ብዕለት 01.12.1942 ኣብ ዓንሰባ በርዑና ኣብ ዝተባህለት ዓዱ ዝተወልደ ገዲም ተቓላሳይ ዓንደጼን ግርማይ፡ ብ21 ሰነ 2025 ተሰዊኡ ዝብል ሓበሬታ ብመሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ዓንደጼን ናይ ትምህርቲ ዕድሚኡ ምስ ኣኸለ ኣብ ከባቢ ዓዶም ኣብ ዝነበረ ናይ መባእታ ቤት ትምህርትን ኣብ ከተማ ከረንን ትምህቱ ድሕሪ ምክትታል፡ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ እተገ መነን ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ጥዕና ቤት ትምህርቲ ኣስመራ ተማሂሩ። በቲ ዝተማህሮ ሞያ ድማ ኣብ ባጽዕ/ማሳዋ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣገልጊሉ። ብ1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ ኣብ ሳሕል ኣብ ዝነበረ መደበር ታዓሊም መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ወሲዱ።ድሕሪ ታዕሊም በቲ ዝነበሮ ሕክምናዊ ትምህርትን ተመኩሮን ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተመዲቡ፡ ኣብ 1976 ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ደንበ ጐለም ኣብ ዝበሃል ማእኸል ተመዲቡ። ቀጺሉ ድማ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ከምኡ’ውን ብ1978 ኣብ መደበር ሕክምና ስውእቲ ኣለም መስፍንን ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላትን ብተወፋይነት ግቡኡ ፈጺሙ። ብዘይካዚ ኣብ 1977 ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሰራዊት መግዛእት ነጻ ንምውጻእ ኣብተገብረ ምድላዋት’ውን ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ጉጅለመራሒ ኮይኑ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መደባት ተቓሊሱ።
ብምቕጻል ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ዳግመ-ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱን ብሪጌዳት ምምስራተንን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ማእከላትን ክፍልታትን ብተወፋይነት ከም ዝተቓለሰ ናይ ቃልሱ ተመኩሮ ይምስክር።
ሓርበኛ ዓንደጼን ግርማይ ኩነታት ተቐይሩ ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣምረሐ እውን ክሳብ ብሕማም ምኽንያት ዓዲ ስውዕል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ስርዒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ምምሕዳር ሽማግለ ጨናፈር ኮይኑ ከይሰልከ ብትብዓትን ብተወፋይንትን ተቓሊሱ። ኣብ ጀርመን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራን ዓመታዊ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላት ካብ ምስንዳእ ክሳብ ምዝዛም ዕዙዝ ሓላፍነታዊ ብጽሒት ካብ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ብጾት ሓደ ብምዃን ከኣ ካብ ቃልሲ ኣይበኾረን።
ሓርበኛ ተቓላሳይ ዓንደጼን ግርማይ፡ ኣብ መትከላት ሰውርኡን ህዝብን ጽኑዕ፣ ነታ ንሱን ብጾቱን ዝብህግዋ ኤርትራ ንዝተጠለመ መብጻዓታታ መሊኡ ክዕወት፡ ኣብቲ 1989 ዓ.ም ኣብ ቶጓን ዝተጋብኤ ሳልሳይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንጨናፍር ጀርመን ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ሓደ ነይሩ።
ዓንደጼን ካብ ዝሳተፈሉ ዝነበረ ካልእ መዳይ፡ ኣብ ዓበይቲ ታሪኻዊ ኣጋጣምታት ብዝነበሮ ናይ ስነጽሑፍ ክእለት፡ ምእንቲ ነጻነት ዝተኻየደ ቃልስን ኣብቲ ቃልሲ ዝተፈጸመ ጀግንነትን ከምኡውን ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልስን ስድራን ብዝምልከት ብቐጻሊ ዘንጸባርቕ ዝነበረ እዩ። ዓንደጼን ኣብ መበል 83 ዕድመኡ ብ21 ሰነ 2025 እዩ ኣብ ገዝኡ ብቤተሰቡ እናተኣልየ ዓሪፉ።
ዓንደጼን ኣብ ሓዳሩ ዕዉትን ኣቦ ሓሙስተ ደቅን እዩ። ብደቑ ፍጹም፣ኣለም፡ ኣፈወርቂ፡ ኣልማዝን ጠዓመን ከምኡውን ኣብ ቃልሲ ነጻነትን ሓርነትን ብዝነበሮ ግደ እንዳተዘከረ ክነብር እዩ።
እነሀ ከኣ ሕድሩ እዩ ዝውረስ እምበር፡ ካብ መስዋእቲ ዝተርፍ ተቓላሳይ ስለ ዘየለ፡ መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰዲህኤ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽና፡ ንስዉእ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራ ቤቱን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦምና/ይሃበና ንብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ እስራኤልን ኢራንን ምልላይ ዘድለየ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተኸፍተ ኣዝዩ ኣዕናውን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝዓርግ ዘሎን ውግእ ይካየድ ብምህላዉ፡ ናይ ዓለምና ዝለዓለ ኣጀንዳ ኮይነን ስለ ዘለዋ እዩ።
እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ምብራቓዊ መወዳእታ ባሕሪ መደትራኒያን እትርከብ ብ14 ጉንበት 1948 ዝተመስረተትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ልኡላዊት ሃገር ዝተመዝገበትን እያ። ብሰሜን ምስ ሊባኖስ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ሱርያ፡ ብምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ምስ ዮርዳኖስ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ግብጺ ብምዕራብ ድማ ምስ ባሕሪ ሜዲትራንያ እትዳወብ ሃገር እያ። እዚ ግን ንጉዳይ ፍልስጤም ዝዘንግዐ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።
ስፍሓታ 22,757 ትርብዒት ኪሎሜትር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ፡ 9.77 ሚልዮን ኣቢሉ ይኸውን። 6 ብቋንቋ ሂብረው መክሆዛት ዝበሃላ ምምሕዳራዊ ክፍለ ሃገራትን 15 ንኡሳን ክፍለ ሃገራት ድማ ኣለዋኣ።
ዋና ከተመኣ እየሩሳለም ኮይና፡ እንተኾነ ምስቲ ምስ ፍልስጥኤም ዘለዋ ናይ ነዊሕ ግዜ ምስሕሓብ፡ ተልኣቪቭ እያ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ከተማ እየሩሳለም 919 ሺሕ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ እቲ 350 ሺሕ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ናይታ ከተማ ዝነብር እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ተልኣቪቭ ድማ 452 ሺሕ ምዃኑ ይንገር። ቀዳማይ ቋንቋ እስራኤል ሂብሩ ክኸውን እንከሎ፡ ዓረብ እውን ብኻለኣይ ደረጃ ይዝረብ። ካብዚ ሓሊፉ ቋንቋ ሩሲያ ዝዛረቡ ዜጋታት ከም ዘለዉዋ’ውን ይንገር። ገንዘብ እስራኤል ሸከል ይበሃል። ዝዓበየት ወደብ ናይታ ሃገር ሃይፋ እያ።
ኢራን ኣብ ኤስያ እትርከብ፡ ኣብታ ክፍለ ዓለም ብስፍሓታ 6ይ ደረጃ እትሕዝ ሃገር ምዃና ዝንገረላ፡ ቅድሚ “ኢራን” ምባላ “ፐርሺያ” ትበሃል ዝነበረት፡ ብ26 ሰነ 1945 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣባል ዝተመዝግበት ጥንታዊት ሃገር እያ። ብሰሜን ምስ ኣዘርባጃን፡ ኣርመንያ፡ ቱርከሚስታንን ባሕሪ ካስፒያንን፡ ብምብራቕ ምስ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን፡ ብደቡብ ምስ ወሽመጥ ፐርሺያን ወሽመጥ ኦማንን፡ ብምዕራብ ድማ ብቱርክን ዒራቕን ትዳወብ። ካብቲ 7, 680 ሺሕ ኪሎሜትር ዝኸውን ወሰናስና እቲ ሓደ ሲሶ ማያዊ ምዃኑ ይሕበር።
ጠቕላላ ስፍሓት ኢራን 1,648,105 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ ብዝሒ ህዝባ ድማ 83,024,745 እዩ። ኢራን 31 ብገዛእ ርእሰን ዝመሓደራ ክፍለ-ግዝኣት ኣለወኣ። ዋና ቋንቋ ናይታ ሃገር ፐርሺያ (ፋርሲ) እዩ። ዋና ከተማኣ ድማ ቴሀራን እያ። ነበርቲ ቴሀራን ኣስታት 9,730,000 እዮም። ስፍሓት እዛ ዋና ከተማ ከኣ 730 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ገንዘብ ኢራን ሪያል ይበሃል። ዝዓበየት ወደብ ኢራን ባንዳር ኣባስ ትበሃል።
እስራኤልን ኢራንን ኣብ መንጎአን ሃገራት ሱርያን ዒራቕን ብምህላወን ብመሬት ዘይራኸባ ክነሰን እየን ሓደገኛ ውግእ ዘካይዳ ዘለዋ። ቀንዲ መባኣሲኤን መሬት ዘይኮነ፡ ፖለቲካውን ኣብቲ ዞባ ዝጸንሔን ዘሎን ጸጥታውን ዲፖሎማስያውን ጽልዋታት ዘለዎ ፍልልይ ናይ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ “መን ዓብለለ?” ውድድር እውን እዩ። እዚ 6ይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ዝተፈላለያ ሃገራትኳ ንእስራኤል ኮነ ንኢራን ዝድግፋ ሃገራት መግለጽታት ዘውጸአ እንተለዋ ዛጊት ብግብሪ ርኡይ ኢዳ ዝሓወሰት የላን።
ፈስቲቫልን ሰሚናርን ኤርትራ 2025
እቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ብምትሕብባር ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ሰፊሕ ፈስቲቫልን ሰሚናርን፡ እንሆ እዚ ዓመት እዚ እውን ንማሕበራዊ፡ ፖሊቲካውን ምሕደራ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘንጸባርቅ መድረኻዊ መደባት ዝሓዘ ምድላዋት ሰሪዑ ይርከብ ። ስለዚ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ንኽሳተፎ ጸዊዒትና ነቕርብ ።
