ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝጸውዖ ወርሓዊ ኣኼባ ኣባላት (ሰዲህኤ)፡ ብ20 መስከረም 2025 ተኻይዱ። ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ “ዲጂታላዊ ቁጠባ” ዝብል ኮይኑ፡ ብዛዕባዚ ዘመናዊ ቁጠባዊ ተርእዮ ሰፊሕ ኣገዳስን ኣስተምህሮ ዝሃበ ናይቲ ዛዕባ ክኢላ  ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን  ኣሜሪካ ሰዲህኤ እዩ።

ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ብዛዕባቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎን በብግዜኡ ቀልጢፉ ዝቀያየርን   “ክሪብቶንን ምስኡ ዝተሓሓዙ ምህዞታትን  ኣብ ቁጠባዊ ወፍሪ ዘርእዮ ዘሎ ዕቤትን” ሰፊሕን ዝተጸንዐን መብርሂ ሂቡ። ብዘይካዚ ባዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ገንዘብን  ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዘርኣዮ ለውጥታትን ዝምልከት መግለጺ’ውን ሂቡ። ቅድሚ ገንዘብ ናብ መድረኽ ዕዳጋ ምምጽኡ ብነገራዊ ናይ  ምልውዋጥ ዕዳጋ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ንግደ ገንዘብ ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ክገልጽ እንከሎ ድማ “ናይ ዕዳጋ መራኸቢ” ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ብቐሊሉ  ኣብሪህዎ።

ኣብቲ መብርሂኡ ዝምድና ገንዘብን ወርቅን እውን ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ገንዘብ ካብ ላዕሊ ብውሳነ መንግስታት  እናተሓትመ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ዝነበረ ምዃኑ ሓቢሩ፡ እቶም ንዓኡ ንምትካእ ዝመጹ ከም ክሪፕቶን ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ዲጃታላዊ ምህዞታት  ግና ካብ ታሕቲ ዝነቕሉ ኮይኖም፡ ካብ ገንዘብ ዝያዳ፡ ግሉጽነት፡ ዘይምእኩል ኣጠቓቕማ፡ ስሉጥነትትን ውሑስን ምትሕልላፍ ዘተኣታተዉ ምዃኖም ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ተጠቃምነት እዚ ዲጂታላዊ ዘበናዊ ገንዘብ ይሰፍሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ናይተን ኣብዚ መዳይ መሪሕ ግደ ዝጻወታ ዘለዋ ሃገራት ኣስማተን ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ሓያል ውድድርን ከም ኣብነት ዘርዚሩ። እቲ ሓድሽ መስርሕ ተጠቃምነት ክሪፕቶን ምስ ዘመናዊ ምዕባለ ንምስጓም ዘኽእል ኮይኑ፡ ክሳራ ንከይጋጥም ቅድሚ ናብ ተግባር ምእታው መጽናዕቲ ምክያድ፡ ጥንቃቐ ምዝውታርን ምስ ቅልጡፍ ለውጥታት ምስጓምን ከም ዘድሊ እውን ኣገንዚቡ።

ድሕሪቲ መበገሲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ እቲ ምዕባል ሓድሽ ምስ ምዃኑ ብዛዕባ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ስግኣትን ፍርሕን ምስ ተመኩሮታት ብምስናይ  ሕቶታት ሓቲቶም፡ ብኣቕራቢ ከኣ ሰፊሕ መብርህታት ተዋሂብዎም።

 “ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)” ዝተባህለ ውድብ፡ ብ20 መስከረም 2025 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝተመስረተ ናይቲ ምምስራት ግዝያዊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን።  እቲ ብ31 ሓምለ 2025 ካብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ዝሓበረ ውድብ፡ ኣብዚ መስራቲ ርክቡ ዝምረሓሉ ቅዋምን ማንፌስቶን ከም ዘጽደቐን  ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ከኣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ናብ ዝተፈላለዩ ደረጃ መዓርግ ጀነራልነት ኣደይቡ።

