ኤርትራን ህዝባን ብከቢድ ጸገም ክሓልፉ ከም ዝጸንሑን ዘለዉን፡ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ።  “ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ናይ ምውዳቓ ሓቀኛ ጠንቂ፡ እንታይ እዩ?”  ዝብል ሕቶ፡ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ወገናት ክምለስን ከጨንቕን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይዚ መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ኤርትራውያን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ብምዃኑ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዘይፈልጥዎ ኣካላት  ዝህብዎ ምላሽ ግና ዝተፈላለየ እዩ። ። 

ገለ ወገናት ኤርትራ ብደረጃ ስፍሓት ንእሽቶ ብምዃናን፡ ከም ምኽንያት ናይ ጸገማ ገይሮም ከቕርቡዎ ይስምዑ። ንዋሕዲ ህዝባን ከም ጠንቂ ናይ ጸገማ ገይሮም ክርድእዎ ዝፍትኑ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ናብዚ ንዓለም ዘስደምም ዘሎ ድሕረትን ጭቆናን ምውዳቓ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ “ልኡላዊት ሃገር ምዃና እዩ” ክብሉ ዘይሓፍሩ’ውን ይስምዑ እዮም።

እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ኤርትራ ናይ ሕሰምን መከራን መርኣያ ንክትከውን ዝደረኹ እናተባህሉ ዝጥቀሱ ምኽንያታት፡ ቅቡላት ከምዘይኮኑ፡ ብዙሓት ምርተዖታት ምቕራብ ይከኣል። ኤርትራ ብስፍሓታት ኣብ መስርዕ 195 ሃገራት ኣብ  መበል 101 እትርከብ እያ። ካብተን ካብኣ ዝንእሳ ሃገራት ድማ ብዙሓት  ኣብ ዝሐሸ ኩለ-መዳያዊ ዕቤትን ህድኣትን ከም ዝርከባ ዘዳዲ ኣይኮነን። ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ እውን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መበል 132 ደረጃ እትርከብ ክትከውን እንከላ፡  ካብኣ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለወን ከኣ  ኣብ ዝሓሸ ሃለዋት ዝርከባ ምዃነን፡ ጸገም ኤርትራ ምስ ዋሕዲ ህዝባ ዘይተሓሓዝ ምዃኑ ዘርኢ ጭብጢ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ጸገም ዝወደቐት  ልኡላዊት ሃገር  ብምዃና እዩ ዝብልዎ እሞ ድማ ንክብሪ ልኣላውነት’ውን ስለ ዘነኣእስ ፈጺሙ መሰረት ዘየብሉ ሚዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ከምኡ ዝሓስቡ ናይ ምዕምጣራን ተመሊስካ ምግዘኣን ህርፋን ከይህልዎም ዘጠርጥር እዩ።  ናብቲ ክዉን ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ድማ፡  እተን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ኩለን ልኡላውያን ምዃነን እዩ።

እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ኣውዲቕዋ ዘሎ፡ ከምቲ ብርትዓውያን ገምገምቲ ተደጋጊሙ ዝጥቀስ፡ “ብኩራት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትካላቱን እዩ።” ኤርትራዊ ኣንጻር ህግደፍ ንዲሞክራዊ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ እውን እዚ ተረድኦ ስለ ዝሓደሮ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ብመዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር (GOOD GOVERNANCE) ብኣውንታ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ልኡላዊ ሃገራት፡ ሲንጋፖር፡ ስዊዘርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ማናኮን ዝኣመሰላ ተሰሊፈን ይርከባ።  ኤርትራ ኣብዚ መዕቀኒ’ዚ ካብ 193 ሃገራት ኣብ መበል 187 ምርካባ እቲ ሓቀኛ ምኽንያቱ  ብኩራት ዲሞክራሲ ምዃኑ የርኢ።  ስፍሓት መሬት ከም መዕቀኒ እንተወሰድና ማናኮ 2.08 ትርብዒት ኪ/ሜት ስፍሓት ክህልዋ እንከሎ፡ ንውሓት ገምገም ባሕራ ከኣ 3.83 ኪ/ሜ ጥራይ እዩ። ኤርትራ ከኣ ናይ ደሴታታ ወሲኽካ፡  2,234 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕርን 117,600 ትርብዒት ኪ/ሜ ስፍሓትን እትውንን ሃገር እያ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ብዕቤታን ዘመናውነታን እተዛርብ ዘላ ሃገር ቐጠር፡ ኣብ ምድረ በዳ ዝተደኮነት፡ ስፍሓት መሬታ 11,581 ትርብዒት ኪ/ሜ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ  2.8  ሚልዮን እሞ ድማ ካብቲ ዝሰርሕ ዓቕማ ልዕሊ 95% ወጻእተኛ  ምዃኑ ምስትውዓል እውን ካልእ መርኣያ ኮይኑ ዝጥቀስ’ዩ። ኤርትራ ምስቲ  ዘለዋ ኣዝዩ ጽኑዕን ጻዕራምን ህዝቢ፡ በበዓይነቱ ናይ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ 26% ካብ መሬታ ተሓራሲ፡ ብወርቂ፡ ግራናይት፡ እምነ-በረድን ፖታሽን ዝኣመሰሉ ማዕድናትን ዝተዓደለት ምዃና ተወሲኽዎ፡  ህዝባ ተጸባይ ምዃኑ እቲ ቀንዲ ምኽንያታ ኣብ ብኩራት ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳር ዝወለዶ ምዃኑ  ንምርድኡ ኣየጸግምን።  

