ማእከላይ ባይቶ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ በ29 ጥሪ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእን፣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፣ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዛዕባታት ብዝምልከት ሒዝዎ ዝጸንሐ መርገጻትን ዝምረሓሉ ፖሊሲታትን ተመስሪቱ  ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል እናተምርሐ ንሓያሎ ሰዓታት ዘካየዶ  ፍሉይ ኣኼባኡ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ እንተቐጺሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይን እቲ ውግእ ኣብ ዝበጸሖ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘውረዶን ሕጂውን ዘውርዶ ዘሎን ዕንወትን ህልቂትን ርኡይ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ደቃ ብዘይ ድሌቶም ኣብቲ ውግእ ተጠቢሶም ዝጠፍኡዋ ዘለዉ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባና እውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ባይቶ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪቲ ኣብቲ ክልተ እዋናዊ ዛዕባታት ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋምን ሰፊሕ ምይይጥን እዞም ዝስዕቡ መደምደምታታትን ውሳነታትን ኣስፊሩ፡

  • ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ውግእ ንምብላሕ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዓቦ ብርሰትን ዕንወትን ኩኑን እዩ። እዚ ብሽርክነት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ነቲ ንቡር ሕውነት ክልቲኡ ህዝብታት ኣዚዩ ዝሃሲ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ከኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ደጊሙ ኣውጊዝዎ። ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ሕጂውን ስርዓት ህግደፍ ብወያነ ኲናት ተኸፊቱና ብዝብል ጉልባብ ካብ ደገፍቱን እናኣፈራርሀ ካብ ዘገድዶም ንጹሃት ዜጋታትን ገንዘብ ይእክብ ምህላዉ ስለዝተገንዘበ ኩሎም እቶም ንመፈጸሚ ጸረ ህዝቢ ስርሒታት ገንዘብ ዝውፍዩ ወገናት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመዝጊቡ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሎም እቶም ኣብቲ ውግእ ግህሰት ዝፈጸሙን ብኣዕናዊ ተግባራት ዝሕተቱን ኣካላት ጉዳዮም ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ተጻርዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ህዝቢ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ከቕርብ ኣኼባ ባይቶ የዘኻኽር። ብዝተተሓሓዘ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት፤ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ገበናት ህግደፍ ድኣእምበር ብእኡ ዝሕተት ከመዘይኮነ ክርድእሉ ነማሕጽን።
  • እዚ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰፊሑ ዘሎ ውግእ መሰረታዊ ጠንቁ ፍልልይ ሕገመንግስታዊ ኣተረጓጉማን ፖለቲካዊ ኣረዳድኣን ስለ ዝኾነ፡ ማእከላይ ባይቶ ምቕጻል ውግኣት ክፈትሖ ከም ዘይክእል ይኣምን። ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ውግእ ጠጠው ብምባል እቲ ፍልልይ ብዘተ ንክፍታሕ ንዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒትን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣኼባ ባይቶ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ክልቲኦም ወገናት ንዘተን ፍታሕን ቅሩባት ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ።ንህዝቢ ትግራይን ንኩሎም ብውግእ ዝተሃስዩ ካልኦት ወገናትን በዂሩዎም ዘሎ ሕቶ መሰረታዊ ቀረባት ብህጹጽ ክምለሰሎምን፡ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦን ኣኼባ ተማሕጺኑ።
  • ብሰንኪ’ቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲኻ ኣደዳ ዓጸቦ ምግባር ዝብል ዕላማ ወረርቲ ሓይልታት ከም ዝቋረጹ ተጌሮም ዘለዉ ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፡ መስመር ተሌፎንን ኢንተርነትን፡ ማይ፡ ባንክ፡ መጓዓዝያታትን ዝኣመሰሉን ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱ ባይቶ ደጊሙ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ በቲ ሰኣን መግብን ሕክምናን ዝመውት ዘሎ ህዝቢ መሪር ሓዘን ከም ዝስምዖ ባይቶ ኣስፊሩ። ካብዚ ንምድሓን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዋ ረዲኤት ንኸይበጽሖ ካብ ምዕንቃፍ ክቑጠቡ ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተማዛበሉ ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ ተግባር ከይፍጸምን ረድኤት ኣብ ግዝይኡ ከምዝበጽሖም ክግበርን ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
  • እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ መደበራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቱ_(መነባብርኡ) ተመዛቢሉ ኣብ ፈቐዶ መዕቆቢ ቦታታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ደብዳባት ነፈርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰታትን ጠጠው ክብል፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግህሰታት ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ወገናት ብግቡእ ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣኼባ ባይቶ ይጽውዕ። ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ኣብዚ መዳይዚ ክጽዕቱ ከኣ ጸዊዑ።
  • ምሩኻት ውግእ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ክትሓዙ፡ ብገበን ዝጥርጠሩ እንተለዉ ከኣ ጉዳዮም ብነጻ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰሎም ከይጓደል ዝከኣሎም ክገብሩ።
  • ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምትእኽኻብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብቲ ዝተሓሰበሉ ሸቶ ክበጽሕ ይቀራረብ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ርእዩ። በዚ መሰረት ሰልፍና ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ሕቶ ምምስራት ሓቢርካ ዘቃልስ ጽላል ክሳብ ዝዕወት ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ባይቶ ወሲኑ። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕሮም ከዛይዱ ከኣ ከም ወትሩ ጸዊዑ።

ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ሱዳን ብዘውሕስ፡ መንገዲ ንክተሓዝ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

በዚ ኣጋጣሚ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝብድሎ ዘሎ ከይኣኽሎ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ወራራት ፈጢሩ ዘወድኦ ዘሎ ህግደፍ ከይተሓለለ ቃልሱ ከሐይል ደጊምና  ነዘኻኽሮ። ሎሚ እዚ ጉዳይ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ መኸተናን ሓድነትናን ኣንጻር ወጻዒ ንኽሕይል ተርኡ ንኽጻወት ንጽወዖ። መላእ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ከኣ ከም ወትሩ ፖሊሲታት ሰልፎምን ውሳነታት መሪሕነቶምን ኣብ ኩሉ መዳያት በቲ ልሙድ ጽንዓቶም ተወፋይነቶም ምዕዋት ክቕጽልዎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ይጽውዕ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

29 ጥሪ 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ብ4 ሕዳር 2020 ውግእ ምስተጀመረ ኣዝዮም ኣዛረብቲ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ሓቅነት ምእታውን ዘይምእታውን ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ገለ ወገናት ነቲ ርኡይ ዝነበረ ጣልቃ ኣእታውነት ክሓብእዎ፡ ካለኦት ከኣ ብመረጋገጽታት ኣሰንዮም ከቃልዕዎ ብዙሕ ምውጣጥ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕብኡ ክዝረብ እንከሎ ምጽቃጥ ልማዱ ስለ ዝኾነ፡ ቀልጢፉ ድምጹ ኣየስመዐን። ገለ ዝያዳ ህግደፍ፡ ህግደፍ ኮይኖም ክቐርቡ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ኣብቲ መጀመርያ “ኣሉ ቀጣን ኣይኣተወን” ክብሉ ፈቲኖም። ደሓር ዘይሕባእ ምስ ኮኖም ከኣ ነቲ ኢድ ኣእታውነት ምስ ዘይዛመዱ ጉዳያት እንዳዛመዱ፡ ምኽኑይ ክገብርዎ ፈቲኖም። ውሑዳት ክሳብ ሎሚ ዘይረብረቡ እውን ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ጉዳይ ወይ ሓቢርካ ምኽሓዱ ወይ ድማ ሓቢርካ ምቕባሉ ስለ ዝተጸገመ ብዙሕ ዘርጠብጠብ ኣርእዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ካብ መጀመርታኡ ዝተኣመኑ እሞ በቲ ጉዳይ ዘይተሓጐሱ ፖለቲከኛታት ነይሮም እዮም። ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ዝተባህሉ ሽዑ ኣዛዚ ሓይሊ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ከሎ ጌና “ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ምእታው ንዓና ውርደት እዩ”  ዝበልዎ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ብወገነን ካብ መጀመርታኡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ትግራይ ከም ዝኣተወ ኣረጋጊጸን ንዘይሰብኣውነቱ እውን ኣቃሊዐን እየን።  ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ጀሚርካ ክሳብ  ኣብቲ ጉዳይ ብውልቀን ርኢቶ ዝሃባ ሃገራት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ  ናብ ውግእ ትግራይ ኣረጋጊጸን ናይ “ኢድኩም ስሓቡ” መሕጽንታ ከቕርባ ግዜ ኣይወሰደለንን።

