ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያን ካለኦት ብዙሓት ሃገራትን ዝዝቲ ጉባአ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዕለት 27 ለካቲት 2023 ኣብ ጀነቫ ተኸፊቱ። ኣብቲ ናይ መጀመርያ 4ተ መዓልታት ናይቲ ጉባአ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ወሲኽካ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ዕዱማት መራሕቲ ሃገራትን ሚኒስተራትን ክሳተፍዎ እዮም።

እዚ ን5 ሳምንታት ዝጸንሕ ጉባአ፡ ብብዝሒ ተሳተፍቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር እቶም ዝዛረበሎም ዛዕባታት ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣብዚ መበል 52 ስሩዕ ጉባአ ናይቲ ቤት ምኽሪ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ቀንዲ ኣጀንዳ ከም ዝኸውንን፡ ነቲ ጉዳይ ከጻሪ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዝተመዘዘ ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚሽን ጸብጻብ ናብቲ ጉባአ ከም ዝቐርብን ተሓቢሩ። 

ኢትዮጵያ ኢንሳይደር /ETHIOPIAN INSIDER ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝካድ ዘሎ ውግእ ቀንዲ ኣጀንዳ ከም ዝኸውን ርዱእ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል 4ተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ዝዝተ ጠቒሳ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ 4ይ ሰሙን ናይቲ ጉባአ ከም ዝለዓልን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ይከታተል ናይ ዘሎ  ኮሚሽን ናይ ቃል ጸብጻብ ክስማዕ  እዩ። ኢትዮጵያ እቲ ሰብኣዊ መስል ዘጻርይ ዘሎ ኮሚሽን ክፈርሰላ ክትምሕጸን ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።

እቲ ንነዊሕ ግዜ ክንከባለል ዝጸንሐ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራኸ ኣብቲ ጉባአ ክለዓል ድዩ ኣይለዓልን ዝሕብር ጸብጻብ ኣብቲ ዜና ኣይሰፈረን። ህግደፍ ግና ኣብቲ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከቶ እዩ።

ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር እያ። ብዙሕነታ ዝገልጹ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ኣቀማምጣ መሬታን ካብ’ቶም ጐሊሖም ዝረኣዩ እዮም። እዚ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ጸጋታትና ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ዝጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እውን ኣለና። እዚ ብዙሕነታት ከምቲ ዕንበባ እውን በበይኑ ሕብርታት ክሓቁፍ እንከሎ ዝያዳ ዝምልክዕ፡ መጸበቒናን ግርማናን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት’ውን ሓደ ካብ ምስጢራት ዓወትና ምንባሩ ብግብሪ ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ ዝኸውን ግና ብምጽውዋርን  ምክብባርን ክመሓደር እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ኩሉ ግዜ ንኤርትራን ሓድነት ህዝባን ኣብ ቅድሚት ክንሰርዖም ይግበኣና። ካብዚ ወጻኢ ጸቢብነትን ምንጽጻግን ናብ ዘይተደላዪ ምርሕሓቕ ከም ዝወስደና ዘመልክት ተመኩሮ’ውን ኣለና።

እዞም መግለጺ ብዙሕነትና ዝበልናዮም፡ ኣብ ህይወትና ወሰንቲ እዮም። ኣብ ግብሪ ኣወዓዕለኦም ከከም ከባቢና ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታትን ኣገባባትን ዝዝውተሩ እዮም። ንናይ ሓደ ኣካል ናይ መንነት ኣጠቓቕማን ኣተገባብራን እቲ ካልእ ወገን ከምዘይናቱ ገይሩ ክወስዶ ኣይግባእን።  ነቲ ዋናኡ ብሉጽን ክብሩን መንነቱን ዝገልጸሉን ስለ ዝኾነ ከኽብረሉ ናይ ግድን እዩ። እዞም መለለይ ብዙሕነትና ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ እምበር፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ተነጺሉ ዝረኣዩ ድማ ኣይኮኑን። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ባህልን ዘሎ ምጽልላው ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። በቲ ካልእ ወገን እዞም ናይ መንነት ዛዕባታት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞና እውን ናቶም ተጽዕኖን ጽልዋን ኣለዎም።

እዞም ምቓረት ህይወትና ዝኾኑ መግለጺ መንነትና፡ ወትሩ እነዘውትሮምን ኣጀንዳና ኮይኖም እንዛራበሎምን ኣብ መስርሕ ዓበይቲ እዮም። ከከም ኩነታቱ ከኣ ኣጀንዳነቶም ምስ ግዜ ክብ ለጠቕ ክብል ይኽእል። ንሓንሳብ ሃይማኖት ጐሉሑ ቅድሚት ክስራዕ ከሎ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን እውን ከምኡ በብግዜኡ እዋናዊ ኣጀንዳ ይኾኑ።

