ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት፡ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምጭዋ፡  ተዓቚቦም ካብ ዘለዉ  ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን፡  ሓደ መንእሰያት ሰኣን ሕክምና ብሕማም ከምዝሞተ ራድዮ ኤረና ሬድዮ ፋና ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቲ 35 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ ስደተኛ ሓሚሙ ብኣግኡ ሕክምና ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ሆስፒታል ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ብ11 ሚዝያ 2022 ከም ዝዓረፈ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቲ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት  ዝተዓቖብሉ መደበር ኣለምዋጭ ብቑዕ ሕክምና ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣምቡላንስ ‘ውን ስለዘይብሉ፡ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ወገናት ንሞትን ሓደገኛ  ሳዕቤናትን ይቃልዑ ምህላዎም ናይዚ ስደተኛ መንእሰይ ሕልፈት ኣብነት ምዃኑ ካብቲ መደበር  ንራድዮ ኤረና ዝሓበሩ ሰባት ገሊጾም።

ኩነታቶም ይከታተሎ ከምዘሎ ዝገለጸሎም ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጂ’ውን ንድሕነቶም ዝውሰድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዛዕባ ምህላዉ ኣየነጸረሎምን።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበር ኣለምጭዋ ውሑስ ሓለዋ ስለ ዘየብሎም ሃለዋቶም ሓውሲ እሱራት እዩ። ምናልባት ዓቕሚ ዘለዎም ናብ ከተማ ዳባት እንተከይዶም እውን ሆቴልን ካልእ ኣገልግሎታትን ከይረኽቡ፡ ናይቲ ከባቢ ሓይልታት ጸጥታን ሚሊሻታትን ኣምሓራን ከምኡ ድማ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ምክትታል ከም ዝገብርሎም እቲ ዜና ኣቃሊዑ።  ካብን ናብን እቲ መደበር መጐዓዝያ ስለ ዘየለ እቶም ስደተኛታት ኣብ ተነጽሎ ከም ዘለዉ እውን እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን  ኣብ መደበር ኣለምጭዋ ብዝተፈጥረ ሓደጋ 8 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብናይቲ ከባቢ ዕጡቓት ቆሲሎም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ዲክታተር  ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኩሉ ግዜ ኣንጻር  ሃገራት ምዕራብ ዝሕዞ መርገጽ ጽልኢ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ሜላ  ምዃኑ ኣፍሪካ ሪፖርት (the Africa Report)  ዝተባህለት መርበብ ሓቢራ፡ ።

 መርበብ  ዘኣፍሪካ ሪፖርት ከም ዝጠቐሰቶ፡ ኣንጻር ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ክውሰን እንከሎ ይኹን፡  ኣባልነታ  ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክንጥልጠል እንከሎ ንዝቐረበ ሓሳብ፣ ኢሳያስ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ምቅዋማ ንሩስያ ንምድጋፍ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ  ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎ ሕዱር ጽልኢ ንምርኣይ ዝዓለመ  ምዃኑ እቲ ዘኣፍሪካ ሪፖርተር ዘቕረበቶ ተንታን ኣቃሊዑ።።

ኣሜሪካ ትኹን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ናብ ኤርትራ ብምእታው ወይ መንግስቲ ብምቕያር ዝረኽብኦ ረብሓ ከምዘየለን ድሌት’ውን ከምዘይብለንን  ዝፈልጥ  ዲክታተር ኢሳያስ፡ ብሰንኪ ግህሰት  ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጥሕሰታትን  ንዝገብራሉ ተጽዕኖን እገዳን፡ “ንኤርትራ ከፍርሰኣ ስለ ዝደለያ’የን”   ዝብል  መታለሊ ሓሶት ብምዝርጋሕ ህዝቢ ናይ ምፍርራሕ ዕድል ረኺቡ፡ ከም መናውሒ  ዕድመ ስልጣኑ ከም ዝጥቀመሉ እውን ኣብቲ ተንታን ተጠቒሱ

እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኢሳያስ ንሩስያ ዘርኣዮ ደገፍን ምስቲ  ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ኣንጻር ምዕራብ ዝሕዞ መርገጻትን ዕላማኡ ሓደ እዩ። ካብተን ዝድግፈን ሃገራት ነገራዊ ረብሓ ንምርካብ ዘገድሶ ዘይኮነ፡ ኣካል ናይቲ ጽልኢ ምክፍፋል ብምኳን ህልውናኡ ምንዋሕ እዩ። በዚ ኣቢሉ ከኣ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዝርኢ፡ ናብ ናይ ግዳም ምዕባለታት ከም ዘማዕዱ ምግባር ልሙድ ሜላ ኢሳያስ እዩ።  

እቲ ተንታን ብዙሓት ወገናት ብዛዕባቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራብ ዝስለፈሉ ምኽንያታት ርኢቶታት ይህቡ እዮም ኢሉ። ገሊኦም ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተል ስለ ዝኾነ እዩ ይብሉ። ብዘይካዚ ኢሳያስ ኣሜሪካ ብቐጥታ ባዕላ ኮነ ብመንገዲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣንጻሩ እገዳ ስለ እትውስን እዩ ይብሉ።

