ኣብ ማዳጋስካር ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ምሓዙ ኣፍሊጡ
2025-10-15 18:29:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 26 timesስልጣን ከም ዝመንዝዑ እናኣወጁ
ኣብ ደሴታዊቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማዳጋስካር፡ ኣባላት ፍሉይ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ካብ ፕረሲደንት ኣንድሪ ራጆየሊና ብዕልዋ ከም ዝመንዝዑ ምሕባሮም ኣልጀዚራ ኣፍሊጣ። እቶም ወተሃደራት ስልጣን ዝመንዝዑ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ፕረሲዳንት ዝተላዕለ ቀጻሊ ተቓውሞ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጦም እዮም።
ብዛዕባቲ ተረኽቦ ብ14 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ቤተ-መንግስቲ ናይታ ሃገር ኮይኑ ዘፍለጠ፡ ኮለኔል ሚካኤል ራንድሪኣኒሪና ዝተባህለ ኦፊሰር ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ወተሃደራዊ መግለጺ፡ ድሕሪ 2 ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝግበር፡ ዝመርሕ መሰጋገሪ ኣካል ከም ዝምስረት ከኣ ሓቢሩ። ወተሃደራት ኮኑ መንእሰያት ነቲ ዝተገብረ ለውጢ ዘለዎም ደገፍ ኣብ ጐደናታት ከም ዝገለጹ ከኣ ተፈሊጡ።
በቲ ወተሃደራዊ መግለጺ መሰረት፡ ከም ኮሚሽን ምርጫ ዝኣመሰላ ናይታ ሃገር ቀንዲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት፡ ከም ዝተኣገዱ ክሕበር እንከሎ፡ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ተቓውሞ ከካይዱ ዝጸንሑ መንእሰያት እውን ኣካልቲ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ኣካል ከም ዝኾኑ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝረአ ዘሎ ምዕብልና ንምምይያጥ ብ15 ጥቅምቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይቲ ቤት ምኽሪ መበል 1306 ኣኼባ ዝተጸወዓ ብዛዕባቲ ስልጣን ብወተሃደራት ምትሓዙ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደጋ ንምምይያጥ እዩ። ነቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ቀንዲ ዘሻቐሎ ከኣ ናይቲ ፕረሲደንት ስግኣት ሓዲርዎ ካብታ ሃገር ምውጽኡ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱፍ ምልከታኦም ካብ ዘቕርቡ ሓደ ክኸውን እዩ።. ፕረሲደንት ኣንጆሊና ናበይ ከም ዝኸደ ብወግዒ ዝተገልጸኳ እንተዘየለ ናብ ምውርሸ ከይዱ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ።