ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብርኣብ

2024-05-28 10:34:52 Written by  ስድራ ቤት ተስፋማርያ ክብርኣብ፡ Published in EPDP News Read 459 times

ሎሚ ዕለት 27 ጉንቦት 2024  ዓ.ም ሓጺር ታሪኽ ህይወት  እንፈትዎን እነፍቅሮን ኣቦናን ሓውናን ሓርበኛ ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ተዋሒጥና እነቕርቦ ዘለና ካብ ባሕሪ ብጭልፋ  እዩ።

እንፈትዎን እነኽብሮን ገዲም ሓርበኛ ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብራኣብ፡ ካብ ወላዲኡ ኣቶ ክብርኣብ ደበሳይን ካብ ወላዲቱ ወይዘሮ ብዙ ዘገየን፣ ብዕለት 12 መስከረም 1949 ኣብ ዓዶም ድርኮ ወረዳ መራጉዝ፣ ኣውራጃ ሰራየ፣ ብማሕረስን መጓሰን፣ ስራሓት ህንጻን ካብ ዝነባበሩ ስድራ-ቤት ተወሊዱ።

ተስፋማርያም ዕድሚኡ ንትምህርቲ ኣብ ዝኣኸለሉ እዋን፣ ከምቶም ዝዓበዩ የሕዋቱ ናብ ትምህርቲ ወፈረ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲ-ዃላ ተማሂሩ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብታ ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን ዘፍረየት ቤት ትምህርቲ ብዘልማድ ሳን ጀርጆ እንዳተባህለት እትጽዋዕ፣ ግን ከኣ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሰንት ጆርጅ/ ቅዱስ ግዮርግስ ክትባሃል ዝግባእ ቤት ትምህርቲ መንደፈራ ካብ 1963 ዓ.ም ክሳብ 1967 ዓ.ም ተማሂሩ።

 ቀጺሉ፡ ኣብቲ ኣብ ጅማ ዝርከብ ናይ ሕርሻዊ ኮለጅ ንክልተ ዓመታት ተማሂሩ፣ብናይ ሕርሻ ዲፕሎም  Agriculture Diploma ተመሪቑ። ድሕሪ ናይ ሕርሻ ትምህርቲ ኣጠናቂቁ ምምራቑ ካብ 1970 ዓ.ም ክሳዕ 1974 ዓ.ም ኣብዘሎ ዓመታት ኣብ ሀረር ናይ ሕርሻ መምህር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ስዒቡ፡  ካብ መስከረም 1974 ዓ.ም ክሳዕ መጀመርያ ወርሒ 1975 ዓ.ም ኣብ ናይ ኣስመራ መምህራን ኰለጅ (TTI)  ብምምህርና ንህዝቡ ኣገልጊሉ።

ተስፋማርያም በቲ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ ምትእስሳር መሰረት ከምቲ ኩሉ ናይ ሽዑ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ 1975 ዓ.ም ብውዕዉዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ ንናጽነት ኤርትራ ክብጆ፣ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ከም ኩሉ ሓድሽ ተሰላፊ መንእሰይ ድማ መባእታዊ ወተሃደራውን ፖልቲካውን ትምህርቲ ምስ ተኸታተለ፣ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሓይሊ 662 ኣብ ጋሽ ተመዲቡ ተቓሊሱ።

ድሕሪ‘ቲ  ብ1975 ዓ.ም ዝተኻየደ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ዝተገብረ ስርርዕ ምቛም ናይ ኣብያተ ጽሕፈታት፣ ብሓፈሻ ናብ ቤት ጽሕፈት ምጣነ-ሃብቲ፣ ብፍላይ ከኣ በቲ ዝነበሮ ትምህርትን ሞያን መሰረት ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ተመዲቡ፣ ኣብ ዓሊ ግድርን ተኽረረትን ካልኦት ቦታታትን ዕዉት ዝዀነ መደባት ሕርሻ ኣተግቢሩ። ከምኡውን ኣብ ሃገር ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ሕርሻ ወፍሪ/ፕሮጀክት፣ ናይ‘ቲ ፕሮጀክት ሓላፊ ኰይኑ ንኡድ ዝዀነ ስርሓት ኣካይዱ።