እንተኾነ እቲ ቀንዲ ምስ ምብራቕ ናይ ምስላፉ ምኽንያት፡ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ስልጣነይ ኣብ ምሕላው ይሕግዙኒ እዮም  ምስ ዝብሎም  ምስላፍ ስለ ዝመርጽ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ናቱ ዕድመ ስልጣን ምንዋሕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተረባሕነት ዘገድሶ ኣይኮነን። ኣብቲ ተንታን ኢሳያስ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኮነ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘገድሶ ኣብ ዝልጣን ንክቕጽል ክሕልዉዎ እዩ። ኢሳያስ ከም መራሕቲ ሰሜን  ኮርያ፡ ሱርያን ኢራንን ካብ ቻይና ወይ ሩሲያ ናይ ስልጣኑ ሓለዋ ዝጽበ እዩ።

ኣብቲ ሰፊሕ ተንታን ዝሰፈረ ሓሳብ ከምዘረድኦ፡ ኢሳያስ ስልጣን ንምብሓት  ብቐዳምነት ሚድያ እዩ ዝብሕት። ኣብ ርእሲ’ዚ ከኣ፡ ብዝኾነ መንገዲ ጸላእቲ የብዝሕ፡ ነታ ሃገር ካብ ዓለም ይንጽላ፡ መንእሰያት ንክስደዱ ይደፋፍእ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ኣትሪሩ ይቆጻጸር፡ ዝኣመሰሉ ሜላታት ከም ኣብ ስልጣን መቐጸሊ ስልቲ ከም ዝጥቀም ተጠቒሱ።

እቲ ተንታን ከጠቓልል እንከሎ፡ ዝኾነ ናይ ኢሳያስ ተጻብኦ ኣንጻር ምዕራብ እንተላይ እቲ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኣንጻር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሩሲያ ደጊፉ ድምጺ ዝሃበሉ ምኽንያት ዕላምኡ ኣብ ስልጣን ንምንባር እዩ ኢሉ።

ህግደፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ በቲ ብዛዕባኡ ዝጸሓፍን ዝዝረብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣይኮነንዶ እቲ ዝውጻዕ ዘሎ ህዝብን ናይ ቀረባ ተዓዘብትን ህግደፍ ባዕሉ’ውን ዝስሕቶ ኣይኮነን። እቲ ብወጽዓ ህግደፍ ቀንዲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊኡ ምስ ፈሰሰ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጐረባብትን ናይ ርሑቕን ህዝብታት ቀጺሉ ምእታዉ ዘይተርፍ ኢዩ። ህግደፍ ኣንጻር መሰላትን ናጽነታትን ህዝብታት ትግራይን ዩኩረይንን ምስላፍ መግለጺ ናይቲ ዶብ ዝሰገረ ጨቋኒ ባህሪያቱ ኢዩ።   

