ሰሙናዊት መጽሐት ዘኢኮነምሲ (The weekl Economist)፡ ኣብ ናይዚ ሰሙንዚ ሕታማ፡ ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ መስሊ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓጺር ዳህሳስ ኣቕሪባ። ኣብቲ ዳህሳሳ ድማ “ሓደጋ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊራ። ኣተሓሒዛ ከኣ እቲ ብሳላ ውዕል ፕሪቶርያ 2022 ተረኺቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ስግኣት’ዩ ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።
ብገምጋም እታ መጽሐት፡ ዋላ’ኳ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣሎ ዝበሃል እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝጸንሐ ዝምድና ቅልጡፍ ወጥሪ ይምዕብል ኣሎ ኢላ። ህወሓት ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምጥሓስ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዝነበሮ ገንዘባዊ በጀት ጠጠው ብምባልን ብወተሃደዊ ምፍርራሕን ከም ዝኸሶ እታ መጽሐት ጥቒሳ።
እቲ ምክሳስ ብኽልቲኡ ወገናት ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ዘኢኮኖሚስት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ፡ ውግእ ከምዘይድግፍ ገሊጹ ከብቅዕ፡ ውግእ እንተጀሚርና ግና ጠጠው ከብለና ዝኽእል ሓይሊ የለን ከም ዝበለ ኣስፊራ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኣይንረክብን ኢና” ምባሉ ጠቒሳ። ኣተሓሒዛ ከኣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሕድሕድ ምክፍፋላት ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ኣስፊራ።
.
መጽሐት ዘኢኮኖሚስት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዝምድና እናኸፈአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድሕርን ወደብን ምልዓላ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘራኽብ ዶባት ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘርእዩ ምስልታት ይወጹ ከም ዘለዉ ጸብጺባ። እዚ ምዕባለዚ ኣብ ንህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ገለ ሓይልታት ሱዳንን ዝምልከት ኣሰላልፋ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ዝሃለወሉ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻባ ተጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰዓብተንን ኢድ ኣዙራዊ ውግእ ክባራዕ ከም ዝኽእል ስግኣታ ብምጥቃ ኣጠንቂቓ።
መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐ መግለጺ ኣውጺኣ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያ ብወገኑ ዜጋታቱ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስዎ ብዛዕባ ዘይግበኦም ከባብታት ዝምልከት መተሓሳሰቢ ምውጽኡ ተሓቢሩ።
በዚ መሰረት መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝለዓለ ጸጥታዊ ስግኣትን ዘይምርግጋእን ከምኡ እውን ብሰንክቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ጂንካ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ምንቅስቓሶም ከዘውትርዎም ዘይግበኦም ቦታታት ዘርዚራ። ካብቶም ከይንቀሳቐስዎም ዘጠንቀቐቶም ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ሲዳማን፡ ከምኡ ድማ ዝተወሰና ዞባታት ክልል ኦሮሞ፡ ሰሜን ሽዋ፡ ምዕራብ፡ ምብራቕ ወሎ፡ ወለጋ ቀሌምን ሆሮ ጉድሩን ኣብቲ መጠንቀቕታ ተዘርዚረን።
እቲ ብ14 ሕዳር 2025 ዝወጸ ናይ ካናዳ መጠንቀቕታ ኣብተን ዝጠቐሰን ክልላትን ዞባታትን፡ ውግእ፡ ሲቪላዊ ምምዝባላትን ዝተፈላለዩ ገበናትን ይገዱ ምህላዎም ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ካልእ ቦታታት ብምርእኣይ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትርከብ ጠቒሱ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘውጽኡ ሰብ መዚ ካናዳ ኣብተን ደሓን ዝበሃላ ከተማታት እውን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣብቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም። ብፍላይ ድማ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉልን ኣብ ቀደማይ ደረጃ ስግኣት ዝስረዓ እየን ኢልወን።
እዚ ከምዚሉ እነሎ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዜጋታቱ ናይ ምንቅስቓስ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ፡ ካብ ዶባት ኣብ ክሊ 25 ኪሎ ሜተር ንከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።
ነዚ መጠንቀቕታ ከውጽእ ዘገደዶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ዝበሎ ምትፍናን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ብሃንደበት ክቀያየር ይኽእል እዩ እውን ኢሉ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ብሪጣንያ ሓድሽ ነገር እንተ ተፈጢሩ፡ ካብኡ ምውጻእ ስለ ዘጸግም፡ ዜጋታቱ መሰረታዊ ነገራት ገዚኦም ክቕረቡ ይግበኦም ክብል እውን ኣዘኻኺሩ።
ጋዜጣኛን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ባዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ፖለቲካን ማርቲን ፕላውት፡ ብ16 ሕዳር 2025 ኣብ ናይ X ገጹ ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር ጽሑፍ፡ ንኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ናብ ከንቲባነት ዝተቐየረ” ክብል ገሊጽዎ። ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ጽሑፉ ሓደ እዋን ንሓቛፊ ለውጥን ምትዕርራይን ዝተላዕለ ኣብይ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብብዙሓ ከባብታት ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዝሰኣነ ኮይኑ’ሎ ክብል ገሊጽዎ።
ማርቲን ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብይ ብፕረሲደንትነት ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ሃገራዊ ዝርጋሐ ኣለኒ ዝብል’ኳ እንተኾነ፡ ብግብሪ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ጥራይ ተደሪቱ ኣሎ ሰልፊ እዩ ዝብል ገምጋሙ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብይ ኣብ ክንዲ ምምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብደረጃ ከንቲባ ናብ ምምሕዳር ወሪዱ ኣሎ ኢልዎ።
