መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምኽንያት መበል 34 በዓል ናጽነት ኤርትራ
2025-05-23 07:29:00 Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 567 timesኣብ ታሕቲ ብተባዕታይ ጾታ ተጻሒፉ ዘሎ እንተላይ ንኣንስታይ ጾታ ከም ዝምልከት ብቐዳምነት ከፍልጥ እፈቱ
24 ግንቦት 2025 ሃገርና ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ መበል 34 ዓመት እዩ። ነዛ ክብርቲ ምዓልቲ እዚኣ ክርእዩ እተመነዩ ግን ክርእይዋ ዘይትዓደሉ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣሽሓት እዮም። ምእንቲ ናይ ህዝብና ናጽነትን ሓርነትን ክቡር ህይወቶም በጃ ዝሃቡ ብኣማእት ኣሽሓት እዮም ዝቝጸሩ። ሳላ ክቡር መስዋእቶም፡ ድማ ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነታ እተፈልጠላ ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኰይና ኣላ። በዚ ኣጋጣሚዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ዮሃና እብል።
እንተዀነ ግን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝወደቐት፥ ህዝብና መሰሉ ተጋሂሱ፡ ሓርነታቱ ተገፊፉ፡ ብደረት ኣልቦ፡ ዓስቢ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሃነኑ ጠፊኡዎ ጊላዊ ናብራ ከሕልፍ ዕጫኡ ኰይኑ ኣሎ። ብሓንቲ ራድዮን ሓንቲ ቲቪን ሓንቲ ጋዜጣን መርበብ 03 መደናጋሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንዳዘርግሐ ኣእሙሮ ህዝቢ ኣደንዚዙ፤ መላኺ ስርዓት ጸጋታት ሃገርናን፡ ንህዝብና ብቐንዱን ፊን ከም ዝበሎ ኣብ ድላዩ ከውዕሎ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ ኵነታትዚ ወዲቕና? ከመይ ጌርና ኢናኸ ምልኪ ደርቢና ሓራ ክንከውን እንኽእል? ዝብል'ዩ።
ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ቅዋማዊ ምሕደራ ክንተክል ኢና፤ ማሕበራዊ ፍትሒ ከነስፍን ኢና እንዳበለ ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።
ምልካዊ ስርዓት የእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ስለ ዝዀነ ነብሱ ክጽግን ዘይሕሰብ እዩ። በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከም ዝብሃል፡ እቲ ፍታሕ ህዝብና ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። ብዘይፍቓድካ ክገዝኣካ ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የልቦን። እቲ መልሲ እምቢ ንምልኪ እወ ንሓርነት! እዩ።
ንመሰልካ ተልዓል! ስዉኣት እኮ ኣብ ሃገርካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ክትከይድ እምበር ኣብ ምዓልቲ ናጽነት ንኸይትግፈፍ ተሸቝሪርካ እንዳትሓባእካ ንኽትነብር ኣይኮኑን ተሰዊኦም። እወ ከም ድላይካ ክትኣምን፡ ክትሓስብ፡ ክትገልጽ ክትውደብ፡ ክትንቀሳቐስ፡ ክትምሃር፡ ክትሓርስ፡ ክትጓሲ፡ ክትሰርሕ ብሓጺሩ ሓፈሻዊ ሓርነታትካ ተኸቢሩልካ ብሕግን ብቕዋምን ንኽትምሓደር እዮም ክቡር ህይወቶም ሂቦሙልካ። ግዴኻ ነታ ብኽቡር መስዋእቲ ዘረከቡኻ ልዑላዊት ሃገር ምዕቃብን ዝተገፈፈ መሰላትካ ምምንዛዕን እዩ።
በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ። ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ንውድቐት ምልኪ ከኣ ዘቐላጥፍ ስጉምቲ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን።
ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!!
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስማእታትና!
ብሓድነት ንሓርነት!!