ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ገረዝጊሄር ተወልደ

ዝኸበርካ ምክትል ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ያሲን መሓመድ ዓብደላ

ዝኸበርካ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይት ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ዮውሃንስ ኣስመላሽ

ዝኸበርኩም ወከልትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ

ዝኸብርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ፈስቲቫል 2025

እዚ ብስም ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ከምኡ‘ ውን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ኣብ ፍራክፉርት ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል 2025 ፍሉይ ዝገብሮ ፡ ድሕሪ ሓባራዊ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2024 ንካልኣይ እዋን ምጽንባሉ እዩ።

ስለ‘እዚ እምበኣር እንቛዕ ኣብዚ ኣብጸሓና፡ እንቛዕ ከኣ ብደሓን መጻእኩም።

ፈስቲቫልና ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ፡

ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝኸፍኤ ማሕበራዉን ፖለተኢካዉን ዲፕሎማስያዉን ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፥

ኣብ ደገ ዝርከብ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝግመት፡ ገለ ሸነኽ ምስ ገባቲ ስርዓት ደው ኢሉ ኣብ በዓላቱን ፈስቲቫላቱን ክካፈልን ክስዕስዕን ከጣቅዕን እንከሎ፥

ዝበዝሔ ክፋል ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ናይ ኣብ በለጽን ጥቅምን ዝተመርኮሰ ናይ ሱቅ መርገጽ ሒዙ፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንዕዘብ ኣሎና።

ተመኩሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ መጀመርያ 70ታት ተመሊስና እንተረኤና፡ ህዝብን መንእሰይን ኤርትራ ብብዝሒ ኣብ ቃልሲ ምስ ተኻፈለ እዩ እተን ዝነበራ ዉዱባት  - ምስ ኩሉ ድኽመታተን - ክዓብያን ክዕወታን ክኢለን። እዚ ተኻፋልነት ህዝቢ እዩ‘ውን ናጽነት ኤርትራ ብ 1991 ዘምጸኤ።

ሕጂ‘ዉን እንተኾነ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ፡ ደንበ ተቃዉሞ ፍትሕን ዲሞክራስን ከምጽእ ኣይክእልን እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ደንበ ተቃዉሞ ድኽመታት ከምዘልውዎ ኩላትና ንመዝኖ ጉዳይ እዩ። ተኻፋልነት ህዝቢ ግን ንቅድሚት ክደፍኦን ብኣዉንታ ክጸልዎን ይኽእል እዩ።

እቲ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ሃገራዉነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘቀሙጡ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ይረኣዩ ምህላዎም፡

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣዳኺምካ፡ ብኡ መሰረት ድማ ንልዑላዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ንምውራድ፡ ዝርኣዩ ፈተነታት ብጎራብቲ ሓይልታትን ሃገራትን ንዕዘብ ኣሎና። 

ስለዚ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ እዞም ኣብዚ ፈስቲቫል 2025 ንርከብን ብሓፈሽኡ ድማ ደንበ ተቃዉሞ ንርከብን፡ ንሃገራውነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝዕቅብ ክኸዉን ጻዕሪ ዘድልዮ ናይ ኩላትና ቃልሲ እዩ።

እምበኣር ፈስቲቫል 2025 በዚ መንፈስ ተበጊሱ፡ ኣብ ዲሞክራስን ኣብ ፍትሕን  ክጋባእን ክበዓልን ተስፋ ይገብር።

ፍትሕን ዲሞክራስን ንሃገርና

/ ኣክሊሉ ግርማይ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሰናዳእቲ ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2025  

ዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ኤርትራ!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2025!

ንባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ኣብ ፈስቲቫልኩም ንኽትሳተፍ ብዝገበርኩምልና ዕድመ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምስጋናኣ ተቕርብ። ናብ‘ዚ ክቡር ፈስቲቫልኩም ብኣካል ምሳኹም ንኽንውዕል ባህጊና እኳ እንተነበረ፡ ብስራሕን ካልኦት ኣቐዲሞም ዝተታሕዙ ጉዳያትን ግን ክጥዕም ስለዘይተኻእለ እንሆ ሓጺር ናይ ምሕዝነት ቃልና ብጽሑፍ ነቕርብ።

