ኣብ ኢትዮጵያ ናጻ መጠን ሸርፊ ወጻእን ሳዕቤኑን

2024-08-03 18:30:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 326 times

ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ መጠን ሸርፊ ብር ምስ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ብናጻ ዝውሰን ንክኸውን ብ29 ሓምለ 2024 ኣዊጁ። እዚ ኣዋጅ ዝወጸ ብሓፈሻ ካብ ግዜ ምምሕዳር ኢህወደግ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን፡ ባንኪ ዓለምን ካለኦት ትካላት ገንዘብን  ከዋጥጥ ድሕሪ ምስንሑ ዝመጸ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኸትሎ ዝኽእል ቅልውላው ብምስጋእ እዚ ናይ ሽረፊ መጠን ካብ መንግስታዊ ምቁጽጻር ናጻ ንክገብሮ ቅሩብ ኣይነበረን። እንተኾነ ናይ ግድን ካብዞም ዓለም ለኻዊ ገንዘባዊ ትካላት ልቓሕ ስለ ዘድለዮ እሞ ነዚ ቅድመ ኩነት ከየማለኤ ልቓሕ ኮነ ሓገዝ ከምዘይወሃቦ ምስ ተነግሮ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ።

ድሕሪቲ ኣዋጃ ምውጽኡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ባንክ 57 ብር ዝሽረፍ ዝነበረ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ፡ ናብ 76.23 ብር ከም ዝደየበ፡ ኣብ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ናብ 90.60 ብር ከም ዝበረኸን እቲ ወሰኽ ኣብ መስርሕ ምድያብ ከም ዘሎን ብሉም በርግ/BLOOMBERG ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ኩነታት ናይ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ከመይ ደረጃ ምህላዉ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣብ ዶላር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ መዓልታት ክውስኽ እንከሎ ከኣ ብቐጻሊ ዝንህር ከም ዝኸውን ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት የመልክቱ ኣለዉ።

ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ብወገና ከም ዝገለጸቶ ድሕሪ እቲ ስጉምቲ ብብሄራዊ ባንክ ምውሳዱ እሞ ክትግበር ምጅማሩ ትካል ገንዘብ ዓለም/ IMF ኣብ 4ተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ንኢትዮጵያ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ብደረጃ ልቓሕን ሓገዝን ክወሃቦ እዩ ዝጽበ።

እዚ ኩነታት ዘስዓቦ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስግኣት ፈጥሩ ከም ዘሎን ኣብታ ሃገር  ዝመደበሮም ናይ ወጻኢ ትካላት፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኬንያ ደሓር ድማ ኣብ ናጀርያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ከም ዝሰግኡ ይገልጹ ኣለዉ።

መንግስቲኢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኽሰት ናህሪ ንምክልኻል ብዝብል ዝተሓተ ደሞዝ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ 300% ዝበጽሕ ወሰኽ ክገብርኳ እንተወሰነ እቲ ስግኣት ብኸምዚ ከምዘይፍታሕ ብዙሓት ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድም ጉንበት-7 ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ኢዘማ ተሰይሙ ብዶር ብርሃኑ ነጋ እናተመርሐ ምስ ብልጽግና ዝጸርሕ ዘሎ ሰልፊ ንውሳነ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ “ግዜኡ ዘይሓለወ” ብዝብል ብወግዒ ተቓዊምዎ።

Last modified on Saturday, 03 August 2024 20:43