ምልከታ ኣቦመንበር ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ
2025-05-16 20:10:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 653 timesጂም ሪች ኣቦመንበር ሰኔት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ13 ጉንበት 2025፡ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ናይቲ ሰኔት ብዛዕባ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ ሰፊሕ ምልከታ ከም ዘቕረበ ናይቲ ሰኔት ምንጭታት ካብ ዋሽንግተን ሓቢሮም። እቲ ሰኔተር “መቐይሮ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ ኣብ ነጥበ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ምልክታኡ ዘቕረበ ዝተፈላለዩ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ምኩራት ባእታታት ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ እዩ።
ንሱ ኣብቲ ሰፊሕ ምልከታኡ፡ “ኣመሪካ ኣብ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃን፡ ድሌትን ተገዳስነትን ከም ዘለዋ ኩልና እንፈልጦ እዩ፡ እዚ ዞባ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተተሓሒዙ ቀንዲ ናይ ንግዲ መንቀሳቐሲ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ወተሃደራዊ መደበርና ቀሊል ዘይበሃል ዓቕሚ ኣለና። ነዚ መስረት ብምግባር ሃገርና፡ ናብ ኬንያን ሶማሊያን ዘድህብ ወተሃደራዊ ስርሒት እተካይደሉ” ክብል ኣስፊሑ ኣቕሪቡ።
ኣተሓሒዙ ድማ “እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ነቲ ዞባ ዝህውኽ ዘይርጉእ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡ እዚ ኩነታትዚ ከም ሁቲ፡ ኣልሸባብን ንዝኣመሰሉን ንፈጠርቲ ራዕዲ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር እዩ፡ ከም ቻይና፡ ኢራንን ሩሲያን ንዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ እውን ዕድል ዝህብ እዩ፡ እዚ ድማ ንጸጥታ ናይቲ ከባቢ ህዝብን ኣመሪካን ዝዘርግዩ” ክብል ወሲኹ።
ሰኔተር ጂም ሪች ንጉዳይ ሱዳን ብፍሉይ ዓይኒ ብምርኣይ “ኣብ ሱዳን ንዘሎ ኩነታት ከም ሓደ ናይ ዓለምና ሓደገኛ ተረኽቦ ገይሮም ዝርድእዎ ኣሜሪካውያን ውሑዳት እዮም፡ ሱዳናውያን ኣብ ኣዝዩ መሊሱ ዝገድድ ዘሎ ሻቕሎት’ዮም ዝርከቡ፡ ኣብ ዳርፎር ዘጋጠመ ጽንተትን ብጃምላ ምምዝባልን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም፡ እዚ ድማ ቀጥታዊ ጸጥታዊ ስግኣት ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ እዩ፡ ኩሎም እዞም ኣሰከፍቲ ፍጻመታት ተደሚሮም ናይ ጽቡቕ ውጽኢት ምልክታት ኣይኮኑን፡ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ኣተሓሕዛ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብፍላይ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ዝተቖራረጸ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።” ክብል ተንቲንዎ።
.
መንግስቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብዚ ዞባ ዝምልከት፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ምምሕዳሩ ዝሓሸ ተግባራት ይፍጽም ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ፡ ሎሚ ከኣ ከም ማክሮ ሩቢዮ ጸሃፊ ወጻኢ ጉዳያት ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሜሪካ ኣንጻርቶም ረብሓ ኣሜሪካ ዝዕንቅፉ ተግባራት ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ እዚ ከኣ ኣካል’ቲ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ንምርግጋጽ ረብሓ ኣሜሪካ እዩ ኢልዎ። እዚ ማለት ድማ ኣብዚ ዞባ ዘለዉ መሓዙት ኣሜሪካ ኣነጺርካ ምልላይ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣተንቢሁ።
ሰኔትር ጂም፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብተደጋጋሚ ይጠሓስ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣሜሪካ ደቡብ ሱዳን ሃገር ንክትከውን ብዙሕ ዋጋ ከም ዝኸፈለት ሓቢሩ፡ ብ2011 ነጻ ሃገር ካብ እትኸውን ንደሓር ድማ ክሳብ 10 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ከም ዝሓገዘታ ኣብቲ ምልክታኡ ኣመዝጊቡ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣሜሪካ ውጽኢት ናይዚ ዝገበረቶ ደገፍ ከም ዘይረኣየትን ደቡብ ሱዳን ኣብ ንቡር ናይ ሃገር ተግባራትን ምውሓስ ሰላምን ከም ዘይበጽሐትን ንተሳተፍቲ እቲ ርክብ ኣስሚዑ።
ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ከኣ፡ ኣሜሪካ ኣብኣተን ግቡእ ወፍሪ ከተካይድ ብዝዕንቅፍ ውሽጣዊ ጸገማት ይሕመሳ ኣለዋ ኢልወን። እዚ ኩነታት ድማ ኣሜሪካ ነቲ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ቻይና ዝገብረኦ ዝምድና ክትቆጻጸሮን ሃጋራዊ ረብሓ ከነውሕስን ዘገድዳ እዩ ኢልዎ።
እዚ ዝተጠቕሰን ምስኡ ዝዛመዱ ጉዳያትን ምስ ጠቐሰ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ፡ ህጹጽ ተደላይ ምንጻር እስትራተጅያዊ ረብሓ ኣሜሪካን ምሕዝነት ምስቲ ዞባ ምድልዳልን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣሜሪካ ኣብዚ ዞባ ንዓኣን ንኣፍሪቃን ዘርብሕ ምሕዝነት ክንሃንጽ ተደሊ እያ ምስ በለ፡ እቲ ዝለዓለ ዕላማኡ ድማ ኣካል ናይቲ ኣሜሪካ ውሕስቲ፡ ሓያልን ብልጽግትን ናይ ምግባራ እስትራተጂ’ዩ ኢሉ።
እቲ ሰኔተር ኩነታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዳህሰሰ ተንታን ምቕራቡ፡ ኣሜሪካ ቆላሕታኣ ናብዚ ዞባ ተዕዝዝ ከምዘላ ዘገምት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብጩቕ ዘይምባሉ ከኣ ዘተሓታትት ይመስል።