እቲ ተመራማሪ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ኣብ መስርሕ በዂሩ ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ክቱር ምእኩል ምቁጽጻር፡ ወተሃደራዊ ዕብለላን ህዝባዊ ዘይቅቡልነትን ኣራሚ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ዝተዋህለለ ድኽመታት ዝፈጠሮ እዩ ኢሉ ገሊጽዎ።
ብዘይካዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈጥሩ ፖለቲካዊ ጸገማትን ምስኣን ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብቲ ውግኣት ዝካየደሉ ቦታታትን ፈደራላዊ መንግስታዊ ህልውና ስኢኑ፡ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ቅልውላው ከም ዝኣተወ ኣስፊሩ። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝግበሩ መደረታትን ናይ መመረቕታ ጽንብላትን ክሽፈን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከም ዝበጸሕ ብምጥቃስ ድማ፡ ናይቲ መንግስቲ ፖለቲካውን ጀኦግራፊያውን ህልዊ ኩነታት ክምዘን እንከሎ፡ ኣብ ዝጭበጥ ግብራዊ ስራሕ ዘይኮነ፡ ናብ ምስላዊ ህልውና ወሪዱ ዘሎ እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብ ኩለን ክልላዊ ምምሕዳራት ዝተፈላለዩ መልኽ ዘለዎም ውግኣትን ጐንጽታትን ይረኣዩ ኣለዉ።
ሚኒስተራት ትራንስፖርት ጅቡትን ግብጽን መረዳድኢ መዘክር እናኸተሙ
ግብጽን ጅቡትን ስትራተጅያዊ ምትሕብባረን ንምድልዳል፡ ብ8 ሕዳር 2025 መረዳድኢ መዘክር ((MoU) ከም ዝኸተማ ማዕከናት ዜና ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን። ናይቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዕላዊ ስምምዕ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ፡ መረዳድኢ መዘክር ቀንዲ ዕላማ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጻ ወደብ ጅቡቲ፡ ምህናጽ መንገድን ብቑዕ ናይ ንብረት ኣተሓሕዛን ምትሕልላፍን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምትእትታውን ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ። ቁጠባዊ ዝምድናአን ምድልዳልን ኣብ ዞባዊ ንግዳዊ መርበብ ሓያላት ምዃንን እውን ናይቲ ሰነድ ዕላማ ምዃኑ ተጠቒሱ’ሎ።
ምኽታም እዚ ስምምዕ፡ ኣንጻር’ቲ ግብጺ ኣብቲ መእተውን መጽእን ኣፍሪቃን ጅቡትን ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ መሪሕ ከይትኸውን ዝዕንቅፍዋ ምውጋድ ምዃኑ’ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ንግዳዊ መስርሕ ናይቲ ዞባ ቅልጡፍ ምቅይያራት ከምጽእ ዝኽእል’ዩ እውን ተባሂሉ ይእመነሉ።
ናይዚ ምፍርራም መጻኢ ራኢ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ኮይኑ፡ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ወደባት ጅቡቲ ዝያዳ ዘማዕብል፡ ዝርጋሐ መርበብ መጐዓዝያ ዘስፍሕን ዝተኣሳሰርን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ንብረት ምንቅስቓስን ዝርጋሐን ዘቀላጥፍ ዘጠቓልል እዩ። ሚኒስተር መጎዓዝያ ግብጺ ነቲ ስምምዕ፡ ስረሓት ዘመናዊ ንግድን ብቕዓት መሰግጋር ወደባት ዘዕቢ ክኸውን’ዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ተዓዘብቲ ብወገኖም፡ እዚ ስምምዕ ኣብዞም ዝተጠቕሱ መዳያት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናብ ሰፊሕ ዕቤት ጸዓትን ዝርገሐ መጐዓዝያን ከሰጋገርን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንክኾና ዘኽእለንን ክኸውን’ዩ ኢለሞ።
ኣብ መወዳእታ ግብጽን ጅቡትን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምሕዝነት ፈጢረን ኣብ ሕድሕደን፡ ትሕተ-ቅርጻ ንከማዕብላን ብቑጠባአ ነብሰን ንክኽእላን ኣብነታዊ ስጉምቲ እዩ ተባሂሉ።
እዚ ኩለመዳያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዞባና በቲ ሓደ ወገን ምስ ምውናን ምጥቃምን ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን፡ በቲ ካልእ ድማ ኣብ መንጎ እታ ብወደብ ጅቡቲ እትጥቀም ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይቲ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይ፡ ወጥረን ኣብ ዝዓረገሉ፡ ከምኡ እውን ውግእ ሱዳን ኣብ ዝገደደሉን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ኣብ ዝዛየደሉን ዝኽሰት ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ቁጠባዊ ቅልውላው ሓሊፉ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ሓደገኛ ከምዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ተዃሻሒ ሕቶ ኣብደገ ባሕሪ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣጀንዳ ንክቐርበሉ፡ ንከረድእ ናብ ዝተፈላለዩ ጸለውቲ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዘቕረቦ ወኸሳ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተነጽገ፡ ቢቢሲ ቋንቋ ኦሮሞኛ ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ተወኪሳ ከም ዝሓበረቶ፡ ኢትዮጵያ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዘቕረበቶ ሓሳብ ብወሰንቲ ኣህጉራዊ ሓይልታት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ዝተነጽገሉ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ምዕቃብ ልኡላዊ ክብሪ ገማግም ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ምዃኑ፡ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ካብተን ሕቶ ዝቐረበለን ሃገራት መብዛሕተን ነቲ ሕቶ ምንጻግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣብ ክሊ ዓለምለኻዊ ሕግን ልኡላዊ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ዝውንና ሃገራትን ጥራይ ዝረአ ምዃኑ ኣዕዚዞም ምጥቃሶም’ውን ተሓቢሩ።
ሩሲያ ዋላ’ኳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓ ዘተኮሩ ርክባት እንተለዉዋን ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ክረሚልን ንፕረሲደንት ፑቲን ብኣካል ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ኣልዒልሉ እንተነበረን፡ እዚ ዛዕባ’ዚ ኣጀንዳ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኮይኑ ንክቐርብ ፑቲን ከም ዘይተቐበሎ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ብልዝብን ዘተን ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽል ምምዓዱእውን ተሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ከኣ ብንጹር ተቓዊመን ሕቶ ኢትዮጵያ ኣብቲ ተሃዋሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ዘይምርግጋእ ዘምጽእ’ዩ ክብላ ገሊጸናኦ።
