መበል 14 ጉባአ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ምንዋሕን ዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን 13 ነሃሰ 2014 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ተኸፊቱ። እዚ ጉባአ ናይቲ ውድብ ምክትል ኣቦመንበር ጌታቸው ረዳ ሓዊስካ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ፡ ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ትግራይ ብፍላይ ድማ ካብ ከተማ መቐለን ዞባ ደቡብን ዳርጋ ኩሎም ተሳተፍቲ ጉባአ፡ ከምኡ እውን ኮሚሺን ምቁጽጻር ናይቲ ውድብ ኣብ ዝበኾርሉ እዩ ክካየድ ጀሚሩ።
እቶም ናብቲ ጉባአ ምስታፍ ዝነጸጉ ወገናት ካብ ዘቕርብዎም ምኽንያታት፡ “ርትዓዊ ናይ ቅድመ-ጉባአ ገምጋም ብፍላይ ነቲ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ዝምልከት ኣይተኻየደን፡ ጸቢብ ጉጅለ ፈጢርካ ዝተወሰኑ ባእታታት ንምጥቃዕ ዝዓለመ እዩ፡ መስርሕ ምስንዳእ ካብታ ብዕሊ ዝቖመት ኣሰናዳኢት ኣካል ብዘይፍለጥ ጉጅለ ተጨውዩ እዩ፡ ብዛዕባ ሕጋውነት ምስ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘሎ ምውጣጥ መዕለቢ ኣይረኸበን……ወዘተ” ዝብሉ ይርከብዎ።
ብዘይካዚ ብዛዕባ ሕጋውነት ናይቲ ውድብ፡ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ “ሀ” ኢልኩም ኢኹም ትምዝገቡ ኢሉ ምስክር ወረቐት ኣብ ዝሃበሉ፡ ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ወገን ናይቲ ውድብ ድማ ዝነበረና ደረጃ ክምለስ እምበር ከም ሓድሽ ውድብ ክንምዝገብ ኣይሓተትናን ክብል ኣብ ዋጢጥ እንከለዉ እዩ እቲ ጉባአ ተጀሚሩ። በዚ መሰረት ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ድሮ ዕለት ጉባአ “ኣነ ጉባአ 21 መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ተዓዲመ ተሳቲፈ ክዕዘብ እናተገበኣኒ፡ ነዚ ከየማላእኩም ተካይድዎ ዘለኹም ጉባአ ኩሉ ውጽኢቱ ውዱቕ እዩ” ዝብል ደበዳበ ጽሒፍሎም እንከሎ እዩ እቲ ጉባአ ቀጺሉ። ናይቲ ውድም ኮሚሽን እውን ብመንጽር ውሽጣዊ ሕጎም ነቲ ጉባአ “ቅቡል ኣይኮነን” እዩ ኢልዎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ምስ ዝኾነ ኣካል ፖለቲካዊ ውግንና ከምዘይህልዎ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ጉባአ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ ኮነ ቀጺሉ ኣብ ዝስዕብ ዓመታዊ በዓላት “ኣሽንዳ ትግራይ” ጸጥታ ንምኽባር ደጋፊ ኮነ ተቓዋማኢ ሰልፊ ከይካየድ ኣጊዱ ኣሎ።
ብዙሓት ከም ዝግምትዎ፡ እዚ ብብዙሓት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ጉባአ፡ ነቶም ኣብቲ ጉባአ ዘይተሳተፉ ኣባላት መሪሕነት ኣባልነቶም ከይስርዝን እቲ ውድብ ናብ ምፍንጫል ከየምርሕን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ከየስዕብ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትር ብ10 ነሃሰ 2024 ብወግዒ ተኸፊቱ። ኣብቲ ኣሕዋት ኣድያም ተፈራን ግርማይ ዘሚካኤልን ዘመርሕዎ መኽፈቲ፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣስሚዑ። ሓው ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ፈስቲቫል ብወገኑ ንምስንዳእ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ኣመጻጽኣ ፈስቲቫል ጀርመን ጠቒሱ ኣብ ምድላው እቲ ፈስቲቫላ ግደ ንዝነበሮም እሞ ንዝተሰውኡ ኣሕዋት ዘኪሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንበደላት ህግደፍን መራሒኡ ዲክታተር ኢሳያስን ክዕገሶም ከምዘየብሉ ኣመልኪቱ። ሃገርና ብሰንኪ ህግደፍ እናፈረሰት “ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን?” እንተዘይኢሉ ታሪኽ እውን ክሓተና እዩ ኢሉ ከኣ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንተበግሶ ፖሓኤ ከሕይሉ ጸዊዑ።
ኣብዚ ብትግርኛን ዓረብን ዝተኻየደ መኽፈቲ ፈስቲቫል ካብ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ውድባትን መድያታትን ብኣካል ብኻልእ ኣገባባትን ናይ ደገፍን መተባብዕን መልእኽታት ተመሓላሊፎም። ሓው ኢብራሂም ሃሮን ኣቦመንበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ብወገኑ ካብ ዘለዎ “እንኳዕ ናብ ምምስራት ፖሓኤን ፈስቲቫልን ኣብ ጸሓና” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ናይቲ ውድብ ድማ ካብቲ መድረኽ ብዛዕባ መልእኽቲ ሓው ኢብራሂም ሃሩን ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።