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ክሳብ ክንድዚ ብመሪር እሞ ንነዊሕ ግዜ ዝበደሎ ኣካል ክኣምኖን ክድግፎን ኢልካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ብግብሪ እውን ህዝቢ ኤርትራ ምናልባት ኣብ ቅሉዕ ብዘይምውጽኡ፡ ንናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ኣይርደኦምን ይኸውን እምበር፡ ኣንጻር ወጻዒኡ ህግደፍ ሓቀኛ ሚዛኑ ካብ ምንጽብራቕ ዓዲ ኣይወዓለን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝብታት ሱዳን፡ ግብጺ፡ ቱኒዝያ፡ ሊቢያን ካለኦትን ኣብ ኣደባባያት ዝወጹ፡ ጉልባቡ ቀሊዑ ድምጺ ከስምዕ ዝጽበይዎ ብዙሓት እዮም። ከምኡ ስለ ዘይገበረ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ኣሚኑ ዝድግፎ ዘሎ ዝመስሎም እውን ትዕዘብ። እቲ ኩነታት ኣዕሚቕካ ክምዘን እንከሎ ግና ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ዝተወጸዐ ህዝቢ ንወጻዒኡ ኣሚኑ ክድግፎ ባህርያዊ ኣይኮነን። ምስዚ ግና እቲ “እንታይ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ መሪር ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ እናገደደ እንከሎ ስቕ ኢሉ?”  ዝብል ሕቶ ግን መልሲ ዘድልዮ እዩ። እዚ ሕቶዚ ብናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ በቶም ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ኣርዑት  ህግደፍ ምህላዉ ዝፈልጡ ወገናት እውን ይለዓል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ወጽዓ ሓራ ንክወጽእ ምስ ኩነታቱ ዝመጣጠን ቃልሲ ካብ ምክያድ ዓዲ ውዒሉ ከም ዘይፈልጥ ቅድሚ ኩሉ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ብመሰረቱ እውን ወዮ መግዛእታዊ ወጽዓ ኣይጸውርን ኢሉ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ፡ ምስ ወጽዓ ተመሳሲሉን ተኣማሚኑን ይነብር ኣሎ ኢልካ ምድምዳም ንታሪኹ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።  ብዛዕባ ኣንጻር ወጽዓ ዓው ኢልካ ድምጽኻ ምስማዕ እንተኮይኑ፡ ከከም ኣሰማምዓኻ እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወርትግ   ናይ “ሓርነተይ ውሑስ ይኹን” ድምጹ ካብ ምድማጽ ኣይበኾረን። እቲ ናይ ኣብያ ድምጹ ክሳብ ክንደይ ይብርኽ ወይ ይትሕት፡ ውይክኣ ግሉጽዶ ይኸውን ስቱር፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንራዕድን ምፍርራሕን ከም ቀንዲ መቆጻጸሪ ስልጣኑ ዝመረጸ ኣገባብ ተቓንዩ ክምዘን’ዩ ዝግበኦ። በቲ ኮነ በዚ  እቲ ህዝባዊ ድምጺ ኣብ እዝኒ ህግደፍ’ውን ይበጽሕ እዩ። ምርጫ ህግደፍ ግና ነቲ ድምጺ ብሰላሕታዊ መንገዲ ምዕፋን እዩ። እቶም ብቐጻሊ ዝእሰሩ፡ ዝስወሩ፡ ዝቕተሉን ሃጽ ኢሎም ዝስደዱን ኤርትራውያን ከኣ ናይዚ ዓፋኒ ተግባራት ኣብነት እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ምስቶም ምእንቲ ለውጢ ኣብ ኣደባብያት ድምጾም ዘስምዑ ህዝብታት ኣነጻጺርካ  ክምዘን ከሎ፥ እቶም ካለኦት ህዝብታትን ህዝቢ ኤርትራን ዝነበርሉ ኩነታት ኣድቂቕካ ምውድዳሩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ዝነበረ ወጽዓ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ኣብ ሱዳን ሓሳባት ናይ ምግላጽን ናይ ምውዳብን ድሩት ጩራ ነይሩ እዩ። በዚ ጩራዚ ብዝተፈጥረ ዕድል ከኣ ስርዓት ዑመር ኣልበሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ተወጊዱ። ጉዳይ ህዝቢ ግብጺ ኣንጻር መንግስቲ ሑስኒ ሙባረክ እውን ብመንጽር’ዚ ዝረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስትን ምምሕዳሩን ክሳብ ክንደይ ካብዚ ዝረሓቐ፡ ዕጽዋ፡ ምፍርራሕ፡ ጥቡቕ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ሕድሕድ ምትሕልላውን ዝዓብለሎ ምዃኑ ከኣ ንዓና ነቶም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብኣካልን መንፈስን ዘሎና ብሩህ እዩ። ስለዚ እቲ ኩነታት ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከም ዘጸግሞ ርዱእ እዩ። እቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ እሞ ምእንቲ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትካ ክትቃለስ ዘይክልክላ ጥራይ ዘይኮነ ዘተባብዓ ሃገራት ኮይኖም ነቲ ድምጹ ዝተዓጽወ ህዝብና ድምጺ ክኾንዎ ዘይከኣሉ ብዘይካ  ብነብሰ-ፍትወት ተሳዒርካ ግላዊ ጠቕምኻ ምቕዳም ካልእ ምኽንያት ዘይብሎም ዳግም ነብሶም ክምርምሩ ይግበኦም።    

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝጨከነ ጉጅለ “እንታይ ዝጽበዮ ኣለዎ?” ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ህግደፍ እታ ንህዝቢ ኣነ ኢየ ንናጽነት ኣምጺአያ ኣነ ኢየ ከኣ ዝሕልዋ  እናበለ ክሽቅጠላ ዝፍትን “ልኡላውነት ሃገር”  እትብል ሓረግ እያ። ብመሰረቱ ልኡላውነት ብህዝቢ እምበር፡ ብውልቀ ሰብ ወይ ብጉጅለ ኣይኮነን ዝመጽእ ወይ ዝሕሎ። ስለዚ ነቲ ናጽነቱ ዘምጸአን ልኡላውነቱ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ እናደቖሰ፡ ህግደፍ ከቶ ናይ ልኡላውነት ተሓላቕን ሓላውን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ከኣ ከምቲ “ኣጸብቕ እንተበልዎ የኽፍእ፡ ሓሉ እንተበልዎ ከኣ የጥፍእ” ዝበሃል፡ ወዮ ብልኡላውነት ተሓቢኡ ሓላይ ክመስል ዝጸንሐ ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን መገሻ ምስ ጀመረ፡ ባዕሉ ኣንጻር ልኡላውነት ምዃኑ ኣርእዩናን ነጊሩናን። ሎሚ ከኣ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ከይተማህረ፡  ነቲ ወልቃይት ምስ ሓዘ “ድሕሪ ሑመራ ናብ ኣስመራ”  ክጭርሕ ዝጸንሐ “ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራ ናብ ሳዋ ወሲደ ከሰልጥኖ እየ”  ከም ዝበለ  ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይናፍስ ኣሎ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሓካ ግንዛበን ተረድኦን ህግደፍ ዝኸፍአ  ዘምጽእ እምበር ናብ ዝሓሸ ዝመርሕ ከምዘይኮነ ተረዲእካ፡ ቃልስኻ ኣንጻርዚ ጉጅለ ክሳብ ዓወት ክትቅጽል ግድን እዩ። ምኽንያቶም ብዘየገድስ ንህግደፍ ክድግፉ ዝጸንሑ ወገናት ንገዛእ ርእሶም ካብ ተሓታትነት ንምድሓን፡ ጉዕዞኦም  ደድሕሪ ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ምዃኑ ተገንዚቦም ከቋርጹዎ ይግባእ።  ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ስለ ዝኣምኖ ዝድግፎ ዘሎ ዝመስሎም ወገናት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምናልባት እንተዘይጸጊምዎ፡ ኣሚኑ ከም ዘይድግፎ ተረዲኦም ኣብ ጐኒ ህዝቢ ክስለፉ ከም ኩሉ ግዜ ጸዋዒትና እዩ።

