ህወሓትን ብልጽግናን ናብ ሓድሽ ወጥሪ ዘምርሑ ዘለዉ ይመስሉ

2024-07-24 14:38:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 308 times

ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግናን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መስርሕ ምምዝጋብ ወዲኣ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ከይረኸበት ናብ መበል 14 ጉባአኣ እንተኣትያ፡ ኣብ ቀጻሊ ምርጫ ክትሳተፍን መንግስቲ ክምስርትን ከምዘይኽእል ኣፍሊጡ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነዚ ዘፍለጠ ብ22 ሓምለ 2024 ምስ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ህልዊ ኩነታት ህወሓት ብዝምልከት ብተሳተፍቲ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እዩ።

ኣብቲ ሰፊሕ መብርሂኡ፡ ቅድሚ ሕጂ ትግራይ ብደረጃ ኢትዮጵያ ምርጫ ተናዊሑ ክነሱ፡ ነቲ ምንዋሕ ኣይንቕበልን ብምባሎም ዘይሕጋዊ ምርጫ ብምክያዳ  ሽግር ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ሎሚ ግና ክድገም የብሉን ኢሉ። መራሕቲ ህወሓት በዚ ጀሚርዎ ዘለዉ መስርሕ ምምጋብ ከየማልኡ ናብ ጉባአ እንተኣትዮም እቲ ቀዳማይ ዝጉዳእ ከም ውድብ ህወሓት እያ፡ ድሕሪኡ ዝጉዳእ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ፡ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ዝጠቅም ኣይኮነን ኢሉ። ስለዚ ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳዶም ደጋጊሞ ይሕሰሉ ክብል ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣስታት 1030 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ካድራትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት 11 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣካይዶም፡ ዳርጋ ብናይ ርኢቶ ፍልልይ ከም  ዝዛዘሙ ሕያሎ ካብቶም ተሳተፍቲ ይገልጹ ኣለዉ።  ኣብ መወድእታ ኣኼባ፡ እቲ ካብቲ ሕጋዊ ግዜኡ 4 ዓመታት ከም ዝሓለፎ ዝንገረሉ መበል 14 ጉባአ ናይ ህወሓት  ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ክካየድ ብብዝሒ ድምጺ ወሲኑ። ናይ ህወሓት ኣባል ማእከላይ ኮሚተን ወሃቢ ቃልን ኣቶ ኣማኑኤል ኣስፋ ብወገኑ ድሕሪቲ ውሳነ ናይቲ ኣኼባ ምስ ልሳናት ናይቲ ውድብ ኣብ ዝግበሮ ርክብ፡ ጉባአ ንምክያድ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ፈቓድን ተዓዛብነትን ከይተጸበዩ ጉባአ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ። እዚ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሓውሲ መጠንቀቕታ ዘረባ ንከስምዕ ዝገደዶ እዚ ናይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣበሃህላ ምዃኑ ከኣ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ካብታ ውድብ እውን ኣኼባ ክካየድ ዘይድግፍ ወገን ከምዘሎ ይንገር እዩ።

እዚ ኣብ ርእሲቲ ናይ ራያ፡ ጸለምትን ወልቃይትን ወጥሪ ዝውስኽ ዘሎ፡ ብወገን ህወሓት “ከም ሓድሽ ምምዝጋብ ከየድለየኒ ዝነበረኒ ደረጃ ይመለሰለይ” ዝብል ሓሳብ ከተቕርብ እንከላ፡ ብወገን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ድማ “ተሰሪዝኩም ስለ ዝጸናሕኩም ከም ሓድሽ ዝተሓተትኩምዎ ቅድመ-ኩነት ኣማሊእኩም ኢኹም ትምዝገቡ” ዝብል ተጻራሪ ርኢቶ ስለ ዘለዎ እዩ። ከምቲ ቦርድ ምርጫ ዝብሎ ዘሎ እንተኮይኑ፡ ህወሓት  በይና ኮነ ከም ኣባል ኢህወደግ ዘጥረየቶ ንብረትን ገንዘብን ናይ ዘይምምላስ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል’ዩ።

Last modified on Wednesday, 24 July 2024 16:44