ጋዜጣዊ መግለጺ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Thursday, 10 October 2024 21:53 Written by ፈጻሚ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራንምቛም ሓባራዊ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ቪስባደን ሃገር ጀርመን ካብ 5-8. 2024 ብኣካልን ዙምን ኣሳቲፉ ሰለስተ ውድባት፤ ሰደህኤ፣ ኤስሃግ፣ ደውዓቀባ ዝተኻየደ ዋዕላ፤ ብዓወት ተዛዚሙ። ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ቻርተራት ኣጻፊፉ ብምሉእ ድምጺ ዘጽደቖ መስርሕ ድሕሪ ምስታፍና። ኣብቲ ካብ 9-11 ነሓሰ ብሓባር ዘዳለዎ ድሙቕ ፈስቲቫል ‘ውን ድሕሪ ምስታፈ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ መሓዙትን መቃልስትን ምርኻበይ ዓብዩ ዕድል ነይሩ። ኣብዚ ከይተደረተ ብገለ ብጽሖታትውን ኣሰንየዮ።
ዕለት 24 ነሓሰ 2024 እዩ፣ ንስድራቤት መቓልስትና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንምድባስ ኣብ ከተማ ሮይትሊንገን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ጅምዕ ኣሕመድን ፍስሃየ ሓጎስን ኮይና ኣብ ገዝኦም ውዒልና። ምምጻእና ብኣጋጣሚ ዝፈልጡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብቤተ ሰብን መሓዙትን ሕርይቲ ተኪኤ፤ ዝተቐረበልና ሽሻይ እንዳተቛደስና ሓቢርና ከነዕልል ውዒልና።

ኣብቲ ውዕሎ እነፍቅሮ ብጻይና ተስፋማርያም ብህይወት’ኳ ኣይንበር እምበር፡ ብመንፈስ ግን ምሳና ነይሩ። ንሞያን ኣበርክቶን ጅግና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንናጽነትን ፍትሓውነትን ኤርትራ ዘበርከቶ ቃልሲ ብምዝካር በዓልቲ ቤቱ ተቓላሲት ሕርይትን ቤተ ሰብን ናይ ምጽንናዕ ቃል በብተራ ብምግላጽ ኣካፊልና። ሕርይቲ ብወገና፤ ካብ ርሑቕን ቀረባን ተጓዒዝኩም ንኽብሪ ተስፋማርያምን ንዓና ንምጽንናዕን ምሳና ምውዓልኩም፣ ሕሰም ኣይትርከቡ፣ ክብረት ይሃብኩም ብምባል ልባዊ ስምዒታ ገሊጻ። ንምሸቱ ምስጋና ይኹኖም ብሩኻት ኣሕዋት ብመኻይኖም ነናብ’ቲ ንሓድረሉ ስድራታት ኣብጺሖምና።

ኣብ ዕለት 25 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ቪስባደን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ፣ ፍስሃየን ጅምዕን ምስ ብዶክመንታሪ ናይ ታሪኽን ባህልን ሰናዲ ሓው ኣለምሰገድ ኣርኣያ ተራኺብና፣ ብዛዕባ ኩሉ ተኽእሎታት ናይ ሙዚቓ ዝተዓደሎ ህቡብ በሃር ገጣማይ፡ ሙዚቐኛን ደራፋይን ሓው ተወልደ ረዳ ዝምልከት ኣድናቖትናን ተዘክሮታትናን ብቪድዮ መልክዕ ሰኒዱ ኣሎ። ብዩትዩብ ሓቲሙ ክዝርግሖ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።
ድሕሪ’ዚ፡ ምስ ክቡር ሓው ተወልደ ረዳ ኣብ ስትድዮ ሓው ኣለምሰገድ ተራኺብና ኣብ ሰፊሕ ዕላል ኣቲና። ኣብ መጀመርያ 1965 "ሽገይ-ሃቡኒ" ካብ እትብል ሃገራዊ ናጽነት ዝጠለበት ኣባራባሪት ደርፉ ነቒልና ክሳብ’ቲ ናይ መጀመርያ ሰብዓታት ንብሉጻት ደረፍቲ ናይቲ እዋን’ቲ ዝተሳተፍዎ (ጸሃይቱ በራኺ፣ በረኸት መንግስትኣብ፣ በየነ ፍረ...ወዘተ) ኣወሃሂዱን መሪሑን ዘሕተምዎ ዲስክታት ኣመልኪትና ዘቕረብናሉ ሕቶታት ኣስፊሑ ገሊጹና። ካብቲ ዝገለጾ ንምጥቃስ፤ "ኣብቲ ጒጅለ ባህልና ጸሃይቱ በራኺ ንምስታፋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከይደ ኣምጺአያ። ክሳብ ዕማምና ነሳልጥ ኣብ ደሃብ ሆቴል ከተዕርፍ ኣእትየያ። ንዋና ሆቴል ወይዘሮ ደሃብ፤ ናይ መግባን መደቀሲኣን ሕሳብ ባዕለይ ክኸፍሎ እየ ምስ በልኩወን፣ ንዓይ’ውን ጋሻይ ስለ ዝዀነት ኣይክትኸፍልን ኢኻ በላኒ" ኢሉ ተዘክሮታቱን ናይ ኤርትራውያን ፍቕርን ልግስን ዘኪሩ አዕሊሉና።

ተወልደ ምስ ፍሉይ ክእለት ጊታሩ፣ ድሙቕ ድምጹን ዜማኡን ኣብ መድረኽ ደይቡ ክደርፍ ከሎ "ንጉስ ናይ መድረኽ king of stage" ዝብል ቅጽል ስም እዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብ ተራ ጊዜ ግን ከም ተራ ሰብ ምቕሉልን ሕዉስን ምንባሩ ገለ ካብኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ረኺቦሞ ስለ ዝነበሩ ተገንዝቦኦም ኣካፊሎም።