ንውድብ ወለዶ ትግራይ ዝምስርቱ ዘለዉ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ኣካልቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ዝነበሩ እዮም። ብዘይካዚ ካብቶም መስረቲ መብዛሕተኦም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊው ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ምምሕዳር ትግራይ ተመዲቦም ዝነበሩ በቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ሓለነቶም ዝተመንዝዑን ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ተገዲዶም ዝነበሩን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ኣብቲ መስራቲ ጉባአ፡ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ናይ ለውጢ ባህጊ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ውድቦም መንእሰይ ትግራይ ነቲ ባህጊ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ኩነታት ንከጣጥሕ ዕድል ዝኸፍት እዩ ኢሉ። እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ መስርሕ ምምስራት ከም ዘሎ ዝጠቐሰ፡ ውድብ ስምረት ትግራይ ተፈልዩ ንገዛእ ርእሱ ዝውድብ ዘሎ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ህወሓት ብወግዒ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቶ ጉዕሽ ግደይን ናብ ዝምርሑ ሰለስተ ኣካላት ከም ዝተኸፍለ ዘመልክት እዩ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ናብቲ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ብዝምልከት ዘልዕሎ ዘሎ ዓመጸኛ ዛዕባ ብዘድሃበ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስትን ሓይሊ ሕማምን ዝበለን ኣካላት ምምስራቱ ተሓቢሩ። ብ20 መስከረም 2025 ድማ፡ ጐኒንጐኒ’ቲ ናይ ውግእ ፕሮፓጋንዳኡ፡ 4 ናይ ምሉእ ጀነራልነት፡ 2 ናይ ሌፍትናንት ጀነራልነት፡ 17 ናይ ሜጀር ጀነራልነትን 43 ናይ ብሪጌደር  ጀነራልነትን ብድምር ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ዝለዓለ መዓርግ ከም ዝሃበ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

Sunday, 21 September 2025 13:31

Dimtsi Harnnet Sweden 20.09.2025

Written by

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣንበሳድር ማሳድ ውሎስ

ኣብ ውጻኢ ጉዳይ ኣሪካ ላዕለዋይ ኣማካሪ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ፓውሎስ ብ17 መስከረም 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ርክቦም ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ንምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእ ብትሪ ንከተዕዝዝ ምኽሩ ምልጋሱ ተሓቢሩ። እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣተሓሒዙ፡ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ምርግጋጽ ቀንዲ ምርጫ ፕረሲደንት ትራምፕ ምዃኑ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝገለጸሉ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ጠቒሳ።


እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂርጂያ መሎኒ፡ ሓዱሽ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት  ቀርኒ ኣፍሪቃ ጋንግ ኮንግን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያን እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ዝህድድን ውግእ ዝዕድምን ዘይልዙብ መልእኽቱ ንከቋርጽ ዝጽውዕ መልእኽቲ ምትሕልላፎም ተሓቢሩ። ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ምስቲ ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ምርኻቡ’ኳ እንተተኣመነ ብዛዕባ’ቲ ዝተመያየጥሉ ኣጀንዳ ግና  ኣይጠቐሰን።

ብዘይካዚ እቲ ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ፡ ምስ ማሕሙድ ዩሱፍ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ፡ እቲ ሕብረት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኽሰት ምስሕሓብ ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዋሙ ኣብ ዓንቀጽ 3፡  “ምክልኻል  ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ኣባል ሃገራት” ብዝብል ሰፊሩ መትከሉ የየካይዶ ንዘሎ ጻዕሪ ንኢዱ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ረዲአትን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያትን ከም ዝተዛረቡን ካብ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እዞም ዲፕሎማት ሻቕሎቶም ዝገልጹ ዘለዉ፡ ላዕለዎት ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ኢትዮጵያ  ምስ ኤርትራ ናብ ውግእ ንምእታው  ዝዕድም ዘይሓላፍነታዊ መደረታት  የጽዕቑ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ እዩ።

Thursday, 18 September 2025 21:23

Dimtsi Harnnet Kassel 18.09.2025

Written by

መስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጐስ ብ15 መስከረም 2025 ኣብ ሃገረ ጀርመን ካስል ብዘሕዝን ኩነታት ሰሚዕናዮ። ነዊሕን ጽንኩርን ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዝነበሮ ሓርበኛ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ፡  ኣብ ከተማ መንደፈራ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርግስ ተመሃራይ እንከሎ፡ ንጡፍን ሰላማዊ ሰልፍታት ይመርሑ ካብ ዝነበሩን ተመሃሮ ሓደ ከም ዝነበረ ታሪኽ ቃልሱ  ይምስክር። በዚ ተባዕ ተግባሩ ብሓይልታት ጸጥታ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ማእሰርቱ ናይ ተመሃሮ ጠቕላላ ምቁራጽ ትምህርቲ ኣስዒቡ ከም ዝነበረ እውን ሓቢረምዎ ዝነበሩ ገልጹ።

ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ’ውን ኣብኡ ቃልሱ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 1974 ድማ ናብ ሜዳ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቱ ተኸታቲሉ፡ ብዝነበሮ ሕብረተሰብኣዊ ኣፍልጦ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ተሓኤ ክፍሊ ናብራ ዕቤት ተመዲቡ።

