ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ሆስፒታላት ካርቱም ኣጋጢምወን ዘሎ ብደሆታት እናተሓበረ (16 ሕዳር 2024)
ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ሆስፒታል፡ 33 ሺሕ ምስ ውግእ ብዝተተሓሓዘ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ሰባት ሕክምና ከም ዝሃበ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ሱዳን ሓቢሩ። ካብዚኣቶም እቶም 22 ሺሕ ብጥይት ዝተወቕዑ እሞ መጥባሕቲ ዝተኻየደሎም ምዃኖም እውን እቲ ካብ ሱዳን ዝተረኽበ ዜና ኣስፊሩ።
እዚ ሓበሬታ ዝተዋህበ፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ብ16 ሕዳር 2024 ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ሆስፒታል ኣል ባሊክ ኣብ ዝበጽሓሉ ምዃኑ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብቲ ምብጻሕ ኣባል ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ያሲን ኣል ዓጣን ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማንን ከም ዝተረኽቡ’ውን ተፈሊጡ።
ናይ ከተማ ካርቱም ህጹጽ ሕክምናዊ ኮሚተ ሓላፊ፡ ማሓመድ ኢብራሂም ብወገኑ፡ ድሕርቲ ውግእ ኣብ ማዝያ 2023 ምጅማሩ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከባ 54 ሆስፒታላት እተን 31 ከምኡ ድማ ካብ 243 ማእከላት ጥዕና እተን 158 ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘየቋረጻ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኣገልግሎት ጥዕና ካርቱም ካብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ዝለዓለ ነይሩ ከም ዝበለ መሓመድ ኢብራሂም ንመርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብደረጃ መላእ ሱዳን ብሰንኪ ውግእ 80% ትካላት ጥዕና ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይነን እየን። ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ ብሰንኪ ውግእ ዝዓነዋ ትካላት ናይ ምትካእ ጻዕሪ ከም ዝግበር ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ሓደስቲ ምህናጽን ዝዓነዋ ምጽጋንን ከም ዘጠቓልል ኣስፊሩ። እቲ ዝኸበደ ብደሆ ኣብቲ ብሕመቲ ዝእዘዝ ሰራዊት ሒዝዎ ዝጸንሐ እሞ ተሳዒሩ ዝለቐቖ ከባብታት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጥዕናን ጽሬትን ብሓደ ሱዳናዊ ጉጅለ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከኣ ኣብ ከተማ ካርቱም ብሰንክ’ቲ 15 ማዝያ 2023 ዝጀመረ ውግእ ኣስታት 61 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጠቒሱ፡ እዚ ከኣ ድሕሪ ውግእ መጠን ሞት ሱዳን ብ50% ምውሳኹ የመልክት ይብል።
ናይ ጀነራል ኣል ቡርሃን ካብ ፖርትሱዳን መጺኡ ኣብ ካርቱም ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ምክያድ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ልዕልና ይረክብ ከም ዘሎ ዝሕብር’ዩ ዝብል ርኢቶ ዘለዎም ወገናት ኣለዉ።
ህዝቢ ናይታ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ከም ሃገር እትንቀሳቐስ እንተኾነ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ብ13 ሕዳር 2024 ፕረሲደንት ንምምራጽ ድምጹ ሂቡ። እዚ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድምጺ ዝሃበሉ ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ን4ይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ካብቲ ክካየደሉ ዝነበሮ ግዜ 2ተ ዓመታት ድሒሩ ዝተኻየደ እዩ። ሶማሊላንድ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ዘይድ ባረ ጀሚራኳ ካብ መቃድሾ ተፈልያ፡ ንገዛእ ርእሳ ከም “ሃገር” እንትፈለጠት፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ውልቂ ሃገራት ግን ክሳብዚ እዋን ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።
ኣብዚ ፕረሲዳንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ካብ ሰልፊ ኩልሜ፡ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ካብ ሰልፊ ዋዳኒን ፈይሳል ዓሊ ዋራበ ካብ ሰልፊ ዩሲኣይዲን ተወዳደርቲ እዮም። እዞም ተወዳደርቲ ኣብ ኣሰራርሓ ፍልልይ ሃልይዎም፡ ቁጠባ ኣብ ምዕባይ፡ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ኣብ ምስፋሕን ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትረክብ ኣብ ምጉስጓስ ግና ተመሳሳሊ መርገጽ ከም ዘለዎም ይንገረሎም።
በዚ መሰረት ነቲ ሶማሊላንድ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን 20 ኪሎሜትር ትርብዒት ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ገመገም ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ን50 ዓመታት ክትህባ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ብ1 ጥሪ 2024 ዝበጽሕዎ መረዳድኢ ሓሳብ ሰለስቲኦም ሕጹያት ተወዳደርቲ ይድግፍዎ እዮም።
ሶማሊላንድ ብኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት እትመሓደር ክትከውን እንከላ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ፡ ባንዴራ፡ ገንዘብ፡ ሕገመንግስትን ፓስፖርትን ኣለዋ። ብዘይካዚ ቅድሚ ሕጂ ብዘካየደቶም ምርጫታት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝረኣየላ ከም ዝኾነት ብዙሓት ይምስክሩላ።
