ብምኽንያት ዝኽሪ ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ዓድታት ዖናን በስክዲራን ውድባዊ መግለጺ ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ ታሕሳስ 2023
Wednesday, 13 December 2023 09:51 Written by ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራመግዛእታዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ “ኤርትራ፣ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ካብ ዝብል ጭርሖ ተበጊሱ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ይኹን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርትን ቅንጸላን ገይርዎም ኢዩ።
ብ1967 ዓ.ም ድማ “ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንጻፍ” ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲታቱ ተበጊሱ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ፡ ኣብ ደንበታትን ንኣሽቱ ቁሸታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ወተሃደራቱ ዝቆጻጸርዎም ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ክግዕዙ ዘገድድ ውሳኔ ኣሕለፈ። ካብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን ኣብ ኣከለጉዛይን ሰንሒትን ዝርከባ ዓድታት ከቃጽልን ክቐትልን ጀመረ። ገለ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተቓጸላን ህዝበን ድማ ግዳይ ናይ ቅትለት፡ ምፍንቃልን ስደትን ዝዀና ዓድታት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓድ’እብራሂም፡ ዓድ ኩኩይ፡ ተኾምብያ፡ ምስያም፡ ሃዘሞ፡ ሶይራ፡ ዓይለት፡ ኣኽዋር፡ ገምሆት፡ ሕርጊጎ፡ ጀንገሬን፡ ሓልሓል፡ ፋና . . .ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ግፍዕታት’ዚ ብ1967 ዓ.ም ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሑዳት እንተዘይኰይኖም እቶም ዝበዝሑ ናብ ዓዶም ኣይተመልሱን።
ነዚ ናይ ዓድታት ምቅጻልን ህዝቢ ምጽናትን ዝከታተላ ዝነበራ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ካብ ኣስመራ ናብ ከረን ዝወስድ ጽርግያ ኣድብየን ብምጽናሕ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንህዝቢ ንምብስባስ ንጀነራል ተሾመ እርገቱ ኣሰንዩ ዝወፍር ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ባልዋ ዝተባህለ ቦታ፡ ዕዉት በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣደዳ ሞትን ቁሱላትን ገበርኦ። ጀነራል ተሾመ እርገቱ እውን ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ኢዩ ተቐቲሉ።
መግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ሕነ ናይ’ዚ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ንምፍዳይ ካብ 30 ሕዳር ክሳብ ታሕሳስ 1970 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ከረን ዝርከባ ብዙሓት ዓድታት ኣረሜናዊ ናይ ምቅጻልን ምቕታልን ተግባራት ኣካየደ። በዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዝያዳ ዝተጐድኣ ድማ፡ እተን ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣዝየን ዕሙራት ዝነበራ ዓድታት ብስክዲራን ዖናን ኢየን።
ብ1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም ሰራዊት ጸላኢ ነቶም ኣብ ዖና ተኣኪቦም ዝነበሩ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ እንተላይ ካብ ብስክዲራ ዝመጹ ተቐማጦ ዝርከብዎም ኣኪቡ ኣስላም ዲኹም ክርስትያን ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ብሃይማኖት ክፈላልዮም ፈቲኑ። ህዝቢ ግን፡ ኣስላምን ክርስትያንን ኢና ዝብል መልሲ ብምሃብ ነቲ ሸርሒታቶም ነጸጎ። ብድሕር’ዚ፡ እሞ እቶም ኣስላም ኣብ መስጊድ እተዉ እቶም ክርስትያን ድማ ኣብ’ዚ ተኣከቡ ዝብል ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፍሎም፥ ህዝቢ ብሓደ ንመውት ወይ ድማ ብሓደ ንነብር ድኣ’ምበር ኣይንፈላለን ኢና ዝብል መልሲ ምስ ሃቦም፥ ንኹሎም ኣብ’ታ መስጊድ ኣእትዮም ብመሳዂትን ብማዕጾን ጠያይቲ ብምዝናብ ልዕሊ 900 ዝኸውን ቆልዓ ሰበይቲ፡ ኣወዳት ኣዋልድ፡ መንእሰይ ሽማግለ ከይበሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ኣህለቑዎም።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምቛም ናይ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እናበሰረ፥ ነቲ ኣብ ዖናን ብስክዲራን ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን፥ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልዑላውነትን ቅዋማውን ሕጋውን ምሕደራን ንምጥጣዕ ክውዕል ብጽንዓት ክቃለስ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ከረጋግጸሎም ይፈቱ።
ከምኡ’ውን፡ ብምኽንያት መበል 53 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ዖናን ብስክዲራን ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ መንግስተ-ሰማይ ክዋርሶም እናተመነና፥ እቶም ካብ ሃገሮም ርሒቖም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ምቹእ ባይታ ንምፍጣር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።
ነዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን ደመና ንምዝራው ድማ፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንሰርሕ ጻውዒትና ነቕርብ።
ሰላምን ፍትሕን ይንገስ!!
