልእ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ መሰል ደኣ’ምበር፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከመርጸሎም ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ወይ መሰል የብሉን።

“ንሕና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ምዕባለታት ኢድና ኣጣሚርና ክንርእዮ የብልናን። ከይዱ ከይዱ እቲ ጸገም ንዓና ኢዩ ዝጸልወና። ስለ’ዚ ብምሕዝነት (ምስ ብልጽግና ፓርቲ ማለት ኢዩ) ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ለውጢ ክንሰርሓሉ ኣሎና። ብዓቕምና ኣበርክቶ ክንገብረሉ ክንክእል ኣሎና። ንሕና ኢድና ኣጣሚርና ክንዕዘቦ ስለዘይንኽእል፡ actively engage (ንጡፍ ተሳታፍነት) ክንገብር ኣሎና። ከምኡ ኢና ክንሰርሕ ጸኒሕና” ክብል ድማ ሕንኽ ከይበለ ወሲኹሉ። ኣስዒቡ፡ “እቶም ነዚ ኵናት ከካውስዎ ዝጸንሑ ዝጠፈሹ ናይ ግዳም ሓይልታት ሕጂ ሰላም፡ ርግኣት መጺኡ ኢሎም ባህ ኢልዎም ደቂሶም ክሓድሩ ኢዮም ኢልና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ብዘይካ’ዚ ካልኦት ናይ ዞባ ሓይልታት ኣለዉ። ናይ ሽበራ ሓይልታት ኣሎ” ብምባል ብዙሓት ጸላእቲ ኤርትራ ከምዘለዉ ገይሩ ብምቕራብ ናይ ውግእ መልኸት ክነፍሕ ተራእዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይካ ኢሳያስን ስርዓቱን ካልኦት ጸላእቲ የብሉን። ብሰንኪ ገስረጥ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፍወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ስርዓት እውን እንተዀነ ከም’ዚ ሎሚ ከፊእዎ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኤርትራ ብድኽነት፡ ድንቍርና፡ ሕማምን ስደትን ይሳቐ ኣሎ። ናይ ምዝራብ፡ ምውዳብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምስራሕ፡ ምምሃር፡ ምሕካም ፡ንብረት ምውናን፡ ሃብቲ ምፍራይ መሰል ተሓሪምዎ ሃገሩ ገዲፍ ናብ ዝሓሸ መነባብሮ ዝረኽበሉ ቦታታት ይፈልስ ኣሎ። ሓላፍነት ናይ’ዚ ፍልሰት’ዚ ብዘይካኡ ካልእ ዝስከሞ የለን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ ኢሳያስ ኣብ ዝውልዖ ውግኣት ዘእቱ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ሰላም፡ ምትእኽኻብ፡ ምስ ጐረባብትኻ ብምክብባርን ብምትሕብባርን ምንባር ኢዩ ዝደሊ። ውግእን ወረ ውግእን ኣየድልዮን ኢዩ።

ራብዓይ ክፋል ክቕጽል ኢዩ…….