“ትሪቡን ደ፡ ጀነቫ” ዝተባህለ ብቋንቋ ፈረንሳይ ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ ካብቶም 700,000 ዝግመቱ ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ስደተኛታትን ተመዛበልትን 19, 370 ነናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱን ኣብ 2018 ድማ 30,000 ክምለሱ መደብ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጉዳይ ስደተኛ ዝምልከቶም ትካላት ከም ዝሓብርዎ ኤርትራውያንን ሱርያውያንን ዝምለስሉ ውሑስ ሃገር የብሎምን።

 

ኣብ ሊቢያ ኣስታት 50,000 ሰተኛታት ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምዝጉባት እዮም። እንተኾነ እቲ ናብ 3ይ ሃገር ናይ ምስግጋሮም መስርሕ ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ኣይኮነን። ካብቶም ስደተኛታት 1,342 ናብቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ ህጹጽ መሰጋገሪ መደበር ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ከም ዝተሰጋገሩን ኣብ 2018 እውን 5,000 ከም ዝተሰጋገሩን ተፈሊጡ። እንተኾነ ሰብመዚ ኒጀር ካብ ሕጂ ንድሕሪት ተወሳኺ ስደተኛ ክቕበሉ ከምዘይክእሉ ጉዳይ እቶም ስደተኛታት ንዝምልከቶም ትካላት ይሕብሩ ኣለዉ።

 

ክሳብ ሕጂ ካብቶም ኣብ ኒጀር ዘለዉ ስደተኛታት 322 ጥራይ እዮም ናብ ኤውሮጳ ናይ ምስጋር ዕድል ረኺቦም። ካብዚኣቶም 40 ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም ኣለዉ። ኤደን ሓንቲ ካብቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝበጽሑ ናይ ንጀር ስደተኛ መንእሰይ እያ። ንሳ ንጋዜጠኛታት ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ኤውሮጳ ከም ትበጽሕ ርግርጸኛ ከምዘይነበረት ሓቢራ። ኣብ ኒጀር ኒያሚ ንምብጻሕ ዘጋጠማ ዘጨንቕ ጉዕዞ ካብቲ ቅድም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ጀሚራ ደሓር ድማ ናብ ሱዳንን ሊቢያን ክትበጽሕ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ኣብሪሃ።

ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ እዞም ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ዘለዉ፡ 700,000 ዝኾኑ ስደተኛታት መናገዲ ዓመጸኛታትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም፡ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝለዓለ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጾም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት 200 ናጀርያውያንን 100 ሶማላውያንን ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ። ናጀርያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2017 እውን 5,000 ዜጋታታ ናብ ሃገሮም መሊሳ እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ክትመል ቃል ኣትያ ኣላ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ብዛዕባ ዘለዉ ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ዝግደስ ኣይኮነን

The daily French- language Tribune de Genève of 30 May 2018 reported that of the estimated 700,000 migrants and refugees stranded in Libya, 19,370 were repatriated to their home countries and 30,000 more are scheduled to be repatriated within 2018. However, according to refugee agencies, Eritreans and Syrians have no safe home-country to be repatriated to.

Some 50,000 persons in Libya have been registered with UNHCR as asylum seekers but the process of obtaining third-country resettlement is not progressing well. It was reported that 1,342 asylum seekers were evacuated to the emergency transit camp opened in Niger last November, and 5,000 more are be sent there in 2018. However, Niger authorities are informing refugee agencies that the camp is already saturated and may not receive many in the future.

So far, only 322 of those evacuated to Niamey, Niger, were given third-country resettlements in Europe, 40 of them were Eritreans received in Switzerland. Eden, one of those youthful Eritrean refugees in Niger, told a Swiss journalist that she was not sure that she would make it to Europe. She was in Niamey after traumatic travels starting with her risky escape from Eritrea and the hazardous passages to Ethiopia, then to the Sudan and then to Libya.

Reports indicate that the migrants stranded in Libya have become human merchandize for criminal gangs of traffickers and that that many of those 700,000 would wish to return home soon. In the last few days alone, over two hundreds of Nigerians and 100 Somalis were repatriated. Nigeria had repatriated 5,000 of its nationals in 2017.

Ethiopia is promising to repatriate its citizens in Libya willing to return home. But the regime in Asmara has never ever cared about Eritrean refugees in any place in the world.

28 ግንቦት 2018 ኣብ ጽርጊያ መስመር ኣስመራ ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ከምዝሞቱን፣ መራሕ መኪናን ተሓጋጋዚኡን ዝርከብዎም 11 ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ክም ዝበጽሖምን ካብ ኣስመራ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እታ ኣውቶቡስ ናብ ደብረሲና ዝነግዱ ኤርታውያን በጻሕቲ ኢያ ጽዒና ነይራ። ኣብ ከባቢ ሽንድዋ ዝተባህለ ቦታ፡ ምስ በጽሐት ካብ መስመር ጽርግያ ወጺኣ ናብ ገደል ከምዝጸደፈት እቶም ምንጪታት ሓቢሮም።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንመወቲ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም፡ ንስድራታቶም ድማ ጽንዓት ይሃቦም።

ስዉእቲ ኣዴናን ሓብትናን ጽሃይቱ በራኺ፡ ቅድሚ ናብ ገድሊ ምስላፋ፡ በቲ ዘለዋ ናይ ሙዚቃ ክእለት፡ ንመንእሰያት ናይ 70ታት ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምሕዳር ዓቢ ግደ ተጻዊታ ኢያ። ኣብ ማአሰርቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝርከብ ናይ ቀደም ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ቅድሚ ምስላፉ፡ ስም ጽሃይቱን ደርፋን ክደጋግም ኢዩ ዝስማዕ ነይሩ።