ዓመጽን ውግእን ምልክን የልግስ!!
ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ /ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ/
8 ታሕሳስ 2023
መግለጺ መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ በሃር ስነ ጥበባዊ ኢዮብ ሃይለ
Saturday, 09 December 2023 21:33 Written by ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራሰነ-ጥበባዊ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኢዮብ ሃይለ ረዳ፡ ብ7 ታሕሳስ 2023 ኣብ ጀርመን ዓሪፉ ዝብል ዘሰንብድ ዜና ብኣዝዩ ዓሚቕ ሓዘን ሰሚዕናዮ።
ኢዮብ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ ብሞያኡ ሰራዊትን ህዝብን ኣብ ምልዕዓልን ፍቕሪ ሃገር ኣብ ምስራጽን ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ኣወፍ እዩ። ኢዮብ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ብዝለዓለ ወነን ፍቕሪ ሃገርን ብዘዜሞም “ሓላው ሃገር ናይ ጸላኢ ጋሻ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ጀብሃዊ መሊሻ፡ ወያ ተፈታዊት ሃገረይ ኤርትራ ክስወኣላ እየ ንኽትወጽእ ሓራ፡ መን እዩ መቓልስተይ ንግዝያኡ ጥራሕ፡ መን ከእዩ ብጻየይ ብመትከል ዝምራሕ፡ ምልክት ናይ ቃልሲ ሰነድ ሰውራ፡ ውጉኣት ሓርነት ሰላም ብሓበራ …… ውዘተ” ብዝብሉ መሰጥትን ማሃርትን መዛምሩ ዘይርሳዕ ኣሰር ዘንበረ ሓርበኛ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።
ስነ-ጥበባዊ ኢዮም ሃይለ ድሕሪ ናጽነት ይካየድ ኣብ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ እውን፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፈስቲቫላት ኤርትራ ካስልን ፍራንክፎርትን ንሞያኡ ዝኮነ ይኹን ውዕለት ከይደለየሉ ብተወፋይነት ክሳተፍ ዝጸንሐን ግዲኡ ዘበርከተን ውፉይ ነይሩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እንዳገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ሓርበኛ ኢዮብ ሃይለ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብ ይብል
ገርዝግሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
8 ታሕሳስ 2023
ብዕለት 18.11.2023 ኣብ ኣዳራሽ ዛልባው ግሪስሃይም ከተማ ፍራንክፎርት ከምቲ ልሙድ እተን ንነዊሕ ዓመታት ነቶም ኣካለን ዝኾኑ ኣብ ከሰላ ዝነብሩ ጽጉማት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ከይተሓለላ ዝጽዕታ ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማትን ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ዉጉኣት ሓርነት ንምሕጋዝ ዝተዳለወ ናይ ድራር ምስዮት፣ ከም ወትሩ ብዕዉት ልግሲ ተሳተፍቲ እዩ ተዛዚሙ።
እዚ ቅዱስ ተግባር ዘሰነዮ ምስዮት‘ዚ፣ ብናይ እንቛዕ ዳሓን መጻእኩምን መጻእክንን ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ጀርመን ተኸፊቱ። ብዛዕባ ህሉው ኲነተት ኣባላት ውጉኣት ሓርነትን ጽጉማንን መደበር ከሰላን፣ ምዕብልና ማሕበርን ሓጺር ሓበሬታ ንተኣተፍቲ ናይቲ ምስዮት ድማ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ሓው መዓሾ ኣስራት ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር በቲ ኩሉ ጊዜ ከይሰልከዩን ደኺምና ከይበላን ነዚ ማሕበር ኣብ ምሕብሃብን ምጥዋርን ዘለዉ/ዋ ግዱሳት ዕዱማት ኤርትራውያን ብብምስጋን፣ ኣስዒቡ ሓውና ዓንደጼን ግርማይ ብጥዕና ምኽንያት ክሳተፍ ብዘይምኣሉ፡ ነተን ነቲ ምስዮት ዘዳልዋ ዘለዋ ዘይሕለላ ጽኑዓት ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቦ ምስጋናን ብመንፈስን ብተግባርን ኣብቲ ምድላው ከምዘለኹ ሓብሩለይ ክብል ዘማሓላለፎ መልእኽቲ ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳዕ 22፡00 ዘሎ ሰዓትታት ዝተኻየደ ምስዮት‘ዚ፣ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ሓዘል ዋዛ ምስ ቁምነገር ብምቕራብ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘሰነዮ ዝተቐረበ ሽሻይ ዓቢ ድምቀት ሂብዎ ኣምስዩ።
ድሕሪ‘ዚ ተሳተፍቲ ከም ወትሩ፣ ነቲ ተገዲሶም ንምዕዋቱ ዝመጽዎ ቅዱስ ዕላማ ንምትግባር፣ ብልቢ ዝምስገንን ብርኩትን ኣስተዋጽኦኦም ክሳብ €1.713.66 (ሓደ ሽሕን ሸውዓተ ሚእቲን ዓሰርተው ሰለስተ ኤውሮን ሱሳን ሹዱሽተን ሳንትን) ኣታዊ ተገይሩ፡ ኣብ መደበር ጽጉማት ዝነብሩ ኤርትራውያን ተዓንጊሎም ከምዝሓድሩ ገይሮም።