እቶም ነቲ ናይ 2018 “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝብል መደረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግቡእ ክከታተሉ ዝጸንሑ ወገናት ግና ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ኣይተሓደሶምን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ውግእ ምስተጀመረ ድሕሪ 17 መዓልታት ናይቲ ኢድ ኣእታውነት ሓደገኛ ሳዕቤን ተገንዚቡ ብምውጋዝ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ካብ ኤርትራ ይውጽኡ” ዝብል መጸዋዕታ ዘቕሪቡ።  ካለኦት ኤርትራዊ ወገናት እውን ከከም ሚዛኖም እቲ ኢድ ኣእታውነት ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይከውን ብምርዳእ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ እውን ብዘይካቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፡ ህግደፍ ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ ናቶም ሚዛን ዘይነበሮም፡ እቲ ድምጹ ዘስመዓሉ ዕድል ዘይረኸበ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻርዚ ኢድ ኣእታውነት ምንባሩን ምዃኑን  ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና  ሳዕቤኑ፡ ማዕጾ  እንዳኹሉ ዝኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ።

ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ምእታው ዝተረድኡ ወገናት ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ደጋጊሞም ኣሰሚዖም  እዮም። ናይ “ኤርትራ ሓይልታታ ካብቲ ውግእ ክስሕቡ” ጸዋዒቶም እውን ኣቃሊሖም እዮም። ነቲ ውግእ ብሰላምን ዘተን ኣብ ምፍታሕ ህላወ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዓንቃፊ ምንባሩን ምዃኑን እውን ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።   ካብዚ ሓሊፎም ንኤርትራ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነታ ዝቐጽዑ እውን ኣለዉ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ህግደፍ ዝወሰነቶ እገዳ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

እቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ክንከውን ዝግበኣና ኤርትራውያን ኢና። ምኽንያቱ እቲ ናይ ኢድ ኣእታውነት ዋጋ ዝኸፍልዎ ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ብሓደ ድምጺ “ደቅና ኣብ ዘይጉዳዮም ኣይህለቑ”  ክንብል ኣይከኣልናን ዘለና። እኳደኣ ዝኸፋፍለና ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ካብ ቅድሙ ካብ ትግራይ ዝተሰምዐ ናይ “ኣይትዝረዩና” ድምጺ ርዱእ ኮይኑ፡ ጉዳዮም ብሰንኪ ህግደፍ ይተሓላለኽ ከም ዘሎ ዝተረድኡ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት “ኢድኩም ካብ ጉዳይና ሰሓቡ፡ ካብ ኤርትራ ትግራይ ትቐርበና” ዝብል ድምጺ ካብ ዘስምዑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብሰንክዚ መርገጾም ዋጋ ዝኸፈሉ እውን ኣለዉ። እዚ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዘይጸውር ድምጺ ኢትዮጵያውያን ሎሚ እውን ኣዝዩ ይዓብን ይሰፍሕን ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ 63 ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዝንቀሳቐሳ ናይ ኦሮሞ ማሕበራት ብሓደ ድምጺ “ጉዳይና ብዘተ ንክፍታሕ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትውጻእ” ዝብል ድምጺ ምስማዐን ብቐሊሉ ዝረአ ስጉምቲ ኣይኮነን።