ነቲ ምዕብልና ዝተኸታተሉ፡ ናይ ዞባና ተንተንቲ ፖለቲካ ብወገኖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነዚ ምርጫ ዝሓዘ ብድፊት ዘቤታዊ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሶም፡ ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ዞባዊ ህውከት ግና ዘቕለበሉ ኣይመስል ዝብል ርኢቶ የንጸባርቑ ኣለዉ።
ኣመሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ቤሎስ
ኣመሪካ እንተደኣ ተቐቢልዎ፡ እገዳ ከም ዝለዓለሉን ኣብ ሱዳን ወፍሪ ምውጻእ ማዕድናት ብውሑስ ንክካየድን ቃል ብምእታው፡ ውግእ ንምቁራጽ ዘኽእል እማመ ሰላም ናብ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከም ዘቕረበት ምዕራባውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ብዛዕባቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣመሪካዊ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማሳድ ቤሎስን ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎ ኣካል ብወገኑ እቲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ሓድሽ እማመ ውሳነ ይጽበ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
ምስዚ ግና ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዝተወሰና ኣብ ቅልውላው ሱዳን ኢድ ዘለወን እሞ ኣብቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናዊ ወገናት ብሓሳብ ዝፈላላያ ሃገራት ዓረብ ነቲ እማመ ስለ ዘይተሰማምዓ፡ ኣብ ግብሪ ንከይውዕል ቀንዲ ዕንፋት ብምዃኑ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ከምዘይተኻእለ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ናብቲ ጉዳይ ቀረባ ዝኾነ ሓደ ዲፕሎማት ከም ዝገለጾ፡ ኣሜሪካ ኣስማተን ከይጠቐሰት ብዛዕባ ሓደሓደ ነጥብታት ናይቲ ንሱዳን ዝምልከት ናይ ሰላም እማመኣ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ኣብ ምዝርራብ ኣላ። ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ብክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ይካየድ ዘሎ ዝለዓለ ተጻራሪ ምልዕዓልን ጐስጓስን ኣጸጋሚ እንተኾነ፡ እቲ ዲፕሎማት ግና እማመ ኣሜሪካ ክዕወትየ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ዲፕሎማት ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ናይ ኩሎም ሱዳናዊ ወገናት ሓቢርካ ምዝታይ ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሓደ ስሙ ዘይጠቐሶ ዕጡቕ ሱዳናዊ ጉጅለ ኣብ ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንክኽትም ድልዊ ኮይኑ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ሓላፊ ልኡላዊ ኮሚተ ናይታ ሃገርን ኮይኑ ሃገር ናይ ምርግጋጽን ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣልቡርሃን ኡምዱርማን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንኣዘዝቲ ሰራዊ ኣብ ዘስመዖ ቃል ስመን ንዘይጠቐሰን ሃገራን ነቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይሊ ምሕጋዘን ኣትሪሩ ከሲሱወን።
ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ግብጺ እተወሃህዶን ኤርትራን ሱዕዲያን ዝሳተፍ ጉጅለ ብወገኑ፡ ምስ ጀነራል ኣልቡልሃን ብዘለዎ ውግንና መፍትሒ ይደሊ ኣለኹ ክብል እንከሎ፡ ኤመረትን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኬንያ ዝርከበኦ ወገን ከኣ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ዘለዎ ውግንና ቀጻሊሎ።
ምትእስሳር መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ሕዳር 2025 ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብ መኸፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ማእከላይ ባይቶን ሓላፊ መንእሰያት ሰዲህኤ ናይቲ ዞባን ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣስሚዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታታን ህዝባን ንተሳተፍቲ መብርሂ ሂቡ።
ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ምእንቲ ነጻነት ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ህዝብና ግና ኣብ ዝሓለፉ 34 ዓመታት ይሕልፎ ብዛዕባ ዘሎ ኩለመዳያዊ ሓሳረ-መከራ ኣስፊሩ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኣልቦ ሃገር ትኸውን ምህላዋን እዚ ኩነታትዚ መፍቶ ጸላእታ ምዃኑን ኣብሪሁ። ነቲ ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ብልዝብን ዲፕሎማሲያዊ መስርሕን፡ ብሓይሊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ንምውሳድ ዘቕርቦ ዘሎ ዘይምኽኑይን ዘይሓላፍነታውን ሃቐነ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ነጺግዎ።
ኣብቲ ኣኼባ ብሓደ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረብ ሓሳብ ድማ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሕድሕድ ጽልኢ፡ ምርሕሓቕን ምንእኣስ ወጺኦም ምስ ሰብ ሃብታም ተመኩሮን ተቓለስትን፡ ናይ ሓባር ውዳበ ወኒኖም ካብ ምቅላስ ካልእ ምርጫ ከምዘየብሎም ኣንጸባሪቑ። ካልእ ወሃቢ ርኢቶ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ለውጢ ልሒኹ ብምእታው ክበታትነና ካብ ምፍታን ዓዲ ከምዘይውዕ ጠቒሱ ኣድላይ ጥንቃቐ ምግባር ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኤርትራውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት መሪር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ከተማታት ተገዲዶም ናብ መደበራት ዝውሰዱ ዘለዉ ግዳይ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝካየደ ዘሎ ውግእ ከይኮኑ ስለ ዘስግእ፡ ንኩነታቶምን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታትናን ግቡእ ቆላሕታ ንክግበር ዘተሓሳሰበ ከኣ ካልእ ተሳታፊ መንእሰይ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ሱዳን ይፍጸም ብዛዕባ ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለትን ጭካነን ድማ በቶም ኣኼበኛታት መንእሰያት ተኾኒኑ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ መወዳእታ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ ዘውጸኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን መሰሎም ክሕለውን፡ ተኣሲሮም ዘለዉ መንእሰያት ንክፍትሑን ኣተሓሳሲቦም።
