EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓደ ተርእዮ ክኽሰት እንከሎ፡ ከከምቲ ኣብ ጉዳይካ ዘሕድሮ ጽልዋን ዝፈጥሮ ተጽዕኖን ምምዛኑ ንቡር እዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብቶም ነቲ ምዕባለ ዘሳወሩ ኣካላት ካብ ዘለካ ናይ ምድጋፍን ምቅዋምን ስምዒት ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሌኻ እውን ዘሕድሮ ዘይስገር ጽልዋ ስለ ዝህልዎ እዩ። እዚ ጽልዋ ኣብ ጥቓ እቲ ምዕባለ ዝፍጠረሉ ከባቢ ክትህሉ እንከለኻ ዝያዳ ይዓዝዝ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብትና ሃገራትን ህዝብታትን ዝፍጠር ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ክንግደስ እንግደድ። እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘሕዝንን ጉድኣትን ብርሰትን ዘኸትል ዘሎ ውግእ እዋናዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳና ምዃኑ ከኣ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። በቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ርእስቲ ጀኦግራፍያዊ ጉርብትና፡ ዘሎ ሕውነትን ብዙሕ መዳያዊ ምቅርራብን ከኣ ዝያዳ ቆላሕታ ክንህቦ ዘገድደና እዩ።

ሓደ ከምዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዝኣመሰለ ተርእዮ ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ መንጎ ነቲ ተርእዮ ዘንብቡ ኣካላት ኣይኮነንዶ ኣባና ኣብ ዞባና እውን ፍልልያት ከም  ዝፍጠር ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። እዚ ነቲ ተረኽቦ ኣብ ኣመዛዝና ዝፍጠር ፍልልይ ናይ ብዙሓት ፍልልያት መንቀሊ ክኸውን ዝኽእል እዩ። ካብ ተመኩሮና ክንነቅል እንከለና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት በብእዋኑ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ምምዛን ፍልልያት ከነመዝግብ ጸኒሕና ኢና። መሰረታዊ ባህርያትን መቖሚታትን ናይቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምልላይ’ኳ ፍልልይ ኣለና። ገሌና ብዓይኒ ሃይማኖት ንርእዮ። ገሌና ብዓይኒ ብሄር ንገልጾ። ገሌና ከኣ ካብዚ ጫፋትዚ ወጻኢ ብዓይኒ ወጽዓ፡ ጸረ ህዝባውነትን  ዲክታተርነትን ንዕቅኖ። ኣብ ኣወዳድባና ብዙሓት ክንከውን ካብ ዝድረኹ ምኽንያትት ሓደ ከኣ እዚ ኣብ ኣመዛዝና  እንታይነትን ባህርያትን ናይቲ ሓሙስ ሓሙስ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ዘለና ፍልልይ እዩ።

በብእዋኑ ኣብ ከባቢና ክምዕብሉ ኣብ ዝጸንሑ ምዕባለታት እውን ከምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ዝተፈላለዩ ጫፋት ብምሓዝ ክንዋጠጥ ጸኒሕና ኢና። እቲ ተርእዮታት ኣብ ምምዛን ፍልልያት ምምዝጋብና እምብዛ ዘሰንብድ ኣይኮነን። እቲ ከጸግመና ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ ዘይገደፈናን፡ ነዚ ጫፋት ኣማእዚንካ ናይ ሓባር ሚዛን ናይ ምውናን ዓቕምና ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ምጽንሑን፡ ክሳብ ሕጂ እውን ክንሰግሮ ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ ከኣ ከም ሓደ ናይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ብቕዓት ውሱንነት መርኣያ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ እዚ፡  ፍልልያት ናይ ምክእኣል፡ ንመፍትሕታት ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ፡ ንናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ግቡእ ቦታ ዘይምሃብ፡ ንናይ ተወዳዳሪኻ ርኢቶ ቦታ ናይ ምሃብ ክእለትና ዝብድህ ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ እዋንዚ እውን ከም ወትሩ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ጐረቤትና ኢትዮጵያን ዘንጸላልዋ ዘሎ ስግኣታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ውግእ ዝተፈላለየ ሚዛናት ነንጸባርቕ ኣለና። ኣብዚ ጉዳይዚ ብጽሒትና እንታይ ይኹን ኣብ ዝብል እውን ከምኡ ኣብ ሓደ ኣንፈት የለናን። እዚ ፍልልያትዚ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣጥሪናዮ ዘለና ምቅርራብ ብኣሉታ ከይጸልዎ ዘየስግእ እውን ኣይኮነን። ንጉዳይ ትግራይ ልክዕ ከም ጉዳይና ወሲድና ጠቕሊልና ኣካሉ ኮይና፡ ብኽንድኡ ደረጃ ነበርክተሉ ዝብል ርኢቶ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ይንጸባረቕ ኣሎ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ውግእ ዝድግፉን በቲ ዘለዎ ክቕጽል ዝደፍኡን ኣካላት እውን ኣለዉ። ክልቲኦም ኣካላት ናብዚ ጫፋትዚ ወሲዱና ዝብልዎ ምኽንያታት ኣለዎም። እዚ ጫፋትዚ በበይኑ ኣብ ዘዘለዎ እናተመዓዳደወ፡ ዘምጸኦ ኤርትራዊ ኮነ ትግራዋይ ፍታሕ የብሉን። ክልቲኡ ማዕረ ሓቂ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓቅታት ክህሉ ስለ ዘይክእል። ቅሩብነትን ርትዓውነት እንተልዩ ግና፡ ነዚ ጫፋት ብዝተፈላለየ ኩርነዓቱ መዚካን  ኣማእዚንካን ብሓባር ከሰልፍ ዝኽእል መዋጸኦ ምርካብ ዘይከኣል ኣይምኾነን። ኮታ “ጉዳይ ትግራይ ጉዳይና ድዩ፡ ጉዳይ ጐረቤትና?” ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ እዩ ዝመስል። ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝወርድ ዘሎ፡ እቲ ጉጅለ እምበር ህዝብና ዘይሕተተሉ ጉድኣትን ቀጻሊ ኣሉታዊ ስንብራቱን “ተራ ጉዳይ ጐረቤት እዩ” ኢልና ክንሓልፎ ዘኽእለና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደ ግህሰታት እውን ተራ ጉዳይ ጐረቤት ጌርና ከይንወስዶ ዘገድደና እዩ።

እዚ ጫፋትዚ ደድሕሪ ዘዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕባለ እንዳጐየኻ ዝውገን ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ  ትካላዊ መስርዑ ሓልዩ ብዝተሓንጸጸ መትከልን ካብኡ ብዝምዕብል መጽናዕትን እዩ ክግራሕ ዝግበኦ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንኣብነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ካብ ዝብል መሰረታዊ መበገሲ ነቒሉ፡ 10.3 ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤ 10.6 ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ኣድልዎን ጭቆናን ዝቃለስ ፖሊሲ ምኽታል፤” ዝብሉ ዝርዝራት ኣስፊሩ ኣሎ። ስለዚ ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ክረአ እንከሎ፡ በዚ ንዝምድናኡ ዝቕይስ ፖሊሲኡ ክጥምቶ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ጨቢጡ ከኣ ምስ ካለኦት ኣብ ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን መድረኽ ይኣትው።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ወጽዓ ዕድመኡ ነዊሕ እዩ። ኣመዓባብላኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ እናተመከሮን ዋጋ እንዳከፈለሉን ዝመጸ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኹ ወናኒ ሃገሩ ኮይኑ ስለዝተሰምዖ ነቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ኣመራርሓ ንዝነበሮ ጉድለታትን ተንኮላትን ከስተብህለሉ ኣይከኣለን። እቲ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝተቓለሰ ጉጅለ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ይበጽሕዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዘይነበሮ ከም ቅኑዕ ዝተቐበለሉ መድረኽ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ተንኮላቱ ንምሕባእ “መግዛእቲ ዝገደፈልና ብዘይካ ሕማቕ ባህሊ ካልእ የለን”፡ ነቲ ናይ ምብሓት ፖሊሲኡ ንምትግባር ድማ   “ካብ ጸላኢ ባዶ ካዝና ኢና ተረኪብና” ብዝብሎ ዝነበረ ምቑዛም፡ ህዝብና ንኹሉ ክኢሉ ዘይትግበር ተስፋ ሰኒቑ፡ “ሓቂ እዩ እስከ ተጸሚምና ግዜ ንሃቦ” ብዝብል ከብዱ ብጥምዩ ዝባኑ ብዕርቑ፡ ሓልዮት ምርኣዩ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ከምዚ ኮይኑ ግና እምብዛ ብዘይስማዕ ድምጺ “እንድዒኸ፡ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብሉ እቲ ኩነታት ዘሰከፎም ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ብጊሓቱ ተወዲቦም፡ “እዚ ጉጅለ ንብዓት ሓርገጽ’ዩ ዝነብዕ ዘሎ”  ብዝብል ካብ ቃልሲ ዘይበኾሩ ኣካላት ምንባሮም ዘይዝንጋዕ እዩ።

እቲ ኣካይዳኡ ክጅምር እንከሎ ቅኑዕ መሲሉካን መመኽነይታታት እናጸብጸብካን ዕድል ዝሃብካዮ ደሓር ክጠልም እንከሎ ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ሎሚ ኣብ ልቢ ኤርትራዊ ዘይወጽእ ስንብራት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ነዚ ተጣዒስካ ዘይምለስ “ካብ ንግሆኡ፡ ሕገመንግስቲ የድልየና፡ ዘይተመረጸ ኣካል ኣይምረሓና፡ መሰላትና ይከበርልና፡ ብጸጋታት ሃገርና ናይ ምጥቃም መሰልና ይወሓሰልና…. ወዘተ” ኢልና መኪትና እንተንነብርኮ ኣብዚ ዘለናዮ  ድኽነትን ውርደትን ኣይመወደቕናን ዝብል ጣዕሳ ናይ ብዙሓት ከም ዝኾነ ንከታተሎ ዘለና እዩ። እቲ መፍትሒ ግና በቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ምጥዓስ ዘይኮነ፡ እንደገና ከይድገም ምቅላስ እዩ። እዚ ከኣ  ፋሕጭንግራሕ ኢልካ ዘይኮነስ ሓቢርካ ኢዩ ዝዕወት።

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ደልሃመት ብቃልሲ ክወጽእ ከም ዝደሊ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ብጋህዲ ዘርእዮ ዘሎ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ካብ ቀደሙ ንመንፈስ ሓልዮትን ጽቡቕ ድሌትን ህዝብና እናመዝመዘ ናይ  ምልኪ መሓውራቱ ዘደልድል ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ህዝባዊ ጠለባትን ናይ ምዕዋቱ ቃልስን ደቚሱን ጓዕጺጹን ብምሉእ ዓቕሙ ክጻባእ ከም ዝጸንሐ፡ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ክሳብ ዕለተ-ስዕረቱ ነዚ ኣገባብ ከም ዝቕጽሎ ከኣ ንርእዮ ኣለና። ካብቲ ህግደፍ ቃልሲ ህዝብና ንከበርዕን ዝጥቀሞ ሜላታት፡ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ሓቢሩ ድምጹ ከየስምዕን፡ ተወዲቡ ኣንጻሩ ኢዱ ንከይስንዝርን ዘይምትእምማን ከም ዝሓድሮ ጌርካ ሓድነት ህዝብ ምድኻም ኢዩ። ሓድነት ንዘይምውሓስና ግና ጠቕሊልና ንህግደፍ ጥራይ ነሰክሞ ገበን ኣይኮነን። “ሓደ ሓረስታይ ብተደጋጋሚ ጤለ-በጊዑ ብወኻርያ ዝብላዓ እንተኮይነን፡ ቆላሕታኡ ናብ ወኻርያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብቲ ጓሳ’ውን ከቕልብ ይግበኦ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ንሕና እቶም ምእንቲ ለውጢ ኣንጻርቲ ጉጅለ እንቃለስ ዘለና እውን ንገዛእ ርእስና ንህግደፍ ነዕንግሎ ከይንህሉ  ከነስተብህል ይግበኣና። ናይቶም ጉልባቦም ቀሊዖም እቲ ጉጅለ ዘዝበሎ ዝደግሙ እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ ወገናትናኳ ክሳብቲ ኩነታት ዝግለጸሎም ንግደፎ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ወጽዓ ሓቢርና ንምምካት ቅድም ቀዳድም፡ ናጽነትን ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝቡናን ከም ብሌን ዓይንና እንሕሉ  ኤርትራውያን ምዃን ይግበኣና።  ኣብ ርእሲኡ ከኣ ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምቅዋም መባእታዊ መራኸቢና ክኸውን እኹል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከም ኣድላይነቱ፡ ብዛዕባ እምነትና፡ ኣውራጃና፡ ቋንቋና፡ ባህልና….. ወዘተ ምሕሳብን ዝምዕብልሉ ብልሓት ምሕሳብን ነውሪ ኣይኮነን። ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ እትምረሓሉ ራኢ ምስትንታን’ውን ከምኡ። ነዚ ቅድሚቲ መባእታዊ መራኸቢ ዝኾነና ዝጠቐስናዮ መሰረታዊ ጉዳያት እንተ ሰሪዕናዮ ግና ንቕድሚት ዘሰጉመና ኣይኮነን። እኳደኣ ብኣንጻሩ ነቲ ናይ ሓባር መባእታዊ ረቛሕታት፡ ኤርትራውነት፡ ናጽነት፡ ልኡላውነት፡ ሓድነት ህዝብን ምውጋድ ወጽዓ ህግደፍን ዘትርር ክኸውን እዩ ዝግበኦ። እቲ ኣብ መጻኢ ዝቕጽል ዝርዝር ህንጸት ሃገር እውን ኣብዚ ኣቐዲምና ዝመድመድናዮ፡ ጽኑዕ መሰረታዊ ናይ ሓባር ባይታ፡ ህዝቢ ብዘጽድቖ ሕገ-መንግስቲ እንዳተኣልየ ዝህነጽ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ማለት ኣብ መጻኢ እነካይዶ ህንጸት ሃገር  ኣብቲ ኣቐዲምና ዘንበርናዮ ጽኑዕ መሰረት ዝድለብን እናሻዕ ከም ሓድሽ ዘይጅመር ክኸውን እንከሎ እዩ ዘድምዕ።

ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንድህስስ እንከለና ገዛእትና ምልሕላሕ ሓድነት ኤርትራውያን ከም ቀንዲ መሳርሒ መንበርከኺና ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ወትሩ እነዘንትዎ እዩ። ንኣብነት ግዝያዊ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ በዚ ንስምዒታት ብጉጉይ መንገዲ ኣነሃሂርካ ህዝቢ ናይ ምክፍፋል ተግባር ካብ እንኸሶም ገዛእቲ ሓደ እዩ። እቶም ካለኦት ገዛእቲ እውን ነናቶም ኢንታታት ነይርዎም። መግዛእታዊ ተመኩሮ ክንዝክር እንከሎና፡ ዝውሰድ ኣውንታ እንተልይዎ ንምውሳድ ወይ ነቲ ክድገም ዘየብሉን  ንምኹናን እዩ። ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ   ክድገም ዘየብሉ ክነሱ ክድገም እንዕዘቦ፡ እቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ንኤርትራዊ ናጽነትና፡ ልኡላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ዝህድድ ኣካይዳ ናይ ምድጋሙ ዝንባለታት እዩ።

ኤርትራውያን ሎሚ ካብዚ ዘለናዮ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን መዋጽኦ የድልየና ኣሎ። ነዚ መዋጸኦ ንምርካብ ኢና ከኣ ንቃለስ ዘለና። በብወገና ብዝተወደበ ይኹን ብዘይተወደበ፡ “መዋጸኦ እዩ” እንብሎ ኣተሓሳስባታት ኣለና። እዚ በብኹርናዑ ተመዚዙ ዘሎ ዘይተኣርነበ ሓሳባት ሒዝካ በበይንኻ ምውፋር እንተቐጺሉ፡ ብዘይጥርጥር መፍቶ ናይቲ ብምርሕሓቕና ዝዕንገልን ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ዘየፍረየ ኣተሓሳስባኡ ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝ ዝሃልኽ ዘሎን ጉጅለ ከም እንኸውን ርዱእ እዩ። ስለዚ እታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ምርጫ ተጸዋዊርካ ብናይ “እንካን ሃባን” መርሆ፡ ኣብ ማእከላይ ቦታ ተራኺብካ፡ ነቲ ጫፋት ኣቀራሪብካ፡ ብውሕዱ ነዚ ወጻዒ ጉጅለ ምውጋድ ዘኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ክትፈጥር ምኽኣል ጥራይ እያ። ናይ “ንበይነይ”  መንገዲ ግና ናብቲ “ካብቲ ሕማምሲ እቲ መድሃኒት  ዝተባህለ ገዲዱ” ዓይነት ሳዕቤን እዩ ክወስደና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ከመይ ይግለጽ?”፡ ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ መልሱ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ክቐርብ ዝኽእል እዩ። ብዘይ ሕገመንግስቲ ኣብ ዝመሓደረሉ፡ ብዘይመረጾም ባእታታት፡ ዘየጽደቖም ኣውጃትን ዘይሳተፈሎም ትካላትን ኣብ ዝምረሓሉ፡ ናይ ድሕንነቱ ውሕስነት ኣብ  ዘየብሉ፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ኣብ ዘይክበረሉ፡ ብናይ ሃገሩ ጸጋታት ብናጽነት ኣብ ዘይጥቀመሉ ኩነታት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ እዩ ኢልካ ምምላስ ይከኣል። ነዚ ዝያዳ  ብጥርኑፍ ዝገልጽ መልሲ እንተድልየ ከኣ፡ “ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ዝተነፈገ ህዝቢ’ዩ” ኢልካ ምጥቕላል እውን ይከኣል።