ፈስቲቫል ዝግበረሉ ቦታ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት Johann Wolfgang Goethe Universität Merton str 26 - 28 እዩ።
ኣብዚ ኣገዳሲ ናይ ህዝቢ ርክብ ዝካየደሉ ፈስቲቫልን ሰሚናርን ፍራንክፎርት 2025 ምስታፍ ንኩሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ኮይኑ ንመደባትና ዝምልከት ቀጻሊ ሓበረታ ከነስዕብ ኢና።
ብሓድነት ንሓርነት !!!
ኣሳናዳኢት ሽማገለ 2025
ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ውግእ ካብ ዝተመዛበሉ ኣሸሓት ብኸፊል (ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ስእሊ)
ፈረንሳዊ ተጣባቒ ጉጅለ (French advocacy group)፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ጠጠው ንከብሉ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራታ ሃገራትን ዋና ጸሓፊኡ ኣንቶኒዮ ጉተርዝን ብጉዳይ ሱዳን ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሬድዮ-ደባንጋ ኣፍሊጣ። እቲ ጉጅለ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ንምባል ፖለቲካዊ ቅሩብነት ከም ዘድሊ ኣብቲ ናይ 8 ሰነ 2025 ህጹጽ ምሕጽንታኡ ኣስፊሩ። ቅድሚ ሕጂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት “ካብ ዓለምና ዝለዓለ ምምዝባል ዝተራእየሉ” ብዝብል ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ከኣ ኣብቲ መጸዋዕታኡ ጠቒስዎ።
እቲ ጉጅለ ብወኪሉ ኣብ ዳርፉር ኣቢሉ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ብኣድራሻ ናብተን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዋና ጸሓፊ ናይቲ ቤት ምኽርን ዝተላእከ ኮይኑ፡ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ከኣ ብቕልጡፍ ተኹሲ ጠጠው ንክብልን ናይ ኣጽዋር እገዳ ክውሰንን ከምኡ ከኣ ነቶም ብሚልዮና ዝግመቱ ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ሱዳናውያን ረዲአት ክበጽሓሉ ዝኽእል ኩነታት ንክፍጠር ዝጽውዕ እዩ። እቲ ወኪል ናይቲ ተጣባቒ ጉጅለ፡ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት፡ ብፍላይ ንቀረብ መግብን ሕክምናን ብዝምልከት “እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድኩም’ዩ ዘሎ” ከም ዝበሎም እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ዜና ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጀነራላት ዝመርሕዎ ዝካየደ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነታ ሃገር ከም ዘዕነዉዋ ብምጥቃስ፡ ብሰኪ’ቲ ውግእ 150 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ 13 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን 14 ሚልዮን ግዳያት ከኣ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝርከቡ ኣስፊሩ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቶም 11.5 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ 25 ሚልዮን ሰባት ከኣ ብድምር ሰብኣዊ ረዲአት ዘድልዮም ምዃኖም ይሕበር
እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣብ ክንዲ “ብሰንኪ እምቢታ ክልቲኦም ጀነራላት ክንሕግዝ ፈቲና ኣይከኣልናን” ምባል፡ ንክቲኦም ኣጊድካ ነቲ ዕንቅፋት ምውጋድ ከም ዝግባእ ጠቒሱ። እቲ መጸዋዕታ ጉዳይ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ከባቢ ካርቱምን ህጹጽ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ምምሕዳራት ዋይት ናይል፡ ሰሜን ኮርዶፋንን ዳርፎርን ብፍሉይነት ጠቒሱ።
2ይ ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ምምይያጥ ንለውጢ ናይ ስርዓት ጸዊዑ
Tuesday, 10 June 2025 21:15 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ግንቦት 2025 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ ብማንዛ (zoom) ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቐዳምነት ካብ’ተን 8 ኣብያተ-ጽሕፈት ዝቐረበ ጸብጻባት ንጥፈታተን ሰሚዑ። ከምኡ’ውን፡ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ፖ.ሓ.