ኣብ ዓለምና ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ምግልባጥ እንተረኣና ዘገርም ኣይኮነን። ፖለቲካ ንረብሓታትካ ምውሓስ ትጥቀመሉ መርሆ ኣሰራርሓ ስለዝኾነ፡ ምስ እትጥምቶ ረብሓ ዝቀያየር ኢዩ። ኣብ ኩለንተናዊ ነዊሕ ስትራተጂ ዘይተመስረተ ፖለቲካዊ ሽርክነት ምስ ዝኸውን ብናኣሽቱ ዘጋጥሞ ጸገማት ተዓንቂፉ፡ ናብ ከም ጸላእቲ ምጥምማት ውን ክብጻሕ ይኽእል ኢዩ።

ንጽሑፈይ ኣጽብብ ኣቢለ መታን ክሕዞ፡ ብመንጽር "ቀዋሚ ረብሓ'ምበር ቀዋሚ ፖለቲካ የለን" ዝብል ኣርእስተይ፡ ንተራ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክጥምት ኢየ።

ህወሓት ኣብ ሕቶ ነጻነት ኤርትራ ዘየወላውል መርገጽ ኣለዋ። እዚ ድማ ካብ እምነታ "መሰል ርእሰ-ውሳነ ብሔራት ክሳብ ምግንጻል" ዝብል መትከል ዝምንጩ ኢዩ። እዚ መሰል'ዚ ንኹለን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ብሄራት እንኮላይ ንትግራይ ዘገልግል ኢዩ። ከይዱ ከይዱ’ውን ክሳብ ንዘሎ ጂኦግራፊያዊ ፖለቲካ ካርታ ናይ ዞናና ንምቕያር ዘኽእል ኢዩ። እንተሰሊጡ’ውን ንመላእ ኣፍሪቃ። ንኣብነት ኣብ ሰለስተ ሃገራት፡ ኣብ ኢርትራ፡ ኢትዮጵያ ጂቡቲ ዘለዉ ዓፋር መጀመርታ ከካብ ሃገራቶም ብመስረት እምነት "መትከል መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት" ይግንጸሉ፡ ድሒሮም ከኣ ከካብ ዝጸንሕዎ ሰለስቲኦም፡ ዓባይ ዓፋር ክቑሙ ይኽእሉ ማለት ኢዩ።

ህወሓት፡ ኣብ እዋን ናጽነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ (ሻዕቢያ) ክሻረኹ ዝገበሮም፡ ሻዕቢያ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ንምውጻእ ይቃለስ ስለዝነበረ ኢዩ። ናጻ ኤርትራ ከመይ ትኸውን ዝብል ናይ ወያነ ውራይ ኣይነበረን። እቲ ኣርጊጽካ ክትዛረበሉ እትኽእል ግን፡ እቲ ዝኣተዉዎ ምሕዝነት ምስ ሻዕቢያ ኣብ መትከል ሰላም፡ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ብልጽግናን ዝሰፈና ሓያል ኤርትራ ምህናጽ ዝተሰረተ ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ ህወሓት፡ ነቲ ቀንጻልን በሓትን መርሆ ናይ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣብ ምትግባር ንጡፍ ኢደ-በይዛ ኮይኖም ሰሪሖምሉ ኢዮም። ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እሙን ንዝነበረ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ ገዚፍ ምትሕብባር ገይሮም። ለባማትን ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራን እንተዝነብሩ፡ ኣብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ፖለቲካ እንተ ዝኽተሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ውድባት፡ ጀብሃን ሻዕቢያን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እንተኸኣሉ ክዓርቅዎ እንተዘይከኣሉ ድማ ሻራነት ከየርኣዩ ክሓልፉ ኢዩ ዝነበሮም። ወገን ናይ ሻዕቢያ ኮይኖም ንጀብሃ ምህራሞም ግን ታሪኻዊ ገበን'ዩ ነይሩ።

“እትረግሞን እትምርቖን ኣይኽላእካ” ከም ዝበሃል፡ ንወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝወዓልዎ ሕማቕን ጽቡቕን ንህዝቢ ኤርትራ፡ ከነለልዮም ይግባኣና። ኣብ ጽቡቕ ዝወዓሉልና ነመስግኖም። ኣብ ሕማቕ ዝወዓሉልና ድማ ንረግሞም።

ኣብ 1991 ሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስዒሩ ምስ ኣተወ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንክረክብ ኣብ ቅድሚኡ ዲፕሎማስያዊ ብድሆታት ነይርዎ ኢዩ። ወሳኒ ግደ ወያነ ዝነበሮ ኢህወደግ ንመዘወር ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይሓዞ እንተዝነብር ሕልኽልኻቱ ምዓበየ ነይሩ። ናይ ኢህወድግ መንግስቲ ንናጽነት ኤርትራ ምፍላጥ፡ ነቲ ክፍጠር ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ብድሆታት ፈቲሕዎ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢህወደግ ብቐንዱ ድማ ወያነ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ውዕለት ንህዝቢ ኤርትራ ምፍጻሙ ኣብ ታሪኽ ክምዝገብ ዝህልዎ ኢዩ።

ኣብ ድሕረ-ነጻነት ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኻት፡ ህወሓት -ኢህወደግ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣቕዋማት እናሓዙ ኢዮም መጺኦም። እዚ ድማ ካብ ናቶም ፖለቲካዊ ሒሳባት ዝነቐለ ድኣምበር ካብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝምንጩ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ግዜ ክንጽበዮ ዘሎና ነገር ስለዝኾነ፡ “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ” ክኸውን ኣለዎ መርሆና።

ህወሓት፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ሃገር ናይ ምግባር ቃልሲ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም። ኤርትራ ደሞክራስያዊት ሃገር ንኸይትከውን ከኣ፡ ህወሓት-ኢህወደግ ምእንቲ ደሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝቃለሱ ውድባት ኤርትራ ኣጊዳን፡ መራሕትን ካድራትን ኣሲራን ኣባሪራን ኢያ። ደድሕሪ ስርዓት ደርጊ ምስዓሩ፡ ኣብ መወዳእታ 1991 ካድራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ (ናይ ሎሚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ EPDP ኣባላት ዘለዉ ዝርከብዎም) ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፡ ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ዝነበሩ፡ ኣብ 28 ሚያዝያ 1994 ንግሆ ሰዓት ሽዱሽት ኣብ ድቃሶም ከለዉ ኣብ ሓደ ሰዓትን ደቒቕን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ መቐለ፡ ዓዲ-ግራት፡ ዓድዋ፡ ሽረን ሑመራን ካብ ዝነበረ መንበሪ ቦታኦም ቀይዶም ወሲዶሞም። ነዞም ሰላሳ ዝኾኑ ኣባላት መሪሕነት ዝርከብዎም ካድራት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ (ናይ ሎሚ EPDP ኣባላት ዘለዉ ዝርከብዎም)፡ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣሲሮሞም። እቲ ከም ጽቡቕ ነገር ዝረአ ግን፡ ኣሕሊፎም ንመራሕቲ ሻዕቢያ ስለ ዘይሃብዎም ኣብ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም፡ ካብ መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ሆላንድን ደኒማርክን ፖለቲካዊ ዑቕባ ረኺቦም ናብ ስደት ብምምራሕ ነብሶም ኣድሒኖም፡ ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ውን ተሪሮም ገና ይቃለሱ ኣለዉ። እዚ ንሻዕብያ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ምእጋድን ምስጓጉን ክሳብ ድሮ ምጅማር ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 እውን ቀጻሊ ነይሩ።

ህወሓት፡ ንፖለቲካዊ መንነት ዉልቀ-መላኺ ኢስያስ ካብ ማንም ንላዕሊ ይፈልጥዎ ኢዮም። ምስ ኢሰያስ ብምምሕዛው፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጌጋ ፈጺሞም ኢዮም። እዚ ዳሕራይ ዝመጸ ኣንጻር ኢስያስ ዝመስል መርገጾም ኣብ መትከላዊ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ስለ ዘይኮነ፡ ምስ ድርቅናን ጽላለን ኢስያስ ክሳዕ ክንደይ ከይሰልጥ ድኣምበር ንከዐርይዎስ ኣይምጸልኡን።

ብምስምስ ናይ ዶብ፡ ብመራሒ ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝተውልዐ ኩናት፡ በቲ ዝተኸፍሎ ዋጋ ክቕጽልዎ ምውሳኖም ኣብ መንግስቲ ኢህወደግ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ህወሓት ጌጋ ፈጺሞም ኢዮም። እዚ ንኤርትራውያን ዝምልከት ኣይኮነን ህዝቦም ይጸባጸቦም። እቲ ንዓና ዝምልከተና ግን፡ ነቶም ንኢትዮጵያ ከም መንበሪ ዓዶም ቆጺሮም፡ ኣብኡ ዝተወልዱን ዝተዋለዱን ዝኸበዱን ንብረት ዘጥረዩን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ከም ገበነኛታት ብኣልመማ፡ ቅድመ- ምልክታ ከይሃቡ ብጭካነ ከም ዝስጎጉ ምግባሮም ታሪኻዊ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞም ኢዮም። እዚ ዝፈጠሮ ስምብራት ቀሊል ስለዘይኮነ ገዚፍ ነገራውን ሞራላውን ካሕሳ ክግበረሉ ዘድሊ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብዝቐረበ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንክነብር ዝተፈጥረ ኢዩ። ብምርጫ ተደለኻ ትወስዶ ተደለኻ'ውን ትገድፎ ኣይኮነን። ካብ ዝተፈላለየ ረብሓታት ዘጋጥም ናይ ጉርብትና ሓጎጽጎጻት፡ ኣብ ሓድሕድ ምምልላእ ብዝተመርኮሰ መሪሕ-ሓሳብ እናተኣልዩ ክኸዱ ዘየቋርጹ ጻዕሪታት ክግበረሎም ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገሩ ክትንበር ዘይትኽእል ሲኦል ኮይናትሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ጎረባብቱ ሃገራት ተሰዲዱ ዝዑቀበለንን ዝዕንገለለን ኮይነን ክረኽበን ባህጉ ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ባህጊ'ዚ ክዉን ዝኸውን ህዝቢታት ጎረባብቱ ንዝነብሮ ዘሎ ስቓይን መከራን ከም ናቶም ጌሮም ክፈልጥሉ ክኽእሉ ከለዉ ኢዩ። ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ብልክዑ ዝተረድአ ህዝቢ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ፡ ነቲ ብሰማንያታት ሽሕ ዝቑጸር በቢእዋኑ ካብ ግዝኣት ምድረ-ሲኦል ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬቱ ኣጽሊሉ ዝርከብ።