 ተስፋማርያም ብስርሑ ንጡፍ፡ ንዝስርሖን ዝውስኖን ደጊሙ ዝሓስብ፡ ኣብ ስርሑ ዕዉት፡ ብተፈጥርኡ ድማ ምቕሉልን ህዱእን፡ ንነገራት ብቐሊሉ ዝርዳእ፡ መኽበሪ ብጾቱ፡ መሳርሕቱን  መናብርቱን ምንባሩ  ዝምስከረሉ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ተስፋማርያም ካብቶም ሓያሎ ስራሓቱ፣ እቲ ሓደ ኣዝዩ ብዝያዳ ዝነኣደሉ፡ ኣብ 1977 ዓ.ም ከተማታት ካብ ኢድ ጸላኢ ነጻ ምስ ወጻ፡ ንሕርሻ ዓሊ-ግድር ማሸላ ብምዝራእ ውድብ ብዘይ ሓደ ናይ ግዳም ሸመታን ሓገዝን፡ ናይ ሓደ ዓመት ስንቂ ተጋደልቲ ንኽኽእል ካብ ዝገበሩ ብጾት ሓደ እዩ። ድሕር‘ቲ ኣብ 1978  ዘጋጠመ ወተሃደራዊ  ምቕይያር ሓይሊ ሚዛን፡ ናይ ሕርሻ መጽናዕትታት ንምስልሳል  ንሳሕል ተመዲቡ።

ተስፋማርያም ድሕሪ እቲ ንዓመት ዝተኻየደ ውግእ ሕድሕድን፣ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምቅይያርን፣ ምስ ስርዒት ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ደው ብምባል፣ ቃልሱ ቀጸለ። ኣብ 1985 ዓ.ም ምስታ ቅድሚኡ ናብ ስደት ዘምርሐት ስድራ-ቤቱ ንምጥርናፍ ድማ፡ ናብ ሃገር ጀርመን ኣተወ። ተስፋማርያም ንዝተለሞ ትልሚ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ብዝተዓደሎ ሓያል ድርኺት ኣብ ጀርመንውን ቃልሱ ቀጸለ። በቲ ዘርኣዮ ሓያል ኒሕን ሓቦን ድማ  ኣብ‘ቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊት ባይቶ ኣብ 1992 ዓ.ም ዝተኻየ ጉባኤ መሰረታት ጀርመን፡ ኣባል መርሕነት ዞባ ጀርመን ኰይኑ፣ ኣብ  ዲሞክራሲያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ክሳብ 2003 ዓ.ም ኣብ ምምራሕ ነይሩ፡፡

ከምኡውን ኣብ 2003 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ብዝሰዓበ ፖለቲካዊ ምቅይያር፡ ዳግማይ ስርርዕ ተገይሩ ኣብ ኣመራርሓ ጨንፈር ስዒቡ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዞባውን ማሕብራውን ስርርዕ ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።

ኣብ 2019 ዓ.ም ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ተመሪጹ። ተስፋማርያም ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ናይ ዝተመደቦ ሽማግለታት ብኣቦ ወንበርነትን ኮነ ተራ ኣባልነት፣ ኣብ ምስንዳእ ፈስቲቫላትን ጉባኤ ውድብን ኣኼባታትን ከይተሓለለ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ህርኩትን ጻዕረኛን ተቓላሳይ ነይሩ።

ኣብ ስደት ሃገረ ጀርመን፡  ተስፋማርያም ኣብ ጀርመን ምስ ኣተወ እውን ንዝጸንሖ ትምህርቲ ንምምዕባል ኣብ ሕርሻዊ ዓውደ ትምህርቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ሞያዊ ትምህርቱ ቀጺሉ ኣብ 29.08.1990 ዓ.ም ብዳግማይ ዲፕሎም ተመሪቑ።

ተስፋማርያም ኣብቲ ኣብ ቱቢንገንን ከባቢኡን ተመስሪቱ ዝነበረ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ብምስታፍ ንኤርትራውያን ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ኣባላት ምንባሩን ብፍላይ ንህጻናት ቋንቋ ኣደ ንምትሓዝ ኣብ ምምሃር  ዝንኣድ ፍርያት ኣርእዩ።