ኤ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ብደምበ ተቓውሞ ዝተመዝገበ ዓበይቲ ፓለቲካዊ ዓወታትን ዘጋጠሙ ሕጽረታትን ብዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ’ቲ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝተኻየደ ንጥፈታት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ዝተመዝገበ እወንታታትን ሕጽረታትን ገምጊሙ። ከምኡ ውን፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ስርዓት ኣስመራ ትሓልፎ ዘላ ጽንኩር ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ ማሕበራውን ጸጥታውን ሃለዋትን ብዝርዝር ተመያይጡ። ኣስዒቡ ብደረጃ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላዋትን ውሽጣዊ ናይ ሕድሕድ ውግኣትን ብዕምቆት ዘትይሉ። ናይ’ዚ ጸገማት’ዚ እንኮ መፍትሒ፡ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ኣገባባት ጥራሕ ምዃኑ ብኣንክሮ ኣስሚርሉ።
ቀጺሉ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ዕለት 1-3 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብምትሕብባር ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ንምዕዋት ክግበር ዘለዎ ምድላዋትን ዘድሊ ምትሕብባራትን ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብኣጽንዖት ተመልኪትዎ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ዘሳትፍ ውራይ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ነዚ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ንምዕዋት፡ ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ንጡፍን እወንታውን ተኻፋልነቶም ከበርክቱ ጸዊዑ።
ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ሓቢሮም ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብጽንዓት ክቃለሱ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ መጸዋዕታኡን ምሕጽንታኡን ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝገብሮ ጸቕጥታት ብምሕያል ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣውን ሕጋውን መሰላትን ቅልውላዋትን ደው ክብል ተርኡ ክጻወትን ማዕረ ሓላፍነቱ ክብ ኢሉ ክርከብን ኣዘኻኺሩ።
እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላዋት እናዛየደ፥ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከኣ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከብ ዓቕምታተን ንምጥርናፍ ጽዓታተን ኣብ ዘበርኻሉ ዘለዋ እዋን ኢዩ ተኻይዱ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ
10 ሰነ 2025
ምሁራትን ክኢላታትን ተወለድቲ ኦሮሞ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም
Friday, 06 June 2025 22:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብቶም ደብዳበ ዝጻሓፉ ብኸፊል ዝርከብዎም፡
ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካን ኣወስትራሊያን ዝነብሩ ዳርጋ ኩሎም ናይ ዶክተራት ማዓርግ ዘለዎም ምሁራትን ክኢላታትን ደቂ ኦሮሞ ብ5 ሰነ 2025 ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣብ መርበብ “ኦሮሞ መዲያ ኔትዎርክ (oromo media natwork) ወጺኡ።
እዞም ዝርዝር ኣስማቶም ምስቲ ደብዳበ ኣተሓሒዞም ዘስፈሩ 85 ምሁራትን ክኢላታትን፡ ኣብቲ ደብዳበኦም “ኣብ መበል 34 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስማዕካዮ መደረ; ኣብ ልዕሊ መንነት ኦሮሞ ንዝፈጸምካዮ፡ ዘይተጸበናዮ መጥቃዕቲ ኣዕዚዝና ንኹንኖ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ዘትኮረ ዝመስል መደረኡ፡ ምስ ኦሮሞ ከተሓሕዞ ብምፍታን “ኦሮሞማ” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እዚ ተግባር ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንነት ኦሮሞ ዝነበሮ ኣወንታዊ ሚዛንን ኣረኣእያን ዘበላሹ እዩ ኢሎም ገሊጸምዎ።
ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ዘይጥዑይ መልክዕ ምሓዙ፡ ብ28 ለካቲት 2020 ናብ ኢሳያስ ደብዳበ ጽሒፎም ከም ዝነበሩ ዝጠቐሱ እዞም ምሁራትን ክኢላትታን፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽቶም፡ ኢድ ኣእታውነት ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘየርብሕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ካብ ምእታው ንክትቁጠቡኳ ተማህጺነምዎ እንተነበሩ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ምሕጽንታ ተቐቢሉ፡ ዘመሓይሽ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዘለዎ ኣረኣእያ እናኸፍአ ከም ዝመጸ ኣብቲ ደብዳበኦም ጠቒሶም።