"ተኩስካ ቅተል" ዝብል መምርሒ ካብ ዘለዎ ጨፍጫፊ መንግስቲ፡ ንስክላ ኣምሊጡ ሂወቱ ኣብ ዘድሕነሉን ንመጻኢ ናብርኡ ኣብ ዘቋምተሉ ሃለዋት ምብጻሕ "ኣቦይ እዝግስ ገደል ይፈጥር'ሞ መደያይቦ ድማ ይፈጥር" ዘብል ኢዩ። ካብ ሓደ ጎረቤት ህዝቢ ካብዚ ንላዕሊ ምስጋና ዝግብኦ ሙያ ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ።

እዚ ከይኣክል መንእሰያት መጻኢ ዕድሎም ብሩህ መታን ክኸውን፡ ናይ ላዕለዋይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ክኽፈተሎም ምግባር ንኤርትራውያን ዓቢ ውዕለት ካብ ህዝቢ ትግራይ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ድማ፡ እዚ ተግባር'ዚ መግለጺ ሓልዮት ዝመልኦ ጉርብትና ከም ዝኾነ ፈሊጥና ከነመስግኖ ይግባእ።

ካልእ ኣሻቓሊ ጉዳይ፡ ብክቡር መስዋእቲ ደቃ ናጽነታ ዝተጎናጸፈት ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ውልቀ መላኺ ሰብኣይ ልዕላውነታ ዝፍርሕ ኮይኑ ኣሎ። ናጽነታ ዘይተዋሕጠሎም ሓለምቲ ኢምቦራጦርያ ኢትዮጵያ ድሌታቶም ሕፍር ከይበሉ ብጋህዲ ክዛረቡ ንሰምዕ ኣሎና። እዞም ዝጠፈሹ ነዳያን ኣብ ዝበጽሕዎ ዋላ እንተዘይሃለዎም፡ ህርፋኖም ግን ብቃልሲ'ምበር ብኸምኡ ዝበንን ኣይኮነን።

ጉዳያት ኤርትራ ንኤርትራውያ ናይ ኢትዮጵያ ድማ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት ከም ዝኾነ ርዱእ ኢዩ። እንተኾነ ግን ዲክታቶር ኢስያስ ንጉዳያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕዉስዉስ ኣቢሉ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኩነታት፡ መስርዕ ኣትሒዝካ ንምግጣሙ እዋናዊ ናይ ቃልሲ ስልቲ ምኽታል ክሓትት ኢዩ። ሎሚ ሕቶ ምውሓስ ልዑላውነት ሃገርን ምርግጋጽ ደሞክራስን ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ'ዚ ዕላማታት'ዚ ክልተ ኣረኣእያታት ዘለዎም ሓይሊታት ከምዘለዉ ክድህሰስ ዝከኣል ኢዩ።

ብሓደ ወገን፡ ብቐጥታ ድዩ ብተዛዋሪ ነዚ ዕላማታትዚ ክዉን ከይከውን፡ ንናጽነት ኤርትራ ዝጻብኡ ሓይልታት። ብካልእ ወገን ድማ፡ ካብ ናቶም እምነት መትከል መሰል ርእሰ-ውሳነ ብሄራት ነቒሎም ንጉዳይ ኤርትራ ከም ውዱእ ዝቖጽሩን ብተወሳኺ ውን ኣመራርሓ ኢሰያስ ሕማም ርእሲ ኮይንዎም ክለግሰሎም ዝደልዩን ሓይልታት ኢዮም።

ከም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ብዛዕባ ሃገርና ዝምልከት ኩነታት፡ ብጥንቃቐ መርሚርና ክንድ'ቲ ክንጥቀመሉ እንኽእል ኣብ ምዕዋት ቃልስና ክንጥቀም ክንበቅዕን ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ስልቲ ክንክተልን ይህልወና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣካየድቲ ማሕበር ተጋሩ ኣብ ጀርመን፤

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሰናዳእቲ በዓልን መላእ ኣባላት ማሕበር ተጋሩን፤

ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ናይዚ በዓል ብሓፈሻን፤

ኣቐዲመ ኣብዚ ክቡር በዓል፡ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ፡ ንኽንሳተፍ ንዝገበርኩምልና ዕድመ ብምጥቃስ፡ ብስም መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋና አቕርብ። ቀጺለ ከኣ በዓልኩም ብዓወት ክድምደም ዘለና ሰናይ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸርኩምን፡

ሎሚ መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ክንዝክር እንከለና፣ ሓርነትን፡ ዲሞክራስያን፡ ራህዋን ብልጽግናን ዕብየትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ፡ ብ11 ለካቲት 1975 ኣብ ደደቢት ንዝተወልዓት ሽግ ቃልሲ ኢና ንዝክር ዘለና። ህዝቢ ትግራይ ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ነዚ ናይ ተስፋን ጽንዓትን ብረታዊ ቃልሲ ከበግስ ከሎ፣ ነቲ ኣብ እንግድዕኡ ተጻዒኑ ሸሸ ዝብል ዝነበረ ናይ ጥፍኣትን ጭቆናን መስፍናዊ ኮነ ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ስዒሩ መስል ርእሰ ውሳኔኡ ንምርግጋጽ ዝነበሮ ባግህን ድልየትን ዘንጸባርቕ እዩ። ብረት ምዕጣቕ፡ ናብ ውግእ ምእታውን ኣብ በረኻ ምስፋርን ዝመረጾ፡ ታሪኻዊ ተደላይነት ዘምጽኦ ወድዓዊ ጠለብ ብምዃኑ እምበር ወኒ ወግእ ስለዝነበሮ ኣይኮንን።

ዕላማ 11 ለካቲት እምበኣር፡ ንምልኪ ብስርዓተ ዲሞክራስን መሰል ርእሰ ውሳኔን፡ ንድኽነት ብዕብየትን ልምዓትን፡ ንድንቁርና ብፍልጠትን ትምህርትን፡ ንሕማምን ሽግርን ጥዑይ ሕብረተሰብ ብምህናጽ ዕላማኡ ገይሩ ዝተበገሰ ቃልሲ ብምዃኑ ኢና ንዝክሮን ነኽብሮን ዘለና። እንቋዕ ናብ ዓወ ት በጽሐ፡ ኣንቋዕ ድማ ነዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ ከንብዕል ኣብቅዓና።

እዚ ንቕዱስ ረብሓ ሓፋሽ ትግራይ ዘማዕደወ ዕላማታት ብቀሊሉ ክረጋገጽ ከምዘይከኣል ዝተፈልጠ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ግን ነዚ ንምዕዋት ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ እንዳኣሰለፈ፡ ደቁን ንብረቱን ሃብቱን ገቢሩ እዩ። ምስ ሰውራኡ ብሓደ ተጠማሚሩ ብበረኻን ብዓድን ተደጋጊፉ ዘይስገር ንዝመስል ዝነበረ ዓቕሚ ሓያላት ኣብ ምግጣም ብሉጻት ዜጋታቱ ኣደዳ መስዋኣትን ስንክልናን ገይሩ። ዓድታቱ ብሓውን ናይ ነፈርቲ ጋዛትን ባዲሙ፡ ብጅምላ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተሓይሩን ተገፊዑን እዩ። በደልን ግፍዕን ገዛእቲ ሓይልታት ጸብጺብካ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ርዱእ ወሲድና ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቲ ኮነ ስንክልና ደቁ፡ ወይስ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ዝነበረ ጭቆና ከይሰንበደ፡ ሰውራኡን ነብሱን ገጥ ኣቢሉ ብጽንዓትን ተወፋይነት ስለዝመከተ ክዕወት ክኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ርእስቲ ናይ ባዕሉ ሓያልነት፡ ምስ ናይ ቃልሲ መሓዝኡ ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራ ዘጥረዮ ዝምድናን ምትሕብባርን እውን ብቀሊል ዝግመት ኣይኰነን።  ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ልዕሊቲ ካልእ ክህልዎ ዝኽእል ተመሳሳልነት፡ ንመግዛእታዊ ሕቶ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ዝኣመነ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ መሪሕ ህዝቢ ትግራይ ወያኔ እዩ። ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ትግራይ ብልቢ ኣሚኑ ዝደገፈን ዝተቐበለን ድማ ሰውራ ኤርትራ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ዕላማታት ንምዕዋት ዝተኻየደ ቃልሲ ድማ’ዩ፡ ከም ክልተ ህዝቢ ንዝምድናታቶም ዝያዳ ኣገዳሲ ክገብሮ ዝጸንሐን ዝገብሮ ዘሎን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል፡

ንሕና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምዕባሌታት ንከታተል ኣሎና። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን፡ ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ስለ ዝፈለጡ ጥራይ ዘኸፈልዎ ከቢድ ዋጋ ንፈልጥ ኢና። ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ልዑላዊት ሃገር ክትከውን ዘካየድዎ ቃልሲ እውን ንርዳእ ኢና። ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ብቃልሲ ህዝብታት ዝተረጋገጸ ልዑላውነት ኤርትራ፡ ንድሕሪት ከመልሱ፡ ንኤርትራ ከም ብሓድሽ ከጐብጡን ዝመጣጠሩ ከም ዘለዉ እውን ንዕዕዘብ ኣሎና። ታሪኽ ነድሕሪት ክምለስ ኣይኰነን። ግናኸ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ህልም ዝበለ ምልካዊ ስርዓት፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ብዝህድድ መንገዲ ኣብ ዘይቅዱስ ሽርከነታት ይኣቱ ኣሎ። እቲ ሓደጋታት ከንጸላልወና ድማ ግድን ከይኑ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቶም ክጥቅዑ ዝድለዩ ዘለዉ ሓይልታት፡ ብኤርትራ ሸነኽ እቶም ንልዑላውነት ኣባ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዉ ክዀኑ ከለዉ፡ ብኢትዮጵያ ሸነኽ ድማ እቶም ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ከከላኸሉን ክምክቱን ዝጸንሑ ፖሊቲካዊ ሓይልታት። ብሓጺሩ ደምበ ክልል መንግስቲ ትግራይን ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን እዮም። ኣብ ክሊ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምድኻም ህዝብን ውድባትን ትግራይ ምድኻም ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ እውን ምኻኑ ኢና እንኣምን። በዚ መሰረት፡ ከም ሰልፊ ኣብ ደምበ ደልይቲ ፍትሒ፡ ብምሉእ ሓይልናን፡ ብኩሉ እቲ እንውንኖ ዓቕምን ምስ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክንብል ኢና። ህዝቢ ትግራይን ውድባቱን ከይተዳኸመ ክቕጽልን ክዓብን ናትና ረብሓ እውን እዩሞ ዝለዓለ ምትሕብባር ክህልወና ንብህግ።