እቲ ነዊሕ ዝዕድመኡን ብመስርሕ ዝረጋገጽን መትከል ሰናይ ምምሕዳር፡ ብብዙሕ ብመስርሕ ዝዓቢ ዓሚቕን ሰፊሕን ትርጉም ዘለዎን ኣብ ኤርትራ ጠሪሱ በዂሩ ዘሎ ኣምር እዩ።  ካብቲ በዓል ብዙሕ መልክዕ ኣተርጓጉማኡ፡ “ስልጣን ኣብ ምምሕዳር ቁጠባ ሃገር፡ ማሕበራዊ ጸጋታትን ንዕቤት ዝውዕለሉ ቅዲ  ምኽታል እዩ” ዝብል ሓደ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ዝግለጸሎም መርኣያታት ዘለዉዎ ኣምር እዩ። “ናይ ዜጋታት ምዕሩይ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ህላወ ልዕልና ሕግን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን፡ ግሉጽነትን ንዝምልከቶም እኹል ሓበሬታ ምቕራብን፡ ምውሳድ ሓላፍነትን ምትግባር ዝተኣትወ ቃልን፡ ናይ ብዙሓት ሓሳብ ዘማእከለ መስርሕ ኣወሳስና ምኽታል፡ ማዕርነትን ኣሳታፍነትን፡ ኣድማዕነትን ብቕዓትን፡ ተሓታትነትን ርኢቶ ውሑዳት ንክስማዕ ዕድል ምሃብን” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት መግለጺኡ ውሑዳት እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ከኣ ብመንጽር ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ  ዝተቓነዩ እዮም።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ናይ ኩሎም መግለጺ ሰናይ ምምሕዳር ብኩራት ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ መዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር ከይከድና፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዋኒን፡ ሕገመንግስትን ካብኡ ዝምንጭዉ ሕግታትን የለን። ሎሚ ንኤርትራ “እመርሓ ኣለኹ” ዝብልን ንቑልቁል ዝንቆት ዘሎን “ኣነ እየ ክንዲ ኹሉ” ኢሉ ዝምካሕ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጠንቂ ብኩራት ሰናይ ምምሕዳር ከም ዝኾነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ተደጋጋሚ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ 23 ሓምለ 2025 ቃለ መጠይቕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ዘርባዕባዑ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ዓምጻጺ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ፡ እቲ በዳሊ ጉጅለ እውን ዘይክሕዶ፡ ቁባዊ ድኽነት፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ሰብኣዊ ዓመጻትን ምዝርዛሩ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ናይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ተሰዲዱ ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት’ውን በሪኹ ዝረአ እዩ።

በመንጽር’ዚ እቶም ንድሕረት ኤርትራ ሓቀኛ ጠንቂ ዘይኮኑ፡  ምኽንያታት እናጸፍጸፉ፡ ህዝብና “ኣብዚ ዘለኹዎ ሕሰም ዝወደቕኩ ነጻ ሃገር ስለ ዝወነንኩ ኢየ” ኢሉ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣጣዒስዎ ትሕቲ ሃገርነት ክሓስብ ክደፍእዎ ዝህቅኑ ወገናት ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግጉይን መደናገርን መንገዲ ከም ዘለዉ ተገንዚቦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ  ነዘኻኽር።

In a statement addressed to the recent Gender Equality Conference of the Progressive Alliance (PA) held in Switzerland, EPDP Women urged the PA Gender Equality Working Group to help empower Eritrean diaspora women’s groups.

