መጀመርያ ንዅሉኹም ሰላምታይ የቕርበልኩም። ቀጺለ፣ ነዚ ክቡር በዓል ምጅማር ዕጥቃዊ ሰውራ ኤርትራ ዘበሰረ ዕለት ሓደ መስከረም 1961 ብሓባር ከነኽብር በቓዕና። እምበኣር ቀሪበያ ዘለኹ ግጥሚ ነጸብራቕ ናይ ተሞክሮይ፡ ማለት ከም መብዛሕትና ኣብ ሜዳ ክንቃለስ ከለና፡  ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተዋሳእና ዘጥረናዮ ፍልጠት፣ ተሞክሮ፣ ንቕሓትን ፍቕርን ኣብ ኣእምሮና ዝነብር ተዘክሮታት ዝምንጩ እዩ። ኣነ’ውን በቲ ተዋሂቡኒ ዝነበረ መደባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት /ዓድታት ናይ ከበሳ፣ ሰምሃር፣ ባርካ፣ ኣውራ ድማ ጋሽ ተንቀሳቒሰ ዘጥረቕዎ ትሕዝቶ ምዃኑ ኣብቲ ግጥሚ ዝበርህ እዩ።

እዛ ግጥሚ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሰውራኦም፣ በብማሕበራዊ ክፍልታቶምን ደርብታቶምን እንዳጠቐሰት፡ ብሃገራዊ ስምዒታት፡ ሓቦ-ኒሕ፡ ታሪኽ ቆራጽነትን ተወፋይነትን ናጽነቱ ከምዝመንዝዐ እትዝክር እያ። ግፍዕታት ምልካዊ ስርዓትን ክጐሓፍ ከምዘለዎን’ውን ትጽውዕ እያ።

