ትውሕጦ ተበልኩዋስ ትጐስሞ
2025-11-12 16:06:21 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 19 timesኣብዘን ዝሓለፍ መዓልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትይጵያ ኣብ 5ይ ዓመት ናይ ስራሕ ዕድሚኡ 6ይ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ካብዝተላዕለን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ፈኸራ ዘይተፈልዮ መደረ ናብ ኤርትራ ዘተኮረ ነይሩ። ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ፡ ብኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ተጠቃምነት ዘይኮነ፡ ናብ ዋንነት ዝተኮረ ሕቶ ኢዩ ከቕርብ ጸኒሑ። እዚ ሕቶ’ዚ ዓለምለኻዊ ውዕላትን ስምምዓት ዝጥሕቕስ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘይወጽዎ ዓዘቕትን ድኽነትን ዘእቱ’ውን ኢዩ።
ልዕሊ ኩሉ ከኣ ልኡላውነትን ክብርን ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዝኾነት ኤርትራ ዝግህስ ምዃኑ ብዙሓት ወገናት ተገንዚበምዎ ‘ለዉ። ምግንዛብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኩነታት ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ኣህጉራውን ዞባውን ዘይምርግጋእ ስለ ዘስዕብ፡ ካብዚ ሓደገኛ መንገዲ ንክእደብ ክምሕጸኑ ዝጸንሑን ዘለዉን ብዙሓት እዮም።
እንተኾነ ከምቲ “ትውሕጦ ተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ቅጥዒ ዝሰኣነ ህርፋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዛይድ እንተዘይኮይኑ ናብ ንቡር ክምለስ ኣይተራእየን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቲ ክወሃቦ ዝጸንሐ ምኽሪ ይኹን ምሕጽንታ ኣብ ግምት ብምእታው ሃዲኡ ዝምሓሳብ፡ ነቲ ፈኸራን ምፍርራሕን ይቕጽሎ ለሎ። እቲ በብግዜኡ ዘቕርቦ ዘሎ ጸብጺብካ ዝውዳእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ሸንዳሕዳሑ ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ናይ 28 ጥቅምቲ 2025 ውዕሎ ፓርላማ፡ “ወደብ ክንስእን ዝወሰነ ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ፡ ካቢነን ህዝብን የላን። ክንስእኖ 30 ዓመታት ዝወሰደልና ክንመልሶ ክንድኡ ኣይክወስደልናን’ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣስመራን ዓሰብን ምስ ኢሳያስ ኣብ ኣብ ዝተራኸብናሉ፡ ዘልዓልኩሉ ብዛዕባ ዓሰብ እዩ። ንወደብ ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ “መደመር” ኣስፊረ ንኢሳያስ ብመልክዕ ገጸ-በረከት ሂበዮ እየ። ኢትዮጵያ ተዓጽያ ከምዘይትነብር ሚልዮን ሚእታዊ ርግጸኛ እየ። ከሰማምዑና ዝሓተትናዮም ዝተፈላለዩ መንግስታት ቅልጡፍ መልሲ ኣይሃቡናን። እንተኾነ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣይግበኣን’ዩ ዝብል ኣይሰማዕናን።’” ዝብል ርኢቶ ብምንጽብራቕ ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ምግሃስ ንድሕሪት ከምዘይብል ነቲ ብጣቕዒት ዘሰነዮ ፓርላማ ቃል ኣትይሉ።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገለልቻ ኣብ መበል 118 ዓመት ምምስራት ሰራዊት ኢትዮጵያ “ ሰላም፡ ልምዓትን ኣፍደገ ባሕርን የድልየና’ሎ። ነዚ ድማ ብቦሌ ወይ ብባሌ ከነረጋግጾ ኢና። 200 ሚልዮን ህዝቢ ብ2 ሚልዮን ኣይዕገትዩ” ክብል ተሰሚዑ። እቲ ቦሌን ባሌን ዝብል “ብሕጊ ይኹን ብሓይሊ” ዝብል ሓሳብ ንምንጽብራቕ ዝተጠቕመሉ ይመስል።
ኮርፖረሽን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ፡ ብ21 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘቕረቦ መጻኢ ናይ ህንጸት ዓመታዊ ትልሙ፡ “ወደባት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኾና ምጽዋዕን ዓሰብን ምስ ወደብ ታጁራ ዘራኽብ 1.5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓትትፕሮጀክት ሒዝና ኣለና” ዝብል ኣብ ትልሙ ከም ዘስፈረ፡ ኣብ ጋዜጣ ሪፖርተር ተሓቲሙ ተዘርጊሑ። ካብዚ ሓሊፉ ፈቐዶ ናይ ሰልፊ ብልጽግና መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መድያን ዝወናጨፉ ዘለዉ ጽሑፋት ተመሳሰልቲ እዮም።
