ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ክንድዚ ስቕታ

2023-04-04 16:59:29 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 916 times

ሓሳባትን ርእይቶን ሂወታዊ ባህርያዊ ነጻነት ናይ ወዲ-ሰብ ኮይኑ፡ ሰብ ከማኻ ን32 ዓመት ሕዋሳትካ ከምክኖም ክልተ ሞት’ዩ።

ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣርእስተይ ተኸቲለ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰበይ ምስታ ዝፈትዋ ሃገረይ ሕልናዊ ዕረፍቲ ክህበኒ እንከሎ፡ ብርእሰተኣማንነት ሓበንን ክብርን ይስመዓኒ። እዚ ከኣ ነፍስ-ወከፍ ወዲ-ሰብ ንክብሪ ሰብኣውነቱን ንክብሪ መንነቱን “ ኣነ - ኣነ እየ “ ምስ በለ፡ እቲ ሓቀኛ መግለጺኡን እቲ ናይ መጀመርያን መወዳእታን እቲ ሓቀኛ ሓሳባቱን ርእይቶኡን’ዩ።   

ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣነ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ኣብዚ ናይ ሓደ ወለዶ 32 ዓመታት፡ እቲ ስርዓት ባህርያዊ ነጻነትካን መሰልካን ደዊኑ ዝኸይድ ዘሎ ዘስደምም’ዩ እብል። ዝመጽእ ወለዶኸ እንታይ’ዩ ክብለካ? እወ ኣብዚ 32 ዓመታት፡ ዓመት መጽአ ከም ሰብ ነቲ ስርዓት እናተዓዘብኩዎ ብዝኸድኩ፡ መመሊሱዩ ዘስደምመኒ። ኣታ ህዝቢ ደቅኻ ስኢንካ መኣዲ ስድራ-ቤት በረውረው ኢሉ፡ ህድሞ መጽለሊትካ ካብ ተረገጠን ኣብ ግዳም ካብ ተደርበኻን፡ ካብዚ ንደሓር እንታይ ትጽበ ኣሎኻ። እቲ ስርዓት ብድሕራይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ እናበለካ፡ ኣነ ስቕታኻ ደንጽዩኒ’ሎ።

ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ደፊሩ ደኣ ኣይትበሉኒ’ምበር፡ ኣብዚ ሓደ ነገር ዝብሎ - ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ሰባት ብምዃንና ኣእምሮ ዝተዓደለና ካብ እንስሳታት ዝተፈለና ክንስና፡ ን32 ዓመታት ክብርናን መሰልናን ተረጊጹ መግለጺ ዘየብሉ ሂወት እናኣሕለፍና፡ ሕጅስ መግለጺ ስኢነሉ ስቕታና።

ስማዕ ሓወይ ኤርትራዊ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። እምበርከ ናይ ምንባር ሂወት ትፈልጦ ዲኻ? ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ወለዶ ክሓትተካ ምዃኑ ኣይጠራጠርን’የ። ንሕቶ መንእሰይ ወለዶ ኣቦ ኣደ ኣያታት መልሲ’ውን ትረኽበሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሓደ ሕብረተሰብ - ህዝብን ሃገርን ክንስኻ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርኻ በቲ ስርዓት እናተደምሰሰ ብስቕታ ክትሓልፎ፡ እዚ ታሪኻዊ ዕሽነት ተባሂሉ ንወለዶታት ክስነድ’ዩ። ሕሰብ ኤርትራዊ፡ ጽባሕ ንግሆ ደኒንካ ከይትኸይድ እቲ እዋን ሕጂ’ዩ ብሓባር ነቲ ስርዓት ኣልግስ በሎ። መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ሃገርካ ኣድሕነኒ ትብለካ’ላ፡ ሃገር ናትካ’ያ።

ስማዕ ኤርትራዊ፡ ሃገር ብህዝቢ’ያ ትቐውም። ህዝቢ ሃገር’ዩ ሃገር ከኣ ህዝቢ’ዩ። ብዘይወዲ-ሰብ ብዘይ ህዝቢ ሃገር ዝበሃል የሎን። ሕጂ’ውን ስማዕ ኤርትራዊ ይብለካ ኣለኹ - 32 ዓመት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ባርነት ድንቁርና ኣብ መዋእል እምኒ ኣይኮንካን ትነብር ዘሎኻ። ኣብ መዋእል ዲጂታል ዓለም ተለዊጣትሉ ዘላ ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። ሕሰብ ኤርትራዊ ተመሊስካ ሕዋሳትካ ኣዛርቦም።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ - ቃለመሓትት ናይቲ ስርዓት ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ኣየገርሞን’ዩ። እንተ’ቲ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላሞ፡ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ሓፊረ’የ። ንሓተትቲ ጋዜጠኛታት ድማ፡ ዋላኳ ሞያዊ ስርሖም ይኹን’ምበር፡ እቲ ኤርትራዊ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ክሓትቶ ዝግብኦ ብምሕታቶም፡ ክብሪ ወዲ ሰብ ብምሃቦም (ብምቕራቦም) ደጋጊመ የቕንየልና እብሎም። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ድማ፡ ጋዜጠኛታት ኤርትራውያን ካብዚ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተማሂርኩም ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ሽግርኩም ይርድኣኒ’ዩ፡ ተመሊስኩም ንሕልናኹም ከም እትሓትቱን ኣበየናይ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና ከም እትብሉን ኣይጠራጠርን እየ።

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ

ክፍላይ ተኪአ

ጀርመን             

Last modified on Tuesday, 04 April 2023 19:03