The same statement also asked all sister parties in the global PA family to kindly extend helping hand in empowering and unifying the fragmented Eritrean opposition in exile as a way towards ending the prolonged suffering of people in that new  Horn of Africa country.

The Eritrean delegation headed by Ms Asghedet Mehreteab, Chairperson of the EPDP Women’s League, was one of the delegations representing 48 countries globally, seven of them African. In group and bilateral discussions with high-ranking women delegates at the conference, the EPDP delegation made efforts to explain the situation in Eritrea and the cause of Eritrean justice seekers to many conference participants.EPDP Delegation Statement Asks for Global Support 12

EPDP Delegation Statement Asks for Global Support 3

Majority of conference participants women holding high posts in their respective countries and parties.

Printed below is the full text of the statement addressed to the PA Conference held in Luzern, Switzerland between 24 and 26 October 2025.

Distinguished Delegates at this PA Gender

Equality Meeting in Lucerne, Switzerland

Please receive the best wishes for success of this PA Gender Equality conference from us the delegation of the Women’s League of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) in exile. We are honored to once again have our delegation amongst you to take part in gender focused issues and related deliberations in promoting the progressive PA agenda we all share.

Understandably, our delegation is very much interested to share with you now and in our continued networking the miserable situation of the Eritrean people in general and women in particular. In a way of quick introduction, our Women’s League is an affiliate of the EPDP, an opposition party struggling for change and democratization in Eritrea as a gateway to all liberties, including gender equality. Our mother party, the EPDP, was one of the signatory members of the PA Declaration at the founding meeting in Leipzig in May 2013. We were pleased to have attended a good number of the conferences of this worthy body of progressive parties and organizations that, inter alia, strive to promote gender equality, including the role of women in leadership positions.

Dear Conference Participants,

As you know, Eritrea has not been in good shape ever since its hard-won independence in the early 1990s. Today, the one-man dictatorship of Isaias Afeworki is widely characterized as one of the topmost repressive regimes in Africa. For several years in the past three decades, Eritrea held top record of being the most censored country in the world. It is Africa’s topmost jailer of politicians and journalists as well as a big refugee producer. Eritrean refugees also constitute a very high percentage of deaths in the Mediterranean Sea and as victims of human trafficking everywhere. Eritrean women topped in this continued suffering of an entire nation.

Dear PA Gender Equality Working Group Leadership,  

The Eritrean people and women in particular, are in urgent need of support from progressive forces like this PA family. Therefore,

  • We feel it is time for the PA Gender Equality Working Group to engage in empowering the Eritrean women’s groups in diaspora, which are many. The first step can be helping them create one platform, which has not been easy to achieve. This work can be facilitated by using the EPDP Women’s League as your channel to achieve this worthy start to help a people in dire need of support from friendly forces.
  • Needless to say, leaderships of member parties of the Progressive Alliance would do a great service by extending similar support to this PA-member EPDP and other pro-democracy groups to create working umbrella that would lead a future democratic State of Eritrea.

Again, my delegation wishes big success to this PA Gender Equality Working Group meeting in Switzerland and pledge and commit ourselves to be active in future networking will all of you.

Sincerely yours,

Asghedet Mehreteab, Head of EPDP Delegation

ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝተባህሉ 44 ኤርትራውያን ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ተኣሲሪሮም ከም ዘለዉ ፖሊሲ ሓቢሩ። እቶም ኤርትራውያን ቡንጎማ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ኬንያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዝተታሕዙ፡ ሚቲ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ገጠር ዓዲ ኣብ መንበሪ ወልቀሰብ ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ ኬንያ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። ግዝኣት ቡንጉማ ኤርትራውያ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኡጋንዳ ዝሰጋገሩላ ክፍለ ግዝኣት  ምዃና’ውን ተፈሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ብሪጋደር ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ከም ዝተኣስሩን መርመረኦም ምስተወደ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡን ድማ ቢቢሲ ናይቲ ከባቢ ምንጭታታ ጠቒሳ ሓቢራ። መብዛሕትኦም ጭቆና ዝመረሮም ኤርትራውያን ብሱዳን ኣቢሎም’ኳ ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ውግእ ሱዳን ግና መንገዶም ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢልካ ከም ዝኾነ እውን ዜና ቢቢሲ ይጠቅስ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኬንያ ጉዳይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በቢውልቆም ከከም ክብደት ናይቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት እትርእዩ ኩነታት ትፈጥር ከም ዘላ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ናይ ምስጓግ መደቡ ብቤት ፍርዲ ዝተነጽገ ኮሚሽን ኢሚግረሽን ኬንያ ብወገኑ፡ ሕቶ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንኣዴታትን ህጻናትን ከምኡ እውን ንኣካለ ስንኩላንን ብጭንቀት ዝተጠቕዑ ሰባትን ፍሉይ ግምት ብምሃብ ብኣውንታዊ መንፈስ ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡሎ።