ሓው ገርዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ላዕለዋይ ኣካል ፖሓኤ ኣብቲ መድረኽ ሰፊሕ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል። እቲ ፈስቲቫል ብኣካላት ፖሓኤ ዝተዳለወ ስለ ዝኾነ ታሪኻዊ እዩ ኢልዎ። ካብ ዝሓለፈ ታሪኽና ስለ ዝተመሃርና ነዚ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝመስረትናዮ ጽላል ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ስለ ዝተመሃርና ከም እንዕዉቶ ርግጸኛታት ኢና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ዘይንቡር ህይወትን ንምቕያሩ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልስን ዘርዚሩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝተዓገሶም በበይኖም በደላት ህግደፍ ከኣ ብኣብነታት ኣሰንዩ ሰፊሕ ዝርዝር ኣቕሪቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ኣንጻር ህግደፍ ዓው ኢሉ ዓገብ ክብል ድማ ጸዊዑ። ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንኢዱ ንዝያዳ ኣበርክቶ ተማሕጺኑ። ፖሓኤ ንኤርትራን ህዝባን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝቃለስ ጽላል ምዃኑ ከኣ ኣጉሊሑ ገሊጹ።
ፖሓኤ ዝቖመሉ ኣዕኑድ እንታይ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቦመንበር ገረዝጊሀር ተወልደ፡ እቲ ጽላል ኣብ ቀዳማይ ዋዕላኡ 21 ዝኣባላቱ ማእከላይ መሪሕነት ኣቚሙ ዝተፈላልዩ ሰነዳት ምዳቑ ኣበሲሩ። ናብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ እዞም ጽላል ዝመስረቱ 3ተ ኣካላት ጥራይ ዘይኮኑ ካለኦት እውን ንዝገበርዎ ጻዕርን ኣበርክቶን ንኢዱ። በብኹርንዑ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብምድጋፍ ድማ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት እቲ ቃልሲ ወሳኒ ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብዚ መድረኽ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ብንባብ ቀሪቡ።
ድሕሪቲ መግለጽታትን ምንባብ ደምዳሚ መግለጽን፡ ኣሕዋት ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ያሲን ዓብደላን ካሕሳይ ጉፍላን ዝመርሕዎ ናይ ሕቶን መልስን ምይይጥን ተኻይዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት “ውድባት ኤርትራ ስለምንታይ ተኣኪበን ይፍንጠሓ? ስለምንታይ መንእሰይ ናብ ውድባት ዘይሳተፍ? ነዚ ዝርአ ዝሎ ምልዕዓል መንእሰያት ከመይ ትርእይዎ?፡ ስለምንታይ ኣብ ምዕራቕ እቶም ዝበኣሱ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘይትሳተፉ?፡ ኣብዚ ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት ዝበሃል ዘሎ ርኢቶኹም እንታይ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ነዚ ሕቶታት ካብ መድረኽ ግቡእ መብርሂ ተዋሂብዎ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ከኣ ንተበግሶ ፖሓኤ ዝተባብዕ ርኢቶታን መተሓሳስባታትን ተዋሂቡ።
ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደን ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላን
ኣቦመንበር ላዕለዋይ ምሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ፡ ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደን ኣባል መሪሕነት ናይቲ ኣካል ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላን ንኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ናይቲ ጽላል ደገፍትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ብ9 ነሃሰ 2024 መብርሂ ሂቦም። ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብቲ ሰሚናር ናይቲ ብ8 ነሃሰ 2024 ዝተዛዘመን ናይ ተሳፍቱ ውዕዉዕ ተራ ዝተራእየሉን 1ይ ዋዕላ ፖሓኤ መስርሕን ውጽኢቱን ዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ሂቡ።
ኣቶ ገረዝጊሄር ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቲ ናይቲ ጽላል ቻርተርን ዓንዲ ሕግን ብምጽዳቐ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣገደስትን እዋናውን ዛዕባታት ብሰፊሕ ዘትዩ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምውሳን፡ ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱ ላዕለዋይ መሪሕነት ብምምዛዝን ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእን ዝተዛዘመ ቀዳማይ ዋዕላ ዕዉት ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝተመስረተ ጽላል መጀመርታ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ሰፊሕን ብዙሓት ፖለቲካዊ ውዳበታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝሳተፍዎን ንምግባሩ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ነቲ ዋዕላ ኮነ ነቲ ፈስቲቫል ንክዕወት ንዝጸዓሩ ኣባላት ፖሓኤ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
