ግብጽን ጅቡትን መረዳድኢ መዘክር ተፈራሪመን
2025-11-13 22:24:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 18 timesሚኒስተራት ትራንስፖርት ጅቡትን ግብጽን መረዳድኢ መዘክር እናኸተሙ
ግብጽን ጅቡትን ስትራተጅያዊ ምትሕብባረን ንምድልዳል፡ ብ8 ሕዳር 2025 መረዳድኢ መዘክር ((MoU) ከም ዝኸተማ ማዕከናት ዜና ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን። ናይቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዕላዊ ስምምዕ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ፡ መረዳድኢ መዘክር ቀንዲ ዕላማ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጻ ወደብ ጅቡቲ፡ ምህናጽ መንገድን ብቑዕ ናይ ንብረት ኣተሓሕዛን ምትሕልላፍን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምትእትታውን ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ። ቁጠባዊ ዝምድናአን ምድልዳልን ኣብ ዞባዊ ንግዳዊ መርበብ ሓያላት ምዃንን እውን ናይቲ ሰነድ ዕላማ ምዃኑ ተጠቒሱ’ሎ።
ምኽታም እዚ ስምምዕ፡ ኣንጻር’ቲ ግብጺ ኣብቲ መእተውን መጽእን ኣፍሪቃን ጅቡትን ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ መሪሕ ከይትኸውን ዝዕንቅፍዋ ምውጋድ ምዃኑ’ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ንግዳዊ መስርሕ ናይቲ ዞባ ቅልጡፍ ምቅይያራት ከምጽእ ዝኽእል’ዩ እውን ተባሂሉ ይእመነሉ።
ናይዚ ምፍርራም መጻኢ ራኢ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ኮይኑ፡ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ወደባት ጅቡቲ ዝያዳ ዘማዕብል፡ ዝርጋሐ መርበብ መጐዓዝያ ዘስፍሕን ዝተኣሳሰርን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ንብረት ምንቅስቓስን ዝርጋሐን ዘቀላጥፍ ዘጠቓልል እዩ። ሚኒስተር መጎዓዝያ ግብጺ ነቲ ስምምዕ፡ ስረሓት ዘመናዊ ንግድን ብቕዓት መሰግጋር ወደባት ዘዕቢ ክኸውን’ዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ተዓዘብቲ ብወገኖም፡ እዚ ስምምዕ ኣብዞም ዝተጠቕሱ መዳያት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናብ ሰፊሕ ዕቤት ጸዓትን ዝርገሐ መጐዓዝያን ከሰጋገርን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንክኾና ዘኽእለንን ክኸውን’ዩ ኢለሞ።
ኣብ መወዳእታ ግብጽን ጅቡትን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምሕዝነት ፈጢረን ኣብ ሕድሕደን፡ ትሕተ-ቅርጻ ንከማዕብላን ብቑጠባአ ነብሰን ንክኽእላን ኣብነታዊ ስጉምቲ እዩ ተባሂሉ።
እዚ ኩለመዳያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዞባና በቲ ሓደ ወገን ምስ ምውናን ምጥቃምን ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን፡ በቲ ካልእ ድማ ኣብ መንጎ እታ ብወደብ ጅቡቲ እትጥቀም ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይቲ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይ፡ ወጥረን ኣብ ዝዓረገሉ፡ ከምኡ እውን ውግእ ሱዳን ኣብ ዝገደደሉን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ኣብ ዝዛየደሉን ዝኽሰት ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ቁጠባዊ ቅልውላው ሓሊፉ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ሓደገኛ ከምዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።