ክቡራትን ክቡራንን፡

ሓድሽ መድረኽ ይገሃድ ኣሎ፡ ብሓድሽ ተረድኦን ብዘሳርሕ መደባትን ክንጐዝ ድማ የድሊ። ኣብ ታሪኽና ኣሉታ ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን። እወ ኣብ ኣኽሳሪ ውግኣት ተኣትዩ፡ ብሚእቲ ሽሕ ዝቆጸር መንእሰይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጠፊኡ፡ መዕቀኒ ዘይርከቦ ንብረት በሪሱ፡ ህዝብታትና፡ ብፍላይ ኣብቲ ቦታ ውግኣት ዝነብር፡ ሓሪሱ ደቁ ከየዐንግል መሬቱ መዕንደሪ ወታሃደራት ኮይኑ ቀታሊ እሸኽ ተዘሪእዎ ነይሩ እዩ። ግን ኣብዚ ዝኽሪ ተቈሪንና ኣብ ምስትንታን ክንነብር የብልናን። ዝሓለፈ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ብዝተረፈ፡ ከምዝበሃል፡ ባወንታዊ ዕዮ ክንፍውሶ የድልየና እዩሞ፡ ንኣስተምህሮ ኣብነታት እንተዘይኮይኑ፡ ብሕጋዊ መዕለቢታት ስለዝተደምደመ፡ ናይዚ እሱራት ክንከውን ኣይግባኣናን እዩ።

እቲ ሓቂ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ መሬት ኤርትራ፡ ዝበዝሐን ዝነውሐን ክፋሉ ምስ ክልል ትግራይ እዩ። እዚ ዶባትና ዚ ንሃዋሩ ከማኡ ኢሉ ዝነብር እዩ። ብድሌት ወይ ብምርጫ ሰባት ክቕይየር ዘይክእል ነባሪ ሃለዋት እዩ። ምርጫና ደኣ እንታይ እዩ እንተ ኢልና፡ ንዓይነትን ባህርን ዝምድና ህዝብታትና ዝምልከት ጥራይ እዩ ዝኸውን። እቲ ምርጫ እምበኣር ሰላምን ሕውነትን ዝዓዘዞ፡ ናይ ክልቲኡ ረብሓታት ዝከላኸል፡ ናይ ክልቲኡ ህላዌን ቀጻልነትን ውሑስ ዝገብር ተረዳኦን ኣምነት ብዕምቈት ምውናን እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ነዚ ሓቂ’ዚ ስሒትዎ ኣሎ፡ ኮታ እቲ ቀንዲ ባእሱ ምስ ክልል ትግራይ ይገብሮ ኣሎ። ንወድዓዊ ሓቅታት ዝርዳእ ኣኣምሮ ከም ዘይብሉን፡ ነቲ ሓቂ ዓፊኑ ክቕጽል ከም ዝደልን በሪሁ እዩ። ይኹን’ምበር እቲ ንዕኡ መሪር ዝኰነ ካልእ ተወሳኺ ሓቂ፡ ከምዚሉ ንነዊሕ ከቐጽሎ ዝኽእል ትንፋስ እውን ዘይብሉ ምዃን እዩ። ዝምድና ህዝብታትና ናብ ንቡር ክምለስ ግድነት እዩ።

በዚ መሰረት ወዓል ሕደር ከይበልና፡ ዝምድናታትና ኣደልዲልና፡ ብምትሕብባር ናብ ዝሓየለ ብርኪ ክንሰግርን፡ ከም ሰዲህኤ ተራና ክንዓምምን ምዃንና ነዚ በዓል’ዚ ምኽንያት ብምግባር ቃልና ነሐድስ።

ዝኽሪ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ንዘልኣለም ይንበር!

ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ይደልድል!

የቐንየለይ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ጽሕፈት ፍራንክፎርት፡ ጀርመን

15 ለካቲት 2020

ዋሺንግቶን ዲሲ ለካቲት 8, 2020

መእተዊ

እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ኮንፈረንስ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪካ ለካቲት 8 ዝቐረበ እዩ። ብምኽንያት ሕጽረት ግዜ፡ ሓሳበይ ኣስፊሐ ክገልጽ ኣይከኣልኩን። ሕጂ ኣብ EPDP TV ከምኡ’ዉን ኣብ harnnet,org ክቕርቦ ከለኹ ናይ ግዜ ገደብ ስለዘይብለይ ገለ ነጥብታት ብሓደ ምሉእ ሓሳባት ጥራሕ ኣቕሪበዮ ዝነበርኩ ኣስፍሕ ኣቢለዮ ኣለኹ።

ዝኸበርክን ኣሓት ኣዳለውቲ ኮንፈረንስ፡

ዝኸበርክን ኣሓት ተሳተፍቲ፡

ዝኸበርኩም ዕዱማት ብሓበራ፡

እንቋዕ ናብቲ ኩሉ ግዜ ንሓልሞን ንብህጎን ዝነበርና ጉዕዞ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝጅምር ኮንፈረንስ ኣብቀዓና እናበልኩ ሰላምታይ አቕርብ።

ኣስዒበ ደቂ-ኣንስትዮ ዲሲን ከባቢኣን ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ብነድሪ ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን ዝብለሉ ዘሎ እዋን ከም ደቂ-ኣንስትዮ ክንዉደብን ኣብ ሓርነታዊ ቅልስና ዝለዓለ ተራ ክክንጻወትን ተበግሶ ወሲድክን ሎሚ ከምንጋባእ ዝገበርክን ምስጋና ይብጻሕክን። ሓሳበይ ክገልጽ ዕድል ዝሃብክናኒ ድማ ብልቢ አመስግን።

ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ “ዉደባ ደቂ-ኣንስትዮ ስለምንታይ የድሊ” ዝብል ኮይኑ ተፈቒዱለይ ዘሎ ግዜ ግን 10 ደቓይቕ ጥራሕ እዩ። እሞ ከምቲ ዝደልዮ ጌረ ክገልጾ ኣይክእልን ምዃነይ ይርዳኣኒ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ግን እቶም ክንሓስበሎም ዘሎና ነጥብታት ጸሚቐ ከቕርብ ክፍትን እየ።

ነስወከፍና ብፍላይ ከኣ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋትና “ኣነ ንፍትሒ እቃለስ ኣለኹ እየ ዝብል እሞ ኣብ ገዛይ ከ ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ፍትሒ የተግብር ዶ ኣለኹ” ኢልኩም ነብስኹም እንተሓቲትኩም ሕጉስቲ እየ።

ሕቶና ሕቶ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ሰብኣዊ መሰል ሕቶ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዶባት ሃገርና ዝድረት ኣይኮነን። ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ወጽዓና ሓደ እዩ። ስለዚ’ዩ ኸኣ ቃልስና ኣህጉራዊ ዝኸውን። ጸገምና ተባዕታዊ ትምክሕቲ እዩ። ጠንቂ ትምክሕቲ ድማ ድንቁርናን ድሑር ባህልታትን እዩ።

ፍርቂ ሕብረተሰብ ክነስና ተባዕታዊ ትምክሕቲን ድንቁርናን ከም ድኹማት፡ ዘይበላሕቲ፡ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ክነፍሪ ዘይንኽእል ጌሩ ይርእየና። ኣደ ዓንዲ ስድራቤት ክነሳ ኣብቲ ባህሪ ዘሰከማ ሓላፍነት ማለት ኣብ ምፍራይን ምዕባይን ቆልዑት ጥራሕ ትድረት።ብዘይካዚ ግዳይ ናይ ዘቤታዊ (Domestic Violence)፡ ኣካላዊ (Physical Violence)፡ ስነኣእሙራዊ (Psychological Violence) ከምኡውን ጾታዊ (Sexual Violence) ዓመጻት ትኸውን።

ወጽዓ ጓል ኣንስተይቲ ክኣቱን ባህሊ ኮይኑ ክሰርጽን ወሎዶታት ዝወሰደ እዩ።ሕብረተሰባት ዓለም ነቒሑ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ክረጋገጽ’ውን ከምኡ ናይ ወሎዶታት ቃልሲ ክሓትትት’ዩ። ኣምበኣር ደቂ-ኣንስትዮ ካብ’ዚ ባህሊ ኮይኑ ዘሳቕየና ዘሎ ጭቆና ክንላቐቕ ተወዲብና ክንቃለስ የድልየና። ከም ዜጋታት ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ንጥፈታት ሃገርና ተራና ክንጻወት ዉዱብ ቃልሲ የድልየና። ንመሰልና ንበይንና ደቂ-ኣንስትዮ ንቃለስ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ፍትሒ በቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታት እዩ ዝረጋገጽ። እኳ ድኣ ገለ ካባና ኣንጻር ጥቕመን ደው ክብላ ይኽእላ እየን። ንሪኦ ዶ ኣየለናን። ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና ብመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ደቃ ተመንዚዓ፡ ዝተረፉ ድማ ጭቆና መሪሩዎም ኣብ ፈቐድኡ ንስደትን ዉርደትን ተሳጢሖም ኣብ ዝሃለዉሉ ግዜ ገለ ደቂ-ኣንስትዮ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” እናበላ ንመላኺ ከምልኻ ንርኢ ኣሎና። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣንጻር ጥቕሙ ደው ዝብል ጭቁን ክህሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝምህረና።

ብመሰረቱ መሰል ፍርቂ ኣካሉ ዝጓዕጸጸ ሕብረተሰብ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን። ፍርቂ ሰብኣዊ ዓቕምታቱ ዘይጥቀም ሕብረተሰብ ብቑጠባ ክምዕብል ኣይክእልን።

ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ ብሃለዋት ደቂ-ኣንስትዮ እዩ ዝምዘን። ማዕረ ዕድል ኣብ ትምህርቲ፡ ማዕረ ዕድል ኣብ ስራሕ፡ መሰላት ኣደ ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርስን፡ ካብ እትወልዶም ክንደይ ይዓብዩ (Child Mortality) መዐቀኒ ምዕባለ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ።