ኣብቲ ዝተመደበሉ ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ድማ ዝነበሮ ፍልጠትን ተመኩሮን ብምክፋል ምስ ብጾቱ ኮይኑ ሓያሎ ኪላታት ናይቲ ዓውዲ ኣፍርዮም። ኣብ ህዝቢ ዝካየድ ስረሓት ናብራ ዕቤት ንክዓቢ ድማ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ነይሩ። በዚ ሞያኡ ኣብ ከባቢ ጋሽ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1978 ናብ ደንከሊያ ተመዲቡ፡ ኣብኡ ከኣ ኣብ ምምስራት ትካል  ተራድኣዊ ስረሓት (cooperative) ግደኡ ኣበርኪቱ።

መሓመድ ሳልሕ፡ ኩነታት ተቐይሩ ተሓኤ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወት’ውን ናብ ስደት ኣምሪሑ ካብ ቃልሲ ኣይበኾረን። ክሳብ 2003 ካብ ንጡፋት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ምንባሩ ከኣ ድሕረ ባይትኡ ይምስክር።

እነሆ ከኣ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ ሓሊፉ’ሞ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽኩ፡ ንስዉእ መንንግስተ-ሰማይ ከዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ኣኻእሎን ክህቦም እምነ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

ስእሊ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ስዊዘርላንድ

ኣርበዓን ክልተን ህልዊ ሰብኣዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዘሻቐለን ሃገራት፡ ኣብ ጀነቫ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሓባር መልእኽቲ ከም ዝጸሓፋ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። እተን ሃገራት ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺአን ኣብ ኢትዮጵያ መጻኢ ምርጫ 2026 ካብ ሓደ ዓመት ንታሕቲ ኣብ ዝተረፎ ግዜ ዝረአ ዘሎ ኩነታትሰብእዊ መሰል ከም ዘሻቕለን ኣስፊረን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርገሐ መግለጺ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብደሆ ሰብኣዊ መሰል ብትሪ የሻቕለና ኣሎ፡ ካብቲ ዝረአ ዘሎ ብደሆታት ከኣ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ናጻነት ምእካብን ምውዳብን የጠቓልል” ዝብል ሓሳብ ሰፊሩ ይርከብ። ብዘይካዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ሲቪካዊ ማሕበራት ምግዳቡ ኣሰካፊ ምዃኑ መግለጺ ናይተን 42 ሃገራት ምጥቃሱ እቲ ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ደረጃ ዝውስኽ ዘሎ፡ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ህጻናትን ጾታዊ ዓመጽን ምስዋርን እውን ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 2025 ብምውካስ  ኣብቲ መግለጺ ናይተን ግዱሳት ሃገራት ተንጸባሪቑ። 

እተን ሃገራት ከምኡ እውን ናይ ነጻ መዲያታትን ጋዜጠኛታተንን ምንግልታዕ ከም ዘተሓሳስበን ጠቒሰን፡ ብዛዕብቲ ተረኽቦታት ግህሰት መሰላት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ ምጽራይ ንክግበር ጸዊዐን።

ኣብዚ ዘለናዮ ዞባዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ክምዕብሉ ንዕዘብ ኣለና። ብሰንኪ’ዞም እዋናውያን ምዕባለታት ከኣ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት፡ ናይ ርኢቶ ፍልልያት ይኽሰቱ’ለዉ። ጉዳይ “ልኢላውነት ኤርትራ” ከኣ ሓደ ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ኣዛረብቲ እዋናዊ ዛዕባታት  ኮይኑ ኣሎ።

ልኡላውነት፡ ህዝብን ሃገርን፡ ክቡር ዋጋ ዝኸፍለሉን ክዕቅቦ ዘለዎን; ብህዝባዊ ናይ ቃልሲ መስርሕ ዘረጋገጽ መሬት፡ ማይን ኣየርን ዘጠቓልል መሰረታዊ ናይ ሃገርነት ዓንዲ እዩ። ብፍላይ ልኡላውነት ኤርትራ ብመስዋእቲ ኤርትራዊ ዝተነድቀ፡ ብ1993 ብድምጺ ህዝቢ ዝጸንዐ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ እምበር፡ ብነበረያነበረ ዝኹለፍ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ ብ2017 ዘውጸኦ  ሓቢርካ ናይ ምስራሕ፡ እሞ  ብብዙሓት ዝተደገፈ፡ እማመ ሓድነት ካብ ዘስፈሮም 4 መቖሚ ኣዕኑድ፡ “ንምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ”  ቅድሚት ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት መድረኻት ፖለቲካ ሃገርና ክለዓል እንከሎ ከኣ፡ “ልኡልወነት ናይ ህዝብን ሃገርንዶ ናይ መንግስቲ?”  ዝብል፡ ሕቶ ብቐጻሊ ዝጥቀስን ዘካትዕን   ኮይኑ’ሎ። 