ስውእቲ ሓርበኛ ጽሃይቱ በራኺ፡ ንመንእሰያት ኣበራቢራ ንሜዳ ሰዲዳ ንሳ ኣብ ገዝኣ ኮፍ ኣይበለትን። ብ1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፋ፡ ሃገራዊ ጕባኤ ክትፍጽም ደኣ ተራእየት። ምስ ሃገራዊ ክፍሊ ሙዚቃ ናይ ተሓኤ ኰይና፡ ንህዝብን ሰራዊትን ዘልዓዕል ደርፍታትን ሙዚቃታትን ኣበርኪታ ኢያ።

ስውእቲ ጽሃይቱ በራኺ ብኣካል እኳ ካባና እንተተፈልየት ብመንፈስን ብዘበርከተቶ ግደን (ሲዲታት፡ ቪድዮታት) ምስ ህልዊ ይኹን ስዓቢ ወለዶታት ክትዝከር ክትነብር ኢያ።

በዚ ኣሕዛኒ ኣጋጣሚ’ዚ ንስዉእቲ ጽሃይቱ በራኺ መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፤ ንቤተሰብ፡ ኵሎም መሓዙታ፡ መሳርሕታን መቓልስታን ዝነበሩ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሉ ድማ የውርደልኩም እናበልኩ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፍ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ከምዝዀነ ክገልጽ እፈቱ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

27 ግንቦት 2018

ኣብ ድሮ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ብ22 ጉንበት 2018 ኣባላት መሪሕነትን ተራ ኣባላትን ማሕበረ-ኮም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ከም ዝተታሕዙ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እዞም 70 ዝኾኑ ዕሉላት መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝተታሕዙ እቲ ወግዓዊ ክበባቶም ብመንግስቲ ሱዳን ምስተዓጽወ ዴም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብምስጢር ኣብ ዝኸፈትዎ ናይ ቁማር ቦታ እዩ ተፈጺሙ።

እዚ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ እዞም ኣባላት ህግደፍ ዝተታሕዙ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ዘይሕጋዊ ቦታ ኣበይ ከም ዝኾነ ኣረጋጊጾም ምስ ከበብዎ እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዞም ብሃንደበታዊ ከበባ ዝተታሕዙ 24 ሰዓታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገበኖም ናብ ናይ ህጹጽ ግዜ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክረአ እዩ። ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እቲ ዝሓዝዎ ገዛ ዘይሕጋዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ እቲ እናካየድዎ ዝተታሕዙሉ ቁማር ከኣ ነቲ ዘይሕጋውነት ዘኽብዶ እዩ።

ኣብ ድሮ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ብ22 ጉንበት 2018 ኣባላት መሪሕነትን ተራ ኣባላትን ማሕበረ-ኮም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ከም ዝተታሕዙ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እዞም 70 ዝኾኑ ዕሉላት መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝተታሕዙ እቲ ወግዓዊ ክበባቶም ብመንግስቲ ሱዳን ምስተዓጽወ ዴም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብምስጢር ኣብ ዝኸፈትዎ ናይ ቁማር ቦታ እዩ ተፈጺሙ።

እዚ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጾ እዞም ኣባላት ህግደፍ ዝተታሕዙ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ዘይሕጋዊ ቦታ ኣበይ ከም ዝኾነ ኣረጋጊጾም ምስ ከበብዎ እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዞም ብሃንደበታዊ ከበባ ዝተታሕዙ 24 ሰዓታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገበኖም ናብ ናይ ህጹጽ ግዜ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክረአ እዩ። ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እቲ ዝሓዝዎ ገዛ ዘይሕጋዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ እቲ እናካየድዎ ዝተታሕዙሉ ቁማር ከኣ ነቲ ዘይሕጋውነት ዘኽብዶ እዩ።

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ ልሳናት ሰዲህኤ መርበብን መጽሐትን ሓርነት ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብ ቃለ-መጠይቑ ንዝቐረብሉ ሕቶታት ኣገዳሲ መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ

ሕቶ፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ብኸመይ ትገልጾ?

መልሲ፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት በዛ ሓጻር ቃለ-መሓትት ዝውዳእ ኣይኰነን። መጽሓፍቲ ጽሒፍካ እውን እንተተኻኢሉ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ናጽነት ንምርግጋጽ፡ ህይወቱ፡ ገንዘቡ፡ ንብረቱ፡ ጥሪቱን ንሰውራኡ ምብርካቱ ብጥቕልል ዝበለ ኣገባብ ንግዲኡ ይገልጾ ይኸውን ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝወለዶምን ዝወለደንን ብሉጻት ደቁ ንመስዋእቲ ኣወፍዩ፡ ንተጋደልቱ መግቢ፡ ማይ፡ መዕቆቢ ብምሃብ ዓንጊሉ። ንዝተሰውአ ቀቢሩ፡ ንዝቖሰለን ዝሓመመን ድማ ተሰኪሙ ናብ ዝድሕነሉ ቦታታት ኣብጺሑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ምንቅስቓስ ባዕዳዊ ጸላኢ ተኸታቲሉ ንሰውራኡ ይሕብርን ኣብ ውሽጢ ከተማታት ንዝካየድ ስርሒታት መጽናዕቲ ኣዳልዩ የቕርብን ነይሩ። ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ትምህርቶም፡ ስርሖም፡ ወለዶም፡ ሓዳሮም ገዲፎም ናብ ሰውራኦም ተጸንቢሮምን ተጸንቢረንን። ን30 ዓመታት ድማ ንባዕዳዊ ገዛኢ ዕጡቕ መኸተ ገይሮም። እቶም ኣብ ሜዳ ክስለፉ ዘይከኣሉ ድማ፡ ነቶም ተጋደልቲ ኣብ ምሕብሓብ ኵሉ ካብኦም ዝጥለብ ኣማሊኦም። ሰብ ማል ብገንዘቦም፡ ሰብ ክእለት ብኽእለቶም፡ ንቓልሶም ምእንቲ ናጽነት ብዙሕ ኣበርኪቶም።

