
ኣብ ኤርትራ ካብቲ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ስንብራታት ሓደ፤ ስደትን ሳዕቤናቱን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እቶም ግዳይ ስደትን ሳዕቤናቱን ኮይኖም ዘለዉ ክፋል ሕብረተ-ሰብና መብዛሕትኦም መንእሰያት ኢዮም። ከምዚ ምዃኑ ከኣ ጉድኣቱ ካብቶም ግዳያት ሓሊፉ ኣብ ቀጻልነት ሃገርን ህዝብን ዝህልዎ ስንብራት ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ ተስፋን ቀጻልነትን ሃገር ብመንእሰይ ዝውሰን ስለ ዝኾነ።
ስደት ጠንቁ ብዙሕ እዩ። ቁጠባዊ ድኽነት፡ ውግእን ዘምርግጋእን ዘይምዕሩይ ምምሕዳርን ፖለቲካዊ ጭቆናን ካብቶም ብኣብነት ዝቐርቡ እዮም። ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮ ከኣ እቲ ጠንቂ ብሓደ ካብዚኣቶም ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ኩሎም እቶም ጠንቅታት ህያው እዮም። ስደት ኣብ ኤርትራ ብድድ ኢልካ ሃገርካ ለቒቕካ እትኸዶ መገሻ፡ ሳዕቤኑ ከኣ ካብ ቤተሰብካ፡ ሃገርካ፡ ህዝብኻን ባህልኻን ምርሓቕ ጥራይ ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ዝመረረ መግለጺኡ ናብቲ ንስደት ዝመረጽካዮ ንክትበጽሕ ዘጋጥም ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ከቢድ ፈተነ እዩ።
ኤርትራውያን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሃገሮም ጸሊኦም ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስለ ዘይከኣሉ ከም መተካእታ ስደት መሪጾም፡ ብዝተፈላለዩ ዘይተጸንዑን ዘይውሑሳትን ኩርነዓት ክጐዓዙ ዝኸፈልዎ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ብምረት ክዝከር ዝነብር እዩ። ኣብቲ መስርሕ ዝጠፈአ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ህልቂት ላምፓዱሳ ምዝካር ጥራይ እቲ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደይ ሰማይ ዝዓረገ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ተመኩሮ ላምፓዱሳ ስምብራት ሳዕቤን ስደት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝለዓለ ጫፍ ጭካነ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ሬሳ ዜጋታቱ ዝሕሰም ጉጅለ ዝተራእየሉ እዩ።
ምምሕዳር ህግደፍ ንጠንቂ ስደት ናብ ካለኦት ኣላጊቡ ንገዛእ ርእሱ ሓላይ መሲሉ ክቐርብ ብዙሕ ፈተነታት እዩ ዝገብር። ኣብ ልዕሊ እቶም ብሰንኩ ተገዲዶም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ዘዋርድን ብኽድዓት ዝኸስስን መግለጽታቱ፡ ንኣሜሪካን ካለኦት ምዕራባውያን መንግስታትን ከምኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ቀጻሊ ክሲ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይትደፍኣኒ መንዶ መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል ብጉዳይ ስደትን ሳዕቤናቱን እቲ ቀዳማይ ተሓታቲ ባዕሉ ምዃኑ ዝሃድመሉ መንግዲ የብሉን።
ስንብራት ስደት ኤርትራውያን፡ በመንገዲ ሱዳን ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ፡ ሱዳን ግብጺ ሲናይ ናብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያ ኬንያ፡ ኡጋንዳ ታንዛንያ ደቡብ ኣፍሪቃ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ኣቢልካ ኣብቲ “እዝስ ዝኾነኒ ሃገር እዩ” ዝበልካዮ ምስ በጻሕካ ቀልጢፉ ዝሓዊ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝበጻሕካዮ፡ ምስ ዝጸንሓካ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ፡ ቋንቋውን ካልእ ኩነታት ህይወትን ብግቡእ ከተሳኒ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ካልእ ብደሆ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንናብራ ስደት በዲሆም፡ ስድራቤታዊ ዋኒኖም ወጊኖም፡ ኣብ ቃልሲ ንጉዳይ ህዝብን ሃገርን ክሳተፉ ንዕዘብ ኣለና። እዚ እቲ ተስፋ ዝህብን ክተባባዕ ዘለዎን እዩ። ብኣንጻሩ ውሑዳት ብሰንኪ ስደት ብዘሕደሮም ጸቕጢ፡ ነዚ ፈተና ምስጋር ስኢኖም፡ ኣብ ዘይርጉእን ኣጨናቕን ኩነታት ዝርከቡ ምህላዎም ግና ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ “5ተ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሰብ ሓዳረን ተቐቲለን። ገለውን ደቆም ዝለከሙ ኣለዉ። ካብዚ ዘሰንብድ ፍጻመታት እቲ 3ተ ኣብ ሓደ ሰሙን ዝተፈጸመ እዩ። እቶም ቀተልቲ’ውን ህይወቶም ኣሕሊፎም። ደቆም ዘኽቲሞም ኣብ ማእከል ጎልጐል ተደርብዮም።” ዝብሉ ኣዝዮም ዘደንጽዉቲ ዜናታት ክስምዑ ምቕናዮም፡ ናብራ ስደት ኣብ ክንዲ ዝብድህዎ፡ ዝበደሆም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ዘመልክት እዩ። እዚ ንመጀመርያ ግዜ ዝስማዕ ዘሎኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብኽንድዚ ጻዕቒ ምፍጻሙ ግና ኣሰንባዲ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ምስ ናብራ ስደት ምልምማድን ብደሆታት ምስዓርን ከቢድን ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምትሕግጋዝ ዘድልዮን ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታዊ ጉባአኡ ኣብ ዝወሰኖም ውሳነታት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ “…… ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራ ንምሕጸነን።” ዝበሎ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ።
ካብዚ ኣብ ሰብ-ሓደር ዘጋጠመ ቅትለት ንምድሓን ሓድሽ ትምህርቲ ምውሳድ ዘድልዮ ዘይኮነ፡ እቲ ሃናጺ ክፋል ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ሓደ ካብቲ መፍትሕታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝልለየሉ ሓደ ብሰብኣዊ ሕልና ተመሪሑ፡ ናይ ሕጊ ምእዙዝነትን ናይ ጸገማት መፍትሒ ሕጋዊ መንገዲ ምሓዝን ምዃኑ ምእማንን ብኣኡ ተቐይዱ ዝምራሕን ህዝቢ ምዃኑን እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ሃገርና፡ ሓደ ዝበደለካ እሞ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከተቕርቦ ዝደለኻዮ ሰብ “ዝባን ሕጊ ካብ እግረይ ከይትተርፍ” ተባሂሉ ዝተገዘዘ፡ ካብቲ ዝገዝዞ ንላዕሊ ሓያል ይኹን ሃብታም ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ምጥቃም ቀጥ ኢሉ እዩ ናብ ቦታ ሕጊ ዝኽተሎ። እዚ ናይ ሕጊ ምእዙዝነት ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት እውን “ዝባን ገድ” እናተባህለ ዝኽበር ዝነበረ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ንህዝቢ ኤርትራ “ባዕሉ ክመሓደር ዝኽእል ህዝቢ” ዝብል ቅጽል ዝህብዎ። ብመንጽርዚ ክረአ እንከሎ እዞም ሕጂ ካብ ቅትለት ጀሚርካ ንሓይሊ ከም መፍትሒ ዝወስዱ ዘለዉ ወግናትና እቲ ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ናይ ሕጊ ምእዙዝነት ባህሊ ዘየርከብሉ ክኾኑ ይኽእሉ። ምናልባት እውን እዚ ተርእዮ፡ ካብቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ናይ ፍትሓውያን ዘይኮነ፡ ናይ ዓመጽቲ ልዕልና ዘተባብዕ ምምሕዳር ተቐሲሙ ዝሳዕረረ እዩ፡ ኢልካ ዘይግመት ኣይኮነን።
ስለዚ ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ኣብ ስደት፡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ ተጣዒስካ ዘይምለስ ናይ ምቅትታል ስጉምቲ ምእታው፡ እቲ መፍትሒ ተስፋ ሰኒቕካ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መነባብሮ ዘጋጥም ፈተነ እንዳሰገርካ፡ ሕግን ወግዕን ናይቲ እትነብረሉ ሃገራት ተረዲእካ ምንባር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ንዝራኣዩ ሓደስቲ ናይ ጠባይ ምቅይያራት ምክትታል፡ ጸገም ክፍጠር እንከሎ ከም መፍትሒ ሕጋዊ ስጉምትታት ከምዝቕድሙ ናይ ምርዳእ ኣስተምህሮን ምኽርን ምውድ ኣድላይ እዩ።
ብዘይካዚ ናይ ስነ ኣእምሮን ስነ ሕብረተሰብን ትምህርቲ፡ ክእለትን ተመኩሮን ዘለኩም ኤርትራውያን ብውልቂ ይኹን ብሓባር መፍትሒ ኣብ ምንዳይን ምትህድዳእን ክትጽዕቱ፣ ጸዋዒታና ነቕርብ። ብቀንዱ ግና ምእንቲ ቀጻሊ ድሕነት ሃገርን ራህዋ ህዝብን እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ጠንቂ ስደት ንምውጋድን ተወዲብካ ምቅላስ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2021 ዓሚ፡ 2022 ድማ ሎምዘበን” ኣብ እንብለሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “ሎምዘበን ኮይነ፡ ኣለኹ” እትብል ዘላ ዓመት “ዓሚ” እትበሃለሉ ግዜ እውን ዑደቱ ሓልዩ ጽባሕ ደበኽ ክብል እዩ። ወዮ ኩሉ ግዜ፡ ናይ ግዜ ጉዕዞ ቅልጣፈ ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ዘይንስጉምን ከኣ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ኢና እንብል። ከብቲ ልሙድ መስርሕ ዘይወጸት ክነሳ፡ “ሎምዘበን ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ምባልና እውን ልሙድ እዩ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን እዩ። ዓምን ሎምዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ ንሕና ደቂ ሰባት እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግሞ ይግበኣና። እዛ ናይ ዓመታት ምርኽኻብ ንዓመታ ቆጸረኣ ኣኽቢራ ከም እትመጽእ እውን ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይቲ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ንምውጋድን ነቲ ኣውንታ ድማ ዝያዳ ንምሕያሉን እዩ።