ነቲ ምርጫ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል፡ እቲ ኣብ 2 ሺሕ መውሃቢ ድምጺ ነቑጣታት ዝተኣከበ ድምጺ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ምስ ተቖጽረ ኣብ 21 ሕዳር 2024 ውጽኢቱ ክንግለጽ ትጽቢት ኣሎ።
እዛ ከም ሃገር ዘይትፍለጥ ሶማሊላንድ፡ ጌና ከም ሃገር ኣፍልጦ ከይረኸበት፡ ሕገመንግስቲ ወኒና ምርጫታት ብምክያድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ክትፈጥር እንከላ፡ ቅድሚ 31 ዓመታት ልኡላውነታ ዝኣወጀት ኤርትራ ግና ብዙሕነት ዘይተፍቅድ፡ ሕገመንግስቲ ዘይወነነትን ዝመርሓ ኣካል ዘይመረጸትን ኮይና ትቕጽል ዘላ እያ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ፍትሒ ዘይረኽቡለን ተባሂለን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትካል ሳይነስን ባህልን (UNESCO)፡ ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መገለጺ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ብዛዕባ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታተን ኣጻርየን መልሲ ከም ዘይሃባ ገሊጹ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ 2006 ክሳብ 2023 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣብ 75 ሃገራት 1, 189 ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ ክሳብ ሎሚ፡ ናይቶ 947 ጋዜጠኛታት ጉዳይ ኣብ ዝኾነ ናይ ፍትሒ ትካል ከም ዘይቀረበ ኣፍሊጡ
ዩነስኮ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ 6ን7ን ሕዳር 2024፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ 25 ኣንበሳድራትን 75 ወከልቲ ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍዎ፡ “ጉዳይ ዝቕተሉሉ ጋዜጠኛታት ብዘይተሓታትነት ክሕለፍ የብሉን” ብዝብል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ዘካየዶ ኣህጉራዊ ርክብ እዩ። ኣብዚ ምይይጥ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ድማ ነፍሲ ወከፈን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ብዛዕባቲ ቅትለት ተሓቲተን መልሲ ክህባ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግና መልሲ ከም ዘይሃበት ኣቃሊዑ።
እዚ ኣብ ከክልተ ዓመት ዝሕተም ናይ ዩነስኮ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት፡ ናይ 26 ጉዳይ ብመስርሕ ፍትሒ መዕለቢ ከም ዝረኸበ፡ ካብ 75 ንላዕሊ ናይ ዝኾኑ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ከም ዘሎን ናይ 60 ዝኾኑ ግና ኣበ ከመይ ደረጃ ከምዘሎ ከምዘይፍለጥ ኣስፊሩ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዳኛ ሰብኣዊ መሰላት ዴኒስ ኣዳጄ፡ ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ድሕንነት ጋዜጠኛታት ብኸይ ይሕለው” ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ዛዕባዚ ዝምልከት ምጽራይ ንክካየድ ዘለወን ቅሩብነት ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኾነት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ዝኸተመት ሃገር ዝፍጸም ጥሕሰት ናይ ምርኣይ ሓላፍነት’ኳ እንተለዎ፡ ብተግባር ግና ሃገራት ብመንጽርዚ ክምዘና ከም ዘይደልያ ምጥቃሶም እውን እዚ ጸብጻ ተቒሱ።
ክሳብ ሎሚ ጉዳይ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታተን በዚ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ፈቓደኛ ዝኾናን መንግስታተን ግጉያት ምንባሮም ተነጊርዎም ዝተቐበሉን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ታንዛንያ፡ ሩዋንዳ፡ ቤኒንን ኮትዲቭዋርን ጥራይ ምዃነን ድማ ተሓቢሩ። ብዓለም ደረጃ ካብ ዝቕተሉ 10 ጋዜጠኛታት እቶም 8 ፍትሒ ከም ዘይረኸቡ እቲ ጸብጻብ ዩነስኮ ኣስፊሩ።
ኤርትራ ብሓፈሻ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብፍላይ ከኣ ጋዜጠኛታት ኣሲርካ ኣሲርካ ሃለዋቶም ብምጥፋእን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና ዝዝከር እዩ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ቀዳሞት ናብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መበል 47 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንክኸውን ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ናይ “እንኳዕ ኣሓጐሰካ” መልእኽቲ ዘመሓላለፉ መራሕቲ ሃገራት ምዃኑ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀን’ሎ። እቲ ኣዛራቢ ዝገበሮ ንዝተመርጸ መራሒ ሃገር ሰናይ ትምኒት ምግላጽ ብኣኡ ዝተጀመረ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ በቲ ዕድመ ልክዑ ካብ ምርጫ ክሃድም ዝጸንሐን ዘሎን ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ስለ ዝኾነ እዩ። ኢሳያስ ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ እቲ ብምርጫ ናብ ሓላፍነት ምምጻእ ባህ ኢልዎ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ዘገድስ ጠቕምን ደገፍን ንምርካብ ምዃኑ ንትራምፕ እውን ኣይጠፍኦን እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂውን ካብ ዕጽዋ ዓዲ ሃሎ ዝወጸ፡ ሳላ ምምጻእ ትራምፕ ናብ ስለጣን እዩ።
