ኣብ ፈስቲቫል ፖሓኤ 2025፡ ዝቐረበ ቃል ምሕዝነት ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን

2025-08-04 15:48:57 Written by  ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 87 times

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሰናዳእቲ ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2025  

ዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ኤርትራ!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2025!

ንባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ኣብ ፈስቲቫልኩም ንኽትሳተፍ ብዝገበርኩምልና ዕድመ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምስጋናኣ ተቕርብ። ናብ‘ዚ ክቡር ፈስቲቫልኩም ብኣካል ምሳኹም ንኽንውዕል ባህጊና እኳ እንተነበረ፡ ብስራሕን ካልኦት ኣቐዲሞም ዝተታሕዙ ጉዳያትን ግን ክጥዕም ስለዘይተኻእለ እንሆ ሓጺር ናይ ምሕዝነት ቃልና ብጽሑፍ ነቕርብ።

ናይ ሎም ዓመት ፈስቲቫልኩም ዓለምና ኣዝያ ኣብ እትህወጸሉ ዘላ ህሞት፡ ሓዲሽ  ፖሊቲካዊ ምግልባጥን ምሕዝነታትን ዝርኣየሉ ዘሎ ኢዩ ዝሰላሰል ዘሎ። ኣብ ከም‘ዚ ዝኣምሰለ ንሃገርና ኤርትራ እውን ዝሓወሰ፡ ተሃዋሲ፡ በዳሂ፡ ዓመጽን ግፍዕን እናሳዕረረ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ከም‘ዚ ዓይነት ህዝባዊ ርክብ፡ ብዛዕባኡ ንምምይያጥ ዕድል ስለ ዝኸፍት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

ዝተፈላለያ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምኡ`ውን ዝተፈለየ ርእይቶ ንዝውክሉ ዉልቀ-ሰባት ናብ ሓደ መኣዲ-ዘተ ብምምጻእ ብዛዕባ ህሉውን መጻኢን ጒዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምምይያጥ ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት  ንምንዳይን ንምርካብን ዝወሰድኩሞ ተበግሶ ኣዝዩ ዝነኣድ‘ዩ።

ምስሳንን ምብርታዕን በርጌሳውያን ማሕበራት እምነ-መሰረት ናይ ሓደ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብን መንግስትን ኢዩ። ዕላማ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝኾኑ ምንቅስቃሳትን ከምኡ‘ውን ፖሊቲካውያን ውድባት ከኣ ሓንቲ ብሕጊ እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንኽትህሉው ኢዩ። ሓደ ኣብ ዓመጽ ዝተመስረተ ስርዓት በኣንጻሩ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምዘይስስና ጥራይ ዘይኮነስ ከምዘይህሉዋ እውን ኢዩ ዝገብር። ብኩራት ግደን ተራን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝንቀሳቐሳ ናይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ከኣ እዚ ኣብ መብዛሕተን ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ብቐረባ እውን ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ እንርእዮ ዘለና ሓቂ ኢዩ ሳዕብየናቱ።

እምበኣርከስ እዚ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ተሳትፎ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽትቅጽሉዎ ኣገዳስነት ኣሎው። ሃብታም ናይ ቃልሲ ተሞኩሮን ዓቕምን ከምዘሎኩም መጠን ከኣ እንተላይ እውን ምስ ኩለን ወይ ዝብዝሓ ፖሊቲካውያን ሓይሊታት ብምትሕብባር ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ወይ ጽላል ንምቛም ብዝያዳ ንኽትጽዕርሉ ናይ‘ዚ እዋን ጠለብ ኢዩ‘ሞ ንኽትደፍእሉ ትጽቢትናን ሓደራናን እዩ።

ጥምረት ናይ ተቓለስቲ ንፍትሒ ምስ ዝረጋግጽ ኢዩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ዝኾኖ፡ እቲ ጨቁኑ ሒዙዎ ዘሎ ጒጅለ ህግደፍ ከኣ ብቐንዱ ዝስዓር ኣብ መዋዳእታኡ ክኣ ሓንቲ ፍትሓዊትን ዲሞክራያዊትን ኤርትራ ክንምስርት እንኽእል።

ኣብ መደምድምታ ኩላትና ኣብ ዘዘለናዮን በብዝጥዕመናን ግን ክኣ እናተወሃሃድና ኣድማዒ በርጌሳዊ እጃምና ነበርክት። ከምኡ እንተጌርና ኣብ መወዳእታ ከምእንዕወት ጥርጥር የልቦን እሞ ኣይንሕመቕ።

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝመንጨወ ጥርናፈ ወይ እውን በርጌሳዊ ማሕበር ኢዩ። ኣብ‘ቲ ዝርከቦ ቦታን ከባብን እውን ምስ ዝተፈላለዩ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲከኛታትን እናተራኸበ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ከቃልሕን፣ ብመጠኑ ባህልን ስነጥበብን ሃገርና ከላልን ጽኒሑን ኣሎን።

ዕዉት ፈስቲቫል ንምነየልኩም

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን

02-08-2025


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Monday, 04 August 2025 17:58