ኣብታ ዝሓለፈት ድሮ ዓሚ ኮይና ዘላ 2021፡ ኤርትራና ከመይ ከም ዝሓለፈታ ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦም ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ “ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ ቀጻሊ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ “ከጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን። እንተኾነ ኮይኑስ ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ከም ዝተወግኡን ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ርሑቕ ከይከድና ከካብ መቕርብና ንርደኦ ዘለና እዩ። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይተሳተፈን” ክብሉ ጀሚሮም ዝነበሩ፡ ሎሚ ብመርትዖታት መህደሚ ብዘይርከቦ መጻወዲያ ሓቂ ተታሒዞም እዮም። ኣብቲ ውግእ ምስታፍ ጥራይ ኣይኮነን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሲቪላዊ ቅትለትን ንብረቱ ምርሳይን ተሳቲፉ ዝብል፡ ነቶም ራሰይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍር ስማዕ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ዝዝረበሉ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ዝምታ ንብረት ሲቪላውያን፡ ቅትለትን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ተጻርዩ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ከይድገም ከነወግዞን ክንመሃረሉን ዝግበኣና ጽዩፍ ተግባራት ሓደ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ምምርሳሕ ምኽኑይ ንምግባር ዝሓለፈ ጌጋታት ምጽብጻብ ውሕሉል ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ኣብ ሓደ ነጥቢ ጠጠው ክብልን ክውገዝን ይግበኦ። ምጽብጻብ እንተቀጺሉ ግና “ገበረኒያ ክገብርሲ ዓዲ ነየጋብር” ከም ዝበሃል ኣብ ምፍድዳይ ሕነ ከይንነብር ዘየስግእ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ትግራይ ዝምርምር ፍሉይ ኮሚሽን ኣውጺኡ ኣሎ። ድሮ ውጽኢት ናይዚ ኮሚሽን ከይተፈለጠ ከኣ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ከም ኣብነት ወሲድና ንሰበ ስልጣን ኤርትራ ከም ግብረ-መልሲ ንኢድ ኣእታውነታ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ብእገዳታት ክትቐጽዕ ጀሚራ ኣላ።
ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። 2022 ካብ 2021 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽን ዝሑል ውግእ እንደገና ከይክሰት ዝስገኣሉን ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኾነሉ፡ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነብሱ ዝኸኣለ ናባና ከይተረፈ ስግኣት ዘሕድር እዩ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፈኸም ዝብል ዘሎ ምትፍናን ኣብዚ ናይ ህግደፍ ዲዕ ዝበለ ኢድ ኣእታውነትን እውን ንህዝብናን ሃገርናን ስግኣትን ሻቕሎትን ዘሕድር እምበር ምልክት ብስራትን ተስፋን ኣይኮነን።
ኣብ ኤርትራ ኣብ 2022 ካብ ዘሰክፉ፡ እዚ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ዞባና ዘድበንብን ዘሎ ውግእን ሳዕቤናቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምልባዕ ኮቪድ-19ኳ ነዛ ሓዳስ ዓመት ኣብ እንቕበለሉ እዋን ኤርትራ እንኮ ዜጋታታ ክኽተቡ ዘይፈቐደት ሃገር ትበሃል ኣላ። “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ከም ዝበሃል፡ ኮቪድ-19ን ውግእን ኣብ ህዝብና ኣሕዲርዎ ዘሎ ሓድሽ ስግኣት ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ፡ ውግእ እንተዘይኮይኑ ሰላማዊ መፍትሒ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ናይ ደሓን ሓዲድ ስሒቱ፡ ክወጾ ኣብ ዘይክእል ዘይጉዳዩ ሰልሚ ተሸኺሉ እዩ።
ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2022 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሓልፍ፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት ግድን ክማላእ ዝግበኦ ቅድመ-ኩነታት፡ ሓደ ከኣ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን እዚ ግንዛበዚ ነይሩና እዩ። ካብዚ ግንዛበዚ ነቒልና ኢና ከኣ፡ ኣብ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወሰነ ርሕቀት ዝሰጐምና። እዚ ግደታ እምበር ምርጫ ዘይኮነ ኣብ ዝሰፍሐ ጽላል ምጥርናፍ ንምሕያል ኣብዛ ዘፋነናያ ዓመት ብመንጽርቲ ግዜ ዝጠልበና ብቑዓት ኣይጸናሕናን። ኣብ ሓዳስ ዓመት 2022ከ ኣብዚ መዳዚ ከመይ ክንከውን ኢና? ዝብል ሕቶ ግን፡ ግድን ክምለስ ዘለዎ እዩ። ነዚ ሕቶዚ ብኣውንታዊ እንተዘይመሊስና ግና እቲ ናይ ዓመታት ምልውዋጥ ኣብ ዕድመና ምውሳኽ እንተዘይኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ። ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ግደ ክጻወት ከም ቀደሙ ድልዊ ክኸውን እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ደሊናን ብሂግናን ኢና። እቲ መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ዘካየድናዮን ነካይዶ ዘለናን ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ከኣ መሰረቱ እዚ ድሌትናን ባህግናን እዩ። ድሌትና ታሪኻውን ሕጋውን መሰረት ዝነበሮ፡ ኣብ ሕልና ኩልና ኤርትራውያን ዝሰረጸ ፍትሓዊ፡ እምበር፡ ብስምዒትን ጸቢብ ድሌትን ዝተደፍአ ኣይነበረን። ናይ ምዕዋቱ ምስጢር ከኣ ኣብ ልዕሊቲ ናይ ህዝብና ሓጺናዊ ጽንዓትን ናይ ቃልስና ፍትሓውነትን እቲ ቅኑዕ ታሪኻዊ መበገሲኡ እዩ።
ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊል ዋጋ ኣይተተግበረን። ብቐሊሉ ናይ ዘይምትግባሩ መዐቀኒ ከኣ፡ እቲ ንምትግባሩ ዘኽእል ዓብላሊ ዓቕሚ ምጥራይ ቀሊል ከም ዘይነበረ ዘመልክት እዩ። ነዚ መተግበሪ ዓቕሚ ብቐሊሉ ዘይምጥራይ፡ ካብቲ ጠንቅታት ሓደ ናትና ናይ ኤርትራውያን ቀልጢፍካ ቀያሪ ዓቕሚ ክትከውን ዘይምኽኣል እዩ። ነዚ ዘጋደዶ ከኣ ኩልና ብሃግቲ ናጽነት ክነስና፡ ብተግባር ብሓባር ከነሰንዮ ዘይምብቃዕና ከይተዘከረ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዚ ብኣብነት ንምስናይ ነቲ ኣሉታዊ ግደ ዝነበሮ ናይ ውድባት ምውጣጥ ንመጻኢ እውን መምሃሪ ንክኸውን፡ ምልስ ኢልካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሕጽረትና መሰረታዊ ኮይኑ፡ ግደ ግዳማዊ መግዛእታዊ ተጻብኦን ደገፍቱን እውን ቀሊል ብጽሒት ኣይነበሮምን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራውነትና ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ንነዊሕ ግዜ ዘካየዶ በደል ንድሌትና ብትሑት ዋጋን ሓጺር ግዜን ንከይትግበር ተጻራሪ ተጽዕኖኡ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ግና ኤርትራዊ መተግበሪ ዓቕምና ኣብ ልዕሊ ዓቕሚ ጸላኢ ጸብለል ስለ ዝበለ፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ተተግቢሩ ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ኮይና።
እንተኾነ ግን፡ ፖለቲካዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ መስርሕ ናጻ ሃገር፡ ምሉእ ብምሉእ ተዋሒሱ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ንኤርትራ ህዝባ ኣግሊሎም ክገዝኡ ዝደለዩ እሞ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ዝብሉ ዝነበሩ፡ ኣብ መወዳእታ መተግበሪ ዓቕሚ ስኢኖም ዝተሳዕሩ፡ ሎሚ እውን ሓሓሊፎም ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ ሓይልታት መግዛእቲ እዮም። ናይዚ ተሰሊፍናሉ ዘለና ካለኣይ ምዕራፍ ቃልስና ድሌትን ባህግን፡ ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ፡ ብሕገ-መንግስቲ ዝቕለስ፡ ንልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ቦታ ዝህብን ብዙሓነት ዝጸውርን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ምዃኑ ተደጋጊሙ ተነጺሩ እዩ። ከምዚ ዓይነት ድሌትን እምነትን ምሕዳርና መበገሲ እምበር ናይ መወዳእታ ናይ ዓወት ሸቶና ኣይኮነን። ስለዚ ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ተተግቢሩ ነቲ ንደልዮ ንምብቃዕ፡ መተግበሪ ዓቕሚ ሃኒጽካ ምውናን መተካእታ የብሉን። እዚ ዓቕሚ ኣብ ዘይተዋሕሰሉ እቲ ዝጸሓፍ ኮነ ዝዝረብ ድሌት ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ እውን ክሳብ ሕጂ ነቲ ናይ ካለኣይ ምዕራፍ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ መተግበሪ ዓቕሚ ኣይደለብናን። ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ህግዲፍ ናይ ዘይምዕዋትና ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ስለ ዝኾነ እዩ ድማ፥ ህግደፍ መኣዝናት እንዳቐያየረ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘሽካዕልል ዘሎ።
ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ተጻራሪ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብደሙን ኣዕጽምቱን ናጻነት ዘልበሳን ብድምጹ ከኣ ኣኽሊል ልኡላውነት ዝደፈኣላን ሃገሩ መሊኡ ዝረግጸሉን ዓው ኢሉ ድምጹ ዘስመዓሉ ውሑስ ባይታ ክረጋግጽዩ ዝቃለስ ዘሎ። ህዝቢ መንግስቲ ዝወርደሉን ዝደይበሉን እምበር፡ መንግስቲ ንህዝቢ ዘፈራርሓሉ ምምሕዳር ክህልዎ ኣይደልን። ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻሩ ኣብዛ ብክቡር ዋጋ ደቂ ህዝቢ ዝተዋሕሰት ኤርትራ፡ መዕንደሪ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባኡን ክትከውን ይደሊ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ዘይጥዑይ ምዃኑ ንጹር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ዘይህዝባዊ ድሌቱ ዘተግብረሉ ጨካን ዓቕሚ እዩ ኣጥርዩ። በዚ ዓቕሚዚ እዩ ከኣ ህዝብን ሃገርን ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ጐረባብቲ ዝሕምስ ዘሎ። “ንሕና ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ክንብል እንከለና እንታይ ማለትና እዩ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝርን ዝተፈላለዩ ጽላታት ዝትንክፍን ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ብሓጺሩ ንምምላሱ ግና፡ “ነቲ ኣዝዩ ጸቢብ ድሌትን ዓቕምን ናይቲ ጉጅለ ዓጺፍካ ሰፊሕ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘበርኽ ዓቕሚ ንምፍጣር እዩ” ኢልካ ምጥቕላሉ ጌጋ ኣይኮነን።