ጥሪት ህዝቢ፡ ማለት ኣግማሉ፡ ኣእዱጉ፡ ኣብቃሉን መኻይኑን ሰራዊት፡ ኣጽዋር፡ መግቢ፡ ማይ፡ መጽሔታት፡ ውጉኣት፡ መድሃኒታት፡ ነዳዲ ወዘተ… ኣብ ምጽዋርን ምብጽጻሕን ዓቢ ግደ ኢየን ኣበርኪተን።

ሓረስታይ ኤርትራ ብሓደ ኢዱ ማሕረሻ ብኻልኣይ ኢዱ ከኣ ብረት ሒዙ ኣብ ጐድኒ ደቁ ተዋጊኡን ወዲቑን ኢዩ።

ኤርትራውያን ምሁራት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድማ ንሰውርአን ምስ ዓለም ኣብ ምልላይ፡ ንባዕዳዊ ገዛኢ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታት ኣብ ምቅላሕን ዓቢ ግደ ተጻዊቶም ኢዮም።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝነበሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታትን ስደተኛታትን ምእንቲ ናጽነት ሃገሮም ገንዘቦም፡ ጕልበቶምን ክእለቶምን ኣወፍዮም ኢዮም።

ናጽነት ኤርትራ እምበኣር፡ ብደረት ዘይብሉ ተሳትፎን ኣበርክቶን ህዝቢ ዝተረጋገጸት ደኣ’ምበር፡ ብሓደ ውድብ ወይ ሓደ መሪሕነት ወይ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረጋገጸት ኣይኰነትን። ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝገበሮ መደረ ካብ መደረታቱ፡ ንሕና ንቀልዓለም ኢልና ኢና ናጽነት ኤርትራ ህዝቢ ኣምጺእዋ ንብል እምበር፡ ብሓቂ ክንዛረብ እንተደኣኰይና ህዝባዊ ግንባር ኢዩ ኣምጺእዋ ኢሉ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግጉይ ጥራሕ ዘይኰነስ ንተራ ህዝቢ ዝኽሕድን ዘናሹን ናይ ደለይቲ ስልጣንን ዝናን ባህርያት እውን ኢዩ። ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝዕወት ቃልሲ የለን።

ሕቶ፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ናጽነት መሪር ነይሩ ክንብል እንከለና፡ እቲ ምረቱ ብኸመይ ይግለጽ?

መልሲ፡ ብርግጽ፡ ጕዕዞ ንናጽነት መሪርን ነዊሕን ኢዩ ነይሩ። ውግእ ማለት ሞት፡ ስንክልና፡ ዕንወት፡ ስደት ኢዩ። ን30 ዓመታት ኣብ ጥሙይ ከብድኻን ዕሩቕ ዝባንካን ኣብ በረኻታት ምንባር ጥዑም ኣይኰነን። መንእሰያት ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ክስውኡን ክስንኩልን፡ ኣባይትን ዘራእትን ክበርሱን፡ ግዳይ ዓዛብን ማእሰርትን ምዃን ኣዝዩ መሪር ኢዩ። ክወልዱን ክዘምዱን ክምሃሩን ዝግብኦም መንእሰያት፡ ዕድሚኦም ኣብ በረኻታትን ኣብ ማእሰርትን ከብልዩ ዘሕጕስ ኣይኰነን።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ተመጣጣኒ ኣይነበረን። ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ዝዓበየ ሰራዊት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ሃገር፡ ሰራዊታ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ፡ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ሓያላን መንግስታት ዓለም ደገፍ ዝነበራ መንግስቲ ክትከውን እንከላ፤ ኤርትራ ግን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝወዳደር ብዝሒ ህዝቢ ይኹን፡ ዝምድና ምስ ዓለም ይኹን፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ይኹን ብዝሒ ሰራዊት ኣይነበራን። እቲ ግጥምያ ኮታ ኣብ መንጐ ጐልያድን ዳዊትን ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ካብ’ዚ ኣገልልጻ’ዚ፡ ምረቱ ምግማት ዘሸግር ኣይመስለንን።

ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታት ዓለም ዓይና ዓሚታ፡ ኣፋ ለጒማ፡ ክትሓልፎ እንከላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣበቕን ዝእብድን መሓዛ ስኢኑ ንበይኑ ምስ ገለ ውሑዳት ደገፍቱ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ክኸዶ ከሎ ምረቱ ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ብዝኽሰት ናይ ሕድሕድ ውግኣት ዝቕዘፉ ዝነበሩ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ነቲ ብባዕዲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ተወሲኹ፡ ነቲ ቃልሲ የምርሮ ምንባሩ እውን ዝከሓድ ኣይኰነን።

እንተዀነ ግን፡ ሳላ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕላማታቱ፡ ሓያል ድሌት ንናጽነቱን መዘና ዘይብሉ ተወፋይነቱን ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ከምዝከኣል ብምግባር ነቲ ምረት ናይ’ቲ ቃልሲ ኣቕሊልዎን ከምዝጽወር ገይርዎን ኢዩ።

ሕቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ናጽነት ተጠቃሚ ኣይኮነን እንብል እንታይ ስለ ዝጐድሎ እዩ?

መልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንቓልሲ ዘበገሶ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዝነበረ ኵሉ መዳያዊ ጭቆና ማለት ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ጭቆና ተናጊፉ፤ ሰላም፡ ፍትሒ ብልጽግናን ዝሰፈና ብግዝኣተ-ሕጊ እትምሓደር ቅዋማዊት ኤርትራ ንምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ መዘና ዘይብሉ ዋጋን መስዋእትን ከፊሉ ኢዩ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ እቲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ታ ዘረጋገጻ ናጽነት ዝረኸቦ ጥቅሚ እንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ እንተዝኸውን ንምምላሱ ዝቐለለ ምዀነ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ሓርነት ናይ መሬት ካልእ እንታይ ጥቕሚ’ዶ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ኤርትራ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ኰይና፡ ከም ልዑላዊት ሃገር ድማ ብዓለም ተፈሊጣ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ዝረኸቦ ረብሓ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ጌና ሓርነቱ ኣየረጋገጸን ዘሎ። ናይ ግዳም ባዕዳዊ ጭቆና ብናይ ወዲ ሃገር ጭቆና ኢዩ ተተኪኡ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብሰንክ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊሲታት፡ ኤርትራ ምስ ኵለን ጐረባብታ ኣብ ውግእ ስለዝኣተወት፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ተሰዊኦምን ቆሲሎምን፡ ህዝቢ ድማ ካብ መረቤቱ ተፈናቒሉ። ኤርትራ፡ ሰላም ርግኣትን ቅሳነትን ዘይብላን ካብ ጐረባብታ ዝተነጸለትን ሃገር ኰይና። ገለ ክፋል ካብ መሬት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ኣሎ። ከምኡ’ውን፡ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ፡ ኣብ ድፋዓት ተጸሚዶምን ኣገልገልቲ ሹማምንቲ ህግደፍን ኰይኖም ንደረት ዘይብሉ እዋን ንእስነቶም ከብልዩን ናይ ባርነት መነባብሮ ከሕልፉን ይርከቡ ኣለዉ። ክመሃር፡ ክምርዖ፡ ክወልድን ክዘምድን፡ ሰሪሑ ንርእሱ፡ ንቤተሰቡን ሃገሩን ክጥውርን ዝግብኦ ሓይሊ ብኸንቱ ይባኽን ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኵሉ መዳያዊ ስእነት ኢዩ ዝሳቐ ዘሎ። ስእነት ፍትሒ፡ ስእነት ስራሕ፡ ስእነት ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት፡ ስእነት ማይ፡ መግብን መብራህትን፡ ስእነት ሰብኣዊ መሰላት ወዘተ ካልእ ብዙሕ ኣብ’ታ ሃገር ጐዲሉ ዘሎ ነገራት ምዝርዛር ይከኣል ኢዩ።

ኤርትራ፡ ብስእነት ግዝኣተ-ሕግን ቅዋምን ትፍለጥ ሃገር ምዃና ድማ ጽሓይ ዝወቅዖ ሓቂ ኢዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ገባርን ሓዳግን መንግስቲ ኢዩ። ህዝቢ መራሕቱ ናይ ምምራጽን ምውራድን፡ ብናጽነት ርእይቶኡ ናይ ምግላጽ፡ ብናጽነት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ፡ ብናጽነት ክእከብን ንዝደለዮ እምነት ክስዕብን ኣይክእልን ኢዩ።

ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ይበዝሓ ኢየን። ከም ቃንጥሻ እየን ዝበቝላ ዘለዋ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን። ኣትሓሕዛ እሱራት ከኣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ንክብሪ ወዲሰብ ዘይሕሉን ኢዩ። ኣብ ጐዳጕዲ ጽሓይ ከይርኣዩ ንነዊሕ እዋናት ዝጸንሑ፡ ብዘስካሕክሕ ናይ ምርመራ ኣጋባብ ዝግረፉ፡ ብርስሓትን ጥሜትን ነብሶም ክሳብ ዝጸልኡ ዝዀኑ፡ ኣብ ሸላታት ንበይኖም ዝእሰሩ …ወዘተ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓዛብ ኢዮም ዘሕልፉ። ቤተሰቦም ይኹኑ ጠበቓታት ወይ ድማ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክበጽሕዎም እውን ኣይፍቀድን ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሕሸሉ ኵነታት ኢዩ ተኸሲቱ ዘሎ።

ሕቶ፡ ድሕሪ 27 ዓመታት ኣብ ናጽነት፡ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ብኸመይ ትገልጾ?

መልሲ፡ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግዲፍን ናይ መላኽን ተመላኽን፡ ጨቋንን ተጨቋንን፡ ናይ ጊላን ጐይታን፡ ኢዩ ኢለ ኢየ ዝገልጾ።

ስልጣንን ጸጋ እታ ሃገርን ብምሉኡ ብጕጅለ ህግዲፍ ኢዩ ተገቢቱ። ህዝቢ መራሕቱ ክመርጽ ወይ ከውርድ፡ ንመራሕቱ ክነቅፍ ወይ ክእርም፡ ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዘሎ መንግስቲ ናይ ህግዲፍ፡ ብህግዲፍ፡ ንህግዲፍ ኢዩ። ወደባት፡ መሬት፡ ማዕድን፡ ንግዲ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ናይ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈረድን ስልጣናት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ስርዓት ህግዲፍ ኢዩ። ዋላ ናቕፋ እውን ኣብ ባንክታት ተኣሲሩ እቲ ስርዓት ኣብ ዝደልዮ መዓላ ጥራሕ ኢዩ ዝውዕል። ብሓጺሩ፡ ህዝቢ ኣነ ዝሓሰብኩልካን ዝበልኩኻን ግበር ኢዩ ዝበሃል ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ፍርሒ ኢዩ። ፍርሒ ካብ መንግስቲ፡ ፍርሒ ካብ ሕድሕካ፡ ንቡር ህይወት ኰይኑ። እንታይ ገደሰካ ስቕ ዘይትብል፡ እንታይ ገደሰካ ትቃወም ዝብሉ ቃላትን ምኽርታትን ናይ ዕለት መግቢ ኰይኖም ኢዮም። እቶም ነዚ ጭቆና’ዚ ክምክቱ ዝፍትኑ ዲሞክራስያውያን ድማ፡ ግደ ሞት፡ ማእሰርትን ስደትን ኢዮም ዝዀኑ ዘለዉ። ብሓጺሩ ህዝብን ህግዲፍን ሕቆን ከብድን ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ ብምባል ክጠቓለል ዝኽእል ይመስለኒ።