ሓበን ሓደ መስከረም

ኤርትራ ሃገረይ ሓበንና መበቆልና

ብጋህዲ ብሕልሚ ወትሩ ምሳና

ኣብ ዓዲ ኣብ ስደት፣ ኣብ ዘለና ሃሊና

ትጕዓዚ ምሳና ሰፊርኪ ኣብ ልብና

ንሕና ናትኪ ንስኺ`ውን ናትና

ናጽነትኪ ተጓናጺፍኪ ብደም ጀጋኑና

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና።

ኣንጊሁ ንሃገራዊ ናጽነት ዝኸተተ

መኣዝኑ ንጹር ጐደና መኸተ

ኣብ ጎቦታት ኣዳል ተኲሱ ዘመልከተ

እዋኑ 1961 ሓደ መስከረም ዕፉን ምስ ሸወተ

ክዝክሮ መጀመርያ ተጋዳላይ ሓምድ ዓዋተ

ጅግና ተሰዊኡ`ምበር ነይሞተ።

ሰብ ቁምጣ ስረ ጎታናት፣ ሚዶ ኣብ ርእሶም

ሽዳ ሳእኖም፣ ጋምባለ ኣብ እግሮም

ካዝና ጠያይቲ ምስ ነታጒ ኣብ ዕጥቆም

ብረት ኣብ መንኩቦም ተሓንጊጦም

ሕቡናት ኤርትራውያን ጉዳይ ሃገር ዝዓጦም

ንናጽነት ሃገር ወፍዮም ክቡር ሂወቶም።

ብፈኲስ ብረት ብኸቢድ ሓቦ

ውፉይ ንሃገር ንዓደቦ

መደበራትካ ኣብ ስንጭሮ ኣብ ጎቦ

ንሰራዊት መግዛእቲ ከተኽብቦ

ብዝናብ ጠያይትኻ ዓቕሉ ኽጸቦ

ሬሳኡ ስገር ንዝሃድም ሓዞ ኣርክቦ

ዕጥቁ ሰሊብካ ማሪኽካ ትእክቦ

ብስድሪ ብእመት መሬትካ ሓራ ኣውጺእካ ትዕቅቦ

ህዝብና ኣብ ጎንኻ ኔሩ፣ ዓለም`ውን ዝተገንዘቦ።

ታ`ደይ ታ`ሓብተይ ሸጥ ኣቢላ ቅናታ

ተጋደልቲ ዝቐለበት ሰንኪታ ግዒታ

ታ`ዋዕሮ ተሰሊፋ ኣብ ጎኒ ኣሕዋታ

ግቡኣ ዝፈጸመት ንመግዛእቲ መኪታ

ክብርን ዝኽርን ብማዕረ ይምልከታ።

እቶም ጓሶት ኣሕኦም ገዲፎም

እቶም ሓረስቶት ራሕሪሖም ማሕረሶም

እቶም ሰራሕተኛታት ደሞዞም ጠንጢኖም

እቶም ተመሃሮ ኣቐሚጦም ማህደሮም

እቶም መማህራን ኩርሾም ደርብዮም

ደቀንስትዮ`ውን ኣብ ጐኖም ኣብ ኣሰሮም

ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም

ኤርትራ ሓራ ኰይና ሳላ ኵሎም

ብኽብሪ ንዘልኣለም ንዘክሮም።

32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት

ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት

ኣብ ክንዲ ህንጻ ልምዓት

ዘይምኽኑይ ዘየድሊ ኲናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት

 ርኹስ ሜላ ስልጣን ንምብሓት

ንህዝቢ ኤርትራ ኣውሪድካሉ መዓት

ዕድኡ ከቢድ`ዩ ኣስተውዕል ኣይትስሓት

ትመጸካ’ላ ታ’ዘይትተርፍ ዕጫ ዲክታቶራት።

ብሓደ መስከረም 1961 ነቒልና

ን30 ዓመታት መስዋእቲ ከፊልና

ብ1991 ሃገራዊ ናጽነትና መንዚዕና

ደጊም የለን ዝደፍሮ ልዑላውነትና

ተዓቂቡ ዝቕጽል ንውሉድ ወለዶና

እዚ እዩ ቃልና፣ ንሱ እዩ ታሪኽና።

ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትና

ናይ ኵሎም ውልቀ-ዜጋታትና

ብልዕልና ሕጊ ብቕዋምና

ፍትሕን ሰላምን ምስ ብልጽግና

ብሓደ መስከረም ዝተበገሰ ትልምና

ትጽቢትና ሕልምና ክገሃድ`ዩ ብቓልስና።

 ትጽቢትና ሕልምና ክገሃድ`ዩ ብቓልስና።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትዘከር

ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር።

 

ጅግና  ተጋዳላይ  ታረቀ  በራኺ 

ስውእ  ጅግና  ተጋዳላይ  ታረቀ  በራኺ  እንካብ  ወለድቱ  ኣቶ  በራኺ  ኃብተሚካኤልን  ወ/ሮ  ለተንጉሥን  ኣብ  ከተማ  ደቀምሓረ  ተወሊዱ  ዝዓበየን  ዝተማህረን  ከምኡ  ከኣ  ማትሪክ  ሓሊፉ  ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ዩኒቨርስቲ  ትምህርቱ  ዝቐጸለን  እዩ።ንሱ  ንሃገሩን  ሓልዮት  ሕዝቡን  ኣዝዩ  ግዱስን  በዓል  ሓቦን  ብምንባሩ  ኣብ  ፖለቲካ  ኤርትራ  ዓቢ  እጃም  ኣበርኪቱ  እዩ።