ሓላፊት ኮሚሽን ስደተኛታት ናይታ ሃገር መርሲ ምዋሳሩ ብወገና እቲ ጉዳይ ብመሰረት ንሰባት ሓደጋ ከስዕበሎም ናብ ዝኽእል ሃገር ኣገዲዳካ ዘይምምላስ ዝብል፡ ዓለም ለኻዊ መትከል እዩ ክተሓዝ ምባላ ኣዲስ ስታንዳር ኣፍሊጣ። እታ ኮሚሽነር ኣተሓሒዛ  እዚ ሓድሽ ኣገባብ ካብ ዝጅመር ድሮ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ናይ 100 ኣመልከቲ ጥርዓን ጸዲቑሎ ኢላ።

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ2 ሕዳር 2025፡ 3ይ ዓመት ምኽታም ውዕል ፕረቶርያ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኡ። ነቲ መግለጺ ካብ ዘውጸኣ ኣባላት ናይቲ ሕብረት፡ ኣወስትሪያ፡ በልጂም፡ ቡልጋሪያ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ሁንጋሪያ፡ ኣየርላንድ፡ ኢጣልያ፡ ሉክሰምበር፡ ማልታ፡ ነዘርላንድስ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ስሎቫካይን ኖርወይን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሰን ኣለዋ።

እቲ መግለጺ፣ 2 ሕዳር ብ2022 ነቲ ሓደገኛ ውግእ ጠጠው ንምባል ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሕርነት ትግራይን ኣብ ፕረቶርያ ስምምዕ ዝተኸተመሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሃገራት እቲ ስምምዕ ንሓዋሩ ድምጺ ጥይት ከቋርጽን ሰላም ከምጽእን ተስፋ ኣንቢረናሉ ከም ዝነበራን ኣስፊሩ።

ናይቲ ሕብረት ልኡኽን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾን ኣባል ዝኾነት ኖርወይ፡  ኣገዳስነት ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንህድኣት ናይቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ብፍሉይ ምጥቃሳ እውን ተሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ፣ ከም ናይ ሓባር ተልእኮ እንተላይ ኣብ ምምላስ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ወሲኽካ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕግን ተመኩሮን ተደሪኹ ውዕል ፕረቶርያ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ተግባራውነት ግዳያት ማእከል ዝገበረ መሰጋገሪ ፍትሒ ንክሳለጥ ክንሕግዝን ድሉዋት ኣለና ኢሉ። ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘተ ግብራዊ ንክኸውን እውን እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተሓታትነት፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብፍላይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝተተሓሓዘ፡ ከምኡ እውን ዕርቂ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ዕማማታት በዂሮም ዘለዉ ምዃኖም ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ  ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ጐንጽታት እውን ብዘተን ዕርቅን ንክፍትሑ ነተባብዕ ኢሉ።

እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ናይቲ ውዕል ፈረምቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ኣብ ምትግባር ውዕል ፕረቶርያ ዕንቅፋት ኮይኑ ብዝብል ይካሰሱ ኣብ ዘለዉሉ እዩ።

ግብጺ ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተባህለ፡ ቤተ-መዘክር (museum) ኣብ ምህናጸ ጸኒሓ፡  ብ1 ሕዳር 2025 ወግዓዊ መሪቓ ከፊታ። ኣብ መኽፈቲ ስነ ዝርዓት ናይዚ ቤተ-መዘክር፡ መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎ ተወከልቲ ልዕሊ 80 ሃገራት ከም ዝተሳተፉ ተሓቢሩ። እዚ ብ2005 ዝተጀመረ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ዝተደናጐ፡ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ ቤተ-መዘክር፡ ናይ ግብጺ ጥንታዊ ዕቤት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ስፍሓቱ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ትርብዒት ሜትሮ ምዃኑን ምስቲ ፕራሚዳት ዘራኽብ ድንድል ከም ዘለዎን ከኣ ተፈሊጡ። ኣብዚ ኣብ ከባቢ ጊዛ ዝተባህለ ፒራሚድ ዝተሃንጸ መዘክር ልዕሊ 100, 000 ታሪኻዊ ውርሻታት ክቕመጡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ናብዚ ናይ መረቓ ስነስርዓት ንምክፋል ናብ ግብጺ ዝኸደ ኢሳያስ ኣፈወርቅ፡ ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዞባና ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ መመሊሱ ዝጋደድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ብሰፊሑ ከም ዝተዘራረቡ ናይ ግብጺ መድያታት ኣፍሊጠን። ኣብ ርክቦም መራሒ ግብጺ፡ ልኡልላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብማንም ክትንከፍ የብሉን እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነቱ ምንጽብራቕ እውን ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ግብጺ፡ ባድር ዓብደር ኣቲ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓለዋን ምምሕዳርን ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፍነት ናይተን ብምብራቕን ብምዕራብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ (ዕጽውቲ) ብምዃና ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኢድ ኣይክይህልዋን እዩ  ከም ዝበለ፡ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን።

