EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝኸበረ ናይ ሓባር ንብረቱ ናጽነቱን ልኡላውነቱን እዩ። እዚ መግለጺ መንነቱ ዝኾነ ክብረቱ ክቡር ዝኾነሉ ምኽንያት ብህያብ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ክቡር ኩለ-መዳያዊ ዋጋ ዝተኸፍሎ ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ነዚ ክቡር ንብረት ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ሰፊሕ መግለጺ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። 30 መረርቲ  ዓመታት ኣብ ትንፋስ ዘይህብ መሪር ቃልሲ ዝተጓዕዘሉን ናብ ሚእቲ ሺሕ ዝገማገም ስዉኣት ዝተኸፍልሉን ምዃኑ ጥራይ መርኣያ ክብሪ ናይቲ ዋጋ እዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ኣብ ምውሓስ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተመለአ፡ ሰላማዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን ኤርትራ ናይ ምውሓስ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቀጻሊ ዕማሙ ንምዕዋት ከኣ ጌና ይቃለስ ኣሎ። እዚ ሕጂ ዘለዎ ሃለዋት ከኣ ነዚ ዝገልጽ እዩ። ኣብ መስርሕ እቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረኣዩን ፍሉይ ክብደት ዝወሃቦምን፡ ፍጻመታት፡ ቦታታት፡ ዕለታትን ውልቀሰባትን ኣለዉ። ዕለታት  ጀማሪት ሰውራ ኤርትራ ባሕቲ መስከረምን ተረካቢት ናጽነት 24 ጉንበትን ከኣ ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን።

24 ጉንበት መዓልቲ  ናጽነት ኤርትራ፡ ካብተን ብኤርትራውያን ፍሉይ ግምት ዝወሃበን ታሪኻዊ ዕለታት ብኣብነት እትጥቀስ ዕድለኛ መዓልቲ እያ። ህዝቢ ኤርትራ ንመዓልቲ ናጽነት ዘኽብራ፡ ፍረ ናይ 30 ዓመታት መስዋእቱ ሓፊሱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝሰገረላ ስለ ዝኾነት እዩ።  ንመዓልቲ ናጽነት፡ ካብቲ ንነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝወሃብ ክብርን ምስጢርን ዘይፍለ ግምት ክትረክብ ውሁብ እዩ። ነዛ ዕለት እዚኣ ግቡእ ክብሪ ዘይምሃብ፡ ናብ ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዋጋ ምንፋግ ዝወስድ ሓደገኛ ኣጠማምታ እዩ። “ኤርትራውያን ንመዓልቲ ናጽነት “ኣይፈትዉዋን ኣየኽብርዋን እዮም” ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ኣብ ግዜ ረፈረንዱም ዝሃቦ 98.8 ሚእታዊት ናይ “እወ ንናጽነት” ድምጽን ክሒዱ ናብ “ኤርትራውያን ንናጽነቶምን ልዑላውነቶም ኣይድግፍዎን እዮም” ዝወስድ ጠላም  ተረድኦ’ውን እዩ። ክሳብ ክንድዚ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ናይ 30 መጋቢት 2021 ዘይሓላፍነታዊ ሰሙናዊ  ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራውያን ቁጠዐን ሕርቃንን ኣሕዲሩ ዘሎ።

ኤርትራውያን በዚ ንህዝባዊ ክብሮም ዝግህስ ኣበሃህላ ኣንበሳድር ዲና ሙፍቲ ዝለዓለ ቁጠዐ ከም ዘኸትል ከይተሓልመ ዝተፈትሐ  ነይሩ። ከምኡ ከኣ ኮይኑ። ምኽንያቱ “ብዘይምጻእ ኣይትምጸኣና” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ  ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ብጥሪኡ ብድድ ኢልካ ምቑጣዕ ዘይኮነ “እዚ ኣንበሳደር መን ኣጆኻ ምስ በሎ እዩ  ከምኡ ኢሉ፡ መን ብዝኸፈተሉ ናይ ንዕቀት ኣፍደገ እዩኸ ኣትዩና?” ኢልካ ምሕታት የድሊ። ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ  ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ምርካብ ምኻድ እውን ግድን’ዩ።

ንመዓልቲ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ እውን ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቖ ዘሎ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ።፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ “ድሕሪ ሕጂ  ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እዩ ዝመርሓና፡ ኣነ ከኣ ኣብ ጐኑ ኣለኹ። ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘሕለፍናዮ ግዜ ዝባኸነን መዋእል እዩ።  ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም።” ምባሉ ክሳብ ክንደይ ንልኡላውነትና ንሓደጋ ከም ዘቃልዖ ምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። እዚ ዘይሓላፍነታውን ሃላልን ኣበሃህላ ኢሳያስ ደኾን ንብደዐ ዲና ሙፍቲ ኣተባቢዕዎ ይኸውን? ኢልና ክንሓትት ይግበኣና። መልሱ “እወ” ከም ዝኸውን ከኣ ርዱእ እዩ።

 ኢሳይስ ንዝሓለፈ 3 ዓመታት ብጉዳይ ልኡላውነትና  ንብዙሓት ብዘስደመመ ከም ድላዩ ክጣላዕ ጸኒሑን ኣሎን። ነቲ ምቁማሩ ዕታር ዕንበባ እንዳሃብካን ናይ ቅብጡሮት ኣስማት እንዳኣውጻእካን “ቀጽል ጥራይ” ክትብሎ ጸኒሕካ፡ ሎሚ ንዲና ሙፍቲ “ዓይንኻ ንሓመድ” ምባል “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝየብል ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ንዲና ክንቃወሞ ኣይነበረናን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ናይ 2019 በዓል ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጐንደር ዝተጸንበለሉ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘርኢ ናይ ቀደም ካርታ ብዓብይ ቅርጺ ንምርኢት ካርኒቫል ቀሪቡ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ኣንበሳደር ሰመረ ርእሶም ዝመርሖ ልኡኽ ህግደፍ ብሕም ከምዘይበለ ንዝክሮዶ ንኸውን?

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ምስቶም ካብ መሰረቱ ተገዲዶም እምበር ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይቅበሉን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከኣ “ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ብምሃብ” ዝኸሱን ወገናት እዩ ወጊኑ ዘሎ።  ምውጋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስኣቶም ኮይኑ እዩ ኣንጻር’ቶም ክሳብ ሕጂ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይጠለሙ ኢትዮጵያውያን ዝዋጋእ ዘሎ። ናይ ኢሳያስ ናይ ኣሰላልፋ ሕሳብ፡ ኣንዊሑ ዘይጥምት ኣብ ጸቢብ ምርዋይ ስምዒቱን ምጽምጻብ ሕዱር ቂምን እምበር ኣርሒቑ ብዛዕባ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ብማዕበል ኤርትራዊ ቁጠዐ ሰንቢዱ “ኣበሃህላይ ብጌጋ ተወሲዱ ኣሎ” ብዝብል ከብርህ ፈቲኑ እዩ። በቲ ኮነ በቲ ነታ “ኣብዚ እዋንዚ እንተዝሕተቱ ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዝተፈልዩላ ዕለት ኣየኽብርዋን ኣይፈትውዋን እዮም።” እትብል ምልእቲ ሓሳቡ ግና እትእረም ትኽእል ኣይኮነትን። እዚ ኣንበሳደር ምናልባት ደኣ ኣብ ኣመራርጻ መድረኽን ኣቀራርባ ሜላን ጌጋ ፈጢሩ ይኸውን እምበር፡ “ካብ መሬት ቦግ ኣቢሉ” ዝበሎ ኣይክኸውንን እዩ፡ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

እቲ ጉዳይ ኢሳያስ ክመጾ ንዝጸንሐ መንገድን በጺሕዎ ዘሎ ናይ ጥልመት ብራኸን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ሓድሽን ሃንደበታውን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብኽንድዚ ደረጃ ንኤርትራውያን ምቑጥዑ ዝድገፍ እዩ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡  ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ዝተረኽብሉ ይቕረታ ሓቲቱ ዝብል መደዓዓሲ ዜና’ውን ሰሚዕናዮ። እዚ  እሞ ከኣ “ዝኣኽለን ጥሒነንስ በዓለ-ማርያም ይብላ እዩ።” ደሓር ባዕሉ እቲ ቀንዲ ናይቲ ጉዳይ ጠጃኢ ኢሳያስ ይቕረ ዘይበለላ ልኡላዊት ሃገር ብናይ ደመቀ ይቕረታን ብናይ ዲና ሙፍቲ ምትዕርራይ ቃላትን  ክትድሕን እያ ኢልካ ምሕሳብ  ግርህነት ወይ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ መዳህለሊ ተቓለስቲ  እዩ። እንተ’ቲ ክንዲ ህግደፍ ዝኣክል ጠላም ጉጅለ ኣቐሚጥካ ንዲና ጥራይ ምርጋም ግን “ዓንጸዓንጾ ንማዕጾ” ስለዝኾነ፡ ቀዳማይ ጠመቴና ሓግሒግካ ምድርባይ ኢሳያስን ስርዓቱን ዳኣ ይኹን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ኣዝዩ ይሕቆን እዩ ዘሎ። ኣብዚ ዝሕቆን ዘሎ ማዕበል ጉዳይ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣ ካብ ትግራይ ጀሚርካ ክሳብቲ ካልእ ጫፋ ብኣርባዕተ መኣዝና መትሓዚ ስኢኑ ዘሎ ህውከት፡ ምስ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ዓብይ ግድብ ኣባይ ኣትያቶ ዘላ ምስሕሓብ፡ ምትፍናን ሶማልያ ምስ ኬንያን ውሽጣዊ ጉዳያን፡ ህውከትን ውግእን ዝማእከሉ ረብሓ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ሰለስተ ዓመቱ ክደፍን ሒደት ኣዋርሕ ተሪፍዎ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ኤርትራ ብዘይካቲ ምስ ከባቢኣ እትካፈሎ ዘላ ጸገም፡ ናታ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝዕድሚኡ ክሳብ ሎሚ  ብግቡእ ዝስመዓሉ መድረኽ ከይረኸበ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ዝጠንቁ ዘቤታዊ ጸገም ኣለዋ።

