ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳንን ግብጻዊ መዘናኡን ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል ኢድሪስን ግብጻዊ መዘናኡ ሙስጠፋ ማድቡሊን ነቲ “በይናዊ” ዝበልዎ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል ከም ዝነጽግዎ ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ 7 ነሃሰ 2025 ናይ ርክቦም እቲ ግብጻዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ከም ሓድሽ ዝምስረት ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ።

እዞም ላዕለዎት ሓላፍቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ዝገለጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከም ቀዳማይ መገሽኡ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኸደሉ እዩ። ኣብቲ ንፖሊሲ ኢትዮጵያ ዝነጸግሉ ርክቦም፡ ኢትዮጵያ እትወስዶም ስጉምትታት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዕ 1959 ኣብ ጠቓቕማ ማይ ናይልን  ዝጻረር ብምዃኑ እዩ ምባሎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ 1929ን 1959ን ስምምዓት ፍትሓዊ ስለ ዘይነበረ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበር ዝጸወዓቶ ናይ ኡጋንዳ  (ኢንተበ) ኣኼባ “ኣንጻር ረብሓና እዩ” ብዝብል ኣይተሳተፋን። በቲ ናይ ቀደም ስምምዕ መሰረት ካብ ማይ ፈለግ ናይል፡ ግብጺ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ፡ ሱዳን ከኣ ናይ 18 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ  ቀዋሚ ብጽሒት ኣለና በሃልቲ እየን።

ናይ ግብጺ ቤተመንግስቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሱዳናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ’ውን ፍሉይ ርክብ ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ርክብ ግብጺ ናይ ሱዳን ግዝኣታዊ ሓድነት ከም እትድግፍ ምግላጹን ሃገሩ ንህድኣት ሱዳን ብምሉእ ልቢ ከም ትሰርሕን ቃል ምእታዉ እውን ተጠቒሱ።

ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት፡ ወፍሪ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ሙያዊ ስልጠናን  ንክተሓባበራ ከም ዝተረዳድኡ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ከም ዝተዘራረቡ ከኣ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣፍደገ ማሕርን መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ እዮም” ክብል ዝጸንሐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝሃነጾ ዓባይ ግድብ ህዳሰ፡  ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2025 ንምምራቕ ኣብ  ምሸባሸብ’ዩ ዝርከብ።

ክቡር ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት

ክቡር ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት

ክብርቲ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቀንስትዮን ኣቕራቢት መድረኽን

ክቡር ኣቶክብርኣብ ምስግና ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፈስቲቫል

ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን

ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2025

ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤል ኣቕራቢ መድረኽ

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማትና

ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።

ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል እዩ። ምስ ሕሉፍ ተመክሮታትና ኣዛሚድካ ክርኤ እንከሎ ሓድነቱ ሓልዩ ምቕጻሉ እወታዊ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ኣባላትን መሪሕነትን ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ተላልዮም ኣድማዒ ስራሕ ንምስልሳል ዘኽእሎም ስርርዓዊ ቅርጻ ለቢሶም ምህላዎም ክሕብር ባህ ይብለኒ።

ናይ ምጥርናፍና ዕላማ ንምልኪ ስዒርካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ብዓወት ክዛዘም እንተዀይኑ ድማ እቲ ንምልኪ ቀንዲ ኣቚሙ ዘሎ ራዕድን ንምልካዊ ኣካይዳ ከም ንቡር ናይ ምውሳድ ባህልን ከብቅዕ ኣለዎ። ህዝብና ራዕዲ ከይቐንጠጠ፤ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ ከይመለሰ ንነብሱ ሓራ ከውጽእ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ህዝብና ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል የዋጽኣኒ እዩ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ማለት ዘይዓመጻዊ ይኹን ዓመጻዊ ክኽተል መሰሉ ምዃኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይኣምን።

ካብዚ ብምንቃል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክል'ቲ ብሓያሎይ ውድባት ተቐባልነት ዘለዎ እዉጅ 4 ሃገራዊ ሞቖምያታት ማለት፡

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

ሓደ ሰፊሕ ኣድማዒ ጽላል ንምቛም ጻዕርታቱ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣበይ በጺሕኩም? ዝብል ሕቶ ክህሉ ይኽእል እዩ። ወርሒ 11 2023 "ኣብ ውሽጥና ሒቕታ ተረኺቡ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ቀጽሉ ንዕኡ ፈቲሕና ከነርክበኩም ኢና" ኢሎሙና። ክሳብ ሕጂ ድማ ገና ኣብ ትጽቢት ኣሎና። ተስፋ ንገብር ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ጉዳይ ተፈቲሑ ሓባራዊ ቃልሲ ሓባራዊ ጽላል ንምቛም ዕዮ ክጅምር ወይ ክቕጽል።