ይንዋሕ ይሕጸር፡ ንህግደፍ ዝስዕር ክእለትን ዓቕምን ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ህዝብና ነዚ ከተግብር ካብ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኮነ ካልእ ውዳበታት ዝበዝሐ ምዃኑ ሓደ ብልጫኡ እዩ። ናብቲ ዝደልዮ ንክበቅዕ ግና ክውደብን ምስቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ተቓዋሚ ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ እውን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ሚድያታትን ክተኣሳሰር ናይ ግድን እዩ። በዚ ዘለዎ ዘይተሰርዐ ናይ እንዳረኣኻ “ምዕዛብ” ኩነታት፡ ድሌቱ ናብ ተግባር ኣማዕቢሉ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ከምዘይክእል፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ምተረደኦ’ሞ ስጉምቲ ምወሰደ፡ ካብዚ ሓሊፉ ሕጂ እውን “ካብ ጠቕሊልካ ምብኳር ምድንጓይ ይሓይሽ” ይብሃል’ዩ እሞ ይለዓል። ካልእ ኣቋራጭ ድሌትካ ናብ ተግባር መሰጋገሪ መንገዲ ግና የለን። እንተሃለወ’ውን ዘይውሑስን ዘይቀጻልን ምርጫ እዩ።
ብመንጽርቲ ሎሚ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዘለናዮ ኣርሒቑ ዘይርኢ፡ ምእንቲ ብሓባር ምስጓም ግቡእ ዋጋ ክኸፍል ዘይውፈ ኣተሃላልዋ፡ ብብዙሓት መልከዓት ዝግለጽ ክስገር ዝግበኦ ሕጽረት እዩ። ኣብ ዝርዝር ከይኣተና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ድሌትናን ባህግናን ተመሳሳሊ ክነሱ፡ ናብቲ ንብህጎ ንምብጻሕ ዝተበተነ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምና፡ ውድባዊ ናጽነት ኣብ ዘይነፍግ ሰፊሕ ጽላል ከነዋሰኦ ዘይምኽኣልና፡ ብኣንጻሩ ኣብ ናእሽቱ ምትእኽካባት ጥራይ ምትእምማና፡ እቲ ንደልዮ መተግበሪ ዓቕሚ ናይዘይምፍጣርና ድኽመት ማእከላይ መግለጺ እዩ። ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምህናጽ ሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ዝምድና ምስ ጐረባብትን ንዝኣመሰሉን ድሌታትናን ባህግታትናን፡ መተግበሪኦም ዓቕሚ ከነጥሪ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ክሳብ ዘይፈጠርና፡ ቃልስና ዘይፍታሕ ሕልሚ ናይ ምዃን ዕድል ከንጸላልዎ እዩ። ስለዚ ካብዚ ሻቕሎት ንምድሓን፡ ካብ ምምሳል ናብ ምዃን፡ ካብ ምድላይ ናብ ድሌትካ ናይ ምትግባር ብራኸ ክንድይብ ቅሩባት ንኹን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ጐረባብትና ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓደ ጭረሖ ኣልዒሎም ኣለዉ። ነቲ ዘልዓልዎ ጭረሖ “Nomore/በቃ“ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ወጻእን ብሰላማዊ ሰልፍታት የቓልሕዎ ኣለዉ። እቶም በቃ ዝበሃሉ ዘለዉ ኣካላት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እትርከበን ሓያሎ ምዕራባያን ሃገራትን BBC፡ CNNን REUTERን ዝርከበአን ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን እዮም። መንቀሊኡ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብውግእ ዝስነ ዘሎ ፖለቲካዊ ክስተት ናይታ ሃገር፡ “ብጌጋ ይገልጹና ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ይዘርዩና ኣለዉ” ዝብል ናይ ስግኣት ቃና ዘለዎ እዩ። ናብቲ ሓቑ እንተመጻእና ግና፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓዲሞም ዘምጽእዎ”ሞ ዝሕምሶም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣቐሚጦም፡ ነጸግቲ “ጣልቃ ኣታውነት” መሲሎም ክቐርቡ ምህቃኖም ምስ ምንታይ ከም ዝቑጸር እንድዒ።
ብዙሓት ነዚ ምስሕሓብ ዝተዓዘቡ ወገናት፡ እዚ ናትካ ድኽመትን ፍሽለትን ኣቐሚጥካ ምስ ካለኦት ምውጣጥ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ ኤርትራዊ ምምሕዳር ህግደፍ ካብ ዝተማህሮም ምስምሳት ሓደ ምዃኑ ይሰማምዑ። ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ “ስለምንታይ ኣብ ገዛእ ሃገረይ ድላየይ እንተገብርኩ ብዛዕባይ ትዛረቡ” ብዝብል ብደዐ ወትሩ ንኣሜርካን ካለኦት ኣካይዳኡ ዝነቐፋ ሃገራት ምዕራብን ከም እስትራተጅያዊ መቐናቐንትን ጸላእትን ወሲዱ ዝሕበኣሉ ሜላ የዛምድዎ። ምኽንያቱ እተን ብደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ “Nomore/በቃ“ ዝበሃላ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ኮና፡ ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ካብ መግስቲ ሓበሬታ ክረኽባ ብዘይምኽኣለን፡ ብናታተን መጽናዕትን ተበግሶን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ዘየቕስን ምዕባለ ስለ ዝተዛረባን ዝጸሓፋን እየን። ኣብ ርእሲዚ ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘቃለዓ እምበር፡ ነቲ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህብወን ሓበሬታ ነጺገን ሻራነት ስለ ዝመረጻ ኣይኮነን።
ነዚ ኩሉ ዋጢጥ ዘምጸኦ ዘሎ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እውን ከም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ግሉጽነት ምርሓቕ ምስ ጀመረ ዘጋጠመ ክስተት እዩ። እተን ዝርገማን “Nomore/በቃ“ ዝበሃላ ዘለዋን ሃገራት ምዕራብን ንዓኣተን ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዝተረኣየን “ብዘይ ቅድመ-ኩነት ውግእ ደው ኣቢልኩም ተዛተዩ” ስለ ዝበላን ሰብኣዊ ግህሰት ስለ ዝኾነናን እየን “ኣፍክን ሓዛ” ዝባሃላ ዘለዋ። ነዚ ዘምጸኦ ካብቲ “ዋላ ሓቂ ኣንተኾነ ንሕና ዘይንኣምነሉ ኣይትዛረቡ” ዝብል ኢሳያሳዊ ስሱዕን ሓባእን ባህሪ ዘሰረጸ እዩ። ብዙሓት ርትዓውያን ኢትዮጵያውያንን ካለኦት ናይ ቀረባ ተዓዘብትን እቲ ኣካይዳ ካብ ኢሳያስ ዝተቐድሐ፡ ኢትዮጵያዊ ክብሩ ዝሰሓተ ንመሕብኢ ዝተሃንደሰ መንገዲ’ዩ ይብልዎ ኣለዉ።
እቲ ኢትዮጵያውያን መሪጸምዎ ዘለዉ መንገዲ፡ ንኤርትራውያን’ውን ዝጸልወና ስለ ዝኾነ እምበር፡ “ድላዮም ይግበሩ ኣብ ምርጨኦም ኣይንኣቱን” ኢልናዮ ምሓለፍና። እቲ ክንዛረበሉ ዘገድደና ዘሎ ግን፡ ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን እውን ናይዚ ኣብዘይለዓቱ ጭረሖ “Nomore/በቃ“ ግዳይ ይኾኑ ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ደገፍቲ ብልጽግና ኣብ ዝወደብዎ ሻረኛ ሰልፍታት ዘዳኽሩ ዘለዉ ኤርትራውያን “ዘሕምቖ ኣለኒ በትረይ ሃቡኒ” እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ናይ “Nomore/በቃ“ ንቕሎ ብመንጽር ኤርትራ ካብዚ ዝኸድዎ ዘለዉ ባንጻሩ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ። “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ከም ዝበሃል፡ ክንዲ ህግደፍን በሓቲ ማዕከናት ዜናኡን ዝኣኽሉ ኣትሪርካን ተወዲብካን “ደጊም በቃ” ክበሃሉ ዝግበኦም ዓመጽቲ ኣቕሚጥካስ፡ ናብ ሃገራት ምዕራብ፡ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተመጣጢርካ ከተወግዝ ምስላፍ ብሓጺሩ ግልቡጥ ኣሰራርዓ ዛዕባታት እዩ።
እዚ ኣብ ዘይጉዳይካ ኣቲኻ ምሕንካር ንህግደፍ ንቡር መለለይ ፖለቲካዊ ባህርያቱ እምበር መጀርታኡ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ህግደፍ ብሰንኪ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ምእታዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘህለቐን ምስሊ ሃገርና ብወራርነት ከም ዝደወነን ናይ ቀረባ ግዜ ምዝጉብ ተመኩሮ እዩ። ሎሚ እውን ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣዕናዊ ኣካይዳኡ ኣይተማህረን። ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ዘይሓላፍነታዊ መንግዲ ምሓዙ ከም ውሁብ ስለ ዝተወስደ፡ ኣዛራብነቱ ክሳብ ክንድዚ ኣይኮነን። ናይቶም ንዓኡ ተኸቲሎም ኣብቲ ንኤርትራ መሊሱ መዓት ከውርደላ እንተዘይኮይኑ መስተርሆ ከም ዘየምጸኣላ ዝተነጸረ ደልሃመት ኣትዮም፡ ናይ ዝተወሰኑ ኢትዮጵያውያን እዋናዊ ድምጺ ኮይኑ ዘሎ “Nomore/በቃ“ ከዳምቑን ከራጉዱን ዝውዕሉ ዘለዉ፡ ካብ ንዓኣቶም ሓሊፉ ብኤርትራውነትና ንኹልና ዘሸቑርርን ዘሕፍርን እዩ።
ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክንዲ ንሳዕቤን፡ ንጠንቂ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ምስቲ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዓለም ድምጹ ዝቃላሕ ዘሎ ወጽዓ ዝወለዶ ድምጺ “ይኣክል” ብዘሳኒ ካብ ኤርትራዊ ውድዕነት ነቒሎም “Nomore/በቃ“ ንጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ እንተዝብሉ መመልከዓሎም። ኣብቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ከኣ መድመዐ። ሓሳቦም እውን ገዛኢ ምረኸበ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ክንዲ “Nomore/በቃ“ ንሕገ-ኣልቦነት፡ ንግህሰት መሰረታዊ መሰላት፡ ንደረት ኣልቦ ግዱድ ውትህድርና፡ ንምግላል ህዝቢ ካብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ንኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእታውነትን ህዝቢ ዘየርብሕ ኣብ ኤርትራ ምባል፡ ብናይ “ኣጻልኡና” ዘይጥዑይ ፖለቲካዊ ጐስጓስ ተሻቢብካ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምን ኣጻብዕትኻ ምቕሳር ብኹሉ መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ከተቐድሞ ዝግበኣካ ምቕዳም እምበር፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ሃገርካን ህዝብኻን ዝጐድእ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከጋጥም እንከሎ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ተዓዛባይ ኩን ማለት ኣይኮነን።
