
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኢሳያስን ጉጅለኡን ንስሙ ከም መራሕቲ ኤርትራ ይጸውዑ እምበር ብኣተሓሳስባን ተግባርንሲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘይህልዉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብሓደ ዘይምህላዎም ንምርዳእ ድማ ድሌት፡ ባህግን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ተረሲዑ፡ መላኺ ስርዓት ናይ ጭቆና ስልጣኑ ከናውሕ ብዝገብሮ ዘሎ ወስታታት ሃገራዊ ክድዓት ዝሓዘ ውዲታት ዝግለጽ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገሩን ክብሩን ክዕቀብ፡ ኣብታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ሃገሩ፡ ኩሉ መሰላቱ ክሕለወሉ፡ ብሕገመንግስታዊ ስርዓት ክመሓደር፡ ዝመርሕዎ ሰባት ዘደይበሉን ዘውርደሉን ዲሞክራስያዊ፡ ትካላትን ኣሰራርሓን ክህልዎ ድሌቱ እዩ። ነብሱ ክኢሉ ሃገሩ ዘዕብየሉን ጸጋ ሃገሩ ብማዕረ ንኹሎም ዜጋታት ዝመቓረሓሉን ቁጠባዊ ፖሊሲ ክትልም ይደሊ። ዘይተገደበ መሰል እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽን ምውዳብን ከረጋገጸሉ ይደልን ይብህግን። ባህግን ድሌትን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልሱ እውን ምእንቲ እዚ እዩ ነይሩ። እቲ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እውን ምእንቲ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ኣንጻር እዚ ዝተዘርዘረ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን። ኢሳያስ ጸረ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ግሁድ ብቕትለት ዝተሰነየ ኣእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ዕሉል ገበነኛ እዩ። እዚ ተግባሩ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ክሳብ ክንደይ “ሕቖን ከብድን” ብዝበሃል ደረጃ ርሕቀት ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።
ምስዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓ ዘስምዖ ዘሎ ጥርዓንን ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን፡ ዋላውን በቶም ኣብ ሃሃገሮም ብዲሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኢና ንመርሕ ዝብሉን ንመሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ክሕለቑ ዝስምዑን ወገናት ክንድቲ ዝድለ ኣይተሰምዐን። እቲ ዝገደደ ከኣ ዋላውን ኣብ ሕገመንግስታቶም “ስልጣን ብዘይ ናይ ህዝቢ ናጻን ዲሞክራስያውን ምርጫ ኣይተሓዝን” ዝብል ዓንቀጻት ዘለዎም ነቲ ን30 ዓመታት ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብዘይሕገመንግስቲ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ ዲክታቶር ኢሳያስ ተዓሚቶም ከም መራሒ ኤርትራ ክፈልጥዎ እንከለዉ እዩ። እዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብድሕሪ መጋረጃ’ውን ሃሰስ ክንብሎ ዘገድደና እዩ። እዚ ክፍንፈን ዝግበኦ ዲክታተር መኻይዲ ክረክብ እንከሎ ከኣ “ንመን ኣለዎስ፡ መን ኣለዋ ኣላቶ” ዘብል እዩ።
ኢሳያስ ኣጋጣሚ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግዕዘይ ምስሉ ንምዕራይን ኣብ ሃገሩ ዝሰኣኖ ደገፍ ካብ ግዳም ንምቕራም ሃንደፍደፍ ካብ ምባልን ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን። “ቀጽል” ዝብል ናይ ርሑቕ ደፋኢ ሓይሊ ዘለዎ ብዝመስል ኣገባብ፡ ንብዙሓት ብዘገረመ ሃንደበት ብ9 ሓምለ 2018 ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ረቂቕን ሕቡእን ርክብ ነይርዎም ዝበሃል ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ “ሰላም” ስምምዕ ከቲምና ኢሉ። ጌና እዚ ስምምዕ ቁሩብ ፍሑሕ ከይበለ ከኣ ካብ ብዙሓት ኣድብዮም ክከታተልዎ ዝጸንሑ ዝመስሉ ወገናት ዘይግበኦ ክነሱ “ናይ ሰላምን ልምዓትን ባእታ” ክበሃል ሰሚዕና። በዚ መጸ ዘይበሃል ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት መዳልያታት ተዋሂብዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ “መጺእካለይዶ፡ ክጽበየካ” ተባሂሉ። ብህያብ እውን ዝተረፈ የለን። ካብ እንስሳ ዘቤት ክሳብ ባህላዊ ክዳውንትን ናይ ሓርበኝነት መለልይ ዋልታን ኩናትን ተዋሂብዎ። ናይ ቃል ኪዳን ካትም እውን ወድየምሉ። ኢሳያስ በዚ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን ዝተዋህቦ ገጸ በረከትን ምስ ሰኸረ፡ ዘስምዖ ቃል ከኣ ካብ ሓደ ጥዑይ ተራ ሰብ እውን ዘይትጽበዮ ኮይኑ ንብዙሓት ኣደንጽዩ። እቲ ዘሕዝንን ኢሳያስ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ዘይኮነ ዘረድአን ከኣ መደርኡ ደረት ሓሊፉስ ንኤርትራዊ ሃግርነትን ልኡላውነትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንባሩ እዩ። ኢሳያስ ምስዚ ኩሉ ጉያኡን ምልፍላፉን ኣብቲ ዝተኻየደ ቁማር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተበሊዑ፡ ወያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ትርጉም ዝሰኣነትን ተዛርብ ዘላን ናይ 2019 ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ።
ዝተፈላለዩ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጸብለል ክብሉ ዝወጠኑ ሓይልታት፡ ንኢሳያስ ኣብ ናይ የመንን ሊቢያን ውግኣት ተለኣኣኺ ቆጺረምዎ። መልእኽቱ ከዕውት ከኣ ላዕልን ታሕትን ኢሉ። ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበራት ንዝኸፈቱ መንግስታት መሬት ንከካሪ ንኤርትራውያን ኣመዛቢሉ። ኣብቲ መስርሕ ኣደዳ ስደት፡ ሞትን ድኽነትን ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ዓስቢ ናይዚ ከኣ ዶላራት ሓቒፉ። እዞም ንኢሳያስ “እፍእፍ” ዝበልዎ ወግናት፡ ጉዳዮም ምስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጸላዊ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኤርትራ እምበር ምስ ህዝባ ከምዘይኮነ በሪሁ እዩ። ነቲ ቀደም ገዛእቲ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብልዎ ዝነበሩ ዘኪርካ ከኣ ታሪኽ መልክዑን ተዋሳእቱን ቀይሩ ንገዛእ ርእሱ ይደግም ኣሎ ዘየብል ኣይኮነን።
እዚ ተረኽቦ ህዝቢ ኤርትራ ህልውናኡ ብቀንዱ ኣብ ኢዱ እምበር፡ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። እዞም ንኤርትራ ኣብ ረብሓኦም ከውዕልዋ ዝሓልሙ፡ እቲ ዋኒን ህዝቢ ዘይዋኒኑ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ስለ ዝደልይዎ፡ “ኣንታ ንበረልና” ክብልዎ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ ንጉዳይ ህዝባ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ ኣካል ከም እትኣቱ ምግባር እዩ። እቲ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ልኡላውነት ኣውሒስና ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ናይ ምስራጽ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣንጻርቶም ብመንገዲ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ከባብያዊ ረብሓኦም ከረጋግጹ ህርድግ ዝብሉ ብድሕሪ መጋረጃ ዘለዉ መወልቱ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ምናልባት እውን መን ይፈልጥ ረብሓኦም ንክሕልዉ እቲ ዲክታተር ብዝኸፍቶ ኣፍደገ ብግሉጽ ክጐብጡና ይሓልሙ ይኾኑ።
ኢሳያስ ቀጻልነቱ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ንክኸውን ከባቢና በቲ ናቱ ዘይጥዑይ ንፋስ ክእዕብለኽ ካብ ምጽዓር ንድሕሪት ከምዘይብል ምግንዛብ የድሊ። ናብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ መገሻታት ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ዝረብሓሉ ተልእኾ የብሉን። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኣትዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ዝኣጉዶ ዘሎ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።
ስለዚ ንሕና ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕንቅፋታት ንምጽራግ፡ ኢሳያስን ውሑዳት ኤርትራውያን ደቂ መዛምርቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተላይ ነቶም ብድሕሪ መጋረጃ “ኣንታ ንበረልና” ዝብልዎ ዘለዉ ናይ ቀረባን ርሑቕን መንደልሓቕቲ’ውን ኣርሒቕና ብምጥማት ኣብ ግምት ከነእትዎም ይግበኣና።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራን ህዝባን፡ መሰልካ ኣሕሊፍካ ብዘይምሃብ፡ ከፋፊሎም ከዳኽሙኻ ንዝህቅኑ ገዛእትን ወጻዕትን ብዘይምንብርካኽ፡ ኣብ መስርሕ መሪር ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ከጋጥሙ ብዝኽእሉ ውረድ ደይብን ብደሆታትን ንድሕሪት ብዘይምምላስ እዮም ክሳብ ሕጂ ከም ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝግለጹ። እዚ ሎሚ ኣብ ልኡላዊ ሃገርነትና ዝወላወልን ህዝባዊ ክብርና ከህስስ ዝህቅንን ዘሎ ስሱዕ ጉጅለ ህግዲፍ ግና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዘይጸውር፡ ንናይ ርኢቶ ፍልልይ ንምጽባብ ዘይኮነ፡ ንምርሕሓቕ ኣጋዲዱ ውልቃውነት ከዕቢ ዝሕልን እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ኩሉ ዝወዓሎን ከም ኣጀንዳ ሒዙ ዝዓሞን ቅልውላው ክፈጥር እንተዘይኮይኑ: ካብ ናቱ ንዝተፈልየ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቀም ኣተሓሳስባ ኣፍልጦ ዝህብ ባህሪ የብሉን። ኣፍልጦ ዘይምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኦ ከይደቀሰ ዝሓድር ብዛዕባ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ከነወግዶ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘለና፡ ንኻለኦት ብማዕዶ ዝርእይዎ’ውን ከም ሓድሽ ተረኽቦ ተወሲዱ ዝዝረበሉ ኣይኮነን። ህግዲፍ ዘይክእሎ ክነሱ፡ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባን ሓሰብቱን ንምጥፋእ፡ ከንቱ ፈተነ ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይውዕልን። እቲ ነዚ ከንቱ ህርፋኑ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጥቀሞ ሜላታት ከኣ፡ ነቶም ነቲ ዘፍርሖ ኣተሓሳስባ የንቅዱን የስርጹን እዮም ንዝብሎም ወገናት፡ ብእኩብን ብውልቅን፡ ብጋህድን ብስዉርን ምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን እዮም። ኩሎም እዞም ጨካናት ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ስጉምትታት፡ ድሑራት፡ ግዜ ዝሓለፎምን ብዙሓት ዲክታቶራት ፈቲነምዎም ካብ ዘይተርፍ ውድቀት ዘየድሓንዎምን እዮም።
