ግብጺ ካብ ዓለም ዝዓበየ ቤተ-መዘክር ኣመሪቓ

2025-11-02 17:31:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና Published in EPDP News Read 72 times

ግብጺ ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተባህለ፡ ቤተ-መዘክር (museum) ኣብ ምህናጸ ጸኒሓ፡  ብ1 ሕዳር 2025 ወግዓዊ መሪቓ ከፊታ። ኣብ መኽፈቲ ስነ ዝርዓት ናይዚ ቤተ-መዘክር፡ መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎ ተወከልቲ ልዕሊ 80 ሃገራት ከም ዝተሳተፉ ተሓቢሩ። እዚ ብ2005 ዝተጀመረ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ዝተደናጐ፡ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ ቤተ-መዘክር፡ ናይ ግብጺ ጥንታዊ ዕቤት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ስፍሓቱ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ትርብዒት ሜትሮ ምዃኑን ምስቲ ፕራሚዳት ዘራኽብ ድንድል ከም ዘለዎን ከኣ ተፈሊጡ። ኣብዚ ኣብ ከባቢ ጊዛ ዝተባህለ ፒራሚድ ዝተሃንጸ መዘክር ልዕሊ 100, 000 ታሪኻዊ ውርሻታት ክቕመጡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ናብዚ ናይ መረቓ ስነስርዓት ንምክፋል ናብ ግብጺ ዝኸደ ኢሳያስ ኣፈወርቅ፡ ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዞባና ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ መመሊሱ ዝጋደድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ብሰፊሑ ከም ዝተዘራረቡ ናይ ግብጺ መድያታት ኣፍሊጠን። ኣብ ርክቦም መራሒ ግብጺ፡ ልኡልላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብማንም ክትንከፍ የብሉን እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነቱ ምንጽብራቕ እውን ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ግብጺ፡ ባድር ዓብደር ኣቲ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓለዋን ምምሕዳርን ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፍነት ናይተን ብምብራቕን ብምዕራብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ (ዕጽውቲ) ብምዃና ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኢድ ኣይክይህልዋን እዩ  ከም ዝበለ፡ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን።

ብኻልእ ወገን ከኣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ጅዳ ኣብ ዘካየድዎ መበል 11 ሓባራዊ ኣኼባኦም ኣብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጸንሖም ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ናብ ዝሓየለ ስምምዕን  ምርድዳእን ከም ዝበጽሑ ጋዜጣ ኣል-ኣህራም ኦንላይን (Al-ahramonline) ኣፍሊጣ።

Last modified on Sunday, 02 November 2025 18:34