ካብዚ ሓሊፉ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ናይ ዝተወሰኑ ናይ ህግደፍ ኢደ-በይዛ ኤርትራውያን ምስ ወገን ብልጽግና ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ወደኽደኽ ምናልባት እውን ከምቲ “ኣድግሲ ሃሊላ በላዒኣ ትጽውዕ” ዝበሃል፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከይጽውዕሎም ዘየስግእ ኣይኮነን። ህግደፍ ዘራጊ መንገዲ መሪጹ ዘሎ ንደቂ ልቢ ገርሃ ብልኡላውነትን ቀጻልነትን ሃገረ ኤርትራ ኣረሳሲኑ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እዩ። ጉጅላዊ ስልጣኑን ድሕንነቱን ኣብ ዓዲ ሃሎ ተዓምጺጽካ ከምዘይትሕሎ ስለ ዝተረደኣ፡ ከምኡ ጽጉማት መጣፍእቲ እዩ ዘናዲ። ድሕሪ ክንደይ ዕንይንይ ከኣ እነሆ ከም ናቱ ተመሳሳሊ ኣብ ስልጣን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ጸገም ዘለዎ መጻምዲ ረኺቡ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዘይቅዱስ ቃል ኪዳን ኣሲሩ ይዕንድር ኣሎ።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንምህላውን ዘይምህላውን ኢሳያስን ጉጅለኡን ካብ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራ ፈልዩ ክርእዮን ክርደኦን ይግበኦ። ናይ ህግደፍ ምውጋድ ከምቲ ንሱ ክኾነሉ ዝምነዮ ጥፍኣት ኤርትራ ዘኸትል ዘይኮነ፡ ትንሳኤኣ ዘበስር እዩ። ነቶም ሓንሳብ ካብ ቅኑዕ መስመር ህዝብን ሃገርን ወጺኦም ስለ ዝዓወኑ’ሞ “ነዛ ሃገር ብድሕሪኡ መንክሕልዋ” ዝብሉ ወገናት “ንሕና ደቃ ኣለናያ” ንበሎም። ወትሩ ድማ ንምሕላውን ምቕጻልን ሃገር ድሉዋት ንኹን። እንተ ኣሳሰይቲ ህግደፍ ንግዜኡ ምሳና ከምዘይስለፉ ባዕላቶም ይነግሩና ኣለዉ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ብዙሕ ናይ ሓባርና እንብሎ መቖሚታት ኣለና። ካብኣቶም ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ምጽናዕ ሓድነት ህዝባን ናይ ደቃ ፍትሓዊ ቃልሲ ሓርበኝነት ምኽባርን ይርከብዎም። ኣብዚ እዋንዚ ሓሓሊፉ ዝረአን ዝስማዕን ዘሎ ምልክታት ከም ዝሕብሮ ግና፡ ነዞም መሰረታዊ ኣዕኑድ መቖሚታትና ዝፈታተኑ፡ ብዓብይኡ ህግደፍ ዝተዃትኾም ምልክታት ምቅልቓል ልሙድ ይኸውን ኣሎ። እቲ ነዞም መቖሚታት ዘውሕስ ጽኑዕ ዕርዲ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ዝተነድቀ ስለ ዝኾነ፡ ከተፍርሶ ዘይከኣልኳ እንተኾነ፡ ጽኑዕ ህዝባዊ ሓለዋ ክግበረሉ ግና ናይ ግድን እዩ። ካብቶም ኣንጻር መቖሚታት ኤርትራ ናይ ምድንዳን ምልክታት ዘለዎም፡ ብመንጽር ህልውና ሃገር ክረኣዩ እንከለዉ መሰረታውያን ዘይኮኑ ፍልልያት ብምትዕብባይ ሕጋዊ ውክልና ዘይብሎም ክነሶም ወኪል ህዝቢ መሲሎም ብምቕራብ፡ ኣብ እምነት ልኡላውነት ኤርትራ ሰንከልከል ምባልን ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ንዝተጸሓፈ ታሪኽ ሓርበኝነት ምንእኣስን ብኣብነት ካብ ዝጥቀሱ ኣሉታታት እዮም። እዚኣቶም ብህልኽን ስምዒትን ዘይኮነ፡ ብንቕሓትን ብምኽኑይ መኸተን ክረኣዩ ዝግበኦም እዮም።
ህልኽን ስምዒትን ዝድርኾ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብቶም ነዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ኣዕኑድ መቖሚታት ናይ ሓባርና እየን እንብለን ኣካላት እውን ሓሓሊፉ ይርአ እዩ። ኣብ ኣገዳስነት ምፍጣር ሓቢርካ ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ዝረአ ዘልሓጥሓጥን ምድንጓይን፡ ኣብ ክንዲ የዋጽእ ኢልካ ንዝሓዝካዮ መርገጺ፡ ንዘጋጥሞ ብደሆታት ስንኻ ነኺስካ ኣብ ድልዱል ኣትኪልካ ንቕድሚት ምስጓም በብእዋኑ ሓደስቲ ምስምሳት እናምጻእካ ዝሓለፈን፡ ዘሎን መጻእን ዘየገናዘብን ዘይተጸንዐን ኣገባብ ምምኽታል ወዘተ….. እንዳበልካ ዝቕልቀሉ ጸገማት ይረኣዩ እዮም። ካብ ከምዚ ዓይነት ዕንክሊል መዋጽኦ ንምርካብ መንገዲ ብህልኽን ስምዒትን ዘይኮነ ብንቕሓት፡ ምኽንያትን ሓቦን ዝሃብተመ ኣተሓሳስባ ካብ ምሓዝ ካልእ መዋጸኦ የለን። ካብዚ ወጻኢ ሸንኮለል ምባል ግና ግዜ ምቕታል እዩ። ኣብ ሓደ መድረኽ ግዜ ምስ እንቐትል ከኣ ንሕና ኢና ካብ ግዜ ወጻኢ ኮይና ድሕሪት ንተርፍ እምበር፡ ግዜ ተመሊሱ ካልእ ናይ ጣዕሳ ዕድል ኣይክህበናን እዩ።
ሓደ ኣካል ዝተቐበሎ ርኢቶ እቲ ካልእ ክነጽጎ፡ እቲ ሓደ ዝኣመኖ እቲ ካልእ ክኽሕዶን እቲ ሓደ ዝኸኣሎ እቲ ካልእ ምኽኣል ክስእኖ እምብዛ ዘገርምን ዘነውርን ኣይኮነን። እቲ ምቕባል ኮነ ምንጻግ ወይ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ግና ብመንጽር ክውንነት ኤርትራን ህዝባን ብንቕሓትን ምኽንያት ዘሰነዮን ክኸውን ይግበኦ። ከምዚ እንተኾይኑ ዝተረሓሓቐ ንምቅርራብ ኮነ ምኽኣል ዝኣበየ ንምኽኣል ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ምክእኣል ኣድማዒ ዝኸውን ድማ ከምቲ ክትስማዕ እትደልዮ፡ ናይ ካልእ ኣካል ርኢቶ ክትሰምዕ ድልዊ ናይ ምዃን ባህሊ፡ ኣተሓሳስባን ቅሩብነትን ክጥረ እንከሎ ጥራይ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመሰረታዊ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኣብ ዝምልከት ኣብቲ ሓጺር መላለይኡ (profile) ንውሳነ 3ይ ጉባአኡ መሰረት ገይሩ “ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃታት፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ ድሉዋት ኢና።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። እዚ ቅሩብነት ዓዳጋይ ክረክብ ናብ ዕዳጋ ዘውረዶ ሓሳብ እምበር ውዱእን ኣገዳድን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ካብ“ነዓይ ጥራይ ስምዑን ናተይ ሓሳብ ጥራይ ግዝኡን” ናይ ኣተሓሳስባ ስሰዐ ጌና ከምዘይወጻእና፡ ርሑቕ ከይከድና ምልስ ኢልና ነናትና ተመኩሮ መዚና ክንርደኦ እንኽእል ሓቂ እዩ። እንተደኣ ንጉዳያት ብንቕሓትን ምኽንያትን ምምዛን ርዒምና፡ ሕጂ እውን ግዜ መስዩ እምበር ስለ ዘይዓረበ፡ ካብዚ ሸንኮለል ናይ ምውጻእ ዕድል ስለ ዘለና ንጠቐመሉ።
ኤርትራን ህዝባን ብዘተኣማምን ደረጃ መሊኦም ኣብ ዘይደሓንሉን ኣደልዲሎም ኣብ ዘይረገጽሉን ኩነታት፡ ዘምጻእና መንነት እንተምጻእና ከነሐይሎን ክንዕቅቦን ኣይንኽእልን ኢና። ብሃይማኖትካ፡ ብሄርካ፡ ኣውራጃኻን ቋንቋኻን ምግዳስ ዝጽላእ ዘይኮነ መሰል እውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ በዞም መግለጽታት መንነት ካብ ምግዳስ ሓሊፍካ ንዓኣቶም መሰረት ጌርካ ምውዳብ እውን ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን ተርእዮ እዩ። እዚ መንነት ዝመሰረቱ ውዳበታት ነቲ መሰረታዊ ኣዕኑድ መቖሚታት ዘነቓንቖን ጎስይዎ ክሓልፍ ዝፍትንን ክሳብ ዘይኮነ፡ ብዓብይኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጻኢ ሕገ-መንግስታዊ ምላሽ ዝህበሉ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ዓቕምታቱ ንዘይምብታን ዕቃበኻ ኣመዝጊብካ ነቲ ዓቢ ስእሊ ምርኣይ የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ መግለጽታት መንነት ይወደብ ኣይወደብ ቅድሚ ኤርትራውነት ምስርዑ ጸገም ኣለዎ። እምበርከ ንኤርትራን ህዝባን ከይሓለኻን ከይዓቀብካን ኤርትራ ኣብ ዘይሃለወትሉን ዘይተዓወተትሉን፡ ሓደ ናይ መንነት ዘንጊ መዚዝካ ምዕዋትን ምቕጻልን ይከኣል ድዩ?፡ መልሱ ብዘየወላውል “ኣይከኣልን” እዩ። ምኽንያቱ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ቅድም ኣብ ማይ ንብጻሕ” ከም ዝበሃል ስለ ዝኾነ።
ብመንጽርዚ ብፍላይ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ካብዚ ዘለናዮ ዝደንዘዘ ሃለዋት ኣውጺኡ ናብ ዝሓሸ ብራኸ ከደይበና ዝኽእል ንጉዳያት ብንቕሓትን ምኽንያትን ምርኣይ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ ምፍጣር፡ ኣብ “ተዛሪቦም ዘየስምዑ ወቒዖም ዘየድምዑ” ኩጀታት ኮይንካ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ምብህሃል ኣየእትው ኣየውጽእ እዩ እሞ ኣይንምረጾ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ): ብ28 ሕዳር 2021 ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ፍሉይ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ብዛዕባ ኣገደስትን እዋናውን ዛዕባታት ዘትዩ። ኣብ መእተዊ እዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) “እንኳ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ፍሉይ ኣኼባ ዝተጸወዓሉ ምኽንያት ኣብሪሁ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ቀዳምነት ሂቡ ዝረኣዮ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ንምሕያልን ምድልዳልን ዓቕሚ ሰልፊ ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ዛዕባ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ክሳብ ሕጂ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዳህሲሱ ኣብ ቀጻሊ እውን ሰልፎም ኣብ ኩሉ መዳያት ንምሕያል ከም ዝጽዕቱ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎ ፈጻሚ ሽማግለ መዝጊቡ።
ኣብ ርእሲዚ ኣኼባ ብሓፈሻ ኩነታት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ናይ ሓባር ጽላል ንምምስራት ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምግንዛብን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታትን ሓበሬታታትን ዘትዩን መዚኑን። ኣኼባ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ናይ ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምሕዝነታት ይፍጠሩ ከም ዘለዉ ክርዳእ ክኢሉ። ካብዚ ብምንቃል ምሕዝነታት ምፍጣሩ ዝድገፍ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ቀዳምነት ሰሪዕካ ክስረሓሉ ዝግበኦ ግና ንኹሉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሳትፍ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናውን ምዃኑ ተረዲኡ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ንኹሉ ምድንጓያትን ዕንቅፋታትን በዲህካ፡ መስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ንምዕዋት ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳብ ዝዕወት ብዘለዎ ዓቕሚ ክቃለሰሉ ድልዊ ምዃኑ ርእዩ።
እዚ ኣኼባ ዝተማኸረሉ ካልእ ጉዳይ፡ እዚ ንመላእ ዞባና ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ዘስግእ ዘሎን ኣብ ኤርትራ ሓያል ጽልዋ ዘለዎን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝተመያየጠሉ እቲ ህልዊ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ እንታይ ከም ዝመስል ርእዩ። ካብ ጉጅለ ህግደፍ ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ትግራይ ዘርእይዎ ዘለዉ ኢድ ኣእታውነት ሓጋዚ ከም ዘይኮነ ኣቐዲሙ ዝተገንዘቦ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ “እቲ ውግእ ብዘተ ክፍታሕ ዝነበረ ተስፋ” ንድሕሪት ምምላሱ ከም ዘተሓሳስብ እውን ርእዩ። ፈጻሚ ሽማግለ ናይቲ ውግእ ሓደጋ ኣብዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ ደረጃ ከይበጽሐ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረን ዘሎን ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ተቓዊሙን ፖለቲካዊ ሚዛን ሂቡን፡ ደጋጊሙ “ኣብ ክንዲ ብውግእ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ” ኣቕሪብዎ ዝነበረ መዋጽኦ ሕጂ’ውን ህያው ስለ ዝኾነ ዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ቆላሕታ ክህብዎ ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።