ብኻልእ ወገን ከኣ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ጅዳ ኣብ ዘካየድዎ መበል 11 ሓባራዊ ኣኼባኦም ኣብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ ንዝጸንሖም ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ናብ ዝሓየለ ስምምዕን  ምርድዳእን ከም ዝበጽሑ ጋዜጣ ኣል-ኣህራም ኦንላይን (Al-ahramonline) ኣፍሊጣ።

Saturday, 01 November 2025 16:06

Dimtsi Harnnet Sweden 01.11.2025

Written by
Thursday, 30 October 2025 19:45

Dimtsi Harnnet Kassel 30.10.2025

Written by

Gherezghiher Tewelde, Chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), called on the Swiss Socialist Party and other members of the global Progressive Alliance (PA) to kindly give appropriate attention to the  ongoing dire situation in Eritrea through empowering Eritrean opposition forces in forced exile.

EPDP Chair Solidarity Message 30.10Logs of the Swiss Socialist Party, the EPDP and the PA, a 12-year old Political International

with about 140 progressive and democratic parties and organizations from all continents. 

In hand-delivered copies of the solidarity message to the congress of the Swiss Socialist Party (SP) held on 25 October in Luzern, the EPDP Chairman stated: “We in EPDP and other Eritrean pro-democracy forces are in urgent need of attention and support from you and other sister parties and associations in the Progressive Alliance (PA) to help in ending the prolonged oppression and suffering in Eritrea, a third of whose population is already living in forced exile and displacement.” The EPDP Chairman’s message, which did not only speak for his party, also called for forging “close relation with us, Eritrean pro-democracy forces, so that we can unify our fragmented forces for change.”

Below is the full text of the solidarity message that was handed to SP’s co-chairpersons, Ms Meyer and Mr.Wermuth, as well as to Party leaders through SP Foreign Relations Secretary, Sandro Liniger.’ (The SP, also called the Social Democratic Party of Switzerland, was founded in October 1888, and is the second largest of the four major coalitions in the Swiss Parliament).

Full Text of the EPDP Chair Message

Honourable Swiss SP Leadership and

Distinguished Congress Participants,

I, the undersigned chairman of the EPDP, am very much pleased to send this solidarity message to your congress with our party’s delegation attending the Progressive Alliance’s Gender Equality Working Group Conference in Luzern, Switzerland, and wish you a resounding success in the deliberations and outcome of this SP congress.

The EPDP leadership with party’s rank and file feel honoured to have joined your SP and other fraternal parties as a founding signatory of the Progressive Alliance 12 years ago in Leipzig, Germany. I also feel pride to mention here that our party kept in touch with the SP Foreign Office for a long time and always encouraged its branch members and other Eritreans in Switzerland to continuously vote for SP candidates at your federal and local elections.

Dear SP Co-Chairpersons: M.Meyer and C.Wermuth,

Since the dire situation in Eritrea is very well known to you and your party, allow me to say that we at EPDP and other Eritrean pro-democracy forces are in urgent need of attention and support from you and other sister parties and association in the PA to help in ending the prolonged oppression and suffering in Eritrea, a third of whose population is already living in forced exile and displacement. The basic demands we can list include your kind follow up of the hardships faced by Eritrean refugees, including those in Switzerland, and the forging of effective close relation with us, Eritrean pro-democracy forces, so that we can unify our fragmented forces for change. We trust your party’s close and effective involvement to prepare Eritrean opposition forces for a smooth transition in post-dictatorship Eritrea will prove to be a worthwhile task in building peace and democracy in the troubled Red Sea and Horn of Africa region.

I again wish this Congress a resounding success, and express my party's strong interest to keep in touch with your party and civic associations affiliated with it.

Respectfully yours,

Gherezghiher Tewelde, EPDP, Chairman.

 

Page 3 of 622