ኣሶሼት ፕረስ ኣሚር ኣማንን  ቶማስ እንግዳን ዝተባህሉ ሪፖርተርን ሰኣልን ጋዜጠኛታቱ ኣብ  ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብ29 መጋቢት 2022 ብዋሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሑ ሓቢሩ። እዞም ጋዜጠኛታት ን4 ኣዋርሕ ተኣሲሮም ምስ ጸንሑ እዮም ነፍሲ-ወከፎም ብ60.000 (ስሳ ሽሕ) ብር ዋሕስ ተፈቲሖም፡  ክሶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኮይኖም ክከታተሉ ተወሲንሎም።

ጉዳይ ናይዞም ጋዜጠኛታት ከጻሪ ዝጸንሐ ፖሊስ ንዝያዳ መርመራ ንቐጻሊ 2ተ ሰሙናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕሉ’ኳ ሕቶ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ቤት ፍርዲ ግና ናይቶም እሱራት ናይ ዋሕስ መሰል ተቐቢሉ፡  ክሲ ከይተመስረቶም ካብዚ ንላዕሊ ክእሰሩ ኣይግበኦም ብዝብል ፈቲሕዎም። እቲ ቤት ፍርዲ ክሳብ ጉዳዮም ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝወሃቦ ካብ ኢትዮጵያ ከይወጹ ኣጊድዎም። እዞም ጋዜጠኛታት ንኽንድዚ ግዜ ብዘይፈርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ዘገደደ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዝነበረ ናይ ህጽጹ ግዜ ኣዋጅ ምዃኑ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ።

እዞም ጋዜጠኛታት ቅድሚ 4ተ ኣዋርሕ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ምኽንያት  “ብፓርላማ  ኢትዮጵያ ፈጣሪ  ራዕዲ ንዝተባህለ  ጉጅለ ሸኔ ምስ ዓለም ኣፋሊጥኩምዎ”  ዝብል ከም ዝነበረ ተፈሊጡ። ጉዳይ ጋዜጠኛታት ዝከታተል ዓለም ለኻዊ ትካል ሲፒጀይ (CPJ)ን  ካለኦት ትካላትን እዞም ጋዜጠኛታት ንክፍተሑ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ክልተ ኣሜሪካውያን ኣባላት ፓርላም እዞም ጋዜጠኛታት ንክፍትሑ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም። ናይ ኣሚሪካ ብሄራዊ ፕረስ ክለብ ብወገኑ ቅድሚ 2ተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ከም በዓል ታምራት ነገራት ዝኣመሰሉ  ጋዜጣኛታትን ናይ ፕረስ ኣካላት ብዘይቅድመ -ኩነት ይፈትሑ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ከም ዝነበሩ  ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ናይዞም ጋዜጠኛታት ኣብዚ እዋንዚ ምፍታሕ ምስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ከይተጽድቖ ፈሪሓቶ ዘላ  RH-6600ን  S-3199ን ዝተሰየመ ሕግታት ዝተሕሓዝ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጋዜጠኛታት ንኣዋርሕ ምእሳርን ምፍታሖምን ክሳብ ክንድዚ ከዛርብ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ግና ን10ታት ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ደሃዮም ከምዘይፍለጥ ዝዝከር እዩ።

ካብቲ ጌና ብዙሕ ምስሊ ኤርትራ ዝድውን ዘሎ ተርእዮታት ብመንጽር ብዝሒ ህዝባ ዝለዕለ ቁጽሪ ስደተኛ ዘመዝገበት ሃገር ምዃና ሓደ እዩ። ስደት ጠንቁ ብዙሕ ክኸውን እንከሎ ናይ ኤርትራውያን ስደት ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ዘስዓቦ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኮነ ኣብ ባይታ ብዘሎ ዝድህሰስ መርተዖታት ዝተረጋገጸ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ኩነታት ስለ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ስለምንታይ ከም ዝስደድ ዝሓትት ኣካል የለን።

ስደት ኤርትራውያን ዓቕሊ ጽበትን መተካእታ ምስኣንን ዝወለዶ ኮይኑ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘቕንዕ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ናብ ኣንፈት ሱዳንን ኢትዮጵያን ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ብዝተፈላለዩ ኣሃዛት ተረጋጊጹ እዩ። ብፍላይ እቲ ናይ ሱዳን ሓድሽ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ብሰንኪ ጭካነ ሓይሊ መግዛእቲ ዝጀመረ ነዊሕ ዝዕድመኡ እዩ። ናብዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ምስዳድ ዝበዝሐን ዝቐለለን ካብ ዝኾነሉ  ኣብዘን ሃገራት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሳሰል ህዝቢ ምህላዉ ሓደ ምኽንያት እዩ። ብቐሊሉ ብመሬት ምስ ኤርትራ ብሰፊሑ ዝዳወባ ምዃነን ድማ ካልእ ምኽንያት እዩ። እዘን ሃገራት ምስ ኤርትራ ብመሬት ዝራኸባ ምዃነን ስደተኛ  ናብኣተን ንክትኣቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኣተን ስደተኛታት ኮኑ ተቓለስቲ   ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ክጭወዩን ክቕተሉን እውን ቀሊል እዩ። በዚ ምኽንያት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተዳህሲስና ብፍላይ ኣብ ሱዳን ብናይ ሎሚ  ብህግደፍ ዝተቐንጸሉን ዝተጨውዩን ሓርበኛታት ብዙሓት እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ሱዳን ዝተጨውዩ ሓርበኛታት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ (ወዲ ባሻይ)፡ ወልደማርያም ባህልቢ፡ ገብርሂይወት ቀለታ፡ ወልደስላሰ ቻንቹን ተስፋጋብር  ኣብራሃን  ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ኤርትራውያን ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2001 ናብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክስደዱ ጀሚሮም። ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብላቴንን ደዴሳን ኣብ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ መሰልጠንታት ተዓቚቦም ነይሮም። ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቦም ብወግዒ ክምዝገቡ ዝጀመሩ ግና  ኣብ ክልል ትግራይ ሽመልባ ኣብ ዝበሃል መደበር እዩ። እቲ ዋሕዚ ምስ ዛየደ ከኣ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዝበሃሉ መደበራት ኣብ ዝተፈላልየ ግዝያት ተኸፊቶም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ እውን ኣስሓይታን በርሓለን  ዝበሃሉ መደብር ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኸፊቶም። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ሰነዳት ይምስክሩ። እቲ መደበራት መሰረታዊ ቀረባት እንተላይ ትምህርትን ሕክምናን ብስሩዕ ኣብ ዘቕርበሉ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር። በዚ መንገዲዚ ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ናብ 3ይ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድል ዝረኸብሉ ኩነታት ከኣ ነይሩ።

ኣብ ትግራይ ብ24 ሕዳር 2020 ውግእ ምስ ጀመረ ግዳይ ካብ ዝኾኑ ወገናት ኣብ መደበራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። እቲ መደበራት ዝርከበሉ ከባብታት ቀንዲ ዓውዲ ውግእ ምንባሩ ከኣ ነቲ ዝወረዶም ጉድኣት ዝያዳ ኣግዲድዎ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ካብ ኤርትራ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዶባት ኣብ ኢዱ እንተወዲቖም ዝኣስሮምን ዝቐትሎምን ዝነበረ ህግደፍ ሰራዊት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ውግእ ኣካል ምንባሩ ኣብ ልዕሊ እቶም ራሕሪሐምዎ ዝተሰዱ መንእሰያት ሕነ ከም ዝፈዲ ርዱእ ነይሩ። ብግብሪ ዝተራእየ ከኣ ከምኡ እዩ። ሰራዊት ትግራይ እውን ኤርትራውያን ብምዃኖም ሕቡእ ሓይሊ ህግደፍ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ስለ ዝተርጠሮምን ኣብ ነብሱ-ምክልኻል ስለ ዝነበረን   ዕቑባ ክኾኖም ኣይከኣለን። ብፍላይ መደበራት ሽማልባን ሕንጻጽን ሽዑንሽዑ እየን ተደምሲሰን። ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣሃዛት እንዳጠቐሱ “ክንድዚ ተቐቲሎም፡ ተደፊረን፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ፡ ንብረቶም ዓንዩ” ዝብሉ ጸብጻባት የቕርቡ ነይሮም። እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ግና ነዚ ዝምልከት ንጹር ጸብጻብ ኣየቕረበን። ናይቲ ዕንወት ተሓታቲ መን ምዃኑ ድማ ኣየነጸረን። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕርቦ እቲ ቦታ ዓውዲ ውግእ ምስ ኮነ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ  መራኸቢ መንገድታት ተቛሪጹ ሓበሬታ ዘይምርካቡ እዩ።