ህዝቢ ኣይኮነንዶ ከምዚ ናይ ኤርትራ ብኣዝዩ መሪር፡ ካብኡ ብዝተሓተ ደረጃ ክውጻዕ እንከሎ እውን ኣንጻር ወጽዓን ወጻዕቱን ከም ዝሓስብ ርዱእ እዩ። እዚ ሓሳቡ ከከም ኩነታቱ ብግብሪ ዝሓሸ ኩሉ ሓቆፍ ራህዋ ብምጥላብ ናብ ቃልስን ተቓውሞን ከበርኾ እውን ንቡር እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ምብርባር ንክቕልጥፍ ወይ ንክድንጒ፡  ንከድምዕ ወይ ንዘይከድምዕ ዝውስኑ ረቛሕቲ ኣለዉ። ናይቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ህዝቢ ጽንዓት፡ ተጸዋርነት፡ ተሳተፍነትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ናይቲ ዝተወደበ ቃልሲ ናይ ርሑቕን ቀረባን ቀዳምነታት ክትሰርዕ ምብቃዕ፡ ናይ መንነት ፍልልያት፡ ባህላዊ ይኹኑ ሃይማኖታዊ፡ ቦታዊ ወይ ቋንቋዊ  ነቲ መሰረታዊ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓታት ብዝሕግዝ ኣገባብ ከም ዝመሓደሩ ምግባር ንኣድማዕነት እቲ ቃልሲ ወሳኒ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ወጻዒ ኣካል፡ ከም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገርና ዝኣመሰለ፡ ባህርያትን ክብደት ወጽዓኡን ብግቡእ ምርዳእ’ውን ኣብ መስርሕ እቲ ውዱብ ህዝባዊ ቃልሲ ግደ ኣለዎ። ብመሰረቱ እቲ ኣገባብ ኣወዳድባን ዝኽተሎ ናይ ኣተገባብራ ስልትን እውን ንናይዚ  ወጻዒ ኣካል ባህርን ዓቕምን ብዝምልከት ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ብዝተመስረተ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። እዚ መጽናዕቲዚ ብግቡእ ኣብ ዘይጸጸየሉ ዝካየድ ቃልሲ፡ ከምዚ ኣብ መንጎ ዓይነት ሕማምን ንዓኡ ክፍውስ ዝእዘዝ መድሃኒትን ብዘይምስምማዕ ከጋጥም ዝኽል ቅልውላው፡ ጽልግልግ ከስዕብ ዝኽእል እዩ። ናይ ገሊኦም ወጻዕቲ ጥበብ ኣቀራርባ ኣብ ገለ ጉዳያት ናብ ናይቲ ህዝቢ ድሌት ዝቀራረብ ዝመስል መልክዕ ይሕዝ እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና ኣዝዩ ናይ ከብድን ሕቖን ምርሕሓቕ ዘለዎ እዩ። ብመንጽርዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍን ዘሎ ኩነታት፡  እታ “ኤርትራውነት” እትብል እንተዘይኮይኑ፥ ካልእ ንምሕደራ ዝምልከት ዘራኽብ የብሎምን።

እቲ “ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ዝተነፍገ ህዝቢ” ዝብል ኣገላልጻ ደረጃታት ኣለዎ። ገሊኦም ወጻዕቲ ህዝቢ የሳትፉ ከም ዘለዉ ንምምሳል፡ ሕገመንግስቲ የተኣታትዉ’ሞ ኣብ ኣተገባብራኡ ነቲ ህዝቢ ይሽፍጥዎ። ምርጫ የካይዱ እሞ ጠማዚዞም ናብ ረብሓኦም የውዕልዎ። ትካላት ፍትሒ ደኲኖም መናውሒ ዕድመኦም ኣብ ስልጣን ይጥቀሙለን። ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ወጻዕቲ ግና ከም መርኣያ ኣዝዩ ዝኸፈአ ወጽዓኦምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ክቱር ንዕቀትን ነዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ፡ “ሕገመንግስቲ፡ ምርጫ፥ ትካላት ፍትሒ”፡ ዝብላን ተመሳሰልቲ ሓረጋትን ካብ መዝገበ ቃላቶም ይሓክወን። ኮታ “ካብ ጸለምካስ ኳኽ ምምሳል” ዝዓይነቱ ቅዲ ይጥቀሙ።

እቲ ካልእ ህዝቢ ናብ ዋኒኑ ንከየድህብ ዝጥቀምሉ መንግዲ ብናቱ ኣጀንዳ ብዛዕባ ወጻዕቱ ተቓሊሱ ዝስዕረሉ ጉዳይ ንከይዛረብ ኣብ ናቶም መዳህለሊ ኣጀንዳ ጅሆ ክሕዝዎ ዘጻውድዎ መጻወድያ እዩ። ቅትለትን ማእሰርትን ይፍጽሙ፡ ህዝቢ ብዛዓብዚ ፍጻመታት ይዛረብን ይሓስብን ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ተንኮሎም ይፍሕሱ። ናይቲ ህዝቢ ቀልቢ ይስሕብ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ፍጻመ ከም ዘጋጠመ ኣምሲሎም በቲ ንኸምዚ ተግባራት ዝሰርሕዎ ትካላቶም የውርዩ። ንኣብነት ንዲክታተር ኢሳያስ ክንደይ ግዜ ቀቲሎም ከም ዘተንስእዎ ምዝካር ይከኣል። ስለዚ ነቲ ህዝቢ ብናቱ ዘዕውቶን ዝመረጾን መድረኻዊ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ንሳቶም ከምቲ ዝጥዕሞም ገይሮም ዝቐረብሉ መኣዲ ጥራይ ከም ዝነብር ናይ ምግባር ኣደንዛዚ ምህዞኦም እዩ። ህዝቢ ካብዚ ወጻዒኡ ብዝኾዓቶ መትረብ ናይ ምፍሳስ መጻወዲያ ወጺኡ ብናቱ ኣጀንዳ ክሳብ ዘይተዛረበ ንወጻዕቱ ናይ ምስዓር ዕድሉ ጸቢብ እዩ። ስለዚ ካብቲ ዝጸናሕናዮን ዘለናዮን ጸላኢ መመቲሩ ዘቕረበልካ መርዚ ናይ ምኹላስን ንዘዝተሰምዐ ምክልኻልን ወጺእና ናብ ኣጥቃዒ ኣጀንዳ ንሰጋገረሉ ኩነታት ምፍጣር እውናዊ እዩ።

ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ ጉዳይ፡ ከምቲ ኩልና እንኣምነሉ፡ ካብዚ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ናይ ተወጻዕን ወጻዕን ምትሕንናቕ ስዒርና ክንወጽእ፡ ብሓባር ተወዲብና ክንቃለስ ክንበቅዕ ዘይስገር እዩ። እዚ ወሳኒ ዝኸውን ብሓጺሩ በበይንና ብእነበርክቶ ክንስዕር ስለ ዘይንኽእል እዩ። ብሓባር ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስና እውን፡ መጻኢና ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ ዝውሰን ምዃኑ እዩ ዘረደኣና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን  ካለኦትን ናይ ሓባር መድረኻት ናይ ምምስራትና ምስጢር ከኣ ንሱ እዩ። ሎሚ እውን እነሆ ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ መእከቢ መድረኽ ምርካብ ዝያዳ ኣብ ዝጐለሓሉ ወሳኒ እዋን ንርከብ ኣለና።

እዞም ኣቐዲሞም ዝተገልጹ ግና ክሳብ ሎሚ ዘየዕወቱና መጠራነፊ መድረኻት፡ ሎሚ እውን ይለዓሉ እዮም። “ንሳቶም ስለ ዘየዕወቱና ካልእ መድረኽ ንምሃዝ” ምባል እውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ናይ ዘይምዕዋትና ጠንቂ እቲ “ዘየዕወተና” እንብሎ ዘለና መድረኻት፡ ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ሃገራዊ ባይቶን ካለኦት ውዳበታትን ድዩ ወይስ ናይቶም ኣብኡ ንዋሳእ ዝነበርና ኣካላት ሕጽረት እዩ? ኢልና ብግቡእ ምምማይ የድልየና። ሓደ ውዳበ ጸገም እንተለዎ ናይቶም ኣብቲ ውዳበ ዝዋስኡ፡ ቅንዕና፡ ቅርቡነትን ሓልዮትን እንተልዩ፡ ጉድኣት ከየኸተለ ናይ ምትዕርራይን ምምሕያሽን ሰፊሕ ዕድል  ኣለዎ። ኣብቶም ነቲ ውዳበ ህይወት ክሰኹዕሉ ዝግበኦም ተዋሳእቲ ናይ ኣተሓሳስባ ጥዕና እንተዘየልዩ ግና፡ ዝኾነ መልክዕ ይሃልዎ እቲ ግኡዝ ውዳበ  ኣይዕርይን እዩ። ስለዚ “እቲ ዝሓለፈ  ኣወዳድባታት ፈሺሉ እዩ’ሞ ሓድሽ ኣውዳድባ ንምሃዝ” ዘይኮነ፡ “ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕጽረትና ተማሂርና ሓድሽ፡ ሓላይን ሓላፍነታውን ኣተሓሳስባዶ ኣማዕቢል ወይ ኣይፋልናን” ዝብል ሕቶ ምምላስ ቀዳምነት ምሃብ ከድልየና እዩ። መልስና “ኣይፋልናን” እንተኾይኑ፡ ውዳበታት ምቕያር ፋይዳ የብሉን። መልስና “እወ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢልና” እንተኾይኑ ግና ምዕዋትና ዉሁብ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝኸበረ ናይ ሓባር ንብረቱ ናጽነቱን ልኡላውነቱን እዩ። እዚ መግለጺ መንነቱ ዝኾነ ክብረቱ ክቡር ዝኾነሉ ምኽንያት ብህያብ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ክቡር ኩለ-መዳያዊ ዋጋ ዝተኸፍሎ ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ነዚ ክቡር ንብረት ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ሰፊሕ መግለጺ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። 30 መረርቲ  ዓመታት ኣብ ትንፋስ ዘይህብ መሪር ቃልሲ ዝተጓዕዘሉን ናብ ሚእቲ ሺሕ ዝገማገም ስዉኣት ዝተኸፍልሉን ምዃኑ ጥራይ መርኣያ ክብሪ ናይቲ ዋጋ እዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ኣብ ምውሓስ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተመለአ፡ ሰላማዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን ኤርትራ ናይ ምውሓስ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቀጻሊ ዕማሙ ንምዕዋት ከኣ ጌና ይቃለስ ኣሎ። እዚ ሕጂ ዘለዎ ሃለዋት ከኣ ነዚ ዝገልጽ እዩ። ኣብ መስርሕ እቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረኣዩን ፍሉይ ክብደት ዝወሃቦምን፡ ፍጻመታት፡ ቦታታት፡ ዕለታትን ውልቀሰባትን ኣለዉ። ዕለታት  ጀማሪት ሰውራ ኤርትራ ባሕቲ መስከረምን ተረካቢት ናጽነት 24 ጉንበትን ከኣ ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን።