ታረቀ  ንሓደ  ዓመት   National  Service  ኣብ  ከተማ  ሓረር  ብዩኒቨርስቲ  መደብ  ተዋሂቡዎ  ከብቅዕ  ቅድሚ  ናብ  መደቡ  ምኻድ  ግን  ሥድራቤቱ  ክርኢ  ናብ  ከተማ  ደቀምሓረ  መጸ። ኣብ  ዓላ  ዝበሃል  ቦታ  ተጋደልቲ  ተጋድሎ  ሓርነት  ኤርትራ  ብኣብርሃም  ተወልደ  እትምራሕ  ሰሎሙን  ወልደማርያም  ፖለቲካዊ  ኮምሽነራ  ጋንታ  ተጋደልቲ  ነበሩ። ስለዚ  ከኣ  ታረቀ  በራኺ  ናብዞም  ተጋደልቲ  ብምኻድ  ምስኦም  ተረዳዲኡ  ኣብ  ኣዲስ ኣበባን  ከባቢኣን  ውሽጣዊ  ስርርዕ  ንኸካይድ  ተሰማሚዑ  ጉዕዝኡ  ናብ  ኢትዮጵያ  ቀጸለ። ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ከኣ  ውሽጣዊ  ስርርዓት  እንዳ ኣካየደ  ከሎ  ብሃንደበት  ፀጥታ  መንግሥቲ  ኢትዮጵያ  ሒዞም  ብምእሳር  ናብቲ  ሽዑ  እዋን  መመርመሪ  ናይ  ፖለቲካ  እሱራት  ዝነበረ  ኣብ  ናይ  መሰልጠኒ  ኮማንዱስ  ደቀምሓረ  ምስ  ካልኦት ብዙሓት  እሱራት  ኤርትራውያን  ኣምጽኡዎ። ኣብቲ  ናይ  ምርመራ  ቤት  ማሰርቲ  ከኣ ካብ  ውሽጢ  ኤርትራ  ዝተኣሰርና  ብዙሓት  ጸናሕናዮም። ድሕሪ  ብርቱዕን  ግፍዒ  ዝተሓወሶ  ምርመራን  ከኣ  ናብ  ሰንበል  ኣሥመራ  ቤት  ማእሰርቲ  ወሲዶም  ናብ  ቤት  ፍርዲ  ኣቕረቡና። ከልከል  ዝተባህለ  ዓቃቢ  ሕጊ  ኣብቲ  ቤት  ፍርዲ  ካብ  ሰሎሙን  ወልደማርያም  ምስ  ኮማንዱስ ኣብ  ውግእ  ዝተኻየደሉ  ጊዜ ዝወደቐት  ምሉእ  ሰነዳት  ኣስማትና  ዘለዋ  ደብተር  ኣቕረበ። በዚ  ምኽንያት  ከኣ  ፍርድና  ካብ  ሓደ  ዓመት  ክሳዕ  ዓሰርተ  ዓመት  ዝኣክል  ተበየነልና። ኣነ  ናይ  ክልተ  ዓመት  ተፈሪደ  ሓደ  ዓመትን  ገለ  ኣዋርሕን  ተኣሲረ  ብድሕሪኡ  ጃንሆይ  ምሕረት  ሂቦምና  ክወጽእ  ከለኹ   ታረቀ  በራኺ  ግን  ንሓሙሽተ  ዓመት  ተፈረደ። ድሕሪ  ማእሰርቱ  ምውዳእ  እንደገና  ናብ  ኣዲስ ኣበባ  ከይዱ  ነቲ  ቅድሚ  ምእሳሩ  ዝጀመሮ  ውሽጣዊ  ስርርዓት  ብዝያዳ  ብዕቱብን  ጽፉፍን  ኣገባብ  ቀጸሎ። ነዊሕ  ከይጸንሐ  ከኣ  ናብ  ሜዳ  ኤርትራ  ኣትዩ  መጀመርታ  ምስ  ክፍሊ  ዕዮ  ዜና  ኮይኑ  ኣብ  ከበሳ  ንሓጺር  እዋን  