እዚ ናይ ከባቢና ጸገም ኣብቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ተዋሳእቱ ጥራይ ዝደረተ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ብዙሓት ነናቶም ፖለቲካዊ ሕሳብን ውድድርን  ዘለዎም ወገናት ቀልቢ እውን ይስሕብ  ኣሎ። ዝስማዕ ዘሎ ድምጺ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካልኦት ሓያላትን ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዘን ትካላት ብሓፈሻ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይእከባን ይብተናን ይሰማምዓን ይፈላለያን ኣለዋ። ኣብ መወዳእታ ብፍላይ ንኢሳያስ ዋጋኡ ኣብ ዝህብ ቀጻዒ ስምምዕ ከበጽሓ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣዝዩ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ግምት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለያ ሰብኣውን ረድአታውን ትካላት ኣሕዲርዎ ዘሎ ሻቕሎት ቀሊል ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ተግባሩ ፈሊጡ ኣጽቂጡ ዝነበረ ዲክታተር ኢሳያስን ሓቢእዎ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣበሳን እውን ቃልዕ ወጺኦም ካብቲ  ኢሳያስ ዝደልዮ መንገዲ ወጺኦም መዛረቢ ዝኾኑ ዘለዉ ይመስሉ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድም ኣብቲ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኢትዮጵያ፡ ደሓር ከኣ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ምእታዉ፡ ንናይ ከባቢና ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝያዳ ካብ ዝወጠርዎ ጠንቅታት ሓደ እዩ። ወዮ “ዓገብ” ክበሃል እንከሎ ምጽቃጥ ዝለመደ ጉሒላ ኢሳያስ፡ ሎሚ “ሰራዊትካ ካብ ውግእ ትግራይ ኣውጽእ” ዝብል፡ ዘይምሕር ዝመስል ቀጢን ትእዛዝ ተዋሂብዎ ኣሎ። እዚ ከምቲ “ከይተጸውዐ ዝመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ” ዝበሃል፡ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ንምስሊ ኢሳያስ ከጸባብቕ ክብል ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክሓባብእ ጸኒሑ፡ መህደሚ ምስተሳኣነ ግና እነሆ “መራሒ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ” ዝበል ዜና ጌና ቀለሙ ከይደረቐ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ እዩ” ክብል ሰሚዕናዮ። ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ግና ብዛዕባ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከይጠቐሰ’ዩ ተዘርጊሑ። ስለዚ ካብዚ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ  ብበይኑ ትሕዝቶ ዝወጸ መግለጽታት ነቒልካ ከምቲ ወዲ ገብሩ “ኣየናይ ክካሓድ ኣየናይ ክእመን፡ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕንቅርቢት ተመን” ዝበሎ እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ውግእ ትግራይ  ሰዲህኤ፡ ሎሚ እንድግፎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኣጀማምራኡ እውን ዘይተቐበልናዮ እዩ። ከም መወከሲ፡ ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምብራዑ፡ ንዕኡ ብዝምልከት ዝተጋብአ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነቲ  ዘሕዝን ተረኽቦ  ብግቡእ መዚኑ፡ “…  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን  ሰራዊት ኤርትራ ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።”  ዝበሎ  ምዝካር ይከኣል።

እቲ ብዘይትካላዊ ኣገባብን ዘይግሉጽ መስርሕን ዝተጀመረ፡ ደፋእቱ ዘይተፈልጡ ናይ ሆይሆይ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ከምዚ ዓይነት ወዛል መግለጽታት ከውጽእ ተገማቲ እዩ። እዞም ዘይረግኡ ክልተ ሰባት ናይ ህዝብታት ሓላፍነት ዝስመዖምን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተሉን ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ብዛዕባ ክንድዚ ዝኣክል ተሃዋሲ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ “ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ” ናይ ሓባር መግለጺ ክወጽኡ እንከለዉ፡ ዝጸሓፈሉ ቋንቋ ተመሪጹ ዕላዊ ክታማት መራሕትን ኣርማታት ሃገራትን  ኣሰንይዎ ክዝርጋሕ መተገብአ። ግና ከምኡ ኣይተገብረን። ምኽንያቱ ኣጀማምራ ናይቲ ስምምዖም እውን ብባህሪኡ ናብዚ ንዕዘቦ ዘለና ህውተታ ዝወስድ እዩ።  “ምናልባት  ዘይተሰማምዑ ከይኮኑ’ሞ፡ ካብቲ ዘይብሱል ዝምድና ነናቶም መህደሚ ኣቕጣጫ ይመርጹ ከይህልዉ” ንዝብል ሓሳብ እውን ፈጺምካ ቦታ ትነፍጎ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን ካብዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ  ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ  ዝገበሮ ዝምድና ከሲርና እምበር ኣይከሰብናን። እዚ ስግንጢር ሰብኣይ ግና፡ ከምዚ ብምግባሩ ነታ “ኣይከሰርናን” እትብል ቃል መውጽእ ኣፉ ገይርዋ ጸኒሑ። ልኡላውነትና ብሰንክዚ ግዕዙይ ቅዲ ዝምድና ኢሳያስ ኣብ ሓደጋ ኣሎ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ምፍዋሱ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዝወስድ ቅርሕንቲ ኣእትዩና። ብዓብይኡ ከኣ ኤርትራውያን ጉዳዮም ኣብ ዘይኮነ ሓዊ ጠቢሱ ኣወዲእዎም። ኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ጥቓ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ እነሆ ቀዳማይ ሚኒስተራ ንኢሳያስ ጐቲቱ ኣምጺኡ፡ ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ክሳራን ቅልውላውን ኣውዲቕዋ። ካብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ምስኣ ጥዑይ ርክብን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን  ዝነበሮም ኣካላት ኣርሒቐምዋ። ብዓብይኡ ከኣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ  መውጽኢኡ ጠፊእዋ ዘሎ እዉጅን   ዘይእዉጅን ውግኣትን ህውከትን ዝወደቐት ብሰንኪ ምስዚ ነቲ “ይመርሖ ኣሎኹ” ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራኳ ዘይኮነ  ዲክታተር ምዝማዳ እዩ፡ ኢሎም ዝድምድሙ ኢትዮጵያውን ዓው ኢሎም ኣብ ኣደባባያት ምዝራብ ጀሚሮም ኣለዉ።

“ኣመለኛ ልማደኛ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳያስ ምናልባት ሎሚ እውን፡ እታ ተሪፋቶ ዘላ መጻወቲት ካርታ ንሳ ጥራይ ስለ ዝኾነት፡ ከዳህልል ይፍትን ይኸውን። ሓደ ካብቲ ክገብሮ ዝኽእል ፈተነ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ጸቕጢታት ከም ዝተቐበሎ መሲሉ “ይወጽእ ኣለኹ” እንዳበለ፡ ወተሃደራዊ ክዳውንትን ካልእ “ከየቃለዓኒ” ዝብሎ ምልክታትን ቀያይሩ፡ ኣብ ትግራይ ክቕጽል ይሕልን ይኸውን። በቲ ካልእ መዳይ ውን መደባት ኢሰያስን ኣቢይን ስለዘይፍለጥ፡ ኢሰያስ “ምርግጋእ ኢትዮጵያ ከም ቀዳማይ ዕላማና ኢና ንወስዶ” ስለ ዝብል፡ ሓይልታቱ ናብ ካልእ ወጥሪ ዝርከቦ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣውፊሩ ቦታ  ሰራዊት ኢትዮጵያ  ይትክእ ይኸውን። እንተኾነ ዓሚ ሎሚዘበን ስለ ዘይኮነ፡ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ብዙሓትን ሓያላትን ኣትዩ ስለ ዘሎ መሕብኢ ኣይክረክብን እዩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሰንኪ ውዲታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዋጥር ኣትዩ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝስምዑን ዝግመቱን ጸብጺብካ፡ ኩነታቶም ጋና ኣፍካ መሊእካ “ውዲታቶም ተቓሉዑስ ኣብ ዝፋትሕሉ ደረጃ በጺሖም” ዘብል ኣይኮነን’ሞ ምክትታል የድሊ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ወጻዒ ጥራይ ዘይኮነ ገበነኛ እዩ። እቲ ገበን ነዚ ጉጅለ ብዓይኒ ጽልኢ ዝልጠፎ ዘይኮነ፡  ንተግባሩ ስለ ዝምጥን እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ይገዝእ። ናይ ኤርትራውያን ናይ ምውዳብ፡ ምዝራብን ምሕሳብን መሰል ይገፍፍ። መሰል ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምስዓብ ኣየኽብርን። ልዕልና ፍትሒ ኣየዘውትርን። ንዜጋታት ይስውርን የጥፍእን። ኮታ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ኣየኽብርን። እኩብ ድምር ናይዚ ጉጅለ ሕማቕ ተግባራት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝደረት ዘይኮነ፡ ናብ ጐረባብትና ሃገራት እውን ዝልሕም ዘሎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝፍጸም ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ እዚ ጉጅለ ዶብ እናሰገረ ዝፍጽሞ በደላት እውን ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮነን።

