ብዕለት 17 ታሕሳስ 2025 ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፖሓኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ምምሕዳር ድሕርቲ ብዕለት 23 ሕዳር 2025 ዝተሰላሰለ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ዝጸደቐ ዓመታዊ ትልሚ መደብ ስራሕ ንመጀመርታ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ።

ኣኼባ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ዝተመርሔ ኮይኑ፡ ሓው ተስፋይ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ብዘስምዖ ሰናይ ትምኒትን ትስፉው መጻኢ ናይ ስራሕ ግዜ ክኸውን ብዘለዎ ባህጊ ኢዩ ተጀሚሩ። ምምሕዳር ሽማግለ ኣብ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ዝተሰረተ ክዕመሙ ዘለዎም ስራሓት፡ ህልዊ ኲነታት ዞባታት ፖሓኤ፡ ምስንዳእ መጻኢ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ግዜ ዝወሰደ ኣኼባ እዩ ኣካይዱ።

ንዝተጠቕሱ  መደባት ንምስልሳል፡ ብመጀመርታ ዝጸንሔ ምምሕዳርን ነፍሲ ወከፍ ዘለዎ ናይ ስራሕ ምቅሊትን ክቕጽል፡ ብደረጃ ዞባታት ዘሎ ስርርዕ ኣባላት ፖሓኤ ክሕይልን ክሰፍን ዓብዪ ተደላይነት ስለዘለዎ፡ ነዚ ንምትግባር ከሉ ዘድሊ ናይ ኣሰራርሓ ምውህሃድን፡ ክህሉ ሕጽረታት ኣጽኒዕካ ንምውጋድ ክንሰርሕ ከምዝግባእ ርእዩ። ብዘይካዚ ኣባላት ፖሓኤ ዝላል ዘካይዶም ዘሎ ዕማማትን ምስ ካልኦት ኣካላት ብሓባር ንምስራሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታትን ብማዕረ ንምግንዛብ፣ ብደረጃ ዞባታትን ሓፈሻዊ ኣኼባታትን ምክያድ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ርእዩ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል መደባት ድማ ሰሪዑ።

ሓደ ካብ መለለይታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቕዋም ደረጃ ኣብ ክልተ ዓመት ጉባኤ ምክያድ ዝብል ኮይኑ፡ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ኣተገባብርኡ ንፈጻሚ ኣካል ዘድሊ ምስንዳኣት ክገብር ሓላፍነት ሂቡ ኣብ ምብጋስ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣኼባ ምምሕዳር ስርዒታዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣባላት ጽላል ኣብ ምስንዳኡ ዝላዓለ እጃም ስለዘለዎም ዘድሊ ጻዕርታት ክገብሩ፡ ጉባኤ ኣብ ኣባላት ጥራሕ ከይተደረተ  ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብሓሳብ ኮነ ብንዋት ምትሕብባሮም ንኸበርክቱ፡ ምምሕዳር ዘድሊ ጻዕርታትን ጎስጓስን ንምክያድ ተሊሙ።

ኣኼባ ምምሕዳር፡ ክሳብ መጠረስታ ወርሒ ጥሪ 2026 ክፍጸሙ ብዛዕባ ዘለዎም ዕማማት ናይ ግዜ ሰሌዳ ሰሪዑ ደምዲሙ። ዝስዕብ ናይ ኣኼባ ቆጸራታት ኣጽዲቁ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ንሓርነት ብሓድነት!!!

ኣብ መዕቆቢ ምስ ዝወለደታ፡ ሎሚ’ውን ኣብኡ ትነብር ትግራወይቲ ኣደ፡ (ካብቲ ኮሚተ ዝተወስደ ስእሊ)

ዓለም ለኻዊ ኮሚቲ ሓደጋ (international rescue committee)፡ ዝተባህለ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ኩለመዳያዊ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣለዋ ካብ ዝበለን 10 ቀዳሞት ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣብ 4ይ ደረጃ ሰሪዕዋ። ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዘቤታውን ዞባውን ምዕብልናታት ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ውግእ ከም ዘልዓለ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ እቲ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣካላት ዝሳተፍዎ ዘለው ውግኣት ሰፊሕ ናይ ሰባት ምምዝባል የስዕብ ከም ዘሎ ጠቒሱ።

 ውሕጅ፡ ደርቅን ዝኣመሰሉን ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዘኸተሎም ሓደጋታት እውን ኣብቲ ምምዝባል ግደ ከም ዘለዎም ኣስፊሩ። ብሓፈሻ ብገበርቲ ሰናይ ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ምንካይ፡ ብፍላይ ድማ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ካብቲ ንኢትዮጵያ ክህቦ ዝጸንሐ በጀት 387 ሚልዮን ዶርላ ምንካዩ ንመነባብሮ ናይቶም ረዲአት ዝጽበዩ ኢትዮጵያውያን ኣጋዲድዎ  ኢሉ።

ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ሓደጋ ምምዝባል ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ ዝበለ እቲ ኮሚተ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሓይልታት ትግራን ኣምሓራን ዝፈጥሮ ዘሎ ውጥሪ ነቲ ካብ 2020 ዝጀመረ ቅልውላው ከጋድዶ ከም ዝጸንሐ’ውን ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ዝተወሰነ ናይ ዳግመ-ህንጻ ምልክታት’ኳ እንተሎ ኣብታ ክልል ኣስታት 800 ሺሕ ተመዛበልቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ  ኣለዉ ኢሉ።  

ኣብ ክልል ኦሮሞ ከኣ ብሰንክቲ ኣብኡ ዝካየድ ዘሎ ውግእ 288 ሺሕ ተመዛበልቲ ምህላዎም ሓቢሩ። ብሰንኪዚ ውግኣት ስድራቤታት ተበታቲነን ብዙሓት ሰባት ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጽናት ሒዞም ከካብ ከባቢኦም ክሃድሙ ይግደዱ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ። ዘይምርግጋእ ክልል ኦሮሞ ንጠቕላላ ቁጣባ ናይታ ሃገር ብኣሉታ ዝጸልው ምዃኑ ከኣ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ መጻኢ ዓመተ 2026 ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ደቡብ ከኣ ደርቂ ክፍጠር እዩ ዝብል ዘለዎ ናይ ስግኣት ግምቱ ኣመልኪቱ። እዞም ሓደጋታት ዋሕዲ እቶት እኽልን ከም ኮሌራ ዝኣመሰሉ ሕማማትን ከኸትሉ ይኽእሉ እዮም ክብል ድማ ገሚቱ።

እቲ ኮሚተ ምንቅስቓሱ ኣብ ኢትዮጵያ ብ2000 ከም ዝጀመረ ሓቢሩ፡ ካብኡ ንነጀው፡ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ብደሆታት ከጋጥሙ ከም ዝጸንዝሑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕናን ካልእ ማሕበራዊ ዕማማትን ክሳተፍ ከም ዝጸንሐ ከኣ ሓቢሩ። ቅድሚ ኢትዮጵያ ዝተሰርዓ ሰለስተ ኣብ ዝገደደ ቅልውላው ይርከባ ዝበለን ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ፍልስጥኤምን ሱዳንን እየን።

ሱዳናዊ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብዓብደላ ዋሂድ ኣልኑር ዝምራሕ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን፡ ብ16 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ውግእ ኣብ ምቁራጽን ሱዳን ዳግማይ ኣብ ምህናጽን ይሕግዝዩ ኣብ ዝበልዎ  መትከላት ዘተኮረ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ነቲ ርክብ ዝወደቡ ኣካላት ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እቲ “ መትከላት ንምህናጽ ሓዳስ ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝፈረምሉ ሰነድ፡ ምስቲ ብፍላይ  ብሰልፊ ሃገራዊ ጉባአን ዘቕረበን  ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ዝጻረርን ውሳነ ሓሳብ ዝሰማማዕ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። ነቲ ስምምዕ ዝኸተሙ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ፈደራላዊ ምትእኽካብ፡ ዓረባዊ ማሕበራዊ ሰልፊ በዕስ፡ ሰልፊ ሃገራዊ ኡማ፡ ሱዳን ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ፡ እዋናዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ፡ ምሕዝነት ሱዳንን ሪፐብሊካዊ ሰልፍን ምዃኖም ከኣ ሱዳን ትሪቡን ብተወሳኺ ኣስፊራ።