ኣገልጊሉ  ቀጺሉ  ምስ  ጋንታ  104  ቸንቶ  ኩኣትሮ  ኮይኑ  ካብቶም  ቀንዲ  ፈዳይን  ኣብ  ኣሥመራ ብምዃን  ተጋደለ። ታረቀ  ብዙሕ  መስተንክራት  ንምእማኑ    ዘጸግም  ስርሒታት  ይሃልዎ  እንበር  ሓደ  ካብቲ  ዓቢ  ዓወት  ዘመዝገቦ ንዶክተር  በረኸት  ኃብተሥላሰ  ካብ  ትግራይ  ተቐቢሉ  ናብ  ኣሥመራን  ሜዳ  ኤርትራን  ዘሰጋገረ  ከምኡ`ውን  ንጀነራል  ጎይትኦም  ብተወሳኺ ንልዕሊ  900  እሱራት  ኣብ  ቤት  ማሰርቲ  ሰንበል  ተዳጒኖም  ዝነበሩን  ከምኡ`ውን  ኣብ  ሆስፒታላት  ዝእለዩ  ዝነበሩን  ብብርቱዕ  ጥንቃቀን  ሜላን  ኣገባብ  ተጠቒሙ  ነጻ  ብምውጻእ  ናብ  ሜዳ  ኤርትራ  ከምዝጽንበሩ  ገበረ። ቀጺሉ  ብ 1975  ዓ.ም.ፈ ኣብ  ካልኣይ  ሃገራዊ  ጒባኤ   ተጋድሎ  ሓርነት  ኤርትራ  ብምስታፍ  ናኣባልነት  ገድላዊ  ባይቶ  ተመዘዘ። ብመጀመርታ  ሓላፊ  ናይ  ስነ-ኪነት ሙዚቃን   ባህልን ኮይኑ  ንሓጺር  ጊዜ  ኣገልጊሉ  ቀጺሉ  ናብ  ቀይሕ  መስቀልን  ወርሕን  ኤርትራ  ተመዲቡ  ናብ  ዝተፈላለያ  ሃገራት   ምስ  ብጾቱ  ኮይኑ  ብምኻድ ብዙሕ   ዓይነት  መግብን  መድኃኒትን  ቴንዳታትን  ወዘተ ... ክረክብ  ከኣለ። ብ 1977  ዓ.ም.ፈ ኣብ  ተ.ሓ.ኤ  ንለውጢ  ዴሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ/ ኢ.ዲ.ም   ፋሉል  ተባሂሉ  ዝጽዋዕ  ተፈጢሩ  ታረቀ  በራኺ  እውን  ኣባል  እቲ  ምንቅስቓስ  ስለዝነበረ  ኣብ  ካርቱም  ሱዳን  ብፀጥታ  ተ.ሓ .ኤ  ምስ  ብጾቱ  ከምዘይሓልፍ  ተሃደነ። ንዘይመውት  ፈውሲ  ኣለዎ  ተባሂሉ  ከምዝተመሰለ  ታረቀ  በራኺ  ብናቱ  ክእለትን  ሜላን  ተጠቒሙ  ብጀርመን  ኣቢሉ  ናብ  ኣሜሪካ  ክኣቲ  ከኣለ። ኣብ  ኣሜሪካ  ናብራ  ስደት  ሕይወቱ  እንዳ  መርሐ  ሸውሃት  ቃልሱ  ገና  ስለዘይረወየ  ዕላማኡ  ኣብ  ሽቶ  ንምብጻሕ  ምስ  ብጾቱ  ኢ.ዲ.