ኣብ ሃገር ሆላንድ ዝነብር ተወልደ፣ ኣብ ተሓኤ ተጋዲሉ ክሳብ ንኮረኮን- ታህዳይ፣ ሱዳን ብውዲታዊ ኲናት ተደፊእና ዝኣቶናሉ እዋን ዝነበረ ጽኑዕን ተባዕን ተቓላሳይ እዩ። ተዘክሮታቱን ገለጻታቱን ንጹር ምህላዉ ተዓዚብና፤ ዕድመን ጥዕናን ድማ ንምነየሉ።
ፍሳሃየ ሓጎስ
እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ዓለምና ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ቅልውላው እትውጠረሉ ዘላ እዩ። እቲ ብደረጃ ዓለም እናከፍአ ዝኸይድ ዘሎ ምንቁልቋል ቁጠባ፣ መርኣያ ናይቲ ቅልውላው ኮይኑ፡ በብኩርናዑ ዝላብዑ ዘለዉ ውግኣት’ውን፡ ዓለምና ሻቕሎታ መመሊሱ ንክዓርግ ዝድርኽ እዩ። እቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ሃስያኡ ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ንመነባብሮ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ይሕምሶ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ።
ኣብ መንጎ ሩስያን ዩኩረይንን፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ደገፍታን ኣብ መንጎ ኢራን እንተዕጥቖም፡ ሓማስ፡ ኢዝቡላህ፡ ሑቲን ካለኦትን ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ሰብኣውን ቁጠባውን ዕንወት ዘሰንብድ ኮይኑ፡ ኣብ ካለኦት ኩርነዓት ዓለም ዝረኣዩ ጐንጽታት እውን ኣብቲ ዝጀመርሉ ቦታታት ተደሪቶም ዝተርፉ ዘይኮኑ፡ ጽልዋኦም ብፍላይ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዘሕድሮ ምንቁልቋል ኣብ ህይወት ኩልና ዝበጽሕ ዘሎ’ዩ።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ስትራተጅያዊ ተደላይነት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤል መንደብን ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብዝካየድ ውግእን ዕግርግርን ተጸላዊ እዩ። ብሰንክ’ቲ እስራኤል ብመሻርኽታ እናተሓገዘት ኣንጻር ተቐናቐንታ ተካይዶ ዘላ ውግእ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዳይ ዝኾና ዘለዋ ናይ ንግዲ መራክብን ነዚ ምክልኻል ዝወፍር ዘሎ ሰብን ኣጽዋርን ምዕራባውያን ኣሕዲርዎ ዘሎ ተጽዕኖ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሃገራት ዞባና ድሕረተን፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ኣብ ሕድሕደን ዘሎ “ናይ መን ዓብለል” ምውጣጥን ዘይርጡብ ዝምድናን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ምሕደራአን ከኣ ኣብ ሓይልን ምልክን ዝተሰረት እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ዞባና ኣንጠልጢሉ ዘሎ እንታይ ከም ዝዘንብ ዘይፍለጥ ደበና መሊሱ ዘኽብዶ እዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ህግደፍ ደኣ ከመላኽዖ ይፈትን እምበር፡ ዕድመ ልክዑ ብሓይሊ ዝገዝእን ሕድሪ ህዝቢ ዝጠለመን ምዃኑ ርኡይ ስለ ዝኾነ፡ ዝኽሕዶ ኣካል ዘሎ ኣይመስለናን። ምኽንያት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብምዝርዛር እዝኒ ብዙሓት ዘጽመመ ስለ ዝኾነ። ክሳብ ሎሚ “ ውሽጡ እናሓረረ ስቕ” መሪጹ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ጽባሕ ትዕግስቱ ወዲኡ ኣንጻርቲ ጉጅለ ከም ዝግንፍል ውሁብ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ብሓያል ደማዊ ውግእን ምጭዋይ ዜጋታትን እያ ትሕቆን ኣላ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ድማ ድምጺ ጥይት’ኳ እንተሃድአ፡ ኣብ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ኣይበጸሐን። እቲ ብሓፈሻ ክልል ትግራይ ብፍላይ ከኣ ህወሓት ኣብ ገዛእ ርእሳ ትሕመሶ ዘላ፡ ንማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዘቕስኖ’ ኣይኮነን። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግዝይኡ ንዝጥቀመሉ ካብ ምግዳዱ ዓዲ ዝውዕል ኣይውዕል ዝብል ግምት ኣሎ። እቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ መጻኢኡ ንምግማቱ ዘጸግም ሓደገኛ ምክፍፋል ሳዕብየኑ ኣብቲ ክልል ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝተኾልፈ ተናኻሲ ባህርያት ህግደፍ ተወሲኽዎ ናብ ሃገርና ከይላባዕ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።