እቲ ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምፍጣር ቃልሲ ንዝተወሰኑ ውድባት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ኩሎም ውዳበታት፡ ብሓፈሻ ከኣ ናይቲ ለውጢ ዋና ዝኾነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።
ገለ ተሳተፍቲ ሰሚናር ብኸፊል
ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር ብወገኖም፡ ኣገዳስነት ናይ ብሓባር ዘቃልስ ጽላል ብምጥቃስ፡ እዚ ፖሓኤ ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶ ሓድሽ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተዓወተ ፈተነታት ከይከውን እጃሞም ከበርክቱ ቅሩባት ምዃኖም ጠቒሶም። እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ጽላል ናብ ሰፊሕን ሓቛፍን ንምብራኹ ክስራሓሉ ድማ ተላብዮም።
ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ፍራንክፈርት ጀርመን ካብ 9 ክሳብ 11 ነሃሰ 2024 ዝካየድ እዩ።
ካብቶም ናጻ ዝወጹ ግዳያት ብኸፊል
ሰራዊት ሱዳን ብ6 ነሃሰ 2024 ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ካርቱም ተዓጊቶም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ደናግል፡ ካህናትን 20 ሲቪል ደቡብ ሱዳናውያንን ናጻ ከም ዘውጸአ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ኣብ እምዱርማን ተዓጊቶም ከም ዝነበሩ ድማ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዞም ግዳያት ኣብቲ ቀጻሊ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ሸጃና ዝበሃል ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ደንበስኮ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ናይ ሰራዊት ምውግለጺ፡ ፍሉይ ስርሒት ብዝበሎ ናይ ሰራዊትን ክፍሊ ስለያን ናይ ሓባር ስጉምቲ ናጻ ምስ ወጹ፡ ናብታ ዝምድናዊ ሰላም ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን እዮም ተወሲዶም።
ናይቲ ሰራዊት መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኣዞም ግዳያት ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ናይ መግብን መድሃኒትን ቀረብ ዝግበረሎም ዝነበረ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከውጸኦም ፈቲኑ ዘይተዓወተሎም እዮም።
እቶም ኣባላት ደንበስኮ ተዓጊተምሉ ዝጸንሑ ከባቢ፡ ካብ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን ውግእ ዝተጀመረሉን ብቐጻሊ ክካየደሉ ዝጸንሐን ክፋል ከተማ ካርቱም እዩ።
ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ መኽፈቲ ስነ ስርዓት፡ ነቲ ቀጻሊ መስርሕ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መዚዙ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ኣቐዲሙ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበሉ ንድፊ ቻርተርን ዝመሓደረሉ ቅዋምን ኣጽዲቑ፡ ነቲ ጽላል ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ዝመርሕ ኣካል ብምስያም፡ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምትሕልልላፍን ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእን ተዛዚሙ።
ቻርተር ፖሓኤ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማን ናይቲ ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ከምኡ እውን ኣገባብ ቃልስን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ዝምስረቱ ግዝያውን መሰጋገርን መንግስታት ዝቖምሉ ኣገባብ፡ ዝዓምዎ ስረሓትን ዝህልዎም ዕድመን ዘብርሁ ዓንቀጻት ዝሓቖፈ እዩ።
ናይቲ ጽላል ቅዋም ከኣ ስም፡ ኣርማን ካልእ መላለይን ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ብዛዕባ መምዘኒ ኣባልነት ኣብቲ ጽላል፡ ግቡኣትን መሰላትን ኣባላትን ዘብርሁ ዓንቀጻት እውን ዘስፈረ እዩ። ስርዒታዊ ጽላል ፖሓኤ፡ ሓላፍነት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዘነጽሩ ዓንቀጻት ኣብዚ ቅዋም ይርከቡ።
ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ብዝለዓለ ተሳትፎ ዝግለጽ እሂንምሂን ዝሰፈኖ ተሳትፎ ነይርዎም። ኣብ መጻኢ መሪሕነት ጽላል ከተኲረሎም ብዛዕባ ዝግብእ ኣብ ዙርያ ምስፋሕ ኣባልነትን ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘተኮሩ ሃነጽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዋዕላ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 21 ቀወምትን 3 ተጠባበቕትን ዝኣባላታ ማእከላይ መሪሕነት መዚዙ። ምስዚ ከኣ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዝዳህሰሰ ፖለቲካዊ ውሳነታት ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ከሕልፍ እንከሎ፡ ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ድማ ስርሑ ዛዚሙ። ዋዕላ ኣብቲ መገለጺኡ ብኣካል ይኹን ብማንዛ ንዝተሳተፉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ መድያን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ዋዕላ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተላኣእከ ናይ ዓወትን ሰናይ ትምኒትን መልእኽታት ተነቢቦም።
ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ፡ መእተዊ ቃልን ዝሓለፈ ምንቅስቓስ ፖሓኤ ዝዳህሰሰ ጸብጻብን ብኣቦመንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ከምኡ ድማ መስርሕ ምድላው ከመይ ከም ዝነበረ ዘርኢ ጸብጻብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀሪቡ ድሕሪ ምይይጥ ከም ዘጽደቐ ዝዝከር እዩ።
ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ6 ነሃሰ 2024 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ትሕቲ “ብሓድነት ንሓርነት” ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ጀርመን ተኸፊቱ። ኣብዚ ዋዕላ በዝይካቶም ብኣካል ዝተሳተፉ ብናይ ዙም መራከቢ ዝሳተፉ ኣባላት’ውን ኣለዉ። ኣብ መኽፍቲ እዚ ዋዕላ፡ ድሕሪ ሓጺር ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ዋዕላ ንዘዳለዉን ኩሉ ክኢሎም ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉን ከምኡ‘ውን ብኣካልን ብዙምን ንዝተሳተፉ ጋዜጠናታትን መድያታትን ኣመጒሱ። ፖሓኤ ናብዚ ዋዕላዚ ንምብጻሕ ንዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞን ዝተሓልፉ ብደሆታትን ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ዘሎ ብዙሕ ገጻት ንዘለዎ በደላት ዘርዚሩ። መሰረታዊ ዕላማ ፖሓኤ ነዚ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ በደላት መኪትካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ንምብጻሕ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ። ፖሓኤ ዝቖመሎም 4ተ መሰረታዊ መዕቀንታት ብምጥቃስ ድማ እቶም ነቲ ጉዕዞ ምምስራት ጽላል ዝጀመርዎ እዞም ኣብዚ ዋዕላ በጺሖም ዘለዉ 3ተ ውድባት ጥራይ ከምዘይነበሩ ኣብቲ ቃሉ ጠቒሱ። ዲክታተር ኢስያስ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ንዘርእዮ ምጥላዕ ብምጥቃ ከኣ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣንጻርቲ ዝውጸዖም ዘሎ ጉጅለ ክቃለሱ ጸዊዑ።
ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ብወገና ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ሓጺር ጸብጻብ፡ እታ ሽማግለ ዝቖመትሉ ኣገባብን ኣብቲ መስርሕ ዝዓመመቶ ስራሕትን ዝምልከት ሓበሬታ ኣቕሪባ፡ እታ ሽማግለ ናብቲ ዋዕላ ዝቀርብ ንድፊ ሰነድ ኣብ ምድላው፡ ነቲ ዋዕላ ዘድሊ ገንዘብን ካልእ ቀረባትን ኣብ ምርካብን ቦታ ዋዕላ ኣብ ምድላውን ንዝገበረቶ ጸዕሪ ኣመልኪታ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዝተሓባበሩዋ ኣካላት ከኣ ኣመስጊና፡ ዋዕላ ንምክያድ ዘኽል ቁጽሪ ከም ዘሎ ኣበሲራ። ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉ ኣባላት ፖሓኤን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ ሚድያን ድማ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪባ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሕዋት ገረዝጊሀር ትወልደ፡ ያሲን መሓመድ ዓብደላን ካሕሳይ ጉፍላን ብሓባር ኣብ ጉዕዞ መሰጋገሪ ኣካል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጸሕፈት ፖሓኤ ዝተዓሙ ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቦም ብተሳተፍቲ ድማ ጸዲቑ።
ኣብ መወድእታ መኽፈቲ ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ቀጻሊ መስርሕ ኣኼባ እትመርሕ 3ተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጾም ቀጺሎም።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ካለኣይ ዙር ናይ ምድላው ኣኼባ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ነሃሰ 2024 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ምንጭታት ናይቲ ሕብረት ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድላው ዘተ፡ “ምስቲ ናይ ዝወደቐ ስርዓት ሓይልታት ውግእ ኣኼባ ምክያድ” ብምኹናን በዂሮም ዝነበሩ ኣካላት ሱዳን ኣብዚ 2ይ ዙር ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ዓቕሚ ሓይልታት ሰላምን ሲቪል ሕብረተሰን ሱዳን ኣብ ምስፋሕ ከም ዝሕግዝ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ኢጋድ፡ ላውረንስ ኮባንዲ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ዘሎ ርክብ ሱዳናውያን ከም ዝካየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ዙር ዘይንበርሩ ተሳተፍቲ ኣብዚ 2ይ ዙር ሰፊሕ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዝወሃቦም ኣረጋጊጹ።
ምንጭታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ፡ ጉጅለ ተዳሙን፡ ብኣል ሓሰን ኣል መርቃኒ ዝምራሕ ሰልፊ ኡማን ካለኦት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ዝበኾሩ ጉጅለታትን ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጾም። ብዛዕባ ተሳትፎ ናይቲ ኮሚኒስት ሰልፊ ሱዳን ግና ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን።
እቲ ኣሰናዳኢ ኣካል ብወገኑ ነቲ ኣኼባ ዝምልከት ተክኒካዊ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ብኣል ሂሉ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሕርነት ህዝቢ ሱዳን፡ ብዓብደል ዋህድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰልፊ ባዕስን ካለኦት ምንቅስቓሳት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።
ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ብወገኑ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ናይ ሱዳናውያን ኣኼባ ኣብ ዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ምዃኑ ብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምምሕዳር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊት ድሕንነት ሰቪል፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣምበሳደር ኡዝራ ዘያ፡ ካብ 4 ክሳብ 8 ነሃሰ 2024 ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ከም እትገይሽ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እታ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃን ሲቪላዊ ማሕበራትን ክትራኸብ እያ። ኣብቲ ርክባታ ብዛዕባ ኣገዳስነት ብዙሕነት፡ ግሉጽነትን ልዕልና ፍትሒ፡ ምምዕባል ሓለዋ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ዝምልከቶም ክትመያየጥ እያ። ብዘይካዚ እታ ኣመሪካዊት ሓላፊት ኣብ መደበር ስደተኛታት ከይዳ፡ ኩነታት ክንክን ህጻናት፡ ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ እውን ኣመሪካ ኣብቲ መደበር ንዝርከቡ ስደተኛታትን ማሕበረ ማሕበረሰብን ክትዕዘብ እያ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ሰብኣዊ ደገፍ እተቕርብ ሃገር ምዃና እውን ኣብቲ ዝወጸ ናይ መድያ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ መዚ ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኬንያ ተራኺባ ብዛዓብቲ ኣብ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ኣጀንዳ ከም እትመያየጥ እቲ ንመገሸኣ ብዝምልከት ናይ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዛ ኣመሪካዊት ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ኣመሪካን ዝጸንሓ ናይ 60 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኬንያ ግዝኣተ ሕጊ፡ ጸረ ምጥፍፋእን ተሓታትነትን ኣብ ምሕያል ዝሕግዙ ዛዕባታት ከም ዝተላዕሉ ተፈሊጡ።
ብዘይካዚ ዞባዊ ጉዳያት ከም እተልዕልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ምእካብን ኣብ ዝምልከቱ መሰረተ ሓሳባት ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከም ዘልዕሉ ተሓቢሩ።
ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ መጠን ሸርፊ ብር ምስ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ብናጻ ዝውሰን ንክኸውን ብ29 ሓምለ 2024 ኣዊጁ። እዚ ኣዋጅ ዝወጸ ብሓፈሻ ካብ ግዜ ምምሕዳር ኢህወደግ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን፡ ባንኪ ዓለምን ካለኦት ትካላት ገንዘብን ከዋጥጥ ድሕሪ ምስንሑ ዝመጸ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኸትሎ ዝኽእል ቅልውላው ብምስጋእ እዚ ናይ ሽረፊ መጠን ካብ መንግስታዊ ምቁጽጻር ናጻ ንክገብሮ ቅሩብ ኣይነበረን። እንተኾነ ናይ ግድን ካብዞም ዓለም ለኻዊ ገንዘባዊ ትካላት ልቓሕ ስለ ዘድለዮ እሞ ነዚ ቅድመ ኩነት ከየማለኤ ልቓሕ ኮነ ሓገዝ ከምዘይወሃቦ ምስ ተነግሮ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ።