ም  ኮይኑ ቀጸለ። ድሕሪ  ነጻነት  ኤርትራ  እንተኾነ  እውን  ኣብ  ኤርትራ  ብምእታው  ከም  መምህር  ኮይኑ  ኣብ  ዩኒቨርስቲ  ናይ  ኣሥመራ  ንሓጺር  እዋን ኣገልገለ። ንኣካይዳን  ጒዕዞን  ጊዝያዊ  መንግሥቲ  ኤርትራ  ተዓዚቡን  ኣጽኒዑን  ከኣ  ከምዘየወጻጽኦ  ተገንዚቡ  እንደገና  ናብ  ስደት  መዕቆቢኡ  ኣመሪካ  ተመልሰ። ወላዲት  ኣዴኻ  ብጽኑዕ  ሓሚማ  ተባሂሉ  ምስ  ተነግሮ  ከኣ  ናብ  ኣሥመራ  ኣትዩ  ደቀምሓረ  ብምኻድ  ንወላዲቱ  ክሕብሕብን  ከፈውስን  ላዕልን  ታሕትን  እንዳበለ  ንርእሱ  ብሓደገኛ  ሕማም  ተታሒዙ  ኣብ  ኣፍ  ሞት  በጽሐ። ነዚ  ኲነታት  ዝተሓበረት  በዓልቲ  ቤቱ  ብቕጽበት  ንደቀምሓረ  ከይዳ  ናብ  ኣሥመራ  ብምውሳድ  ብሕክምናዊ  ረድኤት  ኣፈዊሳ  ካብ  ሞት  ከምዝድሕን  ገይራ  ንጀርመን  ኣእተወቶ። ኮይኑ  ግን  ኣብ  ጀርመን  ምስ  ኣተወ  እውን  ጸቕጢ  ብዝሒ  ደም  ገይሩ  ስትሮክ  ሒዙዎ  ምስ  ሕማም  ሽኮር  ተወሳኺ  ስቓይ  ገበረሉ። ንሓያሎ  ዓመታት ኣብ  ትሕቲ  ሕክምና  ረድኤት  ብበዓልቲ  ኪዳኑ  እንዳተኣለየ  ጻውዒት  ኣምላኽ  ፈጣሪ  ኮይኑ  ብዕለት  16.08.2023 ኣብ  ሃገረ  ጀርመን  ዓረፈ። ስነ-ሥርዓት  ቀብሩ  ብዕለት  25.08.2023 ሰዓት  11፡00  ቅ.ቅ.  ኣብ  መቓብር  ቦከንሃይም/ፍራንክፈርት  ብግዕዝ  ሪቱስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት  መተዓብይቱን  መቓልስቱን  ፈተውቱን  መላእ  ቤተሰቡን ካብ  መላእ  ኣውሮጳን  ካናዳን  ኣሜሪካን ኣብ  ዝተረኸቡሉ  ብዓጀብን  ክብርን  ብመዝሙር  ተ.ሓ.ኤ.  ብባንዴራ  ኤርትራ  መለይ  ተሰንዩ  ተፈጸመ። ብዓርኩን  ፈታዊኡን  ኣቶ  ሃይለ  ገ/ትንሳኤ  ካብ  ኣሜሪካ  ብሓብቱ  ኣበባ  ዝተነበ  ግጥሚ  ከምኡ`ውን  ብመተዓብይቱ  ኣቶ  ኣንገሦም  ገ/ዮውሓንስ  ካብ  ጀርመን  ዝተገበረሉ  ወየ  ... ወየ  ምስ  ተፈጸመ  ብዶ/ር  ሕሩይ  ባይሩ  ዘገርም  ሓጺር መግለጺ  ጒዕዞ  ቃልሲ  ታረቀ  በራኺ  ተዋህበ። ቀባሮ  ናብ  ዝተዳለወሎም  ኣደራሽ  ብምኻድ  ተመጊቦም  ካብ  ኣሕዋት  ነፍሰኄር  መዋቲ  ምሥጋና  ንቐባሮ  ተዋሂቡ  ብዙሓት  መቓልስቱ  ዝነበሩ  ከኣ  ምስክርነቶም  ብምቕራብ  ብፍላይ  ንበዓልቲ  ቤቱ  ወ/ሮ  በላይነሽ  ዮውሃንስ    ቃል  ኪዳና  ሓልያ  ንበዓል  ቤታ  ኣብ  እዋን  ሽግሩን  ስቓዩን  ዝኣለየትን  ዝሓብሓበትን  ደረት  ዘይብሉ  ምስጋንኦም  ገሊጾም  ተዛዘመ።

