ኤርትራን ህዝባን ብከቢድ ጸገም ክሓልፉ ከም ዝጸንሑን ዘለዉን፡ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ። “ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ናይ ምውዳቓ ሓቀኛ ጠንቂ፡ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ፡ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ወገናት ክምለስን ከጨንቕን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይዚ መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ኤርትራውያን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ብምዃኑ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዘይፈልጥዎ ኣካላት ዝህብዎ ምላሽ ግና ዝተፈላለየ እዩ። ።
ገለ ወገናት ኤርትራ ብደረጃ ስፍሓት ንእሽቶ ብምዃናን፡ ከም ምኽንያት ናይ ጸገማ ገይሮም ከቕርቡዎ ይስምዑ። ንዋሕዲ ህዝባን ከም ጠንቂ ናይ ጸገማ ገይሮም ክርድእዎ ዝፍትኑ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ናብዚ ንዓለም ዘስደምም ዘሎ ድሕረትን ጭቆናን ምውዳቓ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ “ልኡላዊት ሃገር ምዃና እዩ” ክብሉ ዘይሓፍሩ’ውን ይስምዑ እዮም።
እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ኤርትራ ናይ ሕሰምን መከራን መርኣያ ንክትከውን ዝደረኹ እናተባህሉ ዝጥቀሱ ምኽንያታት፡ ቅቡላት ከምዘይኮኑ፡ ብዙሓት ምርተዖታት ምቕራብ ይከኣል። ኤርትራ ብስፍሓታት ኣብ መስርዕ 195 ሃገራት ኣብ መበል 101 እትርከብ እያ። ካብተን ካብኣ ዝንእሳ ሃገራት ድማ ብዙሓት ኣብ ዝሐሸ ኩለ-መዳያዊ ዕቤትን ህድኣትን ከም ዝርከባ ዘዳዲ ኣይኮነን። ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ እውን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መበል 132 ደረጃ እትርከብ ክትከውን እንከላ፡ ካብኣ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለወን ከኣ ኣብ ዝሓሸ ሃለዋት ዝርከባ ምዃነን፡ ጸገም ኤርትራ ምስ ዋሕዲ ህዝባ ዘይተሓሓዝ ምዃኑ ዘርኢ ጭብጢ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ጸገም ዝወደቐት ልኡላዊት ሃገር ብምዃና እዩ ዝብልዎ እሞ ድማ ንክብሪ ልኣላውነት’ውን ስለ ዘነኣእስ ፈጺሙ መሰረት ዘየብሉ ሚዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ከምኡ ዝሓስቡ ናይ ምዕምጣራን ተመሊስካ ምግዘኣን ህርፋን ከይህልዎም ዘጠርጥር እዩ። ናብቲ ክዉን ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ድማ፡ እተን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ኩለን ልኡላውያን ምዃነን እዩ።
እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ኣውዲቕዋ ዘሎ፡ ከምቲ ብርትዓውያን ገምገምቲ ተደጋጊሙ ዝጥቀስ፡ “ብኩራት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትካላቱን እዩ።” ኤርትራዊ ኣንጻር ህግደፍ ንዲሞክራዊ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ እውን እዚ ተረድኦ ስለ ዝሓደሮ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ብመዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር (GOOD GOVERNANCE) ብኣውንታ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ልኡላዊ ሃገራት፡ ሲንጋፖር፡ ስዊዘርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ማናኮን ዝኣመሰላ ተሰሊፈን ይርከባ። ኤርትራ ኣብዚ መዕቀኒ’ዚ ካብ 193 ሃገራት ኣብ መበል 187 ምርካባ እቲ ሓቀኛ ምኽንያቱ ብኩራት ዲሞክራሲ ምዃኑ የርኢ። ስፍሓት መሬት ከም መዕቀኒ እንተወሰድና ማናኮ 2.08 ትርብዒት ኪ/ሜት ስፍሓት ክህልዋ እንከሎ፡ ንውሓት ገምገም ባሕራ ከኣ 3.83 ኪ/ሜ ጥራይ እዩ። ኤርትራ ከኣ ናይ ደሴታታ ወሲኽካ፡ 2,234 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕርን 117,600 ትርብዒት ኪ/ሜ ስፍሓትን እትውንን ሃገር እያ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ብዕቤታን ዘመናውነታን እተዛርብ ዘላ ሃገር ቐጠር፡ ኣብ ምድረ በዳ ዝተደኮነት፡ ስፍሓት መሬታ 11,581 ትርብዒት ኪ/ሜ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ 2.8 ሚልዮን እሞ ድማ ካብቲ ዝሰርሕ ዓቕማ ልዕሊ 95% ወጻእተኛ ምዃኑ ምስትውዓል እውን ካልእ መርኣያ ኮይኑ ዝጥቀስ’ዩ። ኤርትራ ምስቲ ዘለዋ ኣዝዩ ጽኑዕን ጻዕራምን ህዝቢ፡ በበዓይነቱ ናይ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ 26% ካብ መሬታ ተሓራሲ፡ ብወርቂ፡ ግራናይት፡ እምነ-በረድን ፖታሽን ዝኣመሰሉ ማዕድናትን ዝተዓደለት ምዃና ተወሲኽዎ፡ ህዝባ ተጸባይ ምዃኑ እቲ ቀንዲ ምኽንያታ ኣብ ብኩራት ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳር ዝወለዶ ምዃኑ ንምርድኡ ኣየጸግምን።
እቲ ነዊሕ ዝዕድመኡን ብመስርሕ ዝረጋገጽን መትከል ሰናይ ምምሕዳር፡ ብብዙሕ ብመስርሕ ዝዓቢ ዓሚቕን ሰፊሕን ትርጉም ዘለዎን ኣብ ኤርትራ ጠሪሱ በዂሩ ዘሎ ኣምር እዩ። ካብቲ በዓል ብዙሕ መልክዕ ኣተርጓጉማኡ፡ “ስልጣን ኣብ ምምሕዳር ቁጠባ ሃገር፡ ማሕበራዊ ጸጋታትን ንዕቤት ዝውዕለሉ ቅዲ ምኽታል እዩ” ዝብል ሓደ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ዝግለጸሎም መርኣያታት ዘለዉዎ ኣምር እዩ። “ናይ ዜጋታት ምዕሩይ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ህላወ ልዕልና ሕግን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን፡ ግሉጽነትን ንዝምልከቶም እኹል ሓበሬታ ምቕራብን፡ ምውሳድ ሓላፍነትን ምትግባር ዝተኣትወ ቃልን፡ ናይ ብዙሓት ሓሳብ ዘማእከለ መስርሕ ኣወሳስና ምኽታል፡ ማዕርነትን ኣሳታፍነትን፡ ኣድማዕነትን ብቕዓትን፡ ተሓታትነትን ርኢቶ ውሑዳት ንክስማዕ ዕድል ምሃብን” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት መግለጺኡ ውሑዳት እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ከኣ ብመንጽር ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ዝተቓነዩ እዮም።
ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ናይ ኩሎም መግለጺ ሰናይ ምምሕዳር ብኩራት ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ መዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር ከይከድና፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዋኒን፡ ሕገመንግስትን ካብኡ ዝምንጭዉ ሕግታትን የለን። ሎሚ ንኤርትራ “እመርሓ ኣለኹ” ዝብልን ንቑልቁል ዝንቆት ዘሎን “ኣነ እየ ክንዲ ኹሉ” ኢሉ ዝምካሕ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጠንቂ ብኩራት ሰናይ ምምሕዳር ከም ዝኾነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ተደጋጋሚ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ 23 ሓምለ 2025 ቃለ መጠይቕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ዘርባዕባዑ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ዓምጻጺ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ፡ እቲ በዳሊ ጉጅለ እውን ዘይክሕዶ፡ ቁባዊ ድኽነት፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ሰብኣዊ ዓመጻትን ምዝርዛሩ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ናይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ተሰዲዱ ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት’ውን በሪኹ ዝረአ እዩ።
በመንጽር’ዚ እቶም ንድሕረት ኤርትራ ሓቀኛ ጠንቂ ዘይኮኑ፡ ምኽንያታት እናጸፍጸፉ፡ ህዝብና “ኣብዚ ዘለኹዎ ሕሰም ዝወደቕኩ ነጻ ሃገር ስለ ዝወነንኩ ኢየ” ኢሉ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣጣዒስዎ ትሕቲ ሃገርነት ክሓስብ ክደፍእዎ ዝህቅኑ ወገናት ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግጉይን መደናገርን መንገዲ ከም ዘለዉ ተገንዚቦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ ነዘኻኽር።
EPDP Women’s Delegation Asks Global Support for Eritrean Pro-Change Actors
Written by EPDP Information OfficeIn a statement addressed to the recent Gender Equality Conference of the Progressive Alliance (PA) held in Switzerland, EPDP Women urged the PA Gender Equality Working Group to help empower Eritrean diaspora women’s groups.
The same statement also asked all sister parties in the global PA family to kindly extend helping hand in empowering and unifying the fragmented Eritrean opposition in exile as a way towards ending the prolonged suffering of people in that new Horn of Africa country.
The Eritrean delegation headed by Ms Asghedet Mehreteab, Chairperson of the EPDP Women’s League, was one of the delegations representing 48 countries globally, seven of them African. In group and bilateral discussions with high-ranking women delegates at the conference, the EPDP delegation made efforts to explain the situation in Eritrea and the cause of Eritrean justice seekers to many conference participants.

Majority of conference participants women holding high posts in their respective countries and parties.
Printed below is the full text of the statement addressed to the PA Conference held in Luzern, Switzerland between 24 and 26 October 2025.
Distinguished Delegates at this PA Gender
Equality Meeting in Lucerne, Switzerland
Please receive the best wishes for success of this PA Gender Equality conference from us the delegation of the Women’s League of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) in exile. We are honored to once again have our delegation amongst you to take part in gender focused issues and related deliberations in promoting the progressive PA agenda we all share.
Understandably, our delegation is very much interested to share with you now and in our continued networking the miserable situation of the Eritrean people in general and women in particular. In a way of quick introduction, our Women’s League is an affiliate of the EPDP, an opposition party struggling for change and democratization in Eritrea as a gateway to all liberties, including gender equality. Our mother party, the EPDP, was one of the signatory members of the PA Declaration at the founding meeting in Leipzig in May 2013. We were pleased to have attended a good number of the conferences of this worthy body of progressive parties and organizations that, inter alia, strive to promote gender equality, including the role of women in leadership positions.