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕቱብ ዘተ ተኻዪዱ። ከምቲ ኣብ መልእኽቶም ዝሰማዕኩሞ ናብ ብራኸ እተሰጋገረ ኣብ ሓያሎይ ነጥብታት ስምምዓት ከም ዝፈጸምና ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ተፈላሊና ግን ርክብና ቀጻሊ ስለዝዀነ እቲ ብዕቱብ ናይ ምፍታሑ መንፈስ እውን ብዅሉ ሽነኻት ስለዘሎ ንዕኡ ንምፋሕ ንዕኡ ፈቲሕካ ሓደ ጽላል ናይ ምቛም ጻዕርታት ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ኣብዚ ዓመትዚ ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራዊ ዜናዊ ትካላትን ብሓባርን ብተናጸልን ጎስጓስ ኣክዪድና መዝነት ናይ ዶክ/ መሓመድ ዓብድሰላም ባብክር፥ እቲ ካብ መስከረም 2020 ክሳብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ክከታተልን ጸብጻባት ከቕርብን ዝጸንሐ ከም ዝቕጽል ምግባርና እንቋዕ ሓጐሰና ንብል። ናይ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ጠለብ እቲ  መዝነት ከይናዋሕ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ግህሰታቱ ክስነድን ክዕቀብን ከሎ ንሕጂ ሕቶታት ከም ዘልዕለሉ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ  ዘኽስስን ዘፍርድን መርትዖ ኰይኑ ክቐርብ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ እዩ። ደጊሙ ምልዓሉ ኣይክተርፎን እዩ'ሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ስራሓት ቀጻሊ ክኸውን ነተባብዕን ድሉውነትና ንገልጽን።

ኣብ ልዕሊ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ከምኒ ውግእን ጽምዶን ብደገፍ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ስርዓታዊ ለውጢ ምምጻእን ንስደተኛታት ዝምልከትን ዘሎና መርገጽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ንርኢ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ንውግእ ተቛሪጹ ፍልልያቶም ብሰላም ክፈትሕዎ ከም ዝግባእ ንኣምን። እንተድኣ ውግእ ተላዒሉ ሳዕቤኑ ንምግማቱ ኣሸጋሪ እዩ ብድሕሪ ክልቲኦም እተሰለፉ ዞባውያን ሓይልታት ኣለዉ፡ ከረጋግጽዎ ዝደልዩዎ ሸቶታት ክህልዎም ድማ ርዱእ'ዩ። ንሳቶም ከኣ፡

  • ሓደ ደምበ፡ ኤርትራ፡ ብዶክ ደብረጽዮን ዝምራሕ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ውድባት ኣምሓራ፡ ግብጺ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብ።
  • እቲ ካልእ ደምበ ሰልፊ ብልጽግና፡ ምምሕዳር ኦሮሞ፡ ናይ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ RSF፡ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ

ጸለውቲ ሃገራት ከምኒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ዘለወን ዓቕሚ ተጠቒመን ውግእ ንኸይልዓል ተራአን ከበርክታ ክንጽውዕ ጸኒሕና። ውግእ ናይ ብሚልዮናት ዝቕጸሩ ስደተኛታት ዋሕዚ ከኸትለለን ስለዝኽእል ንረብሓኤን ክብላ ንደበና ውግእ ከብንናኦ ከነመልክት ጸኒሕና።

ጽምዶ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ገለ ክፋል ናይ ትግራይን ይካየድ ኣሎ እንዳተባህለ ዝንገረሉ ጽምዶ፥ ኣብ ትሕቲዚ ናይ ውግእ ሃዋህው ንውግእ እምበር ንሰላም ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እተደገፈ ኣይኮነን። ንጸጥታኡ ከም ሓደጋ'ዩ ዝርእዮ። ጥዕና ዘለዎ ጽምዶ ክፍጠር ዝክኣል ክልቲኡ ስርዓታት ልዑላውነት ሕድሕድ ኣኽቢሩ፡ ዶባት ብግቡእ ሓንጺጹ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣህዛብ ብግዲ ዘይኮነስ ብወለንታኦም ዝዋስኡሉ ሕጋዊ ኣገባባት ክሰርዑሎም እንከለዉ እዩ።