ቅርጻ ሕብረተሰብ ካብ ሰድራቤት እዩ ዝጅምር። ኣቦኣ ንኣዲኣ ክሃርማ እናረኣየት ትዓቢ ህጻን ብሰብኣያ ዓመጽ ክወርዳ ንቡር ይመስላ። ኣቦኡ ንኣዲኡ ክሃርማ እናረኣየ ዝዓቢ ህጻን ንሰበይቱ ክሃርም ነውሪ ኣይመስሎን። መሰል ኣደ ዘይሕሉ ስድራቤታት ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብ ክሃንጽ ኣይክእልን። ብሓጺሩ ብነንሕድሕዱ ዘይከባበር ስድራቤታት ዝቖመ ህዝቢ፡ ዲሞክራሲ ተኺሉ ክጠጥዕ ኣይክእልን። ዝለ’ዚ እምበኣር ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣብ ስድራቤት እዩ ዝጅምር። መሰሎምን መሰል ኣዲኦምን ተሓልዩ ዝዓብዩ ቆልዑ፡ ኣብ ደገ መሰሎም ክገሃስ ኣይፈቕዱን እዮም። ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንጨቆንቲ ስርዓታት ምንቃፍ ጥራሕ ዘይኮነ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣብ ስድራቤቱን መዓልታዊ ሂወቱን ከተግብር ይግባእ። ሽዑ እዩ ሓድነትን ጥርናፈን ናይ ዉጹዓት ህዝቢ ዝረጋገጽ። ሽዑ እዩ ሰላምን ፍትሒን ክሰፍን ባይታ ዝጥጥሕ።

ከም ኤርትራኣውያን ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ፍሉይ ኩነታትና ክምለስ። ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ዘበርከተቶ ዘደንቕ ግደ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ኣብ ገጠራት እንተ ግዒታ እንተ ሰንኪታ ተጋዳልቲ ዝዓንገለት፡ ደም ዉጉኣት ዝሓጸበት፡ ኣብ ከተማታት ውሽጣዊ ስርሒታት ክዕወት ዝገበረት፡ ኣብ ስደት ከዲማ ሰውራ ዝዓንገለት፡ ብዓቢኡ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋታ ተሰሊፋ ብረት ዓጢቓ ዝተሰወአትን ዝሰንከለትን፡ ዉላዳ ንሃገር ዝወፈየት ታሪኻ ነባሪ ሓወልቲ እዩ። ድሕሪ እዚ ኹሉ መስዋእቲን ተወፋይነትን ግን ተጠሊማ እያ። ክንደይ ካብተን ሃገር ዘውሓሳ ጀጋኑ እየን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝማስና ዘለዋ? ክንደይ ንእስነተን ንሃገር ዝወፈያ እየን ኣብ ክንዲ ተኸቢረን ዝዓርፋ ዝስደዳ ዘለዋ? ዋላ እታ ስውእቲ ሓድጊ ክትገድፍ ዕድል ዝረኸበት ደቃ ኣበይ ኣለዉ? ክንደይ ደቂ ስዉኣት እዮም ኣብ ፈቐዶ ስደት ንዉርደትን ሕስረትን ተሳጢሖም ዘለዉ? ክንደይ ዉልዶ መንእሰያት እዮም ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ? ክንደይ መንእሰያት ደቅና እዮም ከም ኣቕሓ ዝሽየጡ ዘለዉ። ክንደይ መንእሰያት ደቅና እየን ንሓደጋ ተሳጢሐን ክሳብ ነብሰን ኣብ ምሻጥ ወዲቐን ዘለዋ? ክንደይ መንእሰያት ደቅና እዮም ድሕሪ’ቲ ኹሉ መሪር ተመኩሮ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ምስበጽሑ ነፍሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ዘለዉ? ክንደይ ኤርትራውያን እዮም ኣብ ፈቐድኡ ብጭንቀት ዝመጸ ናይ ሓንጎል ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለዉ። ወሪዱና ዘሎ መከራ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

እሞ ህሉዊ ሃለዋትና እዚ ካብ ኮነ፡ ጸገምና ክንፈትሕ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ነጊሱ ስደትን ዉርደትን ክብቅዕ እንታይ ንገብር ኣሎና?

እወ ልክዕ’ዩ ብኹሉ ኩርናዓት ዓለም ከም ህዝቢ ይኣክል ንብል ኣሎና። ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምፍንጫል፡ ይኣክል ንምንጽጻግ፡ ይኣክል ንትምክሕቲ፡ ንጠርነፍ ሓደ ኰና ንፍትሒ ሓቢርና ንቃለስ ንብል ኣሎና። እዚ ክቕጽል ኣለዎ። ብፍላይ ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ ባህሪ ዝሃበና ጸጋታት ተጠቒምና ኣብ ምጥርናፍ ህዝብና ዓቢ ግደ ክንጻወት ኣለና። ሓብሓብቲ፡ ጸወርቲ፡ ፈቃራት ኢና። ግን ይኣክል መድረኻዊ ጭርሖ እምበር ህዝባዊ ዉደባ ኣይኮነን። ድሕሪ ዉድቀት መላኺ ስርዓት ሃገርና፡ ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘሎ ህዝብና ነናብ ፖለቲካዊ ዝምባሌኡ ክኸይድ እዩ። ምስ ህዝብና ይኣክል እናበልና ተወዲብና ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ መሳርሒ ከይኮና ንመሰልና ባዕልና ክንቃለስ ይግባእ። ሕጂ እንምስርቶ ጥርናፈ ደቂ-ኣንስትዮ ኪኖ ዉድቀት ህግዲፍ ዝቕጽል እዩ። ኣብ ጎድኒ ኣሕዋትና ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምእንቲ ፍትሒ ደው ክንብል ኢና። ለበዋ ስዉኣት ነኽብሮ ኢና። ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣያቱን’ዩ። ፍሉይ ጉዳይ ግን ኣሎና። ንሕና እቲ ጭቁን ዝጭቁነና ኢና። ንዕቐትን ትምክሕትን ብኣሕዋትና፡ ብሰብኡትና፡ ብደቅና፡ ብኣኮናን ሓውቦናን ብሓፈሻ ብወዲ ተባዕታይ እዩ ዝወርደና። ብቐደሙስ ዘይሓዉና ኣበይ ረኺቡና። ትምክሕትን ጽቕጠትን እንከላይ በቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ ኣሕዋትና እዩ ዝወርደና። ስለ’ዚ ንመሰልናን ማዕርነትናን ነብስና ወዲብና ብኣእጋርና ድው ኢልና ንቃለስ። ንኽእል ኢና። እወ ንኽእል። ከመይ ዘይንኽእል?

ዓላማና ክንዐውት ኣተሓሳስባናን ቋንቋናን ክቕየር ኣለዎ። ሰላም ናቱ ቋንቋ ኣለዎ። ዉግእ ናቱ ቋንቋ ኣለዎ። ናይ ሰላም ቋንቋ እና ተጠቐመ ዝተኻየደ ዉግእ የሎን። ብመንጽሩ ድማ ናይ ዉግእ ቋንቋ እና ተጠቐመ ዝተተኽለ ሰላም የሎን። ክንመሃረሉ እንኽእል ተመኩሮ ሕብረተሰባት ዓለም ብዙሕ እዩ ዘሎ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሩዋንዳ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ 1994 ዝተፈጸመ ዘስኻሕክሕ ህልቂት ብናይ ዉግእ ቋንቋ እዩ ጀሚሩ። ሁቱን ቱትሲን (ክልተ ኣሕዋት ዓሌታት ሩዋንዳ) ብፋስ ክፈላለጹ ከለዉ ረድዮ ሩዋንዳ ብዝዘርገሖ ናይ ጽልእን ቂምን ቋንቋ እዩ ተበጊሱ። ፋሕ ኢልና ዘሎና ክንጥርንነፍን እቶም ንመላኺ ዘገልግሉ ዘለዉ ተረዲኡዎም ክጽንበሩናን ቋንቋና ዓዳሚ፡ ሓቛፊ፡ ኣሳታፊ ብሓጺሩ ናይ ፍትሒን ሰላምን ይኹን። ናይ ምፍንጫልን ቆዮቛን ቋንቋ ኔው ንበሎ። ፍትሒን ዲሞክራሲን ብናይ ቂምን ምንዕዓቕን ምንጽጻግን ቋንቋ ኣይህነጽን እዩ። ይኣክል ንብሎ ዘሎና ንኹሉ እቲ ድሑር ዝኾነ ኣተሓሳስባን ባህልን ትምክሕትን ይኹን። መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ክኽበርን ፍትሒ ክነግስን ናይ ተባዕታዊ ትምክሕቲ ቋንቋ ብምውጋድ ንጀምር። ንኽእል ኢና! እወ ንኽእል። ከመይ ዘይንኽእል?

ኣብ ሕብረተሰብና ደቂ-ኣንስትዮ ዘቋናጽብ ኣዘራርባ ልሙድ እዩ። ንዝሓመቐ ሰብኣይ ሰበይቲ ኢሉ ይጽውዕ። ሕጂሞ ኸኣ ንመላኺ ሰርዓት ሃገርና ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክዳን ሰብይቲ ዝኸድን ስእልታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝዘውር ኣሎ። ሰብኣይ እንተሓመቐ ሰበይቲ ድዩ ዝኸውን? ጨካን፡ ተንኮለኛ፡ መቃልስቱ ዝኣስርን ዝቐትልን፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝና ዝገሃሰን ስለዝኾነ ጓል-ኣንስተይቲ፡ እታ ኣደ፡ ፈቃር፡ ጽዋር፡ ሓብሓቢት ደቃ ይኸውን ማለት ድዩ? ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ ኸ ሰብኡት ኔሮም ዝሓመቑ ዲና? ብኣንጻሩ ኸኣ ጓል-ኣንስተይቲ እንተ ነፊዓ ሰብኣይ ድያ ትቕየር? ዝነፍዐት “ሰብኣይ እያ” ትበሃል። እዚ ኣበሃህላታት እዚ ጓል-ኣንስተይቲ ሕማቕን ድኽምቲን እያ ካብ ዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ዝብገስ እዩ። ክነወግዶ ኣሎና። ብቛንቛና ንጀምር።

ሕብረተሰብና ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ጓል-ኣንስተይቲ ኣይርእይን’ዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ኩለን ዉድባት ሓይልታት ተቓዉሞ ሕጂ ቁሩብ ይመሓየሽ እኳ እንተሃለወ ብደቂ-ተብዕትዮ ተዓብሊሉ ጸኒሑን ኣሎን። ዉሑዳት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ናይ ምምራሕ ደረጃ ክበጽሓ ንርኢ ኣሎና። ኣወንታዊ ምዕብልና እዩ። ንኣብነት ኣነ ኣብ ዘለኹሉ ሰልፊ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ሾመንተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማእከላይ ባይቶ ሓንቲ ድማ ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ኣለና። ኣብ ካልኦት ዉድባት’ውን ሓደ ሓደ ኣለዋ እየን። ግን ካብኡ ንላዕሊ ክንከይድ ኣሎና።

ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ ክትሳተፍ ድሑር ባህልና ዘይንቡር ይወስዶ። በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ዋላ’ዉን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዘለዋ ኣብ ክንዲ ንሓሳባ ምግጣም ጸርፍታት ብዛዕባ መልክዓን ስርሓታን ዝወርዳ። ኣገልገልቲ መላኺ ኤርትራ ዝኾኑ ደቂ-ተባዕትዮ ሓንኳላት፡ ሸውራራት ክበሃሉ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ንሕና ግን ብመልክዕና ንምዘን። ብቐንዱ ኸ ንመሰልና ክንቃለስ ጽቡቓት ክንከዉን ቅድመኩነት ድዩ? ሰብኣዊ መሰላት ንጽቡቓት ጥራሕ ድዩ ዝግባእ። እወ ልክዕ ከም ደቂ-ተባዕትዮ ጽቡቓት፡ ክፉኣት፡ ሓጸርቲ፡ ነዋሕቲ፡ ቆርጫጫት፡ ዛውያታት፡ ሓንኳላትን ዘይ ሓንኳላትን ኢና። መሰልና ኸኣ ብቓልስና ክነረጋግጽ ኢና። ንኽእል ኢና።

ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ’ዉን ኩሉ ጸገማትና ን ደቂ-ተባዕትዮ ክነሰክሞም የብልናን። ድሕረት ካብ ነብስና ክንድምስስ ክንቃለስ ይግባእ። ድኹማትን ጎደሎን ከምዘይኮና ብተግባር ነርኢ። ኣብ ናይ ምምራሕ ደረጃ ክንበጽሕ ክንሳተፍን ተመኩሮ ክንድልብን ይግባእ። ብመሰረቱ መሰል ብቓልሲ ዝረጋገጽ ኣምበር ህያብ ዝወሃብ ኣይኮነን። ስለዚ ንለዓል፡ ንቃለስ፡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትና ተጠቒምና ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ኣድማዒ ተራ ንጻወት። ነብስና ወዲብና ንመሰልና ንቃለስ። ንኽእል ኢና። ከመይ ዘይንኽእል?

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ምልኪ ይፍረስ!

ፍትሒ ይንገስ!

ኣስገደት ምሕረትኣብ ካብ ካሊፎርኒያ

2-8-2020

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ደንበ “ንመጻኢ እንታይ ይሕሰብን ይበሃልን ኣሎ” ዝብል ሕቶ እንተ ኣቕሪብካ እቲ ቅድሚት ዝስራዕ እዋናዊ መልሲ “ንዝፈላልዩና ኣመሓዲርና፡ ነቲ ዘሰማመዓና ኣበሪኽና፡ ንምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን፡ ንማዕረ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን፡ ብሓባር ክንምርሽ ድሉዋት ኣለና” ዝብል ምዃኑ ኣብ ኩሉ መድረኻት ክቃላሕ ንሰምዖን ንዕዘቦን ዘለና እዩ።

ከም ውጽኢት ናይቲ ከነካይዶ ዝጸናሕና ብዘገምታዊውነቱ እንነቕፎ ብውረድ ደይብ ዝተሰነየ፡ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ኣብዚ ምብጻሕና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዘለናዮ ኩነታት በዚ ዓጊብና እንዛነየሉ ዘይኮነ፡ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና፡ ኣብቲ ወሳኒ ሸቶ ንምብጻሑ ቅልጡፍን ወሳንን ቃልሲ ይጽበየና ከም ዘሎ ወርትግ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ዘለናዮ ህዱእ ናይ ምርድዳእ ኩነታት ከም ሓደ ተስፋ ዝህብ ኣውንታዊ ስጉምቲ ወሲድካ፡ ናብቲ ቀጻሊ ዕማም ሮማዕ ኢልካ ትጐዓዘሉ ዘይኮነ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ናይ ጣማጣማ ስጉምትታት ምውሳድ ዝጠልብ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ለይትን መዓልት ክበሃል ብዝኽእል ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘለዉዎ ኩርነዓት ዓለም፡ ብዙሓት ኣኼባታት ይካየዱ ኣለዉ። እዞም ኣኼባታት ብብዝሒ ተሳተፍቲ እናሓደሩ ዝስስኑ ጥራይ ዘይኮኑ ናይቲ ዝዝረበሉ ዛዕባታት ብስለትን ናይቶም ተሳተፍቲ ሓልዮትን ሓላፍነትን እውን እንዳሓደረ ይዓቢ ከም ዘሎ ምዕዛብ ይከኣል። እቲ ኣብቲ በበዓይነቱ ርክባትን ኣስተምህሮታትን ዝዝረበሉ ዛዕባታት ናይ መልክዕን ኣቀራርባን እንተዘይኮይኑ፡ ብትሕዝቶ ዘይፈላለ፡ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ሓቢርካ ምቅላስ ዝማእከሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ናይዞም ርክባት ዝወጹ፡ መግለጽታት፡ ኣዋጃትን ጋዜጣዊ ዋዕላታትን ከኣ ቅሩብነትን ድሉዉነትን ተሳተፍቲ ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ዘንጸባርቑ እዮም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ርክብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ዘስፈሮ መልእኽትን ከኣ ነዚ ከም ኣብነት ዝጠቀስ እዩ። ኣብዚ ምስትውዓል ዘድልዮ ጉዳይ ኣብ ሓደ ጉዳይ መርገጺ ክንሕዝን ነዚ መርገጺ ክንእውጅን እንከለና፡ ናይቲ ቅድሚኡ ዝተኼደ መንገዲ መሊሱ ዘረጉድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምስትብሃል እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ምምልላእ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ምኽኝያቱ እዚ ዘለናዮ እዋን፡ እንተሃላለዀሉ ዘይኮነ እንመላለኣሉን እንደጋገፈሉን እዩ።

ናይ ክሳብ ሕጂ ትዕዝብትታትናን መጽናዕትታትናን ምስዚ ናይ ቀረባ ግዜ ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዛሚድና ክንመምዮ እንከለና፡ ኣብ ድሮ ናይቲ ዘይተርፍ ለውጢ ኢና ዘለና። እቲ ጉጅለ ህግዲፍ ብኹሉ መለክዒ ተረቲዑ ክነሱ፡ ኢሳያስ ግና ናብ ግዳም እንዳማዕደወ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጥሮ ዘሎ ብደዐን ጭቆናን ምዝያዱ፡ ከም ናይ ኣጋ ወጋሕታ ድቕድቕ ጸልማት ክምሰል ዝኽእል እዩ። እዚ በጺሕናዮ ዘለና ኣብ ናይ ሓባር ጉዳይና ናይ ምስምማዕ ኣንፈት፡ ብትብዓትን ብሓላፍነትን እንተሒዝናዮ፡ ከድምዕ ዝኽእል ኩነታት፡ ኢሳያስ ፈትዩ ዝተኾበልና ዘይኮነ፡ ውጽኢት ቃልሲ ናይቲ ደላይ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ህዝቢ ኤርትራን ውዱብ ናይ ለውጢ ኣካላቱን እዩ። እቲ መንገዲ ሎሚ ሒዝናዮ ኣለና፡ ምእንቲ ከነድምዕ ከኣ በቲ መንገዲ ንቕድሚት ብናህሪ ክንስጉም ይግበኣና።

ጉዳይ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ከነልዕል እንከላና ምጥቃሱኳ ዘይተርፍ እንተኾነ፡ ደጊም ናቱ ሃተፍተፍ ወሲኽካ ክንድቲ ዝኣኽሎ ተቓሊዑ ስለ ዝኾነ፡ ከም ዓብይ ጉዳይ ንሻቐለሉን ካብ ግዜና ብዙሕ ንስለዓሉን ኣይኮነን። ዕንጸይቱ ከም ዝወደአ መጋርያ ሓዊ እንዳሓደረ ዝቕህም ዘሎ እዩ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ዓዘፍዘፉ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ሎሚ ኢሳያስ፡ ጸረ-ልኡላውነት ኤርትራ፡ ጸረ-ክብርን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳዩ ዘየድመዐ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ኣእትዩ ሓዊ ምእጓድ ዝመረጸ፡ ብዘይ ህውከትን ዕግርግርን ክነብር ዘይክእል፡ ብድምሩ ከኣ ብኣሉታ ዝተላዕጠጠ፡ ሃሰስ ኢልካ ቅንጣብ ኣውንታ ዘይትረኽበሉ ኣዕናዊ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ናይ ሓባር ተረድኦ ዝተታሕዘሉ እዩ።

ኢሳያስን ኣተሓሳስባኡን ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳይ ምስኣኑ፡ ዓወትና ዘቀላጥፍ እምበር፡ ባዕሉ ዓወትና ከም ዘይኮነ ንስሕቶ ኣይኮነን። ዓወትና ዝረጋገጽ ካብዚ ዓዳጋይ ዝሰኣነ ጨቋኒ ኣካይዳ ዲክታተር ዝበረኸን ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣተሓሳስባ ተዓጢቕና ኣብ ተግባር ክንበልጽ እንተበቒዕና ኢና ተዓዊትና እንብል። እቲ ኣብ ንመጻኢ እንታይ ክግበር ከም ዝግበኦ ምስምማዕና፡ ሓደ ኮይኑ ነዚ ብግብሪ ትካላውን ሓባራውን መልክዕ ኣትሒዝና ከነውሕሶ ክንበቅዕ ይግበኣና። እሞ ከኣ ንጽባሕ ከይበልና ሎሚ ከነመዝግቦ ንብቃዕ። ናብዚ ንምብጻሕ እቲ መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ ብመትከል “እንካን ሃባን” ዝምራሕ ዘይስልኪ ዘተን ዘተን ጥራይ እዩ። እነካይዶ ዘተ ነቲ እንእምሞ መዋጸኦ ሓሳብ ዘህብትም ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓያል መተግበሪ ዓቕሚ እውን ዝፈጥረልና እዩ። ዘተታትና ግልጽነትን ሓላፍነትን ዘለዎ፡ ዘይተደላይ ግዜ ዘየባኽን ክኸውን ይግበኦ።