እዚ ኣብተን ናይ ጉጅለኡ ልሳናት ተኸዊሉ፡ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሕባእ ኢሳያስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሓንቲ ተባዕ ጋዜጠኛ ተለቪዥን ኣልጀዚራ፡ “ኣብ ኤርትራ መዓስ ኢዩ ምርጫ ዝካየድ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ብዛዕባ ምንታይ ይሕተት ከም ዝነበረ ጠፊእዎ ዘይኮነስ፡ ንምህዳም ብስንባደን ቁጠዐን “እንታይ ምርጭኡ?” ብዝብል ተገልቢጡ ንሕቶኣ ብሕቶ ክምልሶ ፈቲኑ። ብዘይነግፈረግ “ኣብ ሃገርኩም ኣብ መጻኢ ዝግበር ምርጫ ማለተይ እየ”፡ ምስ በለቶ ከኣ፡ ብስምዒት “ድሕሪ 30፣ 40 ዓመታት ምናልባ’ውን ካብኡ ንላዕሊ” ኢሉ ብምጉጣጥ ዝሃቦ መልሲ ዲክታተርነቱን ተሓታትነቱን ተቓሊዑ መስሓቕ ሰብ ካብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት ሓደ ምንባሩ ዝዝከር ዘሎ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ 75 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህግሓኤ፡ 75 ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ውጻእን ብፍሉይ ኣበርክተኦም ዝተሓርዩ፡ “ዘይምልከቶም” ክነሱ፡ ወከልቲ ህዝቢ ዝብል ስም ዝተዋህቦም፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት ዝነበርዎ፡ 150 ዝኣባላቱ “ሃገራዊ ባይቶ” ተባሂሉ ዝተሰየመን ንኢስያስ ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ዝብል መዓርግ ዘልበሶን መሪሕነታዊ ኣካል ነይሩ። እንተኾነ እዚ ኣካልዚ ብምርጫ ህዝቢ ንዝምስረት ባይቶ ዝትክእ ዘይኮነ፡ ግዝያዊ መንግስቲ እዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኢስያስን ውሑዳት ሰዓብቱን ነዚ ኣካልዚ እውን ብመንጽር ምብሓት ስልጣን ዘስገኦም ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም ዕድመ ኣይረኸበን። ሎሚ ናይዚ ኣካል ምንባር ዛንታ ኮይኑ፡ ቦታኡ ቅድም ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ድሕሪኡ ብውልቀ መላኺ ተባሒቱ ዙሎ እዩ።
ኤርትራን ህዝባን ክሳብ ክንደይ ብምርጫ ዝተመስረተ መንግስቲ ዝተሓረሞምን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝጸምኦን ኮይኖም ከም ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ባዕልና እንርደኦን ንቃለሰሉ ዘለናን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለዩ ጉዳይ ዲሞክራስን ኣገዳስነት ምርጫን ዘገድሶም ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ናጻ ወገናት’ውን “ኤርትራ ብውትህድርና ብዝተዓብለለ ኣዝዩ ጨቋኒ ኣካል እትምራሕ፡ ካብ 1993 ጀሚሩ ንይምሰል’ውን ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ምርጫ ዘየካየደት፡ ብዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ፍጹማዊ ስልጣን ዝተባሕተላ ሃገር እያ። እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝጭቆንን ማእሰርትን መጭወይትን ዘይተፈልዮን ህዝባ ድማ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ብ1993 ብረፈረንደም ወግዓዊ ልኡላዊት ሃገሩ ዘውሓሰ እዩ” ኢሎም ክገልጽዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ኢሳያስ “እንታይ ምርጭኡ እዩ?” ኢሉ ክሓትት እንከሎ፡ ክሕጭጭን ካብቲ ዝፈርሖ ኣጀንዳ ክሃድምን ስለ ዝደለየ እንተዘይኮይኑ፡ ትርጉሙ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ወረ ንከምስልሲ ኣብቲ ኣብ ናቕፋ ካብ 10 ክሳብ 16 ለካቲት 1994 ዝተቓነዐ 3ይ ውድባዊ ጉባአ ህግሓኤ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር ኣብ ገጽ 22፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ስርዓት “ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባትን፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ብዙሕነትን ምጽውዋርን ዝተሰረተ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። ሎሚ እዞም ኣብቲ ቻርተር ተጸባቢቖም ሰፊሮም ዘለዉ፡ መርኣያ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዝኾኑ ቃላት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ህግደፍ፡ ኣብ መዝገበ-ቃላቱ እውን ዝርከቡ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ ብዓብይኡ እቲ ናይዞም ኩሎም መሰረት ክኸውን ዝነበሮ ናይ 1997 ሕገ መንግስቲ፡ “ሞይቱ እዩ” ተባሂሉ መርድኡ ካብ ዝንገር ዓመታት ሓሊፉ ስለ ዝኾነ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ኣንጻረይ ተዛሪብካን ፈጺምካን” ኢሉ ጥራይ ዘይኮነስ “ሓሲብካ” ኢሉ ዝኣስር ዘሎ ጉጅለ ናይቶም ኣብ ቻርተሩ ዘስፈሮም ቃላት ተኣማኒ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።
ኣምሰሉነት ህግደፍ እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ 10 ምዕራፋት፡ 68 ዓንቀጻትን ብዙሓት ንኡሳን ዓንቀጻትን ዝሓቖፈ ኣብ ዓሰርተ ገጻት ዝሰፈረ፡ ነቲ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩ ዝተነድፈ ሰነድ “ሕጊ ምርጫ” እውን ኣዳልዩ ነይሩ እዩ። ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል፡ ሎሚ እዚ ሰነድ እውን “ነዴኺ ማይ ውረድላ” ኮይኑ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ብህዝቢ ዝምረጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ግና ክሳብ ዓወት ቀጻሊ እዩ። ከምቲ “ኣዴኻሲ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝበሃል ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂሲ ምስ ኩሉቲ ጥልመቱን ክሕደቱን “ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘሕፍር እዩ። ማዕረቶም ሕጽረታቱን ብቕዓቱን ብዘየገድስ ብምርጫ ናብ ስልጣን ዝደየቡ ፕረሲደንታት ክስራዕ ከኣ ሃየንታ እዩ።
