ሓጺር ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ ኩሎም ኣባላቱ

2024-07-09 08:13:31 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 368 times

EPF Headed Paper

 

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ  ንኽልቲኡ ጾታታት ዝምልከት ኢዩ።

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ) ብ6 ሓምለ 2024 ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላቱ ኣካይዱ። ነቲ ኣኼባ ዘሳሰዩ ካብ 3 ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝቖሙ ኰይኖም ብዋና ኣሳሳዪነት ናይ ሓፍትና ኣድያም ተፈራ ኢዩ ተመሪሑ። ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ኩሎም ሰማእታት ኤርትራ ኢዩ ተኸፊቱ።

News Report on EPF Members Meeting

ሓፍቲ ኣድያም ንኹሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መጻእክንን ቃል ድሕሪ ምቕራብ፥ ቅድሚ ሕጂ ናይ ኩሎም ኣባላት ኣኼባ ተገይሩ ምንባሩ ዘኪራ። እዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ድማ፡ ኣብ ዝመጽእ ነሓሰ ንዝግበር ፈላሚ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) እሂን ሚሂን ንምብህሃል ከምዝዀነ ሓቢራ። ድሕሪ’ቲ ብኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዝውሃብ መግለጺታት ድማ ናይ ሕቶ፥ መልስን ርእይቶን ዕድላት ንተሳተፍቲ ክውሃብ ምዃኑ ብምሕባር ንኣቦ መንበር ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ መግለጺኡ ክህብ ናብ መድረኽ ዓደመቶ።

ኣቦ መንበር ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ናይ ሰላምታ መልእኽቱ ድሕሪ ምትሕልላፍ፥ ሕጂ ካብ ምስንዳእን ምውህሃድን ናብ ምቛም ሰፊሕ ጽላል ንሰጋገር ስለዘሎና ዮሃና ብምባል ሓጐሱ ገሊጹ። ነቶም ካብ ኣውስትራልያ ዝተሳተፉ ኣባላት ድማ ኣብ ናይ ድቃስ ሰዓታቶም ስለዝነበረ ንዝገበርዎ ተሓባባርነት ፍሉይ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ ኩነታት ሃገርና ውግእ፡ ሞት፡ ስንክልና፡ ስደት፡ ምፍንቃል፡ ሕሰምን ሕማቕ መነባብሮን ኰይኑ ምህላዉ ኣስሚርሉ። ኣህዛብ ጐረባብትና ሃገራት ዝዀና ሱዳንን ኢትዮጵያን ውን ብተመሳሳሊ ቅልውላዋት ይሳቐ ምህላዉ ገሊጹ። ፈታዊትና ዝዀነት ሃገር ሶማልያ ውን፡ ኣብ ዘይዛሪ ናይ ዘይምርግጋእ ኩነታት ከምዘላ ጠቒሱ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ዘካየድናዮ ኣኼባ ናይ ኩሎም ኣባላት ፖ.ሓ.ኤ ሓደ ካብ ዝቐረበ ለበዋ እዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ናይ ምውህሃድ ስራሕ ንድሕሪት ከይምለስ ዝምሕጸን ናይ ስግኣት ለበዋታት ከምዝነበረ ዘኪሩ። ሎሚ ነቲ ዝጀመርናዮ ስራሕ ንምዝዛም ሓንቲ ወርሒ ጥራሕ ኢያ ተሪፋትና ዘላ ብምባል ድማ ትስፍው ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ነሓሰ እነካይዶ ዋዕላና  ከመይነት ኣሰታትፋና ውዱእ ኢዩ፥ ናይ ዋዕላ ሰነዳትና ማለት ቻርተር፡ ቅዋምን መርሓ ጐደናን ተጻፊፉ ተነዲፉ ተዳልዩ ኣሎ ኢሉ።