እቶም ምሁራት ብኦሮሞነቶም ከም ዝሕበኑ ብምጥቃስ፡ እንተደኣ “ኦሮሞነት” ብኣሉታ ዝግለጽ ኮይኑ፡ “ትግርኛነት ከደኣ ብኸመይ ቅኑዕ ይኸውን?” ክብሉ ብምጥቃስ፡ መደረ ኢሳያስ ተጋራጫዊ ምንባሩ ኣስፊሮም። ኣብቲ ኣብ ዘየለ ነገር ዝበልዎ፡ “ኩሽቲኽ-ሰመቲክ” ዝበልካዮ ድማ ከምኡ ዓይነት ትረኻ ዝዕድም ዘሎ እዩ ዝመስል ኢለምዎ። “ኤርትራኸ ካብቲ ዝበልካይ እንታይ እያ እትጥቀሞ? ንዝበል ሕቶ ከኣ መልሱ ንዓኻ ንገድፎ ድማ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ዞባና ሰላም ርሒቕዎ ናብ ግሁድ ቅልውላው ዝኣቱ ዘሎም ምዃኑ ጠቒሶም፡ መደረ ኢሳይስ ድማ ነቲ ወጥሪ መሊሱ ወጥሪ ዝውስኽ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንመንነት ህዝብና ዘዋርድ እዩ” ኢለሞ።
እዚ ኢሳያስ ኣብ መደረኡ ንብሄር ኦሮሞ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ቅድሚ እዞም ምሁራትን ክኢላታትን ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ደቂ ኦሮሞ መዛረቢ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኣመንቲ ምስልምና፡ “እንኳዕ ናብ መበል 1446 በዓል ዒድ ዓረፈ (ዒድ ኣል ኣድሓ) ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበለ፡ እዚ ክቡር በዓል ናይ ሰላም፡ ቅሳነትን ራህዋን ክኾነልና ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።
ኣብዛ ናይ መስዋእትነት ዕለት ኮይና፡ መጻኢና እዚ ኣብ ከባቢና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ውግእን ህውከትን ተቐንጢጡ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ካልእን ሓቢሮም ኣንጻር ኩሉ ወጽዓታት ተቓሊሶም ዘተኣማምን ህድኣት ዘውሕስሉ ንክኸውን ዘለና እምነት ደጊምና ንገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
6 ሰነ 2025
ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብ3 ሰነ 2025 “ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ተሰዊኡ” ዝብል ዜና ብኣዝዩ የሰንብድን ከቢድ ሓዘንን ሰሚዕናዮ።
ብ1943 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ግራረት ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ ኣብ ከረንን ኣስመራን ዝተማህረ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብሞያኡ መምህር ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ካብ ኣባልነት ማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ) 1958 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተሳተፈ፡ኣብውራ ድማ ብሰንኪቲ ኣብ ከተማ ከረን ብ03 መጋቢት 1958 ኣንጻር መደባት ስርዓት ሃይለ ስላሰ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፍን ተሳትፎኡን ብጸላኢ ንዝተፈላለያ ግዳያት ይቃላዕ ከም ዝነበረን ብዛዕባ ድሕረ-ባይትኡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ይምስክሩ።
ድሕሪ ብረታዊ ተጋድሎ ምምስራት ከኣ፡ ንዝተጀመሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምዕዋት ብ1963 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ይኹን እምበር ንዝነበሮ ኣፍልጦን ስፍሓት ርኽክብን ኣብ ኣገልግሎት ሰውራ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ንምውዳብ ናብ ከተማታት ተመሊሱ ዕማማቱ ንምቕጻል ተመደበ። ጸኒሑ ግን ጠሪሱ ንሜዳ ወጺኡ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ ካርቱም ክሳብ መላእ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ብተወፋይነት ግዲኡ ኣበርኪቱ። ደሓሪኡ’ውን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝተፈላለዩ ጽፍሒ መሪሕነታዊ ሓላፍነታት ኣብ ሜዳን ወጻእን ግቡኡ ዝፈጸመ ሓርበኛ እዩ።
መሓመድ ዑመር ንጡፍ፡ መደባቱ ንከዕውት ጐዩ ዘይደክምን ዝተረኣዮ ካብ ምዝራብ ንድሕሪት ዘይብልን፡ ተዋዛያይን መኽበሪ ብጾቱን ምንባሩ እውን ዝምስከረሉዩ።