ኣብቲ ግዜ ውግእ ተሃስየን ተሪፈን ዝነበራ መደበራት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ዓፋር ሎሚ ዳርጋ ኩለን ዓንየን እየን። ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ከኣ በብመንገዶም ናብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ከምኡ እውን ናብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ኣብተን ዝኸድወን ቦታታት እውን ዋና ኣይረኸቡን። መግቢ፡ መጽለልን ሕክምናን ዘቕርበሎም ኣካል የለን። ውሑስ ናይ መንነት ወረቐት ዝህቦም ወይ መዓልቱ ዝሓለፈ ዘሕድሰሎ  ኣይረኽቡን። ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ዶባት ኢድ መልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ ዝወደቑ፡ ናብ ሰራዊት ህግደፍ የረክብዎም ከም ዘለዉ ሓበሬታ ኣሎ። ሰራዊት ህግደፍ ከኣ ተቐቢሉ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ከም ዝወስዶም ይንገር። ዕድል ረኺቦም ኣብ ሱዳን ዝበጽሑ እንተኾኑ እውን መንበሪ ፈቓድ ዝህቦም ኣካል ስለ ዘየለ፡ ኣብ ጐደናታት ብፖሊስ እናተገፈፉ ክኸፍልዎ ዘይክእሉ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ወይ ክእሰሩ ይግደዱ። ብኻእል ወገን ኣብዚ ግዝያትዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ግብጺ ኣደዳ ማእሰርትን ምጥራዝን ይኾኑ ምህላዎምን ዓለም ርእያ ከምዘይረኣየት ኮይናቶም ምህላዋን ካልእ መልክዕ መግለጺ ናይቲ ደድሕሪኦም ዝስዕብ ጸገም እዩ። እዚ መልክዓቱ ዝቐያይር ጸገማት ምስ ብዙሕ ኩነታት ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ  ዘይምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ኣርሒቖም ምስ ከዱ፡ ንኣብነት ኤውሮጳ ምስ በጹሑ እውን ሳዕቤን ስደት ቀልጢፉ ኣይገደፎምን። ሎሚ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብራ ስደት ምጽዋር ስኢኖም  ነብሶም ቀቲሎም ወይ ሰብ ሓዳር ተቓቲሎም ዝብል ፍጻመታት ይስማዕ ምህላዉ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ስንብራት ስደት ቀልጢፉ ዘይሓዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ግዜ ደድሕሪ ስደተኛታት እዩ ዝስዕብ። እንተሰሊጥዎ ኣብ ዘዝኣተውዎ ኣትዩ ይቐትሎምን ይጨውዮምን። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ እንተስ ኣዕሽዩ እንተስ ኣፈራሪሑ ናይ ኣታዊ ምንጩን ናይ ስለያ መሳርሒኡን ካብ ምግባሮም ድሕር ኣይብልን። መጻኢ ዕድሎም ከይገደሶ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ልዕሊኦም ዝኣልሞ ዘሎ ተንኮላት ንእኩይ ተግባራቱ ዘርኢ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ህይወት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ እቲ ናይዚ ኩሉ ጠንቂዚ ስደትን ሳዕቤኑን ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ቀጻሊ እዩ። መሰረታዊ መፍትሒኡ ከኣ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ ጥራይ እዩ።

ኦባሳንጆ ፍሉይ ልእኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዴቪድ ሳተርፊልድ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብ21 መጋቢት 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ከም ዝተመያየጡ መርበብ ሓበሬት ኢትዮጵያ ኢንሳይደር (Ethiopia Insider) ኣፍሊጣ። ክልቲኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸቡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣንበሳደር ሳተርፊልድ ንካለኣይ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበርዎ መገሻ እዩ።

ኣምበሳደር ሳተርፊልድ ብናይ ኣሜሪካ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ኮይኑ፡ 21 መጋቢት 2022 ን2ይ ግዜ እዮም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም። እዞም ክልተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ምስ ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ለገስቲ ትካላትን ከም ዝመያየጡ ናይ ኣሜሪካ  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ከም ዝገለጸ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ኣስፊራ።

ኣምበሳደር ሳተርፊልድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ ዕለት፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ናጀርያዊ ኦሊሰንጎ ኦባሳንጆን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፊ ፖለቲካ ሰላምን ጸጥታን፡ ምስ ኮሚሽነር ባንኮሌ ኣዴዎዬን ተዘራሪቦም። እቶም ኣምበሳደር ምስዞም ክልተ ኣፍሪቃውያን ሓለፍቲ፡  ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ወሲኾም ብዛዕባ ዞባዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ፖለቲካ ሰላምን ጸጥታን፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ዝተፈላለዩ ኣሜሪካውያን ሓለፍቲ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጸገማት ኣፍሪቃ ተመያይጦም ከም ዝተመልሱ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዞም ፍሉይ ልኡኽ ኣሚሪካ ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒን ኣመሓዳሪት ዓለምለኸ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወርን እውን ተራኺቦም። ሰማንታ ፓወር ኣብቲ ርክብ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ቅልውላው ከም ዘስግአን ጠቒሰን። ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ መስርሕ ምጉዕዓዝ ረዲአት የዕንቅፉ ከም ዘለዉ ከሲሰን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ረዲአት ናብ ትግራይ ዝሓልፈሉ ኩነታት ንምፍጣ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ንምዝርራብ ብ21 መጋቢት 2022 ናብ ክልል ዓፋር ከም ዝኸዱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓቢረን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ቻይና  ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ሃገሮምን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ሓባር ኣኼባ ንምውዳብ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ተፈሊጦሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለለ ብዕድሚኡ ነዊሕ፡ ብትሕዝቶኡ ከኣ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ብምጭባጡ፡ ንናይ ካለኦት ናይ መሰል ቃልሲ ኣፍደገ ዝኸፈተ ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ኣብነት ምዃኑ ዓለም መስኪራትሉ እያ።  ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ፖለቲካውን ወታደራውን መልከዓት ዝሓዘ ዋጋ ክኸፍል እንከሎ፡ መበግሲኡ ጽልእን ቅርሕንትን ዘይኮነ፡ ዝተነፍጎ ኣብ ጉዳዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን ናጽነቱን መሰሉን ንምምላስ ዝዓለመ ኣርሒቑ ዝጥምት እዩ ነይሩ።  ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስዶ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ሓርነትን ንምጭባጥ6t ኣብ ዓውዲ ውግእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ  ሕጋዊ መድረኽ እውን ብመንገዲ ህዝበ-ውሳነ 1993 ብዘየማትእን ንድሕሪት ብዘይምለስን ዕምቆት ኣመስኪሩ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ናብ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ ክሓፍሶ ዝኣመሞ ናጽነትን ልኡላውነትን ጥራይ ኣይነበረን። ቀጻሊ ምውሓስ ኩሉ ሓርነታቱ እውን ቀንዲ ሕመረት ቃልሱ ምንባሩ ካብ መጀመርታኡ ዘነጸሮ እዩ፡  ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲ፡ ምኽባር ኩሉ ዓይነት መሰላትን ማዕረ ተጠቃምነት ጸጋታት ሃገሩን ኣብ ጽኑዕ መሰረት ምህናጽ፡ ከም መግለጺ ሓርነት ክረጋገጸሉ ትጽቢት ዓወቱ ነይሩ። ብኣንጻርዚ ከምቲ ደሓር ዝተራእየን ሎሚ እውን መመሊሱ ዝስዕርር ዘሎን እቲ ምስ መግዛእቲ ተጓሒፉ ዝተባህለ ኩሉ ዓይነት ወጽዓ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን መልክዑ ቀይሩ ቀጺሉ። ብዘይካ ውሱን ስግኣትን ተቓውሞን እዚ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ተርእዮ ከጋጥምዩ ዝብል ግምት ኣብ ትጽቢት መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ናጽነት ክትሓስብ እንከለኻ ነቲ ዝረአን ዝድህሰስን ምእማኑ ዘጸግመካ።

ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብግብሪ ዝተጋህደ ኩነታት ብጽሞና ምስ ተዓዘበ፡ ምዕባለታት ካብ ትጽቢቱ ውጻኢ ይኸይድ ከም ዝነበረ ዝሕብር ምልክታት ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ዝሓለፈ ህዝቢ ብኸምቲ ናይቶም ዝሰዓሮም ገዛእቲ ምምሕዳር ክትካእ ምእማኑ ስለ ዘጸገሞ ግና፡ ኩነታት ክቕየር እሞ ክርህወኒ እዩ ዝበል ተስፍኡ ቀልጢፉ ምሉእ ብምሉእ ኣይቀሃመን። ግዜ እዳነወሐ ምስ ከደ ግና ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ነቲ ምእማኑ ዘጸግም ጥልመት ህግደፍ ክግንዘቦን ናይ ግዜ መግዛእቲ ውጽዓ መልክዑ ቀይሩ እንደጋና ከም ዝመጸን ክርዳእ ናይ ግድን ኮይንዎ። እንተኾነ ማዕረቲ ዝተረደኦ ንጉጅለ ህግደፍ ብሓባርን እሞ ድማ ብዝዓመረ ቅልጡፍ ድምጺ “መንገዲ ትስሕት ኣለኻ’ሞ ሕሳብካ ግበር” ክብሎ ግዜ በሊዑ።  ካብዚ ሓሊፎም ገለ ወገናት፡ “ግዜ ንሃቦ፡ ካብ ዝነበርናዮ ኣይከፈኣናን፡ ኣብ ባዶ ካዝና እዩ ስልጣን ተረኪቡ” ብዝብሉ ግርህነት ዝወለዶም ኣበሃህላታት፡ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ይፍጽሞ ንዝነበረ ሸርሕታት እናሸፈኑ ስለ ዘሻደንዎ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ከምዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክቃላዕ  ግዜ በሊዑ። እቲ ወጻዒ ከኣ ነዚ ምዝንጋዕን ሓልዮትን ህዝቢ ኤርትራ መዝሚዙ በቲ ግጉይ ጐደና ልዕሊ ናይቶም ህዝብና ዝሰዓሮም መግዛእታዊ ስርዓታት ንኽብሕት ዕድል ረኺቡ። ወዮ “ኤርትራዊ ኮይኑስ እንተ ሓመቐ ካብ  ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይሓይሽ ምምሕዳር ኣይክመጽእን እዩ” ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ዝገመቶ ወጻኢ ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ በቶም ታሪኽ  ጽንዓቱን ምረት ቃልሱን ዝፈልጡ ወገናት “ልኡላውነት ኣውሒሱስ፡ ሓርነት ዝተነፍጎ ህዝቢ” ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ሓርነት ህዝቢ ይኸይድ ከም ዝነበረ ይርዳእ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ ኮነ ኢሉ ዝሃንደሶ መንገዲ እዩ። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ካብ ተነፍጎ ከምቲ ኣንጻር መግዛእቲ ናይ ምቅላስ ልማዱ ኣንጻሩ እውን ከም ዝቃለስ ኣይሰሓቶን። ካብዚ ተረድኦዚ  ነቒሉ ከኣ ኣቐዲሙ ናይ ህዝቢ ናይ ቃልሲ ዓቕሚ ንምድኻም፡ ብዓንተብኡ ብግሁድን ብስዉርን ዓመጸኛ መርበቡ ዘርጊሑ። ህዝቢ ኤርትራ ሓላፍነቱን ሓላፍነት መንግስትን ተረዲኡ ንከይቆጻጸሮ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝዝርጋሕ መቆጻጸሪ ሰነድ ሕገ-መንግስቲ ቅድም ዓጊትዎ ደሓር ከኣ “ሞይቱስ ተቐቢሩ” ኢሉ ዓዲ ኣውዒልዎ። ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝበሃል ድማ ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ሕገ-መንግስቲ ኣጽዲቐ ኢሉ ዝተነየተሉ ሰነድ፡ ደሓር ከኣ ባዕሉ ቀቲሉ ቀቢርዎ። እዚ ዘመልክቶ እቲ ቅድም  ሕገ-መንግስቲ ምጽዳቑ እውን  ንመዳሀለልን መዕደጊ ግዜን  እምበር ካብ ልቢ ዝነቐለ ከምዘይነበረ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ሓቢሩ ብዛዕባ ጉዳዩ ከይዝቲ መሰል ውዳባን ሓሳብካ ምግላጽን ኣጊዱ። ናይ ዘይመንግስታዊ ሚድያ ምዕጻውን ጋዜጠኛታተን ምእሳርን እውን ካልእ ስልቲ ምድኻም ሓይሊ ህዝቢ ነይሩ። ናይ ዜጋታት ምእሳር፡ ምስዋርን ስልታዊ ቅንጸላታትን ድማ ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብ ሕብረተሰብ እቲ ከም ህግደፍ ንዝኣመሰለ ጸረ ህዝቢ ምምሕዳር በዲህካ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝግበር ቃልሲ መሪሕ ግዘ ዘለዎ  ክፍሊ መንእሰይ እዩ። ህግደፍ መንእሰይ ኤርትራ ንገሊኡ ኣብ ዘየንቀሳቕስ መጀመርታኡ እምበር መፈጸምታኡ ዘይፍለጥ ወታደራዊ ኣርዑት ምጽማድ ወይ ዓዱ ገዲፉ ንክስድድ ምድፍፋእ ከኣ ካልእ ናይ ህዝባዊ ቃልሲ ሕቖ ንምስባር ዝተማህዘ ምንባሩ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዓንዳሪት ህግደፍን መስካሪ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ በዓል ሱዳን ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ኣደባባያት ከተማታት ኤርትራ ወጺኡ ምእንቲ ለውጢ ዝወፍር ዝተወደበ መንእሰይ ኣለናዶ? ኢልካ ምሕታት ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ከከም መላሲኡ እዩ። ዝተዳኸመ ዕድል ምዃኑ ግና ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣብ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝዋጋእ ኤርትራዊ መንእሰይከ ኣሎዶ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ግና ብዘየማትእ “እወ” እዩ። ነዚ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእታውነት ሰራዊት ህግደፍ ክሳብ መቃድሾ ዝመጥዎ ወገናት’ውን ኣለዉ። ስለዚ ነቲ “ልኡላውነት ኣውሒሱስ፡ ሓርነት ዝተነፍጎ ህዝቢ”  ዝብል ብሂል ናብ “ሓርነቱን’ውን ብቃልሱ  ዘውሓሰ  ዕቱብ ህዝቢ” ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ናይቲ ሓርነቱ ዝተነፈገ ውጹዕ ህዝቢ እዩ።