24 ጉንበት መዓልቲ  ናጽነት ኤርትራ፡ ካብተን ብኤርትራውያን ፍሉይ ግምት ዝወሃበን ታሪኻዊ ዕለታት ብኣብነት እትጥቀስ ዕድለኛ መዓልቲ እያ። ህዝቢ ኤርትራ ንመዓልቲ ናጽነት ዘኽብራ፡ ፍረ ናይ 30 ዓመታት መስዋእቱ ሓፊሱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝሰገረላ ስለ ዝኾነት እዩ።  ንመዓልቲ ናጽነት፡ ካብቲ ንነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝወሃብ ክብርን ምስጢርን ዘይፍለ ግምት ክትረክብ ውሁብ እዩ። ነዛ ዕለት እዚኣ ግቡእ ክብሪ ዘይምሃብ፡ ናብ ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዋጋ ምንፋግ ዝወስድ ሓደገኛ ኣጠማምታ እዩ። “ኤርትራውያን ንመዓልቲ ናጽነት “ኣይፈትዉዋን ኣየኽብርዋን እዮም” ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ኣብ ግዜ ረፈረንዱም ዝሃቦ 98.8 ሚእታዊት ናይ “እወ ንናጽነት” ድምጽን ክሒዱ ናብ “ኤርትራውያን ንናጽነቶምን ልዑላውነቶም ኣይድግፍዎን እዮም” ዝወስድ ጠላም  ተረድኦ’ውን እዩ። ክሳብ ክንድዚ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ናይ 30 መጋቢት 2021 ዘይሓላፍነታዊ ሰሙናዊ  ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራውያን ቁጠዐን ሕርቃንን ኣሕዲሩ ዘሎ።

ኤርትራውያን በዚ ንህዝባዊ ክብሮም ዝግህስ ኣበሃህላ ኣንበሳድር ዲና ሙፍቲ ዝለዓለ ቁጠዐ ከም ዘኸትል ከይተሓልመ ዝተፈትሐ  ነይሩ። ከምኡ ከኣ ኮይኑ። ምኽንያቱ “ብዘይምጻእ ኣይትምጸኣና” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ  ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ብጥሪኡ ብድድ ኢልካ ምቑጣዕ ዘይኮነ “እዚ ኣንበሳደር መን ኣጆኻ ምስ በሎ እዩ  ከምኡ ኢሉ፡ መን ብዝኸፈተሉ ናይ ንዕቀት ኣፍደገ እዩኸ ኣትዩና?” ኢልካ ምሕታት የድሊ። ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ  ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ምርካብ ምኻድ እውን ግድን’ዩ።

ንመዓልቲ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ እውን ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቖ ዘሎ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ።፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ “ድሕሪ ሕጂ  ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እዩ ዝመርሓና፡ ኣነ ከኣ ኣብ ጐኑ ኣለኹ። ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘሕለፍናዮ ግዜ ዝባኸነን መዋእል እዩ።  ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም።” ምባሉ ክሳብ ክንደይ ንልኡላውነትና ንሓደጋ ከም ዘቃልዖ ምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። እዚ ዘይሓላፍነታውን ሃላልን ኣበሃህላ ኢሳያስ ደኾን ንብደዐ ዲና ሙፍቲ ኣተባቢዕዎ ይኸውን? ኢልና ክንሓትት ይግበኣና። መልሱ “እወ” ከም ዝኸውን ከኣ ርዱእ እዩ።

 ኢሳይስ ንዝሓለፈ 3 ዓመታት ብጉዳይ ልኡላውነትና  ንብዙሓት ብዘስደመመ ከም ድላዩ ክጣላዕ ጸኒሑን ኣሎን። ነቲ ምቁማሩ ዕታር ዕንበባ እንዳሃብካን ናይ ቅብጡሮት ኣስማት እንዳኣውጻእካን “ቀጽል ጥራይ” ክትብሎ ጸኒሕካ፡ ሎሚ ንዲና ሙፍቲ “ዓይንኻ ንሓመድ” ምባል “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝየብል ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ንዲና ክንቃወሞ ኣይነበረናን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ናይ 2019 በዓል ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጐንደር ዝተጸንበለሉ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘርኢ ናይ ቀደም ካርታ ብዓብይ ቅርጺ ንምርኢት ካርኒቫል ቀሪቡ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ኣንበሳደር ሰመረ ርእሶም ዝመርሖ ልኡኽ ህግደፍ ብሕም ከምዘይበለ ንዝክሮዶ ንኸውን?

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ምስቶም ካብ መሰረቱ ተገዲዶም እምበር ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይቅበሉን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከኣ “ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ብምሃብ” ዝኸሱን ወገናት እዩ ወጊኑ ዘሎ።  ምውጋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስኣቶም ኮይኑ እዩ ኣንጻር’ቶም ክሳብ ሕጂ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይጠለሙ ኢትዮጵያውያን ዝዋጋእ ዘሎ። ናይ ኢሳያስ ናይ ኣሰላልፋ ሕሳብ፡ ኣንዊሑ ዘይጥምት ኣብ ጸቢብ ምርዋይ ስምዒቱን ምጽምጻብ ሕዱር ቂምን እምበር ኣርሒቑ ብዛዕባ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ብማዕበል ኤርትራዊ ቁጠዐ ሰንቢዱ “ኣበሃህላይ ብጌጋ ተወሲዱ ኣሎ” ብዝብል ከብርህ ፈቲኑ እዩ። በቲ ኮነ በቲ ነታ “ኣብዚ እዋንዚ እንተዝሕተቱ ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዝተፈልዩላ ዕለት ኣየኽብርዋን ኣይፈትውዋን እዮም።” እትብል ምልእቲ ሓሳቡ ግና እትእረም ትኽእል ኣይኮነትን። እዚ ኣንበሳደር ምናልባት ደኣ ኣብ ኣመራርጻ መድረኽን ኣቀራርባ ሜላን ጌጋ ፈጢሩ ይኸውን እምበር፡ “ካብ መሬት ቦግ ኣቢሉ” ዝበሎ ኣይክኸውንን እዩ፡ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

እቲ ጉዳይ ኢሳያስ ክመጾ ንዝጸንሐ መንገድን በጺሕዎ ዘሎ ናይ ጥልመት ብራኸን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ሓድሽን ሃንደበታውን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብኽንድዚ ደረጃ ንኤርትራውያን ምቑጥዑ ዝድገፍ እዩ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡  ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ዝተረኽብሉ ይቕረታ ሓቲቱ ዝብል መደዓዓሲ ዜና’ውን ሰሚዕናዮ። እዚ  እሞ ከኣ “ዝኣኽለን ጥሒነንስ በዓለ-ማርያም ይብላ እዩ።” ደሓር ባዕሉ እቲ ቀንዲ ናይቲ ጉዳይ ጠጃኢ ኢሳያስ ይቕረ ዘይበለላ ልኡላዊት ሃገር ብናይ ደመቀ ይቕረታን ብናይ ዲና ሙፍቲ ምትዕርራይ ቃላትን  ክትድሕን እያ ኢልካ ምሕሳብ  ግርህነት ወይ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ መዳህለሊ ተቓለስቲ  እዩ። እንተ’ቲ ክንዲ ህግደፍ ዝኣክል ጠላም ጉጅለ ኣቐሚጥካ ንዲና ጥራይ ምርጋም ግን “ዓንጸዓንጾ ንማዕጾ” ስለዝኾነ፡ ቀዳማይ ጠመቴና ሓግሒግካ ምድርባይ ኢሳያስን ስርዓቱን ዳኣ ይኹን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ኣዝዩ ይሕቆን እዩ ዘሎ። ኣብዚ ዝሕቆን ዘሎ ማዕበል ጉዳይ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣ ካብ ትግራይ ጀሚርካ ክሳብቲ ካልእ ጫፋ ብኣርባዕተ መኣዝና መትሓዚ ስኢኑ ዘሎ ህውከት፡ ምስ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ዓብይ ግድብ ኣባይ ኣትያቶ ዘላ ምስሕሓብ፡ ምትፍናን ሶማልያ ምስ ኬንያን ውሽጣዊ ጉዳያን፡ ህውከትን ውግእን ዝማእከሉ ረብሓ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ሰለስተ ዓመቱ ክደፍን ሒደት ኣዋርሕ ተሪፍዎ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ኤርትራ ብዘይካቲ ምስ ከባቢኣ እትካፈሎ ዘላ ጸገም፡ ናታ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝዕድሚኡ ክሳብ ሎሚ  ብግቡእ ዝስመዓሉ መድረኽ ከይረኸበ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ዝጠንቁ ዘቤታዊ ጸገም ኣለዋ።