ኣብቲ ኢሳያስ ካብ ምርጫ ክሃድም ዘባኸኖ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታት ግዜ፡ ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ’ኳ ምስ ኩሉቲ ዘመዝግቦ ዝነበረ ሕጽረታትን ዘጋጠሞ ዕንቅፋታትን ኣብቲ ኢስያስ ምርጫ ካብ ምክያድ ክሃድመሉ ዝጸንሐ ግዜ “ውግኣትን እገዳታትን” እናሃለዉ፡ 6 ዙር ምርጫ ተኻይዱ ናብ 7ይ ዙርያ ገጾም የመዓድዉ ኣለዉ።
ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ እሞ ኢስያስ ተጓይዩ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዘመሓላለፈሉ፡ ብሓያልን ናጻን ውድድር ዝሓለፈ ምርጫ ኣሜሪካ ከነወዳድሮ እንከለና ከኣ፡ ንሱ ኣብታ ሓንሳብ ብስም ዋና ጻሓፍነት ህግሓኤን ኣቦመንበርነት ባይቶን ዝተወጠሓ መንበር ተጣቢቑ እንከሎ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2025 ዓሰርተ ምርጫታት ብምክያድ፡ ካብ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ክሳብ ሮናልድ ትራምፕ 7 ፕረሲደንትታት ሰላማውን ዲሞክራስያውን ናይ ስልጣን ምርኽኻብ ኣካይዶም።
“ዘይቐንእ ኣይወለድ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳያስ ነዚ ተዓዚቡ ዋላ ንምልክት ንሕናውን “ምርጫ ከነካይድ ኣለና” ክብል መተገበኦ። እንተኾነ ኣተኩሮኡ ኣብ ናይ ካለኦት ስራሕ ምውርዛይ እምበር፡ እትኽእሎ ሰሪሕካ ኣብነት ኣብ ምዃን ስለ ዘይኮነ፡ እንጽበዮ ኣይኮነን።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ዜጋታተን ጉዳይ ሃልይዎም፡ ናይ ጉዕዞ ትኬት ቆሪጾምን ከማልእዎ ዝግበኦም ኣማሊኦምን ከይገሹ ብትሪ ካብ ዝኽልክላ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኤሪጋዘተ (Erigazette)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ7 ሕዳር 2024 ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢራ።
እቲ ጽሑፍ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ኣገዳዲ ግቡእ ከይፈጸሙ ክወጹ ንዝደልዩ ዜጋታት፡ ዜግነታዊ ናይ ምጋሽ መሰሎም ይንጸግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ መቕጻዕቲ ከም ዘኸትል እውን ጠቒሱ። ካብቲ መቕጻዕቲ መንግስቲ ተደጋጋሚ ተሪር ግፋታት የካይድ። ናይቲ ግፋ ዓላማ ናብ ኣገልግሎት ከይከዱ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተሰወሩ መንእሰያት ንምህዳን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይኣፍልጦ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ናይቲ መንግስቲ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዶባት ዝተረኽቡ ዜጋታት ተኹሲ ይኽፈቶም። ገንዘባዊ ክፍሊትን እውን ይጸዓኖም።
እዚ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይፈቓድ ዝወጹ እሞ ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ከም ዝትግበር ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣስፊሩ። እቲ መቕጻዕቲ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ከይተረፈብመልክዕ ምውራስ ንብረት ወይ ኣብ ክንድኡ ናብቲ ግዱድ ኣገልግሎት ብምውሳድ ይትግበር እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ እንተ ገይሾም ኣይምለሱን እዮም ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ስፖርተኛታት እውን ጥቡቕ ምቁጽጻር ከም ዝገብርን፡ ብሄራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ ናይ 2026 መጻረይ ጽዋዕ ዓለም ከም እትበኩር ዝገበረት ተጻወታ እንተወጺኦም ኣይክምለሱን እዮም ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣቃሊዑ።
ካብ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ መርበብ ሓበሬታ ዝተወስደ ስእሊ
ኣየር ፍራንስ፡ ብ4 ሕዳር 2024 ብቀይሕ ባሕሪ ምብረር ከቋርጽ ከም ዝተገደደ ናይቲ መንገዲ ኣየር ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብረርቲ በረራኡ ከቋርጽ ዝተገደደ ኣብቲ ወጥርታት ዘዘሖ ዞቦ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰማይ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ብራኽ ዘንጸባርቕ ነገር ስለ ዝረአየ ምዃኑ እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ናይቲ “ዘንጸባርቕ” ዝበሎ ኣካል እንታይነት ዘይጠቐሰ ኮይኑ፡ በቲ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ሚሳይላት ክትትኩስ እያ ዝበሃል ዘሎ ከም ዝሰግአ ጠቒሱ። በቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ካብ ፓሪስ ናብ ኣንታራሪቮ፡ ማድጋስካርን ናይሮብን ዝግበር ዝነበረ በረራ ዝተዓንቀፋ ነፈርቲ፡ ናብቲ ዝተበገሳሉ ፓሪስ ከም ዝተመልሳ ተፈሊጡ።
እዚ ዘሻቕል ኩነታት ዝተፈጥረ የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራክብ ኣብ ዝወቕዕሉን ናብ እስራኤል ድማ ሚስይላት ኣብ ዝትኩሱልን እዋን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ መንገዲ ኣየራት ካብቲ ኣስጋኢ ዝኸውን ዘሎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ካልእ ውሑስ ዝኾነ ኣቕጣጫታት ክመርጻ ይግደዳ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።