ኣብ ሱዳን ካላኣይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልተ ዘይሓላፍነታውያን ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ውግእ ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ክንድዚ’ዩ ኢልካ ምጥቃሱ ዘጸግም’ዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ብሕብረተሰብ ዓለም ዳርጋ ተርሲዑ፡ መጻኢ ተስፋ ሱዳናውያን ጸልማት ኣብ ዝኾነሉ እዩ ዝርከብ። በሰንክዚ ውግእ ኣደዳ ስደትን ምምዝባልን ኮይኖም ዘለዉ ሱዳናውያንን ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሚልዮናት እዮም።
ሶማል ልዕሊ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ኣልሸባብ ኮይና፡ ብሓገዝ ብሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተመደበ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት እያ ትሕለው ዘላ። ብዘይካዚ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሶማሊያ መቃድሾ ዘሎ መንግስትን ንሶማሊያ ዘቖማ ክፍሊ ምምሕዳራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ላዕልን ታሕትን እትብል ዘላ ሶማሊላንድን ዘሎ ፍልልይ ዝሕምሳ ዘሎ እያ።
ኩነታት እታ “ናብ ምርጫ እጐዓዝ ኣለኹ” እትብል ደቡብ ሱዳን ካብተን ካለኦት ጐረባብታ ሃገራት ብዘይፍለ ብዓሌታዊ ምፍሕፋሕ፡ ምምሕዳራዊ ሕመቕን ቁጠባዊ ምጥፍፋእ ላዕለዎት ሓለፍታን ኣብ ስግኣት ዘላ እያ።
ነዚ ኩሉ ደሚርካ መብዛሕትኣን ሃገራት ዞባና ብዝተፈላለየ ቅልጣፈ ናብ ደረጃ “ውድቕቲ ሃገር ዘምርሓ ዘለዋ እየን” ዝብል ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን’ዩ። እተን ሃገራት ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፈን ዘቤታዊ ዋኒን ዘለወን ድሕረት፡ ኣብ ሕድሕደን’ውን ምርድዳእ የብለንን። ኣሰላልፈኣን ከኣ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ወይ ተታሓሒዝካ ምውዳቕ እምበር፡ ሓላፍነታዊ ናይ ምትሕግጋዝን ሓቢርካ ምዕባይን ኣይኮነን።
ብመንጽርዚ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሶማሊያን ግብጽን ሓቢረን ኣንጻር ኢትዮጵያ ተሰሊፈን ክሳብ ወተሃደራዊ ምጥምማት በጺሐን ኣለዋ። ኣንጻር ኢትዮጵያ ንክሓብራ ነናተን ምኽንያት ኣለወን። ናይ ሶማል ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስላፍ ቀንዲ ምኽንያት፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ሓንቲ ካብ ክፍልታት ሶማሊያ ዝኾነት ሶማሊላንድን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዘይኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ መቃድሾ መረዳድኢ ሰነድ ምኽታሙ እሞ ሶማልያ “ልኡላውነተይ ተደፊሩ” ዝብል ቁጥዐ ስለ ዝሓደራ እዩ። ብሰንክዚ ከኣ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ከይከውን ወሲና ተውጸኦም ኣላ።
ግብጺ ድማ “ኢትዮጵያ ዝጸንሐ መግዛእታዊ ውዕል ጥሒሳ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ሃኒጻ ናባይ ካብ ዝውሕዝ ማይ ብምንካይ ጎረሮይ ሓኒቓ ኣብ ሓደጋ ከተውድቐኒ ወጢና” ብዝብል ውህሉል ቂምን ቁጠዐን ስለ ዝጸንሓ እያ።
ጉጅለ ህግደፍ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ዘይተጸንዐን ህውሓት ንምጥፋእ ዝዓለመን ዝምድና ስለ ዝላሕለሐ፡ ድምጺ ኣጥፊኡ ምስ ሶማሊያን ግብጽን ወጊኑ ኣሎ። ብዘይካዚ ምስ ናይ ኣምሓራ ፋኖ “ኣለዎ ዝባሃል ምትሕግጋዝ” ተወሲኽዎ፡ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መንገዲ ኣየር በረራ ክሳብ ምቁራጽ በጺሀነኦ ዘለዋ ደሚርካ ሓደ መርኣያ ምርሕሓቐን ጌርካ ዝውሰድ እዩ።