እዚ ናይ ከባቢና ጸገም ኣብቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ተዋሳእቱ ጥራይ ዝደረተ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ብዙሓት ነናቶም ፖለቲካዊ ሕሳብን ውድድርን  ዘለዎም ወገናት ቀልቢ እውን ይስሕብ  ኣሎ። ዝስማዕ ዘሎ ድምጺ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካልኦት ሓያላትን ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዘን ትካላት ብሓፈሻ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይእከባን ይብተናን ይሰማምዓን ይፈላለያን ኣለዋ። ኣብ መወዳእታ ብፍላይ ንኢሳያስ ዋጋኡ ኣብ ዝህብ ቀጻዒ ስምምዕ ከበጽሓ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣዝዩ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ግምት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለያ ሰብኣውን ረድአታውን ትካላት ኣሕዲርዎ ዘሎ ሻቕሎት ቀሊል ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ተግባሩ ፈሊጡ ኣጽቂጡ ዝነበረ ዲክታተር ኢሳያስን ሓቢእዎ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣበሳን እውን ቃልዕ ወጺኦም ካብቲ  ኢሳያስ ዝደልዮ መንገዲ ወጺኦም መዛረቢ ዝኾኑ ዘለዉ ይመስሉ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድም ኣብቲ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኢትዮጵያ፡ ደሓር ከኣ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ምእታዉ፡ ንናይ ከባቢና ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝያዳ ካብ ዝወጠርዎ ጠንቅታት ሓደ እዩ። ወዮ “ዓገብ” ክበሃል እንከሎ ምጽቃጥ ዝለመደ ጉሒላ ኢሳያስ፡ ሎሚ “ሰራዊትካ ካብ ውግእ ትግራይ ኣውጽእ” ዝብል፡ ዘይምሕር ዝመስል ቀጢን ትእዛዝ ተዋሂብዎ ኣሎ። እዚ ከምቲ “ከይተጸውዐ ዝመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ” ዝበሃል፡ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ንምስሊ ኢሳያስ ከጸባብቕ ክብል ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክሓባብእ ጸኒሑ፡ መህደሚ ምስተሳኣነ ግና እነሆ “መራሒ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ” ዝበል ዜና ጌና ቀለሙ ከይደረቐ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ እዩ” ክብል ሰሚዕናዮ። ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ግና ብዛዕባ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከይጠቐሰ’ዩ ተዘርጊሑ። ስለዚ ካብዚ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ  ብበይኑ ትሕዝቶ ዝወጸ መግለጽታት ነቒልካ ከምቲ ወዲ ገብሩ “ኣየናይ ክካሓድ ኣየናይ ክእመን፡ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕንቅርቢት ተመን” ዝበሎ እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ውግእ ትግራይ  ሰዲህኤ፡ ሎሚ እንድግፎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኣጀማምራኡ እውን ዘይተቐበልናዮ እዩ። ከም መወከሲ፡ ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምብራዑ፡ ንዕኡ ብዝምልከት ዝተጋብአ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነቲ  ዘሕዝን ተረኽቦ  ብግቡእ መዚኑ፡ “…  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን  ሰራዊት ኤርትራ ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።”  ዝበሎ  ምዝካር ይከኣል።

እቲ ብዘይትካላዊ ኣገባብን ዘይግሉጽ መስርሕን ዝተጀመረ፡ ደፋእቱ ዘይተፈልጡ ናይ ሆይሆይ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ከምዚ ዓይነት ወዛል መግለጽታት ከውጽእ ተገማቲ እዩ። እዞም ዘይረግኡ ክልተ ሰባት ናይ ህዝብታት ሓላፍነት ዝስመዖምን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተሉን ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ብዛዕባ ክንድዚ ዝኣክል ተሃዋሲ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ “ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ” ናይ ሓባር መግለጺ ክወጽኡ እንከለዉ፡ ዝጸሓፈሉ ቋንቋ ተመሪጹ ዕላዊ ክታማት መራሕትን ኣርማታት ሃገራትን  ኣሰንይዎ ክዝርጋሕ መተገብአ። ግና ከምኡ ኣይተገብረን። ምኽንያቱ ኣጀማምራ ናይቲ ስምምዖም እውን ብባህሪኡ ናብዚ ንዕዘቦ ዘለና ህውተታ ዝወስድ እዩ።  “ምናልባት  ዘይተሰማምዑ ከይኮኑ’ሞ፡ ካብቲ ዘይብሱል ዝምድና ነናቶም መህደሚ ኣቕጣጫ ይመርጹ ከይህልዉ” ንዝብል ሓሳብ እውን ፈጺምካ ቦታ ትነፍጎ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን ካብዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ  ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ  ዝገበሮ ዝምድና ከሲርና እምበር ኣይከሰብናን። እዚ ስግንጢር ሰብኣይ ግና፡ ከምዚ ብምግባሩ ነታ “ኣይከሰርናን” እትብል ቃል መውጽእ ኣፉ ገይርዋ ጸኒሑ። ልኡላውነትና ብሰንክዚ ግዕዙይ ቅዲ ዝምድና ኢሳያስ ኣብ ሓደጋ ኣሎ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ምፍዋሱ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዝወስድ ቅርሕንቲ ኣእትዩና። ብዓብይኡ ከኣ ኤርትራውያን ጉዳዮም ኣብ ዘይኮነ ሓዊ ጠቢሱ ኣወዲእዎም። ኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ጥቓ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ እነሆ ቀዳማይ ሚኒስተራ ንኢሳያስ ጐቲቱ ኣምጺኡ፡ ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ክሳራን ቅልውላውን ኣውዲቕዋ። ካብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ምስኣ ጥዑይ ርክብን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን  ዝነበሮም ኣካላት ኣርሒቐምዋ። ብዓብይኡ ከኣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ  መውጽኢኡ ጠፊእዋ ዘሎ እዉጅን   ዘይእዉጅን ውግኣትን ህውከትን ዝወደቐት ብሰንኪ ምስዚ ነቲ “ይመርሖ ኣሎኹ” ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራኳ ዘይኮነ  ዲክታተር ምዝማዳ እዩ፡ ኢሎም ዝድምድሙ ኢትዮጵያውን ዓው ኢሎም ኣብ ኣደባባያት ምዝራብ ጀሚሮም ኣለዉ።

“ኣመለኛ ልማደኛ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳያስ ምናልባት ሎሚ እውን፡ እታ ተሪፋቶ ዘላ መጻወቲት ካርታ ንሳ ጥራይ ስለ ዝኾነት፡ ከዳህልል ይፍትን ይኸውን። ሓደ ካብቲ ክገብሮ ዝኽእል ፈተነ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ጸቕጢታት ከም ዝተቐበሎ መሲሉ “ይወጽእ ኣለኹ” እንዳበለ፡ ወተሃደራዊ ክዳውንትን ካልእ “ከየቃለዓኒ” ዝብሎ ምልክታትን ቀያይሩ፡ ኣብ ትግራይ ክቕጽል ይሕልን ይኸውን። በቲ ካልእ መዳይ ውን መደባት ኢሰያስን ኣቢይን ስለዘይፍለጥ፡ ኢሰያስ “ምርግጋእ ኢትዮጵያ ከም ቀዳማይ ዕላማና ኢና ንወስዶ” ስለ ዝብል፡ ሓይልታቱ ናብ ካልእ ወጥሪ ዝርከቦ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣውፊሩ ቦታ  ሰራዊት ኢትዮጵያ  ይትክእ ይኸውን። እንተኾነ ዓሚ ሎሚዘበን ስለ ዘይኮነ፡ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ብዙሓትን ሓያላትን ኣትዩ ስለ ዘሎ መሕብኢ ኣይክረክብን እዩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሰንኪ ውዲታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዋጥር ኣትዩ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝስምዑን ዝግመቱን ጸብጺብካ፡ ኩነታቶም ጋና ኣፍካ መሊእካ “ውዲታቶም ተቓሉዑስ ኣብ ዝፋትሕሉ ደረጃ በጺሖም” ዘብል ኣይኮነን’ሞ ምክትታል የድሊ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ወጻዒ ጥራይ ዘይኮነ ገበነኛ እዩ። እቲ ገበን ነዚ ጉጅለ ብዓይኒ ጽልኢ ዝልጠፎ ዘይኮነ፡  ንተግባሩ ስለ ዝምጥን እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ይገዝእ። ናይ ኤርትራውያን ናይ ምውዳብ፡ ምዝራብን ምሕሳብን መሰል ይገፍፍ። መሰል ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምስዓብ ኣየኽብርን። ልዕልና ፍትሒ ኣየዘውትርን። ንዜጋታት ይስውርን የጥፍእን። ኮታ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ኣየኽብርን። እኩብ ድምር ናይዚ ጉጅለ ሕማቕ ተግባራት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝደረት ዘይኮነ፡ ናብ ጐረባብትና ሃገራት እውን ዝልሕም ዘሎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝፍጸም ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ እዚ ጉጅለ ዶብ እናሰገረ ዝፍጽሞ በደላት እውን ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮነን።