ሕቶ፡ ኣፍና መሊእና “ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ፍትሓዊ፡ መስዋእትነት ጀጋኑና ከኣ ክቡር ነይሩን እዩን” ከብሉና ካብ ዝኽእሉ ነጥብታት ንኣብነት እንታይ ትጠቕስ?

መልሲ፡ ኤርትራ፡ ከም ኵለን ግዙኣት ሃገራት፡ ጣልያን ምስ ተሳዕረ ናጽነታ ክትረክብ ዝነበራ ሃገር ኢያ። እንተዀነ፡ ብውዲት ናይ ሓያላን መንግስታት ኤርትራ ግዝእቲ ናይ ኢትዮጵያ ክትከውን ተገይሩ። ስለ’ዚ፡ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ዝግበር ቃልሲ ብባህርያቱ ፍትሓዊ ኢዩ። ጭቆናን መግዛእትን ንምብዳህ ህይወቶም፡ ገንዘቦም ጕልበቶም ዝውፍዩ ጀጋኑ ድማ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኢዮም።

እዚ ከበሃል ከሎ ግን፡ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዝነበሩ ስልጣን ምስ ሓዙ ገፋዕትን ጨቆንትን ኣይኰኑን ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ዝበዝሑ ንህዝቦም መሪሖም ናጽነት ዘረጋገጹ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ስልጣን ምስ ጨበጡ፡ ጨቆንቲ፡ ገፋዕትን ገበነኛታትን ኢዮም ኰይኖም።

ስለ’ዚ፡ ምእንቲ ናጽነት ህዝብኻ፡ ምእንቲ ሓርነት መሬትካ፡ ስራሕካ፡ ትምህርትኻ፡ ስድራቤትካ፡ ንብረትካ ገዲፍካ ንበረኻ ምውጽኣን ብዘይ ደሞዝ ወይ ብዘይካሕሳ፡ ህይወትካ፡ ንሞትን መቝሰልትን ገልታዕታዕን ከተወፊ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ምስክርነት ናይ ፍትሓውነትን ክብረትን እሞ ኣበይ ኢዩ ክርከብ።

ኣብ ርእስ’ዚ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኣብ ልዕሊ’ቶም ገዛእቲ ጕጅለን መጋበርያታቶምን ዘነጻጸረ እምበር ብሰውራና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ በደል ይኹን ግፍዒ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ ብሰንኪ ስስዑ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ቃልስና ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ናጽነት ዘለዎም ኣረዳድኣ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። መንእሰያት ካብዚ ዝንቡል ኣረዳደኣ ወጺኦም ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ክፈልጡ ክኽእሉ እንታይ ትመኽሮም?

መልሲ፡ መንእሰያትና ይኹኑ ወይ ከኣ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዕድለኛታት ኣይኰኑን። ወለዶም ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋን መስዋእትን ደቆም ብኽብሪ ንኽነብሩ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ብሰሪ’ዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ ዝተኸተሎ ፖሊሲታት መንእሰያትና ግዳይ ናይ ህልቂት፡ ስንክልና፡ ስደት፡ ጽልኢ፡ ድኽነትን ድንቍርናን ኢዮም ኰይኖም።

መንእሰያትና ተማሂሮምን ሰሪሖምን ህዝቦምን ሃገሮምን ከይጥውሩ፡ ኣብ ግንባራት ውግእን ኣብ ደረት ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”ን ንእስነቶም ከምዘብልዩ ተገይሩ። ካብ’ዚ ቀይዲ’ዚ ክወጹ ዝፈተኑ ድማ ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ኰይኖም።

መጻኢ ዕድሎም ምስ ጸልመቶም ድማ፡ ገለገለ ካብኦም ካብ ኣንጸርጽሮት ተበጊሶም፡ ብዛዕባ ናጽነትን መስዋእትን ሃገሮም ከማርሩን ኤረ ክንዮ ምምራር ከይዶም ክዅንኑን ተራእዮም ኢዮም። ነዚ ስምዒታት’ዚ መዝሚዞም፡ ንናይ ስልጣኖም፡ ጕጅላውን ውልቀሰባውን ረብሓታቶም ከውዕልዎም ዝፍትኑ ብጸላም ዝሰርሑ ሸነኻት ከምዘለዉ ድማ ክዝንጋዕ ኣይግባእን ኢዩ። ስለ’ዚ ኣትኵሮና ኣብ’ቶም ዘጋግዮም ዘለዉ ደኣ’ምበር ኣብ’ቶም ግሩሃትን ንጹሃትን መንእሰያት ክኸውን የብሉን።

ስለ’ዚ፡ መንእሰይ ከም ርሱን ሓይሊ መጠን፡ ክህወኽ፡ ክጋገ፡ ክወድቕ ክትንስእ፡ ንቡር ምዃኑ ተገንዚብና፡ ብቐዳምነት እቶም ተመኵሮን ፍልጠትን ብዛዕባ ቃልሲ ዘለና እሞ ንለውጥን ንፍትሕን እንቃለስ ዜጋታት ንመንእሰያትና ብጽሮት ከነረድኦምን ክንሕግዞምን ይግባእ።