እዚ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ጐረባብትና ሃገራት ዝፈስስ ዘሎ ገበናት ህግደፍ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ፡ ባህሪያቱ ኮይኑ; መስርሑ ሒዙ ዝመጸ ምዕባለ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንመስርሕ ኣመዓባብላ ገበናት ናይቲ ጉጅለ ይከታተሎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ፡ “ወዮ ብሳላ ክቡር መስዋእቲ ደቀይ ኣብ ስልጣን መጺኡስ ሕድሮም ክሒዱ ኣይክጠልመንን እዩ” ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ ምእንቲ ኣሕሊፉ ከይህቦ ንዝርእዮ ዝነበረ ሕጽረታት’ውን  ክኽውለሉ ኢዩ ዝፍትን ነይሩ። ጌና ግዜ ረኺቡ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ናተይ ኢሉ ንከዕሪ ህዝብና ልቢ ኣዕብዩ   ዕድል ሂብዎ እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ንትዕግስቲ ህዝብና ብኣንጻሩ ብሕመቕን ዘይምስትውዓልን ተርጒሙ መደልደሊ ናይ ወጽዓ መሳርሒኡ ተጠቒምሉ። ደሓር ግና ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ብቕንዕና ዝሃቦ ዕድል መዝሚዙ ኣንጻሩ ውዲታት ይምህዘሉ ከም ዝነበረ እናተረድአ መጺኡ። እነሆ ከኣ ብውሽጥን ወጻእን ብዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ነዚ ጉጅለ ይቃለሶ ኣሎ።

ኣብቲ መጀመርታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተግባራት ህግደፍ ሓደ ዓይነት ኣመዛዝና ኣይነበሮን። ገሊኡ “ጌና ዕድል ንሃቦ” ክብል እንከሎ ገሊኡ ግና ካብ ቀደሙ እውን “በዓል ደሓን” ከም ዘይነበረ ተረዲኡ ንቃለሶ ደኣ ኢሉ። ሎሚ ግና ከምቲ “ሓቅን ወጋሕታን እንዳሓደረ ይበርህ” ዝበሃል፡ ሓቀኛ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ተቐሊዑ እዩ። “መን ይድግፎን ስለምንታይን፡ መን ይቃወሞን ስለምንታይን” ከኣ ተነጺሩ እዩ። ሎሚ እቲ ሓፋሽ ነዚ ጉጅለ ዝቃወሞ ኮነ፡ እቶም ውሑዳት “ምሳኻ ኣለና” ዝብልዎ፡ ብዘይካ ገለ ገርሀተኛታት፡ መን ንፍትሒ ተሰሊፉ፡ መንከ መሳርሒ ወጻዒ ይኸውን ኣሎ ተነጺሮም እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝቃለስ ዘሎ፡ ነዚ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከቃልዖ ዝለዓለ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦኳ እንተዘይኮነ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንምሕጽንታ ህዝብና ሰሚዖም ንገበናት እቲ ጉጅለ ተረዲአምዎ እዮም። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ካብ ምርዳእ ሓሊፎም ዓው ኢሎም “ዓገብ” ካብ ዝብልዎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንኣብነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እተጽንዕን እትምርምርን መዝነታ  ዓመታዊ ዝሕደስ ኣካል ካብ ዘቕውም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት እውን በብወገነን ጉጅለ ህግደፍ እሱራት ክፈትሕ ወይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርብ፡ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብቑጽሪ 82/1995 ዝኣወጆ መወዳእታኡ ግና ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከቋርጾ ክምሕጸና ጸኒሐን እየን። እቲ ጉጅለ ግና ብትዕቢት ተሸንዲሑ ነቲ ስምዕታ ዋጋ ኣይሃቦን። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ቀዳማይ ጻዕሩ ኮይኑ ዝነበረ ሓቀኛ ምስሉ ምሕባእ እዩ። ምእንቲዚ ከኣ፡ ኩሉ መራኸብታት ዓጽዩ ደሓር ከኣ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ኣጊዱ ንኤርትራ ካብ ዓለም ነጺሉዋ። እንተኾነ ከምቲ “ሓቅስ ብእግራ እንተ ቀበርካያ ብርእሳ ትወጽእ” ዝበሃል፡ ሃለዋት ኤርትራ ተሓቢኡ ኣይተሓብአን።

ህግደፍ ነቲ ብሰንኪ ተግባሩ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ብኩራት ዲሞክራሲ ከስፋሕፍሕ እሞ “እቲ ጸገም ኣባና ጥራይ ኣይኮነን” ንምባል ንክጥዕሞ ክጽዕር ጸኒሑ። እነሆኳ ከም መርኣያ ምልኪ ናይ ምርባሕን ምስፍሕፋሕን ተግባሩ ምስ ኩሉ ክፋኡ ናብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ሰጊሩ። እንተኾነ እዚ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታዉ ከምቲ “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዝበሃል መዓት ክጐቲትሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ብ22 መጋቢት 2021 ኩለን ኣባል ሃገራቱ ዝተሰማማዓሉ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት   ህግደፍ ዝርዝር ኣተገባብራኡ ደሓር ዝረአ እገዳ ወሲኑ። ንናይ ጸጥታ ትካላቱ ድማ ኣብ ናይ ገበነኛታት ዝርዝር ኣስፊርወን ኣሎ። እቲ ጠንቂ ከኣ በዚ ትካላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትርውያን ክፍጸም ዝጸንሐ ገበናትን ምስቓይን እዩ።

እገዳ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ሓድሽ ስለ ዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ዘምጸኦ ለውጢ የለን ይበሃል ይኸውን። እንተኾነ እዚ ናይ ሎሚ እገዳ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ  ብፍላይ ኣብቲ ጠንቁ ይፍለ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ህግደፍ “ንኣልሸባብ ስለ ዝሓገዘ” ብዝብል ንኤርትራዊ ዘቤታዊ  ጉዳይ ኣብ ግምት ዘየእተወ እገዳ እዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ግና ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘትከለ ዘቤታዊ ዝመንቀሊኡ ምዃኑ ዝተፈልየ  እዩ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ እቲ እገዳ በዚ ዘብቅዕ ኣይመስልን እዩ።

እገዳ ኣብ ምቕጻዕ እቲ ጉጅለ ነብሱ ዝኸኣለ ብጽሒት ክህልዎ’ዩ። እቲ  ጉጅለ ነዚ እገዳ ዝሃቦ ምላሽ እውን ከም ዝቐንጠዎ ዘመልክት’ዩ። ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ እገዳ ክለኣኾም ዝደልይዎን ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘየገደሶምን ኣካላት እዮም ኣልዒለምሉ። ኣብ ምልዓል እቲ እገዳ ናይቲ ሽዑ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝመስል ዝነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግደኡ ቀሊል ኣይነበረን። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ሽዑ ዝነበሮ ተቐባልነት ተጠቒሙ ናብ ቤት ምኽሪ ጻጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፉ እዩ።  ኣብ ርእሲኡ  ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዝነበረ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ በዚ ኤርትራዊ ጉዳይ ተንቀሳቒስሉ። ሎሚ ግና ዲክታተር ኢስያስን ዶ/ር ኣብይን ክልቲኦም “ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ኮይኖም ስለ ዘለዉ፡ ኣይኮነንዶ ክሕግዞ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደጋ ዘሎ እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር፡ እቲ እገዳ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕጻዕ’ኳ መመላእታ ብጽሒት እንተሃለዎ፡ እቲ ወሳኒ ኣብ ናትና ኤርትራዊ ቃልሲ ዝምርኮስ ምዃኑ ንኻልኢት እውን  ክንዝንግዖ  ዘይግበኣና እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምምሕዳር ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግዲፍ) ቀንዲ ዝልለየሉ ባህሪ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ዘየማእከሉን ንረብሓ ህዝቢ ዘይሰርሑን  መሳርሒ ትካላት የብሉን ማለት ኣይኮነን። ፖሊስን ጸጥታን ዝያዳ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ የማናይ ኢድ ናይቲ ግንባር ምዃኖም ግሉጽ ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾኑ ከኣ ምስ ምውዳቕ ህግደፍ ከኸትሙ ወይ’ውን ንህዝቢ ብዘገልግሉ ኣገባብ ዳግማይ ብደቂቕ ክስርዑ  ዝግበኦም  ትካላት እዮም።

ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምቕታልን ምውራርን መለለዪ ተግባራት ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ እዮም። ከምዚ እንብል ንስለ ምኽሳስ ወይ ዘየለ ፈጢርካ ንምጽላም ኣይኮናን። እቲ ጉጅለ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ  ከይተረፈ እውን በዚ ተግባራቱ እዩ ዝልለን ዝኽሰስን። እዚ ከኣ በዞም ዝጠቐስናዮም ደገፍቲ ዓራት ናይ ህግዲፍ ዝኾኑ ጨቆንቲ ትካላት ዝትግበር ዘሎ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ከይተደረተ፡ ዶባት ሰጊሩ እውን ህርፋን ጉጅለ ህግደፍ ከርዊ ዝጸንሐ ሎሚ እውን ዝቕጽሎ ዘሎ ትካል እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ናይታ ኢሳያስ በዘን ዝጠቐስናየን ትካላት ኣቢሉ  ገበናት ዝፍጽመላ ዓንኬል እዮም። እዚ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ካብ ንበጽሓሉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብናይ “ጥቐመኒ ክጠቕመካ” ሸርሒ ሓቢሮም ዝጠፍኡ ወይ ሓቢሮም ዝለምዑ ምስ ህዝቦም ዝተዳመዩ እዮም። ሓደ ብዘይ ናይቲ ካልእ ህልውና ክነብሩ ዘይክእሉ ኢዮም። እቲ ዘዛምዶም ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ማእከሉ ምኽዕባት ረብሓ እዩ። እዞም ኣዘዝቲ ነቲ ድሕነት ሃገር ኣብ ምሕላው ክመርሕዎ ዝግበኦም ሰራዊት፡ ሃገርን ህዝብን ናይ ምሕላው ክብሩን ሕድሩን ቀንጢጦም፡ ናይ ውልቃዊ ረብሓኦም መኻዕበቲ  ባርያ ከም ዝገብርዎ ባዕሉ እቲ ሰራዊቲ  ዝፈልጦ እምበር ብኻልእ ዝንገሮ ኣይኮነን። ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ እንዳተዳህከ፡ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉስ ይጽነሓልናሞ፡ ምእንቲ ክብሩን ስሙን፡ ኣንጻር’ዞም ብክብሩ ዝጻወቱን ብረሃጹ ዝህብትሙን ህዝቢ “ይውክለኒ እዩ” ዝብሎ ድምጺ ብዘይምስምዑ ክንሓምዮ ጸኒሕና ኢና። ምሕማይ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሕድሪ ስዉኣቱ ከይጠልም ’ውን ክንጽወዖ ጸኒሕና ኢና።

እቲ ተራን ማእከላይን ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ኣዘዝቱን ኢሳያስን ዝፍሕስዎ ተንኮላት ዝርብሖ ነገር የብሉን። ዘይምርብሑ ጥራይ ውን ዘይኮነ፡ ካብቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝያዳ ተሃሳዪ እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ናይዚ ሰራዊት ኣባል ኣብ ክሊ ዕድመ ገሊኡ ክሳብ 70  ገሊኡ ድማ ትሕቲ 18 ዓመት እዩ።  ገሊኡ ኣብ ክንዲ ጸሎቱ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ክንዲ ትምህርቱ ተገዲዱ ወተሃደር ኮይኑ ዘሎ እዩ። ክፍለጥ ዘለዎ ግን ተጠቃሚ ስለ ዘይኮነስ ብዝፍጽሞ ገበናት ኣይሕተትን’ዩ ማለት ኣይኮነን። እወ ቀንዲ ተሓተቲ ኢሳያስን  ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም። ፡ይኹን እምበር፡ እቲ ሓፋሽ ሰራዊት’ውን ዘዝተባህሎ እሞ ድማ ብተደጋጋሚ  ገበን ምፍጻም  ዋጋ ከም ዘኽፍል ተረዲኡ ክዕቀብ ምስተገብኦ።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሰራዊት ካብ ህዝቢ ስለ ዝወጸን ካብቲ ኣዘዝቱ ዘካይድዎ ናይ ንዋትን ደምን ንግዲ ተጠቃሚ ስለዘይኮነ፡ “ከማይ ውጹዕ’ዩ” ክብሎ እዩ ጸኒሑ። ምስዚ ግና እቲ ኢሳያስ፡ ኣብ ማይ ሓባር ተጋደልቲ ከረሽን እንከሎ፡ ብተደጋጋሚ ናይ መንእሰያት ግፋታት ከካይድ እንከሎን ኣብ ዶባት ኤርትራ ኣንጻር ዝሰግር መንእሰይ ናይ “ተኲስካ ቅተል” ፖሊሲ ከተግብር እንከሎን እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይቲ ትግባረ ኮይኑ ዝጸንሐ እዚ ወተሃደር እዩ። “ልቢ ኣዕቢኻ” ከምዚ ዝገበረ “ተገዲዱ እዩ”፡ ዝብል ምስምስ ክበዝሕ እንከሎ ኣብ መወዳእትኡ “ዕባራ ምኽንያት” እዩ ዝኸውን። ስለዚ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ “ህዝቢ ንሓዋሩ ሕማቕ ተግባረይ ክሓብኣለይ እዩ” ኢሉ ነብሱ ከዕሹ ኣይግበኦን። ህዝቢ ኤርትራ “ሰራዊተይ ሰራዊተይ” ክብል እንከሎ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ክንዲ “ህዝበይ ህዝበይ” ምባል፡ ኢደ-በይዛ ምልክን ወራርን ኮይኑ እንተቀጺሉ፡ እቲ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ምግማቱ ዘጸግም ኣይከውንን።

ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘተግብረሉ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል እዩ። እዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣብቲ ውግእ ዝምረሓሉ ዘሎ መርሆ ከኣ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢሳያስ ዝተሰነዐ ዓመጸኛን ዘይሓላፍነታውን ፖሊሲ እዩ። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ ናይዚ ሰራዊት  ኣብቲ ውግእ ምስታፍ  ብህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝወሃቦን ኣይኮነን። በቲ እቲ ሰራዊት ዝፍጽሞ ተግብራት ከኣ ህዝቢ ኣይሕተትን እዩ። ኢሳያስ ናብዚ ውግእ ዝኣተወሉ ምኽንያት ካብ “ንኤርትራ ዝተፈርደላ መሬት ንምምላስ እዩ” ዝብል ጀሚርካ ብዙሕ መጸባበቕታት ይግበረሉ እዩ። እቲ ብዙሓት ነቲ ኩነታት ካብቲ ኢሳያስ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ እዩ” ዝበለሉ ጀሚሮም ነቲ ኩነታት ዝተኸታተልዎ ዝሰማምዕሉ ግና፡ ምኽንያት ኢድ ምትእትታውን ኢሳያስ ሕዱር ቂም ዝደረኾ  ሕነ ናይ ምፍዳይ ሕማም ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ እቲ ቀንዲ ኮይኑ ካብዚ ውግእ ርቡሕ ዓስቢ ክረክብ ምዃኑ ዘተንብህ  ምልክታት እውን ይቀላቐል ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ መሳርሒ ኢሳያስ ካብ ምዃን ሓሊፉ ክብሩ ኣይሓለወን።  ንብዓት ህዝቡ’ውን ኣይሓበሰን። ኣብ ትግራይ ከይዱ፡ ኣብ ኤርትራ ዘየርኣዮ ህዝባዊ ሓልዮትን ልውህናን ከንጸባርቕ እትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ካብ ገዛኻ እዩ  ዝጅመር። “ንብረት ህዝቢ ራስዩ፡ ላዕልዎት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ኣዕንዩ፡ ፋብሪካታት ፈቲሑ ወሲዱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓሚጹ፡ ዕጥቂ ዘይብሎም ሲቪል ቀቲሉ…….ወዘተ” ክትሰምዕ እንከለኻ ግና “ኣብዚ ደረጅዚ  ድዩ በጺሑ”  ዘየብል ኣይኮነን። ነዚ ተግብራት ውዒልዎ ድዩ ኣይወዓሎን ምስተጻረየ፡ ሽዑ ኣፍና መሊእና እንዛረበሉ ክኸውን እዩ። ኣብኡ ቅድሚ ምብጻሕና፡ እቶም ግዳያት፡ ኣባላት ግዝያዊ መራሕነት ትግራይ፡  ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ናይ ወጻኢ ትካላትን ማዕከናት ዜናን ይህብዎ ንዘለዉ ምስክርነት’ውን ብጥንቃቐ እተስተማቕሮ’በር “እዚኣቶም ስቕ ኢሎም እዮም” ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ኢትዮጵያውያን፡ ንሰራዊት ኤርትራ “የኩልኮሌ ሌባ/ ሰራቒ ቀንጠመንጢ” ክብልዎ እንከለዉ ኣዝዩ የገርምን የሕንኽን።