እዚ ከም ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥና ጥራይ ዝድረት ዑደት ዘይኮነ፡ መምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ጐረባብትና ህዝብታት እውን የራኽበና እዩ። ብፍላይ ምስቶም ካብ ሃገርና ወጻኢ ዝነብሩ እሞ ምስ ናትና ተመሳሳሊ መንነት ዘለዎም ብትውልዲ፡ ብንግዲ፡ ባህልን መውስቦን እንራኸቦም ወገናት፡ ዝተፈላለዩ ዶብ-ሰገር  ምጽልላው ይረአ። ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ከምኡ እውን ትግረን ሕዳርብን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ምህላዎም ናይዚ ኣብነት እዩ። ቋንቋን ባህልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃይማኖት እውን ካልእ መጸላለዊ እዩ። ምስዚ ኩሉ ናይ መንነት ተመሳሳልነት ግና፡ ነናቶም ዘይስገር ልኡላዊ ዜግነት ሕልዊ ምዃኑ ምግንዛቡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዶብ ዝሰግር ናይ መንነት ተመሳሳልነትን ብዶብ ዝግደብ ሃገርነትን ዜግነትን ብግቡእ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። እምብዛ ነቲ ዶብ ኣትሪርካ ነቲ ማሕበራዊ ርክብ ናይ ተመሳሳሊ መንነት ምግዳብ፡ ወይ ነቲ ዶብ እምብዛ ኣህሲስካ ምድብላቕ መንነትን ዜግነትን ምስ ዝህሉ  ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዝመርሕ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን ምስ ኩሉቲ ብዙሕነትና ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝፈላልዩና የብልናን። ፍልልያትና ክረአ ዝኽእል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋኒንና ቅድሚት ምስ ዘይንሰርዕ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣተሓሳስባ ምርሕሓቕና ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ተርእዮ ኮይኑ፡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ መናውሒ ዕድመኡ ኣብ ስልጣን ንክጥቀመሉ ከም ዘጋድዶ ርዱእ እዩ። ህግደፍ ኮነ ኢሉ ካብ ዘጻውዶ መፈላለዪ ተንኮላት ወጺእና ግሉጽነትን ምትእምማንን ብዘለዎ እንገብሮ ናይ ሕድሕድ ዝምድና ንሓደ ኣርቢሑ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ጥቁቕን ሓላፍነታውን መንገዲ እንተተኸቲልናዮ፡ ምጥርጣር ዘወግድ እዩ።  ኩልና ክንግንዘቦ ዘለና፡ ምስ ዝኾነ ኣካል ንሓድነትን ሓባራዊ ጠቕምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይውዕል  ዝምድና ምፍጣር ተመራጺ ኣይኮነን።

ተጻራሪ ናይ ጫፍ መርገጻት፡ ምስ ናይ መንነት ተመሳስልነት ክትሓሓዝ እንከሎ፡ ነቲ ክሃስስ ዘይግበኦ ሃገራዊ ዶብ እናጸለወ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ምትንኻፍ ከምዝፈጥር ተራእዩ እዩ። ንኣብነት ምስ ህዝቢ ትግራይ ብቐረባ ዝደናገጽ ባእታ ድዩ ውዳበ፡ ቋንቋኡ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝዝረብ እንተኮይኑ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ወገን ከሻቕሎን ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሃሳይ ጽልዋ ከንጸላሉን ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብ ከኣ መተካእታ ዘየብሉ ዋሕስ ህልውና እዩ። እንተ’ቲ ምስ ብዱላት ወጊንካ፡ ወራርን ሳዕቤን ውግእን ምኹናን፡ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብውግእ ብሰላም ክፍታሕ ምምሕጻን ግና ነቲ ቀይሕ መስመር ክሳብ ዘይጠሓሰ፡ ብዓይኒ ዘራይን ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ክረአ ዝግበኦ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ክወርድ ዘይንደልዮ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ክፍጸም እንከሎ፡ ምቅዋሙ ከኣ ፖለቲካዊ ጥራይ ዘይኮነ ሞራላዊ ግቡእ እውን እዩ። እቲ ምድንጋጽ፡  ቅድሚ ኩሉ ከም ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሓድነትናን ሃገራዊ ክብርታትናን ዝጻረር ከይከውን ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ።  ህግደፍ ብዘሳውሮ ውግኣት ዕንወትን ጽልእን ዘኸትል ክነሱ፡ መሬት ዘምልስን ልኡላውነት ዝዕቅብን መሲሉካ ኣብ ጐኑ ምስላፍ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። 

ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተጀመረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ግዜ ከይበለዐ ዝወሰዶን ሎሚ ህያውን ብብዙሓት ወገናት ዝተደገፈን መፍትሒ ኮይኑ ዘሎን ቅኑዕ ኣቕጣጫ እዩ። ኣብ ውዑይ መድረኻዊ ዛዕባ ሓደ ኣካል ዝወስዶ መርገጽ ንምድጋፍ ኮነ ንምቅዋም ካብ ታህዋኽን ጥርጣረን  ወጺእካ እኹል ግዜ ሂብካ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝባን መዚንካ ምስትውዓሉ  ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ከም ኤርትራውያን ዘለና ወጽዓ ናይ ምውጋድ ቀዳምነትናን ምስ ጐረባብትና ህዝብታት ዘራኽቡና ጉዳያትን ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ  ጉዳይና እቲ ካልእ ወገን፡ ኣብቲ ንሕና እንጠልቦ ክተሓጋገዘና እምበር፡ ማዕሬና በዓል ዋኒን ምስዝኸውን ኢድ ምትእትታው ስለ ዘኸትል፡ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንሕና እውን ከምኡ ኣብቲ ናይ ካለኦት ጉዳይ ብጽሒትናን ደረትናን ክሳብ ክንደይ  ምዃኑ ክንግንዘብ መሰረታዊ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ከምቲ ህግደፍ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ጐረቤት እዩ ኢልና ንገድፎ ኣይኮነን” ዝብሎ፡ ደረቱ ዝሓለፈ ምትእትታው ግና ሓላላኺ እምበር ሓጋዚ ኣይኮነን።

ስለዚ ብመጽርዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽን ዘይነጸረ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ንብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ናብ ግጉይ ኣቕጣጫ እናወጠጥና ኣብ መረሓሓቕን መዳኸምን ኤርትራዊ ሃገራውነት ነውዕሎ፡ ተኸኣኢልናን ተጸዋዊርናን መደልደሊ ሓድነትና፡ ካብ ምውዓሉ ካልእ ምርጫ የብልናን። ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ከኣ ኣብዚ መዳይ  ሓላፍነታዊ ግደአን ክጻወታ ይግበአን።

ኣብ ኢትዮጵያ  ክካየድ ዝጸንሐ ሕድሕድ ውግእ ንከብቅዕ፡ መስርሕ ትግባረ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝቒጻጸሩ ዓሰርተ ኣፍሪቃያውያን  ጀነራላት  ብሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዝተሰየሙ መርበብ  ዜና ገዳብ/GEDAB NEWS ብ26 ሕዳር 2022 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። እቶም ዝተሰየሙ ጀነራላት ካብ ሃገራዊ ሰራዊት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኬንያን ናጀርያን ዝተዋጽኡ ከም ዝኾኑን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ምዃኖምን እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። በቲ ዜና መሰረት፡ እዞም ጀነራላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዘተሓባብሩ ኮይኖም፡ ምስቲ  ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝመደበሩ ማእከላይ ኮማንድ ፖስት ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ እዮም

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሎም ኣዛታይን፡ ኣባሳንጆ ኣብ ትግራይ ምስ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ሰባትን ተረኺቦም ተመያይጦም። ኣባሳንጆ ኣብዚ ርክቦም ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምልከት ንዝቐረቦም ሕቶታት መሊሶም። ኣብቲ መልሶም እቲ ኮሚተ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ክዛረብ ከም ዝጸንሐ ጠቒስም፡ “ዝኾነ ኣካል ህላወ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ገዛእ መሬቱ ኣይቅበልን እዩ” ከም ዝበሉ እቲ ዜና ገዳብ ኣስፊሩ።

ምስዚ ኩሉ፡ ንምልውዋጥ ምሩኻት ውግእ ብዝምልከት ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘየለ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ። ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ድማ እዚ ናይ ምሩኻት ጉዳይ ዝተሓላለኸ ክኸውንዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ ኤርትራን ትግራይን ኣማኢት ምሩኻት ሒዘን ኣለዋ፡ ኤርትራ ግና ብኹሉ መለክዒ ኣብ ውግእ ትግራይ ከም ዝኣተወት ርኡይ ክነሱ፡ መርገጻ ዘጽቅጥ እምበር ዝኣምን ወይ ዝኽሕድ ኣይኮነን ኢሉ። ጉዳይ ምሩኻት ውግእ ብቀይሕ መስቀል ክተሓዝኳ እንተነበሮ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ሃገር ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምዃኑ ከም ዝተሓላለኸ እቲ ዜና ሓቢሩ።.