እዚ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ጐረባብትና ሃገራት ዝፈስስ ዘሎ ገበናት ህግደፍ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ፡ ባህሪያቱ ኮይኑ; መስርሑ ሒዙ ዝመጸ ምዕባለ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንመስርሕ ኣመዓባብላ ገበናት ናይቲ ጉጅለ ይከታተሎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ፡ “ወዮ ብሳላ ክቡር መስዋእቲ ደቀይ ኣብ ስልጣን መጺኡስ ሕድሮም ክሒዱ ኣይክጠልመንን እዩ” ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ ምእንቲ ኣሕሊፉ ከይህቦ ንዝርእዮ ዝነበረ ሕጽረታት’ውን  ክኽውለሉ ኢዩ ዝፍትን ነይሩ። ጌና ግዜ ረኺቡ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ናተይ ኢሉ ንከዕሪ ህዝብና ልቢ ኣዕብዩ   ዕድል ሂብዎ እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ንትዕግስቲ ህዝብና ብኣንጻሩ ብሕመቕን ዘይምስትውዓልን ተርጒሙ መደልደሊ ናይ ወጽዓ መሳርሒኡ ተጠቒምሉ። ደሓር ግና ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ብቕንዕና ዝሃቦ ዕድል መዝሚዙ ኣንጻሩ ውዲታት ይምህዘሉ ከም ዝነበረ እናተረድአ መጺኡ። እነሆ ከኣ ብውሽጥን ወጻእን ብዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ነዚ ጉጅለ ይቃለሶ ኣሎ።

ኣብቲ መጀመርታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተግባራት ህግደፍ ሓደ ዓይነት ኣመዛዝና ኣይነበሮን። ገሊኡ “ጌና ዕድል ንሃቦ” ክብል እንከሎ ገሊኡ ግና ካብ ቀደሙ እውን “በዓል ደሓን” ከም ዘይነበረ ተረዲኡ ንቃለሶ ደኣ ኢሉ። ሎሚ ግና ከምቲ “ሓቅን ወጋሕታን እንዳሓደረ ይበርህ” ዝበሃል፡ ሓቀኛ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ተቐሊዑ እዩ። “መን ይድግፎን ስለምንታይን፡ መን ይቃወሞን ስለምንታይን” ከኣ ተነጺሩ እዩ። ሎሚ እቲ ሓፋሽ ነዚ ጉጅለ ዝቃወሞ ኮነ፡ እቶም ውሑዳት “ምሳኻ ኣለና” ዝብልዎ፡ ብዘይካ ገለ ገርሀተኛታት፡ መን ንፍትሒ ተሰሊፉ፡ መንከ መሳርሒ ወጻዒ ይኸውን ኣሎ ተነጺሮም እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝቃለስ ዘሎ፡ ነዚ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከቃልዖ ዝለዓለ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦኳ እንተዘይኮነ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንምሕጽንታ ህዝብና ሰሚዖም ንገበናት እቲ ጉጅለ ተረዲአምዎ እዮም። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ካብ ምርዳእ ሓሊፎም ዓው ኢሎም “ዓገብ” ካብ ዝብልዎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንኣብነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እተጽንዕን እትምርምርን መዝነታ  ዓመታዊ ዝሕደስ ኣካል ካብ ዘቕውም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት እውን በብወገነን ጉጅለ ህግደፍ እሱራት ክፈትሕ ወይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርብ፡ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብቑጽሪ 82/1995 ዝኣወጆ መወዳእታኡ ግና ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከቋርጾ ክምሕጸና ጸኒሐን እየን። እቲ ጉጅለ ግና ብትዕቢት ተሸንዲሑ ነቲ ስምዕታ ዋጋ ኣይሃቦን። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ቀዳማይ ጻዕሩ ኮይኑ ዝነበረ ሓቀኛ ምስሉ ምሕባእ እዩ። ምእንቲዚ ከኣ፡ ኩሉ መራኸብታት ዓጽዩ ደሓር ከኣ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ኣጊዱ ንኤርትራ ካብ ዓለም ነጺሉዋ። እንተኾነ ከምቲ “ሓቅስ ብእግራ እንተ ቀበርካያ ብርእሳ ትወጽእ” ዝበሃል፡ ሃለዋት ኤርትራ ተሓቢኡ ኣይተሓብአን።

ህግደፍ ነቲ ብሰንኪ ተግባሩ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ብኩራት ዲሞክራሲ ከስፋሕፍሕ እሞ “እቲ ጸገም ኣባና ጥራይ ኣይኮነን” ንምባል ንክጥዕሞ ክጽዕር ጸኒሑ። እነሆኳ ከም መርኣያ ምልኪ ናይ ምርባሕን ምስፍሕፋሕን ተግባሩ ምስ ኩሉ ክፋኡ ናብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ሰጊሩ። እንተኾነ እዚ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታዉ ከምቲ “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዝበሃል መዓት ክጐቲትሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ብ22 መጋቢት 2021 ኩለን ኣባል ሃገራቱ ዝተሰማማዓሉ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት   ህግደፍ ዝርዝር ኣተገባብራኡ ደሓር ዝረአ እገዳ ወሲኑ። ንናይ ጸጥታ ትካላቱ ድማ ኣብ ናይ ገበነኛታት ዝርዝር ኣስፊርወን ኣሎ። እቲ ጠንቂ ከኣ በዚ ትካላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትርውያን ክፍጸም ዝጸንሐ ገበናትን ምስቓይን እዩ።

እገዳ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ሓድሽ ስለ ዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ዘምጸኦ ለውጢ የለን ይበሃል ይኸውን። እንተኾነ እዚ ናይ ሎሚ እገዳ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ  ብፍላይ ኣብቲ ጠንቁ ይፍለ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ህግደፍ “ንኣልሸባብ ስለ ዝሓገዘ” ብዝብል ንኤርትራዊ ዘቤታዊ  ጉዳይ ኣብ ግምት ዘየእተወ እገዳ እዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ግና ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘትከለ ዘቤታዊ ዝመንቀሊኡ ምዃኑ ዝተፈልየ  እዩ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ እቲ እገዳ በዚ ዘብቅዕ ኣይመስልን እዩ።

እገዳ ኣብ ምቕጻዕ እቲ ጉጅለ ነብሱ ዝኸኣለ ብጽሒት ክህልዎ’ዩ። እቲ  ጉጅለ ነዚ እገዳ ዝሃቦ ምላሽ እውን ከም ዝቐንጠዎ ዘመልክት’ዩ። ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ እገዳ ክለኣኾም ዝደልይዎን ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘየገደሶምን ኣካላት እዮም ኣልዒለምሉ። ኣብ ምልዓል እቲ እገዳ ናይቲ ሽዑ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝመስል ዝነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግደኡ ቀሊል ኣይነበረን። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ሽዑ ዝነበሮ ተቐባልነት ተጠቒሙ ናብ ቤት ምኽሪ ጻጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፉ እዩ።  ኣብ ርእሲኡ  ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዝነበረ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ በዚ ኤርትራዊ ጉዳይ ተንቀሳቒስሉ። ሎሚ ግና ዲክታተር ኢስያስን ዶ/ር ኣብይን ክልቲኦም “ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ኮይኖም ስለ ዘለዉ፡ ኣይኮነንዶ ክሕግዞ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደጋ ዘሎ እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር፡ እቲ እገዳ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕጻዕ’ኳ መመላእታ ብጽሒት እንተሃለዎ፡ እቲ ወሳኒ ኣብ ናትና ኤርትራዊ ቃልሲ ዝምርኮስ ምዃኑ ንኻልኢት እውን  ክንዝንግዖ  ዘይግበኣና እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምምሕዳር ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግዲፍ) ቀንዲ ዝልለየሉ ባህሪ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ዘየማእከሉን ንረብሓ ህዝቢ ዘይሰርሑን  መሳርሒ ትካላት የብሉን ማለት ኣይኮነን። ፖሊስን ጸጥታን ዝያዳ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ የማናይ ኢድ ናይቲ ግንባር ምዃኖም ግሉጽ ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾኑ ከኣ ምስ ምውዳቕ ህግደፍ ከኸትሙ ወይ’ውን ንህዝቢ ብዘገልግሉ ኣገባብ ዳግማይ ብደቂቕ ክስርዑ  ዝግበኦም  ትካላት እዮም።

ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምቕታልን ምውራርን መለለዪ ተግባራት ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ እዮም። ከምዚ እንብል ንስለ ምኽሳስ ወይ ዘየለ ፈጢርካ ንምጽላም ኣይኮናን። እቲ ጉጅለ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ  ከይተረፈ እውን በዚ ተግባራቱ እዩ ዝልለን ዝኽሰስን። እዚ ከኣ በዞም ዝጠቐስናዮም ደገፍቲ ዓራት ናይ ህግዲፍ ዝኾኑ ጨቆንቲ ትካላት ዝትግበር ዘሎ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ከይተደረተ፡ ዶባት ሰጊሩ እውን ህርፋን ጉጅለ ህግደፍ ከርዊ ዝጸንሐ ሎሚ እውን ዝቕጽሎ ዘሎ ትካል እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ናይታ ኢሳያስ በዘን ዝጠቐስናየን ትካላት ኣቢሉ  ገበናት ዝፍጽመላ ዓንኬል እዮም። እዚ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ካብ ንበጽሓሉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብናይ “ጥቐመኒ ክጠቕመካ” ሸርሒ ሓቢሮም ዝጠፍኡ ወይ ሓቢሮም ዝለምዑ ምስ ህዝቦም ዝተዳመዩ እዮም። ሓደ ብዘይ ናይቲ ካልእ ህልውና ክነብሩ ዘይክእሉ ኢዮም። እቲ ዘዛምዶም ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ማእከሉ ምኽዕባት ረብሓ እዩ። እዞም ኣዘዝቲ ነቲ ድሕነት ሃገር ኣብ ምሕላው ክመርሕዎ ዝግበኦም ሰራዊት፡ ሃገርን ህዝብን ናይ ምሕላው ክብሩን ሕድሩን ቀንጢጦም፡ ናይ ውልቃዊ ረብሓኦም መኻዕበቲ  ባርያ ከም ዝገብርዎ ባዕሉ እቲ ሰራዊቲ  ዝፈልጦ እምበር ብኻልእ ዝንገሮ ኣይኮነን። ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ እንዳተዳህከ፡ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉስ ይጽነሓልናሞ፡ ምእንቲ ክብሩን ስሙን፡ ኣንጻር’ዞም ብክብሩ ዝጻወቱን ብረሃጹ ዝህብትሙን ህዝቢ “ይውክለኒ እዩ” ዝብሎ ድምጺ ብዘይምስምዑ ክንሓምዮ ጸኒሕና ኢና። ምሕማይ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሕድሪ ስዉኣቱ ከይጠልም ’ውን ክንጽወዖ ጸኒሕና ኢና።

እቲ ተራን ማእከላይን ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ኣዘዝቱን ኢሳያስን ዝፍሕስዎ ተንኮላት ዝርብሖ ነገር የብሉን። ዘይምርብሑ ጥራይ ውን ዘይኮነ፡ ካብቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝያዳ ተሃሳዪ እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ናይዚ ሰራዊት ኣባል ኣብ ክሊ ዕድመ ገሊኡ ክሳብ 70  ገሊኡ ድማ ትሕቲ 18 ዓመት እዩ።  ገሊኡ ኣብ ክንዲ ጸሎቱ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ክንዲ ትምህርቱ ተገዲዱ ወተሃደር ኮይኑ ዘሎ እዩ። ክፍለጥ ዘለዎ ግን ተጠቃሚ ስለ ዘይኮነስ ብዝፍጽሞ ገበናት ኣይሕተትን’ዩ ማለት ኣይኮነን። እወ ቀንዲ ተሓተቲ ኢሳያስን  ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም። ፡ይኹን እምበር፡ እቲ ሓፋሽ ሰራዊት’ውን ዘዝተባህሎ እሞ ድማ ብተደጋጋሚ  ገበን ምፍጻም  ዋጋ ከም ዘኽፍል ተረዲኡ ክዕቀብ ምስተገብኦ።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሰራዊት ካብ ህዝቢ ስለ ዝወጸን ካብቲ ኣዘዝቱ ዘካይድዎ ናይ ንዋትን ደምን ንግዲ ተጠቃሚ ስለዘይኮነ፡ “ከማይ ውጹዕ’ዩ” ክብሎ እዩ ጸኒሑ። ምስዚ ግና እቲ ኢሳያስ፡ ኣብ ማይ ሓባር ተጋደልቲ ከረሽን እንከሎ፡ ብተደጋጋሚ ናይ መንእሰያት ግፋታት ከካይድ እንከሎን ኣብ ዶባት ኤርትራ ኣንጻር ዝሰግር መንእሰይ ናይ “ተኲስካ ቅተል” ፖሊሲ ከተግብር እንከሎን እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይቲ ትግባረ ኮይኑ ዝጸንሐ እዚ ወተሃደር እዩ። “ልቢ ኣዕቢኻ” ከምዚ ዝገበረ “ተገዲዱ እዩ”፡ ዝብል ምስምስ ክበዝሕ እንከሎ ኣብ መወዳእትኡ “ዕባራ ምኽንያት” እዩ ዝኸውን። ስለዚ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ “ህዝቢ ንሓዋሩ ሕማቕ ተግባረይ ክሓብኣለይ እዩ” ኢሉ ነብሱ ከዕሹ ኣይግበኦን። ህዝቢ ኤርትራ “ሰራዊተይ ሰራዊተይ” ክብል እንከሎ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ክንዲ “ህዝበይ ህዝበይ” ምባል፡ ኢደ-በይዛ ምልክን ወራርን ኮይኑ እንተቀጺሉ፡ እቲ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ምግማቱ ዘጸግም ኣይከውንን።

ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘተግብረሉ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል እዩ። እዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣብቲ ውግእ ዝምረሓሉ ዘሎ መርሆ ከኣ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢሳያስ ዝተሰነዐ ዓመጸኛን ዘይሓላፍነታውን ፖሊሲ እዩ። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ ናይዚ ሰራዊት  ኣብቲ ውግእ ምስታፍ  ብህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝወሃቦን ኣይኮነን። በቲ እቲ ሰራዊት ዝፍጽሞ ተግብራት ከኣ ህዝቢ ኣይሕተትን እዩ። ኢሳያስ ናብዚ ውግእ ዝኣተወሉ ምኽንያት ካብ “ንኤርትራ ዝተፈርደላ መሬት ንምምላስ እዩ” ዝብል ጀሚርካ ብዙሕ መጸባበቕታት ይግበረሉ እዩ። እቲ ብዙሓት ነቲ ኩነታት ካብቲ ኢሳያስ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ እዩ” ዝበለሉ ጀሚሮም ነቲ ኩነታት ዝተኸታተልዎ ዝሰማምዕሉ ግና፡ ምኽንያት ኢድ ምትእትታውን ኢሳያስ ሕዱር ቂም ዝደረኾ  ሕነ ናይ ምፍዳይ ሕማም ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ እቲ ቀንዲ ኮይኑ ካብዚ ውግእ ርቡሕ ዓስቢ ክረክብ ምዃኑ ዘተንብህ  ምልክታት እውን ይቀላቐል ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ መሳርሒ ኢሳያስ ካብ ምዃን ሓሊፉ ክብሩ ኣይሓለወን።  ንብዓት ህዝቡ’ውን ኣይሓበሰን። ኣብ ትግራይ ከይዱ፡ ኣብ ኤርትራ ዘየርኣዮ ህዝባዊ ሓልዮትን ልውህናን ከንጸባርቕ እትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ካብ ገዛኻ እዩ  ዝጅመር። “ንብረት ህዝቢ ራስዩ፡ ላዕልዎት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ኣዕንዩ፡ ፋብሪካታት ፈቲሑ ወሲዱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓሚጹ፡ ዕጥቂ ዘይብሎም ሲቪል ቀቲሉ…….ወዘተ” ክትሰምዕ እንከለኻ ግና “ኣብዚ ደረጅዚ  ድዩ በጺሑ”  ዘየብል ኣይኮነን። ነዚ ተግብራት ውዒልዎ ድዩ ኣይወዓሎን ምስተጻረየ፡ ሽዑ ኣፍና መሊእና እንዛረበሉ ክኸውን እዩ። ኣብኡ ቅድሚ ምብጻሕና፡ እቶም ግዳያት፡ ኣባላት ግዝያዊ መራሕነት ትግራይ፡  ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ናይ ወጻኢ ትካላትን ማዕከናት ዜናን ይህብዎ ንዘለዉ ምስክርነት’ውን ብጥንቃቐ እተስተማቕሮ’በር “እዚኣቶም ስቕ ኢሎም እዮም” ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ኢትዮጵያውያን፡ ንሰራዊት ኤርትራ “የኩልኮሌ ሌባ/ ሰራቒ ቀንጠመንጢ” ክብልዎ እንከለዉ ኣዝዩ የገርምን የሕንኽን።

ስለዚ ሎሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ኣብ ቅድሜኡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ እየን ዘለዎኦ። እታ ሓንቲ “ካብ ዓብቕካስ ተቖናደፍ” ኢሉ  ከም ቁርዲድ ኣብ ኢሳያስ ተላሒጉ  ጸረ-ህዝብነቱ  ምእዋጅ እያ። እታ ካለይቲ ከኣ “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሉ፡ ቅድም ነብሱ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ቀጺሉ  ከኣ ህዝባውነቱ ንምምስካር ብረቱ  ኣንጻር ህግደፍ ምቕናዕ ጥራይ እየን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሓለገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልስን  1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ንዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕድለኛታት ጫፋት እየን። 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ምልከት ኣንቢረን ካብ ዝሓልፋ ዕለታትን ቦታታትን ብኣብነት ዝጥቀሳን ዝዝከራን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 57 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምኹላፍ ብምስትነዓቕ ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 80-84 ኣባላት ጦርሰራዊ ተቐቲሎም ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ዝኸውን፡ ተወሳኺ ረኣዲ ሓይልኳ እንተሰደዱ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን 15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደ ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝኾነን ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተን ስለ ዝኾነ እዩ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣአየ እዩ። ቅድሚ 57 ዓመት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዘንቀድሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ ምስ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባ እንዝክራ ዘለና።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሽዑ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግድነት’ውን ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ። ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓላፍነት ግና ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር”ዚ፡ መንእሰይ ብዝመረጾ ዘይኮነ ኣብቲ ግዜኡ ብዘሎ ምዕባለ እዩ ሓላፍነት ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ናይ ሎሚ መንእሰይ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምኽኣል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዘይተነግረ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈጸሞ በደል የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ጠሪጣስ እንተትሓንከለይከ” ዝበሃል ዝነበረ፡ በደሉ ሓቢኡስ በዓል  ደሓንን ገባር ጽቡቕን መሲሉ ክቐርብ ዝፍትን ምዃኑ እዩ። በደላቱ ምብዛሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኹሉ መዳያት ህይወት ህዝብና ክርምሰ ዝጸንሐ እዩ።