ብዘይካዚ  ኣተሓባባሪ ዝተመዛበሉ ወገናትን ስደተኛታትን፡ ማሕበር ባር ዳርፎር፡ ምሕዝነት ሲቪላውያን ምብራቕ ሱዳንን ምትሕብባር ክኢላታትን ነጋዶን እውን ኣካል ናይቲ ምፍራም ምዃኖም ተጠቒሱ። ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶር ዓብደላ ሓምዶክን ጋዜጠኛ ኣልሓጅን ከኣ ነቲ ሰነድ ካብ ዘጽደቑ ፍሉጣት ባእታታት እዮም።

ካብ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ፡ ምድጋፍ ልኡላውነትን ሓድነትን ሱዳን፡ ውግእ ከም መፍትሒ ምንጻግ፡  ብውሕዱ ከም ናይ መጀመርያ ደረጃ ስጉምቲ ምስ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝተተሓሓዘ ውግእ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምቁራጽ፡ ምህናጽ መንግስታዊ ትካላትን ዝኣመሰሉን ነጥብታት ይርከብዎ።

ኣብዚ ሱዳናውያን ኣብ ሃገሮም ሰላም ንምምጻእ ዝጽዕርሉ ዘለዉ ግዜ፡ ብሓፈሻ ብዙሓት ወገናት ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝርከብዎ ኣካል ፍታሕ ንምምጻእ ይጽዕቱ ከም ዘለዉ ዝዝከር እዩ።

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መዲያ (ቢቢሲ)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ15 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዳጒናቶም ዘላ ኣስታት 10 ሺሕ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ካህናትን መንእሰያትን ዝርከብዎም እሱራት፡ ብዘይቅድመ ኩነት ንክትፈትሕ ጸዊዑ። ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ብ1993 ልኡላዊት ካብ እትኸውን  ክሳብ ሎሚ፡ ብወዲ 79 ዓመት ዲክታተር  እትጭቆን ዘላ እያ ክብል ገሊጽዋ።

ሰይፍ ማጋንጎ ዝተባህለ፡ ላዕለዋይ ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ፡ ብ4 ታሕሳስ 2025፡ 13  ነባር ተወዳዳሪ ብስክሊት ዘርኣጋብር ገብረህይወት ዝርከቦም ነጋዶን ሓለፍቲ ፖሊስን ብጃምላ ተኣሲሮም ብዘይፍርዲ ንኣስታት 18 ዓመታት ተዳጒኖም ዝጸንሑ ምፍተሖም ኣብ ግምት ዝኣቱ ምዃኑ ምጥቃሱ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

 ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ  ስልጣን ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ ኩሎም ካብ 2001 ጀሚሮም ብጃምላ ተኣሲሮም ዝማስኑ ዘለዉ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ዝርከብዎም ግዳያት ብዘይወዓል ሕደር ክፍትሑ ይግባእ ምባሉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ ዝኽተልዎ ሃይማኖት 5 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ማይስርዋን ካለኦት ኣብያተ ማእሰርትን ተዳጒኖም ዝጸንሑ፡ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት 20 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቦም ብድምር 98  ኤርትራውያን ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑ፡ ቢቢሲ እትርከበን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ወጻእን ኣብ ኤርትራን ዝርከቡ ምንጭታተን ብምጥቃስ ሓቢረን።

እተኾነ እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ፡ እሱራት ምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘእሰሮም ዘይቅቡል ምኽንያት ካብ መሰረቱ ምውጋድ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና እቲ መስርሕ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ምቅይያር እምበር ማእሰርቲ ዘቋርጽ ኣይኮነን።

ሕብረት ኤውሮጳን 5 ግዱሳት ሃገራትን፡ እቲ ውግእ 1998-2000 ዘቋረጸን ኮሚሽ ዶብ ንምምስራት ዘኽኣለን ብኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ዝተኸተመሉ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ብምግባር 

