ኣከባብራ መዓልቲ ናጽነት ኤምባሲ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ

2024-05-27 19:28:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 306 times

መበል 33 ዓመት ኣብ ስካይ ሆቴል/መበል 32 ዓመት ኣብ ኣደራሽ ምሊኔም

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ስካይ ሆተል ኣብ ዝበሃል፡ ኣዝዩ ጽኑዕ መንግስታዊ ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ንእሽቶይ ኣዳራሽ ተሸጒጡ ከም ዘኽበሮ ተፈሊጡ። ኣብቲ መደረኽ ብዘይካ ውሱናት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ኤምባሲታት፡ ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ውሱናት ዞባዊ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝተዓደሙ ወጻእተኛታት ኣብ ዝተሳተፍሉ እዩ ተዘኪሩ። ኣይኮነንዶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ናይቲ ኤምባሲ ማሕበረሰብ’ኳ ከምዘይተኻፈልዎ ነቲ መድረኽ ዘዳለወ ኣካል ዝዘርግሖ ዜና የረድእ።

በቲ ካብቲ ኤምባሲ ብትዊተር ዝተዘርገሓ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብቲ መድረኽ ብዘይካ ኣቐዲሙ ተቐሪጹ ዝተዳለወ፡ ኤርትራዊ ባህላዊ ደርፍታት ንውሱን ግዜ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት  ዝቐረበ ናይ “ኣይትጽርና መሬት ዳንኬራ” ኣይነበረን።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 20 ሺሕ ተሳተፍቲ ዝሕዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ኣዳራሽ “ሚልንየም” ዝተኻየደ መደብ ኣበዓዕላ፡ ስለምንታይ ናብ ሓንቲ ዓሰርተታት ጥራይ እትሕዝ ናይ ሆቴል ጸባብ ኣድራሽ ተሸምሪሩ ኣዛራቢ እዩ። ገለ ወግናት እቲ ምኽንያት ብሪገድ ንሓመዱ ብዘጠንቀቕዎ እዩ ክብሉ ይስምዑ እዮም። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳብ፡ ናይቲ  ኤምባሲ  ምንቅስቓስ ንምድራት ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ 24 ጉንበት ምስ ሓለፈ፡ ናብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” መልእኽቲ ልኢኹ። እቲ መልእኽቲ ብናይ ኤርትራ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ እንከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ግና ኣየቃለሐኦን።

Last modified on Monday, 27 May 2024 21:39