ብጉዳይ ኤርትራ ተጽዕኖ ዝሓየሎ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ምእታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክልተ ዓይኒ ዝርኢ ዘሎ ይመስል። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ናይ ኤርትራ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ይርኢ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ መሪር ውግእ ዘውጽእ መፍትሒ ንምርካብን ዲፕሎማሲያዊ ምስሉ ንምዕራይን ዝባኑ ቀሊዑን ናጻ ኮይኑን ከየናዲ ናይ ኤርትራ ተጽዕኖ የጸግሞ ከም ዘሎ ዝተረደአ ይመስል። ስለዚ ኣብ መንጎ “ይሓግዙናን ይውጽኡልናን” ተቐርቂሩ ኣሎ። እቲ ዘገርም ከምቲ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ንኤርትራውያን ብሓሳብ ዝኸፋፈለና፡ ንኢትዮጵያውያን እውን ዝኸፋፍሎም ዘሎ እዩ ዝመስል። ኦሮሞን ካለኦት ፈደራላዊ ስምዒት ዘለዎም ወገናትን ዝንባለኦም ናብ “ይውጸኣልና” ክዛዝው እንከሎ፡ ኣምሓራ ዝማእከሉ ሸነኽ ከኣ ናብ “ይሓግዘና” ይዛዝው ከም ዘሎ ብግልጺ ይረአ ኣሎ። ስለዚ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት፡ ንኤርትራ ኣይጠቐማን፡ ንትግራይ ኣዝዩ ጐዲኡዋ፡ ንኢትዮጵያ እውን ከይከፋፍላ  ዘስግእ ምልክታት ዘርኢ ዘሎ እዩ። 

ህግደፍ ውግእ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ሕልሙ ውግእ ኣብ ትግራይ ከምዚ ኮይኑዎ ዘሎ ከይተወዓወዐን ከይተናውሐን ዳርጋ ብስቱር ክውዳእ ድሌት ነይርዎ። ሕጂ ግና ባዕሉ ብዘምጸኦ መዘዝ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝውስን ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።፡ ንድሕሪት መምለሲ መንገዲ ከኣ የብሉን። ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይጉዳይናን ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን”  ኢሉ ምስቲ ኣዋዲቕዎ ዝነበረ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ከዛምዶ ዝፈተኖ ነዚ ዘመላኽት እዩ። ውግእ ኢትዮጵያ ከምዚ ዘርእዮ ዘሎ ምልክታት ብዘተ ከይፍታሕ’ሞ ከም “ኣብ ጐልጐል ዝወገሖ ዝብኢ”  ኮይኑ ከይተርፍ ስግኣት ኣለዎ። ምርጫኡ ግና ሓንቲ እያ። ንሳ ከኣ ነቲ “ኤርትራ ሓይልታታ ትስሓብ” ዝብል ድምጽታት ጸማም እዝኒ ሂብካ ጠኒንካ ኣብቲ ውግእ ምቕጻል እያ። ምኽንያቱ እቲ ፋሕፋሕ ኣብ ኤርትራ ዘስዕቦ  ሓቢኡ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ  ፋሕፋሕ ተሓቢኡ ዕድሜኡ ኣብ ስልጣን ዘንውሕ ስለ ዝመስሎ።

 

Erisaat 1

ናይ መደበር ተለቪዥን  ኢሪሳት ዩቱብ ቻናል፡ ምስ ተግባራት ሰርሰርቲ ብዝተተሓሓዘ ከምዝተዓጽወ ኣካየድቲ ናይታ መደበር ኣፍሊጦም። ናይዛ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበራ ማዕከን ዜና ኣካየድቲ ከም ዝበልዎ፡ እቶም ናይ መርበብ ጉሓሉ ነቲ ኣካየድቲ ኤሪሳት ክጥቀመሉ ዝጸንሑ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ብመንገዲ ናይ ኣዳለውቱ መስመራት ብምእታው፡ ዘየድሊ ትሕዝቶታት ብምፍናው፡ እቲ  ዩቱብ ክዓጽዎ ከምዝገበሩ ገሊጾም። እንተኾነ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ናይቶም ሰርሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ቀልጢፍካ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ኤሪሳት ሓቢራ።

