ህወሓት ካብ ፖለቲካዊ ውድብነት ተሰሪዛ
2025-05-14 20:15:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 599 timesብሄራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ 13 ጉንበት 2025 ጀሚራ ካብ ፖለቲካዊ ውድብነት ምስራዛ ከም ዘፍለጠ መርበብ ሓበሬታ ኢንሳይደር ኢትዮጵያ (Ethiopian insider) ሓቢራ። እቲ ቦርድ ኣቐዲሙ እውን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ብ13 ለካቲት 2025 ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዝያዊ እገዳ ወሲኑ ምንባሩን፡ እታ ውድብ ነቲ ናይ 3 ኣዋርሕ ግዝያዊ እገዳ ስለ ዘይተጠቕመትሉ ምሉእ ብምሉእ ክስርዛ ከም ዝተገደደ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ህወሓት ብሰንክቲ ን2 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ፡ ተሰሪዛን ፈጣሪት ራዕዲ ተባሂላን ምጽነሓ እሞ ድሕሪ ውዕል ፕረቶርያ ካብ ፈጣሪት ራዕዲ ክትወጽእ እንከላ፡ ኣባልነታ ንክምለሰላ ምስ ሓተተት፡ እቲ መረጻ ቦርድ ብመሰረት ዝተመሓየሸ ተሰሪዞም ዝጸንሓ ሰልፍታትን ውድባትን ከም ሓድሽ ዝምዝገባሉ ኣዋጅ 1162/2011 ዓንቀጽ 98 ከም ሓድሽ እየ ዝምዝግበኪ ክብል እንከሎ፡ መሪሕነት ህወሓት ድማ ከም ሓድሽ ምምዝጋብ ዘይኮነ እቲ ነባር ደረጃና ክምለሰልና ይግባእ ብዝብል ፍልልያት ተፈጢሩ ካብ ዝዋጠጡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ሓሊፉ እዩ።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንምስራዝ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ህወሓት፡ ብመሰረት እንደጋና ዝተመሓየሸ ኣዋጅ 1332/2016ን መምርሒ ቁጽሪ 25/2026ን ከተማልኦ ዝግበኣ ቅድመ ኩነትን ግደታን ተነጊርዎ ስለ ዘየተግበረት ከም ዝሰረዛ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ ህወሓት “ግድን እቲ ዝነበረኒ ደረጃ ከምለሰለይ ኣለዎ” ዝበለት ከም ሓድሽ ንክትምዝገብ፡ ዝተሓተተቶ ሰነዳትን ኣስማት መሪሕነታን ኣቕሪባን ብኽታም ሓለፍታ ኣረጋጊጻን “ምስክር ወረቕ” ናይ ሓድሽ ውድብ ምስ ወሰደት እያ ንድሕሪት ተመሊሳ ተቓውሞ ተስምዕ ዘላ ዝብል ሓሳብ እውን ኣብቲ መገለጺ ኣስፊሩ።
ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ህወሓት ብወገኑ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ መርበብ “ወይን” ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ምርጫ ቦርድ ክኸዶ ዝጸንሐ መስርሕ ግጉይ ምንባሩ ዘርዚሩ፡ “ተሰሪዝኩም እንተተበሃልና’ውን ዝጐድለና የለን”’ ኢሉ ነይሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ርክብና ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ንቕጽል እዩ ክብል’ውን ገሊጹ ነይሩ።
ዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ብወገኖም ናይዛ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድመኣ ህወሓት ካብ ፖለቲካዊ ውድብነት ምስራዝ፡ ምስቲ ዝጸንሐ ዘይምትእምማን ተደሚሩ፡ ናብ ዝለዓለ ምስሕሓብን ወጥርን ክመርሕ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።