International- Frauentag 2020

ኣብ ዳርምሽታት ንቀዳም ዕለት 07.03.2020  ሰፊሕ ሰሚናር መዲብና ከምዘለና 

ንሕብር።  

Womenspic

 

ዓይነታት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ

ዝምልከት ትንተናን ኣስተምህሮ ሓዘል ክቀርብ ተመዲቡ ይርከብ። ኣብዚ ሰሚናርዚ ኩሉ  ተሳታፋይ ሓሳቡን ርእይቶኡ ክህብ ንሰፊሕ ተሳትፎ  ንዕድምን ነተባብዕ።ድሕሪ ስሚናር ናይ ዕላል ምዝንጋዕ መደብ ክቅጽል ኣዩ።ንኩሉ   ዳርምሽታትን ከባቢኡን ትርከቡን/ባን ብክንሪ ንዕድም።   

 ሰሚናር ዝካየደሉ ኣዳራሽ።

Im Frauenzentrum

Emilstr, 10

64289 Darmstdt

ሰዓት :ካብ 15፡00 ክሳብ 22:00

ካልኣይ ክፋል

ብብርሃነ ኣብርሃ

ቲቪ ኤረ ነቲ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ብ7 ለካቲት 2020 ዓ.ም ከምዝዘርግሖ ዝዝከር ኢዩ። እዚ ኣብ ክንዲ ብዘቤታዊ ብናይ ግዳም ወይ ብዞባዊ ደረጃ ዝጀመረ ቃለ-መሓትት ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ዘልዓሎ፡ ጕዳይ ዶብ፡ ጕዳይ ባድመን ጕዳይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ምንባሩ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ጠንቂ ናይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ወይ ናይ ባድመ ዘይኰነስ፣ ናይ ወያነ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ብሓፈሻ፡ እቲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ዝብልን ኣብ ኤቲንክ ዝተሰረተ ፈደራላዊ ስርዓትን ዝብል ስነ-ሓሳብን ድማ ብፍላይ ምዃኑ ክገልጽ ተሰሚዑ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ሰሚዕዮ ዘይፈልጥ ሓድሽ ጠንቂ፡ ሓድሽ ክስን ሓድሽ ምስምስን ኢዩ።

እቲ ብ1998-2000 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባርዐ ውግእ፡ ጠንቁ ወያነ ንባድመ ምውራሩ፡ 6 ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ክዛተዩ ኢሎም ምስ ከዱ ምቕታሎም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልዑላውነት ኤርትራ ጥሒሶም ዓዲ ምሩግ ምእታዎም …ወዘተ ዝብል ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገሮ ዝጸንሐ።

እዚ፡ ከም ነፋሒቶ ኣብ ዝዓለበሉ ሕብሪ ዝቀያይር ውልቀ-መላኺ፡ ብ1992 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ መሰጋገሪ ኮንፈረንስ፡ …እዚ ኮንፈረንስ’ዚ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ብገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዘይተራእየን ዘይተዘርበሉን ጕዳይ ብሄራትን ጕዳይ ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራን ኣልዒሉ ምዝርራቡን መፍትሒ ምግባሩን ዓቢ ለውጢ ኢዩ ክብል ናእዳኡን ኣድናቆቱን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኣካል ናይ’ቲ ሽዑ ዝቐውም ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸውን ድሌት ከምዝነበሮ እውን ሎምስ ኣሉታ ክህበሉ ዘይክእል ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ኰይኑ ኢዩ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብ1981 ዓ.ም ህዝባዊ ግንባር ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ተሓኤ መጥቃዕቲ ከካይዱ ከለዉኸ፡ ህወሓት ንናጽነት ናይ ትግራይ ዝቃለስ ውድብ’ዶ ኣይኰነን ነይሩ? ህዝባዊ ግንባር ምስ ህወሓት ተሓባቢሩ፡ ንሰራዊት ደርግ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጸራርግ እንከሎ፡ ህወሓት ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብ እቲ ብ1987 ዝሓንጸጾ ፕሮግራሙ’ዶ ኣይነበረን። ከምኡ’ውን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንናጽነት ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ዝቃለስ ውድብ ምዃኑ፡ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳብ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ንግንባር ሓርነት ኦሮም (ኦነግ) ኵሉ መዳያዊ ደገፍ ክገብረሉ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኢዩ። እቲ ንህወሓት መዀነኒ፡ እቲ ኣብ መትከል ርእሰ-ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ምእማን ወይ ንዓንቀጽ 39 ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ምቕባል እንተዀይኑ፡ ኦነግ እውን ክዅነን ኣይግብኦን ድዩ!!!?

ናይ ኢትዮጵያ ቅዋም፡ ዝቕበልዎን ዝጻረርዎን ኢትዮጵያውያን ምህላዎም ኵልና ንከታተሎ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ኤትኒካዊ ፍልልይ ዝተሰረተ ፈደራላዊ ስርዓት ዝድግፉ ኢትዮጵያውያን ካብ ኵሉ ብሄራት ኣለዉ። ንሓንቲ ኢትዮጵያ ዝብሉ እውን ከምኡ። ስለ’ዚ፡ ንወያነ ፈሊኻ ከተጥቅዕ ምፍታን፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ዝተበገሰ፡ ሸርሒ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኰነን።

እቲ ዝያዳ ሓደገኛ ግን፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ እዚ ይሕሸኹም እዚ’ባ ክብል ምፍታኑ ኢዩ። ነዚ ድማ ተሓቢኡ ዘይኰነስ፡ ብጋህዲ ኢዩ ዝዛረቦ ዘሎ። እቲ ሓደጋታት ናይ’ዚ ስነ-ሓሳብ ካብ ንኤርትራ ንኢትዮጵያ ኢዩ ብዝያዳ ንሓደጋ ምብትታን ዘቃልዓ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ምብትታን ንኤርትራ እውን ሓደገኛ ስለዝዀነ፡ ምስ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ምሕዝነት ፈጢርና ክንሰርሕ ኣሎና። ጕዳይ ዶብ ሕጂ ካልኣይ ቦታ ዝሕዝ ንእሽቶ ጕዳይ ኢዩ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ሓባቢሉ ካብ ሕቶ ልዑላውነቱ ክኣልዮን ኣብ ዳግማይ ውግእ ክሸሞን ኢዩ ዝፍትን ዘሎ። ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ዝርከብዎን ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር መከላኸሊ፡ ኦቦ ለማ መገርሳ ዝተሳተፎን ኣኼባ ኣብ ኣስመራ ምክያዱ ነዚ መደብ’ዚ ዝእምት ርክብ’ዩ።

ጐንጺ አርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ጐነጽ’ዩ ተባሂሉ፡ ናብ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ተዋሂብሉ ኢዩ። በዚ ብይን’ዚ መሰረት ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ተረጋጊጹ ኣሎ። ስርዓት ኢሳያስ ድማ፡ ናይ ዶብ ውግእ ብምጅማሩ ኤርትራ ካሕሳ ክትከፍል ተወሲኑላ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ጓል ነገር ብምኻድ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ዘይኰነ፡ ነቲ ብይን ከምዝትግበር ምግባር ኢዩ ዝድለ። ሕጂ ነዚ ብይን’ዚ ክትግብር ሓላፍነት ዘለዎ ድማ ወያነ ዘይኰነ፡ እቲ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ጨቢጡ ዘሎ ብዶር. ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ኣካል ኢዩ። ንሱ’ዩ ተሓታቲ፡ ንሱ’ዩ ነቲ ውሳኔ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ዝበለ።

ይቕጽል…….

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንህላዌኣ ዝደናደን ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ካብ - ይኣክል ናብ ይከኣል - ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ክፍለ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተሳተፈኦ ፣ ካብ 8 – 9 ለካቲት 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዕዉት ዋዕላ ኣካይደና።

ኣብዚ ዋዕላዚ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነብስና ወዲብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ልዑል ተራ ክንጻወት ወሲና። ነዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ብወለንተአን ኣወሃሃድቲ ክኾና ፍቓደኛታት ዝኽና ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ፣ ነቲ ናይ ነብሰ ውደባ መስርሕ ክጅምርኦ ተወሲኑ።   ተሳተፍቲ ዋዕላ ነናብ ቦታና ተመሊስና፣ ናይ ከባቢና ደቂ ኣንስትዮ ክንጥርነፍን፣ ጥርናፈና ከነሐይልን፣ ወከልትና ክንመርጽን፣ ናይ ከተማታትና ወከልቲ ብምልኣኽ ናይ ኩለን ከተማታት ወከልቲ ዘሳተፈ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ጥርናፈ ክንፈጥር ወሲና።

ከምኡውን፣ ታሪኻዊ ዋዕላ ኤርትራውያና ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪክ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፍና፦

1- ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን እዩ ፣

2- ዶብና መጣልዒ ውልቀ-መላኺ ስለዘይኮነ ፣ ብቕጽበት ክሕንጸጽ፣

3- ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብህጹጽ ክፍትሑ፣

4- ሃገርና ብቅዋምን ልዕልና-ሕግን ክትመሓደር እምበር፣ ብውልቀሰብ ክትምራሕ ኣይነፍቅድን፣

5- ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል ንጽውዕ፣

6- ህዝቢ ኤርትራ ነዲሩ ዝጀመሮ ናይ ይኣክል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ኩሉ ህዝቢ ክሳተፎን ንጽውዕ፣

7- ምእንቲ ፍትሒ ዝቃልሱ ሓይልታት ተቓውሞ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ሓደ ኢድ ኮይኖም ክሰርሑ ተደላይነቱ ህጹጽ ስለዝኾነ፣ ሓቢሮም ክሰርሑ ንጽውዕ፣

8- እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ነመላኺ ስርዓት ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ምሳና ተጸንቢረን፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሳ ንጽውዕ፣

9- ኣብ ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝካየድ ቃልሲ ህዝብናን፣ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኣተኵርና ክንቃልሰ ኢና፣

10- ሞያውያን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብሞያኦም ተራኺቦም፣ ኣብ ግዚ ውድቀት ህግደፍ ሃገርና ንምህናጽ ዝገብርዎ ምድላዋትን ተበግሶታትን ንድግፍን ነተባብዕን።

11- ምልካዊ ጉጅለ ህዝቢ ክኸፋፍል ዝጥቀሙሉ ሜላታትን ሽርሕታትን ክንነቕሓሉን፣ ኣብ ክንዲ ተመቓቒልና መፍቶቱ ንኸውን፣ ነቲ ሰራም ከፋፋሊን መቓቓሊን ስልትታቱን ሽርሕታቱን ብስሙር ድምጺ ክንነጽጎን    ክነፍሽሎን ንጽውዕ።

