ቻርጅ ዲ ኣፈርስ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ኣብ 72 ሰዓታት ውጻእ ተባሂሉ

2024-07-26 10:40:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 373 times

ሓለፍቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ቻርጅ ዲ-ኣፈርስ ሱዳን ኣብ ኣስመራ፡ ካልድ ዓባስ ኣብ 72 ሰዓታት ለቒቑ ክወጽእ ከም ዝኣዘዙ ዝተፈላለያ ማዕከናት ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብምጥቃስ ምጽራይ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ፣ ብ24 ሓምለ 2024 ኣቃሊሐን ኣለዋ ። ናይቲ ቻርጅ ዲኣፈርስ   መስጐጒ ምኽንያት ብዝምልከት፡ ብሰፊሑ ዝተዘርዘ’ኳ እንተዘየለ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ ንሱዳን ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናይታ ሃገር “ክሳተፉ ኣገዲዳ” ዝብል ክሲ ከም ዝሰንዘሩ ተጠቒሱ።

እዚ ኩነታት ዘጋጥም ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ተመያየጡ፡ ቀጺሉ ድማ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ብዘጣጠሖ ባይታ፡ መራሕቲ ሱዳንን ኤመረትን ብተለፎን ተራኺቦም ምስ ተዘራረቡን “ብኣካል ክራኸቡ እዮም” ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ምስተሓበረን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሱዳናውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ምዝርራቦም እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ይግምትዎ ከም ዘለዉ ድማ፡ እተን ኣንጻር ጀነራል ኣልቡርሃን ምዃነን ክጥቀሳ ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ተመሊሰን ምስቲ ጀነራል ምቅርራበን፡ ነቲ ኣብ መንጎኡ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ዝነበረ ዝምድና ከም ዝቐየሮ ዝተረደ ዲክታተር ኢሳያስ በቲ ኩነታት ተቖጢዑ፡  እቲ ሱዳናዊ ቻርጅ ዲኣፈይርስ   ካብ ኣስመራ ንክወጽእ ምኽንያት ከም ዝኾነ ዝጥቀስ ዘሎ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በረራኡ ከቋርጽ ወሲና ኣላ። ነዚ ውሳነ ምቁራጽ በረራ ዝተኸታተለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ “ነናቶም ሒዞም ኢትዮጵያ ናይ ሓባርና እያ ኢሎም ዘዕገርግሩን ዝዘርጉ ኣካላት ኣለዉ’ሞ እዚ ተግባሮም ከቋርጹ ይግበኦም፡ እንተዘየቋረጹ ግና ኢትዮጵያ ድልውቲ ኣላ” ዝብል ሓሳብ ምሃቡ ብዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ዝቃላሕ ዘሎ እዩ።

Last modified on Friday, 26 July 2024 12:54