ድሕሪቲ ኣዋጃ ምውጽኡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ባንክ 57 ብር ዝሽረፍ ዝነበረ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ፡ ናብ 76.23 ብር ከም ዝደየበ፡ ኣብ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ናብ 90.60 ብር ከም ዝበረኸን እቲ ወሰኽ ኣብ መስርሕ ምድያብ ከም ዘሎን ብሉም በርግ/BLOOMBERG ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ኩነታት ናይ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ከመይ ደረጃ ምህላዉ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣብ ዶላር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ መዓልታት ክውስኽ እንከሎ ከኣ ብቐጻሊ ዝንህር ከም ዝኸውን ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት የመልክቱ ኣለዉ።
ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ብወገና ከም ዝገለጸቶ ድሕሪ እቲ ስጉምቲ ብብሄራዊ ባንክ ምውሳዱ እሞ ክትግበር ምጅማሩ ትካል ገንዘብ ዓለም/ IMF ኣብ 4ተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ንኢትዮጵያ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ብደረጃ ልቓሕን ሓገዝን ክወሃቦ እዩ ዝጽበ።
እዚ ኩነታት ዘስዓቦ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስግኣት ፈጥሩ ከም ዘሎን ኣብታ ሃገር ዝመደበሮም ናይ ወጻኢ ትካላት፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኬንያ ደሓር ድማ ኣብ ናጀርያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ከም ዝሰግኡ ይገልጹ ኣለዉ።
መንግስቲኢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኽሰት ናህሪ ንምክልኻል ብዝብል ዝተሓተ ደሞዝ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ 300% ዝበጽሕ ወሰኽ ክገብርኳ እንተወሰነ እቲ ስግኣት ብኸምዚ ከምዘይፍታሕ ብዙሓት ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድም ጉንበት-7 ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ኢዘማ ተሰይሙ ብዶር ብርሃኑ ነጋ እናተመርሐ ምስ ብልጽግና ዝጸርሕ ዘሎ ሰልፊ ንውሳነ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ “ግዜኡ ዘይሓለወ” ብዝብል ብወግዒ ተቓዊምዎ።
ሓለፍቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ቻርጅ ዲ-ኣፈርስ ሱዳን ኣብ ኣስመራ፡ ካልድ ዓባስ ኣብ 72 ሰዓታት ለቒቑ ክወጽእ ከም ዝኣዘዙ ዝተፈላለያ ማዕከናት ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብምጥቃስ ምጽራይ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ፣ ብ24 ሓምለ 2024 ኣቃሊሐን ኣለዋ ። ናይቲ ቻርጅ ዲኣፈርስ መስጐጒ ምኽንያት ብዝምልከት፡ ብሰፊሑ ዝተዘርዘ’ኳ እንተዘየለ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ ንሱዳን ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናይታ ሃገር “ክሳተፉ ኣገዲዳ” ዝብል ክሲ ከም ዝሰንዘሩ ተጠቒሱ።
እዚ ኩነታት ዘጋጥም ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ተመያየጡ፡ ቀጺሉ ድማ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ብዘጣጠሖ ባይታ፡ መራሕቲ ሱዳንን ኤመረትን ብተለፎን ተራኺቦም ምስ ተዘራረቡን “ብኣካል ክራኸቡ እዮም” ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ምስተሓበረን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሱዳናውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ምዝርራቦም እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ይግምትዎ ከም ዘለዉ ድማ፡ እተን ኣንጻር ጀነራል ኣልቡርሃን ምዃነን ክጥቀሳ ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ተመሊሰን ምስቲ ጀነራል ምቅርራበን፡ ነቲ ኣብ መንጎኡ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ዝነበረ ዝምድና ከም ዝቐየሮ ዝተረደ ዲክታተር ኢሳያስ በቲ ኩነታት ተቖጢዑ፡ እቲ ሱዳናዊ ቻርጅ ዲኣፈይርስ ካብ ኣስመራ ንክወጽእ ምኽንያት ከም ዝኾነ ዝጥቀስ ዘሎ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በረራኡ ከቋርጽ ወሲና ኣላ። ነዚ ውሳነ ምቁራጽ በረራ ዝተኸታተለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ “ነናቶም ሒዞም ኢትዮጵያ ናይ ሓባርና እያ ኢሎም ዘዕገርግሩን ዝዘርጉ ኣካላት ኣለዉ’ሞ እዚ ተግባሮም ከቋርጹ ይግበኦም፡ እንተዘየቋረጹ ግና ኢትዮጵያ ድልውቲ ኣላ” ዝብል ሓሳብ ምሃቡ ብዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ዝቃላሕ ዘሎ እዩ።
More...
ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራኡ ናብን ካብን ኣስመራ ከቋርጽ ወሲኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ፡ “ንኩሎም ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ” ብዝብል ኣብ ዘውጸኦ ምልክታ፡ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብን ካብን ኤርትራ ዘካይዶ በረራ ንክቋረጽ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እቲ ምልክታ ከም ምኽንያት ንምቁርጽ በረራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኤርትራ ኢሉ ከም ዝዘርዘሮ “ኣብ ልዕሊ ገያሾ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኣሉታዊ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናውን ምጥፋእን ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ጉድለታቱ ከእርምን ንዝተበደሉ ካሕሳ ክኸፍልን ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዕሽስ ክብሎ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዕለታዊ ክሳብ ሰለስተ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረራ ኤርትራውያን ገያሾ ከማርሩ ከም ዝጸንሑ ኣቐዲሙ ዝፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ሕጂ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግና ምኽንያቱ ንሱ ጥራይ ኣይክኸውንን እዩ። ምኽንያቱ ምምሕዳር ህግደፍ ናቱ ምኽንያትን ሕሳብን እንተዘይሃልይዎ፡ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ሓዲርዎ ኣይመወሰዶን።
መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድም ብሰንክቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ኣቋሪጽዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ስምዒት እምበር ኣብ ኣርሒቕካ ምጥማት ዘይተመስረተ ሓድሽ ስምምዕ ተፈጢሩ ምስ ተባህለ እዩ ካብ 18 ሰነ 2018 እንደጋና ጀሚሩ ክቕጽል ጸኒሑ።
ምስቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን መመሊሱ ዝሕርፍፍ ዘሎ ዝምድና፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ብቕጻሉ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጎፋ ኣብ ዝተባህለ ዞባ፡ ብ22 ሓምለ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ክሳብ 23 ሓምለ 2024 ምሸት 229 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ምድላይ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ቀጻሊ ከም ዘሎን መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ዝሞቱ 148 ደቂ ኣንስትዮን 81 ደቂ ተ ባዕትዮን ምዃኖም እውን ናይቲ ዞባ ክፍሊ ርክባት ብምጥቃሱ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ካብቶም ግዳያት ክኢላታት ጥዕና፡ መምሃራንን ሰራሕተኛታት ሕርሻን ከምኡ ድማ ናይ ከባቢ ኣመሕደርትን ከም ዝርከብዎም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ መሬት ከም ዝሃመመ ሰሚዖም ህይወት ከድሕኑ ካብ ዝመጹ በቲ ዘጋጠመ ተወሳኺ ምህማም ከም ዝሞቱ እውን ተፈሊጡ።
ናይቲ ዞባ ወኪል ኮሚሽን ሓደጋን ድልዉነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኮሚሽን ተወሳኺ ህይወት ናይ ምድሓን ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከም ዘዋፈረ ኣፍሊጡ። ካልእ ብወለንታኡ ኣብቲ መስርሕ ምድሓን ህይወት ዝሳተፍ ዘሎ ባእታ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዝናብ ይዘንብ ስለ ዘሎ ነቲ ዳህሳስ ኮነ ጸጥታዊ ምክትታል ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ገሊጹ።
እቶም ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ዝፈልጥዎም ቤተሰብ ዘይረኸቡ ግዳያት ብመንግስቲ ይቕበሩ ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ ብዝተገብረ ጻዕሪ 10 ሰባት ጥራይ ብህይወት ተረኺቦም ናብ ሕክምና ከም ዝተላእኩ ኣመልኪቶም። ካብ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ጋና ብዙሓት በቲ ዝሃመመ መሬት ተደፊኖም ኣለዉ። ናይቲ ከባቢ ህዝብን ማሕበራትን ህይወት ከድሕኑ ናይ ምስታፍ ቅሩብነትኳ እንተለዎም፡ እንተኾነ መሳርሒ ማሽነሪ ስለ ዘየለ ክንድቲ ዘድለ ኣየድምዑን።
ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ከጋጥም ዝኽእል ምህማም መሬትን ዝኣመሰሉን ናይ ክረምቲ ሓደጋታት ዝምልከት መጠንቀቕታ ወጺኡ ዝነበረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ በቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ከም ዝገለጸ ኣፍሊጣ።
መራሒ ሱዳን ኣልቡርሃንን መሓመድ ቢን ዛይድን ብ2021 ካብ ዝገበርዎ ርክብ ዝተወስደ ስእሊ
መራሒ ወተሃደራዊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልብሩሃንን መራሒ ሕቡራት ዓረብ ኤመረት መሓመድ ቢን ዛይድን ብ19 ሓምለ 2024 ብተለፎን ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ኤመረት ካብ ኣቡዛቢ ሓቢራ። ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ሱዳን ከኣ ነቲ ርክብ ደጊፎም፡ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ሰላማዊ መዓርፎ ንክበጽሕ ኣበርክቶ ንክህልዎም ዘለዎም ተስፋ ምግላጾም እቲ ዝተዘርግሐ ዜና ኣፍሊጡ።