ናይ ሎም ዓመት ፈስቲቫልኩም ዓለምና ኣዝያ ኣብ እትህወጸሉ ዘላ ህሞት፡ ሓዲሽ  ፖሊቲካዊ ምግልባጥን ምሕዝነታትን ዝርኣየሉ ዘሎ ኢዩ ዝሰላሰል ዘሎ። ኣብ ከም‘ዚ ዝኣምሰለ ንሃገርና ኤርትራ እውን ዝሓወሰ፡ ተሃዋሲ፡ በዳሂ፡ ዓመጽን ግፍዕን እናሳዕረረ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ከም‘ዚ ዓይነት ህዝባዊ ርክብ፡ ብዛዕባኡ ንምምይያጥ ዕድል ስለ ዝኸፍት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

ዝተፈላለያ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምኡ`ውን ዝተፈለየ ርእይቶ ንዝውክሉ ዉልቀ-ሰባት ናብ ሓደ መኣዲ-ዘተ ብምምጻእ ብዛዕባ ህሉውን መጻኢን ጒዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምምይያጥ ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት  ንምንዳይን ንምርካብን ዝወሰድኩሞ ተበግሶ ኣዝዩ ዝነኣድ‘ዩ።

ምስሳንን ምብርታዕን በርጌሳውያን ማሕበራት እምነ-መሰረት ናይ ሓደ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብን መንግስትን ኢዩ። ዕላማ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝኾኑ ምንቅስቃሳትን ከምኡ‘ውን ፖሊቲካውያን ውድባት ከኣ ሓንቲ ብሕጊ እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንኽትህሉው ኢዩ። ሓደ ኣብ ዓመጽ ዝተመስረተ ስርዓት በኣንጻሩ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምዘይስስና ጥራይ ዘይኮነስ ከምዘይህሉዋ እውን ኢዩ ዝገብር። ብኩራት ግደን ተራን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝንቀሳቐሳ ናይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ከኣ እዚ ኣብ መብዛሕተን ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ብቐረባ እውን ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ እንርእዮ ዘለና ሓቂ ኢዩ ሳዕብየናቱ።

እምበኣርከስ እዚ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ተሳትፎ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽትቅጽሉዎ ኣገዳስነት ኣሎው። ሃብታም ናይ ቃልሲ ተሞኩሮን ዓቕምን ከምዘሎኩም መጠን ከኣ እንተላይ እውን ምስ ኩለን ወይ ዝብዝሓ ፖሊቲካውያን ሓይሊታት ብምትሕብባር ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ወይ ጽላል ንምቛም ብዝያዳ ንኽትጽዕርሉ ናይ‘ዚ እዋን ጠለብ ኢዩ‘ሞ ንኽትደፍእሉ ትጽቢትናን ሓደራናን እዩ።

ጥምረት ናይ ተቓለስቲ ንፍትሒ ምስ ዝረጋግጽ ኢዩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ዝኾኖ፡ እቲ ጨቁኑ ሒዙዎ ዘሎ ጒጅለ ህግደፍ ከኣ ብቐንዱ ዝስዓር ኣብ መዋዳእታኡ ክኣ ሓንቲ ፍትሓዊትን ዲሞክራያዊትን ኤርትራ ክንምስርት እንኽእል።

ኣብ መደምድምታ ኩላትና ኣብ ዘዘለናዮን በብዝጥዕመናን ግን ክኣ እናተወሃሃድና ኣድማዒ በርጌሳዊ እጃምና ነበርክት። ከምኡ እንተጌርና ኣብ መወዳእታ ከምእንዕወት ጥርጥር የልቦን እሞ ኣይንሕመቕ።

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝመንጨወ ጥርናፈ ወይ እውን በርጌሳዊ ማሕበር ኢዩ። ኣብ‘ቲ ዝርከቦ ቦታን ከባብን እውን ምስ ዝተፈላለዩ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲከኛታትን እናተራኸበ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ከቃልሕን፣ ብመጠኑ ባህልን ስነጥበብን ሃገርና ከላልን ጽኒሑን ኣሎን።