ሓሓሊፉ ገለ ኤርትራውያን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንምእላይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዄንካ ምቅላስ ሓላል እዩ ክብሉ ይስምዑ። ዝዀነ ኣካል ምስ ዝደለዮ ኣካል ክማሓዞ መሰሉ እኳ እንተዀነ ነቲ በጃ ዝሓልፈሉ ህዝቢ ኣሕሊፉ ከይህቦ፥ እወ ነታ ቅዋማዊ ስርዓት ክተኽለላ ዝድሊ ሃገሩ ወይ ክፋላ ምእንቲ ከይስእን፡ እቶም ዝሕግዝዎ ብእዉጅ ኣገባብ ብልዑላውነት ኤርትራ ከም ዝኣምኑ ከረጋግጽ የድልዮ። ነየናይ ረብሓታት ንምዕቋብ ሓቢሮም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ብንጹር ክሰፍርን ክእወጅን ይግባእ። ኣውራ ድማ እንተድኣ እቲ እትማሓዘዎ ዘሎኻ ሓይሊ መርገጻቱ ወግሐ-ጸብሐ ዝቐያይር ኰይኑ፥ ምስኡ እትኣትዎ ስምምዕ ብህዝብና ክእመን ዘለዎ ዕድል ኣዚዩ ታሕቲ ምዃኑ ምግንዛብ ጠቓሚ ከይኰነ ኣይተርፍን።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ክመሃር፡ክሰርሕ፡ክወልድ ክዝምድ፡ ዘለዎ ዕድላት ኣዚዩ ጸቢብ ስለዝዀነ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ። ኣብ ስደቱ ድማ እዚ ዘይብሃል ግፍዕታት ይወርዶ ኣሎ። ፖሓኤ ስቅያቶም ንምቅላል ኣቤቱታ ኣብ ምጽሓፍን ግፍዕታቶም ኣብ ምስናድን ተዋፊሩ ይርከብ።

ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ባዕሉ እቲ መላኺ ከይተረፈ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ናይ ዕለት 23 ሓምለ ቃለ መጠይቑ  ኣብ ኩሉ መዳይ ከምኒ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ትምህርቲ ወዘተ. . .ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሕጽረታት ዘርዚሩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ባህርያዊ ግብረመልሲ በል 34 ዓመታት ገዚእካ ልምዓት ኰነ መገዲ ልምዓት ከተትሕዝ ካብ ዘይክኣልካ፡ ውረደልና ሃገርና ባዕላትና ከነምሓድር ክብሃል እዩ ዝግባእ።

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ።  ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽና፥ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ከየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንጹር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ንክህልዎምን ንዝተኽልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን በዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።

ኤርትራዊ ዜጋ ክፍጽሞ ዘለዎ ግዴታ ጥራሕ ኣይኰነን ዘለዎ መሰል እውን ኣለዎ። እወ ናይ ምምእማን፡ ምዝራብ፡ ምሕሳብ፡ ምጽሓፍ፡ ምምሃር፡ ምስራሕ፡ ምእካብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ፡ መራሕቱ ናይ ምምራጽን ምውራድን ወዘተ መስል ኣለዎ። ነዚ መሰላትዚ ህግደፍ ሓሪሙዎ ኣሎ ተቓሊሱ ክምንዝዖ ኣለዎ። ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ከምቲ እተኣወጆ 18 ኣዋርሕ ክኸውን፥ ዓስቢ ድማ ክህልዎ ክቃለስ ይግባኦ። ናይ ሓደ ዜጋ መሰል ክግሃስ ከሎ ኣብ ክንዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተዓዛቢ ምዃን ሎሚ ናብኡ ጽባሕ ናባይ ኢልካ ተቢዕካ ኣብ ጎድኑ ጠጠው ምባል'ዩ እቲ ቅኑዕ ስጉምቲ።

ኣብዚ ቅንያትዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፥ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንህዝቢ ኤርትራ ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ይንገር ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ 'ዚ ንኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥ መበቈል ዘርኡን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ፥ ደጊም ትሩፍ ክሳብ ምዓስ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ሕጊ እንዳተገፍዐ ስቕ ኢልና ክንርኢ ንልዓል ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን እቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ካብዚ ኣዳራሽ ንጽውዕ!!