"በዚ መሰረት ምእንቲ  ነቲ ቻነል ምሉእ ብምሉእ ከይድምስስዎ፡  ነቲ መፍትሕ (pssword) ናይቲ ቻነል ቀይሮም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ክሳራ ከም ዝንኪ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም። እንተኾነ፡ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ምዕጻው ናይቲ ቻነል ለስዘኸተለ፡ ካልእ መደባቶም ዝፍንውሉ  መስመር ከናድዩ ኣገዲድዎም ከም ዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ኤሪሳት፡ ጥርዓና ናብ ትካል ዩቱብ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ። ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ ምስ ትካል ዩቱብ ይጸሓሓፉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ ክኸፍትሎም ኣብ ትጽቢት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ክሳዕ'ቲ ኩነታት መፍትሒ ዝረክብ፡ ብካልኣይ ቻነል ፈነወታት ምዝርጋሕ ከምዝቐጸሉ እቶም ኣካየድቲ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ገበን ብመን ከም ዝተፈጸመኳ እንተዘይተገለጸ፡  እቲ ስጉምቲ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ዝተወስደ ምዃኑ እታ ትካል ገሊጻ። ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዝጀመረት ተለቪዢን ኤሪሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ዓፋርን ብሌንን ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ፈነወ ተካይድ እያ። ኣድሚ ሕጂ ብወግዒ ስራሕ ድሕሪ ምጅማራ ዓፈና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን፡ ዳግማይ ኣብ 2019 ናብ ፈነወ ከምዝተመልሰትን ከኣ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ነቲ ተለቪዥን ክከታተል ዘይክኣለ ህዝቢ ንምብጻሕ ፈነወ ሬድዮ ብሓጺር ማዕበል ከምዝጀመሩ ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ናጻ ፕረስ ስለዝኣገደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ብሕቲ ትካላት ሜድያ እየን  ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትድምጺ ህዝበን ኮይነን ዘለዋ።

ስደተኛታት: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም

20 ጥሪ 2022
ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO

መግለጺ ስእሊ,

ኣለም ተስፋይ (ጸጋም) ክብሮም ኣድሓኖምን (የማን)

ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ተሰጋጊሮም።

እዞም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተብሃሉ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2014 ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ካናዳ፡ ከተማ ቶሮንቶ ከምዝኣተዉ ንጉዳዮም ብቐረባ ክከታተሎ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ግሎባል ባይቶ ይኣከል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ግብጺ ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ሰብመዚ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትጥርዝዎም ምሉእ ምድላዋት'ኳ ወዲኦም እንተነበሩ፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጎስጓስ ካብ ምጥራዝ ከምዝድሓኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ እዋን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከይተረፈ ኣለምን ክብሮምን ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ንመንግስቲ ግብጺ ምምሕጻኑ ይዝከር።

ግሎባል ባይቶ ይኣክል ንምፍታሕ እዞም እሱራት ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ"ነቲ ህዝብና ዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕርታት፣ ብማሕበራዊ መዲያ፣ ብትዊተር፣ ብተፈላለዩ ጽሑፋት፣ ብሰላማዊ ሰልፊ፣ ብገንዘባዊ ልግሲ: ወዘተረፈ፣ ግዜኹም ከይቆጠብኩም ጂባኹም ከይበቐቕኩም ንዝገበርክሞ ኣስተዋጽኦ፣ ብሽም ኣለም ተስፋይን ኪብሮም ኣድሐኖምን፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም" ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO

መግለጺ ስእሊ,

እቶም ስደተኛታት ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ብመሰረት ሕጋጋት ካናዳ ንዝተወሰነ መዓልታት ተወሺቦም ከምዝጸንሑ ብምግላጽ "ምስጋና ንምሃብ ክሳብ ዝኽእሉ፣ ኩሉኹም መዓከናት ዜና ንኽትዕገሱና ብትሕትና ንሐትት" ይብል።

ኣለምን ክብሮምን ናብ ካናዳ ንኽሰጋገሩ፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዝርከቡ ኤሪትራውያን ማሕበረ ኮም፣ ከምኡውን 'ንሪሰትለመንት' ንዝምልከት ፍቓድ፣ ካናዳውያን ዩኒታሪያን ካውንሲል፡ ምስ ኤሪትራውያን ማሕበር ቶሮንቶ ልዑል ጻዕሪ ከምዝግበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣለም ተስፋይን ክብሮም፡ ክልቲኦም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም፡ ኣለም ኣብ 2012 ክብሮም ኸኣ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን እንተኾነ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘየለ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ

ምንጪ ስእሊ,AMNESTY INTERNATIONAL

ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቁን ግዳይ ሞት፡ ጾታዊ-ዓመጽን ጭውያን ከምዝኾኑ ይንገር።