ንኽኽበር መጸዋዕታ ኣቕሪበን። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ  ዘውጸኦ መጸዋዕታ፡ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሕድሕደን ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብራ “እንደጋና  እጽውዕ” ይብል።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መጸዋዕታኡ፡ ንትግባረ እቲ ብክልቲአን ሃገራት  ተቐባልነት ዝረኸበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ዘለዎ ምሉእ ደገፍ “አረጋግጽ” ኢሉ። እቲ መመጸዋዕታ ከምዚ ዝበለ ንወሳንነት ምኽባር ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልቲአን ደጊሙ ፍሉይ ግምት ብምሃብ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ንዘጋጥሞም ወጥሪ ወይ ዘይምርድዳእ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን እሞ ድማ ንዝሰፍሐ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ብዝሕግዝ ጥራይ ንክፈትሕዎ ተማሕጺኑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ንውዕል ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ሓሙሽተ መንግስታት ተመሳሳሊ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እተን መግለጺ ዘውጸኣ ካናዳ፡ ጃፓን፡ ነርወይ፡ ቱርክን ዓባይ ብሪጣንያን ኮይነን፡ እቲ ስምምዕን በቲ ስምምዕ መሰረት ናይ ዝቖመ ኮሚሽ ዶብ መትከላትን ንክኽበሩ ዘለወን እምነት ኣስፊረን።

እዘን ሓሙሽተ መንግስታት’ውን ከም ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከይትንከፍ ኣዕዚዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሉ ጸገማት ንመንፈስ ናይቲ ብ2028 ኣብ ሱዕድያ ዝተኸተመ ውዕል ኣብ ግምት ብምእታው፡  ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገዲ ክፍታሕ ጸዊዐን።

እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይዘን 5ተ መንግስታትን መልእኽቲ፡ ምስቲ ብ12 ታሕሳስ 2025 ንምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ብዝምልከት ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ዝወጸ መግለጺ ዝናበብ ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ።

እቲ ብዙሓት ወገናት ዝጠቕስዎ ዘለዉ፡ ብ9 ሓምለ 2018 ብኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ  ሳዑድ ዓረቢያ ዝተኸተመ ሰነድ፡ ንውሳነ ኮሚሽ ዶብ ብዝምልከት፡ ኣብ 4ይ ዓንቀጽ “ክልቲአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግብራ ተሰማሚዐን ” እዩ ዝብል።

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ14 ታሕሳስ 2025፡ ጥምሮ ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ ብዝሰርዖ ምስ  ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኣወስትራሊያ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ መቐጸልታ ናይቲ ብ6 ታሕሳስ 2025 ብምኽንያት ናይ ግዜ ፍልልይ  ምስ ካብ ኣወስትራልያ ወጻኢ ዘለዉ ኣባላት ዘሰላሰሎ እዩ።

 ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር፡ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ኩሉ ሰልፋዊ መዳያት ዝተገብረ ምንቅስቓሳት፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ዝተራእዩ ምዕባለታትን ምስ ግደ ሰዲህኤ ብምትሕሓዝ  ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መጻኢ ዓመት 2026 ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም ድማ ኣሚቱ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መብርሂኡ፡  ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ካብ ዝተዓሙ፡ ዓቕሚ ሰልፊ ናይ ምሕያልን ዝሓሸ መንገዲ ንምኽታልን ኣብ ነፍሲ ቤት ጸሕፈትን መዳይን ዝተራእዩ ምንቅስቓሳት ብደቂቑ ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መጻኢና ዝሓሸ ንክኸውን ዝሕግዝ ሓሳብ ንምውህላል መጽናኦቲ ዘካይዳ ሽማግለታት ተመዚዘን ኣብ መስሕ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

 ኣተሓሒዙ ከኣ  ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዝተኻየደ ስረሓት ንኢዱ፡  ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ገንዘባዊ ዓቕሚ  ንምሕያል ዝገበሮ ዘለዋ ተወፋይነት ብፍላይ ኣመጒሱ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብ ዘዝተመዘሉ መዳይ ዝያዳ ኣድማዒ ውጽኢት ንከመዝግብ ኣተባቢዑ። ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ምንቅስቓስ ሰልፊ ንምልላይን ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቐነዐ ወፈራ ኢትዮጵያ ንምቅላዕን ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ መድያታት መግለጺ ክህብ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ድማ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ፡ ጽላል ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክግበር ዝጸንሐ ዘተታት’ውን ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ   ውጽኢት እንተዘየመዝገበ፡ ዝተመሃርናሉ እምበር ዝኸሰርናሉ ግዜ ከምዘይነበረ  ሓቢሩ።  ኣብ መጻኢ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብዚ ጀሚርዎ ዘሎ 3ይ ጉባአ  ንምምስራት ሰፊሕ ጽላል ዘሕይል ውሳነ ክውስን ዘለዎ ተስፋ ጠቒሱ።