እቲ ቅኑዕ መልሲ ናይዚ  መሰረታዊ ሕቶ፡ “ልኡላውነት ነቶም ምስ ግዜ ዘይሓልፉ፡  ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ምስ ግዜ ንዝሓልፍ ስርዓትን ምምሕዳርን ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን” ዝብል እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ  ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ተዘይኮይኑ፡ ልኡላውነት ናይቲ ነቀይነቀይ ዝብል ዘሎ ጉጅለ  ህግድፍ  ዝበሃል የለን።  እቲ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን “ነዓኡ ዝተቓወመ ልኡላውነት ሃገር ከም ዝጠለመ፡ ንዓኡ ዝደገፈ ድማ ንልኡላውነት ከምዝሕለቕ” ኣምሲሉ ክብለጸሉ ዝፍትኖ፡ መሰረት ዘየብሉ መዳህለሊ’ዩ።  ብኣንጻሩ እኳደኣ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢዱ ብምእታውን ንዓመጸኛታት ብምድጋፍን፣ ልኡላውነትና  ክግህሱ ንዝወጣወጡ ክዕድም ዝጸንሐን ዘሎን ዝአራጊ እዩ።

ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክስመረሎም ካብ ዝግበኦም ጉዳያት፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ኩሉ ዓይንት ጥሕሰታት  ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ምቅልዑ እምበር፡ “ንሱ’ኳ ከምዚ ዝግበረ” ኢልካ ደድሕሪኡ ምኻድን ተግባራቱ ምድጋምን መተካእታ  ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ነቲ ህግደፍ ዝፍጽሞ እሞ ደጋጊምና ዘወገዝናዮ፡  ልኡላውነት ዝጥሕስ ተግባራት እናዘርዘርካ፡ “ንሱ ስለ ዝዓበደ፡ ምስ’ቶም ልኡላውነትና ክግህሱ ዝህቅኑ  ወገናት ምስላፍ ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ክንድኡ እቲ ፍታሕ ሰማዒ እዝኒ እንተዝረክብ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ውሳነ ዶብ ኣብ መሬት ምምልካት’ዩ ነይሩ።

ህግደፍ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝወሰዶ ወራር ዝድግፍ መርገጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእትዩ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ውግእን ሳዕቤናቱን፡ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያ ዘስመዖ ዝነበረ ታሪኽ ኣመዛቢሉ ሽውሃት ስሱዓት ዘጋድድ መደረታት፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ዝሕተተሉ እምበር ንዓኡ ዘንጊዕካ፡  ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ኤርትራ ዝህቅንዎ ዘለዉ ወራር ጥራይ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። በቲ ንተግባራት ህግደፍ ክንቃወመሉ ዝጸናሕና ቃናን መትከልን፡ ንዝኾነ ወራር ምቅዋሙ ከኣ ርትዓዊ እዩ። ምኽንያቱ ግህሰት ልኡላውነትን ኣብዘይጉዳይካ ምእታውን፡ “ብመን ኣብ ልዕሊ መን ይፍጸም” ብዘየገድስ፡ ክኹነን ስለ ዝግበኦ። ካብዚ ወጻኢ፡ ንዕዘቦ ዘለና ከተወግዞ ንዝጸንሕካ ምስ ምዕቃብ ልኡላውነት ንዘይቃዶ ተግባራት ህግደፍ፡  ብኻልኦት ንኽድገም ምትብባዕ፡ ተጋራጫዊ ኣቕጣጫ ምሓዝ’ዩ።

ልኡላውነት ኤርትራ ክድፈር እንከሎ፡ ከም ንኢሳያስ መውቅዒ ጥራይ ወሲድካ፡ “ሕራይ ደኣ ኮነ” እናበልካ  ናይቶም “ሓይሊ እንተሎ ሕጊ እንታይ ይዓብስ” ብዝብል ግጉይ ተረድኦ ዝሰኸሩ ወገናት መሳርሒ ምዃን ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ  ሕርያ  እዩ። ከምቲ  “ንልኡላውነት ምጥባቕን፡   ንህግደፍ ምድጋፍን ዘራኽብ የብሉን” ዝበልናዮ፡ “ልኡላውነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ንዝበለ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ “ደጋፊ ህግደፍ ኢኻ” ዝብል ስም ምሃብ  ከተገናዝብ ዘይምብቃዕን ዘይብስለትን እዩ።