ኣብ ርእሲቲ ናይ ዞባና ሃገራት ውሽጣዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ኣጸጋሚ፡ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ዝምድና ድማ ዝተተፋነነ ምዃኑ፡ ኣብዚ ዞባና ናይ ርሑቕ ሓይልትታ ኣእዳው እውን ነዊሕ እዩ። ኢትዮጵያን ሶማልያን ከተትዓርቕ ፈቲና ዘይሰለጣ ቱርኪ፡ ኣብ ሶማሊያ መደበራት ሓይሊ ምድርን ባሕርን ከፊታ ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣላ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሶማሊያ መደበር መፈተኒ ኑክሌር ክትከፍት እያ ዝብል ሓበሬታ’ሎ። ኣብ መንጎ ቱርክን ግብጽን ንነዊሕ ግዜ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኣብዚ እዋንዚ ይመሓየሽ ምህላዉ ከኣ፡ ኣብ ምቅርራብ ናይቲ ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፍ ዘሎ ሓይልታት ግደ ክህልዎ እዩ።
ሩሲያ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ፡ ኣብ ሱዳን ከባቢ ሰዋኪን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህናጽ መደብ ኣለዋ። ብዘይካዚ ሞስኮ ምስቲ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ምስኣ ዝተሰለፈቶ፡ ኤርትራ ንምትብባዕ “ውጥም ቅልቅል” ትብል ኣላ። ካብ ባሕሪ ኤርትራ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ዘሎ ጻዕቂ መራክብ ውግእ ምዕራባውያን ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ሩሲያ፡ ቻይና፡ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ህንድን ሕብረት ኤውሮጳን ዝኣመሰላ “ዓቕምን ጽልዋን ኣለና” በሃልቲ ሃገራትን ዞባዊ ትካላትን ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዘን ይንቀሳቐሳ ምህላወን ኣብተን ሃገራት ኢድካ ናይ ምእታው ተልእኮ ከም ዝህልወን ዘመልክት እዩ። እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ናብ ዋሽንግተን፡ ሞስኮን በጂንግን እናጸዋዕካ ዝካየድ ዋዕላታት እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረኣይ ኣይኮነን።
ስለዚ እቲ ኣብ ዞባና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ከም ህግደፍ ንዝኣመሰሉ ካብ ዘቤታዊ ህዝባዊ ኣጀንዳ ዝሃድሙ መሕብኢ በዓቲ ፈጢሩ ዕድመኦም ስለ ዘናውሓሎም ሓደገኛ እዩ። እዚ ኩሉ ሕልኽልኻት ኣብ ዝምዕብለሉ ከባቢ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣማዕዲኻ ኣብ ምርኣይ ከይተወሰነ፡ ልኡላዊ ክብሪ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምዕቃብ ተቐራሪቡ እጃሙ ዘይምርካቱ ተወሳኺ ሓደጋ ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ናይ ክረምቲ ጸልማትን ደልሃመትን ሓሊፉ፡ ናብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መቐይሮ (ናይ ግእዝ ሓድሽ ዓመት)ን ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና። መጻኢና ጸላኢና ስዒርና ዝተረሓሓቐ ህዝብና ተቐራሪቡ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ርግኣትን እነረጋግጸሉ ክኾነልና ብስም መላእ ኣባላት ሰልፊ ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ።
ምስ ኣኽብሮት
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
11 መስከረም 2024