ዕዉት ፈስቲቫል ንምነየልኩም

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን

02-08-2025

የመናውያን ኣብ መስርሕ ምግፋፍ ዓሳ

ኤርትራ 53 ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትፈትሕ እንከላ፡ ጉጅለ ሑቲ የመን ብወገኑ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሑ 7 ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ “የመን ኦን ላይን (YEMEN ONLINE)” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ሓበሬታ ነዚ ዝገለጸት፡ ኣብ የመን ኣውራጃ ሑደይዳ ዝርከቡ ሓለፍቲ ብምጥቃስ፡ ብ28 ሓምለ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና እዩ።

እቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝተወስደ ምልቃቕ እሱራት፡ ብናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ መንጎኝነት ብዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት መሰረት ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ከባቢ ደሴት ሓኒሽ ብኤርትራውያን ሓለውቲ ዶብ ዝተታሕዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ኤርትራውያን ወተሃደራት ከኣ ኣብዚ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ዘሰሓሕብ ከባቢ፡ ምቁጽጻር የካይዱ ብዝነበሩ ናይ ሑቲ ወተሃደራት ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቶም የመናውያን ተፈቲሖም ኣብ ሃገሮም ወረዳ ካውካሽ በጺሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ማእሰርቶም ኣብ ኤርትራ መውቃዕትን ምውራስ ጀላቡን ካልእ መግፈፊ ናውትን ዘኸተለ ከቢድ ከም ዝነበረ ምግላጾም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ኩሉቲ ክእሰሩ እንከለዉ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረት ተወሪሱ ብዘይካ ዝለበስዎ ክዳን ጥራይ ኢዶም ምምላሶም ምሕባሮም’ውን ተገሊጹ። እዚ ክስተት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ናይ ባሕሪ ምስሕሓባት ከም ዘጋድዶ ከኣ ተጠቒሱ።

ብ17 ታሕሳስ 1995 ኣብ ደሴት ሓንሽ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ንሰለስተ መዓልታት ናይ “ይግበኣኒ” ውግእ ተኻይዱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ጉዳይ ብ3 ጥቅምቲ 1996 ናብ ቀዋሚ ናይ ዕርቂ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።  እቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ቀዋሚ ቤት ፍርዲ ድማ ናይ ክልቲኦም ወገናት ክርክር ሰሚዑ ብ9 ጥቅምቲ ብ1998 ደሴት ሓኒሽ ግዝኣት የመን ንክኸውን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ትግራይ 9 ዝኣባላቱ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ (command post) ከም ዝቖመ ኣፍሪቃ ኢንተልጀንስ (African Intelligence) ዝተባህለት ማዕከን ዜና  ኣፍሊጣ። ናይዚ ኮማድ ፖስት ኣባላት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ መሪሕነት ህወሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተዋጽኡ እዮም። ናይዚ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ ኣካል ኣቦመንበር ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ናይታ ኣባልነታ ተሰሪዙ ዘሎ ውድብ ህወሓት ክኸውን እንከሎ፡ ምክትሉ ከኣ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዩ።

እቶም ካለኦት ኣባላት ናይቲ መእዘዚ ማእከል፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄርን ዶር ኣብረሃም ተኸስተን ካብ ህወሓት፡ ጅነራል ፍሰሃ ኪዳኑ (ፍሰሃ ማንጁስ)፡ ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ ጀነራል ሃይለስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)ን ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ (ጆን መዲድ)ን ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ኣብ መስርሕ ምምስራት ዘሎ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ከተማ መቐለ ዋና ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ መርበብ ሓበሬታ ቲክቫህ ኢትዮጵያ (tikvah Ethiopia) ኣፍሊጣ። ኣብ ርእሲቲ ናይ መቐለ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ’ውን ጨንፈር ከም ዝኽፈተን እቲ መስርሕ ኣብ ካለኦት ዞባታት፡ ወረዳታትን ቀበለታትን ትግራይ’ውን ከም ዝቕጽል እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ውድብ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሃሰ ወግዓዊ መስራቲ ጉባአ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከይዶም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣቢሉ ናብ ትግራይ ክመሓላለፈሉ  ካብ  ዘመሓላለፎ በዓል 8 ነጥብታት መልእኽቲ፡ ወሓት ሕጋዊ ውድብ ስለዘይኮነ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ደው ክብል፡ ህወሓት ምስ ሻዕብያ ዝገብሮ ዘሎ ርክብ ደው ከብልኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ዝውውር ሰብን ዝተዋፈሩ ሓዊሱ ምስ ፋኖ እናተራኸቡ ሰላም ዝዘርጉ ጀነራላት ንፌደራል መንግስቲ ኣሕሊፍኻ ክወሃቡ፡ ህወሓት ካብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክወፅእን ማሕተምን ቢሮን ንዝምልከቶም ኣካላት ከረክብ።” ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ብ18 ሓምለ 2025 ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድኳ እንተተራኸቡ ዝርዝር መዘራረቢኦም ግና ንመድያታት ዕጽዊ ስለ ዝነበረ ኣይተፈልጠን።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመክሊቱ፥ ንመሓመድ ዓብዱሰላም ባብክር፡ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ሒዝዎ ዝጸንሐ ዕማም ወይ ሓላፍነት ክቕጽሎ ምውሳኑ፡ ዓወት ንደለይትን ተጣበቕትን ንፍትሒ ብሓደ ሸነኽ፥ ዓቢ ጽፍዒት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ኩሎም ብራዕድን ጭቇንን ንህዝቦም ዝገዝኡ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዓለምን ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ኢዩ ኰይኑ።