Dear Conference Participants,
As you know, Eritrea has not been in good shape ever since its hard-won independence in the early 1990s. Today, the one-man dictatorship of Isaias Afeworki is widely characterized as one of the topmost repressive regimes in Africa. For several years in the past three decades, Eritrea held top record of being the most censored country in the world. It is Africa’s topmost jailer of politicians and journalists as well as a big refugee producer. Eritrean refugees also constitute a very high percentage of deaths in the Mediterranean Sea and as victims of human trafficking everywhere. Eritrean women topped in this continued suffering of an entire nation.
Dear PA Gender Equality Working Group Leadership,
The Eritrean people and women in particular, are in urgent need of support from progressive forces like this PA family. Therefore,
- We feel it is time for the PA Gender Equality Working Group to engage in empowering the Eritrean women’s groups in diaspora, which are many. The first step can be helping them create one platform, which has not been easy to achieve. This work can be facilitated by using the EPDP Women’s League as your channel to achieve this worthy start to help a people in dire need of support from friendly forces.
- Needless to say, leaderships of member parties of the Progressive Alliance would do a great service by extending similar support to this PA-member EPDP and other pro-democracy groups to create working umbrella that would lead a future democratic State of Eritrea.
Again, my delegation wishes big success to this PA Gender Equality Working Group meeting in Switzerland and pledge and commit ourselves to be active in future networking will all of you.
Sincerely yours,
Asghedet Mehreteab, Head of EPDP Delegation
ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝተባህሉ 44 ኤርትራውያን ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ተኣሲሪሮም ከም ዘለዉ ፖሊሲ ሓቢሩ። እቶም ኤርትራውያን ቡንጎማ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ኬንያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዝተታሕዙ፡ ሚቲ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ገጠር ዓዲ ኣብ መንበሪ ወልቀሰብ ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ ኬንያ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። ግዝኣት ቡንጉማ ኤርትራውያ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኡጋንዳ ዝሰጋገሩላ ክፍለ ግዝኣት ምዃና’ውን ተፈሊጡ።
እቶም ኤርትራውያን ብሪጋደር ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ከም ዝተኣስሩን መርመረኦም ምስተወደ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡን ድማ ቢቢሲ ናይቲ ከባቢ ምንጭታታ ጠቒሳ ሓቢራ። መብዛሕትኦም ጭቆና ዝመረሮም ኤርትራውያን ብሱዳን ኣቢሎም’ኳ ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ውግእ ሱዳን ግና መንገዶም ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢልካ ከም ዝኾነ እውን ዜና ቢቢሲ ይጠቅስ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኬንያ ጉዳይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በቢውልቆም ከከም ክብደት ናይቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት እትርእዩ ኩነታት ትፈጥር ከም ዘላ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ናይ ምስጓግ መደቡ ብቤት ፍርዲ ዝተነጽገ ኮሚሽን ኢሚግረሽን ኬንያ ብወገኑ፡ ሕቶ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንኣዴታትን ህጻናትን ከምኡ እውን ንኣካለ ስንኩላንን ብጭንቀት ዝተጠቕዑ ሰባትን ፍሉይ ግምት ብምሃብ ብኣውንታዊ መንፈስ ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡሎ።
ሓላፊት ኮሚሽን ስደተኛታት ናይታ ሃገር መርሲ ምዋሳሩ ብወገና እቲ ጉዳይ ብመሰረት ንሰባት ሓደጋ ከስዕበሎም ናብ ዝኽእል ሃገር ኣገዲዳካ ዘይምምላስ ዝብል፡ ዓለም ለኻዊ መትከል እዩ ክተሓዝ ምባላ ኣዲስ ስታንዳር ኣፍሊጣ። እታ ኮሚሽነር ኣተሓሒዛ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ካብ ዝጅመር ድሮ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ 100 ኣመልከቲ ጥርዓን ጸዲቑሎ ኢላ።
ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ2 ሕዳር 2025፡ 3ይ ዓመት ምኽታም ውዕል ፕረቶርያ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኡ። ነቲ መግለጺ ካብ ዘውጸኣ ኣባላት ናይቲ ሕብረት፡ ኣወስትሪያ፡ በልጂም፡ ቡልጋሪያ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ሁንጋሪያ፡ ኣየርላንድ፡ ኢጣልያ፡ ሉክሰምበር፡ ማልታ፡ ነዘርላንድስ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ስሎቫካይን ኖርወይን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሰን ኣለዋ።
እቲ መግለጺ፣ 2 ሕዳር ብ2022 ነቲ ሓደገኛ ውግእ ጠጠው ንምባል ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሕርነት ትግራይን ኣብ ፕረቶርያ ስምምዕ ዝተኸተመሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሃገራት እቲ ስምምዕ ንሓዋሩ ድምጺ ጥይት ከቋርጽን ሰላም ከምጽእን ተስፋ ኣንቢረናሉ ከም ዝነበራን ኣስፊሩ።