ነጻን ልዑልዊትን ኤርትራ ንዘለዓለም ትንበር

ንጡፍ ግደን ሓይልን ደቂ ኣንስትዮ ንፍትሒ ሓርነትን ይዓምብብ

ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪካ

10 ለካቲት 2020

ብቐደሙስ ብፖለቲካ ምጥላዕ መወዳእትኡ  እንትርፎ ኪሳራ ዓወት ኣየጎናጽፍን እዩ።  እቲ ከሎ ጋና ንሃገራዊ ረብሓ ዝጠቅም ከይሓሰብካ ንግዚያዊ ጥቕምኻን ስልጣን ንምብሓትን ዝግበር ሽርሓዊ ጸወታ እነሆ ካብ ውግእ ናብ ወረ ውግእ ደጊሙ የቀራርበና ኣሎ። ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኣስተርሕዩ ክነብርን ንጉዳይ ሃገሩ ክከላኸልን ከማዕብልን ዝግበኦ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ዘይምስምማዕ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፥ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ከምዝጠፍእ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ጠንቂ ድማ ከምቲ “ክልተ ጎራሓት ሓሙዂሽቲ ስንቆም” ዝበሃል፡ ክልቲኣቶም መንግስታት ግጉይ ኣገባብ   ብምኽታሎም ዘምጸኦ መዘዝ እዩ።

እቲ ናይ 1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኣኽሳሪ ውግእ፡ ኣብ መወዳእትኡ ብናይ ሰላም ውዕል እዩ ተዛዚሙ። እቲ ብኣልጀርስ ዝፍለጥ ናይ ሰላም ውዕል  “ቀያድን እግባይ ዘይባሃሎ ናይ መወዳእታን” ብይን ተዋሂብዎ እዩ። ይግባይ ዘይብሃለሉ ከበሃል ከሎ፡ ብዘይካ ኣብ ግብሪ ምውዓል ካልእ ምኽንያታዊ ሓሳብ ዘይቀርበሉ ማለት ምዃኑ ኩልና ንርደኦ ኢና።  ነዚ ብይን እዚ ከኣ ክልቲኣቶም መራሕቲ፥  ኢሰያስ ኣፈወርቅንን ነፍሰ ሄር መለስ ዜናውን ተመሊሶም ዕጻይ ምጻጻይ ከይበሉ ከቲመምሉ እዮም።

እዚ  ዝኸተምሉ  ስምምዕ ግን ሓደ ብሰዓርነት እቲ ካልእ ካኣ ብተሰዓርነት መንፈስ እምበር፡ ብልቢ ተኣማሚኖም እዮም ነቲ ብይን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣሚነምሉ እንተልና፡ ነናቶም ፈንጂ ኣጻዊዶም ኢዮም ነቲ ብይን ዝተቐበልዎ። ኢሰያስ ነቲ ኣብቲ ውግእ ዝኸሰሮ ንኽዓብጥን ተመሊሱ ግዜ ንምኽሳብን ተቐላጢፉ ነቲ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ተቐቢልዎ። መለስ እውን እቲ ውግእ ኣብ ጥቕሙ ተደምዲሙ ብምዕዋቱ  ነቲ ብይን ናብ  “ኣይሰላም ኣይውግእ” ክቕይሮ ከምዝኽእል ብምትእምማን እዩ ፈሪሙ።

ኣብዚ ክለዓል ዝኽእል ሓደ ሕቶ እንተሎ፡ እንተደኣ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ምዃነን ተኣሚኑ፥ እቲ ድሕሪ እቲ ውዕል ኣልጀርስ ክግበር ዝነበሮ ቀዳምነት ጉዳይ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ምምልካት እዩ። እዚ ከኣ ክልቲኣቶም መራሕቲ ነቲ ፖለቲካዊ ጸዋታት ክቕጽልዎ ምዃኖም ደጒሎም ዝሓለፍዎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኢሰያስ ንስልጣኑ ክብል ክሳብ ሕጂ ንናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ወይ ድማ እቲ ብይን ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል ምኽንያት ተጠቒሙ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ንኽሕዞ መጻወቲት ካርትኡ ንሳ ኢያ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ዝግበር የለን ኣይትሓዙኒ ኢሉ ከምዘይፈከረ፡ ተመሊሱ ነታ ትማሊ ዝተጋገያ ኢዩ ሎሚ’ውን መሊሱ  ዝደግማ ዘሎ።  ምኽንያቱ ስምምዕ ከበሃል ከሎ ግዜን ኣተገባብራን ወሲንካ ኢኻ ትሰማማዕ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ዝመስል ውግእ ዘቐመጦ ስትራተጂ ነይርዎ  ከብሃል ይከኣል። ንሱ ድማ  እቲ ብይን ተቐቢልናዮ ኢና እንተኾነ እቲ ምሕንጻጽ ንቤተ-ክርስትያንዶ ንመሬትዶ ኣብ ክልተ ዝኸፍል ስለዝኾነ ኢልካ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣራኺብና ክንዝትየሉ ምባል ንገዛእ ርእሱ ነቲ እግባይ ዘይበሃሎ ዝፈረምሉ ውዕል ምጥሓስ እዩ ዘመልክት። ምኽንያቱ እቲ ውዕል ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል  ማሕለኻታትን ንዓኡ ክዕንቅጽ ዝቐረበ በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት ህያው ምስክር እዩ። እቲ ውጽኢት  ድማ ናብ “ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ” ኣምረሐ፥ ክሳብ ሕጂ ድማ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሬት ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ምቁጽጻር መንግስቲ ኤርትራ እዩ  ዘሎ። ናይዚ ኩነታት ኣይሰላም ኣይ ውግእከ መን ተረቢሑሉ እንተበልና ብቐንዱ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ንኽነብር ምኽንያት ኮይንዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ እታ ሃገር ብዘይ መንእሰይ ክትተርፍ ገይርዋ ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ጸንቂቑ ክወጽእ ከሎ  እቲ ነቲ ዘይተረፍ ውግእ  መደብ ዘለዎ  ንጥቕሙ ኢዩ።

እዚ ኹሉ ብሰላማዊ መገዲ ማለት እቲ ቅድም ውግእ መን ጀሚርዎ ብሕጊ ሓላፍነት ዝስከመሉ ኣካል ዝተፈልጠ ኮይኑ፡  እቲ ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ  ምርኻብን ምዝታይን ዝበሃል ቅድሚ እቲ ውግእ ክካዘድን ክቅጽልን ዝነበሮ ኢዩ። ሎሚ ውን እቲ ጉዳይ ዶብ ጠንቂ ናይ መጽነቲ ክልቲኡ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ ዶብ ዝምልከት ክልቲኡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ውዕል ኣልጀሪስ ተቐቢሎም ዝኸተምሉ ስለ ዝኾነ።

ሎሚ  እቲ ኣብ ትግራይ ብገለ ወገናት ብጉልባብ ኣግኣዝያን ዝበሃል ዘሎ፡ ተጋሩ  ክንስና  ኣብ ክልተ ተመቒልና፥ ምስኡ  ድማ ዓሰብ ናትና ኢያ ክንብል ኣሎና ዝብል ዝቕልቀል ዘለዉ ናይ ገለ ወገናት ወስታታት ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። እዚ ምስቲ  ናይ ካልኦት ኣህዛብ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ባድመ ይኹን ኣፍደገ ባሕሪ ብምስኣን ዝተበጽሐ ውዕል ጉዳይ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፡ ፈጺምና ኣይንቕበሎን ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ንሓዋሩ እንታይ ክፍጠር እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ሸነኻት በቲ ዝዝረብ ዘሎ ዘረባታትን ብጋህዲ ይኹን ብስውር ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣጽዋር ምኹማርን ደማሚርካ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘጽንት ጐስጓስ ኢዩ። እዚ ከኣ ነቲ ናይ ሰላም መንገዲ ገዲፍካ፡ ዝካየድ ዘሎ ናይ  ቃላት ውግእን ምድላዋትን ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ንምኽሳር እምበር፡ እቶም ብህዝቦምን መንእሰያቶምን ዝጣልዑ ዘለዉ ዋላ ሓንቲ ኣይክኾኑን ኢዮም። እቲ ሽግር ግን እዘን ክልቲአን ሃገራት ሰላምን ምርግጋኣን ተሓሪምወን ህዝበን ካብ ምምዕባል፡ ምብልጻግን ስልጣኔን ርሒቖም ንዘልኣለም ክተፋነኑ ክነብሩ ኢዮም።

በዚ መሰረት እቲ ድርቅናን እቲ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣይንግዛእን ዝዓይነቱ እምቢታ፡   ምልክት ናይ ብሓይልኻ ምጥቃም እዩ ትርጉሙ። ምኽንያቱ እቲ ብይን ንኸይትግበር ብኹሉ ሸነኻት ሽርሒታት እዩ ዘንጸላልዎ ዘሎ ። እዚ ከኣ እቲ ሓደ ቅድሚ ምሕንጻጽ ዶብ ክንዛተ ዝብል ዝነበረ ሕጂ ዶብ መዛረባ ኣይኮነን ብዝብል ምስምስ ጃላ ክገድፎ ከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ጉዳይ ዶብ ንኢትዮጵያ ብምልእታ ዝምልከት’ዩ ዝብል መናቖቲ ምልክት ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ድማዩ ጉዳይ ብይን ዶብ ኣብ ተግባር ንኸይውዕል እቶም ንስልጣኖም ክከላኸሉ ዝደልዩ ከም ካርታ ናይ መን ተዓወተ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ። እዚ ማለት ብርኢቶይ እቲ ውግእ ብቐሊሉ ሸጠጥ ከምዝብል ናይ ግዜ ሕቶ እምበር  ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ውግእ ደመና፥ ንህዝብና ዘጥፍእን ንልኡላውነት መሬትና ድማ ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ከምዝኸውን ተረዲእና ነዚ ንምግታእ ኩሉ ዝካኣለና ክፍጽም  ንሕተት ኣለና። ሃገርና ክነድሕና እንተዀና ብናይ ጥዑም ቃላት ዝወሃብ ወይ እውን ንልብና ዘረሳርስ ዘረባ ሰሚዒና ክንህመል ኣይግባእን። እዚ ስለዝኾነ ንሕና ኤርትራውያን ቅድሚ ሕጂ ሃገርና ስለ ዝበልና፡ ትምክሕታውያን ተባሂልና ኢና። ይኹን እምበር ሎሚ  ነዛ ሃገር ክንሓስበላ ዲና  ወይ  ኢድና ሂብና  ስቕ  ክንብል ኣብ ክልተ ምርጫታት  ንርከብ ኣሎና። በዚ እንኸዶ ዘሎና ድማ እንተዘይ ተጠርኒፍና ተዛሪብና ይኹን ጽሒፍና ክነስምዕ ኣይክንክእልን ኢና፥ ሃገራዊ መንነትናን ሓድነትናን  ድማ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እታ ሃገር ውን ከይንስእና ኣብ ዘሰክፍ ኩነት ኢና ንነብር ዘሎና።  