ጉጅለ ህግዲፍ “ኣለኹ” ንምባልን ናቱ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብዘይውድድር ንምስራጽን ዘካይዶ ምንቅስቓስ ኣብ ናይ ብዙሓት ፍሹላት ተመኩሮ ዝተራእየ እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ልዕልና ንምድላብ ዝግበር ቃልሲ፡ ሃናጽን ናብ ዝለዓለ ብቕዓት ዝድይብን ንክኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓልዮት፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን መስርሕ ዘጽልል፡ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ዝተሰረተ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ኣብ ዝጸውር ናይ ውድድር ሜዳ ክትጻወት ምኽኣልን ዘይምኽእል ከኣ ኣገዳሲ ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ህዝባዊ ተቐባልነትን መምዘኒ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነታዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምውሳእ ዘኽእል ብቕዓት ኮነ ባህሪ ከም ዘየብሉ ባዕሉ ብብዙሓት ግብራዊ ኣብነታት ኣመስኪሩ እዩ። እቲ ሎሚ ዝኸዶ ዘሎ ጸቢብን ኣግላልን ናይ ጥልመት ጉዕዞ ከኣ፡ ካብ ሓዲዳ ብዝወጸት ባብሩ ዝምሰል፡ ናይ ሓጐጽጐጽን “ዝወለደት ትውለድን” መንገዲ ኮይኑ፡ መንግዲ ጠፊእዎ ነቲ ሓደ እንዳልዓለ መሊሱ ዝሓዞ እንዳደርበየ ብዘዕገርግር ውልቀሰብ ዝዝወር ዘሎ እዩ።
እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉጅለ ግብሩ ስለ ዝፈልጥ እሞ ካብ ናቱ ብዝተፈልየ ዝሓስብ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ኣዝዩ ስለ ዘስገኦን፡ “ጸቢብ ጉጅላወነትን ጸረ ህዝቢ ምምሕዳርን ይተኣረም፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዑ ይሓዝ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተሓሳሲብና ንቕድሚት ነማዕዱ” ንዝበሉ ኣባላት ጉጅለ 15ን ሕያሎ ደገፍቶምን ኣሲሩ። ካብቲ ኢሳያስ ዝደልዮ ኣተሓሳስባ ብዝተፈልየ ስለ ዝሓሰቡ ጥራይ ምእሳር ብዞም ናይ 18 መስከረም 2001 ግዳያት ከም ዘይተጀመረ ከኣ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ።
“ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃገሩ፡ መነባብሮኡ፡ መጻኢ ዕድሉ፡ ከባቢኡን ዓለምን ካብቲ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ዝተፈልየ መማረጺ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎ ይግበእ” ካብ ዝብል ሓልዮት ሙያዊ ግቡኣቶም ክፍጽሙ ንዝተበገሱ መንእሰያት ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣሲሩ፡ ነተን ህዝቢ ክሃርፈን ጀሚሩ ዘነበረ ዘይመንግስታዊ ጋዜጣታት ከኣ ኣጊድወን። ናይዚ ኩሉ ስጉምትታት መንቀሊ ከኣ ፍርሒ ዝፈጠሮ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ናይ ንምድቋስ ሕማም እዩ።
መዓስ እዚ ጥራይ፡ ብናቶም ውሳነ፡ “እዚ እዩ እቲ ክንስዕቦ ዝግበኣና መንገዲ እምነት” ንዝበሉ ወገናት ሃይማኖታዊ ናጽነቶም ግሂሱ ኣሲርዎም። “ኣብዚአን ጥራይ እመኑ” ብዝብል ከኣ ውሱናት እምነታት ሰሊዑ። እቲ ኣዝዩ ዝገረም ከኣ መራሕቲ ናይተን ዘፍቀደለን እምነታት እውን ግዳይ ማእስርትን ሞትን ካብ ምዃን ኣይደሓኑን። ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ብሓባርን በብውልቅን “ኣብዚ መዳያትዚ እንተ ኣውፊርና ንዓና ተጠቒምና ህዝብናን ሃገርናን እውን ከነርብሕ ንኽእል ኢና” ካብ ዝብል ሃገር ናይ ምህናጽ ክቱር ፍቕርን ሓልዮትን “ብገንዘብና ከነልምዕ” ስለ ዝበሉ፡ ነታ ንህዝብና ካልእስ ይትረፍ ካብ ንሕብስቲ ኣብ መስርዕ ምሕዳር ዘየድሓነት፡ 09 እትበሃል ንግዳዊ ትካል ህግዲፍ ብዘይውድድር ንከህብትም ዝእሰር ኣሲሩ ዝውረስ ወሪሱ በቲንዎም። ንሳቶም ከኣ ደም እንዳጠዓሞም ሎሚ ኣብ ናይሮቢ፡ ጁባ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፕላ፡ ሉዋንዳን ካለኦት ጐረባብቲ ከትማታትን ገንዘቦም ኣፍሲሶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ቁጠባ ዓዲ ጓና የልምዑ ኣለዉ። እዚ ከኣ ካልእ ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ቀናእ ወስታ እዩ።
እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ካብ ፖለቲካ ክሳብ ቁጠባ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራና ካብ ናይዚ ጉጅለ ብዝተፈልየ ዝሓሰቡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ይሓቁ ኣለዉ። እንተኾነ ንሳቶም እምበር ኣተሓሳስባኦምስ ኣይተኣስረን። ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ፡ መስርሕ ቃልስና ካብ መግዛእቲ ናብ ናጽነትን ልኡላውነትን ዕንቅፋታት ተጻዊርካ፡ ንተጽዕኖ ልዕለ-ሓያላን ከይተረፈ በዲህካን ኣርሒቕካ ብምጥማትን እዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ መስርሕ ጅግና ክሓልፍ እንከሎ፡ እቲ ጅግንነቱ ግና ሓቢሩ ዝመውት ዘይኮነ፡ በቲ “ቅሰን ኣነ ኣለኹ ተቐባሊ ሕድሪ” ዝብል ተካኢ ጅግና እዩ ዝውረስ ነይሩ።
እቲ ሰንሰለታዊ መስርሕ ምውርራስ ጽንዓትን ኣተሓሳስባን ሎሚ’ውን ቀጺሉ፡ ልኡላዊት ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸገማታ “ኣለኹ” ትብለና ኣላ። እቲ በዚ ተጣላዒ ጉጅለ ሰባት ኣሲርካን ቀቲልካን ነቲ ህዝቢ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባኦም ንምብራስ ዝህቀን ዘሎ ከኣ በቲ ኣብ ተመኩሮና ብግብሪ ዝተመስከረ ናይ ሕድሪ ምቅብባል ህያው እዩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንከታተሎ ዘለና ድምጺ ደቂቶም ግዳያት ማእሰትን ሞትን ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ “ኤርትራና ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ዲሞክራስያዊት፡ ሰላማዊትን ልምዕትን ክትከውያን” ዝበል ንድሕሪት ዘይምለስ ኣተሓሳስባ፡ ሰባት ብምእሳር ዝቕህም ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ እንተ ወደቐ እቲ ካልእ እንዳተንሰአ ክሳብ ዓወት ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ “ሓሳባይ እንተሓለፈ፡ ኣተሓሳስባኡ ግና ህያው” ስለ ዝኾነ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጥልመት፡ ክሕደት፡ ቅትለትን ወጽዓን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ መልከዓትን ናይ ነዊሕ ግዜ ታሪኽን ዘለዎ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም በደል መዓስን ብኸመይን ተጀሚሩ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መዕቀንን መበገስን ክህልዎም ይኽእል። እቲ ኩልና እንሰማመዓሉ ግና ሎሚ እውን እዚ ወጽዓ እንዳገደደ እምበር እንዳሓሸ ይኸይድ ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ጉጅለ ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ተነጊርዎ ዘእረም ዘይኮነ፡ እኳደኣ ካብ ባህርያቱ ዝነቐለ ን“ባህ ኣይበሎ” ስልትታት እንዳቀያየረን ኣጋጣምታት እንዳፈጠረን ጌጋታቱ ዝደግምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ጽልኢ ዘሳዕርርን እዩ።
እዚ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘይኮነ “ዝገዝእ” ዘሎ ህግዲፍ፡ ህዝቢ ዝብድለሉ ኣገባብ ከምዚ’ዩ ኢልካ ካብ ምዝርዛር “ ኩሉ ተግባራቱ ጸረ ህዝቢ እዩ” ኢልካ ምድምዳም እዩ ዝቐልል። በደላቱ ኣብታ ከይፈተወት ሕድሪ ደቃ ጠሊሙ ዘሳቕያ ዘሎ ሃገርና ኤርትራ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዘለዉዎ ኩርነዓት ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ብዙሓት ኣብ ሃገሮም ብሓፈሻ ማሕበራዊ ሕቶኦም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ሕክምና ጸገሞም ዝምልሰሎም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ህይወቶም ንምድሓን ናብ ዝተፈላለያ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሃገራት ክገሹ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ደቆም ናብ መርዓን መዓርግን ክበጽሑ ስለ ዘይከኣሉ፡ ደቆም ከምስሉ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክገሹ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሒደት ኣይኮኑን። ብሰንኪ ንምምሕዳር ህግዲፍ ራሕሪሖም ምስዳዶምን ኣብ ዓዲ ስደቶም “ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ” ዘይምኽታሞምን ናብ ዓዶም ክኣትዉ ዘይክእሉ መንእሰያት ዝናፈቕዎም ቤተሰቦም ክርእዩ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ክራኸቡ ዝግደዱ እውን ኣለዉ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ውሱን ዓቕሞም መብዛሕተኦም ኤርትራውያን ናብተን ብኣየርን ብመሬትን ብቕሉዕ ድዩ ብምስጢር ክኣትዉወን ዝኽእሉ ሱዳንን ኢትዮጵያን እዮም ዝያዳ ክገሹ ጸኒሖም። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ዝነብሩ እሞ ዝናፈቕዎም ቤተሰብ ክርእዩ፡ ወይ ዝሓመመ ከሕክሙ ዝደልዩ፡ እንተኾነ ናብቲ ዘለዉዎ ሃገር ናይ ምውሳዶም ዓቕምን ፈቓድን ዘየብሎም እውን ናብዘን ሃገራት እዮም ዝመጽዎም።