ተሳተፍቲ ምስዮት፡ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እቲ ዕማም ንኽምዕብ ኣብ መጻኢ ብተገዳስነት ንኽሰርሓሉ ኣገዳስን ሃናጽን ምኽርን ለበዋን ብምሃብ እቲ ልግዚ ዝመልኦ ቅዱስ ምስዮት ተዛዚሙ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድራር ምስዮት፣ ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይካተን ናይ ኮሮና ተላባዒ ሕማም ዓመታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እንዳተዳለወ ብዘይምሕላላ ዝካየድ ዘሎ ሓልዮት ዝመልኦ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ድማ ይግባእ።
ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ
ጨንፈር ሃገረ ጀርመን
ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋን ዝወሰዶ ግዜን ረዚንን ነዊሕን እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ነቲ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞን ዝተጓዕዘን ከኣ፡ ብዓብይኡ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ፖለቲካዊ ውድባቱ እውን ነናተን መሪሕ ብጽሒት ነይርወን እዩ።
ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻሊ ሓለዋ እውን ዘድልዮ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ ግደ ሰራዊት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ መሰረታዊ ሓላፍነት ሰራዊት ከምዚ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና፡ ዝቆጻጸር ሕገመንስታዊ ቀጥዒ ዘየብሉ፡ ኣብ ዘይጉዳይካ እናኣተኻ ምድኻር ዘይኮነ፡ ቅዋም ብዘሰክሞ ሓላፍነት ህዝብን ዶባትን ምሕላው እዩ ክኸውን ነይርዎ። እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ኣብ ዝምጥን ብራኸ የለን።
ንጉዳይ ልኡላውነት ክሳብ ክንድዚ ዕዙዝ ቆላሕታ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ብዘይብእኡ ህላወ ሃገርን ህዝብን ስለ ዘየለን፡ ናይ ኩሉ ህንጸት ህዝባዊ ስርዓት፡ ምስፋን ሰላምን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤትን መሰረት ስለ ዝኾነ እዩ። ምሕላው ልኡላውነት ክበሃል እንከሎ፡ ምዕቃብ ሩባታት፡ ጎበታት፡ ጐላጉልን ባሕርን ጥራይ ማለት ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ልኡላውነት ምርግጋጽን ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ማለት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እዚ ማለት ልኡላዊት ሃገር ብዘይልኡላዊ ህዝቢ፡ ልኡላዊ ህዝቢ ድማ ብዘይልኡላዊት ሃገር ትርጉም ዘየብሎም ምዃኖም ምንጻር እዩ።
ህግደፍ ብጉዳይ ምዕቃብ ልኡላውነት ዝግደስ መሲሉ ብምቕራብ እዩ ዘጉባዕብዕ። ነዚ ዝመርጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ከም መንግስቲ ክዓሞ ዝግበኦ ዝነበሮ ህዝባዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳታት ካብ ምዕማም መህደምን መሕብእን ንክኾኖ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ”ዶብና ከይተጠረረ” ዝብል ሸፈጥ ብምድግጋም ክሳብ ክንደይ ንኹለ መዳያዊ ምንቅስቓስን ህዝባዊ ጠለባትን ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝጸንሐ ርኡይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ቀንዲ ዓቃቢ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም እንኮ ተገዳሲ፡ ተሓላቕን ሓላውን መሲሉ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ተንኮል፡ ዘይግበኦ ምስሊ ናይ ምጽብባቕ ሸፋጢ ጉርሒ ምንባሩ ሎሚ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብካለኦት ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተሉ ኣካላት እውን ዝተቓለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።
