ንሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲታት ትግራይ ደሞዝ ምኽፋል ክጅመር’ዩ

2023-03-16 22:01:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 934 times

ኣብ ትግራይ ናይ ዝርከባ 4ተ ዩኒቨርስታት ሰራሕተኛታት ደሞዝ ንምኽፋል ምድላው ከም ዝተገብረ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር፡ ንሓለፍቲ ናይተን ዩኒቨርሲታት ብምጥቃስ ሓቢራ። ናይቶም ሰራሕተኛታት ዝተዋህለለ ደሞዝን ናይ ሓደ ወርሒ መካየዲ ስራሕን በጀት ብ9 መጋቢት 2023 ብሚኒስቴር ገንዘብ ፈደራል ኢትዮጵያ ከም ዝጸደቐ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ካብ ቅድም ምምሕዳረን ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበራ፡ ብሰንኪ ውግእ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ ኣገልግሎት ኣቋሪጸን ዝጸንሓ ዩኒቨርሲታት፡ መቐለ፡ ዓዲ ግራት፡ ኣክሱምን ራያን እየን። ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ካብ ሓለፍቲ ናይተን ዩኒቨርስታት ረኺበዮ ብዝበለቶ ሓበሬታ መሰረት፡ ናይተን ዩኒቨርሲታት ሰራሕተኛታት ንዝሓለፈ 20 ኣዋርሕ ደሞዝ ከም ዘይተኸፍሎምን ነዚ ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ  ሚኒስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ  ከም ዝተዘራረብሉን ተፈሊጡ።

በቲ  ምንጪ መሰረት፡ ዝተወንዘፈ ተባሂሉ ክኽፈል ተሓሲቡ ዘሎ ደሞዝ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ዝኽፈል ገንዘብ ድሮ ኣብ ሕሳብ ባንክ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ ከም ዘሎን፡ ናብ ሕሳብ ናይተን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ኮለጃት ከም ዝተላእከን ተጠቒሱ። እቶም ተጸዋዕነቶም ናብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ደሞዞም ከም ዝኽፈልን ድሕሪ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ምምስራቱ ብቐጥታ ክለኣኽ  ከም ዝኾነን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ንዝምልከቶም ኣዘራሪበ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኢላ ከም ዝጠቐሰቶ፡ ኣመሓደርቲ ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ 20 መጋቢት 2023 ደሞዝ ክንከፍል ኢና ኢሎም። ሓለፍቲ ራያ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም ደሞዝ ንምኽፋል ዘኽእል ምድላው ከም ዝወደኡ ክገልጹ እንከለዉ፡ ሰራሕተኛታት ራያ ዩኒቨርሲቲ ድማ  “ብኣካል እናቐረብኩም ኣመልክቱ” ዝብል ጸዋዒት ከም ዘውጸአን ብኽታሞም ከም ዘመልከቱን ሓቢሮም። 

ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ናይ ዓመተ 2022-2023 በጀት ከቕርብ እንከሎ ኣብ ትግራይ ንዝርከባ ዩኒቨርሲታት ብድምር 3.5 ቢልዮን ብር ኣጽዲቑ። ኣብቲ ዝርዝር ድማ ንመቐለ ዩኒቨርሲቲ 1.2 ቢልዮን ብር፡ ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ 845 ሚልዮን ብር፡ ራያ ዩኒቨርሲቲ 691.8 ብርን ዓዲ ግራት ዩኒቨርሲቲ 691.2 ሚልዮን ብርን ብዝብል ዘርዚሩ ከም ዘስፈረ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

Last modified on Thursday, 16 March 2023 23:07