ህልዊ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባለታት ኣብ ዘልዓለሉ ዛዕባ ኣቦመንበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝረኣዩ ዘለዉ ቅልውላዋትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠቒሱ። ኣብዚ ከባቢና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝረኣዩ ዘለዉ ኣሰከፍቲ ምዕባለታት ዝምልከት ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህግደፍ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ወስታ ምኹኑይ ንክመስል ብዝሕግዝ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ካለኦትን ንረብሓ ህዝብናን ሰላም ሃገርናን ዘዕንቅፍ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ድሕር’ቲ ዓሚቕ መብርሂ ኣቦመንበርን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን፡ ተሳተፍቲ  ኣብዚ መወዳእታ 2025ን ድሮ 2026ን ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ድማ ቀጻሊ ንክኸውን ዘለዎም ተስፋ ኣንጸባሪቖም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ መግለጺ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ከኣ ተወሳኺ ሓሳብ ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ንዝያዳ ኣድማዕነት ይሕግዙ ዝበልዎም ርኢቶታትን ለበዋታትን ብምቕራብን ነቲ ኣኼባ ኣህብቲመምዎ።

ኣቦመንበር ኣብ መወድእታ ኣኼባ ክዛዝም እንከሎ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ምጽንሑ ደጊሙ ብምንጽብራቕ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎዝተፈላለዩ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ኣብ ምምካት ኣበርክቶኦም ከሕይሉ ብምጽዋዕ ኣኼባ ደምዲሙ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ትካል ጸጥታ ውሽጢ ሃገር፡ ንኢትዮጵያውያን ሂብዎ ዝጸንሐ ግዝያዊ ፈቓድ መንበርን ስራሕን (TPS) ክስርዞ ከም ዝወሰነ ካብ ብ12/12/2025 ጀሚሩ ክስርዞ ከም ዝወሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ናብዚ መደምደምታ ዝበጸሐ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብምግምጋምን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ድሕሪ ምዝርራብን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ግዝያዊ ፈቓድ ንዝተወሰነ ግዜ ዝወሃብን ምስ ነባሪ መንበሪ ፈቓድ ምትእስሳር ከም ዘየብሉን ናይቲ ትካል ወሃቢ ቃልል ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ዘጋጥሞም ጸገም የሎን ዝብል ተረድኦ ከም ዘለዎም ከኣ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያውያን ነዚ ዝስረዝ ዘሎ ፈቓድ ዝረኸቡ ኣብ ግዜ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ውግእ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ግዝያዊ ፈቓድ ኣሜሪካ ዕድል ዘለዎም ዜጋታት 17 ሃገራት ኮይኖም፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብኣትን እያ።

ኣብዚ እዋንዚ ክሳብ 13 ለካቲት 2026 ክምለሱ ዝገበኦን ካብ ኣሜሪካ ክወጹ ፈቓደተኛታት ዝኾኑን ኢትዮጵያውያን  ናይ 1000 ዶላር ሓገዝ ዝረኽብሉ ዕድል ከም ዘሎ ድማ ኣብቲ መገለጺ ተሓቢሩ። ፈቓደኛ ብዘይምዃን ነቲ ናይ 13 ለካቲት 2026 ገደብ ዝሕለፉ ግና፡ ንሓዋሩ ናብ ኣሜሪካ ክምለሱ ብዘይክእልሉ  ከም ዝስጐጉ ተጠቒሱ’ሎ።

ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይኖም ዝጸንሐ ኢትዮጵያውያ ኣስታት 4,504 ምዃኖ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ካብተን 17 ሃገራት ዝበዝሑ ማለት 605,504 ዜጋታት ዘለዉዋ ቬንዝዋላ እያ።  ጠቕላላ ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣብ ኣሜሪካ  ዝጸንሑ ሰባት ከኣ 1,297,635 እዮም። ካብዚ ዞባና ሱዳናውያን፡ ደቡብ ሱዳውያንን ሶማላውያንን ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ እዮም።