Death in refugee camps 1

ላለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ብሰንኪ ስእነት ሕክምና 20 ከም ዝሞቱ ብ21 ጥሪ  2022 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዜና ከም ዝተጠቕሰ ኣብቲ መደበራት ዘሎ ክልኒክ ዝነበሮ መድሃኒት ስለ ዝተወደአ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ 2022 ንደሓር ተዓጽዩ እዩ።

ኣብቲ መደበራት ነዳዲ ስለ ዘየለ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርካብ ቡንባ ንምጥቃም ኮነ፡ ካብ ካልእ ቦታ ምምጻእ ኣይተኻእለን ኢሉ። ብሰንክዚ ድማ እቶም ስደተኛታት ቀልጢፉ ካብ ዝነጽፍ ወሓዚ ክትቀሙ ከም ዝተገደዱን እቲ ዝሰትይዎ ማይ ጠንቂ  ናይ ሕማማት ይኸውን ኣሎ ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለጺኡ በቲ ኩነታት ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ፡ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ተዓጊቶም ዝጸንሑ፡ ሰራሕተኛታቱ ድሕሪቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብቲ መደበራትን ከባቢኡን ዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ኣብ መጀመርታዚ  ሰሙን ናብቲ መደበራት ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ። እቶም ናብቲ መደበራት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኮሚሽን፡ ስደተኛታት ብስእነት መግቢ ኣዝዮም ተጸጊሞም መግብን መድሃኒትን ንምርካብ ክጭነቑ ከም ዝጸንሕዎም ብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ። 

እቲ መግለጺ ናብቲ መደበራት  ስሩዕ ቀረብ ምቕራብ ተሪፉስ፡ ዝለዕለ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኣብ ዘሻቕለሉ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ጠቒሱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ዝነበረ ዕቑር መግቢ ስለ ዝተወደአ ምዃኑ ተፈሊጡ። ከምዚ ብምዃኑ እቶም ስደተኛታት መዕንገሊ መግቢ ንምርካብ ክዳውንቶምን ካልእ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ንብረትን ክሸጡ ከም ዝተገደዱ እውን ተጠቒሱ።

ናብዘን መደበራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሊ ነገራት ምቕራብ፡ ብሰንክቲ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሐ ኩነታት ኣጸጋሚ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ከም ዝገበረ ኣብቲ ጋዜጥዊ መግለጺ ሰፊሩ። እቲ ኣብቲ መደበራት ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ኣካል ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ሚሊዮናት ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባል ምዃኑ እውን እቲ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽ፡ ነቶም ኣብቲ መደበራት ዘለዉ ኣስታት 25 ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ናብ ዝተዳለወ ሓደሽ ውሑስ መደበር ንምግዓዝ ዘኽእል፡ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ንክውሰድ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ኣብዚ ናይ 21 ጥሪ 2022 ጋዜጣዊ መግለጺኡ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ወይ ናብቲ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ መደበር ክወስድዎም ወይ ድማ ኣብዚ ዘለዉዎ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ሕክምናን ከቕርብሎም እንተዘይክኢሎም፡ ዝያዳ ሰደተኛታት ክሞቱ እዮም ኢሉ። በዚ መሰረት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ወገናት ሲቪላት ክሕልዉን ሰብኣዊ መሰልን መባእታዊ ናጽነታት ናይ ሰባትን ንክኽብሩ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። “ስደተኛታት በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ጅሆ ክተሓዙ ኣይግባእን” እውን ኢሉ።

Transitional government in Sudan 1

ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታህ ኣል ቡርሃን፡ ብ19 ጥሪ 2022 ኣብ ክሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሰርሕ ናይ ሚኒስተራት ተግባር ዘካይድ ካቢነ ከም  ዘቖመ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (ሱና)፡ ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ዝተፈልየ ጸብጻብ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ንዋና ጸሓፊ ናይቲ ካቢነት ዑስማን ዑመር ሓሰን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርነት መዝነት ከምዝሃቦ ጠቒሳ። እታ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን  እዚ ውሳነታት ቀጻሊ ምርጫ ኣብ ምድላው ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢራ።