መንግዲ ኣየር ፍራንሳ፡ ልዕሊ ኩሉ ድሕነት ዕማዊሉ ከም ዘገድሶን በዚ መሰረት ነቲ ዝፍጠር ጀኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እናተኸታተለ መንግዲ ከም ዝቕይር ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክሊ ኣየር ዖማንን ሳዑዲ ዓረብን ይጥቀም ከምዘሎ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኣተወት ኣየርባስ- ኤ350-100 (Airbus A350-1000) ዝዓይነታ ብሓንሳብ 400 ገያሻ እተጓዕዝ ነፋሪት ዝወነነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተኸልኪሉ ድዩ ብናቱ ውሳነ ናይ ኤርትራ ክሊ ኣየር ከም ዝተሓሰመ ይውረ’ሎ። ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ካብተን ብኤርትራ ዝሓልፋ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ኣስታት 200 ዶላር የኽፍል ከም ዝነበረ’ውን ተፈሊጡ።
ወደብ ዓሰብ ብኸፊል
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ባይቶ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብኣባላት ንዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ካብቲ ዝቐረበሉ እሞ ዝያዳ ግዜ ሂቡ ዝተዛረበሉ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነይሩ። ነዚ ሕቶዚ ክምልስ እንከሎ ደጋጊሙ ዝገለጾ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክህልወና ግድን ስለ ዝኾነ ንሰርሓሉ ኣለና። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብምልዓልና ከኣ ክንስከፍ የብልናን። ብዙሓት ወገናት ዝያዳ ሚእቲ ሚልዮ ሒዝኩም ሰፊሕ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣካየድኩም፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓልኩም ግቡእ እዩ ኢሎም፡ ንሕቶና ኣፍልጦ ይህብዎን የተባብዕዎን ኣለዉ” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።
እቲ ዝብሎ ዘሎ ብሓፈሻ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካለኦት ኢትዮጵያ ክትሓቶም ኢልካ ዝግመቱ ወደባት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዲክታተር ኢሳያስ ዝኸፈተሉ ኣፍደገ፡ “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና፡ ወደብ ዓሰብ ክንካፈል ኢና” ዝብሎ ዝነበረ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
“ነዚ መደብዚ ንሕና ንጅምሮ እሞ እንተዘየርከብናሉ ደቅና ይውድእዎ” ምባሉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ነዊሕ ግዜ መደብ ገይሩ ሒዝዎ ከም ዘሎ የመልክት። ዋላኳ “ብሰላማዊ መንገዲ እነረጋግጾ እዩ” ብዝብል ክሽፍኖ እንተፈተነ፡ ኣብ ሓይልን ዓመጽን ከም ዘሎ ንምምልካት ድማ “ኣብ ቅድሚ ረብሓና ንዝጸንሐና ኣይንምሕሮን” ድሕሪ ምባል፡ “ቅድሚ ሕጂ ንገዝኦ ዝነበርና ኣጽዋር ሎሚ ባዕልና ክንሰርሖ ጀሚርና ኣለና” ምባሉ ድማ እቲ ሓቀኛ ሕልሙ ናበይ ከም ዘተኩር ዘርኢ እዩ።
እዚ ብስምዒት ዝበሎ ምላቕ ዘይኮነስ፡ ዝተሓስበሉ ምዃኑ ካብ ዘመልክቱ፡ ናይታ ሃገር ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣቶ ምጋናው ኣረጋ፡ “ፋና” ምስ ዝተባህለት መንግስታዊት መደበር ተለቪጅን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ “ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ምርግጋጽ ኣይክትዋገን እያ” ዝበሎ ብመደብ ዝስረሓሉ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።
ካልእ “ኣንድ ኣፍታ” ዝተባህለት፡ ናብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ቅርበት ዘለዋ መደብ ዩቱብ ከኣ፡ ንመግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ተኸቲላ “ንወደብ ዓሰብ ዋላ ብሓይሊ ምሓዝ ምውራር ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ዝተጋገየቶ ከም ምእራም ዝውሰድ እዩ” ኢላ። ኣስዒባ ድማ፡ “ደሓር ከኣ ተቐዳዲምካ ዝሓዝካ ምስ ሓዝካ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ኣሰራርሓ እዩ” ዝበለቶ፡ እቲ ጉዳይ ሱር ይሰደድ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ዘይሩዘይሩ እቲ ደግሲ ልኡላውነት ኤርትራ ናብ ምግሃስ ዝመጣጠር እዩ። እዚ ከኣ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኽስሮ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ንድሕሪት ዘይመልስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤርትራውያ ከኣ ብፍላይ እቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ ዘሎ ውዳበታት ሓቢሩ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ይግበኦ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምናልባት ምስ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጉጅለ ስለ ዝተባእሰ ዝህቅኖ ዘሎ እንተኾይኑ፡ ደጋጊሙ ክሓስበሉን ካብ ከምዚ ዓይነት ወስታ ክእደብን ነተሓሳስቦ።
ጳጳሳት ኦርተዶክሳዊት ቤተ ክርስትያ ትግራይ፡ ብ1 ሕዳር 2024 ኣብ ቤት ጽሕፈታ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ምስ ዝመርሕዎ ልኡኻቶም ብኣካል ኣራኺቡ። ኣብቲ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ስነ ስርዓት ርክብ፡ እቶም ጳጵሳት ከም ዝገለጽዎ፡ ናብዚ ንክብጻሕ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ክጽዕሩ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