ብዛዕባ መጻኢ ዝምድና ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ ከም ናይ ቀረባ ጐረቤት ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ኣካላት ነናቶም ሓሳብ የንጸባርቑ ከም ዘለዉ ኣኼባ ፈጻሚ መዚኑ። ሰዲህኤ ብወገኑ ኣብቲ ካብ ቅድም ብመሰረት ብጉባአ ዝጸደቐ ናይ ዝምድና ፖሊሲኡ ነቒሉ፡ ኣብ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሓባር ረብሓን ሰላማዊ ጉርብትናን ምትሕግጋዝን ኢድ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ንክኸውን ከም ዝኣምንን ንክዕወት ከም ዝቃለሰሉን ኣነጺኡ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ዳግማይ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ኩሉ መዳያት ንምዕባለታት ብመንጽር መትከል ሰልፎምን ኣርሒቕካ ምርኣይን እንዳመዘኑ ሰልፎም ናይ ምሕያል ቃልሶም ብዝለዕለ ናህሪ ክቕጽሉ ጸዋዒቱ ኣሕዲሱ።
ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ዲፕሎማስያዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዓለም ብተነጽሎ ካብ ዝተዋሕጣ ሃገራት ሓንቲ ኮይና ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር ብዘይካተን እቲ ገዛኢ ጉጅለ ብዓይኑ ዝቐጽዐን መንግስታዊ ሚድያታት ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ዘራኽባ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣይጸነሐን። ኣብ ርእሲ’ዚ ንናይ ወጻኢ ናይ ዜና ማዕከናትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን እውን ዕጽዊቲ ኮይና እያ ጸኒሓ። ካብቲ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጽምዋ’ውን ኣይወጸትን። ድሕሪቲ ናይ 2018 ብዘይትካላውን ዘይግሉጽን ኣገባብ ምስ ኣብዪ ኣሕመድን ንሱ ዝመርሖ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ምዝማዳ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት መዛረቢት ክትከውን በቒዓ። እቲ ኣዛራብነታ ግና ንህዝባ ናብ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራስን ዘሰጋግር ዘይኮነ፡ ነቲ ተጻዒንዋ ዝጸንሐ ሓጺናዊ ኣርዑት መግዛእቲ ህግደፍ መሊሱ ዘትረረን ዘጋደደን ስለ ዝኾነ እዩ።
እቲ ዝጸንሐ ዘየቕስን ኩነታት ኤርትራ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅንያት ከኣ ዝያዳ ኣጀንዳ ናይ ብዙሓት ክትከውን ዝድርኹ ተረኽቦታት ተጋሂዶም ኣለዉ። ካብቲ ተረኽቦታት፡ እቲ ሓደ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተወሰና ናብ ትካላትን ላዕለዎት መራሕትን ናይቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጠላም ጉጅለ ዘቕነዐ እገዳ እዩ። እቲ ካለኣይ ከኣ ሕልፈተ-ህይወት ናይ ሓደ ካብቶም ኣእዳዎም ብደም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሓጽቡ መራሕቲ ጸሓፊ ህግደፍ ዝነበረ፡ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እዩ።
ከምቲ “ወቓሲ ምዉት ኣይትግበረኒ” ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ብ1966 ናብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ዝዓረፈ ናይ ኢሳያስ እሙን ባእታ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ብዙሕ ዘየዛርበሉ ምኽንያት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸገሙ ምስ ውልቀ-መራሕቲ ከም ሰባት ዘይኮነ፡ እቲ እኩይ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳባኦም ስለ ዝኾነ እዩ። መዋቲ ክምረሓሉን ንህዝቢ ኤርትራ ደም ከንበዓሉን ዝጸንሐ ኣተሓሳባኡ ምስኡ ዝመውት ዘይኮነስ፡ ጌና ፈረስ ቀይሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጋልብ ስለ ዝኾነ፡ ብልሒ ቃልስና ዘጉድምን “ተመስገን እንኳዕ ናይ እገለ ዝበሃል መራሒ ሞት ኣረኣኻና” ዘብልን ኣይኮነን። በዚ ይኹን በቲ ግና ኣብ ካልእ ምጽብጻብ ከይከድና፡ እዚ ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፈ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ብዘመልክት፡ “ኤርትራ ኣብ ዓለምና ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረላን ሰላም ዝሰፈናን እንኮ ሃገር እያ። ቃልስናን ድሌትናን ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ምሕላውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ናብ ስልጣን ከይትመጽእ ምክልኻልን እዩ” ዝበሎ ከይጠቐስካዮ ዘይሕለፍ፡ ጉዳዩ ገዲፉ ናብ ደገ ዘማዕዱ ህላ እዩ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብዝነበሮ ግደ ኣብ ታሪኽ ክዝከር ኢዩ። ኣብ ድሕሪ ናጽነት ሓደ ካብቶም ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠቐምዎ፡ ዝበደልዎ ዝበዝሕ ባእታታት ምንባሩ ከኣ ታሪኽ ብዘይ ምሕረት ክምዝግቦ ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ትካላትን ክልተ ላዕለዎት ሓለፍትን ህግደፍ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተወሰነ እገዳ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ብኣብይ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህግደፍ ይግበረሉ ንዘሎ ናይ ህልውና ውዕለት ንምኽፋል ብዝመልስ ቅድሚ ህግደፍ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ነቲ እገዳ ዝቃወም መግለጺ ምቕራቡ ነቲ ኣዛራብነት ዝያዳ ኣንሂርዎ። ጠንቂ ናይቲ እገዳ እቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዕግርግር ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ገበናት ምፍጻሙን ጌና ሎሚ እውን ኢደ-እግሩ ዘይኣከበ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ህውከት ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝፈጸሞ በደላት ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ንክውሰን ምኽንያት ኣይከውንን ዝብል እምነት የብልናን። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ከኣ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ኣካል ተመዚዝሉ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግህሰታት ብመርትዖታት ዝተሰነየ ክነሱ፡ ብኤርትራዊ ምኽንያት’ውን እገዳ ዘይምውሳዱ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ። እገዳ ናይ ምውሳን ጉልበት ዘለዎም ሓያላት ቀዳምነት ዝህብዎ ኣብ ህዝቢ ዝፍጸም ዘቤታዊ ገበናት ዘይኮነ፡ ናታቶም ጠቕምታትን ዞባዊ ልዕልናን ምዃኑ ከኣ የረድእ። እዚ ናባና ናብቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ጉዳይና ብኣናን ካባናን እንተዘይኮይኑ ንሕና ክንጽበን ክንዕዘብን ካልእ ዝዓመልና ኣካል ዘየለ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ እንግደዓና ዘሎ ካልእ ዘይስከመልና ዕዳ፡ በበይንኻ ኮይንካ ዘይኮነ፡ ዝተበተነ ሓይልኻ ጠርኒፍካ ጥራይ ዝዕመም ምዃኑ ከኣ ዘርእየና እዩ።
ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዋኒንና ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ሰማዒ እዝኒ ዘይምርካቡ፡ እቲ ጠንቂ ናብ ሓያላት መንግስታት ጥራይ ነላግቦ ዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ናትና ሓቢርካ ዘይምስጓም ድኽመት ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝደቀስናሉ ክንበራበር እዋኑ እዩ። ናይ ሓባር ጭረሖ ኣልዒልና ክነስና ኣብ ተግብር ግና ግዜ ንበልዕ ከም ዘለና ድማ ኣይንረስዕ። እዚ ሓድሽ እገዳ ኮነ እቲ ናይ ቅድም ኣስናኑ ዝወደአ እገዳታት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ናብ ቁጠባዊ ትካላትን መራሕትን ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ ዘቕነዐ ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ነቲ ክርህዎ እንከሎ ኣብ ከመይ ኩነታት ይነብር ከም ዘሎ እውን ዘይፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ “እዚ እገዳ ንዓኻ ንምጉዳእ ዝዓለመ እዩ እሞ ክተት” ክብሎ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ዘይወድዓዊ ገልታዕታዕ ናይዚ ጉጅለ ናይ ገለ ግሩሃት ወገናት ሰማዒ ኣእዛን ኣይሰኣነን። እቲ ጉጅለ በብዝሃንደሶ ግጉይ መንገዲ ዝውሕዙን ነቲ እገዳ “ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ እዩ” ዝብሉን ኣካላት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እዞም ወገናት ብውሕዱ ካብ ክልተ ኩርነዓት እዮም ዝነቕሉ።
እቲ ሓደ ህግደፍን ህዝብን ዝተፈላለዩ ኣካላት ክነሶም “ሓደ እዮም” ዝብል ዝንቡዕ እምነት ከም ሓቂ ዝወሰዱ እዮም። እዚኣቶም ህዝብን ህግደፍን ከወዳድሩ እንከለዉ፡ ናይቲ ሓደ ጉድኣት ናይቲ ካልእ እውን ጉድኣትዩ ካብ ዝብል ግጉይ ሓሳብ ዝነቕሉ ግዳያት ናይቲ ጉጅለ እዮም። እቶም ካለኦት ከኣ ጠመተ ናይቲ እገዳ ናብ ህዝቢ ዘይኮነስ ናብ ህግደፍ ዝዐለመ ምዃኑ ዝርድኡን ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ፍልልይ እንዳፈለጡን ኮነ ኢሎም ነቲ ጉጅለ ከድሕኑ ዝተዓጥቁ፡ ጽባሕ ምስ ወገሐ ህዝቢ ከም ዝሓቶም ዝዘንግዑ ናይቲ ጉጅለ መሳርሒ ክኾኑ ዝመረጹ እዮም። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብህግደፍ ኩለ-መዳያዊ እገዳ ዝተወሰኖ ኣብ ሕሰም ዝነብር ዘሎ እዩ። ካብዚ ዘየናሕሲ ኢደ-እግሩ ኣሲርዎ ዘሎ ህግደፋዊ ዘቤታዊ እገዳ ንምንጋፍ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ መሪሕ ውድባቱ፡ ሰልፍታቱን ህዝባዊ ምንቅስቓሳቱን ኮይኑ ቃልሱ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ካብ ምግንዛብን ግንዛበኡ ኣብ ተግባር ካብ ምውዓልን ካልእ ናይ ራህዋ መንገዲ ከምዘየብሉ ነዘኻኽሮ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እቲ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ግጉይ ዞናዊ ሕሳብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቐዲሙ ዝጀመረ እምበር፡ ሃንደበት ዝመጸ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ግጉይ ሕሳብ ናይቲ ጉጅለ ብብዙሕ መልክዓት ስለ ዝግለጽ ብዙሓት ወገናት ገበናቱ ካብ ምጽብጻብ “እንታይከ ቅኑዕ ኣለዎ” ብዝብል ክገልጽዎ እዩ ዝቐሎም። ሳዕቤናት ናይዚ ግጉይ ሕሳብ ኣብ እንዳ ኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘሎን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝተዘርበሉን ስለ ዝኾነ ኣብዚ ንምዝርዛሩ ግዜን ጉልበትን ምውሳድ ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኤርትራ ደሓን ኣላ” ዝብሉ እንተልዮም ንደሕንነትን ሰላምን ሃገር ኣብ ውሽጢ ብዝስማዕ ድምጺ ጥይት’ምበር ዶብ ሰጊሩ ዝሕምሶ ዘሎ ኩነታት ክርእዩ ዘይክእሉ ኢዮም።