EPDP Women’s Delegation Asks Global Support for Eritrean Pro-Change Actors
Written by EPDP Information OfficeIn a statement addressed to the recent Gender Equality Conference of the Progressive Alliance (PA) held in Switzerland, EPDP Women urged the PA Gender Equality Working Group to help empower Eritrean diaspora women’s groups.
The same statement also asked all sister parties in the global PA family to kindly extend helping hand in empowering and unifying the fragmented Eritrean opposition in exile as a way towards ending the prolonged suffering of people in that new Horn of Africa country.
The Eritrean delegation headed by Ms Asghedet Mehreteab, Chairperson of the EPDP Women’s League, was one of the delegations representing 48 countries globally, seven of them African. In group and bilateral discussions with high-ranking women delegates at the conference, the EPDP delegation made efforts to explain the situation in Eritrea and the cause of Eritrean justice seekers to many conference participants.

Majority of conference participants women holding high posts in their respective countries and parties.
Printed below is the full text of the statement addressed to the PA Conference held in Luzern, Switzerland between 24 and 26 October 2025.
Distinguished Delegates at this PA Gender
Equality Meeting in Lucerne, Switzerland
Please receive the best wishes for success of this PA Gender Equality conference from us the delegation of the Women’s League of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) in exile. We are honored to once again have our delegation amongst you to take part in gender focused issues and related deliberations in promoting the progressive PA agenda we all share.
Understandably, our delegation is very much interested to share with you now and in our continued networking the miserable situation of the Eritrean people in general and women in particular. In a way of quick introduction, our Women’s League is an affiliate of the EPDP, an opposition party struggling for change and democratization in Eritrea as a gateway to all liberties, including gender equality. Our mother party, the EPDP, was one of the signatory members of the PA Declaration at the founding meeting in Leipzig in May 2013. We were pleased to have attended a good number of the conferences of this worthy body of progressive parties and organizations that, inter alia, strive to promote gender equality, including the role of women in leadership positions.
Dear Conference Participants,
As you know, Eritrea has not been in good shape ever since its hard-won independence in the early 1990s. Today, the one-man dictatorship of Isaias Afeworki is widely characterized as one of the topmost repressive regimes in Africa. For several years in the past three decades, Eritrea held top record of being the most censored country in the world. It is Africa’s topmost jailer of politicians and journalists as well as a big refugee producer. Eritrean refugees also constitute a very high percentage of deaths in the Mediterranean Sea and as victims of human trafficking everywhere. Eritrean women topped in this continued suffering of an entire nation.
Dear PA Gender Equality Working Group Leadership,
The Eritrean people and women in particular, are in urgent need of support from progressive forces like this PA family. Therefore,
- We feel it is time for the PA Gender Equality Working Group to engage in empowering the Eritrean women’s groups in diaspora, which are many. The first step can be helping them create one platform, which has not been easy to achieve. This work can be facilitated by using the EPDP Women’s League as your channel to achieve this worthy start to help a people in dire need of support from friendly forces.
- Needless to say, leaderships of member parties of the Progressive Alliance would do a great service by extending similar support to this PA-member EPDP and other pro-democracy groups to create working umbrella that would lead a future democratic State of Eritrea.
Again, my delegation wishes big success to this PA Gender Equality Working Group meeting in Switzerland and pledge and commit ourselves to be active in future networking will all of you.