ቀዳማይ ክፋል

ብብርሃነ ኣብርሃ

ኣደ ዘለዋ ትበኪ፡ ነደ ዘይብላ ከተብኪ

ኣብ ኢትዮ 360 (Ethio 360) ዝብሃል መስኮት ተለቪዥን ክሰምዕ ከለኹ፡ ኤርምያስ ለገሰን ሃብታሙ ኣያለውን ዝተባህሉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ዘቕርብዎ ሕቶታት ብብዙሕ ናይ ምጽራይ መስርሕ ሓሊፉ’ዩ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበጽሕ ዝብል ነቐፌታ ክገብሩ ተዓዚበ። ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ ምስ በጽሖ፡ ነቲ መልሲ ዝኸውን መጽናዕትን ሓበሬታን ካብ ሚኒስትሪታቱን ክኢላታትን ሰሚዑን ኣንቢቡን’ዩ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ መልሲ ዝህብ። ብሃውሪ ዝሕተትን ዝምለስን ነገር የለን ኢሎም ብምስቍርቋር ክምድሩ ሰሚዐ። እዚ ምሰማዕኩ ናብ ኣእሙሮይ ዝመጸ ሓሳብ “ኣደ ዘለዋ ትበኪ፡ ነደ ዘይብላ ከተብኪ” ዝብል ምስላ ነበረ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣገባብ እንተዝሰምዑ’ኸ እንታይ ኰን ምበሉ!!!? ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሚኒስተራት፡ ኣባላት ናይ’ቲ ነዊሕ ዕድመ ዘይነበሮ ፓርላማን ጋዜጠኛታትን ንዝቐርበሉ ሕቶታት፡ በቲ ናይ ጸጥታን ቍጽጽርን ትካላት (ከም በዓል ኣብርሃ ካሳ፡ ተስፋልደት ዝኣመሰሉ ኣማኸርቱ) ኣቢሉ ኢዩ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝበጽሕ። ንሳቶም ነቲ ክተርፍ ኣለዎ ዝብልዎ ኣትሪፎም ናብ ኢሳያስ ይልእክዎ። ኢሳያስ ግን፡ ከም’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገብሮ፡ ናብ ሚኒስተራትን ክኢላታትን ሰዲዱ ርእይቶታቶም ክፈልጥ ኣይፍትንን ኢዩ። ኢሳያስ፡ ነቲ ክምልሶ ዝደሊ ሕቶታት ባዕሉ ኣዳልዩ ኢዩ ነቶም ሓተቲ ሕቶታት ዝህቦም። ምኽንያቱ ንሱ ኵሉ ዝከኣሎ ሰብ ኢዩ፡ ብዛዕባ ኵሉ’ዩ ዝፈልጥ መታን ክበሃል ዝገብሮ ተዋስኦ ኢዩ። ኢሳያስ፡ መምህር ኢዩ፡ ሳይንቲስት ኢዩ፡ ናይ ጠፈር ተመራማሪ ኢዩ፡ ናይ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ቍጠባ፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ሕጊ፡ ውግእ፡ ዲፕሎማሲ፡ መካኒክ፡ ኢንጂኔር ….ኮታ ኵሉ ዝፈልጥ ኰይኑ ክቐርብ ስለዝደሊ፡ ካብ ስራሕ መካኒክ ኣትሒዝካ ክሳብ ናይ ጠፈር ምርምር ዘሰልቹ ዝርዝር መግለጺ ክህብ ኢና ንሰምዖ። ከም’ዚ ስለዝዀነ፡ ሚንስተራት ብዛዕባ ዝመርሕዎ ቤት ጽሕፈት ተሓቲቶም መልሲ ክህቡ ኣይስምዑን ኢዮም። ባዕሉ’ዩ ፕረሲደንት ባዕሉ ኢዩ ሚኒስተር። ሚኒስተራት፡ ዝተባህሎም ምግባር እምበር፡ ቤት ጽሕፈቶም ዝጠልቦ ስራሕ ይኹን ክእለቶምን ትምህርቶምን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣይክእሉን ኢዮም። ንበዓል ኤርምያስን ሃብታሙን ድማ ካብ ናትኩም ዝኸፍአ ናትና ኣሎ’ሞ፡ ካባና የድሕንኩም ጥራሕ ኢየ ክብሎም ዝኽእል!!!

  1. ተክኒካዊ ትዕዝብተይ፡ ብዛዕባ’ቲ ፕ/ኢሳያስ፡ ብዕለት 7 ለካቲት 2020 ምስ ጋዜጠኛታት ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን ዝገበሮ ቃለ መሓትት፡-

እቲ በዞም “ጋዜጠኛታት” እዚኣቶም፡ ዝቐረበ ሕቶታት ናቶም ዘይኰነስ፡ ብፕ/ኢሳያስ ክትሓትዎ ኣለኩም ተባሂሎም ዝተዋህቦም ሕቶታት ምዃኖም ኢየ ካብ ዝሓለፈ ተመኵሮታተይ ዝርዳእ። ምኽንያቱ ድማ፡ ሓንሳብ ሕቶ ምስ ኣቕረቡ፡ ድሕሪኡ ኣብ መንጐ ኣትዮም ካልእ መስቀላዊ ሕቶ ክሓቱ ኣይትርእዮምን ኢኻ። ሓንቲ ሕቶ ኣቕሪቦም ምስ ወድኡ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ከም ድላዩ ዝሩብን ዘይዝሩብን ኣምጺኡ ክዕንድር እንከሎ፡ ጽን ኢሎም ኢዮም ዝሰምዕዎ። እቶም ጋዜጠኛታት ኢሳያስ ክሳብ ዝውድእ ብዘይካ ኣዒንቶም ካልእ ክንቀሳቐስ ኣይትርእን ኢኻ። ንቃለ-መሓትት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ቲቪ ኤረ ሰሚዑ/ርእዩ ዘይፈልጥ ጋሻ ተዓዛባይ፡ “እዚኦም ሰብ ድዮም ወይስ ባምቡላ” ክሳብ ዝብል ናይ ምጥርጣር ሕቶ ከቕርብ ዝደፋፍእ ምርኢት ኢዩ። ናይ ኣባታዊ መምህርን ተመሃራይን ዝምድና’ዩ ዝመስል። ኢሳያስ ይምህር፡ እቶም ጋዜጠኛታት ድማ ይሰምዑን ይምሃሩን። ንምዃኑ’ኸ ብናይ ጋዜጠኝነት ትምህርቲ ይሓልፉ’ዶ ይዀኑ? ወይስ ደይ ዝተባህልዎ ኢዮም ዝገብሩ፡ እንታይ ትምህርቲ ኣድልይዎም ተባሂሎም ዝምረጹ ምእዙዛት ሰባት ኢዮም።

ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ባዕሉ ዝሃቦም ሕቶታት ምዃኑ ንምፍላጥ ብዙሕ ምምርማር ዘድልዮ ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ ዝገብሮ ቃለ-መሓትት “ብዛዕባ’ዚ እኳ ድሓር ክንመጾ እንዲና” ዝብል ዘረባ ክደጋግም ኢና ንሰምዖ። ሎሚ እውን ከምኡ ኢዩ ኢሉ።

ካልእ ዝተዓዘብክዎ ጕዳይ እቲ ቃለ-መሓትት ቅድሚ’ቲ ዝተፈነወሉ ዕለት ማለት ቅድሚ ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዝተቐርጸ ምዃኑ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ቃለ-መሓትት ህያው ወይ ሽዑ ኣብ’ቲ ናብ ህዝቢ ዝፍነወሉ ዝነበረ እዋን (Live) ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ኣይኰነን ነይሩ።

ናብ’ዚ መደምደምታ ዘብጽሓኒ፡ ኣብ ምቕራጽ ወይ ምስጃል ናይ’ቲ ቪድዮ፡ ንገለ ዝተባህለ ግን ክወጽእ ዘይተደልየ ቃል ወይ ሓሳብ ንምስራዝ ተባሂሉ ዝግበር ዝነበረ ምቍርራጽ ምንባሩ፡ ኵሉ ነቲ ፈነወ ዝተኸታተለ ሰብ ክሰምዖን ክርድኦን ዝኸኣለ ጕዳይ ኢዩ። ገለ ካብ ቃላት ኢሳያስ ከይሰማዕናዮም ተቖሪጾም ወይ ተዋሒጦም ከምዝተረፉ ብዘየካትዕ መንገዲ ተዓዚብና። ብሞያውያን ዝተቐርጸ ቪድዮ ድማ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ እቲ ቪድዮ ህያው (Live) ኣይኰነን፤ ኣቐዲሙ ዝተገብረን ዝተመስርሐን ቃለ-መሓትት ኢዩ ናብ ህዝቢ ዝመሓላለፍ ዝነበረ።

እቲ ናይ መወዳእታ ትዕዝብተይ ድማ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤርትራ ዘዛርብን መዓት ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦን ክሓተሉን ዝደሊ ማእለያ ዘይብሉን ጕዳያት እንከሎ፡ ንዘቤታዊ ጕዳያት ካልኣይ ቦታ ሂብካ፡ ብናይ ወጻኢ ጕዳያት ምጅማር ዝዀነ ይኹን ዘዕግብ ምኽንያታት ክውሃቦ ኣይክእልን ኢዩ።

ኣብ’ቲ ስዒቡ ከነስምዓኩም ኢና ዝበሉና ዘቤታዊ ጕዳያት ዝምልከት ቃለ-መሓትት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝብሃል ዝነበረ ከምዝድገም ኣይጠራጠርን ኢየ። ብዙሕ ዝተሳለጠ የለን፡ ግን እዚ ኣኪብናዮ ዘሎና ተመኵሮ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከም መንጠሪ ክዀነና’ዩ ዝዓይነቱ መልስታት ኢና ክንሰምዕ።

ይቕጽል ……..