ኣስዒቡ ካብ ሕዳር 2023 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ዓርቢ ዓርቢ እናተራኸበ  ብድምር 20 ኣኼባታት ኣካይዱ፡ ሓንቲ ዓርቢ ጥራሕ ኢዩ ከይተኣከበ ሓሊፉ ብምባል ድማ ንስርሓት ላዕለዋይ ኣሰጋጋሪ ኣካል ኣድኒቑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነፍስወከፍ ቤት ጽሕፈት ዘካይዶ ኣኼባታትን ካልእ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝግበር ርክባትን ክውሰኾ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ኣህላኺ ጻዕርታት ከምዝተኻየደ ዝእምት ምዃኑ ጠቒሱ። በዚ ድማ ንኹሎም መሳርሕተይ ከመስግኖም እፈቱ ኢሉ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ሰነዳት ንምጽፋፍ ዝቖማ ሰለስተ ኮሚቴታት ውን ዝገበርኦ መዘና ዘይብሉ ጻዕሪ መዘና ብምዝካር፡ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ኣኼባታት የካየዳ ነይረን ብምባል መጐሱን ኣዳናቖቱን ገሊጹ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ እቶም ንምቛም ሰፊሕ ጽላል እንምርኰሰሎም መሰረታውያን መትካላት 4 ምዃኖም ገሊጹ። ንሳቶም ከኣ፦

1. ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ምውዳቕ፥

2. ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል፥

3. ልዑላውነት መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ኤርትራ ምኽባር፥

4. ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር ኢዩም ኢሉ።

ኣብ መዛዘሚ መግለጺኡ ድማ፡ ድሕሪ ዋዕላ ክሕወሱና ንጽበዮም ፖለቲካዊ ኣካላት ኣለዉ ኢሉ። ንሳቶም ከኣ፡ ብቐዳምነት እቲ ምሳና ሓቢሩ ክሰርሕን ኣብ ምስንዳእ ኩሎም ሰነዳትናን ስርሓትናን እተሳተፈ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን (ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ)፡ ከምኡ’ውን፡ ድሒርና ዝርርብ ዝጀመርና 2 ውድባትን 9 ማሕበራት ዝሓቘፈ  ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን (ኤ.ል.ዲ.ለ) ክሕወሱና ብተስፋ ንጽበዮም ኣሎና ኢሉ። ኣብ ርእስ’ዚ ካብ ኣሳላጢት ኣካል ንምቛም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ዝመጸና መልእኽቲ ኣሎ መልስና ድማ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ክንህቦም ኢና ኢሉ። እቲ ዓቢ ቁም-ነገር ካብ’ዚ ዝሓለፈ ተመኩሮና ናይ ምውህሃድ ዝተማሃርናዮ ድማ፡ ምድምማጽ፡ ምጽውዋርን ንዘጋጥሙና ብህዱእ መንፈስ ሓሳባትናን ርእይቶታትናን ብግልጽነት ብምልውዋጥ መፍትሒታት ምርካብን ኢዮም። እዞም ክብርታት’ዚኣቶም ድማ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ሓደ ጽላል ጒዕዞና ክንዕቅቦም ከምዝግብኣና ኣስሚርሉ።

እቲ ካልኣይ ካብ ኣባላትና ኣብ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣኼባና ዝቐረበ ለበዋ ኣብ ህዝባዊ መራኸቢታት (Mass Media) ወጺእና ክንዛረብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብዙሕ እኳ እንተዘይኰነ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ረድዮ ኤረናን ረድዮ መስከረም 61ን ወጺእና መግለጺታት ሂብና ኢና ኢሉ።

ብድሕር’ዚ ሓለፍቲ ናይዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ኣብያተ-ጽሕፈታት በብተራ መግለጺታቶም ኣቕሪቦም።

1. ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ፦ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፥

2. ሓው ዮውሃንስ ኣስመላሽ፦ ሓላፊ ክፍሊ ዲፕሎማስን መጽናዕትን፥

3. ሓው እስማዒል ገባይታ፦ ሓላፊ ክፍሊ  ዜና

4. ሓው ካሕሳይ ጉፍላ፦ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስን ማሕበራዊ ጉዳያትን

5.  ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ፡- ሓላፊ ክፍሊ ምልዕዓል

ጽሟቕ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ድማ፦

1. ናይ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈትን እተን 4 ክፍልታትን ነናተን ምምሕዳራት ከምዘቖማ፥

2. ናብ ናይ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ናብ ሕብረት ኣውሮጳን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያን መልእኽቲ ከምዝተጻሕፈ። እቲ ጽሑፍ ብስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ብዝርዝር፥

3. ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን፥

4. ፓ.ሓ.ኤ፡ ኤ.ል.ዲ.ለን ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ብሓባር ን3 መዓልታት ዝቐጸለ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ከምዝተለሙን፥ ኣብ ምፍጻሙ ግን፡ ወኪል ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጸገማት ሃገራዊ ባይቶ ክሳተፍ’ኳ ኣይኽኣል እምበር፡ ነቲ ዝተገብረ ርክባት ግን ድጋፉ ገሊጹ ኢዩ። ኣብ’’ዚ ወፍሪ ዝተራኸብናዮም ኣካላት ብጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነጥፉ ሰበ-ስልጣን ወጻኢ ጉዳያት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተሓለቕቲ ማሕበራትን ናይ ሰላም ትካላትን ኢዮም ነይሮም። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ ንዝገበረልና ምትሕብባር ነመጉስ ኢሎም፥

5. ዝተለምናዮም ናይ ስራሕ መደብ ዝተፈጸሙን ዘይተፈጸሙን ኣለዉ ተባሂሉ፥

6. ንጉባኤናን ምስኡ ዝተሓሓዝ ወጻኢታት ንምሽፋን ነፍስወከፍ ኣካል ናይ ፖ.ሓ.ኤ ክኸፍሎ ዝተሰልዓሉ ዓቐን ኣታዊ ገይሩ ምህላዉ፥

7. ኣብ መንጐ እተን ክፍልታት ምትሕብባር ዝሓትት ዕማማት ከምዝነበረን ኣብ መጻኢ’ውን ክህሉ ምዃኑን፥ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ዝምልከት ኣፈናዊ መጽናዕቲ ክግበር ከም መደብ ተታሒዙ ምህላውን

ተሓቢሩ፥

8. ኣብ መዳይ ህዝባዊ ምልዕዓል ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምቕራብና ብዛዕባ ስርሓትና ዝምልከት ሓደ ተረድኦ ንኽህሉ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝተኻየደ። ብድሕር’ዚ ብሓባራዊ ተረድኦና ንመራሕቲ ዞባታት ኣኼባ ኣካይድና። መራሕቲ ዞባታት ድማ ነቲ መልእኽቲ ናብ ጨናፍሮም ኣብጺሖሞ። በዚ ድማ፡ ኣብ ኩለን ክፋላት ናይ ዓለምና ዝርከቡ ኣባላት ፖ.ሓ.ኤ  እቲ መልእኽቲ በጺሑ ኣሎ ማለት ኢዩ።

9. ኣብ ሰፊሕ ኣኼባ ናይ ኣባላት፡ ዕማማት ናይ ምውህሃድ መድረኽ እንታይ ምዃኖም ከምዝበርህ ተገይሩ፥

10. ሕጂ ድማ፡ ናይ ምውህሃድ ዕማማትና ብግቡእ ዛዚምና ናብ ናይ ሓባር ጽላልን ኣመራርሓን እነቑመሉ መድረኽ ንሰጋገር ኣሎና ኢሎም፥

11. ኩሉ’ቲ ዝተለምናዮ እኳ እንተዘይፈጸምናዮ፡ ዝከኣለናን ማዕረ ዓቕምናን ዝዀነ ዕማማት ኣሰላሲልና ኢና፥

12. ጉባኤና ብዓወት ክዛዘም ናይ ነፍስወከፍ ኣባል ሓላፍነት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ፥

13. ድሕሪ ምዝዛም ዋዕላና ውጽኢታቱ ንህዝቢ ንምሕባር ፈስቲቫል ኣብ ፍራንክፈርት ተዳልዩ ኣሎ ዝብል ነይሩ።

ኣብ መደምደታ፡ መድረኽ ንሕቶ፡ ርእይቶን ለበዋታትን ተኸፊቱ። ኣባላት ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ ንዝቐረበሎም ሕቶ እናተሓጋገዙ መልስታቶም ሂቦም። ንዝቐረቡሎም ለበዋታት ድማ ተቐቢሎም። ከምኡ’ውን፡ ንኹሎም ተሳተፍቲ ብሓበራ፡ ንሓው ግርማይ ዘሚካኤል ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ውድቡ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ናይ ተቓውሞ እናተረኽበ ከይሰልከየ ካብ ትግርኛ ናብ ዓረብኛ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ዝፈጸሞ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም መጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜና

6 ሓምለ 2024  

Last modified on Tuesday, 09 July 2024 10:31