ነቶም ኣዋፈርቲ ናይ’ቲ ግናይ ዕላማን ትልምን ዝዀኑ ገበርቲ እከይ ድማ ዓይንና ሰም ከየበልና ክንከታተሎምን ክንብድሆምን ይግባእ።

ብወገነይ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ዘሎኒ ምኽሪ፡ ኣብ ዝሃለኹም ትሃልዉ ንትምህርቲ ቀዳምነት ክትህቡ ይግባእ። ምኽንያቱ “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ከምዝብሃል፡ ዘይተማሀረ ዜጋ ንሃገሩን ህዝቡን ከማዕብልን ከልምዕን ኣይክእልን ኢዩ። ዘይተማህረ መንእሰይ ወራሲ ክኸውን ኣይበቅዕኝ ኢዩ። ልምዓትን ምዕባለን ከኣ፡ ብስነፍልጠት ደኣ’ምበር ብምጕብዕባዕ፡ ብምጽራፍ፡ ብምፍርራሕ፡ ብምንጽጻግን ብምፍልላይን ኣይረጋገጽን ኢዩ።

ናይ ሎሚ ወለዶ መንእሰያት፡ ጽባሕ ብዘምጽእዎ ፍርያት ኢዮም ክዕቀኑ። ስለ’ዚ፡ ንቕድሚኦም ዝጸንሐ ወለዶ ምንቃፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንድሕረይ ዝመጽእ ወለዶ’ኸ እንታይ ከጽንሓሉ፡ እንታይ ከውርሶ ኢሎም ክሓስቡ ይግባእ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ትማሊ ምንባር ዘይኰነስ ንቕድሚት ክጥምቱ የድሊ። እቲ መጻኢ ናቶም ምዃኑ ክዝንግዑ የብሎምን።

ዓበይትና ንኣሽቱና ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ጕዳይ ድማ፡ ቅንዕና ምስ መንእሰያት ጥራሕ ወይ ምስ ዓበይቲ ጥራሕ ከምዘየላ ክንርዳእ ክንክእል ኣሎና። ካብ መንእሰያት ቅኑዓት ኣለዉ ዘይቅኑዓት ኣለዉ፤ ካብ ዓበይቲ እውን ከምኡ። ስለ’ዚ፡ ብኣልማማ ንዓበይቲ ይኹን ንመንእሰያት ምኽሳስ ወይ ምዅናን ሃናጺ ኣይኰነን። ነንፍስወከፍ ሰብ ብተግባሩን ኣተሓሳስባኡን ክንፈርዶ ኣሎና። ኣልሚምካ፡ ንመንእሰይ፡ ንዓበይቲ፡ ንኣውራጃታት፡ ንብሄራት ንሃይማኖታት ምዅናን ዓዲ ስለዘየጋብር፡ ኵላትና ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕ ኣሎና።

ናይ መወዳእታ ምዕዶይ ድማ፡ ንሕና በየናይ ራእዪ ንምራሕ ደኣ’ምበር በየናይ ሰብ ንምራሕ ከገድሰና የብሉን። ነቲ ፍትሓዊ ራእዪና ዘዐውት መራሒ፡ ሃይማኖቱ፡ ብሄሩ፡ መበቆሉ ብዘየገድስ፡ ክንስዕቦን ክንድግፎን ኢዩ ዝግብኣና።

ሕቶ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይንካ፡ ኩለመዳያዊ ሃለዋት ኤርትራ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብጻሑ፡ ኣብዚ እጃምን ሓላፍነትን ናብ ዘለዎም ኣካላት (ህዝቢ ኤርትራ፡ መንእሰይ፡ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ሰራዊት ኤርትራ) እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ?

መልሲ፡ ብቐዳምነት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብእጋጣሚ መበል 27 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ዮሃና እናበልኩ፤ ዝመጽእ ግዜ ናይ ሓጐስ፡ ስኒት፡ ፍቕሪ፡ ፍትሕን ራህዋን ዓመታት ክዀነልና ዘሎኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጸልኩም እፈቱ።

ብምቕጻል፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኖም ንለውጥን ንዲሞክራስን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ዜጋታት ክብ ዝበለ ደገፈይ፡ ናእዳይን መጐሰይን ክገልጸሎም እፈቱ። ብማእሰርትን ዓዛብን ከይተዳህሉ፡ ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኸፍልዎ ዘለዉ ክቡር ዋጋ መጐሱን ሞሳን ይግብኦም ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ከም’ታ ናጽነት ኢሉ ሓደ ድምጺን ሓደ ግብርን ኰይኑ ዝተቓለሰ፡ ሎሚ ድማ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ዲሞክራስን ብሓድነት ክቃለስ ጻውዒተይ ከቕርበሉ እፈቱ።

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝወጻእኩም፡ ህዝብኹም ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራን ጠንቁን ኣይጠፍኣኩምን ኢዩ። ብመስዋእቲ ህዝቢ ብዝተረጋገጸ ናጽነት ውሑዳት ክጥዕሞም|፡ ዝበዝሑ ድማ ክሓስሞም፡ ሱቕ ኢልኩም ክትርእዩ ትጽቢትና ኣይኰነን። ከም ዘይፍለ ኣካል ናይ ህዝቢ፡ ሓደ ጐድኹም ክዓብር እንከሎ፡ እቲ ሓደ ጐድኒ ክሰብሕ ከምዘይክእል ተገንዚብኩም፡ ኣብ ጐድኒ ስቓይ ህዝብኹም ደው ክትብሉ ግዴታ ኣለኩም። ምስ ህዝቢ ዝተጸግዐ ውዒሉ ሓዲሩ ምዕዋቱ ስለዘይተርፎ፡ ብግዝያዊ ረብሓ ወይ ብፍርሒ፡ ተሰኒፍኩም ኣብ ኣገልግሎት ውሑዳት ምውዓል ጽባሕ ከጣዕሰኩም ኢዩ’ሞ ሕሰብሉ ደኣ። ንስኹም ንሃገር እምበር ንሓደ ምምሕዳር (government) ክትሕልዉ ምኣስ ቈምኩም። መራሕትኹም ንጽባሕ ዘነባብሮም ገንዘብ ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክ ኢዮም ዝእክቡ ዘለዉ፤ ንስኹም ግን፡ ሑጻን ማይን መታርፍቲ ከምዝብሃል፡ ምስ ህዝብኹም ተረፍቲ ኢኹም።

ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ደምበ ተቓውሞ ድማ፡ ካብ’ዚ ዘሎ ናይ ጋም ማን ሃለዋት ንምውጻእ፡ ንዝሓለፎ ንቕድሚት ዘየጓዕዝ ኣብ ሕሉፍ ዘትኰረ ናይ ሕድሕድ ምውጣጥ ተመኵሮ ተማሂሩ፡ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ዘገድስ ዓበይቲ ሃገራዊ ዕላማታት ክጽመድ ክምሕጸኖ እፈቱ።

ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝብና ሎሚ ነቲ ዘሎ ስርዓት ፎእ ኢልዎ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ብዓቐን እናበረኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ጸገም ግን፡ ዝመርሕ ውዱብ ኣካል ምስኣኑ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ ንምስካም ተቓወምቲ ሓይልታት ብቐዳምነት ንነብሶም ካብ ናይ ትማሊ ኣተሓሳስባን ጾርን ሓራ ከውጽእዋ ይጥለቡ ከምዘለዉ ክግንዘቡ ይግባእ።

መንእሰያትና ድማ፡ ኵሉ ዓቕሞምን ሃሞምን ንረብሓ ህዝቦምን ሃገሮምን ከውዕሉን፡ ንነብሶም ብትምህርትን ብስራሕን ክህንጹን፡ ክምዕዶም እፈቱ። ስደት መዋጽኦ ሽግርና ከምዝይኰነ ተገንዚቦም፡ ንጠንቂ ሽግርና ካብ ስሩ ንምምሓው፡ ኣብ መንጐ ህዝቦም ኰይኖም ክቃለሱ ድማ እላበዎም። ብስደት መንእሰያት ዝርብሑ እንተልዮም ነጋዶ ደቂ ሰባትን ሰበልጣን ኤርትራን ጥራሕ ኢዮም።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

የቐንየለይ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

On 16 May 2018, the new Mayor of the Swedish city of Gothenburg, Ms Ann Sophie Hermenson, received in audience the administrative committee of the Swedish-Eritrean Cultural Association ('Eritrea in Our Hearts') and discussed pressing issues adversely affecting Eritrean refugees in the region.

At opening the meeting, Mr. Tomas Magnusson, chairman of the Swedish-Eritrean Association, explained the various free services provided by the group to Eritrean refugees and listed five main problems encountered by the refugees, which are: 1.lack of residence houses; 2. problems in arranging family reunion;3. difficulties in obtaining residence permits; 4. the problems created by some interpreters who have relation with the Asmara regime; and 5. the recent moves at European level to revise laws in refugee acceptance, even affecting those who already obtained permanent residence permits.

On their part, association committee members Zehaie Keleta and Amjed Yassin, highlighted with concrete justifications the situation in Eritrea and why Eritreans, who now constitute the third largest group in the region, have fled home.

The Gothenburg Mayor said this was the first time for her to meet with the Swedish-Eritrean group and highly appreciated the community services provided by it. She pledged to study and address the queries raised by the delegation of the association and expressed willingness to attend a forthcoming event for celebrating Eritrea's 27 Independence Day.

Her work colleague, young Joseph Akar, who is in charge of education and employment in the city's administration, said this was the third time for him to meet and discuss with the active Swedish-Eritrean group in Gothenburg. He also disclosed that some 60,000 houses are planned to be constructed in the city and that job opportunities will be available for those who learn the Swedish language.

ኣካያዲት ሽማገለ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር (ኤርትራ ኣብ ልብና) ብዕለት 16 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 15.00 ክሳብ 16.00 ምስ ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ኣን ሶፊ ሀርመንሶንን ምስ ፖሊቲካዊ ሰክረተር ኣብ ስራሕትን ትምህርትን ንሓደስቲ ስደተኛታት ተቀማጦ ዮተቦርግ መንእሰይ ዮሴፍ ኣካር ኣገዳሲ ምይይጥ ኣካይዶም።


ኣቦ ወንበር ማሕበር ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ድሕሪ ዕላማን ንጥፈታት ማሕበር ንሓደስቲ ኤርትራውያን ዝህብዎ ነጻ ኣገልግሎት መእተዊ ገይሩ 5ተ ኣገድስቲ ንኤርትራውያን ዘሸግሩ ዘሎዉ ሕቶታት ማለት፡

