ቀዳማይ ገጽ ምቑራጽ ተኹሲ ሓማስን እስራኤል ኣብ ግብጺ ተኸቲሙ
2025-10-15 07:35:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 20 timesመራሒ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ መራሒ ቐጠር ኣሚር ሸኽ ታሚን ቢንን ፕረሲደንት ቱርክ ጠይብ ኤርዶጋንን ብመሰርት እቲ ኣሚሪካ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም እሞ ሓማስን እስራኤልን ዝተቐበልዎ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ሰነድ ብ13 ጥቅምቲ 2025 ፈሪሞም። ድሕሪ’ቲ ኣብ ግብጺ ሻርም ኢል-ሻይክ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምኽታሞም፡ እቶም ከተምቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ድማ ነቲ ስምምዕን ንቀጻሊ ኣተገባብራኡን ከም ዝድግፉ ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ስነስርዓት ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ሰፊኑ’ሎ ምስ በለ፡ “ፍልጣኤምን እስራኤልን ማዕረ መሰል ክህልዎም ይግባእ” ዝብል ቃል’ኳ እንተቃለሐ፡ መራሕቲ ፍልጥኤምን እስራኤል ዋናታት ናይቲ ዋኒንን ኣቐዲሞም ንእማመ ኣሚሪካ ዝተቐበልዎን ክነሶም፡ ኣካል’ቲ ምኽታም ዘይምዃኖም ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ቀዳሊ ዓብይ ብደሆ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዳግመ-ህንጻ ጋዛ እዩ እውን ኢሉ።
እቲ ዝተፈረመ ሰነድ 6 ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብወግዒ ጠጠው ምባሉ ምእዋጅ፡ ናብ ጋዛ ብህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ንክኣቱ ምፍቃድ፡ ሰራዊት እስራኤል በብምዕራፉ ካብ ጋዛ ክወጽእ፡ ክልቲኦም ወገናት ብመንጎኛ ኣቢሎም ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ መስመር ክኸፍቱ፡ ካብ ኣሚሪካ፡ ግብጺ፡ ቱርክ፡ ቀጠርን ካለኦት ሃገራትን ብኣባልነት ዝርከብዎ፡ መስርሕ ኣተገባብራ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ምምስራት ዝብሉ ይርከብዎ
በቲ ስምምዕ መሰረት ድሮ ብሓማስ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ እስራኤላውያን ግዳያት፡ 20 ብህይወቶም ተፈቲሖም ክፋነዉ እንከለዉ ናይ ዝሞቱ ኣስከሬናት’ውን ተረኪቡ። ብኻልእ ወገን ድማ እስራኤል ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ኣስታት 1700 ፍልስጥኤማውያን ፈቲሓ ኣፋንያቶም።