ህግደፍ ካብዚ ግጉይ መደምደምታ ስለ ዝነቅል እዩ፣ ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንዝቃወሙን ዝቃለስዎ ዘለዉን ኤርትራዊ ወገናት፡ ሰማዒ እዝኒ ደኣ ኣይረኸበን እምበር፡ ናቱ ኣቐሚጡ፡“ጸረ ልኡላውነት ሃገር፡ ከዳዓትን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ልኡኻትን” ኣምሲሉ ክገልጾም ዝፍትን። ብግብሪ ግና ብሓፈሻ እቲ ብናይ ሓደ ሰብ ሳንቡእ ዘስተንፍስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ መራሒኡ ሕሉፍ ዲክተተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ልኡላውነት ዝዕቅብ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ዓው ኢሉ ኣብ ኣደባባያት ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ ክምድር፡ ተሓቢኡ ክወዓዓልን ክመጻደቕን ዝጸንሐ ጠላም ምዃኑ ንኹሉ ኣብ ዝበርሃሉ እዋን ኢና ዘለና።
ኣብዚ በበቲ እንኣምነሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ተወዲብና ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ ምስ ገሊኦም ባዕልና ንፈጥሮም፣ ገሊኦም ድማ ካብ ድሌትና ወጻኢ ዝፍጠሩ ዛዕባታት ኢና እንዋሳእ ዘለና። እቲ ቀዳምነት እንህቦ መሰረታውን ቀጻልን ኣጀንዳና “ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ” ኮይኑ፡ ነዚ ከነዕውት ዝሕግዙና ከም “ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ” ዝኣመሰሉ ኣጀንዳታት እውን ይጽንሑልና ዘይንብሎም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ሃገርናን ህዝብናን ብኸመይ እዮም ክመሓደሩ” ዝብል እውን ግቡእ መስርዑ ኣትሒዝና እነሰጉሞን ደሓር ብህዝቢ ኤርትራ ዝውሰንን ረዚን ዛዕባ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ከኣ ብፍላይ ምስቲ ሎሚ ተባራዒ ኮይኑ፡ በብግዜኡ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ርሑቕን ቀረባን ትንዕምንዕ ቀዋሚ ቆላሕታ ዘይንነፍጎ መሰረታዊ ኣጀንዳና ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ነቲ ህግደፍ ከካይዶ ዝጸንሐ ንልኡላውነት ኤርትራ ግቡእ ክብደት ዘይህብን ዘይእርኑብን ምንቅስቓስ ተኸቲሉ፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ዝደናደን ህበቡላ ብቐጻሊ ይነፍስ ኣሎ። ምስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታትን ኣኼባታት ትካላት መንግስቱን ብብዙሕ መምዘንታት ክረአ እንከሎ፡ ዘይዛመድ ተረኽቦታት እናገጣጠመን ንታሪኻዊ ሓበሬታ ኣብ ዘይቦታኡ እናጠቓቐሰን፡ ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕን ዘይሓላፍነታውን ጐስጓስ፡ “ልኡላውነትና ውሑስ እዩ፡ ኣብይ ኣበይ ከይበጽሕ” ኢልካ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ዓለም ናይ ሓያልን ዓመጸኛን ከም እትኸውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣተኩሮ ክንህቦ ኣብ እንግደደሉ ኢና ዘለና። እንተ እቲ ትማሊ ልኡላውነት ዩክረይን ብሩሲያ ክገሃስ እንከሎ ካብ ኣፍሪቃ በይኑ፡ ካብ ዓለም ድማ 5ይ ርእሱ ወራር ዝደገፈ ህግደፍ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ክምጉት ዘብቀዖ ሞራል የብሉን። በመንጽር’ዚ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብሓባር፡ “ቀዳምነትና ምውጋድ ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነት እንህቦ ኣጀንዳ ኣይኮነን” ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከምዘየለና ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ጉዳይ ልኡላውነትና ነቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ” ዝብል መሰረታዊ ኣንፈትና ብዘየስሕትን ብዘየረስዕን ግቡእ ግምትን ቆላሕታን ክንሃቦ ይግበኣና። ክንድቲ ንኽእሎ ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን መዳይ እውን ክንዋሰኣሉ ዝግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐት ኤርትራ፡ ምውጋድ ህግደፍ ንበይኑ እቲ እንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስ፡ ምምስራት፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ክዕወት ኣይከኣልን እዩ።
ሓደ ካብ ዕላማታት መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰሓኤ፣ ምስ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝካየዶ ቃልሲንምቕራብ እኳ እንተኾነ፣ መስርሕ ማሕበራዊ ምዕባለ ሕብረተሰብና፡ ጥንተ ድለባዊ መግዛእቲ ኮነ ምስፍሕፋሕ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ሰረትን ምእታው መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራን ዘይተወደበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ኣስፊራ ስለዘላ፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት፡ ታሪኽን መንነትን ሃገሮም ንኽፈልጡን ክመራመሩን ኣበርክቶ ክህልዋ እዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ካላኣይ ውግእ ዓለምን ጠንቅታቱን፡ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ውጽኢቱን ከተጠቓልል ከላ፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት፣ ምስ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝተፈጥራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስልፍታት፡ ዕላማታተን፡ ብዝሐን ኮነ ቁጽሪ ኣባላተን፡ ዝተኻየደ ውሽጣውን ግዳማውን ቃልስን፡ ንሃገራዊ ቃልሲ ንምብርዓን ዝተገብረ ውዲታትን ፈላለዪ ፈተነታትን’ውን ተንጸባርቕ እያ። ምስዚ፡ ሓያላን ሃገራት ንረብሓታተን ክብላ፡ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ ውዲታትን ፈሒሰን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብዝንቡዕ ፈደረሽን ክትተኣሳሰር ምግባረን፡ እቲ ክከላኸላሉ ዘይክእላ ውዑል ድሕሪ ምጥሓሱ ዝተኻየደ ጎበጣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ፖሊቲካዊ መኸተ፡ ታሪኻዊ ተረኽቦታትን ግደ መደበር ቓኞውን ብሰነድ ዘጠቓለለት እያ።
ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ መሓዛኦም ዝዀነ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተቆርነት፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተኣገደ፣ ኤርትራዊ ትካላት ምስ ፈረሰ፡ ዲሞክራስያዊን መሰላት ህዝቢ ምስተጋህሰ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝማዕበለ ስዉር ምንቅስቓስ፡ ንመግዛእቲ ዝተቓወሙ ውፉያትን ግዱሳትን ተመሃሮ ኤርትራውያን ኣብ ካይሮን፣ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ወተሃደራትን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ናብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘሰጋግር ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣወጀ። ድሕርዚ ኣመለኻኽታ መግዛእታውን ተፈንጨልትን ሓይልታት፡ ከምኡውን ግደ መንግስቲ እስራኤል ዝሓዘት’ያ።
መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንተራን ሞያን ሰራዊት ሓርነት ካብ 1961 ክሳብ 1974ን ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣትን ደባይ ስርሒታትን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታትን ምፍንጫላትን፡ ንምእራም ክሳብ ቀዳማይ ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተገብረ ጻዕርታትን ውሳኔታት ጉባኤን ዝነበረ ዝርዝር ኲነታት ናይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ብሰፊሑ ገሊጻ’ላ። ምስዚ ብመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታትን ሰልፊ ነጻነትን ድሒሩ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንታሪኻዊ ግደ ተሓኤ፣ ንምብራዝን ንምሕካኽን ዝተፈተነ ዘመተ ኣጠቓሊላ ትርከብ።
ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዝበዀረሉ፣ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምንቅስቓስን ኣብ ዝተነፍገሉ፡ ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ምልኪ ጅሆ ተታሒዙ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ፣ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ዘለዎምን፣ ኣብ ስነ ጽሑፍ ግዲኦም ብዘበርከቱ ኣሕዋትን ቅድመ ንባብ ተገይሩላ፡ ብደረስቲ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ነጻነትን ምሕበራዊ ፍትሕን ተሓቲማ ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ ኣላ።
ኣታዊ ሽያጥ መጽሓፍ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት ትምህርን ኣካለ ጽጉማንን ዝውዕል እዩ።
መጽሓፍ ንምርካብ፡ ብኢመይል፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ተለፎን፡ ኣብ ኣመሪካ +1 408 896 3154፡ ኣብ ጀርመን +49 616 282 793 ኣብ ሆላንድ: +31 686487625 ንምውካስ ይካኣል።
ደረስቲ