እዚ ከኣ፡ ንተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዲሞክራስያውያን ሃገራትን ከካይድዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዘተባብዕን ንኹሎም ኣንጻር ጭቆና ክቃለሱ ዝጸንሑ ሸነኻት ብሓፈሻ  ዓቢ ዓወት ክኸውን እንከሎ፥ ብኻልእ ገጹ ከኣ፡ ኣብ ግዳም ንዘለዋ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ከጋጥመን ንዝጸንሐ ብድሆታት ተጻዊረን ናብ’ዚ ዓወት’ዚ ምብጽሐን ዓቢ ብስራት ኢዩ።  

እዚ ተበግሶ’ዚ ዓቢ ኣህጉራዊ ደገፍ ንኽረክብ፡ ናብ 26 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀና ሃገራት፡ ንተመዚዙ ዝጸንሐ ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሓላፍነቱ ከሐድሳሉን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ከኣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸቕጥታት ክገብራን ዝጽውዕ ወግዓዊ መልእኽትታትን መጸዋዕታን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ ኢዩ።

ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ፡ ብስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝፍጸሙ ዓበይቲ ግህሰታት ንምክትታልን ንምምዝጋብን ክቕጽል ብሓደ ሸነኽ፥ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ንዝነጥፉ ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ድማ ዋሕስነቶም ንምርግጋጽ ዝሕግዝን ክኸውን ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

8 ሓምለ 2025

ዓንደጽዮን ብዕለት 12 ጥሪ 1942 ካብ ወላዲኡ ኣቶ ግርማይ ገንደርን ወላዲቱ ወይዘሮ ዘውዲ ዕቕባጋብርን ኣብ መበቆል ዓዱ ብርዖና (ዓንሰባ ታሕታይ) ተወሊዱ።

ካብ ኣሕዋቱ ዝነኣሰ ወዲ ስለዝነበረ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ሓላፍነት ስድርኡ ንምብዳህ ምስ መሳትኡ ትምህርቲ ክጅምር ብዘይምኻሉ፡ ድንጒዩ ምስ’ቶም ብዕድመ ካብኡ ዝንእሱ ደቂ ዓዱ ንግሆ ተምሃራይ ድሕሪ ትምህርቲ ድማ፡ ስድራ ንምሕጋዝ ማል እንዳጓሰየ እዩ፡ ኣብ ዓዱ ብርዖና መባእታዊ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ንኻልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከኣ ናብ ከረን ከይዱ።

ዓንደጽዮን ብትምህርቱ ኣዝዩ ንኡድን ህርኩትን ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ከረን እናተመህረ፡ ዛጊት ተመርዕዩ ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ሓዳሩን ወለዱን ሓልፍነት ኣብ ዝባኑ ኮይኑዎ፡ ኣብ ክንዲ ትምህርቱ ዝቕጽል፡ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ከላግስ ግድን  ኮይንዎ እዃ እንተነረ‘፣ ንኽልቲኡ ናብራን ትምህርትን ብማዕረ ኣጣሚሩ ንምስልሳል ስለዝሓለነ ግን፡ ናብ ኣስመራ ከይዱ፡ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ እተገ መነን ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ጥዕና ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ቀጸለ። ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቱ፡ ብዝተማህሮ ምእላይ ሕሙማት ከኣ ቅድም ኣብ ኣስመራ ድሕሪኡ ኣብ ባጽዕ ብተገዳስነት ሰርሐን ብማዕረ-ማዕሪኡ ክኣ ምሸታዊ ትምህርቱ ቀጸለን።