Sincerely yours,
Asghedet Mehreteab, Head of EPDP Delegation
ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝተባህሉ 44 ኤርትራውያን ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ተኣሲሪሮም ከም ዘለዉ ፖሊሲ ሓቢሩ። እቶም ኤርትራውያን ቡንጎማ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ኬንያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዝተታሕዙ፡ ሚቲ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ገጠር ዓዲ ኣብ መንበሪ ወልቀሰብ ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ ኬንያ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። ግዝኣት ቡንጉማ ኤርትራውያ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኡጋንዳ ዝሰጋገሩላ ክፍለ ግዝኣት ምዃና’ውን ተፈሊጡ።
እቶም ኤርትራውያን ብሪጋደር ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ከም ዝተኣስሩን መርመረኦም ምስተወደ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡን ድማ ቢቢሲ ናይቲ ከባቢ ምንጭታታ ጠቒሳ ሓቢራ። መብዛሕትኦም ጭቆና ዝመረሮም ኤርትራውያን ብሱዳን ኣቢሎም’ኳ ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ውግእ ሱዳን ግና መንገዶም ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢልካ ከም ዝኾነ እውን ዜና ቢቢሲ ይጠቅስ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኬንያ ጉዳይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በቢውልቆም ከከም ክብደት ናይቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት እትርእዩ ኩነታት ትፈጥር ከም ዘላ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ናይ ምስጓግ መደቡ ብቤት ፍርዲ ዝተነጽገ ኮሚሽን ኢሚግረሽን ኬንያ ብወገኑ፡ ሕቶ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንኣዴታትን ህጻናትን ከምኡ እውን ንኣካለ ስንኩላንን ብጭንቀት ዝተጠቕዑ ሰባትን ፍሉይ ግምት ብምሃብ ብኣውንታዊ መንፈስ ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡሎ።
ሓላፊት ኮሚሽን ስደተኛታት ናይታ ሃገር መርሲ ምዋሳሩ ብወገና እቲ ጉዳይ ብመሰረት ንሰባት ሓደጋ ከስዕበሎም ናብ ዝኽእል ሃገር ኣገዲዳካ ዘይምምላስ ዝብል፡ ዓለም ለኻዊ መትከል እዩ ክተሓዝ ምባላ ኣዲስ ስታንዳር ኣፍሊጣ። እታ ኮሚሽነር ኣተሓሒዛ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ካብ ዝጅመር ድሮ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ 100 ኣመልከቲ ጥርዓን ጸዲቑሎ ኢላ።
ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ2 ሕዳር 2025፡ 3ይ ዓመት ምኽታም ውዕል ፕረቶርያ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኡ። ነቲ መግለጺ ካብ ዘውጸኣ ኣባላት ናይቲ ሕብረት፡ ኣወስትሪያ፡ በልጂም፡ ቡልጋሪያ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ሁንጋሪያ፡ ኣየርላንድ፡ ኢጣልያ፡ ሉክሰምበር፡ ማልታ፡ ነዘርላንድስ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ስሎቫካይን ኖርወይን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሰን ኣለዋ።
እቲ መግለጺ፣ 2 ሕዳር ብ2022 ነቲ ሓደገኛ ውግእ ጠጠው ንምባል ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሕርነት ትግራይን ኣብ ፕረቶርያ ስምምዕ ዝተኸተመሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሃገራት እቲ ስምምዕ ንሓዋሩ ድምጺ ጥይት ከቋርጽን ሰላም ከምጽእን ተስፋ ኣንቢረናሉ ከም ዝነበራን ኣስፊሩ።
ናይቲ ሕብረት ልኡኽን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾን ኣባል ዝኾነት ኖርወይ፡ ኣገዳስነት ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንህድኣት ናይቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ብፍሉይ ምጥቃሳ እውን ተሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ፣ ከም ናይ ሓባር ተልእኮ እንተላይ ኣብ ምምላስ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ወሲኽካ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕግን ተመኩሮን ተደሪኹ ውዕል ፕረቶርያ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ተግባራውነት ግዳያት ማእከል ዝገበረ መሰጋገሪ ፍትሒ ንክሳለጥ ክንሕግዝን ድሉዋት ኣለና ኢሉ። ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘተ ግብራዊ ንክኸውን እውን እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተሓታትነት፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብፍላይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝተተሓሓዘ፡ ከምኡ እውን ዕርቂ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ዕማማታት በዂሮም ዘለዉ ምዃኖም ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ጐንጽታት እውን ብዘተን ዕርቅን ንክፍትሑ ነተባብዕ ኢሉ።
እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ናይቲ ውዕል ፈረምቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ኣብ ምትግባር ውዕል ፕረቶርያ ዕንቅፋት ኮይኑ ብዝብል ይካሰሱ ኣብ ዘለዉሉ እዩ።
More...
ግብጺ ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተባህለ፡ ቤተ-መዘክር (museum) ኣብ ምህናጸ ጸኒሓ፡ ብ1 ሕዳር 2025 ወግዓዊ መሪቓ ከፊታ። ኣብ መኽፈቲ ስነ ዝርዓት ናይዚ ቤተ-መዘክር፡ መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎ ተወከልቲ ልዕሊ 80 ሃገራት ከም ዝተሳተፉ ተሓቢሩ። እዚ ብ2005 ዝተጀመረ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ዝተደናጐ፡ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ ቤተ-መዘክር፡ ናይ ግብጺ ጥንታዊ ዕቤት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ስፍሓቱ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ትርብዒት ሜትሮ ምዃኑን ምስቲ ፕራሚዳት ዘራኽብ ድንድል ከም ዘለዎን ከኣ ተፈሊጡ። ኣብዚ ኣብ ከባቢ ጊዛ ዝተባህለ ፒራሚድ ዝተሃንጸ መዘክር ልዕሊ 100, 000 ታሪኻዊ ውርሻታት ክቕመጡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ናብዚ ናይ መረቓ ስነስርዓት ንምክፋል ናብ ግብጺ ዝኸደ ኢሳያስ ኣፈወርቅ፡ ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዞባና ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ መመሊሱ ዝጋደድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ብሰፊሑ ከም ዝተዘራረቡ ናይ ግብጺ መድያታት ኣፍሊጠን። ኣብ ርክቦም መራሒ ግብጺ፡ ልኡልላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብማንም ክትንከፍ የብሉን እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነቱ ምንጽብራቕ እውን ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ግብጺ፡ ባድር ዓብደር ኣቲ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓለዋን ምምሕዳርን ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፍነት ናይተን ብምብራቕን ብምዕራብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ (ዕጽውቲ) ብምዃና ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኢድ ኣይክይህልዋን እዩ ከም ዝበለ፡ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን።
ብኻልእ ወገን ከኣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ጅዳ ኣብ ዘካየድዎ መበል 11 ሓባራዊ ኣኼባኦም ኣብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጸንሖም ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ናብ ዝሓየለ ስምምዕን ምርድዳእን ከም ዝበጽሑ ጋዜጣ ኣል-ኣህራም ኦንላይን (Al-ahramonline) ኣፍሊጣ።
EPDP Chair Urges Swiss SP & Others in PA To Support Eritrean Pro-Democracy Actors
Written by EPDP Information OfficeGherezghiher Tewelde, Chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), called on the Swiss Socialist Party and other members of the global Progressive Alliance (PA) to kindly give appropriate attention to the ongoing dire situation in Eritrea through empowering Eritrean opposition forces in forced exile.