ብዙሓት፡ እዚ ንዓልምና ዘሸበረ ጌና ሎሚ’ውን ናህሩ ዘይነከየ ኮቪድ-19 ከይተጋህደ እንከሎ፡ ገሊኦም ብመኪና ገሊኦም ከኣ ብነፋሪት ንዝተፈላለየ ማሕበራዊ ዕማም ዝገሹ ኤርትራውያን፡ ጉዳዮም ወዲኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ቅሩባት ክነሶም፡ ህግዲፍ ነቲ ቫይረስ ኣመኽንዩ ስለ ዘይፈቐደሎም፡ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ከቢድ ስቓይ ይነብሩ ኣለዉ። በዚ መሰረት ከኣ ብስእነት መጽለሊ ኣባይቲ፡ መግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ኣብ ዝለዓለ ጸገም ወዲቖም ኣለዉ። “ቀልጢፍና ክንምለስ ኢና” ኢሎም ኣብ ዓዲ ምስ ዝገደፍዎም እሞ ተዓጽዮም ዘለዉ ቤተሰቦም ኣብ ዓሚቕ ናፍቖትን ሻቕሎትን ወዲቖም። ምስተመለስና ክንዓሞ ኢና ዝበልዎ መደባቶምን ናይ ክረምቲ ሕርሻን ኩሉ በዂሩ። ናይዚ ብኩራት ሳዕቤን ከኣ ንመጻኢ እውን ቁጠባዊ ስንብራቱ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ወለዶም ወይ ካልእ ኣባል ቤተሰቦም ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንውሱን ግዜ ናብዘን ጐረባብቲ ሃገራት ንክኸዱ ዘተባብዑን ወጻኢኦም ዝኸኣሉን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ኮቮድ-19 ኣታዊኦም ኣዝዩ ስለ ዝነከየ፡ ብቐጻሊ ክናብይዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ ሻቕሎት ኣትዮም ኣለዉ።
ሓደ ናብ ጉጅለ ህግዲፍ ቅርበት ዘለዎ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያንን ጥራይ ብድምር ልዕሊ 6 ሺሕ ኤርትራውያን ኣብተን ሃገራት ናብ ዘለዋ ኤምባስታት ምምሕዳር ህግዲፍ ከይዶም፡ ናይ “ናብ ዓድና ምለሱና” ጥርዓን የስምዑ ኣለዉ። ካብዞም በብግዜኡ ብተለፎን ረብሪቦም ብኣካል ናብተን ኤምባስታት ቀሪቦም “ምዕጻው ምዕጻዉስ ኣብ ዓድና ምስ ቤተሰብና ክንዕጾ መንገዲ ክፈቱልና” ዝብሉ ዘለዉ፡ ሓያሎ ኣብ ሕክምና ዘይተዓወቱ ወይ መሊሶም ዝተደግሱ፡ ብኮረር ዝብል መናብር (wheelchairs) ዝሕገዙ ኣብ ዓድኻ ምቕባር እምበር: ካልእ ትጽቢት ዘየብሎም ከም ዝርከብዎም ይገልጹ።
ጉጅለ ህግዲፍ ወትሩ ናይ ህዝቢ ጸገምዩ ዝምዝምዝ። እዞም ናብ ዓዶም ክምለሱ እሞ፡ ኣብ ዓዶም እንተ ንምሕዋይ እንተ ንሙማት ዕድሎም ክርእዩ ዝህወኹ ዘለዉ ኣካላት፡ እቲ ጉጅለ ዝበሎም ካብ ምትግባር ካልእ ዕድል ከምዘይብሎም ይርዳእ እዩ። ህግዲፍ ነዚ ኣጨናቒ ኩነታቶም ናብ ገንዘባዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ከም ዝሰርሕ ከኣ፡ ብመንጽርቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መጻዪ ተመኩሮኡ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ዕድመ ደቅኹም ብዘይፈቓድ መንግስቲ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኢሉ ልዕሊ 50 ሺሕ ናቕፋ ዘኽፈለ ጉጅለ ምዃኑ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ እነሆ ብግብሪ ነዞም ጽጉማት ካብቲ ቅድም ኣብ መንጎ ኣስመራን ካርቱምን ወይ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንበጺሕካ ምምላስ ዝኽፈል ዝነበረ ዘይውሕድ ዓቐን ዶላር፡ ናብ ኣስመራ ንምምላስ ጥራይ ከኽፍል መዲቡ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ “ምስተመለስኩም ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሆቴላት ክትጸንሑ ኢኹም” ብዝብል ነቲ ሆቴላት ዝኽፈል ገንዘብ ቅድሚ ምብጋሶም ምስ ህልዊ ኤርትራዊ ዓቕሚ ዘይመጣጠን ገንዘብ ከትሕዙ ናይ ምግዳዶም መደብ ከም ዘለዎ እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ይሕብሩ ኣለዉ።
እዚ ኣካል ናይቲ ህግዲፍ ናይ ህዝቢ ጸገም መዝሚዙ መኽሰብ ንምእካብ ዘውጸኦ መደብ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ እውን ነዚ ተንኮልዚ ንምፍሓስ እዩ። ጉዳይ ህዝቡ ዘገድሶ ነይሩ እንተዝኸውን፡ በቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ሕማቕ ግዜ ኣይኮነንዶ ንመገሻ ከይዶም ዝተዓግቱ፡ ኣብተን ሃገራት ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ዜጋታተን ብፍላይ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብመንግስታዊ ወጻኢ ናብ ሃገሮም ንምምላስን ኣብ ዓዶም እግሪ ንምትካልን ዝገብረኦ ብዘለዋ ጻዕሪ መቐንአ። ሓላፍነት ወሲዱ ነዚ ጉዳይ እንተዝግደሰሉን ናተይ ኢሉ እንተዝሕዞን ከኣ ነዞም ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራያውን ካብ ሱዳን ኮነ ካብ ኢትዮጵያ ብመካይን ናብተን ኣብ ዶባት ኤርትራ ዘለዋ ከተማታትን ነቁጣታትን መብጸሖም እሞ ኣብኡ እቲ ዝድለ ጥዕናዊ መርመራ እናተገብረ ነናብ ዓዶም ምተመልሱ።
እዚ ብህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ እምበር ብትሕዝቶኡ ሓድሽ ኣይኮነን። እንተኾነ “ሓድሽ ኣይኮነን” ኢልና ስቕ ኢልና እንሓልፎ ዘይኮነ፡ ከም ኣካል ናይቲ ከውርዶ ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክንቃለሶን ድምጽና ከነስመዓሉን ዝግበኣና እዩ። እዚ ሓላፍነት ናይቶም ቤተሰቦም ዝሳቐዩ ዘለዉ ውሱናት ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግቡእ ስለ ዝኾነ ብሓባር ክንቃለሶን ከነቃለዖን ዝግበኣና እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራ ንኹልና ኤርትራውያን ማዕረ እትብጸሓና ብ”ወላዲት ኣደና” እንምስላ ክብርና እያ። ኤርትራ ከምቲ ክትጉዳእን ክትደምን እንከላ፡ ኩልና ንጉዳእን ንደምን፡ ክርህዋን ክትቀስንን እንከላ ከኣ ንቐስን። ከምቲ ቅድም ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ክትከውን ዝተቓለስናዮ ሎሚ ድማ ልኡላውነታን ክብሪ ህዝባን ዓቂባ ክትቅጽል ናይ ኩልና ኣበርክቶ ወሳኒ እዩ።
ካብኡ ናብኡ ግና ቅድም ኮነ ሎሚ፡ ግደ ናይቲ ካብ ብዝሒ ህዝብና ከባቢ 70% ዝኸውን ኤርትራዊ መንእሰይ ግደ ዝዓዘዘን መተካእታ ዘየብሉን እዩ። ግደ መንእሰይ ዝያዳ ካልኦት ክፍሊ ሕብረተ ሰብ ወሳኒ ዝኾነሉ፡ ንሕሉፍን መጻእን ኣራኺቡ ወለዶታት ዘቐጽል ድንድል ምዃኑ ሓደ ምኽንያት እዩ። እዚ ዕዙዝ ግደ መንእሰይ ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ምህናጽ ሃገርን ምቕጻል ወለዶታትን ዝተራእየ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮና ከኣ ናጻ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ተመስኪሩ እዩ።
መንእሰይ ነዚ ከቢድን መተካእታ ዘየብሉን እጃም ዝወስድ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝጸውር ዓቕሚ፡ ጉልበትን ውዑይ ስምዒት ዝውንን ብምዃኑ፡ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ሃገር ግደኡ ስለ ዝዓዝዝ እዩ። ኣብዚ ዓቕሚ ንብሎ ዘለና ብጉልበትን ኣካላዊ ሓይልን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ዘመናውነትን ምውና እውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ስለዚ ኢና ንእስነት በቲ ብተፈጥሮ ዝወሃብ ናይ ዕድመ ንኡስነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ብመንጽር ካብ ናይ ትማሊ ዝሓሸን ንህልዊ ኩነታት ገምጊሙ ኣብ ግምት ዘእትውን ናብ መጻኢ ዘማዕድው ካብ ጸቢብን ድሑርን ስምዒታት ዝነጽሀ ኣተሓሳስባ ብምውናን ዝምዘን እዩ።
ሓቀኛ ሃገር ናይ ምህናጽን ወለዶ ናይ ምቕጻልን እምነት ዘለዎ ስርዓት መንእሰይ እዩ ዝሃንጽ። መንእሰይ ምህናጽ ከኣ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ምቕባል ዕድመኡ ትምህርትን ዝተፈላለዩ ክእለታትን ምስናቕ እዩ። መንእሰይ’ውን ንገዛእ ርእሱ እንተዘይሃኒጹ ሃገር ክሃንጽ ከምዘይክእል ብምግንዛብ ነዚ ድልዊ ናይ ምዃን መባእታዊ ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ ሃገሩ ዝሀንጸሉ ዓቕሚ ካብ ኣብያተ-ትምህርትን መሰልጠኒ ማእከላትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ሓላፍነት ዘረክቦ ትውልዲ እውን ክቐስሞ ከም ዝግበኦ ምግንዛብ የድልዮ። ምኽንያቱ ናይ ምቕጻል ሓላፍነቱ ካብ ባዶ ዝጅምር ዘይኮነ፡ ካብቲ ዝርከቦ ተመኩሮ ነቲ ክቕጽል ዘየድሊ እንዳ ኣወገደ ነቲ ሃናጺ ትሕዝቶኡ ከኣ ዝያዳ እንዳማዕበለ ዘተግብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነንዝሓለፈ ተመኩሮ ጥሪኡን ብሱሉን እንዳደርበየን እንዳነጸገን ሃገር ክሃንጽን ሰንሰለታዊ ምትኽኻእ ክዕቅብን ኣይክእልን እዩ።
ብኣንጻር’ዚ ሃገር ከዕኑን ህዝቢ ክብትንን ዝዓለመ ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ስርዓት ምኽንያታት እንዳፈጠረን ተንኮል እንዳመሃዘን ንግደ መንእሰይ’ዩ ዘዕኑ። መንእሰይ ካብ ዝዓንወሉ ቀንዲ መንገዲ ከኣ ብኣንጻርቲ ዝህነጸሉ መንእሰያዊ ግደኡ ክፍጽም ዘኽእሎ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ከምዘየጥሪ ምግባሩ እዩ። ኣድህቦኡ ኣብ ክንዲ ኣብ ብምብልሓት፡ ብኣፍልጦን ኣርሒቅካ ምርኣይን ናብ ዘይተሰነየ ብቕዓት፡ ናብ ጉልበትን ሓይልን ጥራይ ከም ዝኸውን ምድፋኡ እዩ። ኣተሓሳስቡኡ ማዕቢሉ ኣብ ቅድሚኡ ዘይብሩህ ጉዳይ ከጋጥሞ እንከሎ “ስለምንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት “ንኺድ ጥራይ” ክበሃል እንከሎ፡ ናብ ህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ዘይኮነ ናብ ዝተባህሎ ጥራይ ዝኸይድ ከም ዝኸውን ምግባሩ፡ መንእስይ መተካእታ ዘየብሉ ግደኡ ንከይፍጽም ዝመሃዝ ተንኮል እዩ።
ካብዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ተጻራሪ ኣተሓሕዛ መንእሰይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኣየናዩ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ ግዜ ህግዲፍ ሃገርና ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ የብላን። ካለኦት ኣብያተ-ትምህርቲ እውን፡ እቲ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ብዝመሃዞ ዝተፈላለየ ተንኮላት መብዛሕትአን ዳርጋ ካብ ምስትምሃር ዓዲ ውዒለን ናብ ምዕጻው ገጸን ዝኸዳሉ ኩነታት ምዕዛብ ልሙድ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ምስ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ተመኩሮ ከተዛምዶ ብዘጸግም፡ ኩሎም ናይ 2ይ ደረጃ ተመሃሮ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ክመሃሩ ኣብ ዝግደድሉ እዋን ኢና ዘለና። እቲ ጸገም ኣብ ሓንቲ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ኢልካ ምእካቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይዛ መምሃራን ኮነ ካልእ እኹል መሳርሒ ዘየብላ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ዕማም መንእሰያት ፍልጠቶም ዘይኮነ፡ ናይ ጉልበት ዓቕሞም ዝምዘነላን ካብ ኤርትራዊ ክብርታት ክወጹ ዝደፋፍኡላን ምዃና እዩ። እዚ ኩሉ ደሚርካ ክምዘን እንከሎ ኣብ ምድኻም መንእሰይ ዝዓለመ ውዲት እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ተላባዒ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘስገኣሉን ምርሕሓቕ ካብ ቀንዲ መፍትሕታት ሓደ ኣብ ዝኾነሉን ንመንእሰያት ኣብ ሓደ ቤት ትምርቲ ምእካቦምከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርና ኣጋጢምዋ ካብ ዘሎ ብደሆታት እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ እዩ እንብል ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓደጋታት ብምንቃል እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ሓደጋ ከኣ ኣብ ገጠር ኮነ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጽፍሕታትን ድሕነት ሃገር ኣብ ምሕላውን ዝረአ ዘሎ ሓደጋ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ነቲ ሃገር ንምዕናውን ቀጻልነት ትውልዲ ንምቁራጽ ዘለዎ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ከዕውት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ከይተደረተ ናብቲ መንእሰይ ዝኸዶ እንዳሰዓበ ዝፈጥሮ ዘሎ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ንዕንወት ሃገርን ብርሰት ህዝብን ዘንቀደ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ኤርትራዊ መንእሰይ ግና ከምቲ ህግዲፍ ዝወጠኖ ሕልናኡ ኣየውደቐን። ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘሎ መንእሰይ ንተንኮላት እቲ ጉጅለ ስዒሩ ነቲ መተካእታ ዘየብሉ ሃገር ናይ ምህናጽን ወለዶታት ናይ ምቕጻልን ግደኡ ክመልስ ጻዕሩ ቀጻሊ ኣሎ። “ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ተስፋ ቆሪጹ ምስተሰደ ኣይክምለስን እዩ” ዝብል ሕልሚ ህግዲፍ መኺኑ እዩ። መንእሰይ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከም ዘይኮነን ካብ ቃልሲ ከም ዘየብኩርን ተገንዚቡ፡ ኣብ ዘዘለዎ ናይ ስደት ሃገር፡ ገሊኡ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ገሊኡ ኣብ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላት ተሰሪዑ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ሕልሚ ህግዲፍ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝተረፈ ዘረድእ እዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ በቲ ሓደ ወገን፡ መንእሰይን እቲ ነባር ተቓላሳይን ከኣ በቲ ካልእ ወገን ብግቡእ ክናበቡ ምኽኣሎም ከኣ እቲ ንጉጅለ ህግዲፍ ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ዘሎ እዩ።
ሓድነት ሓይሊ ብዛዕባ ምዃኑ ንኹልና ንጹር እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ መርኣያ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ኩሉቲ ኤርትራ እትውንኖ ብዙሕነት ምስኡ’ውን ኣሎ። መንእሰይና እቲ ቀንዲ መንእሰይ ዘብሎ ፈተና ክሓልፍ ከኣ፡ ብዙሕነቱ ዓቂቡ ሓድነቱ ከደልድል መተካእታ የብሉን። ካብቲ ካብ ዝሐለፈ ተመኩሮ ክመሃረሉ ዝግበኦ ዛዕባታት ከኣ ኣገዳስነት ሓድነት ቀንዲ እዩ። ሓድነቱ ዘይደልደለ መንእሰይ፡ መፍቶ ህግዲፍ ዝኸውን እምበር፡ መተካእታ ዘየብሉ ግደኡ ዝፍጽም ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ካብቶም ለንቅነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዛዕባ ኤርትራ ክዝረቡ ዝቐነዩ ግና ብናይ ህግዲፍ መርበብ 03 ዝተማህዙ ከይኮኑ፡ ዕቱብን ደቂቕን ምጽራይ ዘድልዮም ወረታት፡ “ኣብ ዓድታት ካርንሽም ብዙሓት ስድራቤታት ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ሕቡእ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተወሲዶም፡ ጠዓመ መቐለ ዝተባህለ ቀራን ኢደ በይዛ ሰለያ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተቐይዱ፡ ኤቨን ዘካርያስ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ንብዙሓት ደም ዘንበዐ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓሊባይ ሎጅ ብዝብል ትካል ተኸዊሉ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ተቐንጺሉ፡ መራሕ መኪና ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መኪናኡ ተቐቲሉ…” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ናይ ህውከት እምበር ናይ ቅሳነት ዘይኮኑ ንፋሳት እዮም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ “ተሳተፍቲ መበል 34 ዙርያ ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም” ዝብል ኣብ መድረኽ ዘሎ በዓል ቅነ ኤርትራዊ ወረ እዩ። እዚ ዘየሕጉስ ወረታት ንኤርትራዊ ሃዋህው ኣብ ዝበከለሉ፡ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ግና ብኣንጻሩ “ትግራይ ትመርጽ” ብዝብል ጭረሖ ናይ ጽንዓትን ዲሞክራስያዊ መሰልካ ምጥቃምን መኸተ፡ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ጸላዊ ዜና ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ምዃኑ፡ ደላይ ሰላምን ለውጥን ኤርትራዊ ብቕዱስ ቅንኢ ሓሪኑ ንዝያዳ መኸተ ክዕጠቕ ዝጽውዕ እዩ።
እዚ ኩነታት፡ እቶም ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ስርዓት ደርጊ ሓቢሮም ብምቅላስ ናይ ሓባር ዓወት ዘመዝገቡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ዘለዉዎ ሃለዋት ከነነጻጽር ዘገድደና እዩ። ውጽኢት ምንጽጻርና ናበይ ከም ዝመርሓና ከኣ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽር ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ደልሃመት ከም ዘሎ ክንቅበሎ እንቕሰብ ሓቂ እዩ። ሎሚ ንሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ዝውረ ሕማቕ እምበር፡ ጽቡቕ ዛዕባ የለን።
እታ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝብጀዉ ሓርበኛታት ብምምልማልን ምዕጣቕን ጽቡቕ ዝና ዝነበራ መደበር ታዕሊም ሩባ ሳዋ፡ ሎሚ ብሰንኪ ህግዲፍ ምስሊ ኤርትራውነት ዝድውን ዘይሰብኣውን ዘይዲሞክራስያውን ስርሒታት ዝፍጸመላ ገሃነም ኮይና ስለ ዘላ፡ ሳዋ ኣማን ብኣማን ክልተ ግዜ ተራእያ። ካብዚ ኣበሳዚ ወጺኣ ራህዋ ትርእየሉ ግዜ ከመጸላ ከኣ ትጽበ ኣላ። እተን ገበን ጉጅለ ህግዲፍ ብዝለዓለ ደረጃ ዝፍጸመለን ዘይተዓደላ ቦታታት ኤርትራ፡ ዕራዒሮ፡ ናኹራ፡ እምባትካላ፡ ዓዲ ኣበይቶ፡ ምዕጢር፡ ዊዓ………ወዘተ እንዳበልካ እንተ ዘርዚርካየን ብዙሓት እየን። ሳዋ ግና ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ ኣብ ሓደጋ ዘእትወት ስለዝኾነት ዝገደደ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ዘይኢዳ ዝረኸበት ሳዋ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ኩሉ መሰላት ዝሕየረላ፡ ዝምድና ተመሃራይን ወለዱን ዝብተኸላ፡ ኤርትራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ዝበላሸወላ፡ ንጸቢብ ኣፍራሲ ህግዲፋዊ ጉጅለ ዘገልግል ጸይቂ ባህሊ ዝህንደሰላ፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኤርትራዊ ባህሊ ወጻኢ ናይ ዝኾኑ ኣርሒቖም ዘይርእዩ ኣረመንየ ጉግማጉግ ዓለምቲ መጻወትን ከደምትን ዝኾነላ፡ መንእሰይ ተማሂሩን ሓዳር መስሪቱን ትውልዳዊ ሃገር ናይ ምቕጻል ሓላፍነቱ ከይፍጽም ዝዝረዓላን ኩሉ ጸልማት ምስ ኮኖ ናብ ስደት ዝነቕለላን ማእከል ገበን ኮይና ኣላ።
እዚ “ደቂ ሃገር ኢና” ብዝብሉ ኤርትራዊ ስነ-ምግባር ዝቐበጾም፡ ዘይወግሕ ዝመስሎም፡ ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ዘማዕዱ ቀልቢ ዝረሓቖምን ብግዝያዊ ጽሩራ ዝሰኸሩን ወገናት ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ዘሎ ገበን፡ ሓደ መርኣያ ካብ ገበናት ጉጅለ ህግዲፍ እምበር፡ ንኹሉ ኣብ መዝነት ዘሎ ዝውክል ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለና። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሃገርና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት እሱራት ተዓጽየሙለን ዘለዋ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ነናተን ክብደት ገበን ኣለወን። ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ዘይሰብኣዊ ገበናት ዘሕድሮ ሻቕሎት ኣብ ኤርትራዊ ክሊ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ህግዲፍ ካብ ከምዚ ዓይነት ኣብዚ ንርከበሉ መዋእል ከጋጥም ኢልካ ዘይትጽበዮ ባርነት ንክቑጠብ በብግዜኡ መጸዋዕታ ዘቕርበሉ ብሰንክቲ ኣብ ሳዋ ዝትግበር ዘሎ “ደረት ግዜን ኣገልግሎትን ዘየብሉ” ግዱድ ዕስክርና እዩ። እዚ ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ገበን ኣብ ቀልቢ ብዙሓት ኣገደስቲ ሳባትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ቆላሕታ ዝረኸበሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዝተሰደድሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ጠንቂ ስደቶም እቲ ካብ ሳዋ ዝነቅል “ደረት ዘየብሉን ኣገዳድን ዕስክርና” ምዃኑ ስለ ዝገልጹ እዩ።
ተመኩሮ ሳዋ ድሕሪ ናጽነት፡ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ገበን ዝፈጸመሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መወዳእታ መላኺ ኣተሓሳስባኡ ዝቕበረሉ ነቑጣ ክኸውን እዩ። ህግዲፍ ነቲ ዘይተርፍ ስዕረቱ ንዘይምቕባል እዩ፡ ነቲ ሳዋ ዝመበቆሉ ግዱድን ደረት ዘየብሉን ወተሃደራዊ ፖሊሲኡ ጠጠው ንከብል ዝቐርቦ ምሕጽንታ ዘይቅበሎ። ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ሓልዮት ዘንቀሎም ወገናት፡ ብቐንዱ ከኣ ባይቶ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብተደጋጋሚ ከቐርብሉ ንዝጸንሑ ምሕጽንታታት’ውን፡ ዘይርትዓውን ዘይወድዓውን ትምክሕታዊ ምስምሳት ብምቕራብ ክነጽጎ ጸኒሑ። ሳዋ ኩሉቲ ሎሚ ኣብኣ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ግህሰታት ኣወጊድካ፡ ሃገር ኣብ ምክልኻልን ምህናጽን ዝነጥፍ፡ ክብሪ ህዝቢ ዘቐድም ብሕጋዊ ትካል ዝመሓደር ብቑዕ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዘትከለ ኣገባብ ጥራይ መንእሰይ ዝምልመለላ እንተትኸውን፥ ዓለም ኣይመኻዓበታን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና፡ “ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቅዋም ዝጸደቐ ናይ ግዜ ገደብ ዝህልዎ ዜጋታት ኣብ ውትህድርና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዘዝመረጽዎ ዓይነት ሞያ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ትካል ክኸውን ከምዝግባእ ይኣምን።” ብዝብል ዝሰፈረ ዓንቀጽ ኣለና።