1. ጉዳይ ስእነት መንበሪ ገዛቲ።

2. ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራቤትን መሰናኽላቱን።

3. ጉዳይ ናይ ሃገር ሽወደን መንነት ንምርካብ ዝጥለብ ዘሎ ግዳዴ ።

4. ጉዳይ ጌጋታት ተርጎምቲ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብዚ ከተማ።

5. ኣብ ምትእትታው ዝርከብ ብደረጀ ኤውሮጳ ዝብል ናይ ስደተኛታት ሓዲስ ሕጊ ….. ንኩሎም ንኤርትራውያን ቀዋሚ ፍቅድ ዝተዋህቦም ዝጋጠሙ ዘሎዉ ሽግራት ሓቢሩ። ቀጺሎም ሓው ጸሃየ ቀለታ ሓው ኣምጀድ ያስሲንን ኤርትራውያ ብብዝሒ ኣብ ሳልሳይ ቦታ ከም ዝኾኑን ነዚ ዘከተለ ከኣ ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪር ሓደገኛ ግጉይ ምምሕዳርን ከቢድ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ንቡርን ብዘይ ብቅሳነት ይነብሩ ከም ዘየለዉ ብግብራዊ ጭብጢ ተረኽቦታት ብምጥቃስ ኣብሪሆም። ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ኣን ሶፊ ምስ ኤርትራውያን ቦኽሪ ርክባ ምኻኑን ብተገዳስነት ማሕበር ንጥፈታቱን ኣድኒቃ ንዝቀረቡ ሕቶታት ንዓኣ ሓደስቲ ምኳኖም ሓቢራ ምስ ዝምልከተኦም ብዝከኣላ ኣብ ግምት ከተእትዎ ምዃና ቃል ኣትያ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት መበል 27 ዓመት እውን ደስ እናበላ ክትሳተፍ ምኻና ሓቢራ። መንእሰይ ዮሴፍ ብወገኑ ርክብ ኤርትራውያን ንሳልላይ ጊዜ ምዃኑ፡ ምስ ዮናስ ኣተንዩስ ሓላፊ ናይ ትምህርትን ስራሕን ቅድሚ ሕጂ ርክብ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ፡ ገለ ካብኡ ኣፍልጦ ከም ዘሎዎን ብጉዳይ ናይ ሽግር ገዛ ልዕሊ 60.000 ገዛውቲ ክህነጽ ምምሕዳር ከተማ መዲቡ ከም ዘሎን፡ ቋንቋ ቀሲምካ ንስራሕ ምርካብ ሽግር ከም ዘየሎ ኣብሪሁ። ኣብ መደምደምታ ገለ ገለ ሕቶታት መሊሱ ንቀጻሊ ተማሳሳሊ ርክብ ክቅጽል ተላብዩ። ኣቦ ወንበር ቶማስ ማንግሶን ንምምሕዳር ክተማ ዮተቦርግ ንጽቡቅ ኣቃባብላን ተገዳስነትን ኣመስጊኑ ኣኼባ ተዛዚሙ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከርከበት ንዝርከቡ ነባራት ብስም ምጥርናፍ ዓድታት ካብ መረበቶም ምስ ኣፈናቐለ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተሃንጸ ዲጋ “ከተልምዑ ኢኹም” ብዝብል ምስምስ ካብ ርሑቕ ቦታታት ዘምጸኦም ሰባት የስፍር ከም ዘሎ ተፈሊጡ። እቶም ነዚ ብዝምልከት ሓበሬታ ዝሃቡ ምንጭታትና ከም ዝጠቐስዎ ክሳብ ሕጂ 1800 ዝኾኑ ሓደስቲ ኣብቲ ቦታ ከም ዝሰፈሩን እዚ ኣሃዝ’ዚ ናብ 3000 ክዛይድ ግምት ከምዘሎን ገሊጾም። እቲ ስርዓት ነቲ ኣብ ዋንነት መሬት ከጋጥም ዝኽእል ምስሕሓብ ንምብላሕ ነዞም ሓደስቲ ሰፈርቲ “መሕለው ነብስኹምን ንብረትኩምን” ብዝብል ጉልባብ ብረት የዕጥቖም ከም ዘሎ ከኣ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቶም ምርንጭታት እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ሰፋሪ ሓሓሙሽተ ፍዳን ዝዕደል ዘሎ መሬት ዋንነቱ ናይቶም ብጉልባብ ምጥርናፍ ዓድታት ዝተፈናቐሉ ነባራት ምንባሩ ተቒሶም፡ እዚ ህዝቢ ንህዝቢ ዘናቑት ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሩባ ገርሰት ናይ ምድጋሙ መደብ’ውን ተታሑዙ ኣሎ ኢሉም።

እቲ ስርዓት ቅድሚ ሕጂ እውን “ከባቢኹም ክትሕልዉ” ብዝብል ደቂ ኩናማ ንበይኖም ከም ዝዕጠቑ ከም ዝገበረን ሕጂ ድማ ነዚ ፈላሊኻ ናይ ምትፍናን መደባቱ ንምስፋሕ ንደቂ ናራ ንበይንኹም ክትዕጠቑ ስለ እንደሊ ካባኹም ነቲ ዕጡቑ ክመርሑ ዝኽእሉ ምሁራትን ክኢላታትን ሃቡና ይብሎም ኣሎ። እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ህዝቢ እቲ ከባብታት፡ ብዋሕዲ ቀረብን ክብሪ ዋጋን ኣብ ዝለዓለ ናይ ጥሜት ሓደጋ እናሃለወ እዩ። ከም መርኣያ ናይቲ ክብሪ ዋጋ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ዋጋ ሓደ ኩንታል መሸላ 2000 ናቕፋ ወይ 4000 ጅኔ ሱዳን በጺሑ ኣሎ። ስራሕ ዘይምህላውን ብዘይ ክፍሊት ስረሓት መንግስቲ ክትዓምም ምግዳድን ከኣ፡ ነቲ ኩነታት መመሊሱ ከም ዘግደዶን ብሰንክዚ ህዝቢ ሃገሩ ለቒቑ ክስደድ ይግደድ ከም ዘሎን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣካላት እቲ ስርዓት ከም መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ናይ ምብዝባዝ ኣመሎም፡ መብዓሊ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ 5 ክሳብ 500 ናቕፋ ሰሊዖም ብኣስገዳድ የኽፍሉ ከም ዘለዉ እዞም ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም።

Page 5 of 74