ኤርትራ ሎሚ’ውን ጭራ ወጺኣ

2025-05-03 20:58:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 35 times

ኤርትራ ሪፖርተራት ብዘይ ዶብ (RSF)” ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ 3 ጉንበት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውጸኦ ዝርዝር ደረጃ ኤርትራ፡ ካብ 180 ሃገራት  ኣብ መበል 180 ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ። እዚ ንመጀመርታ ግዜኣ ዘይኮነ ንዝሓለፉ 8 ተኸታተልቲ ዓመታት ዝጸነሓቶ ጭራነት ምዃኑ እውን ጠቒሱ። ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ ዝተሰርዐት ካብ ሚእቲ  11.2 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ ክትከውን እንከላ፡ ቁሩብ ካብኣ ሕይሽ ኢለ ቅድሚኣ ካብ መበል 179 ክሳብ 175 ዝተመዝገባ ሃገራት ከኣ ደቡብ ኮርያ ብ12.64%፡ ቻይና ብ14.8%፡ ሲርያ ብ15.85%፡ ኢራን ብ16.22%ን ኣፍጋኒስታን ብ17.88% እየን።

ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ከኣ፡ ነርወይ ብ92%፡ ኢስቶኒያ ብ89.46%፡ ኔዘርላንድስ ብ88.64፡ ስዊደን 88.13ን ፊንላንድ 87.18ን ምዃነን ኣብቲ ምብኽንያት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ዝወጸ ጸብጻብ ተጠቒሱ’ሎ። ካለኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኡጋንዳ መበል 143፡ ኢትዮጵያ መበል 145፡ ሩዋንዳ  ድማ መበል 146፡ ኮይነን ሰፊረን። ብደረጃ  ኣፍሪቃ፡ በቲ ጸብጻብ መሰረት ኰነታት ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ኣብተን 40%  ሃገራት ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከብ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ 2024 ብደረጃ ዓለም ኣብ ሞያዊ ስረሖም እንከለዉ 104 ጋዜጠኛታት ክቕተሉ እንከለዉ ካብኣቶም 8 ኣፍሪቃውያን እዮም። ኣብ 2025 ዝተቐትሉ ከኣ 15 ምብጸሖም ተሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ንነጻነት ፕረስ ወይ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብጋዜጣ፡ መጺሐት፡ ተለቪዥንን ሬድዮን ዝኣመሰሉ መድያታትን፡ ዝኣመንካሉ  ኣተሓሳስባ ምንጽብራቕን ክሳብ ንመንግስትን ዝኣመሰሉ ትካላትን ምንቃፍ ዝበጽሕ መሰል  እዩ ክብል ጠቒስዎ።  ንኤርትራ ኣብ ጭራ ዝሰረዓ ከኣ እዚ ኩሉ መሰላት ብምብኳሩ  እዩ።

ብፍላይ ንኤርትራ ብዝምልልከት ኣብ ዘስፈሮ ከኣ፡ ነቲ ብኩራት ነጻነት ሓሳባካ ምግላጽ፡ ከም ጃማላዊ ማእሰርትን ምስዋርን ጋዜጠኛታት፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክውሰኾ እንከሎ ከም ዝግድድን እዚ ድማ ኣስታት  500 ዝኾኑ ሰባት መሰኻኽር ብምዝራብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት  ዝተጻረቶ ምዃኑ እቲ መገለጺ ኣስፊሩ።

Last modified on Saturday, 03 May 2025 23:06