ብዘይካዚ ናይ’ቲ ህግደፍ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት ካብ ህዝቢ ንምግላሎም ዝጥቀመሉ ኣግላሊ ስልቲ እሱር ምዃን’ዩ። ብኣንጻሩ ልኡላውነት ናይ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፡ ምእንታኡ ምሕላቕ መሰረታዊ መግለጺ ኣብ ጐኒ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምስላፍ እዩ። ልኡላውነት ክድፈር እንከሎ፡ ምጽቃጥ ወይ ከኣ መራሕ መንገዲ ናይቶም ህንዱዳት ጠሓስቲ ምዃን፡ ከም ደላይ ለውጥን ሓላይ ህዝብን ጌርካ ክትገልጾ ምፍታን ከኣ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” እዩ ዝኸውን።

ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ውሕሉል ኣሰራርዓ ቀዳምነታት ዝሓትት፡ በቲ ሓደ ወገን ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ  በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝማእከሉ በዓል ድርብ ዕማም ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይመልክዑ ንምሃብን ዝተረጋገጸሉ መስርሕ ጠማዚዝካ ናብ ዘይድለ ኣቕጣጫ ንምውሳድን ዝግበር ሃቐነ ከምቲ “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍንዩ” ዝበሃል፡ ንበሃልቱ ኣብ ትዕዝብቲ ከውድቖም እንተዘይኮይኑ፡ ከቶ እቲ ክዉን ዝቕየር ኣይኮነን። ምናልባት “ብናይ ሓይሊ ብደዐ”፡  ተመኩሮ ዩክረይንን ሩሲያን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክደገም ዝጽበዩ እንተልዮም፡ ከምቲ “ክምካሕ ክምካሕ ኣብ ርእሱ ካሕ” ዝበሃል፡ ንዓኣቶም’ውን ጽባሕ ውሕስቲ ከምዘይኮነት ብምርዳእ፡ ኣብ መጻኢ ካብኦም ብዝሓየለ ክጽፍዑ  ከም ዝኽእሉ የስተውዕሉ።

ምዕቃብ ልኡላውነት ኣብ ዓውዲ ውግእ ተሰሊፍካ ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት’ውን ስለዘለዎ፡ ኩሎም ግዱሳት ወገናት፡ ኣብቲ ተሰሊፈምሉ ዘለዉ ኣገባብ ቃልሲ ኮይኖም ግቡኦም ዝፍጽምሉ ሰፊሕ ዓውዲ’ዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ መዳይዚ ብመሪር ቃልስን ሓያል ብደሆታትን ተፈቲኑ ዝተደለበ ተመኩሮ ስለ ዘለዎ፡ ምስ ህዝቡን ሃገሩን እምበር  ምስ ዲክታተርነት ኮነ ወረርቲ ሕግብግብ ዝብል ኣይኮነን። ዘይኤርትራዊ ሓይሊ፡ ካብ ናቱ ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን ነቒሉ ብዘዕጥቐና ኣጽዋር’ዩ ራህዋ ህዝብና ዝመጽእ ኢሎም ዝኣምኑ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ ክሳብ ክንደገይ ንግደ ህዝቢ የስተናዕቑ ከም ዘለዉ ይረደኣዮም።

ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ጀርመን ካስል 1999፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምእላይን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእን፡ ናይ ኤርትራውያን መሰል ጥራይ እዩ። …….ናይ ዝምድናታትና ምስ ሃገራት ተደላይነትን ደረጃኡን ከኣ፡ ብመንጽር ረብሓታትና ዝቕየስ’ዩ። ከምኡ እውን ንህዝብታት ዘቐደመን ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ግሉጽ ዝኾነን እምበር፡ ብውድባዊ ጠቕምታት ዝተሓጽረ ዝምድና ዘይንኣምነሉ’ዩ ዝበሎ ምዝካሩ እዋናውን ኣገዳስን እዩ።

ስለዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ጸልሚትዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣና በቶም ኣብ ጉዳይና ቅድሚት እንስራዕ ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን እምበር፡ “ልኡላውነቱ ዝግሀሱ ሓይልታትን ኣሳሰይቶምን ብዝፈጥርዎ ኩነታት ክርህዎ እዩ” እናበልካ ቃል ምእታው፡ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ሸፈጥ ምዃኑ  ህዝብና ከስተብህለሉ ዘለዎ’ዩ።

Page 2 of 615