ጅግና  ሓርበኛ  ታሪኹ  እዩ  ነባሪ !

ዘልዓለማዊ  ዝኽርን  ክብርን  ንስውኣትና

25.08.2023 ፍራንክፈርት/ጀርመን

መግለጺ ሓዘን

Saturday, 26 August 2023 23:10 Written by

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ወሲኑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል  ኢትዮጵያ ዶር ኣብረሃም በላይ ብ22 ነሃሰ 2023 ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስተር ነዚ ዝፍለጡ ብምኽንያት ክብረ በዓል ኣሸንዳ  2023 ብፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ እዮም።

እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ብዝርዝር ካብ ዘስፈርዎ ነጥብታት፡ 1ይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ቦታታት ናብ ትግራይ ክምለስል እዩ።  ሕቶታት እንተልዮም ብሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ዝምለሰሉ ኩነታት ንምርግጋጽ ይስራሕ ኣሎ። 

2ይ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለሱ መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘለዉሉ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵ  ብዝወሰኖ መሰረት እዩ።

3ይ፡ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መረበቱ ዝምለስ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ምምሕዳሩ  ባዕሉ ክምስርት እዩ :: ኣብዘን ከባብታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ  ኩነታት ውግእ ተጠቂሙ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ምምሕዳራት ክፈርስ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ሓይሊታት ፀጥታ ፌደራል ወጻኢ ዝተዓጠቀ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ።

4ይ፡ ህዝቢ ድልዊ ኣብ ዝኾነሉ ብናቱ ውሳነ ብዘይተጽዕኖ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ  ረፈረንደም ዘካይደሉ  ኩነታት ክፍጠር ይኽእል። ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።

ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንተመዛበልቲ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝምልከት ብዝለዓለ በዓል መዚ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብኸምዚ ደረጃ ክግለጽ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ’ለዉ።

 

 

 

ኣብ ቀዳማይ፡ ቀዳመ-ሰንበት ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣብ ስያትልን ተረንቶን ተወጢኖም ዝነበሩ ናይ ህግደፍ ናይ ሸፈጥን ሸርሕን ፈስቲቫላት ኣሰር ጊሰንን ስቶክሆልምን ተኸቲሎም፡ “ወፍሪ ላምፓዱሳን ሰላምን” ብዝብሉ ጭረሖታት ብሓያልን ዘይሕለልን መኸተ ብ5 ነሃሰ 2023 ከም ዝፈሸሉ፡ ማዕከናት ዜና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ዓለምን ብምስልታት ኣሰንየን ሓቢረን።


Siatel 06.08.2023ብሪጌድ ንሓመዱ ስያትል ቅድሚ ናብ መኸተ ምውፋሩ ኣብ ልዝብ

ኣብቲ ስያትል ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሓለቕቲ ለውጢ ንፍትሕን ዲሞክራስን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ “ኣይተኸውንን እያ፡ ፍትሒ ንደሊ፡ ፈስቲቫል ዲክታተር ይሰረዝ” ዝብሉ ዝርከብዎም ጭረሖታት እናቃልሑ ተቓውሞኦም እናስምዑ እንከለዉ፡ ናይቲ ፈስቲቫል ወደብቲ ደገፍቲ ህግደፍ  ብዝጀመርዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ነብሶም ክከላኸሉ ጀሚሮም ብኡንብኡ ድማ ኩሉቲ ውራይ ህግደፍ ንምድማቕ ተተኺሉ ዝነበረ ዳሳት ምስ ምሉእ ትሕዝቶኡ ካብ ጠቕሚ ቀጻኢ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ከየትከሉ እግረይ ኣውጽእኒ ሃዲሞም።

እቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ፈስቲቫል ዘፍሸሉ ኣዝዩ ዝነኣድን ስሙርን ኣወዳድባን ምንባብን ዝነበሮም ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ ፖሊስ ስያትል ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ተልእኮኦም ፈጺሞም፡ ንቀጻሊ ቃልሲ’ውን ድሉዋት ምዃኖም እናገለጹ ናብቲ ዝተበገስሉ ኣዳራሽ ብዓወት ተመሊሶም። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ ዘድሊ ምድላው  ብአደታት ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ከኣ ኣብነታዊ ነይሩ።

ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ብተመሳሳሊ፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ናብቲ ኢርል ስኮርት ኣብ ዝተባህለ ፓርክ፡ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ህግደፍ ከይዶም ፊትንፊት ኣብቲ ዝተፈቕደሎ ኩርናዕ ኮይኖም፡ ናይ ተቓውሞ ድምጾም እናስምዑ እንከለ፡ በቲ ድምጺ ዝረዓዱን ዓቕሎም ዝጸበቦምን፡ ሕልነኦም ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ብዝሸጡ ኤርትራውያን መጥቃዕቲ ምስ ተኸፈቶም ኣብ ዝገበርዎ ምክልኻል ብዝተፈጥረ ህውከት ዳሳት ህግደ ዓነውነው እንከሎ፡ ኣብቲ ዕግርግር 9 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ቶሮንቶ ኣፍሊጡ። እቲ መጉዳእቲ ብዘይካ ናይ ሓደ ናይቶም ካለኦት ቀሊል ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

Police Torontoኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን ፖሊስ ቶሮንቶን ኣብ ዝተፋጠጥሉ

ድሕዚ ኩነታት ዓሰርተታት ኣባላት ፖሊስ ከተማ ተረንቶ ኣብ ማእከል ተቓወምትን ደገፍትን ተሰሪዖም ንነዊሕ ሰዓታት ተፋጢጦም። ድሕሪኡ እውን ፖሊስ “ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናዮ ኢና” ዝበሎ ቃል ስለ ዘየኽበረንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ነብሶም ዳግማይ ክሰርዑ ስለ ዝፈተኑን፡  ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ሓደ ካብ ቀንዲ ጐደናታት ተረንቶ ዓጽዮም፡ ኣብ መኪና ብዝተሰቕለ ንህግደፍ ዘቃልዕ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተሰንዮም ተቓውመኦም ስለ ዝቐጸሉ፡ ወጥሪ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ትካል ዜና ሲቢሲ/CBC NEWS ኣፍሊጣ።  ደሓር ግና ምምሕዳር ከተማ ተረንቶ “ምእንቲ ሰላምን ድሕነትን ሕብረተሰብ ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናይ ኣሎና። በዚ መሰረት 6 ነሃሰ 2023 ኣይክቕጽል እዩ” ዝብል መግለጺ ከም ዘውጸአ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣፍሊጠን።

ከምቲ ድሕሪ ፍሽለት ፈስቲቫላት ህግድፍ ኣብ ጊሰንን ስቶክሆልምን ዝተራእየ ፍሽለት፡ ፈስቲቫላት ህግደፍ ስያትልን ቶሮንቶን እውን ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለምን ፖለቲከኛታት ኣጀንዳ ክኸውን ክኢሉ።

ፕረሲደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶር ይልቃል ከፋለ ብ3 ነሃሰ 2023 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም ብስሩዕ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኻእለ፡ ፈደራል መንግስቲ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዕም። እቶም ፕረሲደንት ኣብቲ ክልል ብሰንክቲ ኣብ መንጎ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ብጉጅለ ህግደፍ ናይ ስልጠናን ዕጥቅ ደገፍ ይግበረሉ ዝበሃል ሓይሊ ፋኖን ዝተኻየደ ውግእ ሰብኣዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉድኣት ከም ዝወረደ ጠቒሶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርንነት ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ምፍራሙ፡ እዚ ሎሚ “ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ” ብዝብል ኣንጻር መንግቲ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ፋኖ ከምቲ ህግደፍ ተኾሊፍና ዝበሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ “ዘስሩዕ ዕጡቕ” ዝተባህለ ፋኖ ድማ ዕጥቂ ኣፍቲሑ ዳግመ-ውደባ ክግበረሉ ምስ ወሰነ እዩ ኣንጻር መንግስቲ ምንቅስቓሱ ዝያዳ ዘሕየለ እዩ።  ናይ ስግኣትን መንገዲ ዓመጽ ምምራጽን ቀንዲ ምኽንያት፡ ከምቲ ህግደፍ ውግእ ጠጠው ብምባሉ ዘይዓገበ፡ በቲ ውዕል ሰላም መሰረት፡ ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ከይምለስ ብዝሓደሮ ስግኣት እዩ።

ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ፋኖ ብመስመር ሑመራን ኦሞሓጀርን ምስ ህግደፍ ከም ዝራኸብን ኣባላቱ ኣብ ኤርትራ ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ኣብ ሑመራ ከም ዝመረቐ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ብሰፊሑ ክሕበር ዝጸንሐ እዩ። ክሳብዚ ቀረባ ግዜ መጻኢ ፖለቲካዊ ዕላማ ፋኖ እንታይ ምዃኑኳ ንጹር እንተዘይነበረ፡ ሎሚ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሪስካ ብደረጃ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ምምሕዳር ምትካል ምዃኑ ክገልጽ ይስማዕ ኣሎ።

ብናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘይወግዓዊ መጸዋዕታ ናይ ክልል መንግስቲ  ሰራዊቱ ኣብ ክልላት ኣብ ዝካየድ ውግእ ከውፍር ኣይክእልን እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ እትርከበን ሃገራት ዜጋታተን ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ናብ ዘዋስኑ ከባብታትን ክልል ኣምሓራን ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ፍሉይ ጥንቃቐ ንክግበብሩ ኣተሓሳሲበን።

ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ትሕቲ “ትግራይ እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት/ኤፈርት) ዝመሓደራ ዝነበራ 21 ትካላት ትግራይ፡ ብሰንኪ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ምኽፋቱ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ፡ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብ28 ሓምለ 2023 ከም ዝተሳዕረ፡ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/ETHIOPIAN INSIDER ሓቢራ። ነዘን ትካላት ብግዝያውነት ከመሓድር ዝጸንሕ ኣካል፡ “ኮመርሻል ኖሚንንስ” ሓላፍነቱ ከረክብ’ውን በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተኣዚዙ። እዚ ውሳነ ነቲ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እዘን ትካላት ብኻልእ ኣካል ካብ ምምሕዳር ናጻ ኮይነን ናብ ዋናአን ንክምለሳ ዝሃቦ ውሳነ ተኸቲሉ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብዘን ኣብ ብ1995 ኣብ ትግራይ ዝነበረ ድርቂ ንምክልኻልን ቁጠባ ንምዕባይን ዝቖማ ትካላት፡ ሱር ኮንስትራክሽን፡ መስፍን ኢንጂነሪንግ፡ ጉና ትራይዲንግ፡ መሰቦ ስሚንቶ፡ ኣልመዳ ፋብሪካ ዓለባ፡ ሳባ እምነበረድ፡ መስከረም ሜካናይዘሽን ሕርሻ፡ ደጀና ኬሚካል፡ ዝኣመሰላ ይርከበአን። ናይዘን ትካላት ናይ ባንክ ሕሳብ ኣብ ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ “ንፈጠርቲ ራዕዲ ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብራ ኣለኽን” ብዝብል ተዕጽዩ ከም ዝነበረ እውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቲ ነዘን ናይ ትግራይ ትካላት ብውክልና ከመሓድር ዝጸንሐ ኮመርሻል ኖሚንስ፡ ኣብቲ ነተን ትካላት ዘመሓደረሉ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ዝነበረ ምዕብልና ምሉእ ጸብጻብ ከቕርብ ኣዚዝዎ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣባልነታ ከም ውድብ ንክሕደሰላን ንብረታ ንክምለሰላን ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ጥርዓት ጌና መልሲ ኣይረኸበን። እንተኾነ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክርከበሉ መራሕታ ተስፋኦም ክገልጹ ጸኒሖም።