ኣንበሳደር ማክሮ ሩቢዮ ንኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣዘራሪብዎ

2026-03-12 19:27:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 35 times

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ፡ ብ11 መጋቢት 2026 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ብስልኪ ከም ዘዘራረቦ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምክትል ወሃቢ ቃል ቶሚ ፒጎት ኣፍሊጡ። ኣብ ዝርርቦም ብዛዕባ ዞናዊ ምርግጋእን ምውሓስ ዘተኣማምን ጸጥታን፡  ምቅላስ ኣንጻር ምፍጣር ራዕድን ቁጠባዊ ምትሕብባር ምቕጻልን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዘልዓሉ’ውን ቶሚ ሓቢሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይቲ ናይ ስልኪ ርክብ ቀንዲ ዓላማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ምስ ኤርትራ ናብ ዘይተደልየ ጐንጺ ንከይኣቱን ብጀነራል ደጋሎ ንዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ካብ ምሕጋዝ ክቑጠብን፡  መልእኽቲ ዋሽንግተን  ንምትሕልላፍ ምንባሩ ድማ፡ ኦል ኣፍሪካ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝተኻየደ፡ መራሕቲ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ከተማ ጅቡቲ ኣብ ኣኼባ ኣብ ዝነበርሉ እዩ። ናይቲ ኣኼባ መራሕቲ ሰለስቴን ጉረባብቲ ሃገራት ዕላማ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ምትሕብባር ንምቕጻልን ምንባሩ ከኣ፡ “ሆርን ዲፕሎማት” ዝተባህለ ኣካል  ጠቒሱ።

ተዓዘብቲ ናይቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ብወገኖም፡ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕረን ክትጥቀም እትደልየን ዘላ ሃገራትን ዝረአ ዘሎ ምትፍናን ንምህዳእ እዩ ይብልዎ። ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ኣሰር እስራኤል ተኸቲላ፡ ንሶማሊላንድ ልኡላዊ ኣልጦ ክትህባ ትኽእል እያ ዝብል ግምት ከም ዝተዘራረቡ’ውን ተሓቢሩ።

ብዛዕባቲ ርክብ ኣሚሪካዊ ማክሮ ሩቢዮን ኣብይ ኣሕመድን ኣኼባ መራሕቲ ኣብ ጅቡትን ብወገን ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።  

Last modified on Thursday, 12 March 2026 20:35