ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ተመዚዙ፡ ውግእ’ውን ቀጺሉ
2025-05-19 19:54:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 771 timesሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከማል እድሪስ
ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ብርሃን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝመዘዘን፡ በቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝካየድ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝገደደ ይቕጽል ከም ዘሎን ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብቀዳማይ ምኒስተርነት ዝተመዘ፡ ዶር ከማል ኣል ጠይብ እድሪስ ኣተባህለ ክኸውን እንከሎ፡ ክልተ ኣባላት ደቂ ኣድንስትዮ እውን ምብራቓውን ማእከላይን ሱዳን ብምውካል ንኣባልነት ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ከም ዝተመዛ እቲ ብ19 ጉንበት 2025 ዝተዘርግሐ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ዝተመዘ፡ ሓደ እዋን ዲረክተር ሓለዋ ምሁራዊ ንብረት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልእ ግዜ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጸሓፊ ማሕበር ንሓለዋ ዝተፈላለዩ እጻዋት ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ተነጊሩ። ብዘይካዚ ኣብ 2010 ፕረሲደንት ሱዳን ንምዃን ምስ ዑመር ኣል በሺር ተወዳዲሩ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ከማል ኢድሪስ ድሕሪ እቲ ብ2022 ብፈቓዱ ዝለቐቐ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብደረጃ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዝምዘዝ ዘሎ ናይ መጀመርያ እዩ። ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪቲ ናይ 25 ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምምዛዙ፡ ስምምዕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምፍጣር ምስ ሰኣነ እዩ ካብ ስልጣኑ ስሒቡ። ድሕሪኡ ክሳብ ሎሚ ቤት ምኽሪ ካቢነ ሱዳን ብግዝያዊነት’ዩ ክምራሕ ጸኒሑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ ከም ዝሕገዝ ዝንገረሉ፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ፡ እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጀመሮ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምቕጻል ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ቀጺልዎ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታላትን ተመዛበልቲ ዝተዓቑብሉ ቦታታትን ከይተረፈ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ከቢድ ናይ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ኣሎ። እቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ብሰንክቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ናብ ምዕራዊ ከባብታት ኤርትራ ከይልሕም ዝሰግኡ ወገናት’ውን ኣለዉ።