ብኣንጻር’ዚ ፈድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣልዒልዎ ዘሎ ዛዕባ፡ “ኣህጉራዊ ሕግታትን ልኡላውነት ኤርትራን ስለ ዝግህስ፡ ብዝሓለፉ መንግስታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ከይድገሙ ደኣ ትመሃረሎም እምበር፡ ተመሊስካ ከተፍርሶ ስል ዘይከኣል፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትጥቀም እትኽእለሉ ብዘተን እንካን ሃባን ምስ ጐረባብታ ሃገራት ዝረጋገጽ ስለ ዝኾነ” ብጐነጽ ኣፍደገ ባሕሪ ምውናን ኣይክኣል እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መንገዲ ንከተል ዝብሉ ግዱሳት ኢትዮጵያውያን ምህላዎም፡ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ወኪሉ ዝተመርጸ ዶር ደሳለኝ ጫነ ኣብዚ ናይ 28 ጥቅምቲ ርክብ ፓርላማ ዝበሎ ናይዚ ኣብነት እዩ። ምናልባት ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ናይ ምልዓል መሰል እንተዝህልዋ’ውን፡ ምስቲ ኣብ ውሽጣ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግራት፡ ቀዳማይ ኣጀንደኣ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ክኸውን፡ ፈጺሙ ግጉይ ናይ ቀዳምነት ኣቀማምጣ’ዩ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን’ውን ድምጾም ይስማዕ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን መሰል ኣለኒ ንምባል ዘቕርቦም መርተዖታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕግታትን ተመኩሮ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ዘየብለን ሃገራትን ክዕቀኑ እንከለዉ መሰረት ዘለዎም ኣይኮኑን። ካብዚኣቶም ሓደ፡ “ካብቲ ባሕሪ ክሳብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ርሕቀት ካብ 60 ክሳብ 80 ኪሎሜተር እዩ” ዝብል ብብዝሒ ካብ ዝደጋገሙ እዩ። “ሃገረ ሞልደቪያ ካብቲ ናይ ወደብ ኣገልግሎት እትረኽበሉ ኦደሳ-ኦብላስት ዘለዋ ርሕቀት 2 ኪሎሜተራት ጥራይ እዩ። ሕቶኣ ዝመለስትሉ መንግዲ ከኣ ልዝብን ዘተን እዩ። ብብዝሒ ህዝቢ ኣመሳሚስካ ዝቐርብ ኣጓጣጥ እውን ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ’ታ 1.169 ሚልዮን ዝህዝባ እሞ ኢትዮጵያ ብዓለኻዊ ሕጊ ተማእዚዛ ኣገልግሎት ወደብ ክትረኽበላ ዝጸንሐትን ዘላን ጅቡቲ ምሕሳብ እውን መተገበኦም።
ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘየብልና ዕቤትና ተገዲቡ፡ ዝበሃል ካልእ ኢትዮጵያውያን ክሓስብሉ ዝግበኦም እዩ። መጀመርያ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ መንግስቲ ኢህወደግ ብደረጃ ዓለም ካብተን ቅልጡፍ ዕቤት ዘርእያ ዝነበራ ሃገራት ተባሂላ ብኣብነት ትጥቀሰሉ ዝነበረት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ እንከላ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ካልእ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣትርከብ ሃገር ሉግዘምበርግ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ክነሳ፡ ኣብ ናይ 2025 ኣወሃህባ ደረጃ፡ ብመንጽር ሓፈሻዊ ዜቤታዊ እቶት (GDP)፡ ካብተን ቅድሚት ዝተሰርዓ 10 ሃገራት ቁጽሪ ሓደ ኮይና ዘላ ምዃና ከገናዝቡ ነዘኻኽሮም።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ ክፍከር እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ምናልባት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዘስመዖ ዝነበረ ልኡላዊ ክብሪ ዘይነበሮ ዘይእዱብ መደረታቱን ዘይግሉጽ ተግባራቱን ግዲ ኣሕፊርዎ፡ ብመንጽርቲ ህጹጽነት ናይቲ ከይመጽእ ዘስግእ ዘሎ ውግእ፡ ሕጂውን ታሕተ ታሕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ወግዓዊ ድምጹ ኣይስማዐን።
ከምቲ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ባጫ ደበለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ኣቦይ ኢሳያስ፡ ዓሰብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘካፍለና ኣፍልቡ እናሃረመ ደጊፍዎ እዩ” ዝበሎ፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ የህርፍዎም ካብ ዘለዉ ሓደ እዚ ምዃኑ ዘይግመት ኣይኮነን። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉቲ ምስ ኢሳያስ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዘይግሉጽ ሕሹኽሹኽ ዝምልከቶ ኣይኮነን።