ናይቲ ሕብረት ልኡኽን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾን ኣባል ዝኾነት ኖርወይ፡ ኣገዳስነት ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንህድኣት ናይቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ብፍሉይ ምጥቃሳ እውን ተሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ፣ ከም ናይ ሓባር ተልእኮ እንተላይ ኣብ ምምላስ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ወሲኽካ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕግን ተመኩሮን ተደሪኹ ውዕል ፕረቶርያ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ተግባራውነት ግዳያት ማእከል ዝገበረ መሰጋገሪ ፍትሒ ንክሳለጥ ክንሕግዝን ድሉዋት ኣለና ኢሉ። ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘተ ግብራዊ ንክኸውን እውን እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተሓታትነት፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብፍላይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝተተሓሓዘ፡ ከምኡ እውን ዕርቂ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ዕማማታት በዂሮም ዘለዉ ምዃኖም ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ጐንጽታት እውን ብዘተን ዕርቅን ንክፍትሑ ነተባብዕ ኢሉ።
እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ናይቲ ውዕል ፈረምቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ኣብ ምትግባር ውዕል ፕረቶርያ ዕንቅፋት ኮይኑ ብዝብል ይካሰሱ ኣብ ዘለዉሉ እዩ።
ግብጺ ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተባህለ፡ ቤተ-መዘክር (museum) ኣብ ምህናጸ ጸኒሓ፡ ብ1 ሕዳር 2025 ወግዓዊ መሪቓ ከፊታ። ኣብ መኽፈቲ ስነ ዝርዓት ናይዚ ቤተ-መዘክር፡ መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎ ተወከልቲ ልዕሊ 80 ሃገራት ከም ዝተሳተፉ ተሓቢሩ። እዚ ብ2005 ዝተጀመረ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ዝተደናጐ፡ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ ቤተ-መዘክር፡ ናይ ግብጺ ጥንታዊ ዕቤት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ስፍሓቱ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ትርብዒት ሜትሮ ምዃኑን ምስቲ ፕራሚዳት ዘራኽብ ድንድል ከም ዘለዎን ከኣ ተፈሊጡ። ኣብዚ ኣብ ከባቢ ጊዛ ዝተባህለ ፒራሚድ ዝተሃንጸ መዘክር ልዕሊ 100, 000 ታሪኻዊ ውርሻታት ክቕመጡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ናብዚ ናይ መረቓ ስነስርዓት ንምክፋል ናብ ግብጺ ዝኸደ ኢሳያስ ኣፈወርቅ፡ ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዞባና ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ መመሊሱ ዝጋደድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ብሰፊሑ ከም ዝተዘራረቡ ናይ ግብጺ መድያታት ኣፍሊጠን። ኣብ ርክቦም መራሒ ግብጺ፡ ልኡልላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብማንም ክትንከፍ የብሉን እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነቱ ምንጽብራቕ እውን ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ግብጺ፡ ባድር ዓብደር ኣቲ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓለዋን ምምሕዳርን ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፍነት ናይተን ብምብራቕን ብምዕራብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ (ዕጽውቲ) ብምዃና ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኢድ ኣይክይህልዋን እዩ ከም ዝበለ፡ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን።
ብኻልእ ወገን ከኣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ጅዳ ኣብ ዘካየድዎ መበል 11 ሓባራዊ ኣኼባኦም ኣብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጸንሖም ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ናብ ዝሓየለ ስምምዕን ምርድዳእን ከም ዝበጽሑ ጋዜጣ ኣል-ኣህራም ኦንላይን (Al-ahramonline) ኣፍሊጣ።
ባህግና Eri Bahgna Media 02 11.2025 ውጽኢት ብመስርሕ ኢዩ ዝብጻሕ፡ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ካብ ዘደልድሉ ውዑላትን ስምምዓትን
Written by Eri-BahgnaMedia
EPDP Chair Urges Swiss SP & Others in PA To Support Eritrean Pro-Democracy Actors
Written by EPDP Information OfficeGherezghiher Tewelde, Chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), called on the Swiss Socialist Party and other members of the global Progressive Alliance (PA) to kindly give appropriate attention to the ongoing dire situation in Eritrea through empowering Eritrean opposition forces in forced exile.
Logs of the Swiss Socialist Party, the EPDP and the PA, a 12-year old Political International
with about 140 progressive and democratic parties and organizations from all continents.
In hand-delivered copies of the solidarity message to the congress of the Swiss Socialist Party (SP) held on 25 October in Luzern, the EPDP Chairman stated: “We in EPDP and other Eritrean pro-democracy forces are in urgent need of attention and support from you and other sister parties and associations in the Progressive Alliance (PA) to help in ending the prolonged oppression and suffering in Eritrea, a third of whose population is already living in forced exile and displacement.” The EPDP Chairman’s message, which did not only speak for his party, also called for forging “close relation with us, Eritrean pro-democracy forces, so that we can unify our fragmented forces for change.”
Below is the full text of the solidarity message that was handed to SP’s co-chairpersons, Ms Meyer and Mr.Wermuth, as well as to Party leaders through SP Foreign Relations Secretary, Sandro Liniger.’ (The SP, also called the Social Democratic Party of Switzerland, was founded in October 1888, and is the second largest of the four major coalitions in the Swiss Parliament).