ስለዚ ሎሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ኣብ ቅድሜኡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ እየን ዘለዎኦ። እታ ሓንቲ “ካብ ዓብቕካስ ተቖናደፍ” ኢሉ  ከም ቁርዲድ ኣብ ኢሳያስ ተላሒጉ  ጸረ-ህዝብነቱ  ምእዋጅ እያ። እታ ካለይቲ ከኣ “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሉ፡ ቅድም ነብሱ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ቀጺሉ  ከኣ ህዝባውነቱ ንምምስካር ብረቱ  ኣንጻር ህግደፍ ምቕናዕ ጥራይ እየን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሓለገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልስን  1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ንዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕድለኛታት ጫፋት እየን። 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ምልከት ኣንቢረን ካብ ዝሓልፋ ዕለታትን ቦታታትን ብኣብነት ዝጥቀሳን ዝዝከራን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 57 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምኹላፍ ብምስትነዓቕ ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 80-84 ኣባላት ጦርሰራዊ ተቐቲሎም ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ዝኸውን፡ ተወሳኺ ረኣዲ ሓይልኳ እንተሰደዱ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን 15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደ ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝኾነን ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተን ስለ ዝኾነ እዩ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣአየ እዩ። ቅድሚ 57 ዓመት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዘንቀድሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ ምስ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባ እንዝክራ ዘለና።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሽዑ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግድነት’ውን ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ። ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓላፍነት ግና ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር”ዚ፡ መንእሰይ ብዝመረጾ ዘይኮነ ኣብቲ ግዜኡ ብዘሎ ምዕባለ እዩ ሓላፍነት ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ናይ ሎሚ መንእሰይ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምኽኣል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዘይተነግረ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈጸሞ በደል የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ጠሪጣስ እንተትሓንከለይከ” ዝበሃል ዝነበረ፡ በደሉ ሓቢኡስ በዓል  ደሓንን ገባር ጽቡቕን መሲሉ ክቐርብ ዝፍትን ምዃኑ እዩ። በደላቱ ምብዛሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኹሉ መዳያት ህይወት ህዝብና ክርምሰ ዝጸንሐ እዩ።

ኤርትራውያን ከምቲ “ኣቐምጥ ዝበልካዮ ኣየጥፍእ፡ ኣጸብቕ ዝበልካዮ ኣየኽፍእ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ምስ ጠለሞም፡ በቲ ጥልመቱ ትዕግስቶም ካብ ዝውዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ኣብዚ እዋንዚ ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ደገ  ብደረጃ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ኮታ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝቃለስዎ ዘለዉ መግለጺ ቁጠዓኦም ኣንጻር ክሕደቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ።  እዞም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ዝተመስረትሉ ነናቶም ኣተሓሳስባን ናይ ኣተገባብራ ሜላታትን’ኳ እንተለዎም፡ ምውጋድ ናይዚ  ካብ ምጥፋኦም ድሕር ዘይብል ጉጅለ  ግና፡ ናይ ሓባር ኣረዳድኣኦምን ቀዳማይ ተግባሮምን እዩ።

በደል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ዶብ ሰጊሩ ንዞባናን ኪነኡን ዝብክል ዘሎ'ውን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብውዳበታቱ ኣቢሉ ገበናት ህግደፍ ካብ ዝቃወምን ዘቃልዕን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ምሕጽንታን መረረን ህዝቢ ኤርትራ ብምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሓደገኛ ብዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ኣብ ኤርትራ ዝበቖለ ጉጅለ፡  ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኪኖኡ ዘሎ ከባብን ከይበከለ ንክመክን ኣብ ሰላምና ረብሓ ንዘለዎም ኣካላት ከሰምዕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጉጅለ ብሕገ-መንግስቲ ንከመሓድር፡ ግዱድ ዕስክርና ከቋርጽ ወይ ንጹር ቀጥዒ ከትሕዝ፡ ኤርትራውያን ዝኣመንዎ ሃይማኖት ናይ ምምላኽ መሰሎም ክሕሎ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ወይ ብናጻ ክልቀቑ፡ ክሳብ ሽዑ ከኣ ብቤተሰቦምን ከም ማሕበር  ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ትካላት ክብጽሑ፡  ብዙሓት ወገናት ክምሕጸንዎ ከም ዝጸንሑን ከም ዘለዉን ርዱእ እዩ። ብፍላይ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ብዝምልከት ከኣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ኣካል ኣውጺኡ  ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሓንሳብ መንገዲ ጥፍኣት ምስሓዘ ናብ ልቡ ዘይተመልሰ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ነዚ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት፡ እንተላይ ናይ ዓለምለኻዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን ትካላት ምሕጽንታ ክህቦ ዝጸንሐ ምላሽ ብሓፈሻኡ ጸማም እዝኒ ምሃብን ምጽቃጥን እዩ። ሳሕቲ ድምጹ እንተተሰምዐ ከኣ ማእከሉ ክሕደትን ሸፈጥን ኮይኑ ጸኒሑ። ክሕደቱ ንከይክሻሕ  ከኣ ኩለን ብሕታዊ ትካላት ዜናን ኩሉ ዘመናዊ  መራኸቢ መንገድታትን ይዓጽው። ምእንቲ ዝምልከቶም ኣካላት ኩነታት ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ከይምርምሩን ከየጻርዩን ዕንቅፋታት ይፈጥር። ካብዚ ሓሊፉ   ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ድምጹ ከየስምዕ፡ ነቶም ምስክርነቶም ናይ ምሃብ ሕጋዊ መሰል ዘለዎም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ፡ ናብ ኤርትራ ምእታው ይኸልኦም። ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ንሕጊ ዘይምእዙዝ ተግባራቱ እዚ ጉጅለ፡ ኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ካብ እትበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ሳላ ዘመናዊ መራኸቢ መንገድታት ንኤርትራ እውን ፈንጢሱ ዝጸለዋ፡ እቲ ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ዝነበረ  ገበናቱ ኣይተሓብአን። ምስዚ ነውራም ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተሰሊፎም ዝዋስኡ ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ዝራሕርሕዎን ሕጂ ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉን ባእታታት ከኣ ሓቀኛ   ምስሊ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ  ኣብ ምቅላዕ ዓብይ ግደ ተጻዊቶም እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ውሱናት ተመሊሶም ዝረዓምዎ፡ እቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ኣብ ምቅላዑ ኣበርክተኦም ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ሕጂ እውን ካብዞም መንእሰያት እንጽበዮ ብዙሕ እዩ።

ጉጀለ ህግደፍ ግና ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ መሊሳ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ነዚ ክፉእ ምስሉ ካብ ኤርትራ ናብ ከባቢና ከላብዖ ፈንጠርጠር ኢሉ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝረአ ዘሎ ኣሻቓልን ፍንጡሕን ኩነታት ከኣ ናቱ መርዛም ኢድ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ  ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ብገበን ዘሕትት ጠገለ ዘይብሉ ኢድ ምትእትታው፡ ምናልባት ከምቲ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ዝለመዶ ብምጽቃጥ ናብ ዘይሰግሮ ኣንፈት ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ኣብዚ እቲ ኣብ ትዕዝብቲ ዝወድቕ፡ እቲ ንጥለመት፡ ወጽዓን ክሕደትን ናተይ ኢሉ ዝሓዞ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንበዖ ዲክታተር ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ሰማይ ዝሃገሮም፡ ንኤርትራ ከመይ ገይሩ ከም ዝረመሳ እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ዝተመሓዘውዎ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን እውን፡ ብህዝቦም ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቖም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ንክትወድቕ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዕርክነት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቅታቱ ገይሮም ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም። ግምቶም ከኣ ቅኑዕ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ብጉዳይ ኢትዮጵያ  ዝሕመዮን ዝኽሰሶን ዘሎ እውን ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ መሲሉ ክኸይድ ዝመረጸ ይመስል።  እንተኾነ ኩሉ ግዜ ፋስጋ ስለ ዘየለ፡  “ህግደፍ፡ ክሳብ መዓስ እዩ ብምጽቃጥ ክሃድም” ዝብሉ ወገናት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። “ስቕ ዝበልና ዝዝረብ ስለ ዝሰኣና ዘይኮነ ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል ኣረጊት መህደሚ ፖሊሲኡ ከኣ ሎሚ ኣይክሰርሕን እዩ። ኢሳያስ ንሱ’ኳ እንተዘይተዛረበ  ክዝረቦ ግድን እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝተራእየ፡ ኢሳያስ  ንናቱ ዘይረዊ ህርፋን እምበር ንናይ ካለኦት ኣተሓሳባ ቦታ ናይ ምግዳፍ ባህሪ የብሉን። በዚ ፍንውን ሃላልን ኣካይዳኡ ከኣ፡ ወዮ ደኣ ካብ ተመኩሮኡ ኣይመሃርን እዩ እምበር፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ቁማር እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝጻወቶ ቁማራት ከኣ ተበላዒ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ህዝብና እውን ንሱ ብዝኣጉዶ ሓዊ ካብ ምንዳድ ዘይድሕን  ምዃኑ እዩ። በዚ ይኹን በቲ ሕብረተሰብ ዓለም ሎሚ እውን ተጽዕነኡ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ከዛይድ ንጽውዕ። ምስዚ ግና ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ መመላእታ እምበር፡ ንናትና ናይ ኤርትራውያን ግደ ከም ዘይትክእ ኣይንዘንግዕ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ኩለንተናዊ ናይ ለውጢ መስርሕ የለን። ወሳንነት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸ  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትኽበር ተወሲና።  8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ታሪኻዊ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ እንተዘይኮይኑ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

