ምትእስሳር መንእሰያት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣኼባ ኣካይዶም
2025-11-05 17:49:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 59 timesምትእስሳር መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ሕዳር 2025 ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብ መኸፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ማእከላይ ባይቶን ሓላፊ መንእሰያት ሰዲህኤ ናይቲ ዞባን ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣስሚዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታታን ህዝባን ንተሳተፍቲ መብርሂ ሂቡ።
ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ምእንቲ ነጻነት ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ህዝብና ግና ኣብ ዝሓለፉ 34 ዓመታት ይሕልፎ ብዛዕባ ዘሎ ኩለመዳያዊ ሓሳረ-መከራ ኣስፊሩ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኣልቦ ሃገር ትኸውን ምህላዋን እዚ ኩነታትዚ መፍቶ ጸላእታ ምዃኑን ኣብሪሁ። ነቲ ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ብልዝብን ዲፕሎማሲያዊ መስርሕን፡ ብሓይሊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ንምውሳድ ዘቕርቦ ዘሎ ዘይምኽኑይን ዘይሓላፍነታውን ሃቐነ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ነጺግዎ።
ኣብቲ ኣኼባ ብሓደ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረብ ሓሳብ ድማ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሕድሕድ ጽልኢ፡ ምርሕሓቕን ምንእኣስ ወጺኦም ምስ ሰብ ሃብታም ተመኩሮን ተቓለስትን፡ ናይ ሓባር ውዳበ ወኒኖም ካብ ምቅላስ ካልእ ምርጫ ከምዘየብሎም ኣንጸባሪቑ። ካልእ ወሃቢ ርኢቶ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ለውጢ ልሒኹ ብምእታው ክበታትነና ካብ ምፍታን ዓዲ ከምዘይውዕ ጠቒሱ ኣድላይ ጥንቃቐ ምግባር ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኤርትራውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት መሪር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ከተማታት ተገዲዶም ናብ መደበራት ዝውሰዱ ዘለዉ ግዳይ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝካየደ ዘሎ ውግእ ከይኮኑ ስለ ዘስግእ፡ ንኩነታቶምን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታትናን ግቡእ ቆላሕታ ንክግበር ዘተሓሳሰበ ከኣ ካልእ ተሳታፊ መንእሰይ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ሱዳን ይፍጸም ብዛዕባ ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለትን ጭካነን ድማ በቶም ኣኼበኛታት መንእሰያት ተኾኒኑ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ መወዳእታ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ ዘውጸኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን መሰሎም ክሕለውን፡ ተኣሲሮም ዘለዉ መንእሰያት ንክፍትሑን ኣተሓሳሲቦም።