Full Text of the EPDP Chair Message
Honourable Swiss SP Leadership and
Distinguished Congress Participants,
I, the undersigned chairman of the EPDP, am very much pleased to send this solidarity message to your congress with our party’s delegation attending the Progressive Alliance’s Gender Equality Working Group Conference in Luzern, Switzerland, and wish you a resounding success in the deliberations and outcome of this SP congress.
The EPDP leadership with party’s rank and file feel honoured to have joined your SP and other fraternal parties as a founding signatory of the Progressive Alliance 12 years ago in Leipzig, Germany. I also feel pride to mention here that our party kept in touch with the SP Foreign Office for a long time and always encouraged its branch members and other Eritreans in Switzerland to continuously vote for SP candidates at your federal and local elections.
Dear SP Co-Chairpersons: M.Meyer and C.Wermuth,
Since the dire situation in Eritrea is very well known to you and your party, allow me to say that we at EPDP and other Eritrean pro-democracy forces are in urgent need of attention and support from you and other sister parties and association in the PA to help in ending the prolonged oppression and suffering in Eritrea, a third of whose population is already living in forced exile and displacement. The basic demands we can list include your kind follow up of the hardships faced by Eritrean refugees, including those in Switzerland, and the forging of effective close relation with us, Eritrean pro-democracy forces, so that we can unify our fragmented forces for change. We trust your party’s close and effective involvement to prepare Eritrean opposition forces for a smooth transition in post-dictatorship Eritrea will prove to be a worthwhile task in building peace and democracy in the troubled Red Sea and Horn of Africa region.
I again wish this Congress a resounding success, and express my party's strong interest to keep in touch with your party and civic associations affiliated with it.
Respectfully yours,
Gherezghiher Tewelde, EPDP, Chairman.
More...
ካብ ከተማ ኣል ፋሸር ሃዲሞም ፡ታዊላ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ኣብ ዳርፎር ከተማ ኢልፋሸር ንምቁጽጻር ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 1,850 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ፡ በቲ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ፡ ነዚ ዓብይ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣምሪሩ ኮኒንዎ።።
ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ስተፈን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ሓበሬታ፡ ተሪር መተሓሳሰቢ ናይቲ ዋና ጸሓፊ ብጉዳይ እቶም ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ በቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ጀሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣማኢት ኣሸሓት ሱዳናውያን ኣቃሊሑ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ናይ ኩነኔ መልእኽቱ፡ ኣብቲ ቦታ ክፍጸም ንዝጸንሐ፡ ጨካን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሲቪል ሰባትን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጻን ዝተወስደ፡ ከምኡ’ውን ጾታን ዓሌትን ማእከል ዝገበረ ጨካን ጨፍጫፍ ንዘጠቓለለ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብትሪ ኮኒንዎ። ምስዚ ብተወሳኺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ዳርፎር 1,850 ሲቪል ሰባት ምሟቶም እኳ እንተመዝገበ፡ ካብዚኣቶም እቶም 1,350 ኣብ ከተማ ኣል ፋሸር ዝተቐተሉ እዮም። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ግዳያት ኣሃዝ፡ ምስቲ ዝተኻየደ ከቢድ ጨፍጫፍ ካብቲ ዝግመት ንታሕቲ ምዃኑ’ውን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።
ድሕሪዚ ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ደጊሙ፡ እቲ ኩነታት ካብቲ ዝረአ ዘሎ ናብ ዝገደደ ከይድይብ፡ ሕጂ’ውን ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝቢ መሕለፊ ኣፍደገ ክረክብን ብዘይገደብ ረዲአት ክቐርበሉን ጸዊዑ። ዓለም ለኸ ውድብ ተመዛበልቲ (IOM)፡ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ውግእ ሰሜን ዳርፎር ብዘይካቶም ዝሞቱ፡ 2,500 ሰባት ካብ ከተማ ባራ፡ 1,000 ድማ ካብ ከተማ ዙራይባ ተመዛቢሎ ኣለዉ።
እዚ ናይ ዳርፎር ብሓፈሻን ናይ ከተማ ኣል ፋሸር ድማ ብፍላይ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ተረኽቦ ኮይኑሎ።