እዛ ዕለት እዚ ቦታ’ዚ ክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ተራእዩ።  ቀንዲ ሕቶ ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ቃልሰን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን  ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድሌትን ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ዘርኣየና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓሊፉ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ኣንንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ ከኣ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኩነታት ግና ከከምቲ ህልዊ ምዕባለ ናይቲ ዓመት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ዓምን ቅድሚ ዓምን ዝነበረ ኩነታት ምስ ናይ ሎሚ ዘበን ይፍለ እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ከኣ ንኣዘኻኽራ 8 መጋቢት ይጸልዎ። ቀንዲ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነት ክረኽባን ኢዩ። ነዚ ክውን ንምግባር “ንመጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላሰል ይግባእ። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2021 ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ምረት ደቂ ኣንስትዮን ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮረናቫይርስ ዘስዓቦ ቅልውላው  ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ  ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ኣሓትን ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ብምእታዎም  ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2021 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ግን ኣብኡ ዝድረት ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልስን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ እሱራት ከይኮና ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መጻኢ መንገዲ ዝጸርጋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ግደ  ግና ናተን ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነተን ዘይስገር እዩ። ናብዚ ክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፣ ተጠቀምቲ ናይቲ ዲሞክራስያውን ማሕበራውን ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ክስጉሙ ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታት እዃ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይስገር ዓብይ ብደሆ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወትሩ ፍሉይ ግምት ሂቡ’ዩ ዝሰርሓሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከኣ እቲ ቀንዲ ብደሆ እዩ።

8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ንኤርትራውያን ቅድም ኮነ ሎሚ፡ ቀንዲ ጉዳይና ኤርትራዊ ዋኒን እዩ። ክሳብ ሕጂ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ከኣ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን እዩ። እዚ ኣብ መጻኢ እውን ዘይቅየር እዩ። ከምቲ ንኣደ ብዘይዝኾነ ይኹን ተወሳኺ  ቅጽል ኣደ ስለ ዝኾነት ጥራይ እነፍቅራ፡ ንኤርትራ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ኢና እነፍቅራን እንብጀወላን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኤርትራዊ ጉዳይና በይኑ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ብናይ ርሑቕን ቀረባን ምዕባለታት ክጸሉን  ክጽለውን ናይ ግድን እዩ። ናይቲ ንጸልዎን ዝጸልወናን ክብደት ከኣ ከከም ደረጃኡን ርሕቀቱን ዝፈላለ እዩ። ካብቲ ዝረሓቐ ብዝያዳ ምስ ጐረባብትና ንጸላሎ። ንሕና እቶም ንጸሉን እቶም ዝጸልዉናን እንቀራረብ ሓደ ነቲ ሓደ ስለ ዝሓልየሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነናትና ካብቲ ሓቢርካ ምስጓም  ነመዝግቦ ናይ ሓባር ረብሓን ጠመተን ስለ ዘለና ኢና። እቲ ምጽልላው ኣብ ኣውንታ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ኣብቲ ኣሉታዊ ምዕባለ እውን ከምኡ እዩ። ኣብዚ ነቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብል ምስላ  ምዝካር የድልየና።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ናይ ብዙሓት ዓብይ እዋናዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሕዲርዎ ዘሎ ተራ ናይ ጎረቤት ጽልዋ ዘይኮነስ፡ ዓብይ ስምብራት ዝገድፍ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽኒያት ድማ ዲክታቶር ኢሰያስ ከምቲ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ኢዩ” ኢሉ ዝገለጾ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትይዎ ብምህላው ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ቀጥታዊ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዋዊሱ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻትን ኣጋጣምታትን ክንምክቶ ይህልወና። ከምቲ “ካብ እመትሲ ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ከኣ ጽልዋኡ ኣባና ኣብ ጐረቤት እቲ ውግእ እንርከብ ኤርትራን ህዝባን ዝለዓለ እዩ። ዳርጋ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ኣዝዩ ከቢድ ክንሱ፡ ክንድቲ ምረቱ ድምጹ ክስማዕ ዘይጸንሐ ኤርትራዊ ጉዳይና እውን ዝዓብለሎ ይመስል ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ቅድሚ ምጅማሩ እንተደኣ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ወይ ኢትዮጵያ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ዞባዊ ጽልዋን ኣሰላልፋን ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ዝተገመቶ እቲ ውግእ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣብ ርሑቕ ከባብታት እውን የዛርብ፡ የሻቕልን ሃገራት መርገጸን ከነጽራ የገድደንን ኣሎ። ንሕና ሓይልታት ተቓውሞ ከኣ ከም  ኤርትራውን ዞባውን ባእታ ንጽለው ኣሎና።

ካብቲ ነዚ ውግእ ተጐዝጒዙ ኣብ ኤርትራዊ መድረኻት ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ውግእ ኢድ ኣእታውነት እዩ። “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩባ ኣይኣተወን እባ”  ዝብል ብዙሕ ከዋጥጥ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግና ዋላኳ ገለ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ”  ካብ ዝብል ምዕጥጣይ ዘይወጹ እንተለዉ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ንምስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ተኣሚንሉ እዩ። ባዕሎም ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ፡ ብዘይካ ኣዝዮም ውሱናት ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ዘለዉ ተኣሚነምሉ እዮም። ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ቃለመሓትት ከም መቐጸልታ ናይቲ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝብሎ ዝነበረ፡ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግቡእና ንገብር ኣለና” ብዝብል ጥበበኛ ዝመስል ግና ከኣ ርዱእ ኣቀራርባ ኢዱ ከም ዘእተወ ተኣሚኑ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡   ንሕብረት ኤውሮጳ ወኪሎም ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም ዝተመልሱ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ፊንላንድ ሃቪስቶን፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ናይቲ ሕብረት  ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፥ መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንጹር ሓበሬታ ክህብ ኣይበቐዐን …… ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ክልቲኦም፡ ናይ ሲቪላውያን፡ ሰራሕተኛታት ረዲአትን ገለ ናይ መንግስቲ ወተሃደራውን ሲቪላውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ ዓይኒ ምስክረነት ተጻሪሮም፡  ንኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክሒዶም”   ዝብል ንጹር ሓሳብ ኣቕሪቦም።  ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ  ይፍጽሞ ኣሎ  ዝበሃል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ገበናትን ምኽንያታውነት  ኣተኣታትዋኡን ግና ጌና የዛርብ ኣሎ።

ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ዝፍጸም ዘሎ ጉድኣት ምኹናንን ኣብ ክንድኡ ውግእ ጠጠው ኢሉ እቲ ጸገም ብሕጋውን ፖለቲካውን ኣገባብ ንክፍታሕ ምጽዋዕን ኩሉ ገዲፍካ ብሰብኣውነት ዝረአ እዩ። ብፍላይ ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ሰብና ህይወት ይኸፍልሉ ኣብ ርእሲ ምህላዎም፡ ኣብ መጻኢ ዝምድና ናይቲ ዘይሓልፍ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሳዕቤኑ ዘየደቅስ ብምዃኑ ዝያዳ እቶም ካብ ርሑቕ ዓገብ ዝብሉ ዘለዉ፡ ዓገብ ክንብል ናይ ግድን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ   በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን መግለጽታት ከውጽኡን ሰልፍታት ከካይዱን ዝጸንሑ። ሓይሊ ዕማም ናይ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) እውን ንመበል 46 ዓመት ምጅማር ቃልሲ፡ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) 18 ለካቲት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ካልኦት ሃገራት ኣይንኣትውን ኢና ካብ ዝብል ጽኑዕ መትከልና ብምብጋስ፣ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይ ወዓል ሕደር ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ክስሕብን፣ እቲ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣትዩ ዝሃልቕ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ፣ ኣመት መሰል፣ ነጻነትን፣ ልዕላውነትን ሃገሩ ክገብርን፣ ነዚ ኣትይዎ ዘሎ ሓደገኛ ተልእኾ ብትሪ ክቃወምን …….. ተሪር ጻውዒትና ነቕርብ”  ኢሉ።

ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ እሞ ሓያል ማሕበራዊ ቅልውላው ዘኸተለ ውግእ ዓገብ ምባል ንቡር እዩ። ንሕና ዓገብ እንብል ካብቶም  ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ነቲ ሓደ  ካብ ምድጋፍ ወይ ነቲ ካልእ ካብ ምጽራር ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ ረብሓን ቀጻልነትን ኤርትራ እውን በዚ ኩነታት ይጽሎ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብ ኣመዛዝና እዚ ጉዳይ ፍልልይ እንተሃለወ ከኣ እቲ ፍልልይና ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ብዘየረሓሕቐና ክንሕዞ ይግበኣና። በቲ ካልእ መልክዑ ብዛዕባዚ ጉዳይ ምዝራብን ኣቓልቦ ምሃብን ግና ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጠመተና ዘስሕተና ከይከውን ምስትብሃል ከድልየና እዩ። ብመሰረቱ እውን እቲ ኣብዚ ጉዳይ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ኢድ ኣእታውነትን ሕማቕ ተግባራትን ጉጅለ ህግደፍ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ወጽዓ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኢሳያስ ኣፈወርቅ ከምቲ ልማዱ ንነዊሕ ግዜ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ርሒቑ ምስ ጸንሐ፡ ብ17 ለካቲት 2021  ምስተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ናይ ብሕቲ ንብረቱ ዝኾና ሚድያታት ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ መሓትት ኣካይዱ። ነቲ ኣቐዲሙ ኣዳልዩ ዝሃቦም ሕቶታት ዝሓተትዎ እቶም ልሙዳት ጋዜጠኛታቱ ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን እዮም። እዚኣቶም ከምቶም መልእኽቲ ኢሳያስ ናብ ወጻኢ ኣብ ምምልላስ ሓንሳብ ምስተጸምዱ ዘይቅየሩ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ዘይትክኡ ሓተቲ ኢሳያስ ስለ ዝኾኑ፡ ቃለ መሓትት ኣሎ ምስተባህለ ንሳቶም ከም ዝመጹ ዘይገመተ ኣይነበረን።

