ዶር. ኣብይ ኣሕመድ ሃገሩ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ: ሃገር ኣይትኸውንን’ያ ኢሉ
2025-07-04 21:59:26 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 23 timesቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ3 ሓምለ 2025 ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝቐረብሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ፡ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ እንተኾነ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ኢሉ።
ዶር ኣብይ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘሃቦ መብርሂ፡ “ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ፡ እዚ ድማ መሰላ እዩ፡ ነዚ ምቅዋም ኣየድልየናን” እውን ኢሉ። እዚ ልኡላዊ ሃገራውነት ብተመሳሳሊ ናይ ጅቡትን ሶማልያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ መሰል ከምዝኾነ ድማ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት እዘን ሃገራት ኣፍልጦ እትህቦ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እውን ከገድሰን ይግባእ ክብል ጠቒሱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናብ ትግራይ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብ ትግራይ እቲ ህዝቢ ውግእ ከይካየድ ዝሰግእ ክነሱ፡ እንተኾነ ውግእ ዝሃርፉ ወገናት ከም ዘለዉ ንምብራህ ክብል፡ ብትግርኛ “ንድሙ ጸወተኣ ንእንጭዋ ከኣ ጻዕረ-ሞታ” ብዝብል ኣገባብ ጠቒስዎ። ሓያልነቱ ንምርኣይን ንምፍርራሕን ከኣ ሎሚ ጠባይ ናይቲ ውግእ ዝተቐየረሉ ግዜ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ውግእ እንተተኸፊቱ ቆላሕታ ዝህብዎ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣይክህልዉን እዮም’ ውን ኢሉ።
ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝደኸመ ደረጃ እዩ ዘሎ” ብዝብል፡ ከይዕሸዉ ድሕሪ ምዝኽኻሩ ከኣ፡ እቶም ንክሕግዝዎም ዝጽበይዎም፡ ወገናት “ንገዛእ ርእሶም ዘይኮኑ እዮም” ብዝብል ኣነኣኢሱ ጠቒስዎም። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ ማሕብረ-ሰብ ትግራይን ዲፕሎማሲያዊ ኣካላትን ውግእ ከይተኸፍተ ሰላማዊ መፍተሒ ንክርከብ ንክጽዕቱ ተማሕጺኑ፡ ጉዳይ ተበላሽዩ ድሕሪ ውግእ ምጅማሩ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ጠቕሚ ኣይክህልዎን እዩ ኢሉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበሉ ናይ ዝሓለፈ ዓመት በጀት ኣፈጻጽማ ጸብጻብ ሰሚዑ ናይ ዝመጽእ ዓመት በጀት እውን ኣጽዲቑ።