Logs of the Swiss Socialist Party, the EPDP and the PA, a 12-year old Political International
with about 140 progressive and democratic parties and organizations from all continents.
In hand-delivered copies of the solidarity message to the congress of the Swiss Socialist Party (SP) held on 25 October in Luzern, the EPDP Chairman stated: “We in EPDP and other Eritrean pro-democracy forces are in urgent need of attention and support from you and other sister parties and associations in the Progressive Alliance (PA) to help in ending the prolonged oppression and suffering in Eritrea, a third of whose population is already living in forced exile and displacement.” The EPDP Chairman’s message, which did not only speak for his party, also called for forging “close relation with us, Eritrean pro-democracy forces, so that we can unify our fragmented forces for change.”
Below is the full text of the solidarity message that was handed to SP’s co-chairpersons, Ms Meyer and Mr.Wermuth, as well as to Party leaders through SP Foreign Relations Secretary, Sandro Liniger.’ (The SP, also called the Social Democratic Party of Switzerland, was founded in October 1888, and is the second largest of the four major coalitions in the Swiss Parliament).
Full Text of the EPDP Chair Message
Honourable Swiss SP Leadership and
Distinguished Congress Participants,
I, the undersigned chairman of the EPDP, am very much pleased to send this solidarity message to your congress with our party’s delegation attending the Progressive Alliance’s Gender Equality Working Group Conference in Luzern, Switzerland, and wish you a resounding success in the deliberations and outcome of this SP congress.
The EPDP leadership with party’s rank and file feel honoured to have joined your SP and other fraternal parties as a founding signatory of the Progressive Alliance 12 years ago in Leipzig, Germany. I also feel pride to mention here that our party kept in touch with the SP Foreign Office for a long time and always encouraged its branch members and other Eritreans in Switzerland to continuously vote for SP candidates at your federal and local elections.
Dear SP Co-Chairpersons: M.Meyer and C.Wermuth,
Since the dire situation in Eritrea is very well known to you and your party, allow me to say that we at EPDP and other Eritrean pro-democracy forces are in urgent need of attention and support from you and other sister parties and association in the PA to help in ending the prolonged oppression and suffering in Eritrea, a third of whose population is already living in forced exile and displacement. The basic demands we can list include your kind follow up of the hardships faced by Eritrean refugees, including those in Switzerland, and the forging of effective close relation with us, Eritrean pro-democracy forces, so that we can unify our fragmented forces for change. We trust your party’s close and effective involvement to prepare Eritrean opposition forces for a smooth transition in post-dictatorship Eritrea will prove to be a worthwhile task in building peace and democracy in the troubled Red Sea and Horn of Africa region.
I again wish this Congress a resounding success, and express my party's strong interest to keep in touch with your party and civic associations affiliated with it.
Respectfully yours,
Gherezghiher Tewelde, EPDP, Chairman.
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታን ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ ስዊስን ተሳቲፉ
Written by ቤት/ጽ ዜና ሰዲህኤኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታ ኣብ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ
ብኣደ-መንበር ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ወ/ሮ ኣስገደት መሕረተኣብ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ካብ 24 ክሳብ 26 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ከተማ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ ማዕርነት ጾታ ናይ ዓለም ገስጋሲ ሓይልታት (Progressive Alliance) ንጡፍ ተሳትፎ ገይሩ። ከምኡ’ውን እቲ ልኡኽ፡ ብድሕሪ-ቐትሪ ናይ 25 ጥቅምቲ ኣብ ጥቓ ሉዘርን ኣብ ዝተኻየደ እሞ ዓቢ ተሳትፎ ጉባኤኛ ዝነበሮ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ክሳተፍ ክኢሉ።
ከም ዝዝከር፡ ሰዲህኤ ካብቶም ብ2013 ኣብ ከተማ ላይፕዚግ፡ ጀርመን፡ ንProgressive Alliance/ምሕዝነት ገስገስቲ ካብ ዝመስረቱ ሰልፍታት ነይሩ። ቀጺሉ ከኣ ላዕለዎት ልኡኻት ሰዲህኤ ከም ኣብ ቱኒዝያ፡ ብራስለስ፡ ሮተርዳም፡ በርሊን፡ ስቶክሆልምን ካልኦት ከተማታት ምዕራብ ኤውሮጳን ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታቱ ኮነ ኣብ ጉባኤታት ኣባላት ውድባቱ ክሳተፍ ጸሊሑ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ ብሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ (SP) ዝተኣንገደ ዓውደ-መጽናዕቲ ማዕርነት ጾታ፡ ኣስታት 100 መራሕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ 48 ሃገራት ዝተሳተፈኦ እዩ ነይሩ። ኣፍሪቃ ብሸውዓተ ኣባላት ሰልፍታት ተወኪላ ነይራ። ንሳተን ከኣ ካብ ካሜሩን፡ ኤርትራ/ሰዲህኤ፡ ጋና፡ ናይጀርያ፡ ኢስዋቲኒ (ናይ ቀደም ስዋዚላንድ)፡ ሞሮኮን ምዕራባዊ ሳህራን ነበራ። ቀንዲ ዛዕባ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ "ምስፋሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነትን፡ ናይ ዓለምና ጸጥታን ሰላምን” ዝብል ነይሩ።
ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታ ኣብ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ
ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ዘአንገደ ሰልፊ (SP) ድሕሪ ናይ መኽፈቲ ቃላት ምቕራቡ፡ ኣወሃሃዲት ናይ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ፡ ዝኾነት ፍሊፒናዊት ወ/ሮ ማክሪስ ካብሬሮስ፡ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኲለን ሃገራት ክድንፍዕ እናጸውዔት ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ከፊታቶ። ናይ ስዊዘርላንድ ዴሳዊ ሰልፊ ብሓባራዊ ኣቦ-መንበርነት (co-chairmanship) ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ዝምራሕ ምዃኑ ጠቒሳ ከኣ፡ እዚ ንኹሎም ኣባላት ሰልፍታት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ብምባል ንኢዳቶ። ከምኡ’ው ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዓ ክልተ ኣደ-መንበራት (co-chairs) ግብረ-ሓይሊ ማዕርነት ጾታ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መስርሓት ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብማዕረ ደረጃ ሰብኡት ክካፈላ ከም ዝግባእ ኣትሪረን ተዛሪበን።
ካብኡ ብምቕጻል፡ ቀንዲ መደረ (kenote speech) ዘስመዐት፡ ወ/ሮ ሲሞኔታ ሶማሩጋ፡ ኣባል ዴሳዊ ሰልፊን ናይ ስዊዘርላንድ ፕረዚደንት-ነበርን ናብ መድረኽ ተዓዲማ። ኣብቲ ንኹለን ደቂ-ኣንስትዮ ንመሰለንን ሓቀኛ ሓርነተንን ደው ክብላ ዘተባብዕ መደረኣ፡ ወ/ሮ ሶማሩጋ ንሃገራ ከም ሓንቲ ካብተን "ንስድራ ቤት ብዙሕ ዘይምቹኣት" ሃገራት ዓለም ገሊጻታ። ከምኡ'ውን ዳርጋ ንኹለን ሃገራት ዓለም በቲ “ነውራም ተግባር” ዝበለቶ ፍልልያት ኣብ ኣከፋፍላ ደሞዝ ንደቂ-ኣንስትዮ ነቒፋን ኮኒናን።
ወ/ሮ ማሪያን ሚኮ፡ ምክትል-ኣደ-መንበር ኮሚቴ ንምጥፋእ ምፍልላይ ኣንጻር ደቂ-ኣንስትዮ (UN CEDAW)፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓለም-ለኸ ሽምግልናታትን ዘቴታትን ካብ 50% ክውሕድ ከምዘይብሉ ኣትሪራ ተጣቢቓ። ወ/ሮ ማርሻ ሎፐዝ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ብራዚል ኣብ መደረኣ፡ "ብዘይ ፍትሒ ማሕበራዊ ሰላም የለን"፡ ከምኡ'ውን "ብዘይ ድምጺ ደቂ-ኣንስትዮ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን እዩ" ኢላ።
እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ሰለስተ ናይ ልዝብ መድረኻት (panel discussions) ምስ ኣስታት 20 ኣቕረብቲ ዝነበሮ እዩ። ካብ ተሳተፍቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን እውን ይቕበሉ ነይሮም። ቀንዲ ዛዕባታት ናይቲ ልዝባት 1) ኣብ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘይተረጋግአ ዓለም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምድንፋዕ፡ 2) ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝፍጸም ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ዓመጽ ንምቅላስ ዝተወስዱ ትምህርታት፡ ከምኡ'ውን 3) ሰላም፡ ጸጥታ ከምኡ’ውን ብቕዓታት ደቂ-ኣንስትዮ ምድንፋዕ ዓቢ ትኲረት ይግብኦም ኣጀንዳታት እዮም ዝብሉ ነይሮም።
ዳርጋ ነፍሲ-ወከፍ ተዛራቢት፡ ንምስፋሕ ቃልሲ ማዕርነት ጾታ ዘዕዝዝ ሃብታም ተመክሮታትን ሓድሽ ሓሳባትን ሒዛ ቀሪባ። ማዕረ-ደረጃኡ ትምህርታውን መተባብዕን ንተሳተፍቲ ዝነበረ ድማ፡ እቲ ኣብ ጉጅለኣዊ ዕላላት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ሓሳባትን ንቐጻሊ መራኸቢታት ምልውዋጥ ኣድራሻታትን እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ኩሉ ምልውዋጥ ርእይቶታት ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ክህልዎ እዩ።
እቲ ብሓያል ተቓላሲት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝኾነት ብወ/ሮ ኣስገደት፡ ዝተመርሐ ኤርትራዊ ልኡኽ፡ ምስ ዓበይቲ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ዝኾና ከም እኒ ቀንዲ መደረ ዘስመዐት ሶማሩጋ፣ ምስ ምክትል ኣደ-መንበር UN CEDAW፣ ምስ ኣተሓባባሪት Progressive Alliance ወ/ሮ ካብሬሮስን ካልኦት መራሕቲ ምንቅስቓሳት፡ ካእባኢ ዝርርባት ብምክያድ ነቲ ኣጋጣሚ ብጽቡቕ ተጠቒሙሉ፡፡
ተሳትፎ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ስዊዘርላንድ
እቲ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመ ናይቲ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ልኡኻት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ኣብቲ ወጻኢ ካብ ከተማ ሉዘርን ዝተኻየደ ስሩዕ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ምስታፎም እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ጉባኤ ምስ በጽሑ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃላት ብኣደ-መንበር ዴሳዊ ሰልፊ ስዊዘርላንድን ኣባል ቦርድ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ቀሪቡ። ምስ ኩለን ዲሞክራሲያውያንን ኣሓት ሰልፍታት ዘለዎም ጽኑዕ ምትሕግጋዝ ገሊጾም። ብወገና፡ ኣተሓባባሪት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ንዴሳዊ ሰልፊ ስዊስ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪባ።
ተሳተፍቲ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ዝጸንሑሉ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት፡ እቲ ክትዕ ብዘይ ዝኾነ ጸገም፡ ብኣርባዕተ ቋንቋታት ስዊዘርላንድ – ማለት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጥልያን ሮማንሽ - ቀጺሉ። 70% ህዝቢ ስዊስ ብጀርመን፡ 20% ብቋንቋ ፈረንሳ፡ 9% ብጣልያን፡ እቲ 1% ከኣ ብሮማንሽ ዝበሃል ብቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።
EPDP Delegation Attends PA Gender Equality Conference & a Swiss Party Congress in Luzern
Written by EPDP Information OfficeA three-person delegation of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), headed by Ms Asghedet Mehreteab, Chairperson of the EPDP Women’s League, took active part at the Gender Equality Conference of the global Progressive Alliance (PA) held in Luzern, Switzerland, between 24-26 October, 2025. The same delegation also seized the opportunity of taking part in the afternoon of 25 October at a lively and well attended congress of the Swiss Socialist Party held in a township near Luzern.