Tracks to Mekele 18.03.2022

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሪ ብምጥቃስ ብ17 መጋቢት 2022፡ 23 ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ረዲአት ዝጸዕና መካይን ካብ ከተማ ሰመራ ዓፋር ናብ ከተማ መቐለ ከም ዘቕነዓ ሓቢራ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እተን 20 መግቢ እተን 3 ከኣ ነዳዲ ዝጸዕና እየን።

መርበብ ኣዲስ ስታንዳር በወገና ናብቲ ጉዳይ ቅርበት ብዘለዎም ኣካላት ኣጻርየዮ ከም ዝበለቶ፡ እተን ዓበይቲ መካይን ድልዋትኳ እንተለዋ ጉዕዞ ናብ መቐለ ዝጅምራ ግና 18 መጋቢት 2022 እዩ።

እቲ ብዛዕባዚ ጉዳይ፡ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ኣቕርቦት ንምዝያድ ረዲአት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዘቕነዓ መካይን ኣብ መዓልቲ ናብ 40 ክብ ክብላ እየን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ 17 ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ዝነጥፋ ኣህጉራዊ ትካላት ካብ 16 መጋቢት 2022 ጀሚረን ናብ ትግራይ መድሃኒት፡ ናይ ሕክምና መሳርሕን ናይ መግቢ ኣቕርቦትን ከጓዕዛ ፈቓድ ረኺበን ኣለዋ።

እዚ ሓዲሽ ሰብኣዊ ረዲአት ናይ ምቕራብ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ኣካላትን፡ ዋላኳ ብነፈርቲ መድሃኒ ናብ ትግራይ ምቕራብ ቀጻሊ እንተሎ፡ ብሰንኪ ስእነት ነዳዲ ብፍላይ ናብቲ ገጠራት ይበጽሕ ከም ዘየለ ብምሕባር ምሕጽንታ ምስ ኣቕረባ እዩ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም በወገኖም ብ16 መጋቢት 2022 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዋላኳ ትካሎም 95 ሜትሪክ ቶን መድሃኒት ናብታ ብውግ ዝተሃስየትን ኣብ ዕጽዋ ዘላን  ክልል ትግራይ ክጐዓዝ እንተዳለወ፡ ብመንግስቲ ፈቓድ ስለ ዘይተዋህበ ክሰልጥ ከምዘይከኣለ ሓቢሮም ነይሮም።

ናብ ክልል ትግራይ ረዲአት ዝጐዓዘሉ መንገዲ ብክልል ዓፋር ስለ ዝኾነን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ዝካየድ ውግእ ቀጻሊ ስለ ዘሎ እዚ ኣቕርቦት ክቋረጽ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።