ኣብ መደምደምታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።

ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን  ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

02 ነሓሰ 2025።

መልእኽቲ ኤልዲለ

ናብ ፖሓኤ ( ፈስቲቫል ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር )

ፍራንክፈርት ጀርመን

ብቀዳምነት ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሕውነታዊ ሰላምታና ንክሉ መሪህነትን ኣባላት ፖሎቲካዊ  ሓልታት ኤርትራ፡ መሪህነትን አባላት ኤርትራ ማሕበር አብ ጀርመን ንኩሉ ተጋባኢ ብሽም ኤርታራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራሳዊ ለውጢ ንቀርብ።

ብምቅጻል እዚ ሎሚ ትገብርዎ ዘሎኩም ፈስቲቫልን ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ከም ትማሊ ሎምውን ዕውት ከምዝከውን ባዕል ሙልእ ተስፋ ኢና።

ዝከበርኩም ፖሓኤን ተጋባአቲ ከምንፈልጦ  ሰርዓት ሕግደፍ አብ ፍልልያት ተቃለስቲ እዩ ዝነብር፡ ነዚ ጮቃኒ ስርዓት ንምእላይ እንቲ እንኮ ምርጫ ሐድነት ተቃለስትን ሕዝብን ምፍጣር እዩ። ከም ተቃለስቲ  ፍታሕን አካል  ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ብዙሕ ዘተሓለለ ጻዕሪ ዝተገብሮ አብ መንጎ ኤልዲለን ፖሓኤ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎ ሀገራዊ ሓይሊ ምፍጣር  አብ ዝላዓለ ብራኸ ብጽሑ ዘሎ አብ መፈጸምትኡ ንክበጽሕ ናይ ኩሉና ተቃለስቲ ሓልታት ኤርትራ ጻዓርን ውህደት ምፍጣር እዩ።

ብምቅጻል አብዚ እዋን እዚ ናይ ከባብና ጂኦ-ፖሎቲክስ አብ ሐደገኛ ተአፋፊ ኩነታት  አብ  ዝላዓለ ጠርዚ ብጽሑ አሎ፡ ክሉ ደላይ ፍትሒ ብፍላይ ክአ አብዝላዕለ ምትእክካብ ዘሎና ኤልዲል ፡ ባይቶ፡ ፖሓኤን ወዘተ ናይ ህዝቢ ሐላፍነት ተሸክምና ስለዘሎና ብሓባር ንክንምክቶ አብዚ ፈት ተጋባአቲ  ጻውዕትናናን ምሕጸንታትና ብሽም  ኤልዲለ ነቅርብ።

ኣብ መወዳእታ ኩሉ አባል ፖሓኤ ተጋባቲ ጽን እልኩም ንዝሰማዕኩምና ባአክብሮት ብሽም ኤልዲል ነመስግን። ብተውሳኪ እውን እዚ ፈስትቫልን ሀገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ዕውት ንክከውን ደግምና ሰናይ ትሚኒታና ንገልጽ።

ውድቀት ንሕግደፍ

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

አብርሀም ተወልደ ተኪኤ

አባል ማእከላዊ መርሕነትን አፈኛ ኤልዲለ

ነሐሰ 2/2025

ካናዳ

ዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር  ፖ ሓ ኤ  ብጻይ ገብረእግዚኣቤር   ተወልደ  !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታትን  ኣባላትን  ፖ ሓ  ኤ ፡

ዝከበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ  ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤትርራ 2025 እንሆ ጽቡቅ ዕድልን ተስፋን  እቲ ናይ ንግሆ ሕልምን ጠለብን ትጽቢትን ህዝብና ዝኾነን ዘሎን ሓድነት ፖሊትካውያን ሓይልታት ኤርትራ እምነ መሰረት  ሓድነት ኣቀሚጡ  ሓደ ስጉምቲ  ንቅድሚት ሰጉሙ፡ ሓደ  መሪሕነት ኣቂሙ ንኩሉ ዝሓቁፍ ጽላል ኣብ ሓጺር ጊዜ  ክምስረት  ብሓባር  ከቃልሱና ብምስምማዖም እንቃዕ  ደስ በለና ኢልና ኣብ መኽፈቲ  ሓባራዊ ፈስቲቫልና ናይ 2024  ብስራት ሂበ ነይረ ኮይኑ ግና ከመይ ከይዱን  ኣበይ በጺሑ ኣሎን ሎሚ  ክንሕበር ብተስፋ ይጽበ !!! ደጊመ

መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ፖ. ሓ. ኤ. እንቃዕ ብሰላምን ብጥዕናን ኣራኸበና ጠባይ ናይ ቃሲ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣጆኹም ኣጆና ክንዕወት ኢና !!!

  ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል  ፡

በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ብሓድነት  ንሓርነት !!! ዝብል ቅኑዕን ልክዕን ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ጽንኩር ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብዉልቀ መላኺ ኣረሚን ስርዓት  ዝወርዶ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ኣኽቲሙን  ተኣልዩን  ሓርነት ንምልባስ  ቅዋማዊ ስርዓት ተኺሉ ብሰላም ዝነብረሉ ንምዕዋት ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ  ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና  ደጊምና ደጋኢምና ነቅርብ !!!!

እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተሓኤ መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ  ኮይኑ ሎሚ  እንሆ መበል 39 ዓመትና ኮይኑ ፥ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ብፍሉይ ክብርን ኣገናዕን ነባሪ ታሪኽ ኣመዝጊብኩም ኢኹም  ኩርዑ ብልቢ ከኣ ነመስግነኩም ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ጽኑዓት  መሰረታት ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን  ተሳተፊቲ በዓልናን !!!

እወ እንሆ ዕዉት ዋዕላን ኣካይድና ዝሙገስ እካ እንተኾነ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት  ብህርኩት ዉፍይ ተሳታፍነት ክሳብ ጊዜ ዕረፍቱ ኣብ ዓራት ኮይኑ ኣጆኹም እናበለ ዝተቃለሰ ብጻይና ዓንደጽዮን ግርማይን ኣፋኒና ፣ ምሳኡ እውን ኣቦ መንበር ኮይኑ ፈስቲቫላትና ዝመርሕ ዝነበረ  ዉፍይ ስዉእ ተስፋማርያም ክብረኣብ ። ቅድሚኡ እውን  ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ክሳብ መስዋእቱ  ብጥዑም ድምጺ ሳክሰፎን ክራር በዓላትና ክኸፍተልና  ዝለምድናዮሓውና ኣለም ኣሰፋው ዕንባባ ፡ ሓውና እዮብ ሃይለ ሓውና ሃይለ ኣብ ዉራይና ዘይፍለዩ ዝነበሩ  ዉፉያት ፡ ብጻይና ኣረፋይነ እስቱፋኖስ ፡ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ፡ ብጻይ ፍርሓ ገረማርያን ሓወቦይ፡ ብጻይ ኣልኣዛር ቀለተ ፡ ጋዜጠኛ ስዉእ ሑሰን ዓሊ፣ ስዉእ ተጋዳካይ ዓብዶ ኢብራሂም ሕጂ  ምጽብጻቦም ስለ ዘጸግም ሓያሎ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ መቃልስቲ እውን ዝኸሰርናዮ ኣሎዉ ሞ   ፣  ንኽብሮም ናይሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ደቂቅ ብመዝሙር ስዉኣት ንዘክሮም ሓፍ ንበል    ።  ነቲ ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ዕላማ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል ካብዚ  መድረኽ  እዚ መንግስተሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና  ኣናኣማሓላለፍና ፡ ቅሰኑ ይብል።  ብሕማምን ዕድመ ናይ ምድፋእን  ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ዉፉያት  ኣብ ዘሎዉዎ ኮይኖም ዝካታተሉና ብጾትን እውን ኣሎዉና ፍሉይ ናይ ቃልሲ ሰላምታ ብስምኩም ይብጽሓዮም።

ክቡራትን ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳተፍቲ ሓባርዊ ፈስቲቫል 2025 ፡

ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ  ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።

  ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየ እናሰምዔ እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነትብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ  ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም  ክሳብ ሕጂ ትም፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ኣይከሰርናን ፡ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ሕጂ እውን ማእሰርቲ ኣቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባን ፣ ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 34 ዓመታት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ዓገብ ዘይምባሉ ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ? ? ?