EPDP delegates ar PA Luzern conference
It is to be noted that, as founding-member in Leipzig, Germany, 12 years ago, EPDP high-level delegations have been attending and representing Eritrea at several Progressive Alliance conferences that were held in Tunis, Brussels, Rotterdam, Berlin, Stockholm and at several other PA-member party congresses in Scandinavian and other Western European metropolis.
The current PA Gender Equality Conference, hosted by the Swiss Socialist Party (SP), was addressed and attended by nearly 100 women leaders representing parties from 48 countries. Africa was represented by seven PA member parties from Cameroon, Eritrea/EPDP, Ghana, Nigeria, Eswatini (former Swaziland), Morocco and Western Sahara. The main theme of the conference was ‘advancing feminist political leadership, security and peace.’
Following welcoming remarks by top officials of the host party, Ms Machris Cabreros of the Philippines, who is the current Coordinator of the Progressive Alliance, opened the conference by calling for re-energizing the feminist struggle in every country. She also commended the host party for becoming a good example for all PA parties by having co-chairpersons, a man and a woman, leading their SP. Also making opening speeches were the two co-chairpersons of the PA Gender Equality Working Group who stressed the need of promoting the idea of bringing women to equal decision-making processes.
The PA Coordinator then invited to the podium the keynote speaker, Ms Simonetta Sommaruga, SP member and former President of Switzerland. In a rousing speech that urged all women to stand up for their rights and real freedom, Ms Sommaruga described her own country as one of the “least family friendly” countries in the world and denounced almost all world countries for still embracing “the scandal of pay inequality” for women.
Ms Marianne Mikko, Vice-chair of the UN CEDAW (Committee on the Elimination of Discrimination against Women), said any mediation or other action for prevention of global conflicts requires 50% participation of women starting NOW.
On her part, Brazil’s minister for women affairs said “no peace without social justice” and that there cannot be “true democracy without the voice of women.”
The conference had three panel discussion sessions with about 20 presenters who were later welcomed questions and comments from conference participants. The panel discussion themes were on 1) enabling feminist leadership in uncertain times like today’s world; 2) lessons on countering online gender-based violence; and 3) shaping women, peace, and security agenda.
Practically every speaker had come up with rich experiences and novel ideas that would boost the global struggle for promoting gender equality. Equally educational and inspiring to conference participants was the exchange of ideas in group chats and the sharing of addresses for continued networking. As such, the EPDP Women’s League will as of now be connected to all exchange of views with PA women.
The Eritrean delegation led Ms Asghedet, a strong Eritrean fighter for women rights, made good use of the event by holding bilateral talks with several key participants including the keynote speaker Sommaruga, the UN CEDAW vice-chairperson, the PA Coordinator, Ms Cabreros, and several others.
Attending Swiss Party Congress
The other important event of the past weekend was the attendance of the PA delegations at the regular congress of the Swiss Socialist Party held in a township outside Luzern. On arrival at the congress venue, welcoming remarks were made by the SP co-chairpersons and a PA Board member from the Swiss party, expressing warm solidarity with all progressive and democratic sister parties in the Progressive Alliance. Ms Cabrero, the PA Coordinator, also expressed gratitude of the alliance to the SP both for hosting the PA conference and for inviting its delegations to their party congress.
During the three hours that PA delegations stayed at the SP congress, the deliberations continued without any drawback in spite of the debates that raged in all the four Swiss languages – German, French, Italian and Romansh, a language spoken only by 1% of the Swiss population. (More details will follow in Tigrinya versions of the report).