እቲ ኣብ 70ታት ዝነበር ሃገራዊ ኩነታት ከም ወዲ ሃገር ጎሲኻ ዝሕለፍ ኮይኑ ስለዘይረኸቦ ከኣ፡ ዓንደጽዮን‘ውን ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳያት ሃገሩ ብሓያል ኒሕ ተደሪኹ ክነጥፍ ጀመረ‘ሞ፡ ብ1974 ስድርኡ ኣብትሕቲ ወለዱ ንኽዕቆቡ ካብ ባጽዕ ናብቲ መበቆል ዓዶም ብርዖና ሰዲዱ፡ ኣብ መጀመርታ 1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰለፈ። ኣብ ሳሕል ኣብ ዝነበረ መደበር ታዓሊም መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ወሲዱ። ድሕሪ ታዕሊም በቲ ዝነበሮ ሕክምናዊ ትምህርትን ተመኩሮን ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተመዲቡ። ኣብ 1976 ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 (ኣውራጃ ሓማሴን) ደንበ-ጐለም ኣብ ዝበሃል ማእከል ተመዲቡ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ከምኡ’ውን ብ1978 ኣብ መደበር ሕክምና ስውእቲ ኣለም መስፍንን ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላትን ብተወፋይነት ግቡኡ ፈጺሙ። ብዘይካዚ ኣብ 1977 ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ኣብ እተገብረ ምድላዋት’ውን፡ ምስ’ቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ጉጅለ መራሒ ኮይኑ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መደባት ሰውራ ተቓሊሱ። ብምቕጻል ኣብ ምምሕዳር ወተሃደራዊ ሕክምና ዳግመ-ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱን ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብደረጃ በርጌዳት ወተሃደራዊ ስርርዑ ምስ ምቛሙን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ማእከላትን ክፍልታትን ብተወፋይነት ከም ዝተቓለሰ ናይ ቃልሱ ተመኩሮኡ ይምስክር።

ዓንደጽዮን ኣብ ዘበነ 80ታት ዝተጋህደ ኩነታት ሜዳ ኤርትራ ኣርኪብዎ፡ 5 ደቁን በዓልቲ ቤቱን ገዲፉ ናብ ሃገረ-ጀርመን ተሰዲዱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ስድርኡ ክሓቁፍ፡ ደቁ/ውሉዱ ኣብ ሰላም ዘለዎ ሃገር ከዕቢ በቒዑ። እንተኾነ ዓንደጽዮን ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቱ ሃገራዊ ስምዒቱን ንዝጀመሮ ቃልሲ ንምዕዋት ክሓንን እምበር ክሃስስ ኣይተራእየን። ክሳዕ ብሕማም ምኽንያት ዓዲ ዝውዕል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርዒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ምምሕዳር ሽማግለ ጨናፍር ኮይኑ ብትብዓትን ብተወፋይንትን ተቓሊሱ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራን ዓመታዊ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላትን ካብ ምድላው ክሳዕ ምዝዛም ዕዙዝ ሓላፍነታዊ ብጽሒት ካብ ዝነበሮም ናይ ቃልሲ ብጾቱ ሓደ ብምዃን ብዕዘት ዝምስከረሉ እዩ። ኣብቲ ብ1989 ኣብ ማማን-ቶጓን (ዶብ ሱዳን) ዝተጋብኤ ሳልሳይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንጨናፍር ጀርመን ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ከኣ ሓደ ነይሩ።