ኤርትራውያን ከምቲ “ኣቐምጥ ዝበልካዮ ኣየጥፍእ፡ ኣጸብቕ ዝበልካዮ ኣየኽፍእ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ምስ ጠለሞም፡ በቲ ጥልመቱ ትዕግስቶም ካብ ዝውዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ኣብዚ እዋንዚ ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ደገ  ብደረጃ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ኮታ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝቃለስዎ ዘለዉ መግለጺ ቁጠዓኦም ኣንጻር ክሕደቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ።  እዞም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ዝተመስረትሉ ነናቶም ኣተሓሳስባን ናይ ኣተገባብራ ሜላታትን’ኳ እንተለዎም፡ ምውጋድ ናይዚ  ካብ ምጥፋኦም ድሕር ዘይብል ጉጅለ  ግና፡ ናይ ሓባር ኣረዳድኣኦምን ቀዳማይ ተግባሮምን እዩ።

በደል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ዶብ ሰጊሩ ንዞባናን ኪነኡን ዝብክል ዘሎ'ውን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብውዳበታቱ ኣቢሉ ገበናት ህግደፍ ካብ ዝቃወምን ዘቃልዕን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ምሕጽንታን መረረን ህዝቢ ኤርትራ ብምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሓደገኛ ብዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ኣብ ኤርትራ ዝበቖለ ጉጅለ፡  ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኪኖኡ ዘሎ ከባብን ከይበከለ ንክመክን ኣብ ሰላምና ረብሓ ንዘለዎም ኣካላት ከሰምዕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጉጅለ ብሕገ-መንግስቲ ንከመሓድር፡ ግዱድ ዕስክርና ከቋርጽ ወይ ንጹር ቀጥዒ ከትሕዝ፡ ኤርትራውያን ዝኣመንዎ ሃይማኖት ናይ ምምላኽ መሰሎም ክሕሎ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ወይ ብናጻ ክልቀቑ፡ ክሳብ ሽዑ ከኣ ብቤተሰቦምን ከም ማሕበር  ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ትካላት ክብጽሑ፡  ብዙሓት ወገናት ክምሕጸንዎ ከም ዝጸንሑን ከም ዘለዉን ርዱእ እዩ። ብፍላይ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ብዝምልከት ከኣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ኣካል ኣውጺኡ  ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሓንሳብ መንገዲ ጥፍኣት ምስሓዘ ናብ ልቡ ዘይተመልሰ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ነዚ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት፡ እንተላይ ናይ ዓለምለኻዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን ትካላት ምሕጽንታ ክህቦ ዝጸንሐ ምላሽ ብሓፈሻኡ ጸማም እዝኒ ምሃብን ምጽቃጥን እዩ። ሳሕቲ ድምጹ እንተተሰምዐ ከኣ ማእከሉ ክሕደትን ሸፈጥን ኮይኑ ጸኒሑ። ክሕደቱ ንከይክሻሕ  ከኣ ኩለን ብሕታዊ ትካላት ዜናን ኩሉ ዘመናዊ  መራኸቢ መንገድታትን ይዓጽው። ምእንቲ ዝምልከቶም ኣካላት ኩነታት ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ከይምርምሩን ከየጻርዩን ዕንቅፋታት ይፈጥር። ካብዚ ሓሊፉ   ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ድምጹ ከየስምዕ፡ ነቶም ምስክርነቶም ናይ ምሃብ ሕጋዊ መሰል ዘለዎም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ፡ ናብ ኤርትራ ምእታው ይኸልኦም። ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ንሕጊ ዘይምእዙዝ ተግባራቱ እዚ ጉጅለ፡ ኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ካብ እትበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ሳላ ዘመናዊ መራኸቢ መንገድታት ንኤርትራ እውን ፈንጢሱ ዝጸለዋ፡ እቲ ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ዝነበረ  ገበናቱ ኣይተሓብአን። ምስዚ ነውራም ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተሰሊፎም ዝዋስኡ ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ዝራሕርሕዎን ሕጂ ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉን ባእታታት ከኣ ሓቀኛ   ምስሊ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ  ኣብ ምቅላዕ ዓብይ ግደ ተጻዊቶም እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ውሱናት ተመሊሶም ዝረዓምዎ፡ እቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ኣብ ምቅላዑ ኣበርክተኦም ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ሕጂ እውን ካብዞም መንእሰያት እንጽበዮ ብዙሕ እዩ።

ጉጀለ ህግደፍ ግና ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ መሊሳ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ነዚ ክፉእ ምስሉ ካብ ኤርትራ ናብ ከባቢና ከላብዖ ፈንጠርጠር ኢሉ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝረአ ዘሎ ኣሻቓልን ፍንጡሕን ኩነታት ከኣ ናቱ መርዛም ኢድ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ  ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ብገበን ዘሕትት ጠገለ ዘይብሉ ኢድ ምትእትታው፡ ምናልባት ከምቲ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ዝለመዶ ብምጽቃጥ ናብ ዘይሰግሮ ኣንፈት ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ኣብዚ እቲ ኣብ ትዕዝብቲ ዝወድቕ፡ እቲ ንጥለመት፡ ወጽዓን ክሕደትን ናተይ ኢሉ ዝሓዞ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንበዖ ዲክታተር ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ሰማይ ዝሃገሮም፡ ንኤርትራ ከመይ ገይሩ ከም ዝረመሳ እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ዝተመሓዘውዎ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን እውን፡ ብህዝቦም ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቖም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ንክትወድቕ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዕርክነት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቅታቱ ገይሮም ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም። ግምቶም ከኣ ቅኑዕ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ብጉዳይ ኢትዮጵያ  ዝሕመዮን ዝኽሰሶን ዘሎ እውን ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ መሲሉ ክኸይድ ዝመረጸ ይመስል።  እንተኾነ ኩሉ ግዜ ፋስጋ ስለ ዘየለ፡  “ህግደፍ፡ ክሳብ መዓስ እዩ ብምጽቃጥ ክሃድም” ዝብሉ ወገናት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። “ስቕ ዝበልና ዝዝረብ ስለ ዝሰኣና ዘይኮነ ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል ኣረጊት መህደሚ ፖሊሲኡ ከኣ ሎሚ ኣይክሰርሕን እዩ። ኢሳያስ ንሱ’ኳ እንተዘይተዛረበ  ክዝረቦ ግድን እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝተራእየ፡ ኢሳያስ  ንናቱ ዘይረዊ ህርፋን እምበር ንናይ ካለኦት ኣተሓሳባ ቦታ ናይ ምግዳፍ ባህሪ የብሉን። በዚ ፍንውን ሃላልን ኣካይዳኡ ከኣ፡ ወዮ ደኣ ካብ ተመኩሮኡ ኣይመሃርን እዩ እምበር፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ቁማር እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝጻወቶ ቁማራት ከኣ ተበላዒ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ህዝብና እውን ንሱ ብዝኣጉዶ ሓዊ ካብ ምንዳድ ዘይድሕን  ምዃኑ እዩ። በዚ ይኹን በቲ ሕብረተሰብ ዓለም ሎሚ እውን ተጽዕነኡ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ከዛይድ ንጽውዕ። ምስዚ ግና ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ መመላእታ እምበር፡ ንናትና ናይ ኤርትራውያን ግደ ከም ዘይትክእ ኣይንዘንግዕ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ኩለንተናዊ ናይ ለውጢ መስርሕ የለን። ወሳንነት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸ  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትኽበር ተወሲና።  8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ታሪኻዊ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ እንተዘይኮይኑ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

እዛ ዕለት እዚ ቦታ’ዚ ክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ተራእዩ።  ቀንዲ ሕቶ ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ቃልሰን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን  ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድሌትን ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ዘርኣየና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓሊፉ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ኣንንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ ከኣ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኩነታት ግና ከከምቲ ህልዊ ምዕባለ ናይቲ ዓመት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ዓምን ቅድሚ ዓምን ዝነበረ ኩነታት ምስ ናይ ሎሚ ዘበን ይፍለ እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ከኣ ንኣዘኻኽራ 8 መጋቢት ይጸልዎ። ቀንዲ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነት ክረኽባን ኢዩ። ነዚ ክውን ንምግባር “ንመጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላሰል ይግባእ። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2021 ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ምረት ደቂ ኣንስትዮን ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮረናቫይርስ ዘስዓቦ ቅልውላው  ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ  ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ኣሓትን ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ብምእታዎም  ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2021 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ግን ኣብኡ ዝድረት ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልስን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ እሱራት ከይኮና ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መጻኢ መንገዲ ዝጸርጋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ግደ  ግና ናተን ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነተን ዘይስገር እዩ። ናብዚ ክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፣ ተጠቀምቲ ናይቲ ዲሞክራስያውን ማሕበራውን ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ክስጉሙ ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታት እዃ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይስገር ዓብይ ብደሆ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወትሩ ፍሉይ ግምት ሂቡ’ዩ ዝሰርሓሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከኣ እቲ ቀንዲ ብደሆ እዩ።

8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