ኣብ ታራ ማሕበራዊ ህይወት ሰላምን ርግኣትን ካብ ቤትካ እዩ ዝጅምር። ፖለቲካዊ ርግኣትን ቅኑዕ ምምሕዳርን ከኣ ካብ ሃገርካ ይጅምር። ከምዚ እናበለ ድማ ምስ ጐረቤት ሃገር ኮነ ዞባ ዝህልውካ ዝምድናታት ይስራዕ። ካብ ኣተሓሕዛ ስድራቤት ጀሚሩ ክሳብ ምምሕዳር ሃገር ደሓን ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ቅኑዕ ተዋሰኣይ ክኸውን ዘለዎ ዕድል ወይ ዕጽው እዩ ወይ ከኣ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ብዛዕባ ብሓደራ ዝተረከቦ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝሓንገደ ኣካል ኣብ ዞባዊ ምውሳእ’ውን ኣፍራሲ ከም ዝኸውን ውሁብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ድማ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብቲ “ይጸልዎን ይጸልወንን” ዝብሎ ዞባ ካብኡ ዝሓሸ ምምሕዳር ከይረአ እሞ በሪኽካ ኣብ ምውጻእ ተወዳዲሩ ከይብለጽ ኩሉ ከምኡ ንክኸውን እዩ ዘራጊ ሓሳብ ዝውጥን። እዚ ግጉይ ሕሳቡ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ምስ ሰኣነ ከኣ፡ ህርፋኑ ብውግእን ዓመጽን ከስርጾ ይጽዕት። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዝኾነት ጐረቤት ሃገር ሓሓሊፍካ ምትኹታኽ ከኣ ካብዚ እዩ ዝነቅል።
ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምናልባት ቃለ ዓለም ኮይንዎም ዘይዛረቡ ይህልዉ ይኾኑ እምበር፡ ብጐረባብቲ ኤርትራ፡ “ደሓን እቶ” ዝብሎ ከምዘየብሉ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። እቲ ጉጅለ ምስ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ከም ኢጋድ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ነዘን ትካላት ዘቑማ ሃገራትን ዘለዎ ዝምድና ሓርፋፍን ሃሳስን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና እቲ ጉጅለ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብሰንኪ ግብሩ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘኽቲሙ ምጽንሑ፡ ከምቲ “ንመን ኣለዋ መን ኣላቶ ኣለዋ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትዕርራኹ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዝመረጾ ግጉይ ሕሳብ ኣቐሚጡ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ከም ዝበሃል፡ ብዘርኣዮ ፈዳሕዳሕ፡ ፈታዊ ህዝቢ፡ መራሕ ሰላም፡ ደላይ ሓድነት መሲሉ ቀሪቡ። እዚ ምናልባት ነቶም ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ክትሓልፎ ዝጸንሐት ሕማቕ ዘበን ዘይፈልጡ ኢትዮጵያውያን እምበር፡ ነቶም ኩነታት ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ዝወሓጠሎም ኣይነበረን። ሎሚ ናይ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ጠንቁ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን እዮም ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ይበዝሑ ኣለዉ። ምስ ህወሓት ትግራይ ፍልልይ ዝጸንሖም ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ “ካብ ኤርትራዊ ትግራዋይ ይቐርበኒ” ክብሉ ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። ዕድል ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ “ከይጸዋዕካዮ ዝመጸ ከይጸገበ ወጸ” ዝበሃል ክኸውንዩ ኢሎም ዝግምቱ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ዘእተወሉ ምኽንያታት ክገልጽ እንከሎ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኢሉ ተገዲዱ ከም ዝኣተዎ ኣምሲሉ ክገልጾ ጸኒሑ እዩ። ብሓቂ ግና ናይ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ዘቐንዝዎ እንተዝነብር፡ ሰላም ብገዛኻ ኢዩ ዝጅምር። ቅድሚ ናብ ካልእ ምምጥጣር በቲ ብሰንኪ ምምሕዳሩ ኣደዳ ስደት፡ ማእሰርትን ስቓይን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ሰላምን ራህዋን መምጽአ። እቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው ዝፈሓሶ ተንኮል ክፍታሕ እንከሎ ግና ብዘይካ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝመጾ ሕቶ ንምዝሓልን ስልጣኑ ንምንዋሕን በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ህልኽ፡ ዝኸሓነ ጽልእን ምፍዳይ ሕነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን እንተዘይኮይኑ ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረብሕ ኣምር ኣይርከቦን።
ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ትግራይ ኢትዮጵያ ብሰላም ናይ ምንባር ጽምእን ሃረርታን ነይርዎ። ነቲ ቅድሚ 4ተ ዓመታት ንሓጺር ግዜ ተፈጢሩ ዝነበረ ህሞት ብኸመይ ከም ዝተቐበሎ ድማ ኣብ ምኽፋት ዶብ ብወገን ሰንዓፈን ዛላንበሳን ዝነበረ ኩነታት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኢሳያስሲ ዝሓሰቦ ደኣ ኣለዎ ኣምበር፡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሰላም ዘይለገሰስ ሰላም ካብ ጐረቤት ከምጽኣልና ወጢኑ ኣይኮነን ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ዝጠርጠርዎ ከኣ እቲ ህዝቢ ዝሕጐሰሉን ዝጥቀመሉን ክርኢ እንከሎ “ዓይኑ ደም ዝሰርብ” ዲክታተር ነቲ ዶባት ዓጽይዎ። ወዮ ወረ ሰላም ክመላለሰሉ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ኣፍደገታት ኤርትራን ትግራይ ኢትዮጵያን ከኣ እነሆ ውግእን ወረ ውግእን ዝመላለሰሉ ጸልማት ኮይኑ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ግጉይ ዞባዊ ሕሳብ ነቒሉ ዝዋሰኣሉ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክውዳእ ዝነበረ ትጽቢት በዓል ኢሳያስ ወጺኡ፡ ኣበየናይ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ኣይኮነንዶ ነዓና መንእሰያትና ዝሞትሉ ዘለዉ ንዓለም እውን ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።
ዕምቆት ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል ኢዱ ከም ዝሓወሰ ተኣሚኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከይተረፈ ይዋጥየሉ ኣሎ። ኣብቲ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺመምዎ ዝበሃል ዘሎ፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ምቕታል ሲቪል፡ ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ እንዳበልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእን ምጽራይ ዘድልዮን ገበናት ብዙሕ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ይቕዘፉ ምህላዎም ምጽራይ ዘየድልዮ ሓደገኛ ሳዕቤን ናይቲ ግጉይ ሕሳብ እዩ። ኣብቲ ይጻረ ዝበህል ዘሎ እውን ከምቲ “ዓይንና ዘይርእዮ ልብና ግና ዘይስሕቶ” ዝበሃል፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘይእዉጅ ግንዛበ ኣለዎ።
እዚ ክሳብ ሕጂ ብኣመራርሓ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ተበጺሑ ዘሎ ምፍሳስ ደም ዝተኸለ ዝምድና ኤርትራ ምስ ትግራይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ኢሉ እንተቐጺሉ ከኣ እቲ ሳዕቤን ብኽንድኡ ደረጃ ክዓርግ እዩ። እንተኾነ ሓንሳብ ተበላሽዩ እዩ ኢልካ ተስፋ ብምቑራጽ “ድላዮም ይግበርዎ” ዝበሃል ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ሃገርና ንምድቋስን ምስ ጎረባብታ ንዝነበረ ዝምድና ንምብልሻውን ዝተዓጥቀ ሰብ ኢዩ። ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ደለይቲ ፍትሒ፡ ዝተደርቖሰት ሃገር ከነሕዊ ንዝተበደለ ህዝቢ ክንክሕስ ንዝተበላሸወ ዝምድና ህዝብታት ናብ ንቡር ክንመልስ ግዴታና ስለዝኾነ ብሓላፍነት ክንሰርሓሉ ይህልወና።
ቃል ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ኣብ 5 ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ
Wednesday, 10 November 2021 22:49 Written by ኣስመሮም ኣስመሮምዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ሽማግለ ዞባ
ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ኣሰናዳኢትን ሓጻዪትን ኮሚቴ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳን ዕዱማት ኣጋይሽን
መደረይ ንኽልቲኡ ጾታታት ዝምለከት ኢዩ።
ኣቐዲመ፡ ምውቕ ሃገራዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም። ቀጺለ፡ ኣብ 5ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ንክሳተፍ ብኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ኮሚቴ ዝተገብረለይ ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ መሪሕነት ዞባ ኣውሮጳን ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለን፡ ነዚ ጉባኤ’ዚ ዕዉት ንክኸውን ዝገበርዎ ጻዕርታት ዘሎኒ ናእዳን መጐስን ክገልጽ እፈቱ።
5ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓለምና ዝተኸስተ ቀዛፊ ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ’ቲ ልሙድ ኣገባብና ግዚኡ ኣሕሊፉን ኣብ ክንዲ ብኣካል ብሳይበር ተክኖሎጂ ይካየድ ምህላዉን ፍልይ ዝበለ ተመኩሮ ይገብሮ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተፈለዩና ኣሓትን ኣሕዋትን መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ንቤተ-ሰቦምን መቓልስቶምን ድማ ጽንዓት ይሃበና ብምባል ኣብ’ቲ ንሎሚ ኣዳልየዮ ዘለኹ መግለጺ ክሰግር።
ክቡራትን ክቡራንን
ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ብሓደ ሸነኽ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ኣብ ዝተኸስተሉ፥ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ ከምክን ዝኽእል ሓያልን ንጡፍን ኤርትራዊ ምጥርናፍ ኣብ ዝበዀረሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ወቕቲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣንቶንዮ ግራሚቺ ዝተባህለ ኣባል ኮሚኒስት ፓርቲ ጣልያን ዝነበረ ውሩይ ተቓላሳይ፡ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ ቅልውላው ኢዩ ዝብሎ። ቅልውላው ብኣገላልጻኡ፡ “እቲ ኣረጊት ናብ ሞት ገጹ ክገማገም እንከሎን እቲ ሓድሽ (ወይ ተካኢ) ከኣ ከይተወልደ ክተርፍ እንከሎ ዘጋጥም ኢዩ ይብል። ኣስዒቡ፡ መፍትሒ ቅልውላው፡ ለውጢ ምምጻእ ምዃኑ ይሕብር።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝሕመሰሉ፥ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ህልቂት፡ ምፍንቓል፡ ስደት፡ ጥሜትን ሕማምን ኣብ ዝዀነሉ፥ ብፍላይ ከኣ፡ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ዝቐዘፈሉን ንማሕበራዊ ዝምድናታትን ቍጠባዊ ትሕዝቶን ኣህዛብ ዓለም ዘዛብዕ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ክስተት ኣብ ዝሰፈነሉን ወቕቲ ኢዩ ጉባኤኹም ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና እቲ ናይ 60ታትን 70ታትን ንቑሕን ተቓላሳይን ወለዶ እናሸምገለን ኣበርክቶኡ ድማ እናነከየን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ዝትክኡ፡ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተዓጥቁ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከነፍሪ እንተዘይክኢልና ኣብ ቀጻሊ ናይ ቅልውላው ዕንክሊል ክንኣቱ ምዃና ክሰሓት ወይ ክዝንጋዕ የብሉን። ስለ’ዚ ከነረጋግጾ እንደሊ ዘለና ለውጢ ብሓደ ሸነኽ ንምልካዊ ስርዓት ምውዳቕ፥ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈኖ ናይ ምስግጋር መድረኽ ምጥጣሕ ስለዝዀነ፡ ነዚ ዝበቕዑ መንእሰያት ንምድላው ኣበርቲዕካ ክስርሓሉ ዘለዎ ዕላማ ክኸውን ይግባእ።
ክቡራትን ክቡራንን
ኤርትራ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅውላው ንምንጋፋ ከም’ቲ ኣንቶንዮ ግራምቺ ዝበሎ ለውጢ የድሊ ኣሎ። እዚ ለውጢ’ዚ ከኣ፥ ብተሳትፎ ናይ ህዝቢ ኢዩ ዝመጽእ። ህዝቢ ለውጢ ከምጽእ እንተደኣኰይኑ፡ ዝመርሖን ዝውድቦን ኣካል የድልዮ። ግፍዕን ጭቆናን ዝመረሮም መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደገፍቲ ነበርን ተቓወምትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ተላዒሎም፡ “ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን” ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ድማ ሕድገታት ብምግባር ፍልልያቶም ከጻብቡን ማዕረ’ቲ መድረኽ ዝጠልቦም ዘሎ ደረጃ ብምዃን ናይ ምምራሕ ተራኦም ክጻወቱን ኢዮም ዝጥለቡ ዘለዉ። ነዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና፡ ነቲ ሃጓፍ ዝዀነ ይኹን ተወዲቡ ዝጸንሐ ሓይሊ ክመልኦ ናይ ግድን ኢዩ። ካብ’ዚ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ዕልዋ እንወስዶ ኣስተምህሮ ድማ፡ ኣብ’ቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምክፍፋል እንተደኣ ተፈጢሩ፡ እቲ ዝተወደበ ናይ ሰራዊት ሓይሊ ነቲ ምክፍፋል መዝሚዙ ነቲ ቃልሲ ክጨውዮ ከምዝኽእል ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝደፍኣሉ ዘሎ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ዝሰማምዓሎም መሰረታውያን ዕላማታት ንምዕዋት ንዅሎም ፖለቲካውን ሲቪላውን ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝሓቍፍ ወይ ዘሳትፍ ጽላል ምቛም መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።
ብወገና፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ምክልኻል፡ ንምልካዊ ስርዓት ምእላይ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብላ ነጥብታት ንምቛም ሓባራዊ ጽላል ከበግሳና ይኽእላ ኢየን ዝብል እምነት ኣሎና። ካልእ ዝጐደለ ኵልና ንሰማማዓሉ ዕላማ እንተልዩ እውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንዞባዊ ጕባኤናን ካብ’ዚ ጕባኤ ንእትምረጽ መሪሕነትን ዓወት እምነየሎም።
የቐንየለይ
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ንህዝባውን ፍትሓውን ቃልሲ
ውድቀት ንምልኪ
30 ጥቅምቲ 2021
ክቡራትን ክቡራንን
ኣቦ መንበርን ኣባላትን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ፤
ኣቦ መንበርን ኣባላትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ፤
ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፣ ኣባላት ጉባኤን ዕዱማትን፤
ኣብዚ ካብ ዓመትን ፈረቓን ንላዕሊ ብኣካል ምርኻብ ዝኸለከልና ቀታሊ ሕማም ለበዳ ኮቪድ19፡ ብካልእ ስልቲ፡ ብናይ ማዕዶ/ ቨርቹዋል መራኸቢ፡ ጉባኤኹም ምስልሳል ምብቃዕኩም ዮሃና እብል። ነቶም እዚ ሕማም ዝቐዘፎም መንግስተ ሰማያት፡ ነቶም ስንክልና ዝገደፈሎም ከኣ ምሉእ ምሕረት እናተመነኹ፡ ወዲ ሰብ ነዚ ሓደገኛ ሓማም ክስዕሮ እትስፎ። ኣብ ክሊ’ዚ ኩነታት እተካይድዎ ዘለኹም ጉባኤ እምበኣር፡ ከምቲ ንምድላዉ ዝተዓወትኩምሉ ንምዝዛሙ ከኣ ዓወታት ከሰንዮ እናተመነኹ ብስም ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምታይ አመሓላልፍ።
ክብራትን ክቡራንን
ዞባዊ ጉባኤ ኤውሮጳ ጉባኤ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን
- ሃገርና ድሕሪ 30 ዓመት እዋን ናጽነት፡ ጌና ኣብቲ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እናተዳህከት፡ ልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ እናወደቐ፡ ኣብ ናይ ወጻኢን ጉርብትናውን ጉዳያት ከኣ ሓደገኛ ኢደ ጣልቃነት እናተጋህደ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እዩ።
- ብዘይካ’ዚ፡ ዞባና ኣብ ናይ ኣጥፊኣካ ምጥፋእ ውግእን ዘይቅሱን ኩነታትን ይርከብ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተባርዐ ኣዕናዊ ኲናት ድሮ ዓመት ወሲዱ ኣሎ። ሕጂ፡ እዚ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፈርን ከምኡ’ውን ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ልሒሙ፡ መወዳእታኡ ንምግምጋም ብዘሽግር ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን፡ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ኩነታት ዓብሊልዎ ይጐዓዝ ኣሎ።
- ኣብ ሱዳን፡ እቲ ብ2019 ዮሃና ዝበልናዮ፡ መስርሕ ምሕዝነትን ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኪቑጸን ናብ ሓድሽ ህልቂታዊ ምስሕሓብ ክዝንብልን ይርአ ኣሎ። እቲ ዘይምቅዳው ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓይልታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓሌታዊ መልክዕ ዝሓዘ ግርጭታት’ውን የንጸላልዎ ኣሎ። ግምጠላ መንግስቲ፡ ምእሳር ኣካላት መንግስቲ፡ ቅትለታት ኣብ ርእሲ ምግሃዱ፡ ርእሰ ከተማ ኻርቱምን ካልኦትን ኣብ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣለዋ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝተወልዐ ናይ ዶብ ጐንጺ ጌና ኣብ ፍታሕ ዘይበጽሐ ኣሎ።
- ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ስልጣኑ ንምቕጻል ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ፡ ግዳማዊ ጸላእቲ ብምፍጣር ንሰራዊት ኤርትራ፡ ናብ ዘይናቶም ኩናት ከም ዝጽመዱ ምግባር’ዩ ጸኒሑ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ናብቲ ንሱን መሻርኽቱን ዝፈጠርዎ ውግእ ከም ዝድቕደቁ ብምግባር፡ ኣብ ገበናት ክሳተፉ ጥራይ ዘይኰነ ግዳያት ዘይቅኑዕ ውግእ ከም ዝዀኑ ገይሩዎም ኣሎ። ናይ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሓድሽ ወለዶ፡ ኣብ በረኻታትን ስንጭሮታትን ኢትዮጵያ፡ ንሞትን ንመውጋእትን፡ ተቓሊዖም ኣለዉ። ካብ ሞት ዝተረፉ ከኣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ነባሪ ኣካላውን ኣእሞራውን ስንክልና ሒዞም ጥEወር ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ኩሉ ብዘይካቲ ጨካን ድሌት ውልቀ መላኺ ምርካእ ረህባስ ይትረፍ ካልእ ትርጉም’ውን የብሉን።
- ብዛይካ’ዞም ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ከባቢና ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ንሕቶታት ርግኣትን ሰላምን ብዝምልከት መላእ ዓለም ክከታተሎ ዝርከብ ዓበይቲ ምዕባሌታት ኣሎ። ናይ ሚለንየም ዳም ምስሕሓብ፡ ናይ የመን ፖሊቲካዊ ኩነታትን ኣሕላቒ ውግኣትን፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማን ኩነታት፡ ነቲ ዞባ ብመላኡ ኣብ ሕልኽልኽን ዘይምርድዳእን፡ ተኸታታሊ ክሳራታትን ኣእቲዩዎ ኣሎ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጉባኤ፡
ንሕና ከም ሃገር ኰነ ከም ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ምዕባሌታት ኢና ዘሎና። ነቶም አብ ውሽጡ ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነ ከኣ ንኣህጉራዊ ፖሊቲካ ስሒቡ ዘሎ ምዕባሌታት እዩ። ዓበይቲ ተወዳደርቲ ሃገራት ከይተረፈ ዝሰሓሓባሉ ተርእዮታት ከይኑስ፡ ናይ ማዕዶ ውግኣት ክበሃል ብዝኽእል ዝተኣታተዋሉ ዘለዋ ኣብነታት ኣሎ’ዩ። ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ናብ መወዳእታኡ ዘይንጹር ናይ ምድኻም ውግኣት (war of attrition) ይቕየር ኣሎ ዝብሉ ሸነኻት ውሑዳት ኣይኰኑን። ንሕና ከም ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ክንዋሳእ ከሎና፡ በቲ ምዕባሌታት ብቐጥታ ንጽሎ። ብዛዕባኡ ንጹር መርገጽ ሒዝና፡ ክንጐዓዝ ድማ የድልየና። ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ሓይልታት፡ ውሁድ መርገጽ ሒዙ ይጐዓዝ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝተፈላለየ ምርገጻት ሒዙ’ዩ ክጐዓዝ ጸኒሑ። ሰልፍና ነዚ ብዝምልከት ምስ እዉጅ መስመሩ ዘሳኒ መርገጻቱ ብንጹር ኣብርሁ ኣሎ። እቲ መርገጻት ብዘተ ማዕቢሉ፡ ናይ መላእ ደምበ ተቓውሞ ሓፈሻዊ መረዳድኢ መርገጽ ንክኸውን ከኣ ክጽዓረሉ ጸኒሑ።