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታን ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ ስዊስን ተሳቲፉ
Written by ቤት/ጽ ዜና ሰዲህኤኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታ ኣብ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ
ብኣደ-መንበር ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ወ/ሮ ኣስገደት መሕረተኣብ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ካብ 24 ክሳብ 26 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ከተማ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ ማዕርነት ጾታ ናይ ዓለም ገስጋሲ ሓይልታት (Progressive Alliance) ንጡፍ ተሳትፎ ገይሩ። ከምኡ’ውን እቲ ልኡኽ፡ ብድሕሪ-ቐትሪ ናይ 25 ጥቅምቲ ኣብ ጥቓ ሉዘርን ኣብ ዝተኻየደ እሞ ዓቢ ተሳትፎ ጉባኤኛ ዝነበሮ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ክሳተፍ ክኢሉ።
ከም ዝዝከር፡ ሰዲህኤ ካብቶም ብ2013 ኣብ ከተማ ላይፕዚግ፡ ጀርመን፡ ንProgressive Alliance/ምሕዝነት ገስገስቲ ካብ ዝመስረቱ ሰልፍታት ነይሩ። ቀጺሉ ከኣ ላዕለዎት ልኡኻት ሰዲህኤ ከም ኣብ ቱኒዝያ፡ ብራስለስ፡ ሮተርዳም፡ በርሊን፡ ስቶክሆልምን ካልኦት ከተማታት ምዕራብ ኤውሮጳን ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታቱ ኮነ ኣብ ጉባኤታት ኣባላት ውድባቱ ክሳተፍ ጸሊሑ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ ብሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ (SP) ዝተኣንገደ ዓውደ-መጽናዕቲ ማዕርነት ጾታ፡ ኣስታት 100 መራሕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ 48 ሃገራት ዝተሳተፈኦ እዩ ነይሩ። ኣፍሪቃ ብሸውዓተ ኣባላት ሰልፍታት ተወኪላ ነይራ። ንሳተን ከኣ ካብ ካሜሩን፡ ኤርትራ/ሰዲህኤ፡ ጋና፡ ናይጀርያ፡ ኢስዋቲኒ (ናይ ቀደም ስዋዚላንድ)፡ ሞሮኮን ምዕራባዊ ሳህራን ነበራ። ቀንዲ ዛዕባ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ "ምስፋሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነትን፡ ናይ ዓለምና ጸጥታን ሰላምን” ዝብል ነይሩ።
ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ማዕርነት ጾታ ኣብ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ
ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ዘአንገደ ሰልፊ (SP) ድሕሪ ናይ መኽፈቲ ቃላት ምቕራቡ፡ ኣወሃሃዲት ናይ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ፡ ዝኾነት ፍሊፒናዊት ወ/ሮ ማክሪስ ካብሬሮስ፡ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኲለን ሃገራት ክድንፍዕ እናጸውዔት ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ከፊታቶ። ናይ ስዊዘርላንድ ዴሳዊ ሰልፊ ብሓባራዊ ኣቦ-መንበርነት (co-chairmanship) ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ዝምራሕ ምዃኑ ጠቒሳ ከኣ፡ እዚ ንኹሎም ኣባላት ሰልፍታት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ብምባል ንኢዳቶ። ከምኡ’ው ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዓ ክልተ ኣደ-መንበራት (co-chairs) ግብረ-ሓይሊ ማዕርነት ጾታ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መስርሓት ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብማዕረ ደረጃ ሰብኡት ክካፈላ ከም ዝግባእ ኣትሪረን ተዛሪበን።
ካብኡ ብምቕጻል፡ ቀንዲ መደረ (kenote speech) ዘስመዐት፡ ወ/ሮ ሲሞኔታ ሶማሩጋ፡ ኣባል ዴሳዊ ሰልፊን ናይ ስዊዘርላንድ ፕረዚደንት-ነበርን ናብ መድረኽ ተዓዲማ። ኣብቲ ንኹለን ደቂ-ኣንስትዮ ንመሰለንን ሓቀኛ ሓርነተንን ደው ክብላ ዘተባብዕ መደረኣ፡ ወ/ሮ ሶማሩጋ ንሃገራ ከም ሓንቲ ካብተን "ንስድራ ቤት ብዙሕ ዘይምቹኣት" ሃገራት ዓለም ገሊጻታ። ከምኡ'ውን ዳርጋ ንኹለን ሃገራት ዓለም በቲ “ነውራም ተግባር” ዝበለቶ ፍልልያት ኣብ ኣከፋፍላ ደሞዝ ንደቂ-ኣንስትዮ ነቒፋን ኮኒናን።
ወ/ሮ ማሪያን ሚኮ፡ ምክትል-ኣደ-መንበር ኮሚቴ ንምጥፋእ ምፍልላይ ኣንጻር ደቂ-ኣንስትዮ (UN CEDAW)፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓለም-ለኸ ሽምግልናታትን ዘቴታትን ካብ 50% ክውሕድ ከምዘይብሉ ኣትሪራ ተጣቢቓ። ወ/ሮ ማርሻ ሎፐዝ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ብራዚል ኣብ መደረኣ፡ "ብዘይ ፍትሒ ማሕበራዊ ሰላም የለን"፡ ከምኡ'ውን "ብዘይ ድምጺ ደቂ-ኣንስትዮ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን እዩ" ኢላ።
እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ሰለስተ ናይ ልዝብ መድረኻት (panel discussions) ምስ ኣስታት 20 ኣቕረብቲ ዝነበሮ እዩ። ካብ ተሳተፍቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን እውን ይቕበሉ ነይሮም። ቀንዲ ዛዕባታት ናይቲ ልዝባት 1) ኣብ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘይተረጋግአ ዓለም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምድንፋዕ፡ 2) ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝፍጸም ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ዓመጽ ንምቅላስ ዝተወስዱ ትምህርታት፡ ከምኡ'ውን 3) ሰላም፡ ጸጥታ ከምኡ’ውን ብቕዓታት ደቂ-ኣንስትዮ ምድንፋዕ ዓቢ ትኲረት ይግብኦም ኣጀንዳታት እዮም ዝብሉ ነይሮም።
ዳርጋ ነፍሲ-ወከፍ ተዛራቢት፡ ንምስፋሕ ቃልሲ ማዕርነት ጾታ ዘዕዝዝ ሃብታም ተመክሮታትን ሓድሽ ሓሳባትን ሒዛ ቀሪባ። ማዕረ-ደረጃኡ ትምህርታውን መተባብዕን ንተሳተፍቲ ዝነበረ ድማ፡ እቲ ኣብ ጉጅለኣዊ ዕላላት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ሓሳባትን ንቐጻሊ መራኸቢታት ምልውዋጥ ኣድራሻታትን እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ኩሉ ምልውዋጥ ርእይቶታት ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ክህልዎ እዩ።