እዚ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ግዝያዊ ፈቓድ ተጠቀምቲ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውን ዝተወሰነ ውሳነ ኣብ  ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ጸገም ክፈትርዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ ንጸጥተኣ ሓደገኛ ዝበለቶም ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም፡ ዓሰርተ ኤርትራውያን ገበነኛታት ኣለልያ ኣስማቶም ብምዝርዛር ዘርጊሓ ከምዘላ ቢቢሲ ኣፍሊጣ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዝፈረመኦ እሞ ናብ ቀጻሊ ሰላም ዘምረሐን ስምምዕ ኣልጀርስ ምኡዙዛት ንክኾና ብዘውጸኦ መግለጺ ኣጠንቂቕወን።።

እቲ ብ12 ታሕሳስ 2025 ዝወጸ መግለጺ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ካብ ዝፍረም መበል 25 ዓመቱ ኮይኑ፡ ምስበለ፡ እቲ ስምምዕ መሰረት ቀጻሊ ህድእት ዘንበረን መሰረታዊ መስርሕ ቀጻሊ ሰላም ዘትሓዘን እዩ ኢሉ። ነቲ መግለጺ ዘውጸአ ወሃቢ ቃል ናይቲ ዋና ጸሓፊ፡ ስተፈን ዱጃሪክ እቲ ስምምዕ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ዶበን ንክውሰን ኣፍደገ ዝኸፈተ ክብል ገሊጽዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡  ስምምዕ ኣልጀርስ ብሓገዝ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዳግማይ ዘጽነዐ እዩ ክብል  ኣስፊሩ።

ዋና ጸሓፊ ጉተረስ፡ ብመሰረት እቲ ኣገዳሲ ስምምዕ ዘድሊ መሰረታዊ ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቦታኡ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ቅድሚ 7 ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብኽታሞም፡ ናይ ምዝታይን ልዝብን ኣድላይነት ብምዕዛዝ ነቲ  ስምምዕ ዳግማይ ከም ዘትረርዎ’ውን ኣዘኻኺሩ።

ጉተረዝ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ እዋንዚ  ዝሕደስ ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ድማ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ራኢ ቀጻሊ ሰላምን ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘለዎም ምእዙዝነት ብምርኣይ፡ ብስምምዕ ኣልጀርስ ቅዩዳት ንክኾኑን ከም ጐረባብቲ ድልዱል ዝምድና ኣብ ምህናጽ ክሰርሑን ኣተሓሳሲቡ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር ዕቤት ንምርግጋጽ፡ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን መሓዙቶም ክሰርሑ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ።

ስምምዕ ኣልጀርስ ብ12 ታሕሳስ 2000፡ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠጠው ንምባልን ዘሰሓሕበን ዶብ ብመሰረት ውዕላት 1900፡ 1902፡ 1908ን ተዛመድቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንክውዳእ  ብኢሳያስ ኣፈወርቅን መለስ ዜናውን ኣብከተማ ኣልጀርስ ዝተኽተመ ንድሕሪት ዘይምለስ ውዕል ምዃኑ ይዝከር።

ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ መኽፈቲ 3ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ። ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብቲ ጉባአ ቃል ንምቅራብ ዕድል ብምርካቡ ብስም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ፖሓኤ ምስጋና ኣቕሪቡ። ሳልሳይ ጉባኤ ኤሃባዲለ ብዓወት ንኽዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ድማ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ገረዝጊሄር ኣተሓሒዙ፡ “ቅድም ቀዳድም  ኣብዚ 3ይ ጉባኤ ዓቢ ትጽቢት ከምዘሎና ክጠቅስ ባህ ይብለኒ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናና ምስ ኤሃባዲለ  ኣብ ዝተሓተትናሉ ግዜ፥ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤ ክገብሩ ኢዮም ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ መዓርፎኡ ዘየብጻሕናዮ ግን ብዕቱብ ጀሚርናዮ ዝነበርና ምቛም ሰፊሕ ጽላል ሓቢርና ከነቑሞ ኢና እንዳበልና ንምልስ ምንባርና ካብ ኩሉኹም ስዉር ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ጉባኤዚ ናትኩምን ብኣኹም ዝካየድን’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ እወንታዊ ውጽኢቱ ጥቕሚ ስለዘሎና ብማዕሬኹም ብሃንቀውታ ንጽበዮ ኔርና እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን።” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