ኢሳያስ ኣብዚ ቃለመጠይቑ  ዋላኳ ዞባዊ መልክዕ ከትሕዞ እንተፈተነ ብኢትዮጵያዊ ዛዕባታት እዩ ጀሚሩ። ኣብ ኣመዓባብላ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብቲ ኢትዮጵያዊ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝብሎ ብዝመልከዐ ኣወቂቡ ኣቕሪብዎ። ካብዚ ሓሊፉ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጸላዊ ኣካል ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ዝያዳ ከኣ ብዛዕባ ትሕዝቶ  ሕገመንግስቲ ምዒዱስ ሰማዒ ከም ዝሰኣነ ገሊጹ። ነቲ ኢትዮጵያ ንዝያዳ 20 ዓመታት ዝተመርሓትሉ ሕገመንግስቲ ከኣ “ናይ ነታጒ ምቕባር ፖለቲካ መጻወቲ” ኢልዎ። ኣብዚ እውን እቲ ቃና ኣገላልጻኡ ካብቲ ንተመኩሮ ህወሓት ኣትሪሮም ዝነቕፉ ኣካላት ዝብልዎ እንተዘይገዲዱ ዝፍለ ኣይነበረን። እቲ ኣዝዩ ዝገርምን ዘተዓዛዝብን ከኣ ኢሳያስ ብናይ እንዳማቱ ሕገመንስቲ ዝወራዘ ዘሎ ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ንኤርትራ ብዘይ ሕገመንግስቲ ይገዝኣ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን ምዃኑ እዩ። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክዛረብ እንከሎ  ሃዲእካ ብምሕሳብ፡ ቀዳምነታት ሰሪዕካ ብምስራሕ…. ወዘተ ክተሓዙ ዝግበኦም ጉዳያት ከም ዝነበሩ እውን ጠቒሱ። “ክሳብ ክንዲ'ዚ ዝርዳእን ሓላይን ካብ ኮነ ደኣ ኣብ ኢርትራ ከምኡ ዘይገብር?” ዝብል ሓታታይ እንተዝረክብ እንታይ ምመለሰ እንድዒ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዞባዊ ናይ ምዃን ሰፊሕ ዕድል ዘለዎ ቅልውላው ስግኣት ከም ዘለዎ ኣይሓብአን። ነብሱ ካብቲ ጉዳይ ከርሕቕ  ብዘምስል ከኣ ደጋጊሙ ናይዚ ቅልውላው ዋናታት ናይ ምርሓቕ ምልክታት እውን ኣርእዩ።

ካብቲ ቀንዲ ዕላማታትን ትሕዝቶን ናይዚ ቃለ መጠይቑ ሓደ፡ ንሓቂ ሓቢእካ ነቲ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዘይቅድመ-ኩነት ብህጹጽ ሰራዊታ ክትስሕብ ዘቕርብዎ ዘለዉ መጠንቀቕታት ኣቕጣጫኡ ንምስሓት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ልሙድ ብተግባር ብዘይስነ ናይ ቃላት ተስፋ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ኣሽካዕላል ተልእኮ ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ኣብ ክንዲ ብኤርትራዊ ጉዳይ ዝጅምር ንዘይኤርትራዊ ዛዕባ ምቕዳሙ ከኣ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ ዘገርም እዩ። ከምዚ ምግባሩ በቲ ሓደ ወገን ካብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኤርትራዊ ባይታ ንደገ ብዝጥምት ዘይኮነ፡ ካብ ደገ ናብ ኤርትራ ብዝምዕብል ፍታሕ ናይ ምምጻእ ቀይናን ሃቐነ ከም ዘለዎ የርኢ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ በቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኤርትራ ዝተዛረቦ ዘይግብራዊ ባዶ ተስፋታት “ሰማዒ ኣይረክብን እየ” ኢሉ ኣገባብ ምቕያር  እውን ይመስል። በዚ ይኹን በቲ ቃለመሓትት ኢሳያስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን እዋናዊ ሕቶታቱን ተገዳስነት ከም ዘየብሉ ዘመልክት እዩ።

ኣብቲ ውሑድ ደቓይቕ ሂቡ ዝተዛረበሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት ዘቕረቦ ሓሳባት፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ግዜ ዝበሎን ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዝሕብር፡ ነቲ ህዝቢ ዝፈልጦን ፍታሕ ዝጽበየሉን ጸገማት’ዩ ቃላት እንዳቀያየረ ደጋጊምዎ። ንኣብነት ብጉዳይ ኮቪድ-19ን ምክልኻሉን ኣብ ዝምልከት ከብርህ እንከሎ፡ ብትሑት ተገዳስነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ብሩህ ክነሱ “ጥዕና ናይ ምሕላው ዓቕምና ዜሮ እዩ፡ ካብዚ ዜሮ ኢና ከኣ ክንጅምር” ኢሉ። ብዛዕባ መጻኢ መፍትሒ ክዛረብ እነከሎ ከኣ “መሳጢ ፖሊሲ ኣለና፡ ግና ከኣ ናይ ምትግባሩ ዓቕሚ የብልናን” ይብሎ። እዚ ንሰማዒኡ “እሞ ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ” ዘብል እምበር መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። ነቲ ህዝብና ብጉልባብዚ ተላጋቢ ሕማም ኮረና ስለ ዝተዓጽወ ዝወርዶ ዘሎ ሕሱም ስእነት ኩሉ ዓይነት ቀረባት ስለ ዘይተሰመዖ ከኣ “ብሰንኪ ሕማም ኮረና ዘጋጠመ ቁጠባዊ ለውጢ የለን” ክብሎ ኣይሓፈረን። ከምቲ ልሙድ ምትላሉ ከኣ “ቁጠባና ዝዓብየሉ ኩነታት ንምፍጣር ጽላት ብጽላት ንመዝንን ቀዳምነታትና ንሰርዕ ኣለና” ይብል እሞ “ብሚኒስትሪ ንግዲ ዝምእከል ኣካል ተመዚዙ ኣብዚ መዳይዚ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ። ዘገርም እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ካብቲ ቀደም “ፖሊሲ ጥሙር ሕርሻ”  ዝበሃል ዝነበረ እሞ ዝፈሸለ  ጀሚርካ ክንደይ ሓይሊ ዕማማት ተመስሪተን ብዘይፍረ ከም ዝፈረሳ ንዝፈልጥ ህዝብስ ሎሚ እውን ብኸምዚ ዓይነት “መወዳእታ ዘየብሉ ናይ ቃላት ተስፋ” ክሽፍጦ ምፍታኑ ናይ ጥዕና እዩ ክትብሎ ዘጸግም እዩ።

ኢሳያስ ነዚ ቃለ መጠይቕዚ ክህብ እዩ ምስ ተባህለ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነናቶም ግምት ነይርዎም። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ነቒሉ ካብ ኢሳያስ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ፡  “ሓድሽ ነገር ኣየምጽእን እዩ” ዝብል ግምት ነይርዎ። ገለ ወገናት ግና ምስዚ ዝረአ ዘሎ ንኤርትራ ኣዝዩ ዝጸሉ ኢትዮጵያውን ዞባውን ምዕባለን ሰራዊት ኤርትራ ዝተሳተፈሉ ውግእ ኣብ ትግራይ ይካየድ ምስ ምህላዉን “ብዛዕባኡ ገለ ይብል ይኸውን” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም እውን ነይሮም። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ምህላዉ ብብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ብመራሕቲ ጸለውቲ ሃገራት፡ ብላዕለዎት ወተሃደራውን ሲቪላውን ሰብ መዚ ኢትዮጵያን  ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብዓብይኡ ከኣ ብህዝቢ ኤርትራ መረጋገጺ ዝወሃበሉ ዘሎ እዩ።