ኣተሓሒዞም ድማ ድሕሪ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይቶም ሓለፍቲ እናተመላለሱ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሰላም ጻዕሪ’ ክልቲኦም መራሕቲ “ጸገምና በቲ ሕግና መሰረት ብልዝብን ዘተን ክንፈትሖ ኢና” ዝብል ቃል ከም ዝኣተውሎምን ናይቲ ምርኻብ ዕላማ ድማ ክልቲኦም ብኣካል ኣብ ዝተረኽብሉ ንምብሳር ምዃኑ እውን እቶም ኣቦታት ጠቒሶም።
እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሑ ማለት’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ደረጃ ምብጻሕ፡ እቲ ጸገም ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ንክፍታሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቶም ጳጳሳት ኣመልኪቶም። ኣስዒቦም ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓቢሮም “ጸገምና ብልዝብ ፈቲሕና” ዝብል ብስራት ሒዘምልና ንክመጹ ተስፉዋት ኢና ኢሎም። ፖለቲከኛታት እኳ እንተዘይኮኑ ንሳቶም እውን ነቲ መስርሕ ከም ዝከታተልዎ ጠቒሶም።
ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን ነናቶም ወገን ክድግፉ ዝጸንሑ ነጠፍትን ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታትን፡ ነቲ ብጻዕሪ’ታ ቤተ-ክርስትያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክንእድዎ እንከለዉ፡ “ክሳብ ክንደይ ክትግበር እዩ? ዝብል ስኽፍታ ከም ዘለዎም ግና ኣይሓብኡን።
መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ፡ ብመጽር’ዚ ጳጳሳት ትግራይ ዘርኣይዎ ቅዱስ ተበግሶ ክምዘኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ክንደይ ናይ ህዝቢ ዘይኮኑ ናይ መንግስቲ መሳርሕን ጸግዕን ኮይኖም ከም ዘለዉ ምርዳእ ይከኣል።
ኣብ ኤርትራ ብሓገዝ ጉጅለ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተል ዝጸንሐ ሓይሊ መሊሻ ሱዳን፡ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ ናብ ከሰላ ከም ዝተፋነዉ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እቶም ጀነራል ኣልኣሚን ዳውድ ብዝተባህለ መኮነን ዝምርሑ ኣባላት መልሻ፡“ምብራቓዊ ቦጠለኒ” ብዝብል ዝጽዋዕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ምብርቓዊ ቦጠለኒ ዝበሃል ኣሃዱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለዉ ዝጸንሑ ጉጅለታት ሱዳን ኮይኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኮይኑ፡ ከባቢኡ ካብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ በቲ ዲክታተር ኤርትራ ምስቲ ብጀነራል ኣርልቡርሃን ዝምራሕ ውና ከተማኡ ናብ ፖርት ሱዳን ቀይሩ ዘሎ መንግስቲ ከም እትስለፍ ከም ዝገለጸሉ ናብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኢሳያስ ኣብቲ ምስቶም ጋዜጠኛታት ዘካየዶ ርክብ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ክኣቱ ከም ዘይደሊ፡ ከምኡ መግበሪኡ ምኽንያቱ ድማ ፖለቲካ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ናብ ፖለቲካዊ ምርኢት/ባዛር ተቐይሩ ከም ዘሎ ምዃኑ ከም ዝጠቐሰሎም እቲ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ከም ዘሰልጥን ዝኽሰስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣካል ናይቲ ብኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኪዳን ክገብሮ ከም ዝደሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
ሶማሊያ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፈጻሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ዲፕሎማት ዓሊ መሓመድ ኣደም ኣብ 72 ሰዓታት ክወጽእ ከም ዝወሰነት ናይታ ሃገር ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ዘይምልከቶ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ከም ዝተረኽበ ከሲስዎ።
እቲ መግለጺ ኣንበሳደር ዓሊ ካብቲ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን መሰል ዲፕሎማትን ዝምልከት ናይ ቪየና ሕጊ ወጻኢ ተንቀሳቒሱ ኢሉ ከም ዝኸሰሶ እውን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገና ኣፍሊጣ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ሙክታር መሓመድ ዋረ ከም ዝተሰጐገ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ነቢያት ጌታቸው፡ ብዛዓብቲ ፍጻመ ብሚድያታት ተሓቲቱ መልሲ ከም ዘይሃበ ድማ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ድሕሪቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንሳ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ፡ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝከውን 20 ትርብዒት ኪሎሜተር መሬትን ናይ ወደብ ኣገልግሎትን ንክትህባ መረዳድኢ ሓሳብ (Memorandum of Understanding (MOU) ምፍርራመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ኣንጻር ልኡላውነተይ ዝተወስደ ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ኣንጻር ኢትዮጵያ ክሲ ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ነዚ ተኸቲሉ ሶማሊያ፡ ኤርትራን ግብጽን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኪዳን መስሪተን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።
More...
ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ዓብደል ማጂድ ዓብደል ሓሚድ
ኣብ ሱዳን ደጋፊ ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምዃኑ ዝፍለጥ ጋዜጣኛ ዓደል መጂድ ዓብደል ሓሚድ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ከተማ ገዳርፍ ተኣሲሩ ናብታ ግዝያዊት ዋና ከተማ ሱዳን ኮይና ዘላ ፖርት ሱዳን ከም ዝተወስደ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ጋዜጠኛ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ንማእከላይ ባንክ ሱዳን ዝወቅስ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላለፈ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ዓብደል መጂድ ብኣካላት ናይ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ፈደራል ምርመራ ጸረ ገበን ሳይበር ብዝብል ትካል ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ዘእሰሮ ክሲ ከኣ፡ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፡ ገንዘብ ንምሕታም ነቲ ዝሓሰረ ናይ ኣሜሪካ ትካል ገዲፉ ምስ ዝያዳ ዋጋ ዘኽፍል ናይ ሩሲያ ኩባንያ ምስምምዑ ብምንቃፉ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ማእሰርቲ ዓብደል ሓሚድ ናይ መጀመርያ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን ንርክብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዳይረክተር ስለያ ሱዳንን ብዝምልከት ኣብ ፈይስቡክ ገጻቱ ስለ ዘውጸአ ኣብ ገዳርፍ ብተመሳሳሊ ኩነታት ተኣሲሩ ምንባሩ ምንጭታት ከም ዝሓበርዋ መርበብ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።
እዚ በቲ ማእከላይ ባንክ ናይ ገበን ክሲ ዝተመስረቶን ኣብቲ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ሱዳን ኣንጻርቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ወጊኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ሰራዊት ሱዳን ዝወገነ ጋዜጠኛ ዓብደል መጂድ፡ ቅድሚ ናብ ፖርት ሱዳን ምትሕልላፉ ብዋሕ ንክፍታሕ፡ ብዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ባእታታት ኣብ ገዳርፍ ብዋሕ ክፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝተገብረን ብዓቃብ ሕጊ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ድማ ተሓቢሩ።
ካብ ኤ ኤፍ ፒ/AFP/ ዝተወስደ ስእሊ
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቛረጸ ውግእ ትግራይ፡ ናይ ቀጻሊ ውግእ ፈልሲ ዝተክል ዘሎ ስለ ዝመስል ከም ዘስግእ ሰፊሕ ዝርጋሐን ተነባብነትን ዘለዎ ጋዜጣ “ዘኢኮነሚስት/the economist/፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ27 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኣቶ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣጠንቂቓ።
እታ ጋዜጣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ወተሃደር ብናይ ዓውዲ ውግእ መነጸር፡ ኣብ ሓደ ጎቦ ተሰሪዖም ዝረኣዩ ሰባት ከም ዝተዓዘበን ንሳቶም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምዃኖምን ምርግጋጹን ትጠቅስ። እቲ ጎቦ ኣብ መሬት ናይታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓውሲ ናጻ ምምሕዳር ናይ ዘላ ክልል ትግራይ ምዃኑ እውን ይውስኽ።
ጋዜጣ ዘኢኮኖሚስት ኣተሓሒዛ ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል ቦታ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ኣትዩ ኣብ መሬት ትግራይ ሰፊሩ ኣሎ እውን ኢላ። ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ለይቲ እቲ ሰራዊት ሰለይቲ ልኢኹ ዝያዳ ርሕቀት ብምእታው ሲቪል ሰባት እናኣሰረ ከም ዝወስድ ኣስፊራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነባር ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋንዚ ምክትል ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ “ንሳቶም ውግእ ክኸፍቱ ኣይንፈቕደሎም ንሕና እውን ናብ ውግእ ኣይንኣቱን” ከም ዝበለ እቲ ካብ ዘኢኮነሚስት ዝተረኽበ ዜና ኣስፊሩ።
ዘኢኮነሚስት ነቲ ኩነታት ምስቲ፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ዝብል ኣርእስቲ ርእሰ-ዓንቀጻ ንምትእስሳር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም፡ ብዛዕባ ልዕሊ 35 ካብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ 110 ወተውሃደራዊ ጐንጽታት እናተኸታተለት ሓበሬታ እትዝርግሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩነታት ናብ ሃገርና እውን ዘንጸላሉ ዘሎ ምዃኑ ኣስተውዒሉን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ውግኣት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተራእየ ተማሂሩ ኣብ ዳግማይ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ንዘይምእታው “ዓገብ” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት ከም ዘሎ ክዝክር ይግበኦ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት ዘይምምዝጋቦም ኣጸጋሚ’ዩ ተባሂሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት (ስእሊ ኮሚሽን ስደተኛታት ኢትዮጵያ)