ብመስዋእቲ ምሕላፍ ናይ ኩልና እንኸፍሎ ዕዳ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና መሓመድ ዑመር የሕያ እውን ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ብጾቱ ኣብታ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ።
መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ነባር መቓልስቶም ዝኾነ ሓርበኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር የሕያ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም እናገለጹ፡ ንስዉእ መንግስተሰማያት፡ ንቤተሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይምነዩ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
4 ሰነ 2025
ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ
ካብ ብሄራዊ ምርጫ ብርድ ኢትዮጵያ፡ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዝያዊ ምስክር ወረቐት ዝተዋህበ ሓድሽ ውድብ፡ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 6 ሳምንታት መስራቲ ጉባአኡ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ። እዚ በቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ዝነበረ ኣካል ህወሓት ዝምስረት ዘሎ ውድብ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ትግራይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ቀበለ ኣካላቱ ዘርጊሑ ኣብያተ-ጽሕፈት ከም ዝኸፍት፡ ኢትዮ-ኢንሳይደር ነቲ ብ31 ጉንበት 2025 ኣብ ሆቲል ሸራተን ኣዲስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ’ያ ሓቢራ።
ናይቲ ሰልፊ ናይ መጀመርያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ፡ ሓደ ካብቶም መስረቲ ዝኾነ ናይ ቅድም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሃቢ ቃል ዝነበረ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ነቲ ግዝያዊ ናይ 3 ኣዋርሕ ፈቓድ ዝረኸቡ ከባቢ ሚእቲ ኣባላት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ናብ ዕላዊ ጉባአ ንምእታው ዘኽእልዎ ኣባላት ናይ ምምልማል መደብ ከም ዘለዎ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ናይ መመልመሊ መዕቀኒኦም ብዝምልከት ከም ዝጠቐሶ ድማ መጻኢት ትግራይ ንዝሃንጽ መንእሰይ ወለዶ ፍሉይ ዝያዳ ቆላሕታ ከም ዝህቡ ኣብሪሁ።
ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣተሓሒዙ፡ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ቀንዲ ኣካላት ሰለስተ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ እሞ ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ፡ ናይ ቀደም ናይቲ ውድብ ባልላት ነይሮም ንለጢ ክቃለስ ዝጸንሐን ንጡፋት ካድራት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉን ክብል ዘርዚርዎም። ኣብ ርእሲዚ ኣባላት ህወሓት ትግራይ ንዘይነበሩ መንእሰያትን ምሁራት ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃብ እውን ኣመልኪቱ። እቲ ኣገባብ ኣመላልምላ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ጽባሕ ትግራይ ኣብ ምህናጽ ኣስተዋጸኦ ክገብሩ እዮም ዝበሎም ንምስታፍ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ንኣመሰራርታ ብዝምልከት ከኣ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያን ኣብ ወጻእን ኣብ ዘሎ ትግራዋይ ከም ዘተኩሩ ብምጥቃስ፡ በቲ ናይ ኣመሰራርታ ኣዋጅ መሰረት፡ ሓደ ብሄራዊ ሰልፊ ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ መስራቲ ጉባአኡ ካብ ዝሳተፉ ልዕሊ 60% ነበርቲ ናይቲ ክልል ክኾኑ ስለ ዝግባእ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ኣብ ትግራይ ከም ዝኸውንን መስራቲ ጉባአኦም ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝካየድን ሓቢሩ።
እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝድሕረ-ባይትኡ “ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ትግራይ” ዝምስረት ዘሎ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብዶ ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ኣካል ህወሓት፡ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ “ውድባዊ ኣባልነቱ ተሰሪዙ” ኣብ ዝተባህለሉ እዩ።