 ካብ መወዳእታ 2014 ዓ.ም ክሳብ 2016 ዓ.ም ነቶም ሰሃራን ባሕርን ሰንጢቆም ዝመጹ ሓደስቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት‘ውን፣ ብውልቃዊ  ሕልንኡ ደሪኽዎ ብወለንታን ድሌትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምኽፋት ቋንቋ ጀርመን ኣብ ምምሃር ግዲኡ ኣበርኪቱ።

ጉዕዞ ምህናጽ ስድራ ቤት፡   ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብርኣብ ኣብ ዕለት 23.03.1981 ምስ ናይ ዕላማን ኪዳንን ብጸይቱ ተቓላሲት ሕርይቲ ተኪኤ ሓዳር ብምምስራት ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳት እዩ።

     1. ሮቤል ተስፋማርያም

     2. ሊድያ ተስፋማርያም

     3. ፈለግ ተስፋማርይም

     4. ሴም ተስፋማርያም ክኾኑ ከለዉ ሽዱሽተ ደቂ ደቁ ሓዲጉ።

ተስፋማርያም ኣብ ስድራ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ንደቁ ቋንቋ ኣደ ብምምሃር፡ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ኣብ ትምህርቶም ዕዉታት ንኽኾኑ ዝገበረ ወላዲ እዩ። ናይዚ መርእያ ቦኽሪ ወዶም ሮበል፡ ቋንቋ ኣደ ምምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ትምህርቲ ሃይማኖት ተኸታቲሉ ኣገልጋሊ ቤተ-ክህነት ክኸውን ምብቅዑ ሓደ ካብቲ ፍረ ጻዕሪ ወለዲ እዩ።

እንፈትዎን እነፍቅሮን ኣቦንናን ሓውናን ብጻይን ተስፋማርያም ቅድሚ ዕረፍቱ ናይቲ ፍትዉን ምቕሉልን ሕሳስ-ልደ ውላዶም ሴም ተስፋማርያ፣ ውላድ ሕጻን ኖህ ተስፋ ዝስሙ ተበሲሩ ሓሊፉ።

ንፈትዎን ነፍቅሮን ኣቦን ሓውን ብጻይን ተስፍማርያም ክብርእብ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሕቑፊ ብዓልቲ ቤቱን፣ ደቁን፣ የሕዋቱን ብዕለት 21.05.2024 ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዓሪፉ።

 ሎሚ ንነፍስሄር ተስፋማርያም ክብርኣብ ከነፋኑ ከለና፣ ግደ ናይታ ካብ ጎኑ ከይተፈልየት ጉዕዞ ቃልሲ ዝቐጸለት በዓልቲ ቃል-ኪዳኑ፣ ተቓላሲት ሕርይቲ ተኪኤ፣ ኣብ ጊዜ ሕማሙን ስቅያቱን ምስ ኩሎም ደቆም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪቦም ለይቲ ምስ መዓልቲ፣ ኣምላኽ ብዝሃቦም ሓይሊ ዘድሊ ዘበለ ክንክን ከየጉደሉ ወላዲኦም ኣፋንዮም እዮም እሞ፣ ነዚ ኣብነታዊ ዝዀነ ስድራ-ቤታዊ ጥርናፈ፣ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ኣይንደል።

 ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡  መቕርብ፣ ቤተ ሰብ፣ የዕሩኽን ፈተውትን መቓልስቱን፣ ካብ ርሑቕን ቀረባን ንንፈትዎ ወላዲና ንምፍናው ዝመጻኹም፣ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ካብ ጎንና ከይተፈለኹም ንዘጻናናዕኩምናን እኽለ-ማይ ሒዝክን ንዝተመላለስክን ኣሓትን ብስም መላእ ስድራቤት ምስጋናና ይብጻሕኩም።

ክብረት ይሃብኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል።

ንኣቦናን ሓውናን ተቓላሳይ ተስፋማርያም ክብርኣብ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡

መላእ ስድራ ቤት ተስፋማርያ ክብርኣብ፡

           

Last modified on Tuesday, 28 May 2024 12:38