ህዝቢ ኤርትራ ንመደባት ሳዋ ካብቲ ዝተበገሰሉ ጀሚሩ “ይኹን” ኢሉ ብዘይስኽፍታ ኣይተቐበሎን። ውጽኢት መስርሕ ፕሮጀክት ሳዋ ምስተራእየ እውን ክትቃወሞ እምበር፡ ክትድግፎ ዘተባብዕን ዘብህግን ኣይነበረን። ምዃን እኳ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝንጸግ እምበር ተቐባልነት ዝረክብ ፍጻመ የለን። ብፍላይ ኣብዚ ህዝብና ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ መተካእታ ኣብ ዘየብሉ ተዓጽዩ፡ ኣደዳ ጥምየትን ጽምእን ዝኾነሉ ዘሎ እዋን፡ መንእሰያት ኣገዲድካ ናብ ሳዋ ምውሳድ ምስቲ እዋናውነቱ “ሳዋ፡ መዓስ እዩኸ ክርህዋ?” ንዝብል ሕቶ ጽባሕ ዘይኮነ “ሎሚ” ዝብል መልሲ ክረክብ ዝግበኦ’ዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ጉጅለ ህግዲፍ ምስዚ ኩሉ፡ ሕገ-መግስታዊ ምምሕዳር፡ ህዝባዊ ምርጫ፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል፡ ትካላላዊ ኣሰራርሓ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ዝያዳ ኩሉ ከኣ ምዕቃብ ልኡላዊ ሃገር ዘይቕበልን ዘየኽብርን ክነሱ፡ ብምንታይ ተኣምርዩ ዳርጋ ን30 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ተኾዲጩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ ናይቶም ጉዳይ ኤርትራ ዘይዋኒኖም፡ ካብ ርሑቕ ዝዕዘብዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናትና ናይቶም ሰብ ዋኒን እውን እዩ።
ንሕና እቶም ሰብ ጉዳይ ግና ሕቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ሕቶ መልሲ እውን ኣለና። መልስና “ዲክታተር ኢሳያስ ምስዚ ኩሉ ክፋኡ ንክንድዚ ዓመታት ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ዘሎን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣገናዕ ሕራይ ገበርካ ስለ ዝበሎ እዩ” ዝብል ከምዘይኮነ፡ ኣተሃላልዋና ንገዛእ ርእሱ ህያው መስካሪ እዩ። ባህጊ ናጻነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሰማይ ዝዓረገ ከም ዝነበረ’ውን፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያን ንህዝቢ ዓለም እውን ብሩህ ነይሩን እዩን። ህዝቢ ኤርትራ ምብሃግ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ንህያውነት ባህጉ ዝኸፈሎ፡ ብደረጃ ግዜ፡ ንዋት ኮነ ክቡር ህይወት ክምዘን እንከሎ መወዳድርቲ የብሉን። ካብ መግዛእቲ ተቓሊሱ ናጻ ዝወጸ እሞ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዝኸፈለን ዝተጸመመን ህዝቢ የለን። ነዊሕ ግዜ ወሲድካ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ከፊልካ ንዘውሓስካዮ ልኡላውነት ፍሉይ ክብሪ ክትህቦን ከም ብሌን ዓይንኻ ክትሕልዎን ከኣ ግድን እዩ።
ኣብ መሪሕ ቦታ ደረጃ ቃልሲ ኮይኑ፡ ክንዲ ናጽነት ዝኣክል ክብደት ዝወሃቦ ኣኽሊል ንዘድፍኣልካ ኣካል ፍሉይ ግምት ምሃብ ንቡር እዩ። ኣብ ባህልና እውን “ንዝገብረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” እዩ ዝበሃል። ህዝቢ ኤርትራ ንግደ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን ኣብ ምምራሕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንዝነበሮም ቦታን ኣበርክቶን ዝሃቦ ክብደት ፍሉይ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ነቲ ዝተረፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቀጻሊ ኩለ-መዳያዊ ኤርትራዊ ረብሓን ቀጻልነትን ከውሕሱለይ እዮም ዝብል እምነት እውን ኣንቢርሉ ነይሩ። ህዝብና ምህናጽ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀሊል ከም ዘይነበረ ተረዲኡ፡ ክንድቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝወሰዶ 30 ዓመታትኳ እንተዘይኮነ፡ ናይቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ቁስሊ ኣሕዊኻ፡ መሰል ህዝባ እተኽብር ኤርትራ ናብ ምህናጽ ምስግጋር ግዜን ትዕግስትን ከም ዘድሊ እውን ኣብ ሕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ብድሕሪ መጋረጃ ዲክታተርያዊ ባይታኡ እንዳጣጠሐ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ በብግዜኡ ናይ “ግዜን ዕድልን ሃቡና፡ ዓዲ ኣብ ባዶ ካዝና ኢና ተረኪብናያ፡ ካብ መግዛእቲ ዝወረስናዮ ዓንቃፊ ባህሊ ኣይሓወየን” ዝብሉ ዕባራ ምኽንያት እዩ ዝስንዕ ነይሩ።
እቲ ካልእ ዲክታቶር ኢሳያስ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክደራረቡ ዘይግበኦም ጉዳያት ደዋዊስካ ናይ ምርዳእ ጸገም እዩ። በቲ ሓደ ወገን ሓደ ዘይጥዑይ ውድብን ህዝቢ ኤርትራን ምድውዋስ ተራእዩ። እቲ ኢሳያስ ቅድም ከም መሕብኢ ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ዝጠለሞ ጉጅለኡ እንተ ተተንኪፉ ኤርትራ ከም ሃገር ኣይክትህሉን እያ ዝብል ኣብ ልቢ ገለ ኤርትራውያን ቦታ ረኺቡ ነይሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ኤርትራ ብዝለዓለ ወሳኒ ተሳትፎ ህዝብን ተወፋይነት ሰማእታቱን ዝተረጋገጸ ክነሱ፡ ንግደ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብዚ መስርሕ ልዕሊ ክኾኖ ዝግበኦ መጢጥካ ምቕራቡ ነቲ ዲክታተር ካብ ዘሻደንዎ ሓደ እዩ። እቲ ብግሩሃት “ወዲ ኣፎም ብሪየ ንሱ ኣንበሳ፡ ዓሻክሩ ነብሪየ” ዝተደረፈሉ ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ዘሕፍር እዋን’ውን ነይሩ’ዩ፡ ጥራሕ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ፡ ለካ ናብዚ ንምብጻሕ ዝጽረግ ዝነበረ ዘይተሓስበሉ ወፍሪ እዩ ነይሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ከምዚ ዝተጠቐሰ ናይ ትጽቢት ህሞት እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ደቂሱ ኣይሓደረን። ምናልባት ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን እቲ ሓቂ ተረዲእዎ፡ “ናብ ናይ መሰል ምሕታት ኣተሓሳስባ ከይብርኽ”፡ ብዓንተብኡ መሕለውታ ውዲታት ካብ ምጽዋድ ዓዲ ኣይወዓለን። ሰባት ኣንጻሩ ኣፍ ኣውጺኦም ኣብ ምንቃፉ ከይበጽሑ፡ “ኣንጻረይ ይሓስቡ ከይህልዉ” እንዳበለ ይኣስር ምንባሩ ክሳብ ክንደይ ብንግሆኡ ካብ ህዝቢ ይፈርሕ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከይተኣማምን እሞ ሓቢሩ ንከይለዓሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝነበሮ መርበባት ስለያ ዘርጊሑ። ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ኤርትራውያን “ሰብኣይን ሰበይትን ወይ ወላድን ውሉድን” ኣብ ዘይምትእምማን ደረጃ ምብጸሖም ተዓዚቡ “ኣቤት ሕማቕ ዘበን በጺሕና” ዝብል ዝነበረ ኤርትራዊ ብዙሕ እዩ። እዚ ኩነታትዚ ሎሚ እውን መልክዑ ደኣ ቀይሩ ይኸውን እምበር ብትሕዝቶኡስ ኣይተለወጠን። ምናልባት እውን ይገድድ ይህሉ።
እቲ ጉጅለ ሓሓሊፉ ካብ ተዓዘብቲ ንዝቐርበሉ ሕቶታት ዝህቦ ዝነበረ መልስታት፡ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ምስ ሰኣነ፡ “ካብኡ ኣይትሕለፉ” ብዝብል ባህ ኣይበሎ፡ “ምርጫ ናይ ዲሞክራሲ መርኣያ ኣይኮነን፡ ዘጽደቕኩምዎ ሕገ መንግስቲ ኣገልግሎት ከይጀመረ ኣበርዒኑ እዩ፡ ብዘይሕገ-መንግስቲ ምምራሕ ኣባና ዝተጀምረ ኣይኮነን” ብኣኡ ኣቢሉ ከኣ እነሆ መጀመርታኡ እምበር መዓርፎኡ ናብ ዘይፍለጥ መደናገሪ መንገዲ ይጐዓዝ።
ካብዚ ሓሊፉ እዚ ጉጅለ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣታሃራሪፍካ ናይ ምድዕዓስ መንገዲ እውን ነይርዎ እዩ። ንሓንሳብ ኣብ ጥራይ ጐልጎል ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ይሓልም። ንሓንሳብ ድማ ኣብ ዘይተጨበጠ ሓቂ ኤርትራ ካብኣተን ከም እትሕይል ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ምስተን ኣብ ኑክሌራዊ ደረጃ ዝበጸሓ ሃገራትን ዞባዊ ትካላትን ክጻረፍን ክወዳደርን ይውዕል ነይሩ። ኣብዚ ሓደ ዘገርም ዛንታ ክንጠቅስ።
ሓደ ኣብ ስርዓት ደርጊ ስልጣን ዝነበሮም ኤርትራዊ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጸጸራት ይእሰሩ። ሓደ ካብቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ብናይ ኢሳያስ ሓሶት ዝሰኸረ እሞ እቶም ዝሕልዎም ዝነበረ እሱር ምሁርን ፈላጥን ምዃኖም ዝተነግሮ፡ ”ኣቦይ እገለ ኣብዛ ዓለምናስ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለ ሓያልን ሃብታምን ሃገርዶ ትህሉ?” ይብሎም። ወዮም ናይቲ ስኻር ጠንቂ ዝተረድኡ ኤርትራዊ እሱር ከኣ እቲ ሓላዊኦም ከሕጐስ እሞ ክተሓባበሮም ስለ ዝደለዩ፡ “እንድዒ ምናልባት ኣሜሪካ እምበር ንኤርትራ ትወዳደር ሃገር ዘላ ኣይመስለንን” ኢሎም መለስሉ። እቲ ወዲ ሓደ ድኻ ኤርትራዊ፡ ገርሂ ልቡ ወታደር ከኣ፡ እንዳተሓጐሰ ከደ ዝብል ዘገርም ዛንታ ኣሎ። እዚ ኢሳያስ ከምቲ ዝተጸበዮ ደኣ ኣይኮነሉን እምበር ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ኤርትራ መጻወቲ ክገብሮ ይህቅን ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ናይ ምትእምማን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይ ምድንጋርን ምትሕብባእን ቦታኡ ምህላዉ ከኣ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዘብል’ዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ ናብ መበል 59 ዓመት (1961-2020) ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ መኸተ በጺሕና። ኣይኮነንዶ ንከም ባሕቲ መስከረም ዝኣመሰለ ቀያሪ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ;፡ ንካልእ ኣውንታዊ ተመኩሮ ዝተመዝገበሉ ኣጋጣምታት እውን ምምጓስን ሰናይ ምምናይን ልሙድ እዩ እሞ “ዮሃና እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ኣብጸሓና” እናበልና ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።