ስለዚ ቅድም እውን ብዛዕባቲ ኢድ ኣእታውነት ብወገን ኤርትራ ድምጺ ክስማዕ ትጽቢት ካብ ነበረ፡ ብዓብይኡ ኢሳያስ ኣብ ዘካይዶ ቃለ መጠይቕ ኣይክዝለልን እዩ ኢሎም ዝግምቱ ብዙሓት ነይሮም። ኢሳያስ ሆየ ግና ቀንዲ ደጋፊ ናይቲ ኣብቲ ውግእ ተዓዊተ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ’ኳ በቲ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግቡእና ንገብር ኣለና” ዝበሎ’ኳ እንተተኣመነ፡ ብዛዕባ ግደ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ግና ብንጹር ዋላ ሓንቲ ኣይበለን። ጓስይዎ ምሕላፉ ምናልባት ክሓብኦ ደልዩ እንተኾይኑ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ወይ “ድሕሪ ጌጋ ምኽሪ ይርከብ ድሕሪ ጥራጥ እግሪ ይእከብ” ዝበሃል  እዩ። ብዘይጥርጥር ግና ናይ ኢሳያስ ስቕታ ኣብቲ ውግእ ኣትዩ ይመውት፡ ይቖስልን ከም ወራርን ሰራቕን ይኽሰስን ንዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ብንጹር ዘርኢ እዩ።

እምበኣር ህዝብና  ካብ ኢሳያስን ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለን ፍታሕ ክረክብ “ዘይነበሮን ዘይጠፈኦን” ስለ ዝኾነ፡ ዝጽበዮ የብሉን። እዚ ናይ ሎሚ ቃለ መጠይቕ ከኣ ከምቲ ልሙድ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ከኣ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ዘርእን ብመወዳእታ ዘየብሉ ናይ ቃላት ተስፋ ክቕሽሽን እምበር ፍታሕ ከምጽእ ዘይተዓደለ ምዃኑ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት፡ ብናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ እያ ናጻ ወጺኣ። ድሕሪ ናጽነት ብዝተኻየደ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተሳተፈሉ ረፈረንደም ከኣ፡ መበል 182 ልኡላዊት ሃገር ኮይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተመዝጊባ። ከምኡ ከኣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ መበል 52 ሃገር ኮይና። እዚ ኩነታትዚ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዘበረኸን ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሳገረን እምበር እቲ ቃልሲ ምውዳኡ ዘመልክት ኣይነበረን። ብመሰረቱ ቃልሲ በብእዋኑ ደኣ ሓድሽ ኣጀንዳ ሒዙ መልክዑ ቀይሩ ይመጽእ እምበር ዘይውዳእ መስርሕ እዩ።

እቲ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቃልሲ፡ ካብቲ ናይ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘይድሕር ብዙሓት ብደሆታትን ንኡሳን ምዕራፋትን ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ “ናጻ ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደርን መሰረታዊ ረብሓ ህዝባ ከመይ ይረጋገጽን?” ዘድህበ እዩ ነይሩን ኮይኑ ጸኒሑን። እቲ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነትና ወሳኒ ናይ ምዕዋትና ዓቢ ግደ ዝነበሮ  ሓድነትና ኣብ ዕላማ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ምዕራፍ እውን ዝጐልሐ ኣኣገዳስነት ከምዘለዎ ጭቡጥ ነገር ኢዩ። ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ኤርትራ ብሓቂ ሕገመንግስታውን ትካላውን ውሕስነት ብዘለዎ “ናይ ህዝባ” እትኾነሉ ኩነታት ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዛዕባታት ናይ ሓባር ሚዛንን ገምጋምን ክህልወና ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘተኣማምን ቀጻሊ ፍታሕ ኣብ ናይ ሓባር ተረድኦ ክስረት እንከሎ ዘተኣማምን  ስለ ዝኾነ። ብግብሪ ንርእዮ ከም ዘለና ከኣ ምድልዳል ሓድነትና ከም ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃልሲ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝነበሮ ንላዕሊ በዳሂ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣዝዩ ዝረቐቐን ንምዕዋቱ ዝያዳ ጻዕርን ዝሰጠመ ሓድነትን ዝሓትትን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።  ብዓንተብኡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክብገስ ከሎ ንመሰልን ሓርነትን ህዝቢ ኢዩ ነይሩ። ንኤርትራ ናብ ህዝባ ወሳኒ ዝኾነላ ብቅዋም እትምራሕ ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምስግጋራ ክንድቲ ናጻ ንምውጸኣ ዝወሰደ ዓመታት ክወስድዩ ኢልካ ክግመት ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘተሓሳስብ ግን፡ ንዕዘቦ ከምዘለና ብግብሪ ብክንድኡ ዓመታት እውን  ኣይተወደአን።

ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ወሳኒ ቃልሲ ከምቲ እንደልዮን ኣብቲ ዝተጸበናዮ ግዜን ናይ ዘይምዕዋትና ምኽንያት ንጉጅለ ህግደፍ ክንምክት ዘብቅዓና ሓድነት ከነውሕስ ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሓድነት ወሳንን ንምዕዋቱ ፈታንን እዩ እንብል፡ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ዘይረኣዩ ዝነበሩ፡ ንሓድነትና ብኣሉታ ዝጸልዉ ዝተፈላለዩ ድሌታትን ብዙሕነታዊ ስምዒታትን ይቀላቐሉ ስለ ዘለዉ እዩ። እዞም ስምዒታት ሎሚ ዝተፈጥሩ ዘይኮኑ ኣብቲ ሳላ ጽኑዕ ሓድነትና ተዓዊትና ሃገር ዘውሓስናሉ ግዜ ቃልሲ እውን ክንዲ’ቲ ሓያል ጎንታትና ብዘይምዃኖም ደኣ ኣይዓንቀፉናን እምበር ምሳና ዝነበሩ እዮም። እቲ ሽዑ ዝነበረና ንስምዒታት ብፍልልያዊ ሓድነት ናይ ምውጋን ዓቕሚ፡ ኣኽእሎን ሓላፍነትን “ሎሚ ደኣ ናበይ ከይዱ?” ዝብል ዘዛርብን ዘገርምን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን” ዝበሃል፡ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ስምዒታትና ውሒጥና ንህልውና ሃገርናን ረብሓ ህዝባን ቀዳምነት እንተንህብ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ኣባና ጥራይ ዘጋጠመን ዘይፍታሕን ኣይኮነን። ቀዳምነትና መልክዕና ንዝኾነ ብዙሕነትናን ናይ ዝተወሰነ ኩርናዕ ድሌትን መዝሚዝካ ቅድሚት ምስራዕ  እንተኮይኑ ግና ፍልልያትና ዝፈትሕ ዘይኮነስ ካልእ ጸገም ዝጐትት ከም ዝኸውን ምልክታት ክንርኢ ጸኒሕና ኢና።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ብዘውሓሰ፡ ኤርትራዊ ብዙሕነት ኣብ ጽላል ሃገርነት ብዘተባብዕን ብዘይምእኩል ኣገባብ እትመሓደርን ኤርትራ ክትህልው ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ቅድም ሓሓሊፉ ክርአ ንዝጸንሐ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ዝያዳ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ንካርታ ናይታ ብክቡር ዋጋ መስዋእቲ ዝመጸት ሃገር ዝቕይርን ንናይቲ ብሓባር ተሰዊኡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝተቐብረ ህዝባ ናይ ሓባር ኤርትራውነት ዝዘርግን ወስታታት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ምስ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከም ናቱ ቋንቋ ዝዛረብ ኣራኺብካ ሓዳስ ሃገር ክትፈጥር ናይ ምፍታን ሃቐነ፡ እቲ ካልእ ሓደጋታቱ ገዲፍካ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ዝጻባእ ስለ ዝኾነ ሰዲህኤ ይቃወሞ።

 ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክቀላቐሉ ዝጸንሑ፡ መንቀሊኦም ንሓንሳብ ካብ ኤርትራ ንሓንሳብ ድማ ካብ ትግራይ ዝበሃሉ፡ ብሩህ መጻኢ፡ ኣግኣዝያንን ትግራይ ትግርኝን ዝበሃሉ ምንቅስቓሳት ናይ ሓደጋ ኣመላኸቲ እዮም። እነሆ ሎሚ ከኣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ናይ ሕብረተሰብ ዓለም ቀልቢ እውን ስሒቡ ዘሎ ውግእ ተጐዝጒዞም ኣዛረብቲ ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ናይዞም ምንቅስቓሳት ዝያዳ ሓደገኛ መርኣያ፡ ምእንቲ በቲ ዝሕልንዎ ሸፈጥ ንቕድሚት ንምድፋእ ክጥዕሞም ነቲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብጀጋኑ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ግዜን፡ ክብሪ ዘይህቡ ብናይ ሽፍታን ሽፍትነትን ቃና ዝገልጽዎ  ምዃኖም እዩ።

ነቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ንታሪኽ ኤርትራዊ ጅግንነት ዝድውን፡ ንሓድነት ህዝባ ዝብትን ኣብ ክንዲ ንቅድሚት ንድሕሪት ዝርኢ ግጉይ ናይ ጥዑሳት መስርዕ ተሰሊፎም ንዘለዉ ወገናት “ኣይፋልኩም ዓገብ” ምባል ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ነዚ ሓድነት ኤርትራ ዘጥፍእ ምንቅስቓስ ብዘተኣማምን ክንስዕሮ እንኽእል፡ ብግብራዊ ሓድነታዊ ኣበርክቶ ዝበረኸ ቦታ ብምሓዝ ጥራይ ምዃኑ ኣይንስሓት።