ኣብ 1948 ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተማህረን፡ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ ዑስማን ዓብደርሒም፡ “ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ስደት ዓሪፉ” ዝብል ዜና ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንና። ዑስማን ካብቶም ኣብ ሱሳታት ኣሰር በዓል ኣልኣሚን ዓብደላጢፉ ተኸቲሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደርፊ ዝጀመረን ካብቶም ኣብቲ እዋንቲ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮም ደረፍቲ ሓደ ኮይኑ፡ በተን፡
“ፍልስፍና ገድሊ ምግስጋስ ስምረት እዩ መባእታ፡ ምፍንጫል ይወገድ ንኹን ሓደ ዋልታ። ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥቓ ደንደስ ባሕሪ፡ ሎሚ ተዘኪሩኒ ዘሕለፍኩዎ ፍቕሪ። ኣብ ገዛና ዘሉኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ፡ ሕጅስ ንዑ ውጹ መጺኦም እዮም ስድራይ። ኣብዛ ዓለም ኣላይተይ፡ ኣደይ’ያ ወላዲተይ። ዓቕሊ ጽበት ኮይኑኒ ኣይከኣልኩን ንበይነይ። ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ ተሳቐኹ ዋይ ኣነ። ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ። ጸላም ብሮት ዘላታ ኣብ ምዕጉርታ።” ብዝብሉን ካለኦት ሰሚዕካዮም ዘይምነዉን ዜማታቱ ዝፍለጥ ክኢላ ነይሩ።
መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ እናበሉ ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
8 መስከረም 2024
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ጉዕዞ ገደብ ናብ ኣሜሪካ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብርን ቀረጽን ምኽንያት ብምግባር ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ጽጉማት ኣካላት ቀልጢፉ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ሰባት እንተላይ ዝተወሰነ ከም ዝኾነ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ ዋጋ ነዳድን መጐዓዝያን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቲ ነዳዲ ስለ ዝሓዝዎ፡ ኣብ ረዲአት ናብ ጽጉማት ምብጻሕ ዕንቅፋት ይፍጠር ኣሎ ክብል ከሲሱ። ምስዚ ብዝተትሓሓዘ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዋጋ ትራንስፖርትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአትን ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት ቅልጡፍ መእረምታ ንክገብር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማቴው ሚለር ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተኻየዳ ውግእ ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝረኣየለን ሃገራት ዓለም ኮይና ከም ዘላ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።
እቲ ወሃቢ ቃል ኣተሓሒዙ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ክበጽሕ ዘለዎ ናይ ምትግባር ዓቕምን በቲ ኣብ 2018 ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም ክምእዘዝ ዘለዎ ቅሩብነትን ኣዛራቢ ምዃኑ ጠቒሱ።
ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና
ርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም 2024 ኣብ ከተማ በኪንግ ከም ዝካየድ ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ዚኣዶንግ ንናይ ሃገሮምን ወጻኢን መድያታት ብዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም።
ኣብዚ ርክብ ሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እናተመርሑ ከም ዝሳተፉ እቶም ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣፍሊጦም። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ርክብ ፕረዚደንት ቻይና ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን መደረኦም ኣብ መጻኢ ዝምድና ኣፍሪቃን ቻይናን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር ዕቤትን ኣተገባብርኡን ክጠቕሱ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣፍሊጦም።