ባሕቲ መስከረም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ምሉእ ናጽነት ዝተጀመረላ ዕለት ጥራይ ዘይኮነት፡ እቲ ተኸታታሊ ቃልሲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝተሰጋገረላን እቲ ዝበለሐ ብረታዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝተበሰረላን ሽግ ዓወት ዝወለዐትን እያ። ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ብዓቕሙን ሓያል ዘራዩን ኣዝዩ ዝበልጸካ ኣካል፡ ኣይኮነንዶ ደፊርካ ክትጅምሮ ክትሓስቦ እውን ዘጸግመሉ ዝነበረ ኩነታት “ንናይ ጽባሕ ብርሃን፡ ናይ ሎሚ ጸልማት ተቓሊስካ ምስዓር።” ብዝብል ኒሕ ንዘበሰርዎ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ጀጋኑና ዘለና ዘይሃስስ ክብሪ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ እሞ “ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንዓኣቶም ይኹን።”
ከምቲ ዘይተጀመረ ኣይውዳእን እዩ ዝበሃልን፡ ሀንሪ ዎድስን ዎርዝ ሎንግ ፌለው ዝተባህለ ፈላጥ፡ “ምጅማር ዓብይ ብቕዓት እዩ፡ ዝጀመርካዮ ምፍጻም ከኣ ኣዝዩ ዝዓበየ ብቕዓት እዩ።” ዝበሎን እቶም ኣሰር ናይቶም ጀመርቲ ስዒቦም ሓደ እንዳወደቐ እቲ ካልእ እንዳተተከአ ብኣዝዩ ኩርኳሕ ዝመልኦ መንገዲ ተጓዒዞም፡ ክሳብ ብርሃን ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘቐጸሉ፡ ህሉዋት ሓርበኛታትን ሰማእታትን ኤርትራ እውን ኣብዚ መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ መኸተ ንዝክረሉ ዘለና ክምጐሱ ንቡር እዩ። በቲ ብሰንኪ ጥልመት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕድሪ ጀጋኑና ብኸምቲ ዝተጸበይዎ ዘይምትግባሩ ከኣ ንሓዝን። ሓዘን መፍትሒ ስለ ዘይኮነ ከኣ፡ ዝተጠልመ ሕድሮም ናብ ቦታኡ ክንመልስ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ክንቅጽሎ ምዃና ባሕቲ መስከረም ቃልና እነሕድሰላ ኣጋጣሚ እያ።
ዓመት መጸት ንባሕቲ መስከረም ክንዝክር እንከለና፡ ነቲ ዝሓለፈ፡ መሪርን ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ዘኽኣለን ጉዕዞ ቃልሲ ከነቕልበሉኳ ንቡር እንተኾነ፡ ቀንዲ ጠመተናስ ናብዚ ዘለናሉ ሃለዋትን ዝጽበየና ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን እዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንዘለናሉ ኩነታት ብግቡእ ምምዛን፡ ካብዚ ሚዛን ነቒልና ከኣ መጻኢ ዕማማትና ምንጻርን ንምትግባሩ ዘይጥለም ቃል ምእታውን ዓቕሚ ምጥራይን እዩ። ምኽንያቱ ምትላም ብዘይተመጣጣኒ ተግባር ትርጉም ስለ ዘየብሉ።
ሃለዋትና ብመንጽርቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ብጉጅለ ህግዲፍ ብፍላይ ከኣ ብውልቀ-መራሒኡ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ በቲ ሓደ ወገን፡ ብመንጽር ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓን በደልን ስዒርካ ናብ ሰናይ ዘበን ንምስጋር ዝግበር ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ ወገን ክድህሰስ ይግበኦ። ህልዊ ኩነታትና ሓጺናዊ ኣርዑት ወጽዓ መግዛእቲ ህግዲፍ መሊሱ ዝተረረሉ፡ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ከኣ ካብቲ ዝጸንሖ ዝያዳ ኣብ ዝበረኸሉ፡ ግና ከኣ ኣብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ደረጃ ኣብ ዘይበጻሓሉ ምህላውና እዩ ዘርኢ። ስለዚ ቀንዲ ቆላሕታና ናብቲ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብናዮ ውጽኢት ዘይኮነ፡ ናብቲ ዝተርፈና ምምጥጣር ክኸውን ይግበኦ። ባሕቲ መስከረም ከኣ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ዕማማት ንምዕዋት ቃልናን ቅርቡናትናን ደጊምና እነሕድሰላ ኣጋጣሚ እያ።
እዛ ናይ ሎም ዘበን ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ መኸተ፡ ካብተን ካልኦት ናይ ድሕሪ ናጽነት ባሕቲ መስከረማት ፍሉይ ዝገብራ ኩነታት የንጸላሉ ኣሎ። እቲ መኸተ ፋይል ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ተዓጽዩ፡ ናይ ክብሪ ቦታኡ ሒዙ ኣሎ ኢልናዮ ዝነበርና፡ ብሰንኪ ህግዲፍ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ዘርባዕባዕን ሓቢእዎ ዝጸንሐ ሸርሒ ንቕድሚት ምምጻእን ዳግማይ ከይክፈት ኣብ እንስከፈሉ ህሞት ምህላውና ፍሉይነት ኣለዋ። ከምቲ “ዘፋነኻዮ ጋሻስ ኣይመለስካ” ዝበሃል፡ ብሰንክቲ ኢሳያስ ሓቢእዎ ዝጸንሐ እኩይ ብልኡላውነት ኤርትራ ዝጣላዕ መዛግብ ውዲት ክግንጽል ምፍታኑ ብጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ እንስከፈሉ እዋን ኢና ንመበል 59 ዓመት ባሕቲ መስከረም እንዝክራ ዘለና።
እዚ ከኣ ነቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ ጸዓትና ከቢድን ተደራራብን ይገብሮ። እንተኾነ ዝያዳ ጽንዓትን ሓድነትን ደኣ ይሓተና እምበር፡ ሕዱር ተንኮል ኢሳያስን መዳኸርቱን ግብራዊ ኮይኑ፡ ዝተዓጽወ ፋይል ስዑራት ጸረ ናጽነት ኤርትራ ህይወት ክሰኩዕዩ ማለት ዘበት እዩ። ነዚ ተደራራቢ ብድሆታት ብተደራራቢ ትብዓትን ድልዱል ሓድነትን ከም እንብደሆ ዘመልክት ኣብ ቅድሜና ጋና ከነዕኩኾ ዝግበኣና ብሩህ ዕድላት ኣለና። ሓደ ካብቲ ዕድላት፡ ብሓፈሻ ብዝተፈላለዩ ደረጃ ውዳበታት ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ስምምዓት ኣብ ወረቐት ምኽታም ስምምዓት ሓሊፎም፡ ብግብሪ ዝዋስኡ ሓባራዊ ሓይልታት ዕማም ምምስራት ምብጸሖም ሓደ ካብ መግለጽታት መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ምህላዉ እዩ። ብዓቢኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብናይ ህግዲፍ ናይ ሓሶት ስብከት ኣብ ዘይታለለሉ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ካልእ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ናይ ምዕዋትና ብሩህ ተስፋ እዩ።
ከምቲ ኤርትራውያን፡ “ውሑዳትን ሰብ ውሱን ዓቕምን ክነስና፡ ንብዙሓትን ክሳብ ኣፍንጫኦም ዝተዓጥቁን ናይ ምስዓርና ምስጢር ሓድነትና እዩ” እንብሎ፡ ምስጢር መጻኢ ተዓዋትነትና’ውን ካብዚ ወጻኢ ኣይኮነን። ካብ ኢሳያስ ጀሚርካ ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ነዚ ምስጢር ዓወትና ስለ ዝፈልጥዎን ዝፈርሕዎን ንዓና ከፋፊሎም ንምስጢር ዓወትና ትርጉም ከስእንዎ ካብ ምህቃን ዓዲ ከምዘይውዕሉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ከተንበርክኾ ንእትደሊ ሓይሊ ከም ቅድመ-ኩነት ሓድነቱ ናይ ምድኻም ተንኮል፡ ኣባና ጥራይ ዝፍተን ዘይኮነ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ “ነቲ ሕልሚ ባሕቲ መስከረም ኣብ ምግሃድ ወሳኒ ግደ ዝነበሮን ኣብ መጻኢ ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞና እውን ወሳኒ ቦታኡ ንዘይስገር ሓድነት፡ ልዕሊ ኩሉ ጠሚትና በትብዓትን ጽንዓትን ክንሰርሓሉ ናይ ግድን እዩ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
30 ነሓሰ 2020
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ 4ተ ዓመት ሓደ ግዜ ጉባአ የካይድ። ኣብዚ ጉባአኡ ከከምቲ ጉባአ ዝካየደሉ ግዜ ብዙሓት ዓበይቲ እዋናዊ ኤርትራውን ከባብያውን ዛዕባታት ይለዓሉ፡ ይዝተየሎምን ውሳነታት ይወሃቦምን። ብዝያዳ ከኣ እቲ ሰልፊ ኣብ መንጎ ክልተ ጉባአታት ከዕውቶ ዝቃለሰሉን ዝልለየሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ኣካላቱ ዝምርሕሉ ቅዋምን የጽድቕ። ካብዚ ሓሊፉ ሓጋጊ ኣካል ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ። እዚ ባይቶ ከኣ ኣብ ስሩዕ ኣኼባኡ መደባት ዘተግብር ፈጻሚ ሽማግል ይመርጽ።
ማእከላይ ባይቶ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባ የካይድ። ኣብዚ ኣኼባኡ ናይቲ መደባት ሰልፊ ከፈጽምን መዓልታዊ ህይወት ሰልፊ ክከታተልን ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝጸንሐ ትካል ፈጻሚ ሽማግለ ዓመታዊ ጸብጻብ ተቐቢሉ ይመዝንን የጽድቕን። ኣብ መጻኢ ዓመት ክዕመሙ ናይ ዝግበኦም ስረሓት ኣቕጣጫን ፖሊሲን ከኣ ይስእል። እዚ እቲ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኮይኑ፡ እዚ ሓጋጊ ኣካል ሰልፊ ከከም ኣድላይነቱ ፍሉያት ኣኼባታት እውን የካይድ እዩ። እቲ ኣብዚ ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝምረጽ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ወርሒ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ። ከከም ኣድላይነቱ ፍሉይ ኣኼባታት እንዳካየደ ክሳብ ስሩዕ ኣኼባኡ ክጸንሑ ዘይክእሉ ህጹጻት ጉዳያት ይርእን ይመዝንን። ትካላዊ ኣሰራርሓ ሓደ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብታ ብህግዲፍ እትምራሕ ኤርትራ በዂሩ ዘሎን ናይቲ ጸገማት ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑን ኩልና እንርደኦ እዩ።
ብመሰረዚ ትካላዊ ኣሰራርሓን ባህልን ሰዲህኤ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ብ15-16 ነሓሰ 2020 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓምት ዝተዓሙ ስረሓት መዚኑ፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ክዕመሙ ዝግበኦም መደባት ኣመልኪቱ ከኣ፡ ንዝርዝራዊ ኣተገባብራኦም ነቲ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባ ዝተመርጸ ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ሂቡ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ትካላት ሰልፊ ዝተዓሙ ኣውንታዊ ሰረሓት ንኢዱ፡ ምትዕርራይ ዘድልዮም ኣሚቱ፡ ኣብ መጻኢ ካብኡ ዝያዳ ክስራሕ ዘኽእል መደባት ሰሪዑ። እዚ መድረኽዚ ሓጋግን ፈጻምን ትካላት ሰልፊ ዝተሓሳሰብሉን ድላይነት ተሓታትነት ዝረኣየሉን እዩ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ናብ ዝሓሸ ለውጢ ይብርኽ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ንኹሎም ሓቢርካ ዘቃልስ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ቅሩብነት ዘርኣዩ ወገናት ኣመጒሱ። ሰዲህኤ ጉጅለ ህግዲፍ ንምስዓርን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ሓቢርካ ምቅላስ መተካእታ ከምዘየብሉ ብምርዳእ በብደረጃኡ ማለት፡ ካብ ኣብቲ ዘረዳድኣካ ሓቢርካ ምስራሕ ክሳብ ፍጹም ሓድነት ዘለዉ መማረጽታት ንምትግባር ቅሩብ ብምዃን ክስረሓሉ ከም ዝጸንሐ ተገንዚቡ። ኣብ መጻኢ እውን ነዚ መሰረታዊ ዕማም ብምሉእ ዓቕሙ ከም ዝደፍኣሉ ቅሩብነቱ ኣሕዲሱ።
ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሓዘ በደል ዝያዳ ይገድድ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል፡ ተላጋቢ ቫይረስ ኮቪድ-19 ተወሲኽዎ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ናይ ጥምየት ሓደገኛ ኩነታት ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ክሕይል ኣብ ዝድለየሉ ዘሎ እዋንን፡ ንጉጅለ ህግዲፍ ምድጋፍ ከም ነውሪ ክውሰድ ኣብ ዝግበኦ ግዜን እቲ ጉጅለ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናብ ጸድፊ እንዳተጓዕዘ፡ “ኣጆኻ” ዝብልዎን ዘይግበኦ ሚዛን ሂቦም ዝንእድዎን ኤርትራዋያን ኮኑ ዘይኤርትራውያን ወገናት ናብ ልቦም ክምለሱ ኣትሪሩ ኣተሓሳሲቡ።
ኩሉ ከም ዝርደኦ ኣብዚ እዋንዚ ገበናት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ሕገመንግስታዊ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳርን ትካላዊ ምትሕስሳብን ብምንፋግ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ካብዚ ብዝገደደ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝለዓለ በደልዩ ዝፍጽም ዘሎ። ኣኼባ ባይቶ ነዚ ገበንን ጥልመትን ኮኒኑ፡ ንመጻኢ እውን እቲ ጉጅለ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ስለ ዘይምለስ፡ እቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ነዚ ሓደጋ ቀዳምነት ሰሪዑ ብሓባር ንክቃለሶ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ። ካብ ብዙሓት ጠንቅታት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘየብሉ፡ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ምውዳቑን ኢደ-ወነናዊ ኣካይዳ ምስዕራሩን እዩ።
ኣብ ርእሲዚ ከምቲ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባ ዝወጸ “መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ” ዝተመልከተ፡ ባይቶ ዝመዘኖ ካልእ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍን ዘይቅሱንን ምዕባለ፡ ሓድሽ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይን እዩ። እዚ ምዕባለ ሰፊሕ ዝርዝርን ብዙሓት ተዋሳእትን ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ንኤርትራውያን ዘገድሰና፡ ዘሰክፈናን ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእዮ ዝግበናን ከኣ ዲክታተር ኢሳያስ ብጉልባብ ምሕዳስ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ ብልኡላውነትና ዘርእዮ ዘሎ ምዕልባጥ እዩ። ባይቶ ነዚ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ፡ ሰዲህኤ ንውሳነታት ጉባአ ሰልፊ መሰረት ገይሩ ኣብዚ መዳይዚ ዝምረሓሉ ናይ ዝምድና ፖሊሲ ኣጽዲቑ። ከም ነጸብራቕ ናይዚ ፖሊሲኡ ከኣ፡ ብዓብይኡ ዲክታቶር ኢሳያስ በቲ ዋጋ ብዙሓት ሓርበኛታት ዝኾነ ልኡላውነትና ከይጣላዕን ንሱ ብዝኸፈቶ ናይ ጥፍኣት ኣፍደገ ኣትዮም፡ ኤርትራዊ ልኡላውነትና ንድሕሪት ንምምላስ ዝደናደኑ ወገናት ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ብሕቲ ንብረት ከምዘይኮነት ተረዲኦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ ኣተሓሳሲቡ። ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ልኣላውነቱ ኣብ ዝተዓቀበሉ፡ ኣብ ሰላም፡ ናይ ሓባር ረብሓን ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ፍትሓዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንክፍጠር ንዝሰርሑ ፍትሓውያን ወገናት ኣተባቢዑን ንኢዱን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጉጅለ ህግዲፍ ቀዳምነቱ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይኮነ፡ ብተደጋጋሚ ነጊሩና እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ብግብሪ በቲ ጉጅለ ዝረአ ዘሎ እውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ጉጅለ ከምዚ ዓይነት ምርጫ ምውሳዱ፡ ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ተገዲስካ መፍትሒ ምርካብ ስለዘይክእል ድዩ ወይስ ስለዘይደልን ዘይሓልን?፡ ንዝብል ሕቶ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነናቶም መልሲ ከም ዝህልዎም ርዱእ ኮይኑ፡ ብመሰረቱ ግና ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውህሉል ተመኩሮ፡ “ብኤርትራን ህዝባን ስለ ዘይግደስ እዩ” ኢልካ ምጥቕላል ዘጸግም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ኣገዲስዎስ ናተይ ኢሉ ክምልስ ብዝህልዎ ውሱን ዓቕሚ እውን ስለ ዘይፍትን። ብኣንጻሩ ተመኩሮ ናይዚ ጉጅለ፡ ነቲ ብህዝቢ በብግዜኡ ዝቐርብ ዝርዝር ጸገማት መሊስካ ኣብ ምግዳድን ነቲ ህዝቢ ካብ ሃገራዊ ጉዳዩ ኣብ ምግላሉን ምርሓቑን ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ።
እዚ ጉጅለ ብህዝቢ ኤርትራ ዘይምግዳሱ፡ ናይ ዓቕሚ ጉዳይ እንተዝኸውን፡ ኣብ ኤርትራ እዚ ዘይበሃል መልሲ ዝሰኣነ ሕቶታት ህዝቢ እንዳሃለወ፡ ኣፉ መሊኡ “ደጊም ብዛዕባ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ልዕሊ 400 ሚልዮን ህዝቢ ከባቢና ኢና እንሓስብን እንግደስን ኣይመበለን። ስለዚ “ብጉዳይ 400 ሚልዮን ህዝቢ እየ ዝሓስብ” ዝብል ኣካል፡ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ዘይምግዳሱ ናይ ዓቕሚ ዘይኮነ ዘይምግዳስ ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ብንጹር ንምስፋሩ እቲ ጸገም ብጉዳይ ከባቢ ምግዳሱን ምሕሳቡን ዘይኮነ፡ ከምቲ “ቅድሚ ፈረስ ዓረብያ” ዝበሃል፡ ንጉዳይ ኤርትራ ከምዘይናትካ ጓሲኻ ቀዳምነትካ ናብ ዘይኮነ ጠለውጠለው ምባል እዩ። እንተ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ሃገራት ናይ ርሑቕን ቀረባን ምጽልላው ሰማይ ዝዓርገሉ እዋን፡ ንዝምድና ምስ ከባቢና ሃገራት ምግዳስ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እውን፡ ኣብቲ መደብ ዕዮኡ “10.2 ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፡” ብዝብል ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ዘሎ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ግን ንህግዲፍን ሳዓብቱን መንቀሊኦም ኣይኮነን።
እንተኾነ ናይ ህግዲፍ ብኤርትራን ህዝባን ዘይምግዳስ፡ ዝለመዐት፡ ብሕጊ እትመሓደር፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትን ነጻነት እምነት ህዝባን ዝተሓለወላ፡ መንእሰያታ ዓዶም ዝሃንጹላ…… ወዘተ ሃገር ክትከውን ብዘይምግዳሱ ጥራይ ከም ዘይግለጽ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ብዓብይኡ ንዘለዋ ጸገማት ዘይኮነ፡ ምስ ዘለዋ ጸገማት ንህልውነኣ ከም ሃገር እውን ዝፈታተን መንግዲ ጥፍኣት ይሕዝ ስለ ዘሎ። ብቐረባ’ኳ ኣብ ጉዳይ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዘየርብሕ ውልቃውን ዘይግሉጽን መርኣያ እዩ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ዘይብሱል ዝምድናኡ በይኑ ፈሊኻ ዝረአ ዘይኮነ፡ ምስቲ ንከም ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ካዝነአን ብዶላር ዘህጠራ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ፈቒዱለን ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራት ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መሰልጠንታት ኤርትራ ከም ዝረኣዩ ብሰፊሑ ዝዝረብ ዘሎ እዩ። ናይ ኤርትራ ናይ ስለያ ኣባላት ኣብ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ይዓዩ ኣለዉ፡ ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያታት ሓበሬታ እውን ብዙሓት እዮም። ነዚ ሓበሬታታት ምስቲ ኢሳያስ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና እንሕውሰሉ እምበር፡ ስቕ ኢልና እንርእዮ ኣይኮነን” ዝበሎ ኣስተብሂልካ ብደቂቕ ተኸታቲልካ እተጽነዕ እምበር “ እዚ ሓሶት እዩ” ኢልካ እትሓልፎ ኣይኮነን። እነሆ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መደበር ክትከፍተለን መዲባተን ካብ ዘላ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ ሓንቲ ምዃና ብማዕከናት ዜና ይጥቀስ ኣሎ።
ወሃብ ቃል ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝበሎ፡ ብናይ ቀረብ (ሎጂስቲክስ) ማእከል ኣማኻንዩ፡ ነቲ ናይ ሩስያ ምኽፋት ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ሃገርና ክኽሕዶ ፈቲኑ። እዚ ምስ ተመኩሮ ናይቲ ድሕሪ ዕጻይምጻጻይ ደሓር እቲ ጉጅለ ዝተኣመነሉ ናይ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣጀማምራ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ዝመሳሰል እዩ። ካብዚ ጉጅለ ህግዲፍ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ደገደገ ምምዕዳው፡ እቲ ዲክታቶር ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይበጽሕ ነገራዊ ረብሓን ዝናን ከም ዝረኸበሉ ተዓዚብና ኣለነና። ብግብሪ ወርቂ መዳልያታት ክስለም፡ ሚልዮናት ዶላር ክቕበልን ከም “ናይ ሰላም መልእኽተኛ” ክምጐስን ተዓዚብና ኣለና።