ምስቲ ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ዝሰርሕ ኣካል’ቲ ሃገራዊ ቻርተር ብወገኑ፡ ብዝተፈላለዩ መግለጽታቱ  መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ኣልቡርሃንን ምክትሉ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሀመቲ)ን ምስቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ጸሓፊ ዝተመዘዙ ኣባላት ካቢነ ኣኼባ ኣካይዶም፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታትን ግደ እቲ ካቢነ ኣብ ምህዳእ እቲ  ናይ ቅልውላውን ኩነታትን ብዝምልከት ኣብሪሀምሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ንሱዳን ካብቲ ዘላቶ ዘሻቕል ኩነታት ንምውጻእን ፍትሓዊ ምርጫ ተኻይዱ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሳብ ዝርከብን ብዛዕባ ዘድሊ ሓያል ስራሕን ጻዕርን ከም ዝተሰማምዑ ከኣ፡ ኣብዚ ሓደሽ ካቢነ ተጠባባቒ ሚኒስተር ዜና ናስር ኣልዲን ኣሕመድ መሓመድ  ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዚ ሓድሽ መሰጋገሪ ካቢነ፡ ናይ 2022 በጀት ከም ዘጽደቐ እቲ ተጠባባቒ ሓላፊ ዜና መሓመድ ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ ከም ዝበሎ፡ እቲ ዝጸደቐ በጀት ንመዳያት፡ ጸጥታ፡ ናይ ወጻኢ ዝምድናን ዲሞክራስያዊ ምርጫን ዝምልከት እዩ።

ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብ2 ጥሪ 2022 ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝሰሓበ ይዝከር። ንሱ ነዚ ካብ መዝነቱ ናይ ምውራድ ውሳነ ዝወሰነ፡ ነቲ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝተፈጥረ ደማዊ ጐንጽታት ጠጠው ከብልን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ክምስርትን ስለ ዘይከኣለ እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ዚምባብዌ ንወለዱ  ከም ዘጥቀዐ፡ ሬድዮ ኤረና፡ ናይ ዚምባበወ ማዕከናት ዜና ብምጥቃስ ኣብ ናይ 19 ጥሪ 2022 ፈነወኣ ሓቢራ። እቲ ኣብ ሆላንድ፡ ናይ  ዩኒቨርስቲ ተመሃራይ ምንባሩ  ዝተጠቕሰ ስሙ ዘይተረቑሐ  ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብቀዳም 15 ጥሪ 2022 እዩ ንክልቲኦም ወለዱ ብውሕዱ 18 ግዜ ብኻራ ከም ዝወግኦም ጸብጻብ ፖሊስ ዚምባብዌ ከም ዘፍለጠ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እቲ ግዳይ ዝኾነ  ኣቦኡ፡ ዳኒኤል ፍጹም ዝበሃል ናይ ኤምባሲ ሰራሕተኛ (ዲፕሎማት) ከም ዝነበረ፡ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ኣብ ኣፍልቡን ከብዱን ብኻራ ተወጊኡ ከም ዝሞተ ሓቢሩ። ዮርዳኖስ ዘርኦም ዝተባህለት ኣዲኡ ድማ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዋ ኣብ ሆስፒታል ትእለ ከም ዘላ ተጠቒሱ።

እቲ ብቅትለት ኣቡኡን ብፈተነ ቅትለት ኣዲኡን ዝተኸሰ መንእሰይ ኣብ 27 ጥሪ  ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብን ክሳብ ሽዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሕን ከኣ እቲ ዜና ኣስፊሩ። እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ልዕሊ ወለዱ ብከምዚ ኣገባብ  ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝፈጸመሉ  ምኽንያት ኣይተሓበረን።

ምንጪ ሓበሬታ፥-ኣዲስ ስታንዳርድ

 

 

Meaza Mohammed 1

 

                                                           ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ

ቅድም ክብል ኣብ ኣባይ መዲያ  ትነጥፍ ዝነበረት፡ ደሓር ግና ሮሃ መዲያ  ኣብ ዝበሃል ናታ  ናይ ቀጥታ ፈነወ  መስሪታ ከም ሓላፊት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትነጥፍ ጀመረት ጋዜጠኛ  መኣዛ መሓመድ ብ18 ጥሪ 2022 ከም ዝተፈትሐት ኣዲስ ስታንዳርድ  ዝተባህለት መርበብ  ሓቢራ። መኣዛ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን  ወርሒ ታሕሳስ 2021 እያ ሲቪል ብዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኣ ተኣሲራ።