“ጉባኤኹም ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት ሃገርናን ዞባናን ከምኡ’ውን ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ሓይሊ ቅኑዕ እዩ ዝዓይነቱ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እንኣትወሉ ዘሎና መድረኽ ስለዝዀነ፡ ምስዚ ተረኽቦታትዚ ዝመጣጠን ውሳኔታት ክውሰድ ተደላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ትስሕትዎ ኣይብልን” ድማ ኢሉ።።

ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እተወስዱ መርገጻት ንልዑላውነት ሃገርና ዝግህሱ ወይ ንክግሃስ ምኽንያት ዝዀኑ ምንባሮምን ምህላዎምን ብልቦና ንዝተዓዘበ ብሩህ እዩ፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ “ኤርትራ ብሰንኪ ምእጋድ ቅዋማዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክቱር ጭቆናን ሰብ ክነብረላ ዘይትኽእል ሃገር ስለ ዝዀነት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።”  ድሕሪ ምባል፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንምውጻእ  እቲ መፍትሒ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ምዃኑ፡ ፖሓኤ ከም ዝኣምን ኣስሚርሉ።

ኣተሓሒዙ ድማ ኤሃባዲለ፡ ንኣድላይነት ሰፊሕ ጽላል ኣብ 2ይ ጉባአኡ እውን ኣድህቦ ሂብዎ ምንባሩ ብምጥቃስ፡  ንሰለስተ  ዓመታት ዝኣክል ምስ ፖሓኤ ብሓባር ክሳብ ምንዳፍ ቻርተርን ዓንዲ ሕግን ተበጺሑ ከም ዝነበረን ፖሓኤ ንዓኡ ኣጽዲቑ ንክልተ ዓመታት ከም ዝተጓዕዘ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተኻየደ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ፡ ሕቶ ሓድነት ሃገራዊ ሓይልታት ብኣትኩሮ ተመልኪቱ ኣብቶም ሓያሎይ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ እንተላይ ኤሃባዲለ ዝኣምነሎም 4 ሃገራውያን መቖምያታት ዘትከለ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምምስራት ተደላይነት ዕዙዝ ምዃኑን ዝግባእ መጽናዕቲ ንምክያድ ምውሳኑን ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ምርግጋጹ ኣብ መደረኡ ጠቒስዎ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ጉባአ ኤሃባዲለ ዕዉትን ንብዙሓት ዝበራብርን ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ፡ ፖሓኤ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ድልዉነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ሁቻንግቹን፡ ብ8 ታሕሳስ 2025 ናብ ኤርትራ ንጽባሒቱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበጸሓ፡ ኣፍሮ ኢንሳይት (AFRO insight)  ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ናይቲ ኣንበሳደር ምብጻሕ ናብ ክልቲኡ ሃገራት ሃናጺ ምንባሩ ጠቒሳ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን  ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ዘይርጉእን ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝስሕብን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝተፈጸመ ምዃኑ እውን ሓቢራን

ኣብ ኣስመራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ልኡኽ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ከተሕይልን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሎ ግርጭታትን ዘይምርግጋእን ኣብ ምህዳእ ምስቲ ብህጉራዊ ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣወሃሂዳ ግደኣ ከተዕቢ ይግበኣ ከም ዝበሎ ንምንጭታት ኤርትራ ብምጥቃስ  ኣብቲ ጸብጻብ ኣስፊራ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ፡ ምስቲ ቻይናዊ ኣንበሳደር ብዛዕባ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣዘራሪብዎ። ኣብቲ ዘረብኡ ኢትዮጵያ ናብ ዞባዊ  ቁጠባዊ ምውህሃድ ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ክም ዝገለጸሉ ተሓቢሩ

ዝምድና ክልቴን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕማቕ ደረጃ እንከሎ፡ ናይቲ ፍሉይ ልእኽ  ድሕሪ ኣስመራ ብቐጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ፡ ቻይና ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ክትርዳእ ከም ዝወሰነት ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ቻይና ኣብቲ ተሃዋሲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ንምሽምጋል ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝህልዋ ዝምድና ሚዛናዊ ክኸውን ከም እትደሊ እውን ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።

ቻይና ካብተን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣራኺበን ከዛትያ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክጥቀስ ዝጸንሐ እዩ።

Page 1 of 161