ኣብዚ “ዘመናውነት ኣብ ምዕባይን ምህናጽ ማሕበረ-ሰብ ኣፍሪቃን ቻይናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ዝካየድ ርክብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ከም ዝሳተፉን ዝተፈላለያ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፈን ከም ዝዕዘባን እውን ተፈሊጡ። እዚ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ብ2006 ኣብ በኪንግ፡ ብ2015 ኣብ ጆሃንስ በርግን ብ2018 ድማ ኣብ በጂንግ ዝተኻየደ ርክባት ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቶም ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ቻይና፡ ፕረሲደንት ሃገሮም ክሳብ ሎሚ 5 ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝበጽሑ ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ንቻይና ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ኩበዖ እዩ ኢሎም፡ ኣብ መወዳእታ’ቲ ርክብ ናይ ሓባር መግለጽን ናይ ተግባር መምርሕን ክወጹ ትጽቢት ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ጀነራል ኣልቡርሃንን ካብቶም ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።
ዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ ብጻይ ገብረዝጊሄር ተወልደ !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታትን ኣባላትን ፖ ሓ ኤ ፡
ዝከበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ፡
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ፈስቲቫል ኤትርራ 2024 እንሆ ጽቡቅ ዕድልን ዓቢ ብስራት ረኺብና ጊዜኡ ኣኺሉን እቲ ናይ ንግሆ ሕልምን ጠለብን ህዝብና ዝኾነን ዘሎን ሓድነት ፖሊትካውያን ሓይልታት ኤርትራ እምነ መሰረት ሓድነት ኣቀሚጡ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ሰጉሙ ሓደ መሪሕነት ኣቂሙ ንኩሉ ዝሓቁፍ ጽላል ኣብ ሓጺር ጊዜ ክምስረት ብሓባር ከቃልሱና ብምስምማዖም እንቃዕ ደስ በለና እናበአልኩ ብስም ኣሳናዳኢት ሽማገለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ሙዉቅ ናይ ቃልሲ ሰላምታን ናፍቆትን የቅርበልኩም-። ደጊመ
መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ፖ. ሓ. ኤ. እንቃዕ ደስ በለኩም ደስ በለና !!!! ዮሃና ዮሃና ዕዉት ታሪኻዊ ዋዕላ ፡ መርሓባ ሓዳስ ሓባራዊት መሪሕነት ፡ መርሓባ ሓዲሽ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ ብጻይ ገብረእግዚኣቢሔር ተዎልደ !!! ብልቢ እየ ዘፍቅረኩም ኣጀና ኣጆኹም !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል ፡
በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ብሓድነት ንሓርነት !!! ዝብል ቅኑዕን ልክዕን ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ጽንኩር ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብዉልቀ መላኺ ኣረሚን ስርዓት ዝወርዶ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ኣኽቲሙን ተኣልዩን ሓርነት ንምልባስ ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ንምቅራብ እዩ ።
ጽቡቅ ዕድልን ተስፋ ዝህብን እቲ እንምነዮን ትጽቢት ዉጹዕ ህዝብናን ዝኾነ ምውህሃድ ፖሊቲካ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ተሳማሚዖም ብምስማዕና ድርብ ዮናን ዮሃና ንብል።
እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተሓኤ መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ ኮይኑ ሎሚ እንሆ መበል 38 ዓመትና ኮይኑ ፥ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ከኣ ነምስግናም።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታት ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ተሳተፊቲ በዓልናን !!!
እወ እንሆ ዕዉት ዋዕላን ኣካይድና ዝሙገስ እካ እንተኾነ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት ኣቦ መንበር ኮይኑ ፈስቲቫላትና ዝመርሕ ዝነበረ ዉፍይ ስዉእ ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣፋኒና ንኽብሪ ናይሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ደቂቅ ብመዝሙር ስዉኣት ንዘክሮ። ቅድሚኡ እውን ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ክሳብ መስዋእቱ ብጥዑም ድምጺ ሳክሰፎን ክራር በዓላትና ክኸፍተልና ዝለምድናዮሓውና ኣለም ኣሰፋው ዕንባባ ፡ ሓውና እዮብ ሃይለ ሓውና ሃይለ ኣብ ዉራይና ዘይፍለዩ ዝነበሩ ዉፉያት ፡ ብጻይና ኣረፋይነ እስቱፋኖስ ፡ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ፡ ብጻይ ፍርሓ ገረማርያን ሓወቦይ፡ ብጻይ ኣልኣዛር ቀለተ ፡ ሕጂ ምጽብጻቦም ስለ ዘጸግም ሓያሎ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ መቃልስቲ እውን ዝኸሰርናዮ ኣሎዉና ። ነቲ ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ዕላማ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል ካብዚ መድረኽ እዚ መንግስተሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና ኣናኣማሓላለፍና ፡ ቅሰኑ ይብል። ብሕማምን ዕድመ ናይ ምድፋእን ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ዉፉያት ኣብ ዘሎዉዎ ኮይኖም ዝካታተሉና ብጾትን እውን ኣሎዉና ፍሉይ ሰላምታ ብስምኩም ይብጽሓዮም።
ክቡራትን ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳተፍቲ ሓባርዊ ፈስቲቫል 2024 ፡
ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየ እናሰምዔ እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነትብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም ክሳብ ሕጂ ትም፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ኣይከሰርናን ፡ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 33 ዓመታት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ዓገብ ዘይምባሉ ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ? ? ?
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-
ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ፡ ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 33 ዓመት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና ፡ እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኢድ ኮና ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ? ኣሕዋት ኣባላት ይኣክልን ብርገድ ብሓመዱን ብዘይ ዉዓል ሕደር ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስማር ሓባራዊ ግንባር ኣቁምኩም ብቅልጡፍ ንህግደፍ ምልጋስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ ኣሎ !!!
ሕጂ እውን
ብሓድነት ንሓርነት !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!
ውድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ።
ፍራንክፎ ርት 10 08 2024