ብዘይካዚ መራሒ ጉጅለ ህግዲፍ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓዲ ሃሎ ተኾርምዩ፡ ከንጸላልዎ ዝጸንሐ፡ ተነጽሎን ናይ ህልውና ስግኣትን ወጺኡ መዛምድትን መጋይሽትን ክረክብ ዘኽኣሎ እዩ። ብኣንጻሩ እዚ ህግዲፍ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ተመሳጢሩ ዝኸፍቶ ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራትን ዝፍሕሶ ዘሎ ተንኮላትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ራህዋን ማሕበራዊ ቅሳነትን ዝረኽበሉ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ውዲታትን ዘይቅዱስ ምትእስሳራትን ንሓዋሩ ንኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ የመንን ሊብያን ዝረአ ዘሎ ጸላእቲ ዝዕድመላን ኣብ ቀረባ እውን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥን ሓደጋ ዝሓቖፈ እዩ። ዶሮ’ኳ ሓያሎ ኣተሓሕዛ ህግዲፍ ኣብ ጉዳዮም ባህ ዘይበሎም ኢትዮጵያውያን ወገናት ዲክታቶር ኢሳያስን ጉጅለኡን ካብ ጉዳዮም ኢዶም ከልዕሉ ስምዕታታት ከቕርቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ዒራ ደኣ ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን “ከብድን ሕቖን” ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብዞም ኢትዮጵያውያን ዝተሰወረ ኣይኮነን እምበር፡ እዚ ናይ “ካብ ጉዳይና ኢድኩም ኣልዕሉልና” ስምዕታ ኣብ ህግዲፍ ዝድረት ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝመጣጠር እዩ። ካብዚ ብዘይተፈልየ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተኾነ ንህግዲፍ ከእድቦ፡ እንተዘየለ ከኣ ኣደዳ ናይቲ ንሱ ዝኣጉዶ ሓዊ ከይከውን ብቐጻሊ ይጽውዕ ኣሎ።
ስለዚ ንሕና ናይ ልኡላውነትና ቀጻልነትን ናይ ህዝብና ድሕነትን ዘገድሰና ኤርትራውያን፡ ምስቲ ካልእ ኣንጻር ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዛዕባታት፡ “ሃገርና መዋፈሪትን መዋግኢትን ሓያላት” ከይትኸውን፡ ነዚ ንናይ ግዳም ሓይልታት መሬት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንዳቆረሰ ወተሃደራዊ መደበራት እንዳከፈተ ዝጣላዕ ዘሎ ኣዕናዊ ሓይሊ ኣምሪርና ክንቃለሶ እውናዊ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ትማሊ ንኹሉ ኣንጻሩ ዝእለም ዝነበረ ናይ ርሑቕን ቀረባን ውዲታት ስዒሩ ሳላ ዝተቓለሰ ናጽነቱ ጨቢጡ እዩ። ምእንቲ ዓለም ኣጸቢቓ ክትኣምንን ኤርትራዊ ልኡላውነት ወግዒ ክለብስን ከኣ መስርሕ ረፈንደም ተኻይዱ፡ 99.83% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ፡ “እወ ንናጽነት” ዝብል ሰማያዊ ካርዱ መዚዙ። እዚ መስርሕ ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ግዳም ይኹን ንናይ ውሽጢ ኣዕለበጥቲ፡ ኣብ ልኡላውነቱ ዝኾነይኹን ምጥርጣር ከምዘይብሉ ዘረጋገጸሉ ኣዝዩ ድሙቕ ማሕተሙ ዘንበረሉ እዩ። ኣብቲ መድረኽ’ቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ደጊኡ ገዲፍካ “ውሽጡ እንታይ ይሓስብ ነይሩ?” ምስቲ ሎሚ ዘርእዮ ዘሎ ወለቕዘለቕ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
ኣብቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘካየድናዮ፡ ነዊሕን ኩርኳሕ ዘይተፈልዮን ጥምጥም ኣንጻር ሓይሊ መግዛእቲ፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን እውን ብዙሓት ዘቀሓሓሩና፡ እንተኾነ ንመስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጻ ኤርትራ ዘይዓገቱ፡ ኣጋጣምታት ከም ዝነበሩ ኣብ ሕልና ኩልና ዘሎ እዩ። ምቅሕሓር ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ ሓደ ለባም ኤርትራዊ ኣቦ “ኤርትራውያን ጸባ ሓንቲ ላንምን እቶት ሓደ ዓውድን ኢና” ዝበልዎ፡ ኣሕዋትን ሰብ ሓደ ዕላማን ክንስና ተጓኒጽናን ክኽፈል ዘይነበሮ ዋጋ ከፊልናን ኢና። እዚ ናይ ሽዑ ጐንጽና ንገዛእትና እንተዘይኮይኑ፡ ነቶም ናይቲ ጐንጺ ተዋሳእቲ ዝነበርና ኣካላት ኮነ ንህዝብና ፋይዳ ከምዘይነበሮ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህን ከይድገም መምሃሪ ክኸውን ዝግበኦን ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ናይተን ኣብ ሕድሕደን ዘይቃደዋ ዝነበራ፡ ውድባት ድሕረ-ባይታታት ዘለና ኤርትራውያን፡ ነቲ ናይ ሽዑ ምስሕሓብና ንታሪኽን ንተመራመርቲ ታሪኽን ገዲፍና፡ ኣብ ንቕድሚት ዘማዕዱ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ክንስለፍ ምብቃዕና ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት ኣብ ምሕጻር ዕድመ ጉጅለ ህግዲፍ እዩ። ነዚ ብሓባር ምስላፍና ኣስጢምና ሒዝና ከነማዕብሎን ነቲ ናይ ሓባር ሸቶና ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ከነብጽሖን ከኣ ዕዙዝ ሓላፍነት ኣለና። ኣብቲ ግቡእ ናይ ሓባር መስርዕ ምእታውና ቅኑዕ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብቐዳምነት ዝስራዕ ምውጋድ ህግዲፍ እንተዘየብጺሕናዮ ግና፡ ምጅማርና ንበይኑ ትርጉም የብሉን። ምጅማርን ኣብቲ ክትበጽሖ ዝግበኣካ ምብጻሕን እንተዘይተናቢቦም ተነጻጺሎም ዝህብዎ ውጽኢት ትርጉም የብሉን።
እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእን ሓድነት ህዝብና ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት፡ ናይ ኩልና ለውጢ እንብህግን በቲ ዝረጋገጽ ለውጢ እንሕበንን ኤርትራውያን እምበር፡ ብናይ ውሱናት ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ማሕበራትን ጻዕሪ ጥራይ ዝዕወት እዩ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ናይዞም ኩሎም ሰብ ዋኒን ኣበርክቶ በበቲ ዝጥዕሞም ኣገባብ ዝብገስ’ኳ እንተኾነ፡ ናብ ሓደ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ ፈለግ ከም ዝውሕዝ ምግባሩ ግና ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ደም ዝነብዕ ዘሎ ኤርትራዊ፡ እንተላይቲ ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣካል ናይቶም ናይ ለውጢ ተዋሳእቲ ኤርትራውያን እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ደጋዊ ለቢስዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ክዳንን ተዓጢቕዎ ዘሎ ኣጽዋርን እምበር፡ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባኡስ ናይቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣካል ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ንጹር እዩ። ንሱ እውን ኣብ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝያዳ ዝጭቆን ዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለ ዝኾነ። ህግዲፍ እውን ርእዩ ከምዘይረኣዮ ክሓልፎ እንተዘይኮይኑ ኣተሓሳስባዚ ኣካልዚ ናበይ ገጹ ምዃኑ ዝስሕቶ ኣይመስለናን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ መቕድም’ቲ ኣብ ዕዉት 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ኩሎም ዜጋታት ብዘይ ገለ ተጽዕኖን ደረትን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገሮም ብምስታፍ፡ ብህዝባዊ ምርጫ ብሓላፍነት ዘገልግሉ ተሓታትነቶም ንህዝቢ ዝኾኑ መንግስታውያን ኣካላት ከቑሙ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን።” ኢልዎ ዘሎ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝያዳ ዘዕዝዝ እዩ።
ከምቲ ግቡእ ብናይ ትማሊ ጌጋታት ተኣሲርና፡ ካብ ናይ ሎምን ጽባሕን ኣድማዒ ምንቅስቓሳትና ጅሆ ክንሕዝ ኣይግበናን። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና “ሰባት በቲ ሎምን ጽባሕን ክሰርሕዎ ዝግበኦም ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ትማሊ ክሰርሕዎ ዝግበኦም ዝነበረ’ሞ ዘይሰርሕዎ እውን ክሓስቡ ይግበኦም” ዝብል ሓሳብ ኣይንዝንግዖን ኢና። እዚ ነቲ ናይ ትማሊ ሕጽረት ሓሊፉ ክነሱ፡ ናብ ሎሚ ኣምጺእና ክንቅይሮ ንኽእል ኢና ማለት ግን ኣይኮነን። ናይ ሎሚ ስራሕና ካብኡ ዝሓሸ ምእንቲ ክኸውን ነቲ ናይ ትማሊ ሕጽረትና ክንመሃረሉ ከም ዝግበኣና ግና ኣይንዘንግዕ። ትማሊ ዘካየድናዮ ዘየርብሓና ናይ ሕድሕድ ጐንጺ ኣሕሊፍና ኢና። ካብኡ ብዘይምምሃር፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት መድረኽ ቃልሲ’ውን ሰኣን ምክእኣልን ምጽውዋርን ብሓደ ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ዝነበረ ወርቃዊ ንህግዲፍ ናይ ምስዓር ግዜ ከም ዘባኸና ክንእመን ይግበኣና። ካብቲ ዝሓለፈና ዕድል ክንመሃር ግና ሕጂ’ውን ቅኑዕ እዩ። ነቲ ካብቲ ዝሓለፈ ኣሉታ ክንመሃሮ ዝግበኣና እንተ ኣጽኒዕናዮ ዳግማይ ጌጋ ኣይክንፍጽምን ኢና። ነዚ እንተዘይበቒዕና ግና በቲ ኣብ መጻኢ ክንትግብሮ ዝጽበየና ዕማም ዘይምትግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ክንመሃረሉ ዝግበና ብዘይምምሃርና’ውን ክንጣዓስ ኢና።
ሎሚ እነርእዮ ናይ ትግሃት፡ ሓልዮትን ምክእኣልን ብቕዓት ናይቲ ጽባሕ ዝጽበየና ዕማም ምዕዋት ኣመላኻቲ እዩ። ሎሚ ኣብ ዘይመድመድናዮ ባይታ ናይ ጽባሕ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክስረትን ክዕወትን ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ዕላማና ሎሚ ንህግዲፍን መላኺ ኣተሓሳስባኡን ኣወጊድና ጽባሕ ኣብ ክንድኡ፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ህዝባውን ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ዘመልክቶ ከኣ፡ እቲ ናይ ጽባሕ ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ራህዋ ሸቶና፡ ብናይ ሎሚ ኣተሓሳስባናን ግብራዊ ስጉምትናን ኣዝዩ ዝጽሎ ምዃኑ እዩ። ሎሚ ካብ ሕዱር ቂም ወጺእና፡ ቀዳምነታትና ብንጹር ሰሪዕና፡ ሕድገትን ምክእኣልን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ዓጢቕና እንተዘይተሰሊፍና፡ ኣብ ዘይብሩህን ዘይምትእምማንን መጻኢ “ከምዚ ክንገብር ኢና” እንተበልና፡ ተቐባልነትና ኮነ ተዓዋትነትና ምሉእ ከም ዘይከውን ምግንዛብ የድልየና። ምስዚ ኣብ ዝዛመድ ምሁራት “እቲ ዘርብሕ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍካዮ ንውሓት ግዜ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዘሕለፍካዮ ግዜ ዘመዝገብካዮ ቁምነግር እዩ” ንዝብልዎ ምርዳኡ ኣገዳሲ እዩ።