ኣዋጃት ማእከላይ ባይቶ ከም ዘብርሆ፡
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ውግእ ኣዕናዊ ምዃኑ፣ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝተኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሃልቅሉ ዘለዉ ምዃኑ፤
- ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንረብሓኡ ዘየገልግል፡ ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ብምሽራኽ፡ እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ብትሪ ክቃወሞን፡ ኣብ ጎኒ እቶም ንሓርነቱን ንፍትሒን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታቱ ደው ክብልን፤
- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ብሓፈሻ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ክዅነኑ፤
- ኣብዚ ውግእ’ዚ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት፡ ብሻራ ዘይብሉ ኣካል ክምርመሩን ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ብዕቱብነት ክሰርሕሉ፤
- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምግታእ ገደብ ዘይብሉ ናይ ረዲኤት ስርሓት ክካየድን ኣገልግሎታት ክጅመርን፤
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግኣት ደው ንምባል፡ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ፖሊሲ ናይ ሰልፊ ተመርኲሱ፡ ነዚ ኣዕናዊ ኲናት ዝኹንን ሰላማዊ ስልፍታት፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ስጉምታትን ናይ ኤርትራ ምትእትታውን ዝጻረር ምሕዝነታዊ መርገጻት ከም ዘንጸባረቐ፡ ጸብጻባት በጺሑና እዩ። እዚ ጉባኤኹም ከኣ ከምዚ ንዝበለ ንጥፈታት ብምድጋፍ፡ ናይ ሰልፊ መርገጽ ብዝያዳ ከተንጸባርቑ ዘሎና እምነት ልዑል እዩ።
ክቡራትን ክቡራንን ጉባኤኛታት
ኣብ መዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ድሕር’ቲ ብ2019 ዘተኻየደ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ዓቢ ክፋል ናይ ኣትኩሮና ተዋሂብዎ ምጽንሑ፡ ብደረጃ መሪሕነት ኣብያተ ጽሕፈትናን ዞባታትናን ዝተዋሳኣናሉ መዳይ ምዃኑ፡ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ጉባኤ ብዝተዋህበና ሓላፍነት፡ ከም ሰልፊ ኩሉ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝዀነ ሓይልታት ንምጥርናፍ ዘካየድናዮ ንጥፈታት ኣዝዩ ዝምስገን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ድሕሪ ስምምዕ ለንደን፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ምውህሃዳዊ መድረኽ ምጅማሩን፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላውን ኣወንታዊ እዩ። እንተወሓደ ነቲ ናይ ሓድሕድ ምትፍናንን ምንጽጻግን ወጊዱ፡ ናብ ልዝባት ክንኣቱ ኣብቂዑና። ግን እቲ ዝበሃግናዮ ኩሉ ረኺብናዮ ማለት ኣይኰነን። ክንዛነ ዕድል ብዘይህብ ጻዕርታትና ክንቅጽል የድልየና። ከም’ዚ እንከሎ ግን ማዕረ’ቲ ዝተጸበናዮ ኣይኹን’ምበር፡ ኩልና እቶም ንፍትሒ እንቃለስ መምስ ርእይቶና እንከሎና ምክብባርን ምጽውዋርን ከነስተናግድ በቒዕና ኢና። ሕጂ ናብ ሳልሳይ 6 ወርሒ ናይ ምውህሃዳዊ መድረኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰፊሕ ኩሉ ሓቆፍ ኤርትራዊ ጸረ ምልካዊ ጽላል ንምፍጣር ዘኽእል መጽናዕታት ተዳሊዩ ኣሎ። ንሕና ከም ሰልፊ ካብ መድረኽ ምውህሃድ ሰጊርና፡ ነዚ መጽናዕታት ኣጽዲቕና፡ ሰፊሕ ጽላል ናብ ምፍጣር ንበገስ ዝብል ርእይቶ ኣሎና። ንኹለን መሻርኽቲ ሓይልታት’ውን እዚ ርእይቶና ኣቕሪብና ኢና። ማእከላይ ባይቶ ብዘጽደቖ መሰረት ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ናብ ምድላዉ ክንኣቱ ብወገንና ወዲእና ኣሎና። ግን ‘ብሓደ ኢድ ኣይጣቓዕን’ ከም ዝበሃል፡ መሻርኽትና ዘይወድእዎ ጉዳያት ተረኺቡ ብምህላው እቲ መስርሕ ጌና ኣብ ትጽቢት ኣሎ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት፡ ኣውራ ድማ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዝተፈላለየ መርገጻት ብምንጽብራቑ ነቲ ሓባራዊ ዕዮ ኣዳኺምዎ። ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ህንጸት ምትእምማን (Process of trust building) እውን ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ። ንሕና ነቲ ኩሉ ህዝብና ዝደልዮ፡ ኩሎም ፈተውትና ዝጽውዕዎ፡ ኩሉ ተቓዋማይ ድማ ዝጭርሓሉ፡ ስሙር ዕዮ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ኣይክንደክምን ኢና። ንእሽቶ ቁልዒ ናይ ምትሕባባር እውን እንተዀነት ከነጉህራን ናብ ሃልሃልታ ስምረት ከነማዕብላን ክንጽዕር ኢና።
በቲ ካልእ መዳይ ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ነተን ኣብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጥራይ ተጸሚደን ዘለዋ ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። እቲ ቃልሲ ናይ ኩሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓይልታት እዩ። ስለ’ዚ ቀጻሊ ዘተ ብምክያድ፡ ሓደ ሸለል ዘይበሃል፣ ተረጊጹ ዘይሕለፍ፣ ሓባራዊ ድምጺ ኤርትራውያን ዘቃልሕን መሰላት ኤርትራውያን ዝሕሉን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምምስራት ተደላይነቱ ህጹጽን ዕዙዝን እዩ። በዚ መሰረት መሪሕነታት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ምስ መሪሕነት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን (ዓምይኤ) ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ልዝብ ጸኒሑ። ሕጂ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 መዘክር መርድዳእን ስምምዕን ክኽትም በቒዑ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ብምውህሃድን ናይ ጽምዶ ስራሓትን ጀሚሩ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ሓይሊ ወይ ጽላል ምምስራት ዘማዕዱ ስምምዕ እዩ። ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ምስ ዓምይኤ ሓባራዊ ዕዮ ብተግባር ክጅምር ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ጉባኤ
እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓበይቲ ሃገራውን ከባቢያውን ኩነታት ከም ሰልፊ ዝምልከተናን፡ ብቐረባ እንሰርሓሉ ዘሎናን ጉዳይ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍና ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ኣብ’ዚ ዓበይቲ ጉዳያት ኣገዳሲ ብቑዕ ተራ ዝህልወና ግን፡ መጀምርታን ልዕሊ ኩሉን፡ ንሕና ምስ እንህሉ እዩ። ምስ ህላዌና ዝመጣጠን፡ ስጡምን ብቑዕን ሰልፊ ምስ እንሃንጽ እዩ። እንተዘይሃሊና ወይ እንተደኺምና ማዕረኡ ተራና ይህሰ። በዚ መሰረት ሰልፍና ምህናጽን ምዕባዩን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ጠጠው ኣይብልን’ዩ። ብዝተነጸረ፡ ካልእ ምንቅስቓሳት ንህንጻ ሰልፍና ኣይትክኦን እዩ። እዚ ማለት፡ ኣብ ጥዑምን ህዱእን ኩነታት ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ። ኣብ ጽንኩር፡ መሪርን፡ ዝተሓላለኸን ኩነታት እውን ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ። እቲ ሰልፊ ብቑዕ ዝኸውን ከኣ፡ ንጹር ራእይ ዝወነነ፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዝሓለወ፡ ኣብ ግዜ ህቦብላን ዘይርጉእ ንፋስን ዘይነቓነቕ፡ ምስ ዝኸውን እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ንዝምድናታቱ ዝጠምር ሕግታት ዘለዎ፡ ኣብ ግዜኡ ጉባኤታቱ ዘካየድ፡ኣብ እዋኑ ምቅይያር መሪሕነታቱ ዘዘውትር፡ ምልኣት ተሳትፎ ሕብረተሰባዊ ክፍልታትና ዘረጋግጽ ሰልፊ ክኸውን የድልዮ። ኣውራ ከኣ ነዚ ኩሉ ብግቡእ ዝርዳእ ንቑሕ፡ ሓያልን ውፉይን ኣባል ዘለዎ ሰልፊ ምስ ዝኸውን እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣባል ዘለዎ ሰልፊ፡ ንዲሞክራስያን ግዝኣተ ሕጊን ዕጥቁ ስለ ዝገብሮም፡ ሕማቕ ኩነታትን ፈተነታትን እንተጋጠመ’ውን፡ ነቲ ፈተነ ሰጊሩ ዝቕጽል ዘይሰዓር ወይ ዘይሓቅቕ ሰልፊ’ዩ ዝኸውን።
ዞባ ኤውሮጳ እምበኣር፡ ብተረድኦይ ዓቢ ተልእኾ ተሰኪሙ እዩ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ። ጉባኤኹም ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ሰዲህኤ እዩ። ምዕዋቱ ከኣ ናይ ሰልፊ ዓወት’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ እውን ዓቢ ናይ ዓወት መቓልሕ ክሰድድ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ሰዲህኤ ኤውሮጳ፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰልፍና ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ምዕሩግ ቦታ ከም ዝሕዝ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ኣብቲ መሪር ኩነታት ናይ ሰልፊ ጾር ክስከሙ ዝበቕዑ ኣባላትን ጨናፍርን ነይሮሞ። ሕጂ’ውን እዚ ምዕሩግ ቦታ’ዚ ክሕደስን ብዝለዓለ ንጥፈት ግቡእ ሰፈሩ ክሕዝን ጉባኤኹም መነሃርያ ክትገብርዎ እዋኑ እዩ።
በዚ መሰረት ጉባኤኹም ዓወታት ከሰንዮ፡ ንመስመር ሰልፊን ተራኡን ዘዕዝዝ ክኸውን እናተመነኹ፡ ብውጽኢት ናይ ጉባኤ መሰረት ከኣ፡ ኩለን ጨናፍር ኤውሮጳ፡ ክገጥመን ዝጸንሐ ሽግራትን መሰናኽላትን ሰጊረን ክስስና፤ ብሓድሽ ንያትን ብሓድሽ ተወፋይነትን፡ ኣባላተን ከብዝሓን ኣድማዒ ዕዮታት ከብርክታን፡ ትጽቢትናን ትጽቢት መላእ ኣባላት ሰልፍናን ምዃኑ ከመልክት እፈቱ።
ዕዉት ጉባኤ ይገብረልኩም!
ሰዲህኤ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!
ተስፋይ ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
ጥቅምቲ 30, 2021