ካለኦት መድያታት ብወገነን፡ እቲ ናይ ተለፎን ርክብ ንክግበር ዘበርከተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቅስ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ክካየድ ተስፋ ከም ዘለወን ገሊጸን።
እቶም መራሕቲ ዝተዘራረብሉ ዛዕባ ብሓፈሻ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ዘተኮረ ምንባሩን መሓመድ ቢን ዛይድ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ንምዕጋት ከበርክቱ ቃል ከም ዝኣተወን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ማዕከን ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ብወገና፡ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኢመራት ንሓይልታት ጀነራል ዳጋሎ ብምሕጋዛ ህዝቢ ሱዳን ሕቶታት ከልዕል ተገዲዱ ከም ዘሎ ንመሓመድ ቢን ዘይድ ከም ዝጠቐስሉ ኣፍሊጣ። መራሒ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ ሱዳን ያሲር ዓርማን ዝርከቦም ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ከኣ ነቲ ርክብ ብኣውንታ ብምጥቃስ “ኣገዳሲ ስጉምቲ ንሰላም” ክብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣፍደገታትን ምቅላል በደላት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝዝቲ ኣኼባ ጀነቫ ግቡእ ግምት ንክህቦ’ውን ጸዊዖም።
ባቢከር ፈይሳል ሓላፊ ፈጻሚ ኣካል ፈደራላዊ ምጥርናፍ ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ርክብ “ሱጉምቲ ናብቲ ቅኑዕ ኣቕጣጫ” ብዝብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ተበግሶ ኤመራት ንበዓል ግብጺ፡ ሳዑዲ ዓረብያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘሳትፍን ናብ ሰፊሕ ዘተ ኣብ ዙርያ ውዕል ጅዳ ክምዕብልን ጸዊዑ።
ብዘይካዚ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን መሓመድ ዑስማን፡ ነቲ ርክብ “ኣገዳሲ ነጥበ-መቐይሮ” ድሕሪ ምባሉ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምጻእ ብግብጽን ኤመረትን ዝተፈተነ እንተኾነ ዘይተዓወተ ተበግሶ’ውን ኣስሚርሉ።
ርኢቶ ናይቲ ብጀነራል መሓመድ ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣብ ርክብ ጀነራል ኣልቡርሃንን መሓመድ ቢን ዛይድን እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ኤመረት ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ከፊታ ንጀነራል ሒመቲ ብምዕጣቕ ክትክሰስ ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ ኡጋንዳ ሲሞን ሙዳይ
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኡጋንዳ ብ15 ሓምለ 2024፡ ልዕሊ 150 ኤርትራውያን ከም ዝኣሰረን መብዛሕትኡ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርዎ ከባቢ ከም ዝተኻየደን ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃቢ ቃል ሲሞን ሙዳይ ሓቢሩ። እቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እዞም ኤርትራውያን ዝተኣስሩ ኣብ ጐደናታት ከተማ ካምፓላ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ስለ ዝተዋፈሩ እዩ። እቶም ኤርትራውያን ነቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንጸጥታ ብዘስግእ ብለይቲ እሞ ኣብ ከባቢ ዓበይቲ መንግስታዊ ትካላት ከይተረፈ ከም ዘዘውትርዎ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ወሃቢ ቃል እቲ ማእሰርቲ ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ፡ ካብቶም ዝተኣስሩ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኮይኖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ስለ ዘይቅበል ናብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ ዕድሎም ጸቢብ ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኡጋንዳ ይውሕዙ ከም ዘለዉ ኣስፊሩ፡ ምኽንያቶም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት እታ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓደ ውድብ ህግደፍን ስለ ዝወደቐት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዘይምህላውን ግዱድ ውትህድርናን ድማ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ንህድማ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ምዃኖም ጠቒሱ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኡጋንዳ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቚባ ከም ዘላ ጠቒሱ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ምንባር ስኢኖም ዝተሰዱ ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ዓቕሚ እታ ሃገር ንላዕሊ፡ ንጸጥታ ዘስግእ እንተዘይኮይኑ፡ ጥቡቕ ምቁጽጻር ከምዘይትገብረሎም ኣፍሊጡ።