በዓል ቤታ ኣቶ ሮበል ገበየሁ ንጋዜጠኛታት ከም ዝገለጾ፡ መኣዛ መሓመድ ምስተኣስረት፡ ገዝኣ ኣይተጐርጐረን ብዛዕባ ዝተኣስረትሉ ምኽንያት እውን ኣይተሓተተትን። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ ዋላኳ መኣዛ ብተደጋጋሚ ናብ ቤት ፍርዲ እንተቐረበት ፖሊሲ ብዛዕባ መእሰሪኣ ምኽንያት መረጋገጺ ከቕርብ ኣይከኣለን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ መርተዖ ምስ ሰኣነ ከም መህደሚ ዝተጠቕሞ ሜላ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራባ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።  ኣብ መወዳእታ ፖሊስ ዝሃቦ ምኽንያት ብድፉኑ ብምኽንያት ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ስለ ዝተኣስረት ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ኣይከኣለትን  ዝብል ነይሩ። መኣዛ ኣብ ርእሲ ሞያ ጋዜጠኝነት መምህር እያ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ዓለም ለኸ ኮሚተ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ 2021 ካብ ሃገራት ሳብ ሳሕራን ብምእሳር ጋዜጠኛታት ናይ ቀዳማይን ካለኣይን ደረጃ ዝሓዛ ብቕደም-ሰዓብ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን እየን። ብዓለም ደረጃ ከኣ ኤርትራ ምስ በዓል ቻይና፡ ማያንማር፡ ግብጺ፡ ቨትናምን ቱርክን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ምፍታሕ ዕድል ኣለዎም። ኣብ ኤርትራ ግና ሓንሳብ እንተተኣሲርካ ምውጻእስ ይትረፍ ሓታታይ እውን የለን።

ምንጪ፡ (NTB)

NOBEL PRIZE 1ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ክቡር ሽልማት ኖበል፡ ብ13 ጥሪ 2022 ብዛዕባ’ቲ ብ10 ታሕሳስ 2019 ዝሽለሞ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ መግለጺ ከም ዘውጸአ (ኤን-ቲ-ቢ) ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ሓቢሩ። እቲ ኮሚተ ነቲ መግለጺ ከውጽእ ዘገደዶ  እቲ ኣብታ እቲ ናይ 2019 ሽልማት ኖበል ዝተዋህበ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሓ ዘሎ ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘኸተሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ኮሚተ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም መራሒ ሃገርን ናይ ሽልማት ኖበል ተዓዋትን፡ ነቲ ህውከት ጠጠው ኣቢሉ ሰላም ክሰፍን ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ።

በቲ መግለጺ መሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ክቡር ሽልማት ኖበል ዝበቕዐ ነቲ ኣብ መንጎ ጐረቤት ኤርትራን ሃገሩን ዝነበረ ናይ ኣፍሪቃ ዝነወሐ ናይ ጐንጺ ግዜ ዝተባህለ ኩነታት ናብ ሰላም ብምምጽኡ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ መግለጺ ኣብይ  ሽልማት ዝተወህበ፡ በቲ ኣብ መጀምርያ ዘበርከቶን  በቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ኩነታት መሰረት ኣብ መጻኢ ክሰርሕ እዩ ብዝብል ትጽቢት ምንባሩ ብትኹረት ክረአ ይግበኦ ክብል እቲ ኮሚተ ሓቢሩ። እንተኾነ እቲ ታሪኻዊ ኩነታት ንድሕሪት ብምምላስ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳርን ሰፊሕ ዓለታዊ ጐንጽታትን ኣኸቲሉ ኢሉ።

እቲ ኮሚተ፡ ዋላኳ ዝተወሰነ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ማሕበራዊ  ቅልውላው ሓደሓደ ነጥብታት እንተጥቐሰ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸብጻብ ምቕራብን ብዛዕባ ሓንሳብ ዝተዋህበ  ሽልማት ኖበል ተመሊስካ  ምድህሳስን ናቱ ተግባር ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።