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 576 ሺሕ ህጻናት እቶም ዝተመዝገቡ 12% ጥራይ ምዃኖምን እንተዘይተመዝጊቦም ከኣ መሰሎም ክሕለወሎም ኣጸጋሚ ከም ዝኸውንን ሓቢሩ።
እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ህጻናት ክሳብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ብዘይምምዝጋቦም፡ ኣድላይ ሓለዋ ክግበረሎምን ዝግበኦም መስል ስደተኛ ክረኽቡን ከምዘይክኣሉ ብምጥቃስ፡ ናይ ዘይምምዝጋቦም ጠንቂ ናይቲ ትካል ዓቕሚ ድሩትነትን ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገምን ከም ዝኾነ እውን ኣስፊሩ።
እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ 2017ን 2019ን እኳ ብዛዕባ ኣመዘጋግባ ስደተኛታት ዘውጸኣቶ ኣዋጃት እንተሎ፡ ኣተገባብራኡ ግና ብፍላይ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉልን ዓፋር ኣብ ዘለዉ መደበር ስደተኛታት ድሩት ምዃኑ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝበሃል፡ መንግስታዊ ኣካሉ ኣቢሉ፡ ስደተኛታት ኣብ ዝርዝር ሃገራዊ መንነት ክሕወሱ መደብ ከም ዝሰርዐ ኣፍሊጡ። እዚ መደብ ካብ ተደጋጋሚ ምምዝጋብ ንምድሓን ተባሂሉ ዝተተለመ ድማ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ስደተኛታት ኣዕቊባ ከም ዘለ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተተቕሰ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 60, 688 ብሰንክቲ ኣብ 2023 ዝጀመረ ውግእ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ሓደስቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ 4.4 ሚልዮን ዝኾኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ከም ዘለዉዋ እውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሲቪል ኣቬሽን ኣቢሉ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ሚልዮን ዶላር (ልዕሊ 61 ሚልዮን ናቕፋ) ንክኸፍሎ ከም ዝኸሰሰ ብሚድያታት ይሕበር ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ካብ ኤርትራዊ መዘናኡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር (280 ሚልዮን ብር) ክትክፈሎ ምሕታቱ ተፈሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ንክኽፈሎ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝኸስስ ዘሎ፡ ክፍሊት ነፈርቲ ኢትዮጵያ ብናይ ኤርትራ ክልል ኣየር ዝተጠቕመኦ፡ ካሕሳ ዝጠፈአ 9650 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ 450 ባልጃታት ገያሾ፡ እቲ መንግዲ ኣየር ብምኽንያት መርመራ ኮቪድ ንገያሾ ኤርትራውያን ዘኽፈሎን ብዘይርትዓዊ ዋጋ ቲኬት ካብ ኤርትራውያን ገያሾ ዝተወስደን ዘጠቓልል ክይኑ፡ ናይ ቅድሚ 25 ዓመታት ዘይተወራረደ ሕሳብ 570 ሺሕ ዶላር ዝርከቦ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣቐዲሙ ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ስራሕ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኤርትራ ዝዓቀቦ ዶላርን ናቕፋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከመሓላልፎ ኮነ ኣብ ኣስመራ ንመንቀሳቐሲ ስራሕን መኽፈሊ ደሞዝ ሰራሕተናታትን ንክትቀመሉ ከምዘይከኣለን በቲ ባንኪ “ተወሪሱ” ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦን ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምኽንያት ከም ዝኾኖን ብምጥቃ ገንዘቡ ንምምላስ ሕጋዊ መንግገዲ ከም ዝጥቀም ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 3.5 ሚልዮን ዶላር ክሲ ዝምስርት ዘሎ፡ ነቲ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወረሶ ገንዘብ ኣከሓሒሱ ንዘይምኽፋል ዝመሃዞ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።
እዚ ኣብዘን መንገዲ ኣየራት ዝረአ ዘሎ ምውጣት፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝምዕብል ዘሎ ፍልልይ ምብላሑ ዘርኢ ምዃኑ ይእመን። ኣብ ርእሲቲ በረራታት ነፈርቲ ምቁራጹ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት’ውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ ተለፎን ምቁራጹን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ምጽራይ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ምስ ኢትዮጵያዊት መዘናኣ ኣብ ደቡ ሱዳን ከተማ ጁባ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ብቁራጽ ካብቲ ውድድር ምስሓባ’ውን ብመንጽርዚ ዝርአ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።