እቲ ብሓያል ተቓላሲት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝኾነት ብወ/ሮ ኣስገደት፡ ዝተመርሐ ኤርትራዊ ልኡኽ፡ ምስ ዓበይቲ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ዝኾና ከም እኒ ቀንዲ መደረ ዘስመዐት ሶማሩጋ፣ ምስ ምክትል ኣደ-መንበር UN CEDAW፣ ምስ ኣተሓባባሪት Progressive Alliance ወ/ሮ ካብሬሮስን ካልኦት መራሕቲ ምንቅስቓሳት፡ ካእባኢ ዝርርባት ብምክያድ ነቲ ኣጋጣሚ ብጽቡቕ ተጠቒሙሉ፡፡
ተሳትፎ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ስዊዘርላንድ
እቲ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመ ናይቲ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ልኡኻት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ኣብቲ ወጻኢ ካብ ከተማ ሉዘርን ዝተኻየደ ስሩዕ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ምስታፎም እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ጉባኤ ምስ በጽሑ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃላት ብኣደ-መንበር ዴሳዊ ሰልፊ ስዊዘርላንድን ኣባል ቦርድ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ቀሪቡ። ምስ ኩለን ዲሞክራሲያውያንን ኣሓት ሰልፍታት ዘለዎም ጽኑዕ ምትሕግጋዝ ገሊጾም። ብወገና፡ ኣተሓባባሪት ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ንዴሳዊ ሰልፊ ስዊስ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪባ።
ተሳተፍቲ ፕሮግረሲቭ ኣላያንስ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻሊስት ስዊዘርላንድ ዝጸንሑሉ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት፡ እቲ ክትዕ ብዘይ ዝኾነ ጸገም፡ ብኣርባዕተ ቋንቋታት ስዊዘርላንድ – ማለት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጥልያን ሮማንሽ - ቀጺሉ። 70% ህዝቢ ስዊስ ብጀርመን፡ 20% ብቋንቋ ፈረንሳ፡ 9% ብጣልያን፡ እቲ 1% ከኣ ብሮማንሽ ዝበሃል ብቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።
“ዓለምለኸ ፕሮጀክት ፍትሒ (WJP)” ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፡ ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2025 ጸብጻብ መስርሕ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ የንቆልቁል ከም ዘሎ ብ28 ጥቅምቲ 2025 ሓቢሩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተዋህበ ደረጃ ኢትዮጵያ ካብ 143 ሃገራት ኣብ መበል 142 ሰፊራ’ላ። እቲ ምንቁልቋል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታ ክረአ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብ ናይ 2024 ድማ ብ2.4 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ተገሊጹ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምንቁልቋል ፍትሒ ኣሻቓሊ ኮይኑ፡ ኣብ 2025 ኢትዮጵያ ንእትርከበን 65% ካብ ሃገራት ዓለም ከም ዝጸለወ ጠቒሱ። ብኣንጻርዚ ዲክታተርያዊ ምምሕዳራት ይስዕርሩ ከም ዘለዉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ከም መርኣያ ናይዚ ተሓታትነት እንዳደኸመ ክኸይድ እንከሎ፡ ነጻነት መስርሕ ፍትሒ ከኣ ብደረጃ ዓለም ይብሕጎግ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።
ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ ካብ 34 ሃገራት ኣፍሪቃ ትሕቲ ሰሃራ፡ መበል 30 ክትስራዕ እንከላ፡ ሩዋንዳ ካብ ዓለም ኣብ መበል 39 ክትሰፍር እንከላ፡ ናሚብያን ማውርሸን ከኣ ጽቡቕ ኣፈጻጽማ ምስ ዘለወን ላዕለዎት ተሰሪዐን ኣለዋ። እቲ ጸብጻብ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ፍትሒ ናብዚ ደረጃ ምውራድ ኣካል ሓፈሻዊ ውድቀት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ 2022 ካብ 140 ሃገራት ኣብ መበል 123 ምንባራ ገሊጹ እዚ ለውጢ ኣብታ ሃገር ናይ ምኽባር ስርዓትን ጸጥታን ምድኻም ከም ዘርኢ ኣገንዚቡ።
ኣብዚ ናይ 2025 ጸብጻብ ናይቲ ትካል፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሰፈረን ሃገራት ብዝምልከት፡ ደንማርክ፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደንን ኒው ዘይላንድን ቅድሚት ተዘርዚረን ኣለዋ። ብኻልእ መልክዕ ከኣ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝተሓተ እቶት ኣለወን ካብ ዝበሃላ 16 ሃገራት ኣብ መበል 13 ኣስፊርዋ።
Multiple Treaties, Agreements Solidify Eritrean Nationhood and Sovereignty
Written by EPDP Information OfficeTreaties and agreements that enable the world to move forward peacefully and cooperatively are those centered on national sovereignty, common existence, and mutual benefits. Some of these treaties apply to all nations, while others are bilateral or trilateral, governing specific countries. Bilateral agreements also have the potential to become part of international agreements. Therefore, these agreements and treaties protect our world from becoming a haven for the powerful and the violent. International and regional organizations are the ones that implement these treaties and agreements and prevent their violation. The United Nations, the African Union, the European Union, and IGAD are among the main ones.