ነብስሀር ዓንደጽዮን፡ ኣንፈቱ ናብ ፖለቲካዊ መዳያት ጥራሕ ኣይነበረን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ኣብ ሕብረተ-ስብኣዊ ጉዳያት‘ውን ካብቲ ኣዝዩ ብተገዳስነት ዝዋፈረሉ ዝነበረ መዳይ ኢዩ። ብዘይ ባህልን ብዘይ ፍቕርን፡ ሃገር ኣይትህነጽን ኢያ እዳበለ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣወንዚፉ ንሕብረተሰብኣዊ ሓድነት ዝቃለስ ንጹህ ኣቦን ሓውን ብጻይን ኢዩ ነይሩ። ንዓንደጽዮን ቀንዲ ዝገድሶ ሃገራውንትን ሓድነት ህዝብን እምበር፡ ፖለቲካ ርእይቶ ወይ ዉድባዊ ፍልልያት ድሕርዚ ዝሰርዕ ኣመለኻካታ ዝነበሮ ንጹህ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ዓንደጽዮን ተወሊዱን ተመርዕዩን ኣብ ሓዳሩ ከኣ ዕዉትን ኢዩ። ንፍጹም፣ ኣለም፡ ኣፈወርቂ፡ ኣልማዝን ጠዓመን መማረቒ ዝኾኑ ከኣ ወሊዱ። ሓሚሙ ብበዓልቲ ቤቱን ዉሉዱን ተኣልዩ፣ ብፈተዉቱ ክሳዕ ዕለተ-ዕረፍቱ ተሰንዩን ምስ ኣምላኹ ተወሃሂዱን ከኣ ብዕለት 21 ሰነ 2025 ኣብ ሑቕፊ ስድርኡ በሰላም ዓሪፉ። ታሪኽ ህይወት ነብስሀር ዓንደጽዮንን ውዕሎታቱን ኣስፊሕካ ንምግላጽ መጻሕፍቲ’ውን ኣይምኣኸሎን። እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ ኢዩ።

እወ፡ ኩሉ ፍጡር ብሂይወት ስለዘይንበርን እታ ዕርፍቲ‘ውን ስለዘይትተርፍን ዓንደጽዮን ክንዲ ሽሕ፡ እታ ዘይትደክምን ዘይትጻዓድን ኣካሉ ሎሚ ብሞት እዩ ተፈልዩና። ግን ከ፡ ከክንድሽሕ ዝኾኑ 5 ደቁን 7 ደቂ-ደቁን ገዲፉልና፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ እቶም ቁጽሮም ዘይዉሑድ ኣያ፣ ኣቦን ኣበሓጎን ኮይኑ ብፍቕሪ ዝጠርነፎም ገዲፉልና ዝኸደ እውን ኣለዎና።

ዓንደጼን፡ ኣብ ኩሉ መዳያዊ እምነታቱ ምስ ኣመነ ዘይጠልም፡ ትሑትን ምቕሉልን፣ ተጉላባነት ዘይፈልጥ፣ ጻዕረኛ፡ ለዋህ፣ ዓብን ንእሽቶን ዘይፈላሊ ምስ ኩሉ ሕዉስን መኽበሪ ሰብን ዝኾነ፡ ኤርትራ ካብ እትኸስሮም ዘላ ሓደ እዩ።

ሎሚ፣ ንወላዲናን ሓውናን ዓንደጼን ከነፋኑ እንከለና እምበኣር፡ በቲ ዝጎደለና ክንሓዝን ዘይኮነስ በቲ ዝተዋህበናን ዝገደፈልናን ክነመስግንን፡

                      ሃቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም

                     ወኣብረሃሉ ብርሃን ዘለዓለም

                     ወይኩን ዕረፍቱ በሰላም

                     ኣሜን፡ እንዳበልና፡

ኣምላኽ ንኹሉ ስድራን ፈታውን ጽንዓት ይሃብ ደበሳ ኢዮብ ከኣ ይደብስ፡

ኩልኹም ኣብዚ ስነስርዓት ፈነወ ዓንድጼን ግርማይ ንዝተሳተፍኩምን ዝተሳተፍክንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝዓበኹምን ዝናኣስኩምን ደቕናን ድማ ክብረት ይሃበልና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና።

መላእ ስድራ ቤት ነፍስሀር ዓንደጼን ግርማይ

05.07.225

ሓው መስፍን መንግስቱ ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ ካብ ዘውጸኦ ዝተወስደ 