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-

ከምቲ ኣሕዋትና ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን  ኣብ  ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝኽሪ መበል34 ዓመት ነጻነት ህገርና ዘማሓላልፎኣኦ ረዚን መልእኽቲ .  ። ። ።

ሃገርና እንደገና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ከይትኣቱ ኩልና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓደ

ድምጺ እምቢ ንውግእ እወ ንሰላም ኢልና ብሓባር ክንላዓል ንጽዉዕ !!!  ዝበሎኦ ጸዊዒ ብድርብ ንድግፎ`።

ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ፡ ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 34 ዓመታት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና ፡  ስለዚ እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኢድ ኮና ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ?  ኣሕዋት ኣባላት ይኣክልን ብርገድ ብሓመዱን ብዘይ ዉዓል ሕደር ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስማር ሓባራዊ ግንባር ኣቁምኩም ብቅልጡፍ  ንህግደፍ ምልጋስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ ኣሎ !!! ከምቲ ኣቦ ወንበር ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ 34 ዝኽሪ በዓል ነጻነት ዘቅረቦ ጸዊዒት  በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ ዝበሎ ኣነ እውን ብድርብን ብህጹጽን ብስምኩም ይጽውዕ።

ሕጂ እውን

ብሓድነት ንሓርነት  !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ውድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ።

ፍራንክፎ ርት 02.08.2025

ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ገረዝጊሄር ተወልደ

ዝኸበርካ ምክትል ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ያሲን መሓመድ ዓብደላ

ዝኸበርካ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይት ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ዮውሃንስ ኣስመላሽ

ዝኸበርኩም ወከልትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ

ዝኸብርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ፈስቲቫል 2025

እዚ ብስም ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ከምኡ‘ ውን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ኣብ ፍራክፉርት ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል 2025 ፍሉይ ዝገብሮ ፡ ድሕሪ ሓባራዊ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2024 ንካልኣይ እዋን ምጽንባሉ እዩ።

ስለ‘እዚ እምበኣር እንቛዕ ኣብዚ ኣብጸሓና፡ እንቛዕ ከኣ ብደሓን መጻእኩም።

ፈስቲቫልና ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ፡

ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝኸፍኤ ማሕበራዉን ፖለተኢካዉን ዲፕሎማስያዉን ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፥

ኣብ ደገ ዝርከብ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝግመት፡ ገለ ሸነኽ ምስ ገባቲ ስርዓት ደው ኢሉ ኣብ በዓላቱን ፈስቲቫላቱን ክካፈልን ክስዕስዕን ከጣቅዕን እንከሎ፥

ዝበዝሔ ክፋል ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ናይ ኣብ በለጽን ጥቅምን ዝተመርኮሰ ናይ ሱቅ መርገጽ ሒዙ፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንዕዘብ ኣሎና።

ተመኩሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ መጀመርያ 70ታት ተመሊስና እንተረኤና፡ ህዝብን መንእሰይን ኤርትራ ብብዝሒ ኣብ ቃልሲ ምስ ተኻፈለ እዩ እተን ዝነበራ ዉዱባት  - ምስ ኩሉ ድኽመታተን - ክዓብያን ክዕወታን ክኢለን። እዚ ተኻፋልነት ህዝቢ እዩ‘ውን ናጽነት ኤርትራ ብ 1991 ዘምጸኤ።

ሕጂ‘ዉን እንተኾነ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ፡ ደንበ ተቃዉሞ ፍትሕን ዲሞክራስን ከምጽእ ኣይክእልን እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ደንበ ተቃዉሞ ድኽመታት ከምዘልውዎ ኩላትና ንመዝኖ ጉዳይ እዩ። ተኻፋልነት ህዝቢ ግን ንቅድሚት ክደፍኦን ብኣዉንታ ክጸልዎን ይኽእል እዩ።

እቲ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ሃገራዉነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘቀሙጡ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ይረኣዩ ምህላዎም፡

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣዳኺምካ፡ ብኡ መሰረት ድማ ንልዑላዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ንምውራድ፡ ዝርኣዩ ፈተነታት ብጎራብቲ ሓይልታትን ሃገራትን ንዕዘብ ኣሎና። 

ስለዚ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ እዞም ኣብዚ ፈስቲቫል 2025 ንርከብን ብሓፈሽኡ ድማ ደንበ ተቃዉሞ ንርከብን፡ ንሃገራውነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝዕቅብ ክኸዉን ጻዕሪ ዘድልዮ ናይ ኩላትና ቃልሲ እዩ።

እምበኣር ፈስቲቫል 2025 በዚ መንፈስ ተበጊሱ፡ ኣብ ዲሞክራስን ኣብ ፍትሕን  ክጋባእን ክበዓልን ተስፋ ይገብር።

ፍትሕን ዲሞክራስን ንሃገርና

/ ኣክሊሉ ግርማይ

Page 1 of 610