A country has a process through which its sovereignty becomes acceptable to the international community. Eritrea also had a process through which it reached its current state, which some parties, due to the repressive PFDJ administration, wish to call a "country without sovereignty." However, although the path it has traveled has been challenging, the process by which Eritrea became sovereign was not only a successful domestic struggle but is also strengthened by various internationally recognized treaties and agreements. Among the treaties that have laid a solid foundation for Eritrean sovereign nationhood over the past 136 years, we can mention the following as examples:
- Treaty of Wuchale, May 2, 1889: Signed by King Menelik II, recognizing Italy as the ruler of Eritrea.
- July 10, 1896, Addis Ababa: An agreement reached between Menelik and Italy, in which Ethiopia acknowledged Eritrea's existence under Italian rule.
- July 10, 1900, Addis Ababa: Signed between Italy and Ethiopia, agreeing to recognize Mereb, Belesa, and Munna as their border in the central zone connecting Eritrea and Ethiopia.
- March 15, 1902: The treaty signed to clarify the eastern border zone connecting Eritrea and Ethiopia.
- May 10, 1908: A treaty signed by the Emperor of Ethiopia with the then-ruling British government of Sudan to clarify the Eritrean-Sudanese border in the western part connecting Eritrea and Ethiopia.
- August 16, 1928: Ethiopia recognized Italian rule in Eritrea and signed an agreement to live peacefully with it.
- September 15, 1952: An agreement was signed for Eritrea and Ethiopia to be federated as two nations.
- 1964, Addis Ababa: The Organization of African Unity reached an agreement to accept and continue the existing colonial borders of nations.
- May 28, 1991: After the fall of the Derg regime, a provisional transitional protocol agreement was reached in London among the EPLF, TPLF, and the United States.
- May 28, 1993: Following the results of the Eritrean referendum, Eritrea was registered as the 182nd sovereign state at the United Nations.
- December 12, 2000, Algiers: Signed by President Isaias Afwerki and Prime Minister Meles Zenawi to end the 1998-2000 war and establish an independent border commission.
- May 13, 2002: The Eritrea-Ethiopia Boundary Commission officially announced its binding and final decision, which both countries had accepted in principle.
These agreements are not merely honored and implemented by the governments that signed them, only to be broken when the signatories pass away. Instead, they are binding on successive governments that come to power during the process of governmental power transition. This is because they are agreements reached not in the name of system officials but in the name of the nations and peoples that endure. Accordingly, the agreements signed between Eritrea and Ethiopia since the colonial era are not subject to change with shifts in regimes but must be respected and implemented without alteration. Governments should understand that such internationally recognized treaties concerning Eritrea and Ethiopia are not to be honored solely for one's narrow interests but are binding to avoid violating the interests and dignity of others.
The agreements signed between Eritrea and Ethiopia over the past 136 years have complemented each other and brought the history and sovereignty of Eritrea to its current state; they have not contradicted each other. However, history tells us that in the process, they were temporarily obstructed due to the interests and interpretations of powerful nations. At a crucial stage when Eritrea was supposed to be independent, it was forced to federate with Ethiopia against the will of its people. John Foster Dulles, then US Secretary of State, said, "From the standpoint of justice, the opinion of the Eritrean people should have been considered; however, taking into account the strategic interests of the United States in the Red Sea, as well as international security and stability, Eritrea must be linked with our ally Ethiopia." This was an example of coercion and big power hegemony.
In the escalating tension between Eritrea and Ethiopia, which threatens to erupt into war, one frequently cited argument is, "Ethiopia needs access to the sea." Indeed, it is undeniable that Ethiopia needs access to a port for import and export. However, claiming to "build a naval base" in a sea that is not yours is simply unacceptable because it violates international laws.
The issue of port access for a landlocked country has a legally supported process for implementation. Since Ethiopia is surrounded by neighboring countries with sea access, it has a wide range of options on how to become a port user. This is not something that is starting today; both Ethiopia and other landlocked countries have been working on this and continue to do so.
Without going far, we can refer to the recent situation of Uganda's use of the Kenyan port of Mombasa. What we observe today, jumping from "utilization to ownership" and attempting to seize and end Eritrea's sovereignty, is not consistent with Ethiopia's claim of being a "founding member of the United Nations and the African Union, as well as a signatory to various international and regional agreements and charters." Therefore, the people of Ethiopia should reflect on this matter rather than blindly following some wild claims uttered for political ends.