ብ23 ሰነ 2025 ኣብ ሃገረ ጀርመን ብመስዋእቲ ዝዓረፈ ሓርበኛ ተኸስተ ተስፋማርያም ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ። ተኸስተ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትህርቲ ቅዱስ ጊዮርገስ መንደፈራ ሓደ ካብቶm ኣስታት 400 ዝኾኑ ንጥፋት ስሩዓት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝነበረ ሓው መስፍን መንግስቱ ይሕብር። ተኸስተ ብትምርቱ’ውን ንፉዕ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ  መሕለፊ ነጥቢ ረኺቡ፡ ካብ 1972 ክሳብ 1974 ኣብ ቀድማዊ ሃይለስላሴ (ኣዲስ ኣበባ) ዩኑቨርስቲ ምስ ተመሃረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናዕብን ለውጥን ኣቋሪጹ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ።

ብ1975 ብዝነበረ ጻዕቂ ተሰለፍቲ ናብ ሜዳ ክስለፍ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ዓዱ ኣባል  ምንቅስቓስ  መንእሰያት ተሓኤ ኮይኑ ቀጺሉ። ብ1978 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጠቕላላ  ሃገራዊ  ጉባአ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ተሳቲፉ፡ ብ1979 ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ኣኼባ መሪሕነት ማሕበር ሓረስቶት ድማ ብዝነበሮ ብቕዓት ኣባል ፈጻሚ ኮይኑ ተመሪጹ ልሉይ ግደ ተጻዊቱ። ኣብቲ ዝገበሮ ምንቅስቓስ መንእሰያት መሬት ሕርሻ ናይ ምርካብ መሰሎም ከም ዝሕሎ ኣብ ምግባርን ጐዳእቲ ባህልታት ኣብ ምውጋድን ግደ ከም ዝነበሮ እውን ይንገረሉ።

ኣብ ርእሲዚ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ ንሓርነት ድማ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ቅድሚት ዝስለፉ  ምናብሩ ናይ ቐረባ መቓልስቱ ይምስክሩ።

መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብመስዋእቲ ሓርበኛ ተኸስተ ተስፋማርያም ዝተስመዖም ሓዘን እናገለጹ፡ ንዕኡ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም ይብሉ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

29 ሰነ 2025

ትካል መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት (WFP፡) ኣብ ክልል ትግራይ; ኣብታ ዝበዝሑ ናይ ውግእ ተመዛበልቲ ተዓቚበሙላ  ዘለዉ ከተማ ሽረ ዝነበረ ቤት ጽሕፈቱ፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ 2025 ከም ዝዓጽዎ ምሕባሩ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። ወኪል ናይቲ ትካል ቤት ጽሕፈት ሽረ፡ ለቫን ትቻትቻው፡ ነቲ ምዕጻው ኣረጋጉጹ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዘካይድዎ ስርሒት ግና ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።

እቲ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፡ ምዕዳል መግቢ ኣብቲ ከባቢ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ንዝድገፍ “ናይ ሓባር ህጹጽ ስርሒት” ንዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝወሃብ ኣገልግሎት ምዕዳል መግቢ ግና  ትካል መግቢ ዓለም ባዕሉ ከም ዝቕጽሎ ሓቢሩ። ክላይረ ዝተባህለት ወሃቢት ቃል ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገና፡ እዚ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ብ2024 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ለገስቲ ኣካላትን ብምስምማዕ ዝተወሰነ፡ ንክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝምልከት ናይ ምስግጋር መስርሕ ምዃኑ ሓቢራ። ብዘይካዚ ትካል መግቢ ዓለም ምንቅስቓሱ ኣብቲ ከባቢ፡ ቅድሚ ውግእ ትግራይ ጅማሩ ምንባሩ እውን ገሊጻ።

ናይቲ ምዕጻው ዓላማ፡ ምስ ካለኦት ለገስቲ ብምትሕብባር ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ንከኽእል ምዃኑ’ውን ጠቒሳ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘሎ ቤት ጽሕፈት ብዝወሃብ ምምሕዳር፡ ኣብ ትግራይ ን280 ሺሕ ህጽናት፡ ኣደታትን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከቡ ሓረስቶትን ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝበሰለ መግቢ ብምቕራብ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጣ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ዝተፈላለዩ  ቀረባት፡ ንነፍሲ ወከን ተመዛባሊ  ዝወሃብ ዝነበረ ዓቐን ሓገዝ ይንኪ ከም ዘሎ ኣመልኪታ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ምምላስ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝለዓለ ኣጀንዳ ኮይኑ ይሰሓሕብ ከም ዘሎ ዝዝከር እዩ።