ምዕልባጥ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ

2025-12-03 11:55:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 173 times

ሲቪላውን ወተሃደራውን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ብዘየወላውል “ወደብ ንምጥቃም ዘይኮነ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኤርትራ ንምውንን ኣብኡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽን ኢና ንደሊ”፡ ክብሉ ክስምዑ ጸኒሖም። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ መንግስቲ ኤርትራ ፈትዩ እንተዘይሂቡና ብዝኾነ መንግዲ  ከነተግብሮ ኢና ካብ ዝብሉ፣ ክልተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ተድሚሩ ከኣ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ውግእ ምኽፋቱ ዘይተርፍዩ” ዝብል ኣብ ብዙሓት ስግኣት ፈጢሩ  ኣሎ። 

ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ቃና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐየረ ዘምስሉ ምልክታት ይስምዑ ኣለዉ። ብዙሓት ምንጭታት “ካብ እሙናትና ዝረኸብናዮ” እናበሉ፡ “ብመሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ ወኸሳ፡ ፕረሲደንት  ኬንያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውእግ ቅድሚ ምኽፋቱ ክልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል፡ ሙርዲን ሃጂ ዝተባህለ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎት ጸጥታን ኬንያ መዚዙ’ሎ።” ዝብል ዜና ይወናጨፍ ኣሎ። ብደሕሪ ተበግሶ ኬንያ ኣሜሪካ’ላ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን።

ኣብ ርእሲዚ ኤርትራዊ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር፡ ኒው ላይን (new line)  ኣብ ዝተባህለ ሰፊሕ ዝርጋሖ ዘለዎ መጽሐት ኣብ ዘስፈሮ  ጽሑፍ፡ ስሙ ንዘይገለጾ ኢትዮጵያዊ ጡረተኛ ጀነራል ጠቒሱ፡ ኣብይ ኣንጻር ኤርትራ ውግእ ዘየካይደሉ ዝበሎ ሰለስተ ምኽንያትታ ኣስፊሩ’ሎ። እቶም ምኽንያታት፡ 1ይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ  ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ እዩ ዘሎ። ሰራዊቱ ከኣ ኣብ ውግእ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ተጸሚዱ  ይርከብ። ኣብተን ክልላት መብዛሕትኡ ቦታታት ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ወጻኢ እዩ ዘሎ። 2ይ፡ ዝኾነ ውግእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝቐርብ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝዕድም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሃጓፍ መዝሚዙ፡ ምስ ሓይልታት  ፋኖ፡ ትግራይን፡ ኦሮሞን ዝኣመሰሉ  ኣብ ፈደራል መንግስቲ ዕግበት ዘየብሎም ወገናት ስልታዊ ዝምድና ክፈጥር ይኽእል’ዩ። 3ይ፡  ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከም ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ግብጺ፡ ኤመረይትን ሱዳንን ዝኣመሰሉ ጽልዋ ዘሕድሩ መንግስታት ብጻዕቂ ዝንቀሳቐስሉ እዩ። ኢሳያስ ከኣ “ነዚ ብግቡእ ዝጽበዮን ዝሃርፎን እዩ”  ክብል ዘስፈሮ ኣሎ።  

ብላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እውን ካብቲ ብኣብይን ጀነራላቱን ክበሃል ዝጸንሐ ፈኸራ’ኳ መሊኡ ዝተላቐቐ እንተዘይኮነ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ብሕብረተሰብ ዓለም ክንጸግ ዝጸንሐ ሃላሊ ኣካይዳኦም ብዝመስል ምስልኻ ንምዕራይ ዝቕርብዎ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  ዶር ጌደዎን ጢሜተዎስ፡ ብ12 ሕዳር 2025 ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ሆርን ረቪው ዝተባህለ መርበብን ብሓባር ኣብ ዘዳለዉዎ ዓውደ መጽናዕቲ “ኢትዮጵያን ኤርትራን ተመሳሳሊ ህዝቢ ዘለወን ክልተ ሃገራት እየን። ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብባህሊ፡ ታሪኽን መነባብሮን ዝመሳሳል ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ገለ ጉዳያትስ ክትፈላልዎ’ውን ዘይከኣል እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኢትዮጵያን ኤርትራን ነናተን መንግስትን ህዝብን ዘለወን ጐረባብቲ ሃገራት ምዃነን ብምኽሓድ ኣይኮነን።”  ኢሉ። ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕነቱ ብዘይምርዳእ ከመሳስሎ ዝኸዶ ሸፈጥ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኮይኑ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ጐረቤት ኢትዮጵያ ምዃና ኣድሚቑ ምግላጹ ግና  ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ዘንጸባርቕ እዩ።

ዶር ጌደዎን እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኢሉ። “ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ናይ ካለኦት ሃገራት ናይዚ ዞባ፡ ብናይ ሰዓርን-ሰዓርን (win-win) ቁጠባዊ ምውህሃድ ዝረጋገጽ ኮይኑ፡ ናይ ሕድሕደን ጸጥታዊ ዘይምቕሳን ከኣ ናይ ነዊሕ ግዜ ምትእምማን ብዝፈጥር ትካላዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር እዩ ዝወሓስ፡…….. ሕብረተሰብ ዓለም መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተኹታዂ ተግባሩን ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ንኽቁጠብ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ናይ ጽቡቕ መንፈስ ዘተ ክኣምን ተጽዕኖኡ ንከሕይል ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ንጽውዕ።” ዝበሎ እውን ኣሎ። ኣብዚ “እቲ ዘተ ብዛዓባ ምንታይ እዩ ክኸውን?” ዝብል ሕቶ ብጽሞና ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ቻይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጃፓንን ካለኦት ሃገራትን ብወገነን ነቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ጌደዎን ጢሜተዎስ፡  ጽሑፍ ዝድርዕ፡  ሓሳባት ከቃልሓ ይስማዕ ምህላወን ብዙሓት መዲያታት ዝዝርግሐኦ ዘለዋ እዩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡  ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ  ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ብ13 ሕዳር 2025 ኣብ ለንደን ማህዲ ሓሰን ምስ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ  ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፡ “ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ውግእ ኣይክካየደን እዩ ፡ ምኽንያቱ ክልቲኦም ወገናት ሳዕቤን ውግእ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝርድኡ” ክብል ዝገለጾ  ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

እዚ “ልዝብ ዝበለ ዝመስል” ኣበሃህላ ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ ኣፍካ መሊእካ  “ካብቲ ክብልዎ ዝጸንሑ  ልኡላውነት ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምግሃስ ሃቐነ”  ወጺኦም ዘብል ዘይኮነ፡ ሜላ  ይቕይሩ ኣለዉ ክትብሎ እዩ ዝቐልል። ምኽንያቱ እዚ ሓድሽ ቃና፡ ኣብይ ኣሕመድ ዘቕረቦ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ፡  ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት በተን ወሰንቲ ኣህጉኣዊ ሓይልታት  ብ11 ሕዳር 2025 ምንጻጉ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ ብምዃኑ። 

እዚ መንግስቲ ብልጽግና ናይ ኣቀራርባ ኣገባብ ቀይሩ፡ ናብ ወጻኢ ዘቃልሖ መልእኽቲ ደላይ ሰላም ዘምስል፡ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዝርግሖ ምልዕዓል ከኣ  ውግእ ዝዕድም ምዃኑ  ዘመልክት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ንዘይረብሓኡ መልክዕ እንዳቐያየርካ ዝመሃዝ ዘሎ ኣካይዳ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ከቕልበሉ  ይግበኦ፡  መልእኽትና እዩ።

Last modified on Wednesday, 03 December 2025 12:58